28
Sun, Apr
0 New Articles

ዕውት ክትከውን ትደሊ ዲኻ? (Part 2)

Message 4
Typography

ዮሴፍ

መቸም እንተ ብብዙሕ ወይ ሒደት ኩላትና ዛንታ ዮሴፍ ኣንቢብና ወይ ሰሚዕና ኣሎና፣ ዮሴፍ ገና መንእሰይ እንከሎ እዩ ናይ ህይወት ውጻእ ውረድ ክሓልፍ ጀሚሩ፣ እዚ ካብ ንእሰንቱ ንእግዚኣብሄር ምፍራህ እንታይ ማለት ምዃኑ ዝርዳኣ መንሰይ። ብድሆ ህይወት ኣብ ውሽጢ ቤቱ እዩ ጀሚርዎ፣

ዮሴፍ ኣብ ቤቱ ብጽፈትን ብስነ ስርዓትን ይመላለስ ስለ ዝነበረ ነዚ ዘይፈተዉ ኣሕዋቱ ግና በይንነትን ተንጸሎን መታን ከጥቅዖ ብምባል ነጺሎሞ እዮም፣ ብርግጽ ተንጽሎ ቀሊል ኣይኰነን፣ ብፍላይ ድማ እቶም ቀረባኻ ናትካ ትብሎም ካብ እኩይ መንፈስ ተላዒሎም ክፈልዩኻ ከለዉ ዝወርደካ መንፈሳውን ስነ ኣእምራውን ተንጽሎ ዓቢ እዩ፣

እንሓንሳብ ከምዚ ዝዓይነቱ ፈተና ንኽትጸሮ እምብዛ ከቢድ እዩ፣ ዮሴፍ ግና ካብ ኣሕዋቱ ብዝወርዶ ዝነበረ ተንጽሎ ተስናቢዱ ምስኦም ብፍጹም ክደናገጽ ኣይተራእየን፣ ብኣንጻሩ ነዚ ብዲሁ ጉዕዞ እምነቱ ክቕጽል ከሎ እዩ ተራእዩ፣ ንሕና መንእሰያት ብዙሕ ጊዜ ብሰንኪ እንክተሎ መንገዲ እምነት ካብ ቤትናን ጎረባብትናን መቕርብና ንዝወርደና ተንጽሎ ኣዚዩ ዓቢ እዩ ገለ ነዚ ሰጊሮም ደው ክብሉ ከለዉ ገለ ግና ካብ ተንጽሎ ንምህዳም ንእምነቶም ንድሕሪት ዝጐቱ ኣዝዮም ብዙሓት እዮም፣

ሰባት ክሓድጉኻ ምስኻ ድማ ምድንጋጽ ከቋሩጹ ይከኣል እዩ፣ ከምዚ ስለ ዝዀነ ግና ንስኻ ክትስናበድ የብልካን ከመይሲ እቲ ዘይንጽልን ዘይርሕርሕን ኣምላኽ ምሳኻ ስለ ዘሎ፣ ዮሴፍ ገና ኣብ ንእሱ ዕድሚኡ ከምዚ ዝዓይነቱ ተነጽሎ ክገጥሞ እንከሎ መዓረ ኽንደይ ከቢድዎ ከምዝነበረ ርድኡ እዩ፣ ወትሩ ኣብ ገዛ መጺኡ ዝተጸወጋ ገጻት ኣሕዋቱ ክርኢ እንከሎ ቀሊል ኣይኰነን፣ ንሱ እውን ሰብ ስለ ዝዀነስ ፍቕሪ የድልዮ እዩ፣ ዮሴፍ ግና ብሰንኪ ኣንጻር ሓጥያት ዝነበሮ መርገጺ። ነዚ ሕውነታዊ ቤተሰባዊ ፍቕሪ ከም ዝግባእ ኣየሰተማቖሮን፣ ዮሴፍ ግና ውሕስነት ህይወቱ ኣብቲ ኩሉ ዝኽእል ኣግዚኣብሄር ስለ ዝገበረ ኣብ ጉዑዞ ህይወቱ ኣይከሰረን፣

ንሕና ኣብዛ ጸልማት ዝኸብባ ዓለም ንነብር ስለ ዘሎና። ብቕድስናን ንጽህናን ክንመላለስ እንከሎና ናይ ግድን እዩ ካብዛ ፍትሓዊት ዘይኰነት ዓለም ኣድልዎን ግፍዕን ክበጽሓና፣ እንሓንሳብ ድማ ይግባኣና እኳ ክነሱ ብሰንኪ ኣብ ኣምላኽ ዘሎና እምነት መሰልና ዝግፈፍ እዋን ብዙሕ ጊዜ አዩ፣ ብርግጽ እዚ ከቢድ ምኻኑ ፍሉጥ እዩ፣ ግና በዚ ተሰናብድና ስፍራና ክንሕድግ የብልናን፣

ዮሴፍ ኣብ ቤቱ እቲ ዝግብኦ ኩሉ እናገበር ክነሱ እዩ ዝገብኣ ዘይረኸበ፣ ይኹን እምበር በዚ ሰንቢዱ ዕርፉ ኣይደርበየን፣ ሎሚ ንሕና ንገብሮ ዘበል ኩሉ ካብ ሰባት ናእዳን ክብርን ክንረክብ ዘይኰነስ ካብቲ ኩሉ ዝኽእል ዓስቢ ንምርካብ እዩ፣ እቲ ቑዱስ ጹሑፍ እውን ክንግረና ከሎ ትገብርዎ ዘበለ ኩሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ብጐይታ የሱስ ክርስቶስ ግበርዎ እዩ ዝብል፣

