20
Sat, Apr
0 New Articles

ዘደንቕ ታሪኽ ሊያ ማክዶናል

Ministry
Typography

 

“ሓራ ኣውጺኡኒ!… ”ካብ ቤት ማእሰርቲ ባንግላድሽ ጎይታ የሱስ ብኢዳ ሒዙ ዘውጽኣናይ ሊያ ማክዶናል ኣደናቒ ታሪክ 

ብ ህይወተይ ንዝመጸኒ ኩሉ ሽግርን ክፉእ መከራን እግዚኣብሄርዓላማ ነይርዎ ወይ ድማ ኩሉ ንሰናይ እዩ ኢለ ክኣምን የሸግረኒ ነይሩ። እንተኾነ ግና ልዑል ኣምላኽ በብመዓልቱ "ኣነ ኣብህይወትኪ ዕላማ ኣለኒ፣ ናይ ገዛእ ርእስኺ ሓሳብን መንገድን ገዲፍኪ ብናተይን በቲ ኣነ ዘርእየክን መንገዲ ክትመላለሲ እደሊ ኣለኹ" ይብለኒ ነይሩ። 


ድሕሪ እተን ኣርባዕተ ናይ ማእሰርትን ናይ መከራን ዓመታት ካብ ዝረኸብክዎ ትምህርቲ ዝተለዓለግና  እግዚኣብሄር ብርግጽ ኣብ ህይወተይ ዕላማ ከምዝነበሮ ክርዳእክኢለ። እቲ ምእሳረይን ብመከራ ምሕላፈይን ናይ የሱስ ክርስቶስ ዓላማን ጸዳል ብርሃኑን ኣብ ህይወተይ ክበርህ፣ ኣነ ድማ ንጎይታክፈልጥን ብዝሓሸ ድማ ብጎይታ ክፍለጥን ኣኽኢሉኒ።
 
እቲ ኣሸጋሪ ዝበሃልኩነታት ኣብ የካቲት 1992 እዩ ጀሚሩ። ኤልዳ ሊያ ማክዶናል ከም ኩሉ ኣመሪካዊ 18 ዓመት ምስ መልኣ ናይ "በርዝ ደይ"መዝሙር ተዘሚሩላ ካብ ቤተሰባ ወጽአት። እቲ ንግዚኡ ኣብ ኢዳ ዝተወሃባ ናይ መፋነዊ ቼክ ካብ ቤተሰባ ምስ ወጽአት ብዙሕብምቾትን ብሓጎስን ከካይዳ ኣይከኣለን። ኣብ ልዕሊ'ዚ ድማ ካብ ቤተሰባ ነጻ ብምዃና ዝተፈላለዩ ሓደስቲ ጅንስ ክዳውንቲእንዳተኸድነት ከምድላያ ብዘይተቖጻጻሪ ክትዘውርን መስተ ክትሰትን ምቹእ ኮነላ። ኣብዚ ግዜ ሓደ ድምጺ ብቀጻሊ "ሊያ እዚእትገብርዮ ዘለኺ ኩሉ ጽቡቕ ኣይኮነን እሞ ተመለሲ" ዝብል ድምጺ ኣብ ልባ ብዘይምቁራጽ ይመጻ ነበረ፣ እንተኾነ ግና እቲ ዝመጻዝነበረ ድምጺ ናይ መን ምዃኑ ፈልያ ኣየለለየቶን።
 
ኣብ ከምዚ ኩነታት ከላኣብ ሓደ ናይ ክዳውንቲ ፋሽን መሰልጠኒ ኮሌጅ ተማሂራ ክትምረቕ እሞ በቲ ስራሕ ነብሳ ከተመሓድር እንተወሰነት እኳ እቲ ናይኮሌጅ ክፍሊት ግና ልዕሊ ዓቕማ ማለት ሸሞንተ ሽሕ ዶላር ንወርሒ ኮና። እዚ ንልባ ዝሰበረ ናይ ትምህርቲ ጉዳይ ንመሓዛኣ ሲንዲምስ ኣማኸረታ ድማ ንሳ "እዚ መደብኪ ግደፍዮ፣ ኣነ ኣብ ወርሒ ዓሰርተ ሽሕ ዶላር እትረኽብሉ ስራሕ ከተሓሕዘኪ እየ" በለታ።ሊያ እዚ ምስ ሰምዐት ኣድራሻን ስምን ናይቲ ትካል ክትሕብራ ንሲንዲ ሃወኸታ። ሲንዲ ግና "ናይቲ ትካል ሽምን ንጥፈታቱን ብዓቢምስጢር ክትሕዝዮ ይግባእ፣ ሓንሳብ ምስ ኣተኽዮ ድማ ክትወጽኢ ብፍጹም ከም ዘይከኣል ክትርድኢ ይግባእ" ብምባል ገለጸትላ።ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ብዙሕ ምስ ተመያየጣ ድማ እቲ ስራሕ ኣልማዝ ካብ ሓደ ቦታ ናብ ሓደ ቦታ ምዝውዋር ምዃኑ ሓበራታ፣ ሊያ ግንክርድኣ ኣይከኣለን። ኣብ መወዳእታ ድማ እቲ ስራሕ "ኮኬይን" ዝበሃል ሓሽሽ ምዝውዋር ምዃኑ ምስ ሓበረታ ኣዝያ ሰንበደት። ሊያዝኸፈልኩም እንተኸፈልኩምኒ ሓሽሽ ኣየዘዋውርን እየ በለት። ናይዚ ምኽንያት ድማ ቅድሚ ሕጂ ተመሃሪት ካልኣይ ደረጃ ከላ ሓደእትፈልጦ መንእሰይ ብሰንኪ እዚ ሓሽሽ ተሓኒቑ ስለዝሞተን ኣብ ቀብሩ'ውን ብኣካል ተረኺባ ስለዝነበረትን እዩ።
 
ሲንዲ ግና ብብዙሕ ጥዑምቃላት ኣሰድዓታ እሞ ምስቲ ቀንዲ ሰብኣይ ኣራኸበታ። ናይቲ ትካል ወናኒ ዝኾነ ሰብኣይ ህድእ ኢሉ "ሞራልክን ፍርሃትክንከምኡ'ውን ናብ ክፉእ ንኸይትኣትዊ ኢልኪ ዝገበርክዮ ጥንቓቐ ኩሉ የኽብረልኪ እየ። ንሕና ግና ኣዚና ኢና እንደልየኪ፣መልክዕክን መንእሰይ ምዃንክን ንስራሕና ብዙሕ ይጠቕመና እዩ። ንመጀመርያ ግዜ ናብቲ ኮኬይን ብግልጺ ብመንግስቲ ዝፍቀደሉ ናብኒውዚላንድ ክንልእከኪ ኢና፣ ኣብኡ ዝሕዘኪ ይኹን ዝፍትሸኪ ፖሊስ የልቦን። ብዛዕባ ኣወሳስድኡን ኣቀማምጥኡን ዋላ ሓንቲኣይትጨነቒ ናባይ ግደፍዮ" በላ። ሊያ ድማ በቲ ደጋጊሙ ዝነግራ ዝነበረን በቲ ድሕሪኡ ክትረኽቦ እትኽል ሓጎስን እንዳሓሰበትተሰማመዐት።
 
