23
Tue, Apr
0 New Articles

ፊስቶ ሙሉእ ፍቕሪ (ምዕራፍ ክልተ)

Marriage & Relationships
Typography

ፍቕሪ ኣብ ቋንቋ እንግሊዝ ኣገዳስን ኣዝዩ ኣደናጋርን ቃል እዩ። ፍቕሪ ኣብ ህይወት ቀንዲ ተራ ከም ዘለዎ ዓለማውያንን ሃይማኖታውያንን ተመራመርቲ ይሰማምዑ። "ፍቕሪ ብዙሕ ጽባቐን ክብርን ዘለዎ ነገር እዩ" „Love is a many-spelndored thing" ዚብል ምስላን "ፍቕሪ ንዓለም ጉዕዞኣ ከምትቕጽል ይገብር" ዚብል ኣዘራርባን ሰሚዕና ኣለና። ኣሽሓት መጻሕፍቲ፡ ደርፊታት፡ መጽሔታትን ፊልምታትን በዚ ቃል'ዚ ዝተቓመሙ እዮም። ብዙሓት ፍልስፍናውን ስነ-ሃይማኖታውን ኣተሓሳስባታት ንፍቕሪ ኣገዳሲ ቦታ ይህቡዎ። እቲ መስራቲ እምነት ክርስትና ድማ ፍቕሪ መለለዪ ባህርያት ሰዓብቱ ኪኸውን ይደሊ (1ዮሃ 1335)


ናይ ስነ ኣእምሮ ተመራመርቲ ብዝበጽሑዎ መደምደምታ መሰረት፡ ክትፍቀር ምድላይ ናይ ሰብ ቀዳማይ ስምዒታዊ ድልየት እዩ። ምእንቲ ፍቕሪ ጎቦታት ንድይብ፡ ባሕርታት ንሰግር፡ ናይ በረኻ ሑጻ ነቋርጽን ክንገሩ ዘይክእሉ መከራታት ንጻወር። ብዘይ ፍቕሪ፡ ጎቦታት ዘይድየቡ፡ ባሕርታት ዘይስገሩ፡ በረኻታት ዘይጽወሩ፡ መከራታት ድማ ኣብ ህይወት ኪቐርቡኻ ዘይትደልዮም ነገራት ይኾኑ። ንኣህዛብ ሃዋርያ ዝኾነ ጳውሎስ፡ ብዘይ ፍቅሪ ዚግበር ዝኾነ ይኹን ነገር መወዳእቱኡ ከንቱ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ንፍቕሪ ዝለዓለ ክብሪ ኪህቦ ከሎ ንርኢ። ነዚ ሓሳብ ኬጠቓልሎ ከሎ፡ ኣብ ናይ መወዳእታ ምርኢት ተዋስኦ ደቂ ሰብ ሰለስተ ነገራት ከምዘለዋን፡ ካብ ኩለን እታ ዝዓበየት ድማ ፍቕሪ ከምዝኾነት ብምግላጽ ደምዲሙዎ። "ሕጂ ከኣ እምነት፡ ተስፋ፡ ፍቅሪ እዚኣተን ሰለስቲአን ኣለዋ። ካብዚኣተን እትዓቢ ግና ፍቕሪ እያ"  (1ቆረ 1313)

 

ፍቕሪ ዚብል ቃል ኣብ ሕብረተሰብ ከም ዝሰረጸ ንሰማማዕ እንተደኣ ኮይንና፡ ኣብ ታሪኽ ይኹን ኣቢዚ ጊዜ'ዚ እዚ ቃል ኣደናጋሪ ከምዝኾነ ክንሰማማዕ ኣለና። 'ሙዚቃ የፍቅር እየ' ክንብል ንጸንሕ'ሞ፡ 'ነደይ የፍቅራ እየ' ንብል። ንነገራት ንኣብነት ማኪና፡ ንእንስሳታት ንኣብነት ከልቢ፡ ንተፈጥሮ ንኣብነት ሙቐት፡ ወዘተ የፍቅር እየ ንብል። ከምኡ ድማ ንሰባት ንኣብነት ኣደ፡ ኣቦ፡ ወዲ፡ ጓል፡ ሰብይቲ፡ ሰብኣይ፡ ዓርኪ፡ ውሉድ ነፍቅር። ምስ ፍቕሪኳ ከይተረፈ ፍቕሪ ይሕዘና።

 