ኩቡራት መንእሰያት እዚ ሕጂ ብሰንኪ ኣብ ጐይታ ዘሎና ካብ ቤተሰብ ጀሚሩ ክሳብ ካልኦት ዝበጽሓና ተነጽሎን ዘይፍትሓውንውትን ነቲ ኣብ ዝመጽእ እንረኽቦ ዓቢ ክብሪ ብፍጹም ከምዘይማዓራረዮ ፈሊጥና። ወትሩ የዒንትና ናብቲ ከኣሊ ኣምላኽ ንጠመት፣ ንዮሴፍ ፈተና ወይ ብድሆ ግና ተነጽሎ ጥራይ ኣይነበረን፣ ካብኡ ብዝገደደ ኣብ ህይወቱ ካብ ኣሕወቱ ዓቢ ኽሕደት እዩ ገጢምዎ፣ ኣምላኽ ኢዱ እንተ ዘየኣቱ ኔሩ ንሞት እዮም ፈርዶሞ፣

ዮሴፍ ኣብ ዘይፈልጦ ዓዲ ጓና ብዘይጠቅም ገንዘብ ተሸይጡ እቲ ኣዚዩ ብሉጽ ዝዀነ ዓላማ ኣምላኽ ምስኡ ስለ ዝነበረ ግና ኣይተሰናበደን፣ ኣብቲ ዓዲ ስደቱ ከይተረፈ ኣምላኽ ባሪኽዎ፣ ኣብዚ እዋን እዚ ከይተረፈ ግና ፈተናን ብድሆን ኣሰር ኣሰሩ ካብ ምስዓብ ኣየቃረጸን፣ ከምቲ ንኹሉ መንእሰይ ዝገጥሞ ናይ ስጋ ፈተና ካብ ሰይቲ ጶጢፋር ገጥምዎ፣ በዚ ብድሆ እዚ ድማ ኣይተሳዕረን፣

ፈተና ክመጸና እንኰሎ ክንፈልጦን ክንስሕቶን ዘይብልና ሓደ ሓቂ መስዋእትነት ንምኽፋል ንሕተት ከም ዘሎና ምርዳእ እዩ፣ የሴፍ እንተዀነ እውን ነዚ ዝገጥሞ ዓቢ ብድሆ ምስ ሃደመሉ ናእዳ ብዙሓት ዘይኰነስ ካብቲ ዝሓለፈ ዝገደደ መከራ እዩ ገጢምዎ፣ እንሓንሳብ ብዓወት ንዝሰገርካዮ ፈተና ንኻብኡ ዝገደደ ፈተናን ብድሆን የዳልወካ ምኻኑ ምዝካር ሰናይ እዩ፣

ካብቲ ዘገርም ዮሴፍ ነቲ ኣዚዩ ምውቕ ዝመስል ፍቕሪ ናይ ሰይቲ ጶጢፋር ኣይተቐበሎን ብጊዚያዊ ጣዕሚ ኣይተሓበለን ንሕና ኸ? ሎሚ ዘመን ንብዙሓት መንእሰያት ኣብ ኣምላኽ ዘለዎም ፍቕሪ ዘዛሕትሎ ዘሎ ጊዝያውነት ዓለም እዩ፣ እዚ ድማ ንብዝሓት ካባታትና ዘይስገር ዓቢ ዓቐብ ኰይኑና ኣሎ፣ ግና ንዘክር ዓለም ሓላፊት እያ ፍትወታ ከኣ እቲ ፍቓድ ኣምላኽ ዝገብር ግና ንዘልኣለም ክነብር እዩ፣ ፍቓድ ኣምላኽ ንመንእሰይ ብዘመጾ ዓለማዊ ዕድመን ምድራዊ ፈተናን ከይተበደሀ ንኣምላኽ ክነብር እንከሎ ጥራይ እዩ፣ እዚ ድማ ብጸጋ ኣምላክ ይካኣል እዩ፣

ዓለም ሰይጣን ስጋ ኣጽዋሮም ኣንጻርና ክዝርጉሑ ናይ ግድን እዩ፣ ንዓና ከውድቑና ብኹሉ ሓይሎም ክትንስኡ ድማ ባህርያዊ እዩ። እንተኸነ ንሕና በዚ ናታቶም ከይተዳሃልና ጉዕዘና ንቐጽል፣ ዮሴፍ ንሓጢያት ኣይተንበርከኸን፣ ብዝገበርካዮ ተኸሲስካ ገበነኛ ኢካ ክትበሃል ንቡር እዩ፣ ብዘይገበርካዮ ገበን ገበነኛ ክትበሃል ግና ኣዚዩ ከቢድ እዩ፣ ንዮሴፍ ድማ እዚ ብድሆ እዚ እዩ ገጢምዎ፣

ዮሴፍ ንዝነበሮ ንጽህና ዝርዳኣሉ ሰብ ብፍጹም ኣይነበረን፣ ንሱ እዉን ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ክማጐተሉ ዝኽእል ዓቅሚ ስለ ዘይነብሮ ድማ ከምታ ንማሕረዲ ተጐቲታ ትኸይድ በጊዕ ብስቕታ እዩ ናብ ቤት ማእሰርቲ ዝተዳጐነ፣ ዮሴፍ ግና በዚ ርዒዱ። ንዝሓዞ ዕላማን ንዝተቐበሎ ተስፋን ኣይደርበዮን ኣብቲ ምድብ ጊዜኡ ድማ እቲ ንብድሆታት ሰጊሩ ንኣምላኽ ዝተኣመነ ዮሴፍ ብዘደንቕ ክብሪ ከቢሩ፣

