16
Tue, Apr
0 New Articles

ካብ ትምኒት ጉብዝና ህደም

Finance & Career
Typography

“ልቢ ጎበዝ ኣብ ደረቱ“ ዝብል ምስላ ንእዝንና ጋሻ ከምዘይኮነ እግምት። ጎበዝ ምስ ኩሉ እናተራጸመ፡ መን ከማይ እናበለ ኣፍ ልቡ ነፊሑ ዝኸይድ እዩ። ንኸመዛዝን ከስተዉዕልን ዕድል ዘይህብ (ክልተ ጊዜ ዘይሓስብ)፡ ሓይሉ ዘቐድም ዘስምዕ ምስላ እዩ። የዋጽኦ ድዩ ኣየዋጽኦን ብዘይገድስ ሓይሉ ከርእን ክርኣን ስለዝደሊ፡ ምስ ኩሉ ክፋተን (ክላኸፍ) ይደሊ።    | Video


ንእስነት ዕዳዩ ዝብል ኣበሃህላ ንእኡ ኣይ እንታዩን እዩ። ብልቡ ዘይኮነስ ብደረቱ ስለ ዝሓስብ፡ ንዝኾነ ዝመጽእ ዘበለ ብድሆታት ብሓይሉ ከምዝዋጽኦን`ዩ ዝትኣማመን። ምስ ሓይሉ ዘይገጥም ተጻብኦ ምስ ገጠሞ ድማ ዓሻ ኣማዉታ ይመዉት።

መጽሓፍ ቅዱስ ግና ንጎበዝ ምስዚ ዝተጠቐሰ ባህርያቱ ዘይከይድ ሓደ ዓቢ ምኽሪ ይመኽሮ። ንሱ ድማ ህደም ኣምልጥ ዝብል ምኽሪ እዩ። ንኣብነት ኣብ 1ጢሞ 6፡11 ከምኡዉን 2ጢሞ2፡22 ካብ ፍቅሪ ገንዘብን ክፋእ ትምኒት ጉብዝናን ህደም ኢሉ ይመኽሮ። እዚ ቃል እዚ ብኢድ ሃዋሪያ ጳዉሎስ ናብቲ እሙንን ዉህበት ኣምላኽ ዝተመቅለ መንእሰይ ጢሞቴዎስ ዝተጻሕፈ መልእኽቲ እዩ። ጎበዝ እንዲኻ ሓይሊዉን ኣሎካ፡ ስለዚ ጸኒዕካ ፊት ንፊት ተቃወሞ ወይዉን ግጠሞ ኣይኮነን ዝብሎ ዘሎ። ብኣንጻሩ ኣታ ጎበዝ ህደም እዩ ዝብሎ ዘሎ። ወይዉን ብኻልእ ኣበሃህላ ንትምኒት ጉብዝና ብምህዳም ኢኻ ትገጥሞ`ዩ ዝብሎ ዘሎ። ንትምኒት ስጋ መገዲ ዝኸፍት ጥዑይ ካብ ዘይኮነ ነገር ካብ ምቅርራብ ዓይንኻ ከይሓሰኻ ህደም። ሰብ ናይ መጀመርታ ዉድቐቱ ደድሕሪ ትምኒት ልቡ ክጋልብ ምስ ዝጅምር እዩ እሞ፡ ንስኻ ካብዚ ህደም።

ስለምንታይ ግን እዩ ጢሞቴዎስ ህደም ዝተባህለ? እወ ንስኻ ናይ ኣምላኽ ሰብ ድኣ እምበር ተራ ሰብ ስለዘይኮንካ፡ ካብቲ ህይወትካ ክበልዕ ዝመጽእ ዓዘቅቲ ህደመሉ። ንስኻ ንኽብሪ ኣምላኽ ዝተደኮንካ ቅዱስ ቤት መቅደስ (ማሕደር) ኣምላኽ ደኣ እምበር ናይ ማንም ነገር መትሓዚ ኣቅሓ ኣይኮንካን።