እዚ ኹሉ ክሳብ ክንድቲ ዘየደናግር እንተ ደኣ ኮይኑ ድማ፡ ፍቕሪ ዚብል ቃል፡ ባህርያት ንምግላጽ ከይተረፈ ንጥቀመሉ። 'ስለ ዘፍቅራ እየ ከምኡ ጌረ'። እዚ ኣበሃህላ'ዚ ንኹሉ ዓይነት ፍጻሜታት ዝወሃብ መግለጺ እዩ። ሰብ ዝሙታዊ ሕብረት ይገብር'ሞ፡ ነዚ ርክብ ፍቕሪ ይብሎ። ሰባኺ ድማ ብኻልእ ወገን ሓጥያት እዩ ይብሎ። ሰይቲ ሓደ ሰኽራም፡ ሰብኣያ ሰትዩ ምስ ወደአ ነቲ ኩሉ ጋዕ-ገልጠም ተልዕል'ሞ፡ ነዚ ፍጻሜ'ዚ ፍቕሪ እዩ ትብሎ። ናይ ስነ-ኣእምሮ ተመራማሪ ድማ ጽግዕተኛ ሕብረት (codependency) ብማለት ይገልጾ። ወለዲ ኩሉ ናይ ዉሉዶም ድሌት የማልኡ እሞ፡ ነዚ ፍቕሪ ይብሉዎ። ናይ ስድራቤት ሓኪም ድማ ብኻልእ ወገን ዘይሓላፍነታዊ ኣተኣላልያ (irresponsible parenting) ብማለት ይገልጾ። እንታይ እዩ ፍቅራዊ ባህርይ?

 

ናይዚ መጽሓፍ ዕላማ ነዚ ኹሉ ምድንጋራት ምጥፋእ ዘይኮነስ፡ ንስምዒታዊ ጥዕናና ኣገዳሲ ኣብ ዝኾነ ዓይነት ፍቕሪ ንምትኳር እዩ። ዝተረጋገአ ስምዒት መታን ኪህልዎ፡ ነፍስ ወከፍ ቆልዓ ክማላኣሉ ዘለዎ ገለ መሰረታዊ ስምዒታዊ ድሌት ከም ዘሎ፡ ናይ ቆልዓ ስነ-ኣእምሮ ተመራመርቲ የረጋግጹ። ካብቶም ስምዒታዊ ድሌታት፡ ክትፍቀርን ኣካል ከምዝኾንካ ኪስማዓካ ካብ ምድላይን ዝዓቢ መሰረታዊ ነገር የሎን። ቆልዓ እኹል ፍቕሪ እንዳ ተመገበ፡ ናብ ሓላፍነታዊ እኹል ሰብኣይ ይዓቢ። ብዘይ እዚ ፍቕሪ፡ ስምዒቱን ምስ ሕብረተሰብ ዘለዎ ርክብን ልሙስ ይኸውን። 

 

'ኣብ ውሽጢ ነፍስ ወከፍ ቆልዓ፡ ብፍቕሪ ኪመልእ ዝጽበ ስምዒታዊ ፊስቶ ኣሎ' ትብል ምስላ፡ ኣብታ መጀመርያ ዝሰማዕኩላ ጊዜ እየ ፈትየያ። ቆልዓ ብርግጽ ከም ዝፍቀር ምስ ተሰመዖ ጽቡቕ ይዓቢ፡ ኮይኑ ግን እቲ ናይ ፍቕሪ ፊስቶ ባዶ ምስ ኮነ፡ ባህርያቱ ይበላሸው። መብዛሕትኡ ናይ ቆልዑ ናይ ባህርይ ጉድለት ዚምዕብል፡ ብናይ ባዶ ናይ ፍቕሪ ፊስቶ ሃንቀውታ እዩ። ናይ ኣተሓሕዛ ቆልዑን መንእሰያትን ዋሕለለ ዝኾነ ዶ/ር ሮስ ካምፕቤል ናይ ዝተበሃለ ናይ ኣእምሮ ሓኪም ኣስተምህሮ ይሰምዕ ኔረ።

 

ምስ ሰማዕኩ፡ ነቶም ናብ ቤት ጽሕፈተይ እንዳ መጽኡ ናይ ደቆም ግጉይ ስነ ምግባር ዚጸብጸቡለይ ኣማኢት ወለዲ ሓሰብኩ። ኣብዞም ቆልዑ ባዶ ናይ ፍቕሪ ፊስቶ ፈጺመ ኣይረኣኹን፡ ኮይኑ ግን ውጽኢቱ ርእየዮ ኣለኹ። እቲ ግጉይ ባህርያቶም፡ ብምኽንያት ግጉይ ኣተኣላልያ፡ ነቲ ዚሰኣኑዎ ፍቕሪ ካብ ምድላይ ዝመንጨወ እዩ። እዞም ቆልዑ ንፍቕሪ ኣብ ኹሉ ግጉይ ቦታታትን፡ ብኹሉ ግጉይ ኣገባባትን ደልዮማ።

