19
Fri, Apr
0 New Articles

ኣድያም 3ያ ክፋል

Literature
Typography

ኣቦይ ዓንደ ኣብ ኣፍ ደገ እናዳ ፖሊስ ምስ በጽሑ ጉዳዮም ነቲ ዋርዳያ ነጊሮም ናብ ውሽጢ ኣተዉ፣ ሓደ ክዳን ፖሊስ ዝተኸደነ ኸኣ ኮፍ ክብሉ ድሕሪ ምንጋር ብዛዕባ ዘምጾም ጉዳይ ክዛረቡ ኣመልከተሎም “እዛ ወደይ ኣብዚ ወድኻ ተኣሲሩ ኣሎ እሞ ዋሕስ ኢሎሞስ ብዛዕባ ጉዳዩ ከጻሪ እየ መጺኤ” በልዎ ሓውሲ ፍርሓትን ሕንከትን ጌሮም፣ 


“ወድኹም መን እበሃል” “ሳሚኤል ዓንደ”  ፖሊስ መዛግብቲ ድሕሪ ምግንጻሉ ወዶም ኣብኡ ተሓይሩ ከም ዘሎ ነገሮም፣ ኣቦይ ዓንደ ገጾም ብሓርቖት ተኣሳሲሩ ልኽት ልኽት እናደበሉ “ምኽንያቱ እንታይ እዩ ኩቡር ፑሊስያ” ኢሎም ብሓርቖት ሓተትዎ፣ ፖሊስ ትቕብል ኣቢሉ “ወድኹም ሙሉእ ለይቲ ኣብ ሓደ ባር ክሰቲ ድሕሪ ምምሳይ ንሓደ ሓላፍ መንገዲ ሰልዲ ዘይሃብካኒ ኢሉ ሃሪሙ ሓደጋ ኣስዒብሉ ኣሎ..” ኢሉ ዘረብኡ ከይወደኣ ከሎ “እሞ ደሓን ድዩ ወይ …” ኢሎም ነታ ኽብልዋ ዝደለዩ ቃል ምውጽኣ ኣዚዮም ፈርሑ፣

 

ፖሊስ ከኣ ኩነታቶም ተርዲኡ “ደሓን እዩ ግና ኣስናን እቲ ሰብ ረጊፉ ኣሎ” ሕጂ እውን ዘረብኡ ከይወደኣ ከሎ “ደሓን ማርያም ኣውጺኣቶ ኣላ እንቋዕ ጥራይ ህይወቱ ኣይሓለፈ፣ ወደይ ጸጊቡ ወዲ ሰበይቲ ኮይኑ ኣነ ንዕኦም ከብልዕ ኣብ ዝብጻሕ ከብጽሕ ከርትት ይብል ንሱ ኸኣ መስተ በጃኹም ሓመድ ድፋጭኡ ኣውጽለይ”  ኣናበሉ ዘረባ ክውስኹ ምስ ሓሰቡ ፖሊስ ኣቃርጽ ኣቢሉ “ሕጂ ዝግበር ነገር የለን ወድኹም ብዋሕስ ክወጽእ ይኽእል እዩ፣ እቲ ወዲ ኣስናኑ ዝተሰብረ ግቡእ ሕክምና ክረክብን ኣስናኑ ክትከእን ኣለዎ፣ ወጻኢታት ኩሉ ግና ኣብ ልዕሌኹም ምዃኑ ክትዝንግዑ የብልኩምን” ኢሉ ሳዕቤን ጠንቂ ወዶም እንታይ ምኻኑ ነገሮም፣

ኣቦይ ዓንደ ኸኣ ደሓን እዚስ ህይወት ምስ ጠፈኣት እኳ ጋር ዝኽፈል እዚ ደኣ ኣየናይ ኮይኑ እንቋዕ ጥራይ ኣብ ደምነት ኣያኣተወና” ኢሎም ተመሳጊኖም ካብ እንዳ ፖሊስ ወጹ፣