ንሓደ ወርሒ ዝኸውንነብሳ ካብ ጸላእታ ክትከላኸለሉ ዘኽእላ ናይ ካራተ ትምህርቲ ስልጠና ወሰደት። ናብ ኒውዚላንድ ንምጉዓዝ ትኬታን ፓስፖርታንተዳለወ። እቲ ጉዕዞ ድማ ብመዕርፎ ነፈርቲ ባንግላድሽ ኣቢልካ እዩ ዝሕለፍ ዝነበረ። ኣብቲ ጽኑዕን ዓቢ ጥንቃቐን ዝሓትት ናይመጀመርያ ተፍትሽ ሊያ ኣብ ልዕሊ'ቲ ዝተኸደነቶ ረቂቕን ጽቡቕን ክዳን ናይ ገጻ መልክዕ ንኹሉ ዝረኣያ ኣዝያ ማራኺት ስለዝነበረትዋላ ሓደ ፖሊስ ከይፈተሻ ኩሎም ዓይኒ ዓይና እንዳረኣዩ ሕለፊ በልዋ። ኣብ መወዳእታ ኣብቲ ናይ መዕረፊ ኣጋይሽ ሰድያ ኮፍክትብል ከላ ሓንቲ ጓል-ኣነስተይቲ ፖሊስ ኩሉ ነገራታ ባህ ስለዘይበላ ናብ ሊያ ቅርብ ኢላ ነቲ ሒዛቶ ዘላ ሻንጣ ክትፍትሾምዃን ብትሕትና ሓበረታ። ሊያ ግና ፍቓደኛ ኣይነበረትን።
 
ኣብ መወዳእታ ድማ ከምቲዝሓሰበቶ ዘይኮነስ ጽዑቕ ተፈትሻ ተኻይዱላ። ኣብ ረቂቕ ጻዕዳ ፕላስቲክ ዝተዓሸገ 28 ኪሎ ዝምዘን ኣልማዝ (ኮኬይን) ካብሻንጥኣን ምሉእ ኣካላታን ተለቒሙ ወጸ። ጉድ ተባሂሉ። ሊያ ማክዶናል ናታ ከምዘይኮነ እንዳበኸየት ተማሕጸነት። ቪዛይ ከይሓረኒበጃኹም ፈንዉኒ ብምባል ኣብ መሬት እንዳ ኣንገርገረት ልመናኣ ቀጸለት። እታ ዝሓዘታ ጓል ኣንስተይቲ ፖሊስ ግና ብናይ ሕጫጨኣዘራርባ "ናትና ኣመሪካዊት፣ ናይ ዓድኹም እኳ እንተዘይፈለጥና ኣብ ባንግላድሽ ግና ናብ ቤት ማእሰርቲ ንምእታዉ ቪዛ ኣየድልንእዩ" ብምባል  ንክልቲኡ ኣእዳዋ ንድሕሪት ብምጥዋይ ብሰንሰለት(ፌሮ) ኣሰረታ። ናይ ሊያ ብኽያትን ኣውያትን ድማ ጸጥ በለ። ተታሒዛ ድማ ናብቲ ብክፍኣቱ ዝተፈለጠ ናይቲ ሃገር ቤት ማእሰርቲከም ኣቕሓ ተሰንደወት እሞ ዘላቶ ቦታ ተሓዋወሳ።
 
ብዙሓት ደቂ-ኣንስትዮኣብ ዝርከባሉ መንደቁ ዝፈራረሰ ጽሬቱ ዘይተሓለወ ናይ ሓባር ሽቓቕ ዘለዎ ቦታ ኣተወት። ሸራፍ ብኬር፤ ኣብ ማእከሉ ክልተ ቀዳድዘለዎ ነቓዕ ናይ ፕላስቲክ ሸሓኒ፤ ሓንቲ ንእሽተይ ማንካ፤ ሓንቲ ኣናጹ ዝቐደድኣ ተንኮበትን ሓንቲ ዝተሸራረፍት ባዞን ልክዕከም ሓደ ዓቢ ህያብ ፈሪማ ካብቲ ካቦ ተቐበለት። ዘላቶ ኩነታትን እትርእዮ ዘላ ነገርን ኩሉ ምርዳእ ኣበያ። ነብሳ ንምክልኻልንናይ እሱር መሰላ ንክሕለወላን ብዙሕ ጸዓረት። እንተኾነ ግና ኣብ ክንዲ ጽቡቕ መልሲ ረሳሕ ማይ ኣብ ልዕሊኣ ክድፍኣ ምሉእመዓልቲ ቀጽሪ ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ክተጽሪ ለይቲ እተን እሱራት ከሸናሉ ዝሓደራ ዝመረተ ጥስቲ ንግሆ ተንሲእካ ምድፋእ ሽልማታከነ። ስለዚ ድማ ምእንቲ ነብሳ ከተጸናንዕ  ምእዋይን ምድራፍንኮነ ስርሓ። ኩሎም ዓቢዳ እያ ኢሎም ተሰማምዑ። ክልተ ግዜ ዝኸውን ድማ እሱራት፣ መርመርቲ ፖሊስ ተመሲሎም ንኽዕምጽዋ መሊቖምክኣትዉ ጀመሩ። ካብዚ ዝተለዓለ ንድሕነታ ተባሂሉ ሓንቲ ንእሽተይ ክፍሊ ተዋሂባታ። እታ ክፍሊ ኣብ ጎኒ ሽቓቕ ኮይና መንደቓዝፈራረሰትን ጨናዊትን እያ።
 
ሓደ መዓልቲ ብዙሓትኣወዳት እሱራት ናብ ሽቓቕ ዝኣትዉ ተመሲሎም ናብ ክፍሊ ሊያ ኣትዮም ብኢዳን እግራን ብምሓዝ ክዕምጽዋ ክፍትኑ ከለዉ በቲዝተመሃረቶ ካራተ ጌራ ነቶም ጥሜትን ጽምእን ዘጥቅዖም እሱራት ሓደ ብሓደ ብምዝራር ንኹሎም ጎቲታ ናብ ደገ ኣውጺአ ደርበየቶም።ኣብ መወዳእታ ድማ ደኺማ ኮፍ ኢላ እንዳበኸየት ከላ ሓደ ድምጺ ሰመዐት፣ "ኣጆኺ ገለ ኣይትኾንን ኢኺ፣ ኣነ ምሳኺ እየ፣ ዋላሓደ ገለ ክገብረኪ ኣይክእልን እዩ፣ ንስኺ ናተይ ኢኺ ኣነ ድማ ናትኪ እየ ..." ዝብል ድምጺ። ነዚ ድምጺ ምስ ሰምዐት መሊሳሓሪቓ እቲ ድምጺ ናይ መነ ምዃኑ ከይፈለጠት "ንስኻ መን ኢኻ? ኣበይ ኬንካ ኢኻኸ እትዛረብ ዘለኻ? ንስኻኸ ከምዚ ናይ ብጾትካዕጫ ከጋጥመካዶ ትደሊ ኢኻ?" ብምባል በቲ ዝተመሃረቶ ካራተ ናብ የማንን ጸጋምን ክትዘልል ጀመረት። እቲ ድምጺ ግና ኣይቋረጸን፣ደጋጊሙ ናብኣ ክምጽእ ጀመረ። ኣብ መወዳእታ ኣብ ዓቢ ስንባደ ኮይና "ንስኻ መን ኢኻ? ኦ ማይ ጋድ፣ ኣምላኸይ በጃኻ ርድኣኒ"ብምባል ፊቕ ኢላ ክትበኪ ጀመረት።
 