ነታ ኣብ ዓሰርተ ሰለስተ ዓመታ፡ ጾታዊ ተማሓላላፊ ሕማም ከይህልዋ ዝተመርመረት ኣሽሊ እዝክራ። ስድራኣ ብጣዕሚ ጉህዮም። ብኣሽሊ ኣዝዮም ሓሪቖም። በታ ብዛዕባ ጾታዊ ትምህርቲ ብምምሃራ ዝወቐሱዋ ቤት ትምህርቲ ሓሪቖም። 'ስለ ምንታይ ከምዚ ጌራ?' ኢሎም ሓቲቶም።

ንኣሽሊ ምስ ኣዛረብኩዋ፡ ጓል ሽዱሽተ ዓመት እንከላ ስድራኣ ከም ዝተፋትሑ ነጊራትኒ። 'ኣቦይ ገዲፉኒ ዝኸደ ስለ ዘየፍቅረኒ እዩ ኢለ ሓሲበ፡' ኢላ ነጊራትኒ። 'ኣነ ጓል ዓሰርተ ዓመት ኮይነ፡ ኣደይ እንደገና ምስ ተመርዓወት፡ ንሳ ሕጂ ዜፍቅራ ከም ዝረኸበትን፡ ኣነ ግን ማንም ዘፍቅረኒ ከም ዘየሎ ተሰሚዑኒ። ክፍቀር ብዙሕ ሃረር ኢለ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ድማ ሓደ ወዲ ተላልየ። ካባይ ይዓቢ እዩ፡ ግን ይፈትወኒ እዩ። ክኣምን ኣይከኣልኩን። ነዓይ ሕያዋይ እዩ ኔሩ፡ ብዙሕ ከይጸናሕና ዜፍቅረኒ ኮይኑ ተሰመዓኒ። ክፍቀር እምበር ስጋዊ ርክብ ክህልወኒ ኣይደለኹን።'

ናይ ኣሽሊ "ናይ ፍቕሪ ፊስቶ" ንብዙሕ ዓመታት ባዶ ጸኒሑ። ኣዲኣን ሰብኣይ-ኣዲኣን ንኣካላዊ ድሌታ ዜድልያ የማልኡላ ነሮም፡ ነገር ግን ነቲ ኣብ ውሽጣዊ ስምዒታ ዝቃለሳ ዝነበረ ነድሪ ኣየስተውዓልዎን። ብርግጽ ንኣሽሊ የፍቅሩዋ ኔሮም፡ ስለዚ ድማ ንሳ ፍቕሮም ከም ዝስማዓ ይሓስቡ ነሮም። ንሳቶም ናታ ቀንዲ ናይ ፍቕሪ ቋንቋ ከም ዘይዛረቡ ዘስተውዓሉ፡ ዳርጋ ምንም ኪገብሩ ኣብ ዘይክእሉላ ናይ መወዳእታ ሰዓት እዩ ኔሩ። 

ይኹን እምበር ስምዒታዊ ድሌት ፍቕሪ፡ ምሉእ ብምሉእ ናይ ቁልዕነት ጊዜ ተርእዮ ኣይኮነን። እቲ ድልየት ክሳብ እኹል ሰብኣይ ምዃንን ክሳብ መርዓን ይስዕበና። ናይ 'ኣፍቂረ' ተሞክሮ ንጊዚኡ ነዚ ድልየት የማልእ እዩ፡ ኮይኑ ግን እዚ ጊዝያዊ ፍታሕ ኮይኑ፡ ከምቲ ድሒርና ንመሃሮ ውሱንን ኣቐዲምካ ኪግመት ዝከኣል ዕድመ ዘለዎን እዩ። ካብ 'ኣፍቂረ' ዝብል በሪኽ ኣተሓሳስባ ምስ ወረድና፡ ስምዒታዊ ድሌት ፍቅሪ እንደገና ይቕልቀል። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ስምዒታዊ ድሌት ፍቅሪ ኣብ ተፈጥሮና ኣዝዩ ኣገዳሲ ስለ ዝኾነ እዩ። እዚ ኣብ ስምዒታዊ ድሌታትና ቀንዲ ስፍራ ዝሓዘ እዩ። ቅድሚ ኣብ ፍቕሪ ምውዳቕና ፍቕሪ ደሊና ኢና፡ ብህይወት ክሳብ ዘለና ድማ ገና ክንደልይ ኢና።