ኩቡር መንእሰይ ንሕና መንእሰያት ድማ ንኣምላኽ ተኣሚና ብዝመጸና ብድሆ ከይሰንበድና። ኣብቲ ዘፍቅረና ኣምላኽ እንተ ጸኒዕና ክንዕወት ናይ ግድን እዩ፣ ዮሴፍ ብዝገጥሞ ውሽጣውን ደጋውን ብድሆታት ከይተሰነፈ ዝረዀቦ ክብሪ ሎሚ ድማ ናትና ክኸውን ምጥማትና ናብ ኣምላኽ ይኹን፣

ምስ ኣምላኽ ምኳን ንዕኡ ምግልጋልን ጡዑምን ጉሩምን እኳ እንተዀነ ዋጋ ዘኽፍል ምኳኑ ክንርዳ እከሎና ንባዕሉ ሓደ ዓቢ ዓወት ምዃኑ ንረዳእ፣ ዮሴፍ ግና ነቲ ዝነብሮ ናይ መከራ ብድሆ ጥራይ ኣይኰነን ብዓወት ሰጊርዎ እንታይ ድኣ ብተወሳኺውን በቲ ዝነበሮ ጣዕምን ምቸትን ከይተዓሸወ ምስክርነት ህይወቱ ከየባለሸወ ሓሊፉ፣

ኣብ ጊዜ መከራን ስቓይን ሽም ኣምላኽ ምጽውዕ ጽቡቕ እኳ እንተዀነ። ኣብቲ መከራኻ ተወድኡ ኣብ ጐደና ዓወት ኣብ ትመላለሰሉ ጊዜያት ግና ንኣምላኽ ምእማን ብዓወትካ ዘይምዝንጋዕ ካብቲ ቀድማይ ዝረኸብካዮ ዓወት ዝበለጸ ዓወት እዩ፣

ብዙሕ ጊዜ ኣብ እዋን ምቾትን በረከት ንኣምላኽ ዘሎና ምእማን ንባዕሉ ኣዚዩ ከቢድ ብድሆ እዩ፣ ነዚ ንምስጋሩ ድማ ካብ ኣምላኽ ምስትውዓል ክንቅበል ከድልየና እዩ፣ ኩሉ ጊዜ ንዝመጸና ኣውንታዊ ይኹን ኣሉታዊ ብድሆታት ክንሰግሮም ክንክእል መታን ወትሩ ናይ ውሳኔ መንፈስ ክህልወና ይግብኦ፣ እዚ ካብ ኣምላኽ ዝርከብ ስለ ዝዀነ ድማ ምሱኡ ጊዜ ክንወስድ ከድልየና እዩ፣ ኩቡራት መንእሰያት ኣብ ኩሉ ናይ መከራናን ፈተናን እዋናትና ሓደ ዓቢ ክንዝክሮ ዝግባኣና ነጥቢ እንተሃልዩ ከኣልነትን ብርተዐ ኣምላኽን እዩ፣ ንሱ ከቶ ኣይሓድገናን ኣይክጥንጥነና እዩ፣ ነቶም ንኣምላኽ ዘፍቅሩ ከምኽሩ ድማ ዝተጸውዑ ኩሉ ነገር ንሰናዮም ከምዝድግፎም ንፈልጥ ኢና ተባሂሉ ኣሎ እሞ። ኣብ ውሽጢ ጸልማትና ብርሃን ከምዘሎ ፈሊጥና ንጽናዕን ንትባዕን፣

ኣምላኽ ዘሕልፍና ናይ ብድሆ ጐደና ጸሊእና ዘይኰነስ። ካባና ኩቡር ነገር ከውጽእ ስለ ዝደለየ ጥራይ እዩ፣ ከምቲ ፍረ ስርናይ ከይሞተተ ብዙሕ ዘይትፈሪ ናትና ናይ ክርስትና ህይወት ድማ ከምኡ ስለ ዝኸነ እንሓልፎ ኩሉ ናይ ሞት ጐደና ንቡዙሕ ፍረን በረኸትን ምዃኑ ንዘክር፣ ከምቲ ዮሴፍ ከም ብሓዊ ዝሓለፈ ወርቂ ምስ ተዀለዐ። ኣብ ዓቢ ክብሪ ዝኣተወ ንዓና ድማ እዚ ሽዓ ዝሓልፍ ቀሊል መከራና ማእለያ ዘይቡሉ ቡሉጽ ሃብቲ ኣምላኽ የዳልወና ከምዘሎ ፈሊጥና ንጽናዕ፣