እቲ ዓቢ ድምጺ ግን ሕጂ'ውንነታ ገዛ መለኣ፣ ድማ ምሉእ ዓለም ክስምዖ ዝኽእል ዝመስል ድምጺ "ኣነ እቲ ኦ ማይ ሎርድ ኢልኪ ንረዲአትኪ ዝጸዋዕክኒኣምላኽኪ እየ። ካብዚ ዘለኽዮ ማእሰርቲ ነጻ ከውጽኣኪ መጺአ። ናብይ ገጽኪ ጠምቲ" በላ። ንሳ ግን ፍርሃት፤ ስንባደን ጭንቀትንዓሲልዋ ስለዝነበረ እቲ ዝዛረባ ዝነበረ ድምጺ ናይ የሱስ ክርስቶስ ክኸውን ይኽእል እዩ ኢላ ክትኣምን ኣጸገማ። ስለዚ ድማ"ኣነ ንዋላሓደ ኣይደልን እየ፣ ናይ ዋላ ሓደ ክኸውን ኣይደልን እየ፣ ዋላ ሓደ ድማ ናተይ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ሰብ ይኹንእግዚኣብሄር የልቦን። ኣነ ከይሓሰብክዎ ዝተጎዳእኩ ሓጋዚ ዝሰኣንኩ ዘመድ ወገን ዘይብለይ ምስኪን ኣመሪካዊት ጓል እየ። መልክዐይዘዓሸወኒ እቲ ኣብ ዓለም ብሓይሊ መዳርግቲ ዘይብሉ መንግስተይ እኳ ክረድኣኒ ዘይከኣለ ንስቓይ እተፈጠርኩ ሰብ እየ" ብምባልመሪር ብኽያት ክትበኪ ወዓለት።
 
ልያ ታሪኻ ባዕላ ከምዚብምባል ትቕጽሎ።
 
ሓደ መዓልቲ ንግሆብግምት ከባቢ ሰዓት ዓሰርተን ፈረቓን ክኸውን ከሎ ነቲ ተኖኮኡ ዝፈራረሰ መንደቕ ናይታ ክፍለይ እንዳጠመትኩ ዝን ኢለ ከለኹሓንቲ ንእሽተይ ኣንጭዋ ኣብ ሓደ ጸግዒ ናይቲ ክፍሊ ብዝነበረ ቀዳድ ዝተቖራረጸት ወረቐት ከተሕልፍ ብኣስናና ክትቃለስ ከላረኣኽዋ። እታ ንእሽተይ ኣንጭዋ ኣነ ምስተንቀሳቐስኩ ፈሪሃ ነታ ወረቐት ገዲፋ ናብ ጉድጓዳ ኣተወት። ኣነ ድማ ጽግዕ ኢለ ነታካብታ ኣንጭዋ ዝተረፈት ወረቐት ኣልዒለ ኣገላቢጠ ኣንበብክዋ። እቲ ጽሑፍ J_sus is Lo_d ዝብል ክልተ ፊደላት ተቐዲዶም ዝጠፍእዋ ብቀይሕ ቀለም ዝተጸሓፈ ኣርእስቲ ዘለዋንእሽተይ ደብዳቤ ኮይና ጸነሓትኒ።
 
"ኣብዚ መከራ፤ ጭንቀት፤ጥምየት፤ ሓዘንን ተስፋ ምቑራጽን ዝበዝሖ ቤት ማእሰርቲ ባንግላድሽ ዘመድ ዓርኪ ቤተሰብ ክብጽሓካ ኣይክእልን ይኸውን። ካብዚኩሉ ዝበለጸ ግን ካብ እስትንፋስካ ንላዕሊ ክቐርበካ ዝኽእል ወዲ ኣምላኽ የሱስ ክርስቶስ ኣለካ። ናብኡ እንተተጸጋዕካ የዋጽኣካእዩ። ምናልባት ንስኻ/ንስኺ እስላም ክትኮኑ ትኽእሉ ኢኹም እንተኾነ ግና የሱስ እቲ ሓቀኛ ጎይታ ናይ ነብስኻን ናይ ግልኻ ጎይታንጌርካ ተቐበሎ እሞ  ጽምዋኻ ብሓጎስ ከብቅዕ እዩ። ኣብ መስቀል ዝተሰቐለስሌኻ/ኺ እዩ፣ እቲ ሓቀኛ ወዲ ኣምላኽ የሱስ ጥራይ እዩ። ስለዚ ..." ኣብ ዝብል ቃል ገና ምስ በጻሕኩ ገጸይ ብንብዓተ ተሓጸበ።ከምዚ ኢለ ተመሲጠ ከለኹ ክልተ ደቂ-ኣንስትዮ ፖሊስ ክሓልፋ ከለዋ ብመስኮት ስለዝረኣያኒ ናይ ክፍለይ ማዕጾ ብሓይሊ ከፊተንብምእታዉ ብጸጉረይ ጎቲተን ዕውንውን ክሳዕ ዝብለኒ ጸፍዓኒ። ብእግረይ እንዳጎተታ ናብቲ ኩላትና እሱራት እንጸልኦ ዘስካሕክሕ፣መንደቑ ድማ ብደም ዝተለኸየ ዝመስል መግረፊ ክፍሊ ኣእትየን ኣእዳወይን ኣእጋረይን ዝጽኒዐን ብምእሳር ብበትርን ብሓለንግንገረፋኒ።
 
እቲ ናይ ቅድሚ ትማሊቁስለይ ኣጸቢቑ ከይሓወየ ሎሚ ድማ ብጭካነ ብዘይምቁራጽ ንብዙሕ ደቓይቕ ገረፋኒ። ካብ ብዝሒ ኣውያተይን ብሰንኪ እቲ ኣብ ኣፈይዝተሰጎደ ጨናዊ ጨርቅን ዝተለዓለ ጎሮሮይ ነቕዐ። ብዙሕ ከይጸናሕኩ ድማ ካብቲ መግረፍትን ቃንዛ ናይ ቁስለይን ዝተለዓለህይወተይ ኣብ ሞንጎ ሞትን ህይወትን ተንጠልጠለት። እቲ ዝዛረባኒ ድማ ልክዕ ሓደ ሰብ ካብ ርሑቕ ከም ዝዛረበኒ ዘሎ ኮይኑይስምዓኒ። "ተዛረቢ ንመን ኢኺ ዝጸሓፍክዮ ወይ ድማ መን እዩ ዝጸሓፈልኪ? ተዛረቢ" ይብላኒ። በየናይ ዓቕመይን በየናይመልሓሰይን ክምልሰለን፣ ብዙሕ ድሕሪ ምግዓረይ ደም ካብ እግረይ ከም ማይ ፈሰሰኒ። እዚ ንኸይርኢ ኢለ ኣዒንተይ ዓመትክወን፣ንሳተን ድማ ሃለዋተይ ከም ዘጥፋእኩ ምስፈለጣ ከይሞተን ፈሪሀን ስመይ ደጋጊመን ብምጽዋዕ ኣውሪደን ኣብቲ ስሚንቶ ሰጥሓኒ። በቲካብ ኣፈይ ዝወጽእ ዝነበረ ዓፍራ ከም ዝተዳኸምኩ ፈለጣ። ንሳተን ግና ሻሂን ማይን ሒዘን ካብ ግንባረን ዝፈስስ ረሃጽ ብመንዲልይጸርጋ ነበራ።
 
ኩላተን ንምርኣየይእንዳተጸየፋኒ ደጋጊፈን ኣብቲ መንደቕ ኮፍ ኣበላኒ። በየናይ መንኩበይ ክኢለ ኮፍ ክብል? ነቲ ብመግረፍቲ ዝደኸመ ሕቖይ መሊሰኣብቲ ምድሪ ቤት ተደፋእኩ። ብኣስተርጓሚየይ እንዳተሓገዝኩ እቲ ዝኾነ ኩሉ ክነግረን ጀመርኩ። ቁስለይ እንዳደረዝኩ ከለኹ ሓንቲንእሽተይ ኣንጭዋ በቲ ቀዳድ ነቲ ወረቐት ከምዘምጻኣቶን ኣንቢበ ገና ከይወዳእክዎ ከለኹ ድማ ፖሊስ ከም ዝመጻንን ተጎቲተ ድማናብዚ ከምዝመጻእኩ ክገልጽ ፈተንኩ። ግን እዚ ኩሉ ቃለይ ፍረን እምነትን ኣይረኸበን፣ ናይ ክርስትና እምነት ከተስፋሕፍሕተረኺባ ብዝብል ካልእ ክሲ ተመስሪቱኒ ነቲ መከራይ ኣግደዶ። በብእዋን እንዳተመላለስኩ ሕቖይ ብሓለንጊ ክግረፍ ጀመርኩ። ካልእመዓልቲ ድማ እቲ መርማሪየይ ከም ዝተቐየረ ተሓበረኒ እሞ ምናልባት ካብቶም ክፉኣትን ኣረሜንን ዝኾኑ ሰባት እንተ ተገላጊለስሕጂ ይርሕርሑለይ ይኾኑ ኢለ ተጸናናዕኩ።
 