ብመጻምድትኻ ክትፍቀር ምድላይ፡ ኣብ ሓዳር ኣዝዩ ኣገዳሲ ቦታ ኣለዎ። ኣብዚ ቀረባ ጊዜ ሓደ ሰብኣይ ከምዚ ኢሉ ሓቲቱኒ፡ "በዓልቲቤትካ ዘይተፍቅረካ እንተደኣ ኮይና ገዛ፡ መኪና፡ ኣብ ወሰን ባሕሪ ዘሎ ስፍራ፡ ወይ ኩሉ ካልእ እንታይ ኣገዳስነት ኣለዎ?" እዚ ሰብ እንታይ ይብል ከም ዘሎ ብርግጽ ይርድኣኩም ኣሎ'? 'ካብ ኩሉ ካልእ ንላዕሊ ኣነ ብበዓልቲ ቤተይ ክፍቀር እየ ዝደሊ' እዩ ዝብል ዘሎ። ኣብ ሓዳር ዘጥረኻዮ ንብረት ንሰብኣዊ ስምዒታዊ ፍቕሪ መተካእታ ኣይኮነን። ሓንቲ ሰበይቲ ከምዚ ኢላ፡ "ሙሉእ መዓልቲ ከቲቱኒ ይውዕል እሞ ምሳይ ዘሊሉ ኣብ ዓራት ኪድይብ ይደሊ። እዚ ብጣዕሚ እዩ ዝጽልኣኒ።" እዛ ሰበይቲ ስጋዊ ርክብ ስለ ዝጸለአት ኣይኮነን፡ ነገር ግን ተስፋ ብምቑራጽ ስምዒታዊ ፍቕሪ እያ ትደልይ ዘላ።

ብተፈጥሮና ሓደ ዝኾነ ነገር ብኻልእ ክፍቀር ደልዩ ይጠርዕ። በይንነት ንኣተሓሳስባ ሰብ ይሃስዮ ኣሎ። ስለዚ እዩ ድማ ንሓደ ሰብ በይኑ ኣብ ሓደ ክፍሊ ፈሊኻ ምእሳር ከም ዝኸፈአ መቅጻዕቲ ዝቑጸር። ኣብ ውሽጢ ህላወ ወዲ ሰብ፡ ብኻልእ ተፈታውን ተፈቃርን ናይ ምዃን ድሌት ኣሎ። መርዓ ድማ ነዚ ድሌት ተፈታውነትን ተፈቃርነትን ኬስምሮ ትጽቢት ይግበረሉ። ስለዚ ድማ እዩ እቲ ጥንቲ ዝተጸሓፈ መጽሓፍ ቅዱስ ኪዛረብ ከሎ ሰብኣይን ሰበይትን 'ሓደ ስጋ' እዮም' ዚብል። እዚ ኪብል ከሎ ውልቀሰባት መንነቶም ይስእኑ ማለት ዘይኮነስ፡ ክልቲኦም ትኽ-ትንፋስ ኮይኖም ኣብ ህይወት ሓድሕዶም ጠሊቖም ይኣትዉ ማለት እዩ። ናይ ሓዲሽ ኪዳን ጸሓፍቲ ንኽልቲኦም ሰብኣይን ሰበይትን ንሓድ-ሕዶም ኪፋቐሩ ይብድሁዎም። ካብ ፕሌቶ ክሳብ ፔክ ዘለዉ ጸሓፍቲ ንኣገዳስነት ፍቕሪ ኣብ መርዓ ኣስሚሮምሉ ኣለዉ።

ፍቕሪ ኣገዳሲ እንተ ደኣ ኮይኑ፡ ኣደናጋሪ ድማ እዩ። ብዙሓት ዝተመርዓዉ መጻምድቲ ዘለዎም ምስጢራው ቃንዛ ኣካፊሎምኒ ሰሚዐ ኣለኹ። ገሊኦም ውሽጣዊ ቃንዝኦም ኪጻወሩዎ ስለ ዘይከኣሉ ናባይ መጺኦም። ካልኦት ድማ ናቶም ጠባይ ወይ ናይ መጻምድቶም ጠባይ ምኽፋእ፡ ንሓዳሮም የዕንዎ ከም ዘሎ ኪሕብሩኒ መጺኦም። 'ካብ ሽዑ ጀሚሮም ብሰላም ይነብሩ ኔሮም' ዚብል ሕልሞም ምስ ናይ ሓቂ መንደቕ ተላጊዑ። ብተደጋጋሚ ከምዞም ዚስዕብ ዘረባታት ሰሚዐ ኣለኹ፡ 'ፍቅርና ተወዲኡ እዩ፡ ርክብና መይቱ እዩ። ንቀራረብ ኔርና፡ ሕጂ ግን ኣይኮንናን። ካብ ሕጂ ንደሓር ብሓደ ምዃንና ክነስተማቕሮ ኣይንኽእልን ኢና። ናይ ሓድ-ሕድና ድት ኣይነማልእን ኢና' ናይዞም ሰባት ታሪኽ ከም ዘረጋግጾ፡ ዓበይቲ ኮኑ ነኣሽቱ 'ናይ ፍቕሪ ፍስቶ' ኣለዎም።