ኣቦይ ዓንደ ንሳሚኤል ዋሕስ ከምጽሉ ተቐላጢፎም ናብ ወዲ ሓወብኦም ዝኾንም ናብ እንዳ ኣቶ ዓንድንኬል ከም ዑፍ ተሓንበቡ፣ ማዕጾ ኳሕኪሖም ከኣ ናብ ውሻጠ ኣተዉ፣ “ውይ ዓንደ ሓወይ ደሓን ዲኻ ክንድዚ ትልህልህ ኣይዳሓንካን ዲኻ” ኢልን ቅድሚ ሰላምትኣን ስክፍትአን ገለጻሎም “ኢሂ ወዲ ሓወቦይ ደሓን ዲኻ ገጽካ ጸለሎ ተኸዲንካ ጎዖይ ደሓን ደይ ኮነትን? መንዶ ተጎዲኢና እዩ?” ኢሎም ኣቶ ዓንዲኬል ንዘረባ ወይዘሮ ኣበባ ኣራጎድዎ፣ “ርጉማት ወሊድካ ዶ ቕሳነት ኣሎ እዩ” “እሂ እንታይ ተረኺቡ” በላ ቕልጥፍ ኢለን  ወይዘሮ ኣበባ “እታ ኣድያም ሆስፒታል ኣያ ዘላ” ደሓን ዶ ኣይኮነትን ብቐዳማይ ዶ መጽያ ኣይነበረትን እንታይ ወሪድዋ ተጸሊእዋ ድዩ” በሉ ኣቶ ዓንዲኬኤል ድንጋጸን ፍርሕን ብዝመልኦ ዘረባ፣

“እንቱም ሰባት ደቂ ሎሚ ከይፈተኻዮ ኣብ ዘይሸይጣንካ ዘእትዉ ዶ ኣይኮኑን ጓል ጸጊባ ፍዒፊዕ ኢላ ኣይናይ ኣቦኣ ኣይናይ ኣዲኣ ሃይማኖት ቀይራ ኣካይዳ ኣኽፊኣ በቃ ደመይ ምስ ፈላሓኒ ብኢደይ ተሳሂለያ” “ኣንታ ዓንደ ካን ክንደይ ትውዒ እዛ ኢድካስ በቃ ምእርናብ ሲኢንካያ” በሉ ኣቶ ዓንዲኬኤል፣ ወይዘሮ ኣበባ “ኣንታ ዓንደ ሓወይ እንታይ ኣሞ ክንገብር እሞ ደሓን ድያ” በላ ኣደይ ኣበባ “ባዕላ ትፈልጥ” መለሱ ኣቶ ዓንደ፣ ዓንደ ሓወይ ዘመን ከፊኢ እንሄልካ ንእኒ ጓልካ ኣእምሮ ዘይብለን ይጻወትለን ኣለዉ ኣምላኽ ዶ የሱሱ ዶ እሰን መዓስ ኮይነን እቶም ዑሱባት ሓለፍቶም እኮ እዮም ዘደናግርዎን ዘለዉ ወዳኢቶም ትምጻእ ወዳኢቶም እዚኣስ እንታይ ሃይማኖት ኣፍሊጥዋ እዩ ኣይ ንእሽቶይ እንድያ ዘላ” ኢሎም  ኣቶ ዓንዲኬኤል ንጓሂ ኣቶ ዓንደ ቃልቃል ኣበልዎ፣

ወይዘሮ ኣበባ ብግዳኤን “ኣነ እውን ከይትቕየሙኒ ኢለ እየ ኣምበር ብኣምሆ ገዛና መጽያ ነዛ ጓለይ ከምኡ ክትብላ ምስ ሰማዕክዋ ናብዛ ገዛ ከይትመጺ ኢለ ሰጊገያ እየ፣ እዞም መንፈስ በጃኻ ንፉሳት እዮም” ሓራይ ገበርኪ ኣበባ ሓፍተይ ሐራይ ገበርክያ፣ ደሓን ድሕር ሕጂ ዶ ናብኣቶም ገጻ ሰተት ከይትብል” በሉ ኣቶ ዓንደ እናሓንሓኑ፣

