25
Thu, Apr
0 New Articles

ንቖልዓ እታ ኪኸደላ ዝግበኦ መገዲ ኣላምዶ

Finance & Career
Typography

ንቖልዓ እታ ኪኸደላ ዝግበኦ መገዲ ኣላምዶ እሞ ምስ ኣረገ ኻብኣ ኣይኬግልስን እዩ። (ምሳ 22፡6)

እግዚኣብሄር ንኣዳምን ሄዋንን ምስ ፈጠሮም: ባረኾም: ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ከኣ ምልእዋን ምለኽዋን ድማ በሎም (ዘፍ1: 2728) ስለዚ ውሉድ ውህበት እግዚኣብሄር እዮም: ፍረ ከርሲ ከኣ ዓስቢ እዩ (መዝ 127:3)፡፡ እግዚኣብሄር ንምድሪ ክንገዝኣ ውሉድ ሃበና: ክህበና ከሎ ግን ብነገራት ኵሉ ማለት ኣካላዊ፡ ማሕበራውን፡ ኣእምሮኣዊን መንፈሳውን ድሌታቶም ብምምላእ ነቲ ዝተፈጥርሉ ዕላማ ብቑዓት ጌርና ምድላው ናይ ወለዲ ተራ እዩ። ኣቦን ኣደን ኣብ ደቆም ዘለዎም ሓላፍነት ብግቡእ ፈሊጦም፡ ንደቆም በቲ ክኸድዎ ዘለዎሞ መገዲ ምስ ዘለማምድዎም በረኸቶም ካብ ውሉድ ወለዶ ከም ወሓዚ ማይ ኣየቋርጽን። ክሳዕ ሽሕ ወለዶ ጸጋ ዝሕሉ (ዘጽ 34:7) እግዚኣብሄር፡ ንበረኸትና ባዕልና እንተ ዘይወሲድናዮን እንተ ዘይሓሊናዮን ግን ግዲ ኣይብለናን እዩ።


እግዚኣብሄር ንዳዊት ዝኣተወሉ ቃል እንተሪኢናዮ: እቶም ደቅኻ ብእምነትን ብምሉእ ልቦምን ብዂሉ ነፍሶምን ኣብ ቅድመይ ክመላለሱ መገዶም እንተ ሓለዉ: ሽዑ ካብ ዝፋን እስራኤል ሰብ ኣይቋርጽን እዩ (1 ነገ 2:4) ኣገዳስነትን ውጽኢትን ትእዛዛቱ ምሕላው ንሰለሞን'ውን ደጊሙ ተመሳሳሊ መልእኽቲ ነጊርዎ። ብኣንጻሩ ውሉዱ ወይስ ዘርኡ ኣምላኽ ገዲፎም ንካልእ ኣማልኽቲ እንተ ሰገዱን ከም ፍቓድ ርእሶም እንተኸዱን:  እግዚኣብሄር ሳዕቤኑ ንሰለሞን ክነግሮ ከሎ: ካብዛ ዝሃብክዎም ምድሪ ከጽንቶም እየ: ካብ ቅድሚ ገጸይ'ውን ክድርብዮም እየ በሎ (1 ነገ 9:7)  እዞም ምንም ዘይፈልጡ ንጹሃት ፈሊጦም እንተ ዝመርጹ: ምርጨኦም መገዲ ዕረፍትን በረኸትን ከም ዝኸውን ኣየጠራጥርን። ግን ነዛ መገዲ ሚኢቲ ካዕበትን ዘለኣለማዊ ህይወትን ደኣ ገና ኣብቲ ምዱብ ዕድመ መን የርእዮም: ይምሃሮም ወይ'ውን ብትዕግስቲ የላምዶም። ብንኡሶም ዘይለመድዎ ክንዲ ሰብ ምስ ኣኸሉ ክጥርይዎ ወይ ክቕይርዎ ቀሊል ኣይኮነን። ነዚ ዝተረድኡ ኣቦታት ክምስሉ ከለዉ ቆልዓ ብንኡሱ ቆርበት ብርሕሱ ዝበሉ።     