ብድሆን መከራን ናብቲ ዝመጽእ ከብሪ ዘሰጋግር ሓደ ዓቢ ድልድል ምኻኑ ንረዳእ፣ ሰይጣን ዓለም ስጋ ዘምጽኣዎን ዘቕርብዎን ማኣዲ ምትላልን ምንዋጽን ከይተቐበልና ጉዕዞ ክርስትናን ንመርሽ፣ ኣብቲ መወዳእታ ድማ ኣምላኽ ንፍቑራቱ ዘዳለዎ ኣክሊል ህይወት ክንቅበል ኢና፣ ኩቡራት መንእሰያት እምበኣር ኣስር እቲ ኣርኣያ ዝሓደገልና ዮሴፍ ኣናረኣና ብዝኰነ ዓይነት ብድሆ ከተሰናበድና ናብ የሱሱ እቲ ዝዓበየ ሊቀ ካህናትና ንጉየይ፣ ኣምላኽ ሰማይ ድማ ክሳብ ምጻተ ዓለም ምሳና እዩ፣ ንሱ ድማ ኣ ጊዜ እቲ በዳሂ እዋና ዘድልየና ጸጋን ሓይልን ኩሉ ክህበና እዩ

<< ሕጂ ግና ኣታ ያእቆብ እቲ ዝፈጠረካ ኣታ እስራኤል እቲ ዝደኰነካ ከምዚ ይብል ተበጀየካ እየ እሞ ኣይትፍራህ ብስምካ ጸዋዕኩካ ንስካ ናተይ ኢኻ፣ ብማያት ምስ ትሓልፍ ምሳኻ ክከውን እየ፣ ብውሒዝ ምስ ትሳገር ኣይኬጥሕለካን እየ፣ብሓዊ ምስ እትኸይድ ኣይክትነድድን ኢኻ፣ ሃልሃልታ ሓዊ እውን ኣይክህምኸካን እዩ፣ ኣነ እግዚኣብሄር እቲ ናይ እስራኤል ቁዱስ መድሓኒኻ እየ እሞ። ንግብጺ በጃኻ ንኢትዮጵያን ስባን ኣብ ክንዳኻ ኣሕለፍኩ ኣብ ኣዒንተይ ቡሉጽን ክቡርን ስለ ዝኰንካ ስለ ዘፍቀርኩኻን ኣብ ክንዳካ ሰባት ኣብ ክንዲ ህይወትካ ድማ ህዝብታት ክህብ እየ፣ ምሳኻ እየ እሞ ኣይትፍራህ>> ኢሰ 43። 1-5፣

3 ብዛዕባ ካልኦት ሰናይ ኣረኣእያ ምምዕባል፣

ሎሚ ኩሉትና ኣብዛ ምውድዳርን ዝናን ዝበዛሓላ ዓለም ኢና ንንበር ዘሎና፣ ነፍሲ ወከፍ ፍጡር ወዲ ኣዳም ድማ ካብቲ ካልእ ብጻዩ በሊጹን ወቂቡን መታን ክርኣ እዚ ዘይበሃል ቃልሲ የካይድ፣ ሰብ ብተፈጥርኡ ናይ ካልእ ሰብ ሰናይ ናይ ምድላይ ብህሪኡ ኣዚዩ ዱርት እዩ፣ እዚ መንፈስ እዚ ከኣ ካብ ውደቀት ጀሚሩ ኣብ ኣዳምን ሄዋንን ከምኡ ድማ ኣብ እቶም መንእሰያት ዝኰኑ ቃየልን ኣቤልን ዝተራእየ ሓቒ እዩ፣

እዚ ዓይነት መንፈስ ካበይ እዩ ዝመጽእ እንተ ተባህለ ካብ ዱሩትነትካ ዘይምርዳእን ካብ ዘይምዕጋብን እዩ ዝነቅል፣ እዚ ዓይነት መንፈስ መንሽሮ ሕብረተሰብ ኰይኑ እንሆ ኣብዛ ዓልም ዘይፍትሐውነትን ጐነጽን ጐሉሑ ይረኣ ኣሎ፣

ቃየል ንኣቤል ክቐትሎ ከሎ ቀንዲ መበገሲኡ ሓው ልዕሊኡ መጐስ ስለ ዝረኸበ ጥራይ እዩ፣ ቃየል ኣብ ክንዲ ሓው ብከመይ መንገዲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ መጐስ ከምዝረኸብ ፈሊጡ ጌጉኡ ድማ ተኣሪሙ ብሓድሽ መንፈስ ኣብ ቅድሚ ፈጣሪኡ ዝቐርብ። ደም ሓው ብምፍሳሱ መረገም ክዓጽድ ከሎ ኢና እንርኢ፣

ሰይጣን ኣብና መንእሰያት ከሕድሮ ህርዲግ ዝብል መንፈስ ድማ እዚ ንዓይ ጥራይ ዝብል መንፈስን ብዓውት ካልኦት ድማ ከይንሕጐስ ምግባር እዩ፣

ብዙሕ ጊዜ ካብቲ ኣብ መንገድና ዘጋጥመና ውድቀት ሓደ መበገሲኡ ኣብ ካልኦት ዘሎና ኣረኣእያ ጹቡቕ ዘይኰነ ስለ ዝዀነ ክኸውን ይኽእል እዩ፣ ዓለም ትምህርካ ምህሮ እንተሃልዩ ውድድር እዩ የሱስ ዝሓደገልና ኣርኣያ ግና ንብጻይና ከም ነፍስና ምፍቃር እዩ፣

ናይ ዓለም ፍልስፍና ሓለፋ ሓውኻ በሊጽካ ክትርኣ ዝብል እንተኰይኑ ፍልስፍና የሱስ ግና ንብጻይካ ካባኻ ንላዕሊ ኣብሊጽካ ምርኣይ እዩ፣ ካብቲ ሓደ ዕውታት ኰይና ጉዑዘና ክንውድእ ዝገብረና ነጥቢ እምበኣር እዚ ኣብ ጻይና ዘሎና ኣወንታኢ ኣረኣእያ እዩ፣ ንሕና ብሰናይን ጽቡቕን ኣሕዋትና ባህ ዘይብለና ምስ እንኸውን ኣብ ጉዑዞ መንፈሳዊ ህይወትና ገለ ነገር ጐዲልና ከም ዘሎና መርኣያ ምዃኑ ዘይምዝንጋዕ፣