ኣብዚ ቃል ህደም ዝብሎ ዘሎ ፈራህ ምኻኑ ስለ ዝፈለጠ ዶ ይኸዉን? ኣይኮነን። ሽሕካ ሰብ ንምህዳም ምስ ፍርሂ ዘተኣሳስሮ እንተኾነ፡ ካብዚ ግና ርእሱ ናይ ዝገትእ ጎበዝ፡ መርኣያ ተባዕ ዉሳኔኡ እዩ። ካብ ትምኒት ጉብዝና ምህዳም ምልክት ፍርሂ ዘይኮነስ ኣርማ ምጥንቃቅ እዩ። ስለዚ ድማ እዩ ቃል ኣምላኽ ህደም እናበለ ዝምዕደና። ስለዚ እቲ ካብ ትምኒት ጉብዝና ዝሃድም መንእሰይ፡ ምስ ሓጢኣት ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይኣቱ፡ ንትእዛዝ ጎይታኡ ክፍጽም ድሕር ዘይብል፡ ጥንቁቅን ጅግናን ዓቀይታይ እዩ።

ምናልባት ዶ ደኣ`ሞ ሓይሊ ስለዘይብሉ ህደም ይብሎ ኣሎ? ንኸተምልጥ እባ ድኣ፡ ካብቲ ጸላኢኻ ዝዛየደ ሓይሊ የድልየካ። ምኽንያቱ ኣብ ግጥም ክሃድም ዘይክእል እዩ ብጸላኢኡ ዝማረኽ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ጸላኢ ዝንሕፈካ ደንጊጹልካ ዘይኮነስ ከርክበካን ክዕምጥረካን ዓቅምን ዕድልን ስለ ዝስእን እዩ። ኣሰ-ኣሰርካ ካብ ምስዓብ፡ ዘፍ ከብሎ ዝኸኣለ፡ ሓይልኻ ስለ ዘርኣኻዮ እዩ። ስለዚ ንምህዳም`ዉን ሕልና ጸላኢኻ ዘዕርብ ዳንጋ (እግሪ) የድልይ እዩ ማለት እዩ። ድኹም ሰብ ወይ ዉን ዝማሰነ ሰብ ካብ ጸላኢኡ ክሃድም ዘለዎ ተኽእሎ ኣዝዩ ጸቢብ እዩ።