ፊቨን ማዕጾ ኸፊታ ኣተወት ነቦይ ዓንደ ሲዒማ ኸኣ ኣብ መንጸር ኣዲኣ ኮፍ በለት

“ወረገ ዝገርመኩምሲ ገዛ ኣጸልሚቶም እንድዮም ኡይ ዝብሉ ኣይንርኣዮ ሩኹሳት እዮም ጓልን ወድን ክትዛረበሉ እኳ ዘሕፍር እዩ” በለት እታ ቡን ተፍላሓሎም ዝነበረት ሰራሕተኛ እንዳበይ ዓንዲኪኤል ውነሽ፣ “ውነሽ ትጋገዪ ኣለኺ ከምኡ ክገብሩ ሪኢኽዮም ንኣምላኽ ኣይትፈርህን ዲኺ?  እዚ ትብልዮ ዘለኺ ንዕኦም ንምኽፋኣ እንተ ዘይኮይኑ ጸለመ ሓሶት እዩ፣ ኣድያም ኣብዛ ገዛና መጽያ ሰብ ሓምያ ትፈልጥ? መልስለይ ሓሳዊት?” ኢላ ፌቨን ጓል ኣቶ ዓንዲኬል ብነድሪ መለሰትላ፣ “ኣንቲ ስዲ ዘይፈለጥኪ ኣይትዛረቢ ውጺ ኢለን” ወይዘሮ ኣበባ ገንሐኣ

“እቱም ሰባት እሱ እስከ ይጽነሓልና ደሓን ዲኻ ዓንደ ሓወይ እዚ ድዩ መምጺኻ” በልዎም ኣቶ ዓንዲኬል እቲ ቐንዲ መምጺኦም ጉዳይ ክፈልጡ ብምህንጣይ ወይዘሮ ኣበባ ኣብ መንጎ “እሞ ኣድያም ሕሽዋ ዶ ኣበይ እያ ዘላ ክንርኢያ” ኢለን ንዘረባ ሰብኣየን ኣመንግወኦ “እንድዒ ቃንዛ ኣለዋ ደመይ ምስ ፈላሓኒ ብጽፊሒት ምስ ኣላህምክዎ ናብቲ እምኒ ንድሕሪት ወዲቓ ርእሳ ተሃሪማ ኣላ ኩቱር ቃንዛ ኣለዋ” “ወይ ጓለይ ዋይ ጓለይ እንታይ ክትረክብ ወደይ” በሉ ኣቶ ዓንዲኬኤል ዝፈሰሰ ኣይሕፈስን እዩ ኣምላኽ ባዓሉ የገባግበላ” ወሰኻ ወይዘሮ ኣበባ

“ሳሚኤል ወደይ ቤት ማሕቡስ እዩ ዘሎ” ደሓን ዶ ኣይኮነን “ሰኺሩ ስኒ ሰብ ሰይሩ ኣሎ ስለዚ እቲ ዝግበር ኩሉ ክንገብር ኢና ወሪድና እንድዩ ሕጂ መጽየካ ዘለኹ ክትዋሓሶ እየ” ደሓን ካብዚ ዝቀልል እንታይ ኣሎ፣ ንእሽቶይ እንጀራ ልከፍ እሞ ክንከይድ፣” እንጀራስ ኣይበልዕን እየ ጥራይ ነዛ ኣወል ፊት ፊት ክብላ እሞ ክኸይድ” በሉ ኣቶ ዓንደ፣ ኣወል ቡን ሰትዮም ከኣ ተተሓሒዞም እንዳ ፖሊስ ከዱ፣

ፊቨን ንዉነሽ ሰራሕተኘኦም ብነድሪ ጸዋዓታ ውነሽ ሰንቢዳ ደበኽ በለት “ፊቢ ደሓን ዲኺ?” ኢላ ኸኣ ሓውሲ ስንባድ ብዝመልኦ ሕቶ ሓተተታ፣ ፌቨን ትቕብል ኣቢላ “ስምዒ እንዶ ክነግረኪ ንስኺስ እዞም መንፈስ ኣብ ጸልማት የእውዩ እዮም ወድን ጓልን ኩፉእ ይገብሩ እዮም ዝበልክስ ኣበይ ርኢኽዮም ነዛ ሩሕኪ ኸ ኣይትፈርሕን ዲኺ?” ኢላ ብሓውሲ ምግናሕ ተዛረባታ “ኣነ ጓል ሸቃ ዶ እንታይ ከተዛርብና ደሊኺ ኢኺ ሓቂ ኣይትዛረቡ ድዩ? ኣውሪድለይ ዶ?” በለት ውነሽ ሓውሲ ሕርቃን ብዝተሓወሶ ዘረባ