ሓደ ጊዜ ዝርኣኹዋ መንፈሳዊት ፊልም ኔራ። ንሳ ድማ ሓንቲ መሓዝኣ ጹቡቕ ዝረኸብት ሰብ ካብ ቅንኢ ዝተላዕለ ንብጸይታ መዕረ እንዳ ጥንቆላ ብምኻድ ኣብ ሓዳራ ሕንፍሽፍሽ ኣእተወትላ ነታ ሰብ ኣምላኽ ረዲኢዋ ድሕሪ ብዙሕ መከራን ስቓይን ካብ እታ መሓዝኣ ዘጻወደትላ መፈንጥራ ሰይጣን ኣምሊጣ፣ መሓዝኣ ግና ኣብ መወዳእታ ሰናይ ኣይረከበትን፣ ኩብራት መንእሰያት ንሕና መንእሰያት ንየሱስ ክንመስል እምበር ኣንጻር እቶም ካባና ጸብለል ዝበሉ ሰባት ክንላዐል ኣይኰነን፣

እቲ ብዓወትን ሰናይ ካልኦት ዝቐንእ መንእሰይ ኣብ ዘመን ህይወቱ ኩሉ ውድቀትን ስዕረትን ዝለማመድ ሰብ እዩ፣ ነቲ ካልኦት ዝበጽሕዎ ምብጻሕ ጐነጽን ሓይልን ቅንእን ምዝውታር ፋይድኡ ኣዚዩ ሓደገኛ እዩ፣ ኣሕዋት ዮሴፍ ኣብ ልዕሊ ሓዎም ማእልያ ዘይብሉ ኣደራዕ ክፍጹሙ ዝገበሮም ሓደ ቅኒኢ ወይ ድማ ሰናይ ናይ ዮሴፍ ስለ ዘይደለዩ ጥራይ እዩ፣

ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ንሕና እውን ከይተረፈ እንተ ብቕጥታ ወይ ብተዘዋዋሪ ብሰንኪ ኣሕዋትና ዘለዎም ሰናይ ነገር ተደፋፍኢና። ብቕኒኢ ዝተላዕለ ኣብ ዓቢ ኣደራዕ ዘእተናዮም ኣሕዋት ሒደት ኣይኰነን፣ ዓውትን ሰናይን ኣሕዋትና ጥቕሙ ንዓና ምኻኑ ሳእኒ ዘይምርዳእና ዝኸሰርናዮ ክስራታት ኣዚዩ ብዙሕ እዩ፣

ውድቀት ሓውና ናይ በይኑ ጥራይ መሲልና ኣስናን ከፊትና ብሰሓቕ ዝሓጨጭናሉ ጊዝያት ግና ውሕድ ኣይከነን፣ እምበኣር ኩቡራት መንእሰያት ክርስትያናት እስከ ንገዛእ ርእስና ንፈትሽ፣ ኣብ ካልኦት ዘሎና ኣረኣእያ እንታይ ኰን ይመስል?

ዓወት ሓውና ወይ ሓፍትና ንዓና እንታይ እዩ? << ሓንቲ እኳ ንዓይ ይጥዓመኒ ብምባል ንውዳሴ ከንቱ ኣይትግበሩ፣ ብትሕትናስ ግና እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ካብ ርእሱ ኣብሊጹ ይርኣዮ፣ ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ድማ እምበር ነፍሲ ወከፍ ንርእሱ ዝሕሾ ኣይጠምት>> ፊሊ 2።3-4፣

ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍና ኣኽቢሩን ኣማዕሪጉን እዩ ዝፈጠረና ስለዚ ነፍስ ወከፍ ፍጡር ወዲ ኣምላኽ ንመንግስቲ ኣምላኽ ይጠቅም እዩ፣ እምበኣር እቲ ዝዓበየ ጸሎትና ኣምላኽ ኣብ ካልኦት ዘሎና ኣረኣእያ ሰናይን ጹቡቕን ክገብሮ መታን ክኸውን ኣሎዎ፣ እቲ ዘገርም በረኸቱ እምብዛ ዝዓቢ ሰብ እቲ በረኸት ካልኦት ክዓቢ ከሎ ዝሕጐስን ዝፍሳህን ሰብ እዩ፣

ድሌት ጐይታን የሱስ ክርስቶስ ዓወት ባሮቱ ጥራይ ዘይከነስ ሰናይ ጸላእቱ ከይተረፉ ክርኢ እዩ ሃረር ዝብል ዝነበረ ፣ ኣብ ዘመን ህይወቶም ብሉጽ ነገር ረኺቦም ዝሓለፉ ሰባት እቶም ንብሉጹነት ካልኦት ዝተጋደሉ ሰባት ምዃኖም ንፍለጥ፣ ኣምላኽ ዘዕብዮም ሰባት ድማ ነቶም ዕቤት ካልኦት ክርእዩ ሃረር ዝብሉ ሰባት እዩ፣

