16
Tue, Apr
0 New Articles

ኣምላኽ! ኣነ ኣዚየ ዝጸልኣካ ኣነ ኣምላኽ ግና....

Salvation
Typography

ኣምላኽ ንዓይ ዝገበርካኒ እንታይ እዩ? ኣነ ሰብ ቀቲለ ኣይፈልጥን እየ። ንማንም ከኣ ብዙሙት ዓሚጸ ኣይፈልጥን እየ። ፈጺመ ሰሪቐ ኣይፈልጥን እየ። ብርግጽ ንዉሱናት ሰባት ጐዲኤ እየ ግና ኣቐዲሞም ንሶም እዮም ጐዲኦምኒ። ዝገበርክዎም ከኣ ይግብኦም እዩ።

 

ኣምላኽ ንስኻ ካብታ ካብ ማህጸን ወላዲተይ ዝወጻኹላ መዓልቲ ጀሚርካ ኣዚኻ ኢኻ ጎዲኢካኒ። ዘዕብዩኒ ኣቦን ኣደን ኣይነበሩንን። ከም ሓደ ዘይረብሕ ጐሓፍ ካብ መዕበዪ ዘኽታማት ናብ ካልእ እንዳ ዘኽትማት ከርተት ክብል አየ ቁልዕነተይ ኣሕሊፈዮ።  ማንም ዘፍቅረኒ ሰብ ኣይነበረን። ሳንዲ ጥራይ እያ እታ ብሓቂ ተፍቅረኒ ዝነበረት። ንዓኣ ኸኣ ብካንሰር የሕሚምካ ብሞት ወሲድካያ።  ኣምላኽ ኣዚየ እየ ዝጸልኣካ።

 

ንስኻ ነታ ካብ ሰብ ንላዕሊ ዝነበረት ሞሊይ ናይ  ዓርከይ ከልቢ ብመኪና ቀቲልካያ። ካብ ዋናኣ ንላዕሊ እምብዛ እያ ተፍቅረንን ሕግብግብ ትብለንን ዝነበረት። እንትርፎ ምስ እዛ ናይ ዓርከይ ከልቢ ዘዕልሎ ሰብ ኣይንበረንን። ካብ ሰባት ንላዕሊ ንዓኣ ጥራይ እየ ዝኣምን ኔረ። ኩሉ ዝባኑ ክህበኒ ንሳ ጥራይ እያ ምሳይ ኔራ። ናይ ብሓቂ ዓርከይ እዛ ኸልቢ እያ ኔራ። ንዓኣ ኸኣ ወሲድካያ። ብሰንኪ እዛኣውን ኣዚየ እየ ዝጸልኣካ።

 

እስከ ዘክር ሓደ መዓልቲ ኣደይ ወላዲተይ ደዊላ ኣነ ኣዴኻ እየ ንስኻ ኣይትፈልጠንን ኢኻ ግና ክረኽበካ ኣብ ከምዚ ቦታ ጽንሓኒ ኢላ ክትድውለይ? ኣደይ እንታይ ከም ዝመስል ክትርየኒ ደልያ ኔራ።  ኣብቲ ዝቖጸረትኒ ቤት ምግቢ ንነዊሕ ሰዓት ተጸቤያ ክትመጽእ ግና ኣይከኣለትን። እንታይ ከም ዝዀነት እኳ ፈጺማ ኣይደወለትለይን። ክትድውለለይ ክረኽባ ደጋጊመ ናባኻ ጸሊየ።  ከም ትድውለለይን ዳግማይ ክትርእየንን ግና ኣይገበርካያን።

 

ኣምላኸ ኣነን ሳንዲ ሕጺተይን ኣዚና ኢና ንፋቐር ኔርና። ዘመን ህይወታ ኩሉ ከማይ ብመጉዳእቲ እያ የሕሊፋቶ። ንሳ ንዓይ ትርድኣለይ ኣነ ኸኣ ንዓኣ እርድኣላ ኔረ። ገንዘብ ምስ ረኸብናን ምስ ኣዋህለልናን ከኣ ቐልጢፍና ክንምርዖ መደብ ኔሩና።  ምስኣ ኣብ ዝህልወሉ ግዜ ኩሉ ነገረይ እየ ዝርስዕ። ጭንቀተይን መጉዳእተይን እኳ ኣይዝክሮን። ንዓኣ እውን ኣምላኽ ወሲድካለይ። ኣምላኽ ንዓኣ ስለ ዝወሰድካለይ ንዘልኣለም ክጸልኣካ እየ። ስለምንታይ ክትመወት ፈቒድካ?