ፊቨን ሕርቃና ምቑጽጻር ሲኢና “ከምኡ ክገብሩ ብዓይንኺ ሪኢኽዮም ዲኺ?” “ኣነ እንተ ዘይረኣኹዎም ዝርኣዩ ይምስኩሩ” በለት እናሓጨጨት፣ “በሊ ክነግረኺ ኣነ ምስ ኣድያም ጓል ሓወቦይ ኣብቲ መደቦም ቡዙሕ ግዜ ኸይደ እየ ከምዚ ዝበልክዮ ዘይኮነስ ብኣንጻሩ እዩ መዝሙሮም ጥዑም ፍቕርም ዘቕንኣካ ስለዚ ስቕ ኢልኪ ኣፍኪ ዘዘሃበኪ ኣይትዛረቢ” “ዶ ንስኺ እውን ካብቲ እንጀረኦም ቀሚስኪ ኢኺ ኣየ መስሓትያን እንድዮም” በለት ውነሽ እናሰሓቐት፣

ብዓውታ እናተኻትዓ ከለዎ እየን ዘረብኣን ከይወደኣ ኣብ መንጎ ወይዘሮ ኣበባ ሁርግ ዝበላ፣ “እንታይ እዩ ወሪድክን ክንድዚ ዓዎዓው ስራሕ የለን ድዩ ወረኛታት እንታይ እዩ ዘካታዓክን ዘሎ” ኢለን ወይዘሮ ኣበባ ብሕርቃን ተቛየቐኣን “እዛ ጓልክን ጥዕና ይጎድላ ኣሎ ወዘሮ ኣበባ” ደሓን ዶ ኣይኮንክን ኢኽን “ሰብ ዝረኣዮን ዝሰሞዖን ክዛረብ ኣለዎ እምበር ተባሂሉ ተሰሪሑ ምባል ኣምላኽ ኣይፈትዎን እዩ” ኢላ ሓሪቓ ዓይኒ ዓይኒ ውነሽ እናጠመተት ፈቨን ተዛረበት፣

“እንታይ ድዩ ወሪድኪን እንታይ እዩ እዚ ኹሉ ዘረባ ሕብእብእ ኣይፈቱን እየ ኣበባ” በላ ኣደይ ኣበባ መስፈ ኣብ ጨጉረን ጌረን ርእሰን እናፈትሓ “ኤ ጠበቓ ናይቶም መናፍስቲ ኮይና ትጸርፈኒ ኣላ እምበር እንታይ ፈሊጠ ውንሽ” በለት ውነሽ “ኣንቲ ቖልዓ ትምህርትኺ ዘይትገብሪ ኣብ ዘየእትወኪ ኣይትእተዊ ኣድያም ብሰንኪ እዚ መንገዲ ኣዚ ኣቡኣ ኣብ ዘይሸይጣኖም ውዒሎም ድፍእ ኣቢሎማ ሆሲፒታል እያ ዘላ ንስኺ እውን..” ኢለን ዘረብኣ ከይወድኣ

“እውይ ሓፍተይ እወይ ኣዱ ሓፍተይ” እናበለት ኣእዳዋ ኣብ ርእሳ ገበረት፣ “ኤእ ኣደብ ምግባር ዝኣበየ ሰብ ደኣ እሞ እንታይ ትገብሮ እንኳዕ ጥራይ ኣብ ኢደኦም ኣይዓረበቶም” በላ ኣደይ ኣበባ “እዚኦም እኰ ንወለዶም ኣብ ዘይሸይጣኖም ከእትውዎም እዮም” ኢላ ዘረብኣ ከይወደኣት ውነሽ “ኣንቲ ስራሕኪ እንዶ ግበሪ ኪድ ረሓቒ ኣረሜን” በለታ እናነበዓት ፌቨን ንውነሽ “ኣይትብከዪ ኣይትንብዕለይ ንስኺ እውን” ኢለን ኣደይ ኣበባ ክገንሐኣ ምስ ጀመራ “ኢሂ እሞ ኣነ…” ዘረበኣ ከይወደኣት ነቲ ማዕጾ ገም ኣቢላቶ ናብ መደቀሲኣ ኸደት ፌቨን፣

ፌቨን ኣብ መደቀሲ ኣትያ ብዛዕባ ኣድያም እናሓሰበት ፊቒ ኢላ በኸየት፣ ኣድያም ብዛዕባ መጽሓፍ ቁዱስ ጸሎት ናይ ዘልኣለም ህይወት ብዙሕ እያ ሚሂራታ፣ ክሳብ እታ ኣደይ ኣበባ ናብ ገዝኣኦም ከይትመጽእ ዝሰጉኣ መዓልቲ ብዘይምስልቻው ንፌቨን መንገዲ ኣምነት ሚህራታ እያ፣ ፌቨን ንወለዳ ኩቱር ፍሪሒ ስለ ዘለዋ እምበር ኣካይዳ ኣድያም እምብዛ እዩ ደስ ኢልዋ፣