ረቡዕ ናይ ምሸት ኣከባቢእንዳሓንከስኩ ምስቲ ሓድሽ መርማሪየይ ተፋለጥኩ። ካብቲ ኮፍ ዝበለሉ ኩርሲ ብድድ ኢሉ ስሙ ነገረኒ እሞ ናተይ ስም ድማ ሓተተኒ።ኣውያት ብዘንቅዖ ጎሮሮይን ብዘላሕተተ ድምጸይን ገይረ "ሊያ ማክዶናል ዜግነት ኣመሪካዊት" በልክዎ፣ ካብ ኣዒንተይ ድማ ንብዓትጀረብረብ ይብል ነበረ። ንሱ ድማ ፍሽኽ ብምባል "ንምንታይ ትበኽዪ ኣለኺ? ብነብሶም ዝተኣማመኑ ሰባት ነቓጻትን ንብዓት ኣልቦንእዮም። እቶም በደለኛታት ግና ኩሉ ግዜ በደሎም ብንብዓት ክሽፍንዎ እዮም ዝፍትኑ። ስለዚ ምንባዕኪ ግደፍዮ እሞ እቲ ሓቂንዘራረብ" በለኒ። ካብቲ ኮፍ ዝበለሉ ኩርሲ ተንሲኡ ናብይ ብምቕራብ ብርክኽ ኢሉ ክልተ ኣእዳው ኣብ ኣብራኸይ ኣደጊፉ ገጸይንምርኣይ እንዳፈተነ "ሊያ ኣነ ክሕግዘኪ፤ ከቐትለኪ፤ ክኣስረክን ክፈትሓክን እዚ ኩሉ ድማ ካብዛ ፒሮይ ብዝወጽእ ቁሩብ ቀለምጥራይ ኣብዚ ወረቐት ብምፍራም ክፍጽሞ እኽእል። ዝተኸሰስክሉ ክሲ ብምዝውዋር ሓሽሽ ዘይኮነስ ሃገር ብምስላይ ገበን እዩ ዝብል፣ስለያ ዘካይዱ ሰባት ድማ ጽቡቕ ሜላ ኣለዎም። ቀዳማይ ዝተመሃሩ ሰባት ወይ ድማ ከምዚ ናትኪ ዝበላ ተፈጥሮ መልክዕ ዝዓደለንፍሉያት ኣዋልድ እዮም ዝጥቀሙ" ብምባል ዘረብኡ ቀጸለ።  ገጸይብሓደ እዋን ጸለመ፣ ልበይ ህርመታ ደዉ ዘበለት ኮይኑ ተሰመዓኒ ምሉእ ኣካለይ ድማ በረድ ኮነ። ከም ገለ ኢለ ሓይለይ ኣኻኺበ"ኣነ ዝተኸሰስኩሉ ክሲ ስለያ ዘይኮነስ ምዝውዋር ሓሽሽ እዩ፣ ምናልባት ከምዚ ናተይ ሽም ዝለዋ ናተይ ሞኽሲ ኣብዚ ክይትህሉ"በልክዎ። ንሱ ድማ ኣፍጢጡ ጠመተኒ እሞ ናይ ኣሽኻዕላል ፍሽኽታ እንድኣርኣየኒ "ዝተኸደንክዮ ክዳን ኩሉ ኮስትሞ ከየትረፍኪ ሓደብሓደ ኣውጽእዮ" በለኒ። ቁሩብ ዕጥይጥይ በልኩ፣ ግን ኣይከኣልኩን ስለዚ ድማ ኣምሪረ እንዳበኸኹ እቲ ዝኣዘዘኒ ፈጸምኩ። እምቢምባል ኣብ ቤት ማእሰርቲ ባንግላድሽ ነብስኻ ምብዳል እንተዘይኮይኑ ፋይዳ የብሉን። ኣነ ዝገመትክዎ በጓልነተይ ክጥቀመለይ እዩዝኸውን ኢለ ክሓስብ ከለኩ "ተኸተልኒ" በለኒ። ሓደ ማዕጾ ከፊቱ ብኮሮድዮ ሓሊፍና እንደገና ሓደ ናይ ሓጺን ማዕጾ ከፈተ እሞኣብቲ ጸልማት ክፍሊ ደፊኡ ኣብቲ ምድሪቤት ሰጥሓኒ። ነቲ መብራህቲ ምስ ኣብርሆ ድማ ኣብቲ ክፍሊ ክሳብ 20 ዝበጽሑ ረጎድትንቀጠንትን ደቂ-ተባዕትዮ እሱራት ነበሩ፣ "ኣብ ማእከሎም ደዉ በሊ" በለኒ። ዝርእዮ ኣስካሕካሓኒ፣ ንሕፍረተይ ብኢደይ ክሽፍንፈተንኩ ግን ኣይተፈቐደለይን። ንፍርቂ ሰዓት ዝኸውን ደዉ ኢለ በኸኹ። ድሕሪ'ዚ ብጸጉረይ ሒዙ ከም ዝተኣሰረ ከልቢ እንዳጎተተናብቲ መግረፊ ቦታ ወሰደኒ እሞ እቲ ልሙድ ዘስካሕክሕ መግረፍቶም ቀጸልዎ። በብቕሩብ ኣካላተይ ደንዚዙ ዘልሓጥ በልኩ።
 
ድሕሪ ቅሩብ ደቓይቕመዓስን ብኸመይን ኣብኡ ከምዝደርበዩኒ ከይፈለጥኩ ንነብሰይ ኣብ ማእከል ዝቦኾዐ ጭቃ ጥራይ ነብሰይ ረኸብክዋ። ቁሪየንቀጥቅጠኒ፤ ጨናኡ የጨንቐኒ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ከለኹ ዙርያኡ ብዓቢ ናይ ብርሃን ጨረር ዝተኸበ ለውሃት ሓልዮትን ፍቕርን ዝተመልአ፣ህድኣት ሰላምን ርእሰ ምትእምማንን ዝርኣይዎ ንውሕ ዝበለ፣ ደስ ዘብል ካብ ዝኾነ ንላዕሊ ፈታዊ ዓርኪ ክኸውን ዝኽእል ኣዝዩምልኩዕ ሰብ ናባይ ቅርብ ኢሉ ብክልተ ኣእዳዉ ብመንኩበይ ሒዙ ሓፍ ኣበለኒ። ፍርሃት፤ ስንባደን ምግራምን ተሓዋዊሱኒ ነቲዝደገፈኒ ኢድን ኣብ ቅድመይ ደው ዝበለ ካብ በረድን ጸባን ንላዕሊ ዝምጽዕዳዉ ኣንጸባራቒ ክዳንን ጸጉርን ዘለዎ፣ ካብ ኣዒንቱዝወጽእ ናይ ብርሃን ነጸብራቕ ድማ ፍሉይ ባህታ ዘመሓላፍ ክርእዮ ጀመርኩ።
 