 

ምሸት ምሸት ናባይ ስመይ እናጸወዓት ድምጻ ክሰምዕ ጥራይ ይብህግን ይሓልምን ኔረ። በጃኻ  ዋላ ብመንፈስ ግለጸለይ ኢለካ ንስኻ ግና ኣይሰማዕካንን። እሳ ምሳይ ኣብ ጎነይ ከምዘላ ይፈልጥ እየ ንስኻ ግና ክርኣያ ኣይፈቐድካለይን። ኣምላኽ ብሓቂ ጨካን ኢኻ።

 

እስከ ኣብዛ ዓለም ዝግበር ዘሎ ግዕዘይን ሕማቕ ነገርን ረኣዮ። ሰባት ካብ ባዶ ተበጊሶም ንሓድሕዶም ይቃተሉ። ሰባት ኣብ ሕማቕ ነገር ይወድቁ።   ሰባት ክሳብ ክንድዚ ክጨኻኸኑ ስቕ ኢላካ ምርኣይካ ከመይ ዘይትግደስ ኣምላኽ ኢኻ? ህጻናት ብጥሜት ይሞቱ ብሕማም ሰባት ይቐዝፍ። ሰባት ካብ ሃያምኖት ተበጊሶም ኣምላኽ ገነት ከእትወና እዩ ኢሎም ንሓድሕዶም ክጨፋጨፈ ይውዕሉ። እዚ ጽላለ እዩ። ኣምላኽ ንስኻ እውን ዘይትግደስ ኢኻ።

 

ትዝክር ዶ ኣምላኽ ሓደ ግዜ ናብ ቤተ ክርስትያን ከይደ ምሳኻ ክዘራረብ ከለኹ? ብሓቂ ኣሎኻ ዲኻ ወይ ሰባት ከም ዘለኻ ክኣምኑ ስለ ዝደለዩ እዮም ዘሎኻ እስከ ብሓቂ ህያው እንተ ኾንካ  ርእስኻ ግለጸለይ መረጋግጺ ናይ ህላውነትካ ሃበኒ ኢለ ተንበርኪኸ ኣበርቲዔ ጸልየ ንስኻ ግና ምንም መልሲ ኣይሃብካንን። ምንም ነገር ከኣ ኣይኮነን። ብርግጽ ንስኻ የሎኻን። እንተ ትህሉ ኔርካ ሽዑ ሹዑ ምመለስካለይ ኔርካ።  ፈራሕ ኣምላኽ ዲኻ? ወይ ድማ ኣነ ዘይረብሕ ኮይነካ ርእስኻ ክትገልጸለይ ኣይደለኻን?

 

መዓረ ክንደይ ከም ዝጐዳእካኒ ክትፈልጥ ደልየካ። ከምቲ ዝጐዳእካኒ ኸኣ ክጐድኣካ ደልየ። ካብቲ ናተይ ዝኸፈኣ መጉዳእቲ ኸኣ ክበጽሓካ ተመንየ። ኣነ እዚ ዘሎኒ መጉዳእቲ ክበጽሓኒ ይግብኣኒ ድዩ? ስለምንታይ ናብዛ ዓለም ክመጽእን ክውለድን ጌርካኒ? ብኸምዚ ከርፋሕ ህይወት ክመርሕ መታን ድዩ? ብጣዕሚ ጨካን ኢኻ።

 