ኣብ ውሽጢ ዝተጎድኡ መጻምድቲ ዘይረኣይ 'ስምዒታው ናይ ፍቕሪ ፍስቶ' ዓቐኑ ባዶ ኮይኑ ይህሉ'ዶ ኾን? ኣነዋሪ ባርይ፡ ምንስሓብ፡ ተሪር ቃላትን ወቓሲ መንፈስን ብምኽንያት ባዶ ፊስቶ ዝመጽእ ድዩ? ክንመልኦ ንኽእለሉ መገዲ ኢንተ ንረክብከ፡ ኢቲ ሓዳር ከም ብሓድሽ ምተወለደ'? ሙሉእ ፊስቶ ሃልዩዎምከ ፍልልዮም ክዘራረቡን ኪፈትሑን ዚክእሉሉ ህዱእ ሃውህው ኪፈጥሩ ምኸኣሉ'? እዚ ፊስቶ መፍትሕ ምህላው ጥዑይ መርዓ'ዶ ኾን?

እዞም ሕቶታት ናብ ነዊሕ ጉዕዞ ወሲዶምኒ። እንዳተጓዓዝኩ እንከለኹ ቀሊል፡ ነገር ግን ሓያል ርድኢት ረኺበ። እዚ ጉዕዞ ናብ ናይ ሰላሳ ዓመታት ናይ መርዓ ኣማካሪነት ጉዕዞ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ናብ ልብን ሓሳብን ኣብ ኣሜሪካ ዝርከቡ መጻምድቲ ድማ እዩ ወሲዱኒ። ካብ ሲያትል ክሳብ ሚያሚ፡ መጻምድቲ ናብ ውሽጢ ክፍሊ ሓዳሮም ዓዲሞምኒ፡ ብግልጺ ድማ ተዘራሪብና። ኣብዚ መጽሓፍ ተወሲኾም ዘለዉ መግለጺታት ካብ ህሉው ቅርጺ ህይወት ዝተወሰዱ እዮም። ናይቶም ብግልጺ ዘዕለሉኒ ውልቀሰባት ሚስጢር ንምሕላው ዝኣክል ኣስማትን ቦታታትን ጥራይ ተቐዪሮም ኣለዉ።

ስምዒታዊ ናይ ፍቕሪ ፊስቶ ምምላእ፡ ክንድቲ ንሓንቲ መኪና ግቡእ ዓቐን ዘይቲ ከም ዝህልዋ ምግባር፡ ንመርዓ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ተረዲአ ኣለኹ። ኣብ ሓዳርካ ብባዶ ናይ ፍቕሪ ፍስቶ ምኻድ፡ ካብ ንማኪናኻ ብባዶ ዘይቲ ምዝዋር ዝያዳ ከኽፍለካ ይኽእል እዩ። እዚ ብሕጂ ተንብቦ ጽሑፍ ንናይ ኣሽሓት ሓዳር ከድሕንን፡ ንጥዑይ መርዓ ከይተረፈ ናብ ክብ ዝበለ ስምዒታዊ ሃዋህው ከልዕልን ይኽእል እዩ። ዓይነት እዚ ሕጂ ዘሎካ ሓዳር ብዘየገድስ፡ ሓዳርካ ኩል ጊዜ ዝበለጸ ኪኸውን ተኽእሎ ኣሎ።

መጠንቀቕታ፡ ነቶም ሓሙሽተ ቋንቋታት ፍቕሪ ምርዳእን ብናይ መጀመርያ ቋንቋ መጻምድትኻ ምዝራብን፡ ንናይ መጻምድትኻ ጠባይ ብመሰረቱ ኪጸልዎ ይኽእል ኢዩ። ሰባት ናይ ፍቕሪ ፊስቶኦም ምስ መለአ፡ ፍልይ ዝበለ ባህርይ የርእዩ እዮም።

ቅድሚ ነቶም ሓሙሽተ ቋንቋታት ፍቕሪ ምርኣይና፡ 'ኣብ ፍቕሪ ምውዳቕ' ዚብል ካልእ ኣገዳሲ ኣርእስቲ፡ ነገር ግን ኣደናጋሪ ክስተት ክንርኢ ኢና።