እቶም ናተይ ኣገልግሎት ጥራይ ክረኣ ኣለዎ ዝብሉ መንእሰያት ፍረ ዘለዎ ኣገልግሎት ኣገልጊሎም ሓሊፎም ኣይፈልጡን እዮም፣ ኩሉ ጊዜ እቲ ኣብ ህይወትና ክንርእዮ እንደሊ ሰናይ ነገር ኣብ ካልኦት ክኸውን ድማ ክንምነ ይግባኣና፣

ህይወት ክርስትና ንኣምላኽን ንኻልኦትን እትነብሮ ናብራ እምበር ንዓይ ይጥዓመኒ እናበልካ ትኸዶ መንገዲ ኣይኰነን፣ ሓደ ጊዜ ኣብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብሙሴ ጌሩ ንእስራኤላውያን ኣብ ዝመርሓሉ ዝነበረ ጊዜ ። እቶም ቀረብኡ ዝዀኑ ኣሕዋቱ ካብ ቅንኢ ዝተላዕለ ኣንጻር ሙሴን ኣገልግሎትን ክላዓሉ ከለዉ ንርኢ፣ እግዜኣብሄር ብሙሴ ጥራይ ድዩ ዝጥቀም? ብኻልእ ኣዘራርባ ንሱ ካብ መን ይበልጽ እዮም ዝብሉ ዝነበሩ፣ እዚ ዘረባ እዚ ድርኺቱ ኣዚዩ ሕማቕ ስለ ዝነበረ ኣምላኽ ብፍጹም ኣይተሓጐሰን፣ እዚ ዓይነት ሓደገኛ መንፈስ ሚርያምን ኣሮንን ድማ ኣብ እስራኤል ዓቢ ዝኰነ መርገም ኣምጺኡ፣

ሚርያምን ኣሮንን ብሰንኪ ኣምላኽ ብሙሴ ዝገብሮ ዝነበረ ሰናይ ነገር ዘይምሕጓሶም ብኢድ እጊዚኣብሄር ክቕጽዑ ከለዉ ንርኢ ብሰንኩ ድማ እስራኤላውያን ንሸውዓተ መዓልቲ ካብ ጉዕዞ ተጓናዲቦም፣ ኣሮንን ሚርያምን ዘየሰተውዓልዎ ነገር እንተ ኔሩ። ብሙሴ ዝግበር ዝነበረ ስርሓት ንጥቕሞምን ንበረኸቶም ምንባሩ ዘይምፍላጦም እዩ፣

ሎሚ ንሕና በቲ ኣምላኽ ኣብ ኣሕዋትና ዝገብሮ ስርሓት ዘይንሕጐስን ባህ ዘይብለናን እንተኰይኑ ብርግጽ ኣባናን ኣብ ህዝቢ ኣምላኽን መረገም ከነመጽእ ስለ እንኽእል ኢድ ብኢድ ድማ ከይተቐጻዕና ከም ዘይንተርፍ ክንርዳእ ኣሎና፣ እቲ ኣዚዩ ዱኹም ሰብ መን እዩ እንተ ተባህለ እቲ ብሰናይ ናይ ኣሕዋቱ ባህ ዘይብሎ ሰብ ጥራይ እዩ፣ መጽሓፍ ቁዱስና ካብ ካልኦት መጽሓፍቲ ዝፈልዮ ነገር እንተሃልዩ ንኻልኦት እምበር ንገዛእ ርእስና ከንቐድም ከም ዘይብልና ስለ ዝምህረና እዩ፣

የሱስ ክርስቶስ ድማ ነዚ ዓቢ ኣርኣያ ገዲፉልና ከይዱ ኣሎ፣ ኣብዚ ጊዜ እዚ ብሰንኪ ኣብ ኣሕዋቶምን ፈተውቶም ዝርእዮዎ ሰናይ ነገር ከይደቀሱ ዝሓድሩ ሰባት ማኣለያ የብሎምን፣ ብሰንኪ እዚ ድማ ኣብ ተንኰልን ሸርሕን ብምእታው መንፈሳውን ስጋውን ገበን ብምፍጻም ኣብ ክወጽሉ ዘይክእሉ ናይ መንፈሳዊ ውድቀት ይሽመሙ፣ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ክሓስብ ከለኹ ኣብ ኣእምሮይ ዝመጸኒ ሰብ ኣብርሃም እዩ፣

ኣብርሃም ኣብቲ ኣምላኽ ካብ ኣዝማዱን ቤተሰቡን ዓሌቱን ክወጽእ ኣብ ዝነገሮ እዋን ምስኡ ዝተማለኦ ሎጥ ዝበሃል ወዲ ሓዉ ኔርዎ፣ ጥሪት ክልቲኣቶም ምስ በዘሓ ድማ ይብለና ቃል ኣምላኽ ኣብ ምንጐ ጓሶት ክልቲኣቶም ባእሲ ኰነ፣

ኣብርሃም ነዚ ነገር እዚ መዕለቢ ክገብረሉ ስለ ዝደለየ ንወዲ ሓዉ ሎጥ ከምዚ በሎ <<ኣብራም ከኣ ንሎጥ። ንሕና ኣሕዋት ኢና እሞ በጃካ ኣብ መንጐይን ኣብ መንጐኻን ኣብ መንጐ ጓሰተይን ጓሰተካን ባኣሲ ኣይኹን፣ ኩላስ እዛ ምድሪ ዶ ኣብ ቅድሜኻ ኣየላን? ሕድርኻ ካባይ ተፈለ፣ ናብ ጸጋም እንተበልካ ኣነ ድማ ናብ የማን እብል ናብ የማን እንተበልካ ኣነ ድማ ናብ ጸጋም እብል>> ዘፍ 13።8-9፣ ንርኢ ኣሎና ዶ? ኣብርሃም ንብጻዩ እምበር ንዓይ ኣይበለን፣ ኣብርሃም እዚ ዝገበረ ዘይግብኦ ስለ ዝዀነ ኰይኑ ዘይኰነስ ካብ ንዓይ ንብጻየይ ዝብል መንፈስ ስለ ዝነበሮ ጥራይ እዩ፣