ሰባት ንሂወቶም ዝመርሕሉ ፍልስፍና ኣለዎም። እዚ ፍልስፍና ዝብል ቃል ካልእ ኣይኮነን፡ እንታይ ድኣ ንሓደ ነገር፡ (1) ብከመይ ትርደኦን ብከመይ ትገልጾን፡ ወይ ንዓኻ እንታይ ትርጉም ኣለዎ (what)(2) እቲ ነገር ስለምንታይ ከምኡ ኮይኑ (why)(3) ንክትገጥሞን ንኸተተግብሮን'ከ እንታይ ስትራተጅን ሜላታትን ትጥቀም (how) ዝብሉ ካብቶም ቀንዲ መግለጺታት ክንወስድ ንኽእል። ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ፍልስፍና ድማ ኣብታ ንእሽቶ ቤቱን ውሉዱን ቀጺሉ'ውን ኣብ ከባቢኡን ስርሑን ይዕበ ይንኣስ ጽልዋ ኣለዎ። ኣብዛ ሒዝናያ ዘሎና ኣርእስቲ ንኣብነት ውሉድ ኣብ ሰባት ዝተፈላለየ ትርጉም ኣለዎ፡ ንምንታይ ዕላማ ተፈጢሩ ዝብል ዝተፈላለየ ኣረዳድኣ ክህሉ ዘገርም ኣይኮነን፡ ወለዲ እንታይን ከመይን ክኾነሎም ይደልይዎ ብከመይ'ከ የዕብይዎ ነናቶም ርድኢትን ፍልስፍናን ይውንኑ። ፍርኡ ድማ ካብ ዝተዘርኣሉን ንክቦቑል ዝወሰዶም ንጥረ ነገራትን ፍሉይ ክኸውን ኣይክእልን።     

ንሕና ከም ክርስትያናት ውሉድ እንታይ እዩ፡ ንምንታይ ዕላማ ተፈጢሩ፡ ብኸመይ መገድን ኣገባባትን ከነዕብዮም ይግበኣና፡ ምንጪ ፍልስፍናና ቃል ኣምላኽ እዩ ክኸውን ዘለዎ። እዚ ክብል ከለኹ ናይ ዘመና ፍልጠትን ጥበብን ኣይጠቕሙን እዮም ማለት ዘይኮነ፡ ግናኸ ካብቲ ሕመረትን ምንጪ ኵሉ ጥበብን ክንዘዚ ኣይግባእን። እግዚኣብሄር ጥበብ ይህብ እዩ እሞ፡ ፍልጠትን ምስትውዓልን ካብ ኣፉ እየን ዝወጻ (ምሳ 2:6)፡፡ ነቲ ቃል ኣምላኻዊ መምርሒታት ብግቡእ ተረዲእና ንምትግባሮም ድማ ምስ እንጽዕት፡ ንሕና እንሕጎሶሎም እግዚኣብሄር ድማ ዝኸብረሎም ውላድ ከም ዝኾኑ ኣየጠራጥርን። እቲ ምንታይ እቲ ህያው ቃል እግዚኣብሄር ዘይልወጥን እሙንን እዩ። እዚ ምስ ዘይከውን ግን ሳዕቤኑ ሕማቕን ዘጉህን፡ ወለዲ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተሓተትቲ እዮም። ሓደ ነገር ክንርዳእ ኣገዳሲ ይመስለኒ፡ እግዚኣብሄር ዘይንኽእሎ ሓላፍነት ኣየሰክመናን እዩ። ስለዚ ናይ ውጽኢትን ሳዕቤንን ተሓተትቲ ወለዲ ድኣ እምበር እግዚኣብሄር ክኸውን ኣይክእልን እዩ።    

እንታይ ኢና ከነለማምዶም ዘሎና ብኸመይ ኣገባብ'ከ ከነላምዶምን ክንምህሮምን ኣሎና ንዝብሎ ኣገደስቲ ዛዕባታት ኣስዒብና ንርኣዮም።