ናይ ሃይማኖት ሰባት ብሰንኪ ሓጥያተይ ኣብ መስቀል ከም ዝሞትካ እዮም ዝዛረቡ።  ካብ ሞት ከም ዝተንሳእካን ናብ ሰማይ ከኣ ከም ዝዓረግካን እዩም ዝእውጁ። ሓራይ ደሓን እቲ ሓቂ ከምዚ እንተ ዀይኑ ስለምንታይ ደኣ እሞ ንሳንዲ ኣፍቃሪተይ ካብ ሞት ዘይተተንስኣ? እቶም ናይ ሃይማኖት ሰባት ንቡዙሓት ሰባት ካብ ሕማሞም ከም ዝፈወስካ እዮም ዝዛረቡ እሞ ደኣ ስለምንትያ ንሳንዲ ኣፍቃሪተይ ቅድሚ ሙማታ ዘይትፍውሳ? ክትፍውሳ ሓቲታትካ እያ ግና ኣይፈወስካያን። ንማንም ሰብ ዝፈወስካ ኣይመስለንን። ከም ዝሞትካ እውን ኣይኣምንን እየ። ከም ዘሎኻ እውን ኣይኣምንን እየ።  እቶም ናይ ሃይማኖት ሰባት ገንዘብ ክረኽቡ ኢሎም ዝተጣበብዎ ጽውጽዋይ እዩ እምበር ሓቅነት የብሉን። ንዓይ ከምኡ እዩ ዝመስለኒ።

 

ንዓኻ ስለ ዝጸላእኩኻስ ናብ ገሃንም እሳት ክትሰድኒ ማለት ድዩ? ካብዚ ዘለኽዎ ገሃንም ዝኸፍእ ገሃንም ካልእ እንታይ ኣሎ? ኣምላኽ ኣነ ፈጺም ክነብር ኣይደልን እየ። በቃ መጉዳእተይ ዓቢ እዩ። ቃንዛይን ሕማመይን ክጻወሮ ኣይክእልን እየ። ከምቲ ኣነ ዝተጐዳእክዎ ክትጉዳእ ይደልየካ እየ። ዋላ ይጎዳእ ንስኻ ፈጺምካ ኣይትግደስን ኢኻ ሓቀይ ዶ ኣምላኽ?

 

መልሲ ኣምላኽ ኮነ ነዚ ሰብ እዚ እንታይ ይኸውን?

 

ፉቑር ወደይ  ንዓኻን ከማኻን ዝኣመስሉ ሰባት  ዘፍስሶ ዘለኹ ንብዓት እንተ ትርእዮ ብሰንኪ ከማኻን ከማኻ ዝኣመስሉ ዝጸልኡኒ ሰባት ልበይ መዓረ ክንደይ ሞግዳእቲ ከም ዘለዎ እንተ ትፈልጥ ብርግጽ እንተ ዝርድኣካ...

 

ፉቑር ወደይ ዘሎካ መጉዳእትን ቁስልን ገና ከይተፈጠርካ ከሎኻ ከም ዝፈልጦ ትፈልጥ ዶ? ብሰንኪ ዘሎካ መጉዳእትን ስቓይን ዝሕጎስን ዝፍሳህን ዶ ይመስለካ? ብቓንዛኻ ዝሕጎስ እንተ ደኣ መሲሉካ ተጋጊኻ ኣሎኻ።

 

ኣብዛ ምድሪ ክንደይ ክፍኣት ከም ዘሎ ዘይፈልጥ ዶ መሲሉካ? ንዕኡ ዘይርኢ ዕውርዶ መሲልካ? እዚ ኽፍኣት እዚ ንሓዋሩ ክቕጽል ስቕ ኢለ ዶ ዝርእዮ ይመስለካ? ብፍጹም ! ነዚ ክፍኣት ዝቋጻጸረሉ  መንገዲን መደብን ኣሎኒ። ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ዘለዉ ሰባት ኣብ ቃለይ ዝኣተኹሎም ተስፋ ኣሎ እዩ። ከምቲ ዝኣተኽሎም ቃል ከኣ ከምኡ ክኸውንን ክፍጽሞን እየ። ሰባት ብዛዕባ መጽሓፍ ቁዱስ ዝብልዎ ጥራይ ኣይትስማዓዮም ባዕልኻ ንገዛእ ርእስኻ ኣንብቦ። ዕላማይ ንዓኻ እንታይ ምኻኑ ካብኡ ርኸቦ።  ብኸመይ ጌረ ንርኽሰት እዛ ምድሪ ከም ዘጽርዮ ኸኣ መደብይ ከመይ ምኻኑ ከተስተውዕሎ ኢኻ።