ቅድሚ ሎሚ ከምዚ ዓይነትጥዑም ድምጺ ሰሚዐ ኣይፈልጥን እየ። ካብ ኣኽራን እንዳተወርወረ ከምዝፈስስ ወሓዚ ከምኡ እንዳተቐባበለ ከምዘቃልሕ ድምጺንእዝነይን ልበይን ብፍሉይ ባህታ መልኦ። ካብ ዕቤት ናይቲ ድምጺ ዝተለዓለ ሰማያት ካብ ጻት ክሳብ ጻት ዘቃልሐ መሰለኒ። እቲኩሉ ድኻም እቲ ኩሉ ቃንዛን ስቓይን ብኡብኡ ረሳዕክዎ። ሓይሊ ተመሊአ ብድድ በልኩ። ከም ጽኑዕ ግንቢ ኣብ ዙርያይ ከቢቦምኒዝነበሩ ፖሊስ ነቲ ኣነ ዝረኣኽዎ ስለዝረኣዩ ብፍርሃት ተመሊኦም ካብቲ ደዉ ዝበሉሉ ቦታ ንድሕሪት እንዳ ኣድሓርሓሩ ነቲ ሒዞሞዝነበሩ በትርን ብረትን እንዳደርበዩ ክሃድሙ ጀመሩ። ናበይ ከምዝኣተው ግን ኣይፈልጥን።
 
ነሱ ድማ ነቲ ብጭቃዝተለወሰን ጥራዩ ዘሎን ሰብነተይ ከይተጸየፈ ብየማናይ ኢዱ ብመንኩበይ ሒዙ ኣተሰኣኒ። በቲ ናይ ቅድም ዝዓይነቱ ድምጺ ገይሩእንደገና ጸወዓኒ "ሊያ ንስኺ ናተይ ኢኺ፣ ብደመይ ዝዓደግኩኺ ናይ ሓድሽ ኪዳን ጓለይ ኢኺ። ካብ ሎሚ ጀሚርኪ ካብቲ ኣነዝነገርኩኺ ቃል ናብ የማን ይኹን ናብ ጸጋም ኣይተብሊ። ምሳይ እንተተሰማማዕኪ ዘመንኪ ብሓጎስ ዕድሜኺ ድማ ብሰላም ክትውድእዮኢኺ። ብኣኺ ክሰርሖ ዝደልዮ ዓቢ ዕላማ ኣለኒ፣ ከኽብረኪ እየ፣ ክጥቀመልኪ ከኣ እየ። ግና ካብ ፍቓደይን ትእዛዛተይን ወጺእኪካብ መንገደይ ርሒቕኪ ዳግማይ ሓጢኣት ኣይትግበሪ፣ ኣነ ድማ ኣብ ቅድሚ ህዝበይ ንምስክርነት ከቑመኪ እየ" እንዳበለኒ ሳልሳይካንሸሎ መግረፊ ቦታ ሓሊፍና ናብ ቀጽሪ ናይቲ ካልኣይ ካንሸሎ በጻሕና። እዚ ድማ ብዙሓት ወተሃደራት፤ ፖሊሳትን ስቪል ዝተኸደኑዝተፈላለዩ ሰባትን ዘለውዎ ገፊሕ ካንሸሎ እዩ። በዚ ቀጽሪ ክንሓልፍ ከለና ካብዞም ኩሎም ሰባት ሓደ እኳ እንታይ ትገብሪኣለኺ? ምስ መን ትኸዲ ኣለኺ? መን ፈቒዱልኪ ናብዚ መጺእኪ? ኢሉ ዝሓተተኒ ኣይነበረን።
 
ዋላ ሓደ ኣብ ሽግረይንኣብ መከራይን ከይረደኣንን ከይበጸሓንን። ንሱ ግና ናብቲ ዘለኽዎ ቦታ እሞ ከኣ ካብ ሰማየ ሰማያት መጺኡ ካብ ጭቃ ከውጽኣኒኢዱ ክዝርግሓለይ ከሎ ተሓጎስኩ። ብኡብኡ ዘለኽዎ ኩነታት ረሲዐ ዝረድኣኒ ብምርካበይ ቀበጥበጥ ክብል ጀመርኩ። ዝነበረኒ ሽታንጭቃን ርስሓተይን ከይተጸየፈ ኢዱ ዘርጊሑ ምዝዝ ኣቢሉ ኣውጽኣኒ። ወግዒ ከይተርፍ ንሕፍረተይ ብኢደይ ክሽፍን ፈተንኩ ግን ከኣለካስ ንሱ ብኸምዚ ኣይሕመይን እዩ እሞ ጸኒሐ "ንስኻ መን ኢኻ?" ኢለ ክሓቶ ደለኹ። ግን በየናይ ዓቕመይ ክሓቶ፣ ቅድሚ ቁሩብደቓይቕ ውሒጡ ከቐትለኒ ተባሂሉ ዝነበረ ጭቃ ሕጂ ከም ጽርግያ ንቁጽ ኮይኑ ተሰመዓኒ እሞ ረጋጊጸዮ ክኸይድ ጀመርኩ። እቲ ኣዝየዝበቀሉ ዝነበርኩ ጻዕዳ ክዳኑ ከይረስሖ ብምባል ካብኡ ፍንትት ኢለ ክኸይድ ፈተንኩ፣ ንሱ ግና ብየማነይቲ ኢዱ ከም ናይ ቀረባፈታዊ ኣብ ጎኑ ሓቝፍ ኣበለኒ። ቀስ ኢለ ብጭቃ ዝተበላሸወ ክዳኑ ንምርኣይ ፈተንኩ፣ ግን ከኣ ዋላ ሓንቲ ጭቃ ኣይነበሮን።ምስኡ ተጣቢቐ እንዳሰጎምኩ ከለኹ ንክዳኑ ከም ዘየርሳሕኩሉ ምስ ፍለጥኩ ድማ ብዝበለጸ ናብኡ ጥብቕ ኢለ ምስቲ ሓድሽ መድሓኒየይጉዕዞ ጀመርና።
 
"ንስኻ ግን መን ኢኻ?"በልክዎ። ጎይታይ ድማ ትኩር ኢሉ እንዳጠመተኒ "ኣይፈልጥክንን ዲኺ? ኣነ ዝተዓጸወ ዝኸፍት፤ ንእሱራት ሓራ ዘውጽእ፤ንዝተጨነቑን ጾር ንዝኸበዶምን ዘዕርፍ፣ ኦ ማይ ሎርድኢልኪ ዝጸዋዕክኒ ኣምላኽ ኣብርሃም ይስሃቕ ያእቆብ እየ" በለኒ። መሊሰ ድማ "ናብ ዝኸድክዎ ዘበለ ኩሉ ክምስክረልካ ከለኹ እቲነዚ ዝገበረልኪ ስሙ መን ይበሃል? ንሱኸ መን እዩ? ኢሎም እንተሓተቱኒ መን ክብሎም" ብምባል ሓተትክዎ። ንሱ ድማ "ኩሉዝኽእል" በልዮም "ንስኺ ክትምስክሪ ከለኺ ኣነ ድማ ምሳኺ ስለዝኸውን ንሳቶም ብኣኺ ገይሮም ክርእዩኒ፣ ክፍልጡንን ክስዕቡንንክሰምዑኺ'ውን እዮም። ኣነ ከምቲ ቀደም ዝገበርክዎ ሕጂ'ውን እገብር ኣለኹ" በለኒ።
 