ምሸት ምሸት መጽሓፍ ቁዱስ ከየንበብትን ከይጸለየትን ፈጺማ ኣይትድቅስን እያ፣ ኣድያም ዝሃበታ መዛሙር ስለ ዝነበራ ተሓቢኣ ትሰሞዕ እያ ኔራ፣ ሓደ መዓልቲ ፌቨን መዝሙር እናሰመዓት ከላ ኣደይ ኣበባ ስለ ዝሰምዓኣ ነቲ ዝነበራ ካሴታት ኩሉ ሓቢኤንኦ እየን፣ ፌቨን ንዝረኸበቶ ናይ ምድሓን መንገዲ ጋህዲ ክትገብሮ ትደሊ እሞ ግና ከኣ ትፈርሕ፣ ብፍላይ ሕጂ ናይ ኣድያም ኩነታት ምስ ሰመዓት እቲ ፍርሒ ካብ ቀደም ንላዕሊ ኣብ ከብዳ እዩ ኣትይዋ፣ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እናስተንተነት ከላ ከኣ “ንኣድያም ክርእያ ሆሲፒታል ክኸይድ እየ ኣሞ ትኸዲ ዲኺ” በልኣ ኣደይ ኣበባ ዓው ኢለን ብደገ ኾይነን “እወ ጽንሕኒ ክዳነይ ክቕይር” በለት ፌቨን፣ “ቀልጥፍኒ ሰዓት ኣኺሉ ኣሎ ቖናኒተይ ከኣ ክትመጸኒ እያ ስልጥ ስልጥ በሊ” በልኣ፣ “ንኪድ እንድያሞ” ተተሓሒዘን ከኣ ናብ ሆሲፒታል ተበገሳ፣
 
“ኣንታ በትኪ ብቐዳማይ ናይ ኣሽሓት ዕዳ ዘዕነካያ መኪና ከይከፈልኩስ ሕጂ ኸኣ ኣስናን ኣንዳማትካ ረሳሕ ወዲ ሰብይቲ” ኢሎም ብሕርቃን ኩምትር ኢሎም ንሳሚኤል ተዛረብዎ፣ ኣቶ ዓንዲኬል ከኣ “ደሓን ከሙእ ጌርካ ኣይትድሃሎ ዓንደ ንእስነት እንድዩ ንእስነት ዕዳ፣ ሳሜኢል ወደይ ከኣ ኣይትዓሹ ብለባምካ በሉ ኣነ ክከይድ ቆጸራ ኣላትኒ” ኢሎም ክሳናብትዎም ምስ በሉ “ኣይፋልካን ዓንዲኬኢል ሓውይ ገዛ ኣላግስ” በልዎም ኣቶ ዓንደ “ያያእ ኣይፋል ንእግረ መገደይ ከኣ ንኣድያም ክርኣያ እየ ጥራይ ቡሩኽ ምሸት ክኸይድ” ኢሎም ኣበይዎም “እንታይ ክንገብር ናትይ ከይኣክል ንዓኻ ኸኣ ኣብ ፈተን ኣእትየካ” በል ቡሩኽ ምሸት ተባሃሂሎም ዝባኖም ተዋሃሃቡ፣ ሳሜኤልን ኣቦይ ዓንደ ኸኣ ቃል ቡጩቕ ከየበሉ ናብ ገዛ ኣተዉ፣ ሳሚኤል ትኽ ኢሉ ናብ መደቀሲኡ ኣተወ ደኺሙ ስለ ዝነበረ ግምስስ ኢሉ ደቀሰ፣