ንስኻ ግና ካብዚ ህደም ዝተባህሎ ጎበዝ ደኣ እሞ እንታይ እዩ እቲ ምስጢር? ካብቲ ኣብ ኣእምሮኡን ሓሳቡን ኮይኖም፡ ካብቲ ንጹህ ኣምላኻዊ ፍቃድን መገድን ዘዘንብልዎ፡ ትምኒትን ፍትወትን ጉብዝና ክሃድም ይንገሮ። ካብ ናይ ካልእ መንእሰይ ትምኒት ጉብዝና ኣይኮነን ህደም ዝብሎ። ካብቲ ኣብ ዉሽጡ ዘሎ ምስ ዕድመ ንእስነቱ ዝፈታተን ባህሪ ኣረጊት ሰብ ክሃድም እዩ ዝሕብሮ ዘሎ። መንፈሳዊ ህይወትካ መጥቃዕቲ ናይ ትምኒት ጉብዝና ክጻወሮ ስለ ዘይክእል፡ ካብዚ ፈተና እዚ ሃዲምካ ኣምልጥ ምኽንያቱ ንሓጢኣት ክግዛእ ምኽንያት የብሉን። እቲ መንእሰይ ዝሃድመሉ ሓድሽ ናይ ሓርነት መገዲ ብየሱስ ክርስቶስ ተኸፊትሉ ኣሎ። ስለዚ እቲ መንእሰይ ኣንፈቱ ኣጥፊኡ ከይህዉትት፡ ናበይ ገጹ ክሃድም ከምዘለዎ ቃል እግዚኣብሄር ኣነጺሩልና ኣሎ። ከምቲ ኣብ 2ጢሞ 2፡22 ዝሕብሮ፡ እቲ ካብ ትምኒት ጉብዝና ዝሃድም መንእሰይ ንጹህ ልቢ ተዓጢቑ ብጎደና ጽድቅን እምነትን ፍቅርን ሰላምን ክሃድም ኣለዎ። እንተዘይኮይኑ ካብዚ ወጻኢ ወይ ኣይሃደመን ኣሎ ወይዉን ነታ መገዲ ስሒትዋ ኣሎ። ምኽንያቱ እቲ ብክርስቶስ ዝርከብ ጽድቂ፣ ፍቅርን፣ ሰላምን ዘይተቐበለ ሰብ ካብ ትምኒት ጉብዝና ክሃድም ኣይክኣሎን እዩ።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ልዕሊ ትምኒት ጉብዝና ዝተዓወተ ንትምህርትና ዝተጻሕፈ ዮሴፍ ንረክብ። ዮሴፍ ነታ ሰበይቲ ጎይታኡ ከመይ ገይረ እዚ ዓቢ ኽፍኣትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ከኣ ሓጢኣትን ክገብር እኽእል ኢሉ፡ ካብቲ ንርኽሰት ዝኸፈተትሉ መገዲ ወይ ዕድመ ክሃድም እንከሎ ንርኢ። ዮሴፍ ልቡ ብፍርሃት ኣምላኽ ስለ ዝተሓተ፡ ንትምኒት ጉብዝና ዝኸዉን ነቃዕ ኣይተረኽቦን። ንሱ ካብቲ ብተደጋጋሚ ዝገጥሞ ፈተና ድሮ ብሓሳቡ እካ እንተ ሃደመ፡ ንዉሳኔኡ መሊሱ ብተግባር ኣጽንዖ። ዮሴፍ እቲ ሃንደበታዊ ፈተና ምስ ኣጋጠሞ ናብ ግዳም እዩ ሃዲሙ። ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ገጹ እዩ ኣምሪሑ፡ ህይወቱ ድማ ካብ ዉድቀት ኣድሒኑ።

ሕጂዉን እቲ እንኮ ካብ ትምኒት ጉብዝና መህደሚ ሜላ እቲ ብርሃን ዝኾነ ቃል ኣምላኽ እዩ። ኣብ መዝ 119:9 “ጎብዝ ንመገዱ ብምንታይ የንጽሃ ከም ቃልካ ንነፍሱ ብምጥንቃቕ እዩ።“ ይብል። ካብዚ ቃል ኣምላኽ ከም እንርድኦ፡ መገዲ ጎበዝ ቀጻሊ ዝኾነ ምንጻህን ምጥንቃቕን ከም ዘድልዮ እዩ። መገዱ ከንጽህን ክጥንቀቕን ዘኽእሎ ድማ መሰረት ህይወቱ ኣብቲ ህያዉ ቃል ምስ ዝገብር እዩ። ንቃል ኣምላኽ ኣብ ህይወቱ ግደ ምስ ዝህቦን ብእኡ ምስ ዝምራሕን እዩ። መምርሒ ህይወቱ ቃል ኣምላኽ ዚገብር ሰብ፡ ብትምኒት ጉብዝና ኣይጥቃዕን እዩ። ብስካን ቃል ኣምላኽ እትዝወር ህይወት ብሰላም ናብቲ ጽቡቕ ወደብ ትበጽሕ። ስለዚ ብቃል ኣምላኽ እንዳተሃነጽካ ካብቲ ንንእስነትካ ዝፈታተን ሓጢኣት፡ ብሓይሊ እቲ ሕጊ መንፈስ ህይወት ዝኾነ ትኹል ቃል ክርስቶስ ህደም!!!