ካብ ኩሉ ዝገረመኒ ድማኣእጋሩ በቲ ጭቃ እንዳሰጎማ እቲ ጭቃ ግን ነቲ ምጽዕዳው ከም ጸባ አረ እንታይ ከም ጸባ ጥራይ ዘይኮነስ ምጽዕዳው ንበረድዝመስል ካብዚ ንላዕሊ'ውን ዋላ ደበና እንተበልክዎ'ውን ኣብ ቅድሚኡ ደበና ጽሩይ ዘይኮነ ክዳኑ፣ እቲ ጭቃ ከርስሖ ኣይከኣለን።ዝኾነ ኮይኑ እቲ ገይርዎ ዝነበረ ክዳን ምጽዕዳው ብምድራዊ ቋንቋ ክግለጽ ዝከኣል ኣይኮነን። ብጣዕሚ ተጸጊዑኒ የማነይቲ ኢዱብምዝርጋሕ "ኤልዳ" ኢሉ ጸወዓኒ። ዘፍርሃንን ዘሰምበደንን ድማ እዚ ፍሉይ ፍጡር ለካስ ስመይ ይፈልጦ እዩ፣ ስመይ ጥራይዘይኮነስ በቲ ኣቦይ ብቕብጥሮት ዝጽውዓኒ ዝነበረ ናይ ገዛ ስመይ ገይሩ ክጽወዓኒ ከሎ ፍሉይ ነገር ተሰመዓኒ። ተስፋይ ተሓዲሱ፤ሓይሊን ብርታዐን ተመላእኩ። "እዚ ዘፍረሃኒ ፍጡር እንተወሓደ ናይ ገዛ ስመይ ዝፈልጥ እንተኾይኑስ ንክፉእ ነገር ኣይጭክነለይንእዩ፣ ዘለኽዎ ኩነታት ርእዩ ድማ ይርሕርሓለይ ይኸውን" ብዝብል ሓሳብ ድማ ተጸናናዕኩ። እቲ ዝገርም ድማ ኣነን እዚ ኢዱ ኣብመንኩበይ ገይሩ ዝኸይድ ዘሎ ሰብን ክልቴና ልክዕ ከም በዓል ስልጣን ኢና እንስጉም ዝነበርና እምበር ብምዝውዋር ሓሽሽን"ስለያን" ብዝብል ገበን ተኸሲሳ ዝተተሓዘት ጓል ኣይመስልን ነበርኩ። ነቲ ካልኣይ ማዕጾ ሓሊፍና ክንወጽእ ከለና ናብቲ ናይ መወዳእታማዕጾ ናይቲ ቤት ማእሰርቲ በጻሕና።
 
ኣብዚ ቦታ ንሓለዋዝተዳለዉ ብረት ዝሓዙ ኣብ በሪኽ ቦታ ኮይኖም ዝሕልውን ዋርድያታት፣ ኣብ ዉሽጢ'ቲ ካንሸሎ ድማ ናብዝን ናብትን ዝብላ ናይፖሊስ መካይን ረኣኹ። በቲ ዝፍጸም ዘሎ ነገር ኣድናቖትን ምግራምን ተመሊአ ናብቲ ብመንኩበይ ሒዙ ብስቕታ ዝኸይድ ዝነበረ ሰብነታ ናይ ቀደም ሊያ ቀይሩ ሓዳሽ ሊያ ዝገበረኒ ደጊመ ቅንዕ ኢለ ክርእዮ ደሌኹ። ግን ከኣ እቲ ካብ ገጹን ካብ ዓይኑን ዝወጽእዝነበረ ብርሃን መንነቱ ክርኢ ኣየኽኣለንን። ብኸምዚ ኩነታት ኮይንና ደገ ናይቲ ኣብ ዓለም ጽኑዕ፤ ከቢድን፤ ነዊሕን ዝተባህለሉቤት ማእሰርቲ ባንግላድሽ ፈሊጡ ባዕሉ ጋህ ኢሉ ተኸፈተልና። ኣነ ድማ ምስቲ ሓቢሩኒ ዝጉዓዝ ዘሎ በዓል ጽቡቐይ ኣብ ትሕቲሕቕፉ ሽኩዕ ኢለ ነቲ በዓል ዘፈርፈር ክዳኑን ሕቕኡን ሓቝፈ ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ደገ ወጺእና ቅሩብ ስጉምቲ ምስ ከድና እቲማዕጾ ከም ወትሩ ገርጨውጨው እንዳበለ ዓቢ ድምጺ ኣስሚዑ ተዓጸወ። እቲ ማዕጾ ተዓጽዩ ዓሰርተ ክሳብ ዓሰርተ ሓሙሽተ ስጉምቲዝኸውን ምስ ከድና እቲ ኣብ ጎነይ ዝነበረ ካብ ጭቃ ዘልዓለኒ በዓል ጽቡቐይ ናይ መወዳእታ ቃሉ ከምዚ ክብል ተዛረበኒ "ካብቲኣብ ኢድኪ ዝነበረ ሰንሰለት ሎሚ ፈቲሐኪ። እንተኾነ ግና ኣቲ ጓለይ ኣይትፍርሂ፣ እንሆ ኣነ ምሳኺ እየ። እትገብርዮ ዘበለ ኩሉኣስተውዕሊ፣ ንብዙሓት ሰባት ንምድሓን ምስክር ክትኮኒ ኢኺ ኣነ ድማ ምሳኺ እየ" በለኒ እሞ ሓንቲ ቃል ከየተንፈስኩ ከለኹእንዳረኣኽዎ ናብ ላዕሊ ዓረገ ኣዒንተይ ምርኣይ ክሳብ ዝስእንኦ ናብ ላዕሊ ርሒቑ ተሰወረኒ።
 
ብድሕረይ ናይቲ ቤትማእሰርቲ ማዕጾ ብቕድመይ ድማ ናይ ባንግላድሽ ናይ በረኻ መንገዲ ኣብቲ ማእከል ንበይነይ ተረፍኩ። ፍርሃት ተሰመዓኒ ብኡብኡግን እቲ ድምጺ ኣብ እዝነይ ደወለ፣ "ሊያ ኣይትፍርሂ" ዝብል። ኣብ ከምዚ ኩነታት ከለኹ ኣዒንተይ ኣማዕድየ እንተጠመኩ ካብርሑቕ ዕትሮ ዝመስል ነገር ኣብ ሕቖኣ ተሰኪማ ቆልዓ ድማ ኣብ ኢዳ ሒዛ ብማእከል እቲ ቆጥቛጥ እትጎዓዝ ሓንቲ ሰበይቲ ረኣኹ።ድሕሪ ቅሩብ ስጉምትታት ድማ ናብቲ ዘለኽዎ ቦታ መጺኣ ኣብ ጥቓይ ደው በለት፣ ኣብ ገጻ ናይ ፍርሃትን ስንባደን ነገር ይርአነበር። "ኤሽ ትከለም እንትያ" በለትኒ። ኣብቲ ናይ ኣርባዕተ ዓመታት ናይ ቤት ማእሰርቲ ዘመነይ ቁሩብ ዓረብኛ ፈሊጠስለዝነበርኩ ኮልተፍተፍ እንዳበልኩን ንብዓት ብዘጠልቐዮም ኣዒንተይን ገይረ ክትረድኣኒ ለመንክዋ። ንሳ ድማ ነቲ ተሸኪማቶዝነበረት ዕትሮ ኣውሪዳ ብምድናቕ እንዳረኣየትኒ ቅርብ ኢላ ብኢደይ ሒዛ ናብቲ ቆጥቋጥ ሒዛትኒ ብምእታው ካብቲ ዕትሮኣ ማይእንዳቐደሐት ነብሰይ ክትሓጽበኒ ጀመረት። በቲ ናይ ዕትሮ ማይ ናይ ስብነተይ ጭቃ ምስ ሓጸበት ማይ ስለዝተወደኣ ካልእ ማይከተምጽእ ደልያ "ኣስተኒ ሽዋያ ያ ሓቢቢ" (ቁሩብ ተጸበይኒ ጽብቕተይ) ብምባል ተመሊሳ ከም ህጻን ቆልዓ ክትጎዪ እንዳፈተነትማይ ከተምጽእ ናብቲ ሩባ ወረደት።
 