እንታይ ከነለማምዶም

ንሕና ቤት መቅደስ ህያው ኣምላኽ ከም ምዃንና (2 ቆሮ 6:16): ስጋና: ነፍስና መንፈስናን መግብን ክንክንን የድልዮ እዩመብዛሕቲኡ እዋን ናትና ኣትኩሮ ወይ ቀንዲ ንግደሰሉ ኣብቲ ስጋውን ስነ ኣእምሮኣውን ዛዕባታት እዩ። ንኣብነት ጽቡቕ ክዳን ምልባስ፡ ንፉዕ ተማሃራይ ክኾነልና ምጽዕርን ዝኣመሰሉን፡. እዚ ሰናይ እዩ ብግቡእ እንተ ተግብርናዮ። ዝተመጣጠነ ኵሉ መዳያዊ ዕብየት ክህልዎም ምግባር ግን ቀሊል ኣይኮነን። ብዙሕ ነገራትን ዋጋን ይሓተና፡ ንኣብነት ግዜ፡ ገንዘብ፡ ዓቕሊ ወዘተ ክጥቀሱ ይኽእሉ። ብዝሓተተና ጠለብ መንጽር ከኣ ውጽኢቱ ግዙፍን ኣዕጋብን ይኸውን። ሓደ ቀሊል ኣብነት ንውሰድ፡ ንሓደ ዕዮ ግዜ ብዝሃብናዮ መጠን ውጽኢቱ ጽቡቕን ኣድማዕን ክኸውን ግድን እዩ። ሰንበት ንቤተ ክርስትያን ምውሳድ፡ ክትምገብ ከሎኻ ምጽላይ ዝኣመሰሉ ኣብ ክርስትያናት ስድራቤት ልሙዳት እዮም። እዚኦም ገለ ካብቲ ከነላምዶም ዘሎና እኳ እንተኾኑ፡ እኹላት ግን ኣይኮኑን። እንታይ ድኣ ንምሃሮም፧  

ኣብ ዘፍ 18:19 ከምዚ ዝስዕብ ነንብብ: "እግዚኣብሄር ከኣ እቲ ብዛዕባ ኣብርሃም እተዛረቦ ከምጽኣሉ: ንሱ ድማ ብድሕሪኡውን ንቤቱን ንደቁን መገዲ እግዚኣብሄር ክሕልዉን: ጽድቅን ፍርድን ከኣ ክገብሩን: ምእንቲ ክእዝዞም: ፈለጥኩ በለ።" እቲ መንፈሳውን ሞራላውን ምልምማድ ዕዙዝ ምስ ዝኸውን፡ ነቲ ካልእ ማለት ስነ ኣእምሮኣውን ማሕበራውን ዕቤትታት ብኣወንታ ክጸልዎ ጥራሕ ዘይኮነ ናይ መሪሕነት ቦታ ንኽሕዙ ወሳኒ እዩ። ቃል ኣምላኽ ኣጸቢቖም ክሰምዑን ንሕጋታቱን ትእዛዛቱን ከተግብሩን እንተ ኣለማመድናዮም: እቲ ኣብ ዘዳ 28 ተዘርዚሩ ዘሎ በረኸት ኣይጎድሎምን። ገለ ንምጥቃስ፡ ኵሉ ተግባር ኢድካ ድማ ክባርኽ፡ እግዚኣብሄር እቲ ጽቡቕ መዝገቡ፡ ሰማይ፡ ክኸፍተልካ እዩ፡ እግዚኣብሄር ርእሲ እምበር፡ ጭራ ኣይክገብረካን እዩ፡ ብላዕሊ ጥራይ ትኸውን እምበር፡ ብታሕቲ ኣይትኸውንን። እዚ ዝኸውን ከኣ ንትእዛዛቱ እንተ ሓለኻን ገበርካን እዩ።

ስለዚ ንደቅና ከምቲ ኵሉ ኣካላዊ፡ ማሕበራውን ስነ ኣእምሮኣውን ድሌታቶም ንኸነማላኣሎም እንጽዕት፡ ንኣብነት ምብለዖም: ምስታዮም፡ ምኽዻኖም: ዕዮ ገዘኦም ክሰርሑ እንከታተሎም፡ ምስ መሓዝቶም ክጻወቱ እነተባብዖም፡  ኣብቲ መንፈሳዊ ልምምድ'ከ እኹል ግዜ ንህቦም'ዶ ኣሎና፧ ምስ ደቅና ስሩዕ ዝኾነ ናይ ጸሎት ግዜ፡ መጽሓፍ ቅዱስ እነጽነዓሉ ምዱብ ግዜ ኣሎና'ዶ፧  