 

ትፈልጥ ዶ ንዓይ ክትጸልኣኒ ከተፍቅረኒ ክትኣምነኒ ከይትኣምነኒ ምርጫ ከም ዝሃብኩኻ? ስለምንታይ ኮነ እየ እዚ ነጻ ምርጫ እዚ ሂበካ ትፈልጥ ዶ? ከሳቕየካ ኢለ ድየ? ወይ ከም ሓደ ባምቡላ ኣነ ክትኣምኖ ዝደለኹኻ ጥራይ ከም ትኣምን ክገብረካ ኢኻ እትደሊ? እዚ እሞ ፍቕሪ ኣይኮነን። ሓቐኛ ፍቕሪ ንሰባት ዝደለይዎን ዝኣመንሉን ክመርጹን ክኣምኑን ዕድል ምሃብ እዩ።  ብሓይሊ ንኽኣምኑ ምግባር ግና ፍቕሪ ኣይኮነን።

 

እስከ ሕሰብ ንሳንዲ ካብ ካንሰራ እንተ ዝፍውሳ ንዓይ ምጽላእካ መቋረጽካ ወይ ዶው ዶ መበልካ? ብፍጹም ከም ዘይተቋርጾ ይፈልጥ እየ። ዘዕብዩኻ ወለዲ ስለ ዘይነበርኹ ብሰንኪ እዚ ንዓይ ካብ ንእስነትካ ከም ትጸልኣኒ ይፈልጥ እየ። እቲ ሓቂ እንተ ዝግለጸልካ ንጽልኢ ተምልኾ ኢኻ ዘሎኻ። ጽልኢ ኣምላኽካ እዩ። ግና ንስኻ ኣይፈለጥካዮን። ክትጸልኣኒ መሰል ከም ዘሎካ ሓቲትካኒ ኣነ እውን እዚ መስልን ምርጫን ሂበካ እየ። ንዘልኣለም ክትጸልኣኒ መሰል ኣሎካ ህይወት ግና ድሕሪ ሞት ኣይተብቅዕን እያ። ንዘልኣለም ክትጸንሕ እያ። ኣነ ኣይሑሱን እየ። እዚ ዘሎካ ጽልኢ ክሳብ ዘልኣለም ምሳኻ እንተ ተዓንጊጥካዮ ንዘልኣለም ለውጢ ከም ዘየሎ ፍለጥ። ነዚ ዘሎካ ጽልኢ መመሊሱ ከዕብዮ እንተ ዘይኮይኑ ኣይቅንሶን እዩ።

 

ብዝሓት ንጽልኦም ኣብ ትሕተይ ኣግዚኦሞ እዮም ንስኻ ከኣ ከምኡ ክትገብር ይግብኣካ። እዚ ውሳኔ እዚ ቅድሚ ሞትካ ክትውስን ይግብኣካ። ኣነ ሎዕሊ ግምት ኣእምሮኻ ዝዀነ ተኣምራት ኣብ ህይወትካ ክገብር ይኽእል እየ። ነቲ ኣብ ውሽጥኻ ዘሎ ጽልኢ ቐቲለ ንህይወት ልዕሊ እቲ ንስኻ ትፈልጦን ትርድኦን ኣዚያ ውቅብቲ ምዃና ከርእየካ እየ።  ቕድሚ ሕጂ ተረዲኢካዮ ብዘይትፈልጥ መንገዲ ንህይወት ክትርድኣን ከተስተማቕራን ኢኻ። ምሳይ ምዝራብ ከመይ ዓቢ ክብረት ምኻኑ ተረዲእካ ንዓይ ምእማን ከኣ ካብ ህይወት ቡሉጽ ነገር ከም ዝወጽእ ክትርዳእ ኢኻ። ኣነ ኣይሕሱን እየ። ኣነ ተኣምራት ዝገብር ናይ ተኣምራት ኣምላኽ እየ። ግና ሰብ ንዓይ ምጽላእ ክሓድጎ ንዓኻ ኰነ ንኻልኦት ኣይግድድን እየ። ኣነ ንዓይ ክትጸልኣኒ ዀነ ከተፍቅረኒ ሓይሊ መሰልን ምርጫን ሂበካ እየ።  እቲ ወደይ ኣብ መስቀል ዝገበሮ ግብሪ እንታይ ምኻኑ ክትፈልጥ ክሳብ ዘይሓተትካንን ሓገዘይ ከኣ ክሳብ ዘይደለኻ እዋን ከተፍቅረኒ ብፉጹም ኣይትኽእልን ኢኻ። ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ክትፈልጥ ወይ ክትሰምዕ ከም ዘይትደሊ ይፈልጥ እየ ይኹን እምበር ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብመንጸር እዚ ወደይ ኣብ መስቀል ዝገብሮ ግብሪ  ዝህቦ ግብረ መልሲ እዩ ዝፍረድ። እዚ ኸኣ ቅድሚ ምስራት ዓለም ዝተመደበ እማመ እዩ። ሓባቢለ ናባይ ከምጻካ ይኽእል እየ ግና እዚ ፍቕሪ ኣይኮነን።