እቲ ዝኾነ ነገርእንዳዘከርኩ እዚ ዝፍጸም ዘሎ ሕልሚ ኮይኑ እንዳተሰመዓኒ ምእማንን ዘይምእማንን ተደራሪቡኒ ክድነቕ ጀመርኩ። ካብቲ ናይ መከራቦታይ ብዘይ ፍርድን ብዘይ ወረቐትን ዘውጽኣኒ ብኣዒነትይ እንዳረኣኽዎ ናብ ሰማይ ዝዓረገ ካብ ኩሉ ስም ልዕል ዝበለ ስም ዘለዎጎይታይ የሱስ ዝገበረለይ ነገር እንዳዘከርኩ ሓንሳብ ፍሽኽታ ሕንሳብ ንብዓት እንዳሰዓረኒ ብሓደ ግዜ ርእየ ብሓደ ግዜዝሰኣንክዎ ጎይታይ ደጊመ ክርእዮ፤ ምስኡ ክጉዓዝን ነቲ ልቢ ዘዕርፍ ድምጹ ንምስማዕ እንዳናፈቕኩ ካብቲ ቆጥቋጥ ዝነፍስ ውዑይኣየር ኣብ ሰብነትይ እንዳነፈሰኒ ኩርምይ ጭብጥ ኢለ ከለኹ ዕትሮኣ ሒዛ መጸት።
 
"ኬፍ ያ ሓቢቢ" በለትኒእሞ ከም እንደገና ካብቲ ዕትሮኣ ማይ እንዳቐደሐት ጸጉረይ ብግቡእ ሓጸበትኒ። እታ ናይ ቀደም ጽብቕቲ ሊያ ድማ ኮንኩ። ደጋጊማእንዳሰዓመትኒ "ንስኺ መልኣኽ ዲኺ ሰብ?" በለትኒ። ኣብ መንጎ ክልቴና ዝግበር ዘሎ ትርኢት እታ ህጻን ጓላ ብትዕዝብትንብስቕታን እንዳተዓዘብትና ከላ ካባይ ቁሩብ ርሕቕ ኢላ ብምኻድ ናይ ውሽጢ ክዳና ጥራይ ኣትሪፋ ቀሚሻ ሃበትኒ እሞ ናብ ገዛኣምስኣ ክኸይድ ብግዲ በለትኒ። ኣብቲ ተራ ዝኾነ በዓል ሰለስተ ክፍሊ ገዛኣ ድማ በዓል ቤታ ምስ ሓሙሽተ ደቆም ብሓባር ጸንሑና።ኩላቶም ተሰናቢዶም ጋሻ ብዝኾነ ስምዒት እንዳጠመቱኒ "ተፈደሊ" በሉኒ። ንእሽተይ ኩርሲ መሳሊት ኣምጺኦም ኮፍ ምስ ኣበሉኒሩዝን ሾርባን ቀረቡለይ፣ ሓፊስ ሻሂ ድማ ብዓቢ ኩባያ ተወሃበኒ። ነቲ ኣብ መንጎና ዝነበረ ጸጥታ ድማ እቲ በዓልቤታ "ኣበይረኺብክያ? መን ትበሃል?" ብዝብሉ ሕቶታት ነቲ ናይ ስቕታ መጋረጃ ቀንጠጦ። ከመይ ኢላ ከም ዝረኸበትኒ ሓዘንን ንብዓትብዝተሓወሶ ኣዘራርባን ጌራ እንዳገለጸትሎም ከላ ኣነ ድማ በዓል ቤታ እንግሊዝኛ ንኽዛረብ እንተዘይደፈረ እኳ ዝሰምዖ ግና ክርዳእከምዝኽእል ምስ ፈለጥኩ ነቲ ታሪኽ ባዕለይ ቀጸልኩሎም።
 
ኣመሪካዊት ከም ዝኾንኩንንገንዘብ ክብል ናይ ኮኬይን ሓርጭ ናብ ባንግላድሽ ከእቱ ከምጽእ ከለኹ ኣብ መዕረፎ ነፍርቲ ከም ዝተታሓዝኩን ከምዝተኣሰርኩን፣ዝበጽሓኒ መከራን መግረፍትን ሕቖይ ቀሊዐ እንዳኣርኣኹ ነገርክዎም። ኣብ መወዳእታ ድማ የሱስ ክርስቶስ ከመይ ገይሩከምዘውጽኣኒ፤ ዝተዛረበኒ ቃላትን፤ መንኩበይ ሒዙኒ ዝተጓዓዝናየን ውሑዳት ስጉምትታት ከመይ ምቁራት ከምዝነበራ፤ ናይቲ ቤትማእሰርቲ ማዕጾ ፈሊጡ ባዕሉ ከም ዝተኸፈተ ዋላ ሓደ ፖሊስ ድማ ከም ዘይሓተተኒ፤ ኣብ መወዳእታ ድማ እንዳረኣኽዎ ናብ ስማይከምዝዕረገ ክነግሮም ከለኹ ንብዓት ስዒሩኒ ንብዓተይ ክደርዝ ከለኹ ለካስ ንሳቶምን'ውን ካባይ ብዝበኣሰ ንብዓት ብንብዓትኮይኖም እዮም ኔሮም። ብኸምዚ ኩነታት ብዛዕባ የሱስ ክዛረብ ወይ ክምስክር ከለኹ ውሽጠይ ብዘይፈልጦ ዓቢ ሓይሊ ይምላእ።መስኪረ ተዛሪበ ገና ከይወዳእኩ ከለኹ እቲ በዓል ቤታ ኣብ እግረይ ብምውዳቕ "ኣላህ ንዓኺ ራእዩ ገሊጹልኪ፣ ንስኺ ናይ ኣላህመልእኽተኛ ኢኺ እሞ በጃኺ ዱኣ (ጸሎት) ግበርለይ በለኒ።
 
ሽዑ ከኣ ቅድሚ ሕጂተዛሪበዮ ብዘይፈልጥ ሓድሽ ቋንቋ ተዛረብኩ። ምስ የሱስ ምስ ኣፋለጥክዎም እዞም ቤተሰብ ብምሉኦም ጎይታ ተቐበሉ። ከጥምቖምከምዘለኒ ሓሰብኩ ግን ከኣ እቲ ስርዓት ኣይፈልጦን እየ። ብኸምዚ ዓይነት ኩነታት ምስኦም ንኣርባዕተ ማዓልታት ተቐመጥኩ። ሓደመዓልቲ ኮፍ ኢለ ከለኹ ሓደ ድምጺ ናባይ መጸ። ካብቲ ኮፍ ዝበልኩሉ ብድድ ኢለ ተንሳእኩ። እቲ ዝደንዘዘን ብናፍቖት ዝደኸመጉልበተይን ድምጹ ምስ ሰማዕኩ ተጸናናዕኩ። እቶም ምሳይ ዝነበሩ እንታይ ኮይና ኢሎም እንተሰንበዱ'ኳ ኣነ ግን ብገጸይ ፍግምብምባል ናፍቖተይ ዝወለዶ ንብዓተይ ኣፍሰስኩ። መን ከምኡ፣ መን ከም ጎይታይ፣ ንሱ ፍሉይ እዩ፣ ንሱ ፍቕሪ እዩ፣ ከም ዝሓዘንኩንከም ዝናፈቕኩን ርእዩ ኣብ ማእከል እታ ተራ ዝኾነት ገዝኦም በቲ ዓቢ ዝኾነ ብርሃኑ ተዓጂቡ ደበኽ በለለይ። ካብ ክቱር ታሕጓስዝተለዓለ ካብቲ ዝተንበርከኽክዎ ዘሊለ ኣብ መንኩቡን ደረቱን ተጠምጠምክዎ። ንሱ'ውን ለካ ካባይ ገዲዱ ነይሩ ኮይኑ ሕቁፍ ድግፍኣቢሉ ሓዘኒ። ካበይ መጺኡ ዘይበልክዎ ንብዓተይ ኣብ ደረቱ ኣፍሰስክዎ። ድንን ኢሉ ረኣየኒ እሞ በቶም ጽቡቓትን ልስሉሳትንኣእዳዉ ድማ ንብዓተይ ደረዘለይ።
 