ቀዳምነት ናይ ምምርጽ መስል ንኣብርሃም እኳ ይግባእ እንተዀነ እዚ ዓይነት ሓለፋታት ንሎጥ እምበር ንገዛእ ርእሱ ኣይተጠቕመሉን፣ እቲ ሓለፋ ገዛእ ርእሱ ንኻልእ ሰናይ ዝሓስብ ሰብ ከምቲ ንኣብርሃም ዝበጽሖ ናይ በረኸት ዕጫ ክበጽሖ ናይ ግድን እዩ፣

በረኸት ካልኦት ዘይደልን ብበረኸት ካልኦት ድማ ዘይሕጐስን ሰብ በረኸት ክቕበል ዘይሕሰብ እዩ፣ እቲ በመንፈሳዊ ዕቤት ካልእት ዝሕጐስ ሰብ ጥራይ እዩ ኣብ ጉዕዞ መንፈሳዊ ህይወቱ ዓወትን ምጥሓስን ዝለማመድ፣ ብዙሕ ጊዜ እቲ ኣብ ስጋዊ ህይወቱ ከይተረፈ ዘትረፍረፍ በረኸትን ብልጽግናን ዝረክብ ሰብ እቲ በቶም ብስጋዊ ህይወቶምን ኢኮኖሚያዊ መዳያታም ንዝተዕወቱ ሰባት ብምርኣይ ባህ ዝብሎ ሰብ እዩ፣ ኣብ ግላዊ ዓወትን ረብሓን ዝኣምን ኣማኒ ገና ንኣምላኽ ኣይፈልጦን ዘሎ፣ ከምቲ ንሱ ዘለዎ ሰናይ ነገር ሓው ክህልዎ ዘይደሊ መንእሰይ ኣብ ጉዕዞ ህይወቱ ካብ ኣምላኽ ሰናይ ክረክብ እየ ኢሉ ክጽበ የብሉን፣ ሕጊ መድሓኒና የሱስ ክርስቶስ እዚ ኣዩ ከምቲ ንስኹም ክገበረልኩም ትደልዩ ካልኦት ድማ ከምኡ ክግበረሎም ድለዩ ዝብል እዩ፣ ሓደ ጊዜ ኣብ ዘመን ሙሴ ዝነበረ እያሱ ብዙሓት ክንበዩ ምስ ረኣየ ንጐይቱኡ ሙሴ መጺኡ ብዙሓት እምበር ይንበዩ ኣለዉ ምስ በሎ። ሙሴ ከኣ ንእያሱ ኣሸሎ ኩሎም ተንብዮም ብምባል ንእያሱ ገኒሕዎ፣ ሎሚ ኸ ንሕና ከምቲ ዘሎና ሰናይ ንገር ኣብ ካልኦት ምስ እንርኢ ብእኦም ዶ ባህ ይብልና ወይ ከይቅዱምና መታን ንምትዕንቓፎም ንጓየ?

ኣብ መንጐ ስኣልን ዳዊትን ዝነበረ ጽልኢ መበገሲኡ። ንጉስ ሳኦል ኣብ ልዕሊ ዳዊት ኩቱር ቅንኢ ስለ ዝነበሮ እዩ፣ ንግስነት ሳኦል ብሰንኪ ዳዊት ዝገበሮ ቅያ ደው ኢላ ክነሳ ሓለፋ ሳኦል ዳዊት ስለ ዝተናእደ ጥራይ ግና ሳኦል ብጓሂ ጣዕ ኢሉ ኣንጻር ዳዊት ማኣለያ ዘይብሉ ሽርሕታትን ውዲታትን ክገብር ከሎ ንርእዩ፣ ሳኦል ዘይተረድኦ ነገር እንተኔር ግና ናይ ዳዊት ህላውነት ኣብ መንግስቲ ሳኣል ኣድላይን ዓብን ከምዝነበር ዘይምፍላጥ እዩ፣ ሳኦል ብሰንኪ ኣብ ዳዊት ዝነበሮ ሰናይ ናይ ዘይምምናይ መንፈስ ኣብ ጥዕኑኡ ከይተረፈ ዓቢ ኣሉታዊ ጽልዋ ኔርዎ፣ ንመንፈስ ሰይጣን ድማ ኣዚዩ ቁሉዕ ነበረ፣ ንሕና ድማ ኣብ ካልኦት ዘሎና ኣረኣእያ ኣሉታዊ ምስ ዝኸውን ኣብቲ መንፈሳዊ ህይወትና ጥራይ ዘይኰነስ ኣብቲ ስጋዊ ህይወትና ከይተረፈ ዓቢ ዝኰነ ኣሉታዊ ጽልዋ እዩ ዘለዎ፣