 

ንዓይ ከተፍቅረኒ ትፈርሕ ዲኻ? ወይ ካብ ናዓይ ምፍቓር ንላዕሊ ንዓይ ምጽላእካ እዩ ዘሕጉሰካ? ገዛእ ርእሰይ ነቶም ዘፍቁሩንን ከሕጉሱኒ ኸኣ ዝደልዩ እየ ዝገልጽ እምበር ነቶም ዝጸልኡኒ ኣይኮኑን። ኣነ ኸኣ ከምቲ ናትካ ስሚዒት ከም ዘሎኒ ፍለጥ።

 

እቲ ምርጫ ናትካ እዩ ፉቑር ውደይ። ናተይ ምርጫ እንታይ ምኻኑ ይፈልጥ እየ። ኣነ ካብ ጥንቲ ጀሚረ ብዛዕባኻ ዝሓስቦ ኩሉ ሰናይን ባህ ዘብልን ጥራይ እዩ። ኣብ ህይወትካ ኣትየ ብተኣምራታዊ መንገዲ ልዕሊ እቲ ንስኻ ትግምቶ ተኣምራታዊ ፍጥረት ጌረ ክልውጠካ ከተፍቅደለይ ይደሊ። ኣነ ካብ ሒዝካ ዘሎ ገመድ ጽልኢ ሓራ ጌረ ንፈጣሪኻ ከም ተፍቕሮ ክገብረካ ይደሊ። ካብዛ ምድሪ ምስ ሓለፍካ ንዓይ ገጽ ንገጽ ርኢኻ ብዓቢ ሓጎስ ክትርእየኒ እምበር ገጽካ ተጨማዲዱ ብጽልእን ነድርን ክትርእየኒ ኣይደልን እዚ ንዓይ እንታይ ሓጎስ ከምጻለይ እዩ? ንስኻ እውን ኣብ መንግስተይ ንዓይ ዝጸልኡ ከም ዘይኣትዉ ምስ ፈለጥካ እኳ ደኣ ብኣንጻሩ እቶም ዝጸልኡኒ ኣብ ናይ ገሃንም መንግስቲ ከም ዝኣትዉ ምስ ፈለጥካ እንታይ ኮን ክትብል ኢኻ? እዚ ነገር እዚ ንዓይ ከም ዘየሓጉሰኒ እንተ ትፈልጥ ከመይ ጹቡቕ ኔሩ። ኣብታ መንግስቲ ጸልማት ቅድሚ ምእታውካ ስቓይ ነፍሲ ከመይ መሪር ምኻኑ እንተ ተስተውዕል ፉቑር ወደይ። ኣብታ ዘልኣለማዊ ሓጎስን ፍስሃን ዕረፍትን እምበር ስቓይን ምረትን ዘይብላ መንግስቲ ክትህልው እዩ ድሌተይ ፉቑር ወደይ

 

በጃኻ ወደይ ካብ ጽልእኻን ሓርቖትካን ተመለስ። ግዜ ከይተወደኣ ከሎ ናባይ ተመለስ። በጃኻ ፉቑር ወደይ

 

ምንጪ http://www.precious-testimonies.com/Exhortations/f-j/Hate.htm