“ተካል ዶ ዊዒልኩም” በልኦም ወይዘሮ ጎዖይ፣ “እንታይ ክገብር ርጉማት ወሊደ ጎዖይ ጥራይ ቡና ኣስትይና ይኣክል ዘረባ ሕጂ” ኢሎም ኣነጸርጸሩለን ኣቶ ዓንደ ወይዘሮ ጎዖይ ዓይኒ ዓይኖም እናጠመታ “ናብ ኣድያም ከኣ ከይደ ኔረ በጻሕቲ በዚሖም ኢሉ ሓኪም የግሮምርም ኔሩ” በልኦም   “እቶም ጹዩቓት ደቂ ማሕበራ ድዮም ወዳኢቶም ትምጻእ…” ኣብ መንጎ ዘረባ ኣቶ ዓንደ “እቲ ገዛ እንዳ ዱካን እዩ ዝመስል ብበናናን ኣራንሺን ኣይርእን እዩ” በላ ኣደይ ጎዖይ “ዘረባ ረኺበ ኢልኪ ድኺ ከመይ ከ ጸነሓትኪ” ኢሎም ብህንጥዩነት ሓተትዎን “ዝተርፋ መዓስ ኣልይዋ እሱ ደኣ ሓኪም ርእሳ ተሃስያ ስለ ዘላ ክትቅኒ እያ እዩ ዝብል ዘሎ”

ኣቶ ዓንደ ኣብ ከቢድ ሓሳብ ወደቑ ንኣድያም እናሓሰቡ ከኣ ልቦም ብድንጋጸ ተመልኦ “ቕድሚ ሕጂ ለይቲ ለይቲ እናኣተወት ዘተኸኸትኒ ከይኣኽለንሲ ሕጂ ኸኣ ናብዚ ግናይ ሃይማኖት ኣትያ ድቃስ ክትከልኣኒ” ኢሎም ከይተፈለጦም ዓው ኢሎም ተዛረቡ፣ “በሉ ከይዝሕለኩም ብልዑ ኢለን ካብ ሓሳብ እንተ ዘይመልስኦም ኔርን ካልእ እውን ምወሰኹ ኔሮም፣ “ናይዚ ቖልዓ ደኣ እሞ ኣንታይ ክንገብር ኢና” በላ ወይዘሮ ጎዖይ “ኣየናይ ቖልዓ” መለሱ ኣቶ ዓንደ “እቲ ስኒ ዝተሰብረ እምበር መን ደኣ” “ደሓን እሱስ ምስ ዓንዲኬእል ተረዳዲኢና ኣሎና” ኢሎም ሓጺር መልሲ ሃብዎን

ሳሚኤል ኣብ ከቢድ ድቃስ ከሎ እዩ ሞብይሉ ጭር ስለ ዝበለት ብድድ ኢሉ ዝተሰኣ “ሃለዉ ደቂሰ እንድየ ቢኒ ዓርከይ ከመይ?” “ሳሚ በቃ ስጂን ሓዲርኪ” “ክላ መሓረና በጃኻ” “ሳሚ ሞባይለይ ሰልዲ የብላን ሰዓት 8።30 ንራኸብ ከነዕልል” በሎ ቢኒያም ዓርኪ ሳሚኤል “ኣበይ” ካብታ ናይ ትማሊ ቦታ ንቐይር በጃኹም” በለ ሳሚ “በቃ ደሓን ኣብ ባር ለታይ ንራኸብ” “ኮይስ በቃ መጻኹ” ኢሉ ሞባይሉ ዓጸዋ፣

ሳሚኤል ክዳኑ ቀያይሩ ክወጽእ ተበገሰ፣ ወይዘሮ ጎዖይ “ኣንታ ናበይ ኢኻ ምሸት ምድሪ በስምኣብ ዘይትብል” “ጢዒት ዲኺ ናበይ ዶ ኢለኪ እየ ናብ ኩብሮም ዓርከይ እየ ምስኡ ክሓድር እየ” “ስዲ ትማሊ ስኒ ሰብ ሎሚ ኸኣ ዓይኒ ሰብ ተፍስስ” በላ ሕርቓነን እናገንፈለን ኣደይ ጎዖይ “ኣንታ መስተ እንታይ ክዓብሰልካ እዩ ቁምነገር ግዳ ዘይትገብር ምሸት ምሸት መስተ ዙረት እንታ ከይረግመካ ከይረግመካ ሕደግ መርገም ወላዲ ቀሊል ኣይኮነን” ኢለን ወሲኸን ተዛርባ፣ “ኣንቲ ሰበይቲ ነዚ ሰብኣይ ድኺ ከትስምዕዮ ደሊኺ ናብ ክብሮም እየ ምሽ እብልኪ ኣለኹ” ኢሉ ፈንጺግዎን ወጸ፣