ኩሉ ጊዜ እቲ ሰናይ ኣሕዋቱን ዓወታት ብጻዩን ዘይሕጉሶን ባህ ዘይብሎን ሰብ ስነ ኣእምራዊ ቅሳነትን ሕልናዊ ዕረፍትን የብሉን ውጺት ናይዚ ድማ እናታይ ምዃኑ ንምትንታኑ ዘሸግር ኣይኰነን፣ዮሴፍ ኣሕዋቱ ካብ ቅንኢ ዝተላዕለ ኣብ ልዕሊኡ ዝፈጸምዎ በደል ዓቢ እኳ እንተነበር። ንሱ ግና ኣብ ክብሪ ምስ ተቐመጠ ኩፉኣ ናይ ኣሕዋቱ ክርኢ ኣይተመነየን፣ ብኣንጻሩ ናታቶም ኩቡርን ቡሉጽን ነገር ክርኢ እዩ ተጓይዩ፣

ብዙሕ ጊዜ እቲ ዓወትን ሰናይን ብጻዩ ዘየሕጉሶ ሰብ ኩሉ ጊዜ ኩፍእ ናይ ብጻዩ ዝረኣየሉ ኣጋጣሚታት ጥራይ እዩ ዘመቻችእ፣ ኣይተረድኦን እምበር እዚ ናብ ዝገደደ ጥፋኣትን መርገምን እዩ ንዕኡ ዝመርሖ፣ ኣምላኽ ካብዚ ኸምዚ ይሰውረና፣ ኣግዚኣብሄር ኣብ ሓድሕድና ሰናይ ሕሊና ክንሕዝ እዩ ዝምዕደና፣ ኣብ ነሕድሕድና ሰናይ ሕልና እንተ ዘይብልና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክንቀርብ ትብዓት ክህልወና ኣይክእልን እዩ፣

እታ ቐዳመይቲ ቤተክርስትያን ካብቲ ሓደ መሰረት ዕቤታ ኣብቶም ኣሕዋት ዝነበረ ኩቱር ናይ ምትሕልላይ መንፈስ ስለ ዝሐዞም ጥራይ እዮ፣ ኩሉ ጊዜ እቲ ካብ ገዛእ ርእሱ ኣብሊጹ ሰናይ ነገር ኣብ ካልኦት ክርኢ ዝደሊ ሰብ ወትሩ ጐደሎ ኣሕዋቱ ክርኢ ከሎ ብስቡር ልቢ ስለ ኣሕዋቱ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ይቐርብ እምበር ናብ ምፍራድን ምትንዃልን ኣይቀዳደምን እዩ፣ ውድቀት ሓዉ ናቱ ውድቀት ምኳኑ ስለ ዝፈልጥ ወትሩ ኣብቲ ነቓዕ ሓው ምስ ቀመ እዩ፣ ሕፍረት ሓዉ ኣናራኣይ ልቡ ብሓጐስ ዝመልእን ዝሳሓቕን ሰብ ከምቲ ንካም ዝወረዶ ናይ ባርነት መረገም ከይተቐበለ ኣይተርፍን እዩ፣

ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ኢፈሶን ክጽሕፈሎም ከሎ << ግናኸ ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ የሱስ ይቕረ ዝበለልኩም ንሓድሕድኩም ተላዋህትን ተደናገጽትን ኳንኩም ይቕረ ተባሃሃሉ ይብል>> ኤፍ 5።32፣ እምበኣር ንሕና ከም ሰዓብቲ ኣምላኽ ንኣሕዋትና ካብቲ ሓደ ድንጋጸን ምሕረትን ለውሃትን እነርእየሉ መንገዲ ኣብ ልዕሊ ኣሕዋትና ዘሎና ሰናይ ዝኰነ ኣረኣእያን ኣተሓሳስባን እዩ፣

ንዓይ ይጥዓመኒ ዝብል መንፈስ ብሱሩ ናይ ሰይጣን እምበር ብሃሪ ደቂ ኣምላኽ ኣይኰነን፣ ካልእ ድማ እቲ ሰናይ ኣሕዋቱ ንምርኣይ ሃረር ዝብል ሰብ ኩሉ ጊዜ ብዛዕባ እቶም ብጾቱ ዝረኸብዎ ሰናይ ነገር ንኣምላኽ ኣናመስገን መመሊሱ ክበዝሓሎምን ክስስነልዎም ይጽልን ይንምነን፣

ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብቶም ኣሕዋት ባህ ዘብል ነገር ክሪኢ እንከሎ ተቐዳዲሙ ዝገብሮ ነገር እንተኔሩ ስሊኦም ንኣምላኽ ምምስጋን እዩ፣

ሎሚ እስከ ንገዛእ ርእስና ንፈተሽ ኣብ ኣሕዋትና ጹቡቕ ነገር ክንርኢ ከሎና ግብረ መልስና እንታይ እዩ? ስለ ኣሕዋትና ማለትና ኰይኑ ዶ ኣብ ኣምላኽ ቀሪብና ነመስግን ወይ ልብና ካባይ ንላዕሊ ነዚ እንዳበልና ነጉረምርም? ኣሕዋተይ ኣይንዓሹ እቲ እንዘርኦ ኢና ኩሉ ጊዜ ንዕኡ ኢና እንዓጽዶ፣ ኣብ ልዕሊ ሰባት ዝዘራእናዮ ድማ ኢና እትዋት እንኣትዎ፣ ብልብኻ ኣብ ሓውኻ ሰናይ ዘይተድሊ እንተኸንካ ደኣ እሞ ከምይ ጌርካ ኢኻ ሰናይ ነገር ካብ ኣምላኽ ክትቅበል እትጽበ?