ሓደ ምኽንያት ንምንታይ ኣብቲ ስጋዊ ነገራት ነተኩር፡ ምናልባት ናይቲ መንፈሳዊ ልምምድ ውጽኢት ኣብ ሓጺር እዋንን ብቐሊሉን ክንሪኦን ክንዕቅኖን ስለ ዘይንኽእል እዩ። እታ ፎርሙላ (ቀመር) ግን ንጽርቲ እያ። ነቲ ህያው ቃል ካብ ግዜ ንኡስ ዕድመአም ምምሃሮም፡ ምልማዶም፡ ሽዑኡ መንገዶም የቕንዑሞ ምስ ዓበዩ'ውን ኣየግልሱን፡ ምስላጥን ዓወትን ድማ ይስዕባኦም።  

ሓደ ኣብነት ዝኾነና ክርስትያን ስድራ ንርአ። ኣብ 18 ክፍለ ዘመን ዝነብሩ ዝነበሩ ዮናታን ኤድዋርድን ሳራን ኤሜሪካውያን ሰብ ሓዳር እዮም። እዞም ዓበይቲ ናይ ኣምላኽ ሰባት ሂወቶምን ደቆምን ካብ ገዘኦም ሓሊፉ ጽልዋኦም ንመላእ እታ ምድሪ ዓቢ በረኸት ከም ዝኾኑ ይንገረሎም። ተራ ሳራ ከም ኣደ ኣብ ምዕባይን ምጉስጓስን እቶም 11 ውሉዶም ኣዝዩ ዕዙዝ ነበረ። ብዙሓት ኣገልገልቲ ኣብ ቤት ዮናታንን ሳራን ክሓድሩ ይፈትዉ ኔሮም። ካብ ትምህርትን ስብከትን ዮናታን ንላዕሊ ብዙሕ እዋን ስርዓትን ኣካይዳን ናይቲ ቤት ይምስጦምን: ብኣወንታ ይጸልዎምን ኔሩ።   

ሳራ ንወሉዶም እተመሓድረሉ ብሉጽ ክእለት ኔርዋ። ንደቃ ከመይ ጌራ ምእዙዛትን እዱባትን ከም ትገብሮም ትፈልጥ ኔራ: እዚ ከኣ ብፍቕርን ብፍሕሹው ገጽን'ምበር ብሕርቃን ወይ ቁጠዓ ኣይኮነን። መአረምታ ንዘድልዮም ነገራት ድማ ኣብ እዋኑ ካብ ምግሳጽ ትቑጠብ ኣይነበረትን። ንእትነግሮም ነገራት ስለምንታይ ዝብል ሕቶ ብሰነ መጎት እናገለጸት: ካብ ስምዒታን ቃሕታኣን ፈልያ ተረደኦም ኔራ። ስርዓትን ሕግታትን ድማ ገና ካብ ግዜ ንኡስ ዕድመኦም መሃረቶም። ኣራሚ ስጉምትታታ ብጉቡእ ኣገባብን ኣብ ግቡእ ግዜን ብምትግባር: ንወለዶም ዘይተኣዘዙ ንኣምላኽ ክእዘዙ ከም ዘይክእሉ ብጥበበን ብሜላን ተርእዮምን ተረደኦምን ነበረት።       

ኣብ 1400 ሰባት ካብ ዘርኢ እዞም ስድራ ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ: 13 ሓለፍቲ ዪንቨርሲቲ (college presidents): 65 ሊቃውንቲ (professors): 100 ናይ ሕጊ ምሁራት (lawyers): 30 ደያኑ (judges): 66 ሓካይም: 80 ኣመሓደርቲ ኣብ ህዝባውያን ትካላት ካብዚኣቶም 3 ኣባላት ባይቶ (senators):  3 ኣመሓደርቲ ክፍለ ሃገራት (governors): ሓደ ከኣ ምኽትል ፕረሲደንት ሕቡራት መንግስታት ኤሜሪካ ኔሮም። ጽልዋ ሳራ ብሂወታ ከላ ጥራይ ዘይኮነ: ብዘርኣ ንብዙሓት ንበረኸት ምዃና እዩ። 

ይቕጽል

source   Shalom Magzine