"ኣጆኺ ኤልዳ ኣብ ቀረባግዜ ብሓባር ክንከውን ኢና። እቲ ግዜ ርሑቕ ኣይኮነን፣ ኣነ'ውን እኮ ከምዚ ናትኪ ነቶም ደቀይ ሕቑፍ ኣቢለ ክስዕሞምን ሓዘኖምክካፈል፣ መከርኦም ድማ ከርሕቕ ኣዝየ እየ ዝደሊ። ህዝበይ ግና ዝረሳዕክዎን ሸለል ዝበልክዎን እዩ ዝመስሎ። ናትኪ ናፍቖትንንብዓትን ብሓደ ግዜ ርኢኽኒ ብሓደ ግዜ ንዝተፈለኹኺ ንዓይ ንምርእይ እዩ። ናተይ ናፍቖት ድማ ዓመታትን ዘመናትን ዘቑጸረ ናይህዝበይ ናፍቕት ኣለኒ። ግን ህዝበይ ኣይተረደኣለይን። ክንዲ ምንታይ ክርእዮምን ክረድኦምን ከምዝደልን ከምዝናፍቕን እንተሰምዑኺኣረድእዮም ኢኺ። ኣነ ቀደም ንኣብርሃም፤ ይስሓቕን ያእቆብን ከምዝተገለጽኩሎም ሎሚ'ውን ንዓኽን ነቶም ዝደልዩኒ ህዝበይንክግለጸሎም እየ። ሕጂ ብቐጥታ ካብዚ ገዛ ወጺእኪ ከይፈራህክን ከይተረበሽክን ናብ ማእከል ከተማ ኪዲ እሞ ኣብኡ ዝጽበየኪ ሰብክትረኽቢ ኢኺ" በለኒ። ከምቲ ዝኣዘነኒ ድማ ናበይ ከምዝኽይድ ከይፈለጥኩ ራሻይዳ ዝተበሃለት ጓሎም ሒዘ ናብ ከተማ ከድኩ፣ ኣብሓደ ፋርማሲ ዘለዎ ከባቢ ደው ኢለ ሸውዓተ-ሸሞንተ ደቓይቕ ምስ ገበርኩ ሓደ ክኣምኖ ዘጸገመኒ ነገር ረኤኹ። ኣዒንተይ ምእማንስኢነ ደጊመ ጠመትኩ እሞ እቲ ነገር ብዘይጥርጥር ሓቂ ነበረ። እቲ ዝረኣኽዎ ሰብ ኣቦይ እዩ ዝነበረ። ጻዕዳ ካምቻ ተኸዲኑማእከላይን ንኣሽቱን ዓቐን ዘለዎም ዝተፈላለዩ ነገራት ሒዙ ናብቲ ጥቓይ ዘሎ ግሮሶሪ ክእቱ ከሎ ረኣኽዎ።
 
ግዜ ከይወሰድኩ ዘሊለብምኻድ ሓኒቐ ሰዓምክዎ። ኣቦይ ፈዚዙ ተረፈ፣ ዋላኳ ፍሽኽ እንተበለ እቲ ዝረኣዮን ሓቒፉ ዝስዕሞ ዘሎን ሰብ ኣነ ምዃነይክእምን ኣይከኣለን። ደጋጊሙ እንዳሰዓመኒ "ሃው ኦን አርዝ? (ከመይ ኢሉ ከምዚ ክኸውን ይኽእል?)" "ኢት ኢዝ ኢንክረዲብል(ዘይእመን ነገር እዩ)" እንዳበለ ክዛረብ ጀመረ። ኣብ መወዳእታ ድማ ኣነን ራሻይዳን ንሱን ኬንና ናብቲ ዘዕረፈሉ ሆቴልኣምራሕና። ኣቦይ ንዓይ ክርኢ ከም ዝመጸን ሕጂ ድማ ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ንምኻድ ካብቲ ግሮሰሪ ንብረት ክግዘእ ከም ዝኣተወንነገረኒ። ኣነ ድማ የሱስ ዝገበረለይ ኩሉ ከምኡ'ውን ኣደ ራሻይዳ ዝገበረትለይ ጽቡቕ ኩሉ ነጊረዮ ብሓጎስ ሰዓመኒ።
 
ኣየ ናተይ ነገር ተዋቒዑኒኣሎ፣ ንኣቦይ ምስ ረኸብኩ ምስኡ ከዕልል ነቲ ፍቑረይ ረሲዐዮ። ኣነን ራሻይዳን ኣቦይን ሻሂ ሒዝና ብዝዕባቲ ኣባይ ዝተፈጸመኩሉ ነገር ከነዕልል ከለና ናይቲ ሆቴል ማዕጾ ሰብ ከም ዝኸፍቶ ቀስ ኢሉ ተኸፍተ። ናይቲ ሆቴል ሰራሕተኛ መሲሉና ኣቦይ ተንሲኡናብቲ ማዕጾ እንተኸደ ሰብ ስኢኑ፣ ለካስ ናይ ኣቦይ ኣዒንቲ ኣይተኸፈቱን እዮም። ኣነን ራሻይዳን ግና ነቲ ዝመጸ ጋሻ ርኤናዮ፣ተገሊጹልና እወ ንሱ የሱሰይ እዩ ዝነበረ። ራሻይዳ ነዚ ዓቢ ኣምላኽ ክትርእዮ ናይ መጀመርያኣ እዩ ዝነበር እሞ ተሰናቢዳ ኣብቲምድሪቤት ጻሕ ኢላ ወደቐት። ኣነ'ውን እንተኾንኩ ከም ራሻይዳ ንየሱስ ምስ ርኣኹ ዝተዋቕዖ ሰብ ኮንኩ። ኣቦይ ድማ በቲ ዝፍጸምዘሎ ነገር እንዳተደነቐ "ዋት ኢዝ ጎይንግ ኦን? (እንታይ እዩ ዝግበር ዘሎ?)" ክብል ጀመረ። እንተኾነ ግና ሓደ ነገር ከም እተፈጥረክፈልጥ ከኣለ።
 
ካብቲ ምዕጉርቱን እቲካብ ርእሱ ወሪዱ ኣብ መንኩቡ ዝተዘርግሐ ጻዕዳ ጸጉሩ ብተወሳኺ ቁመቱ ንውሕ ዝበለ ድምጹ ድማ ንልቢ ዘጸናንዕ ደው ኢሉ ረኤኹ።ድሕሪ ቁሩብ ደቓይቕ ነታ ዝኣተወላ ማዕጾ ዓጽዩ እንዳረእኽዎ ወጺኡ ከደ፣ ዓይነይን ልበይን'ውን ምስኡ ወጻ። ኣብ መወዳኣታ ድማንኣቦይ እታ በዓልቲ ጽቡቐይ ምስ ስድራቤታ ጎይታ ከምዝተቐበለትን ክጥመቑ ከምዘድልዮምን ሓቢረዮ ኣብ ዝቕጽል ክልተ ሰለስተመዓልታት ከምዝፍጸም ነገርኒ። ከምቲ ምዝውዋር ሓሽሽ ምስ ባንግላድሽ ዘላለየኒ ኣነ ድማ ንስድራቤት ራሻይዳ ናብ ጎይታ ክማረኾምከኣልኩ። ምስ ኣቦይ ንክልተ ሰሙን ዝኸውን ምስ ጸናሕና ብኸምዚ መልክዕ ብመንገዲ ኤምባሲ ኣመሪካ ትኬት ተዳልዩልና ናብ ኣመሪካበረርና። የሱስ ነጻ ምስ ኣውጸኣኒ ድሕሪ ክልተ ዓመት ኣቦይ ናብ ባንግላድሽ ተመሊሱ ብምኻድ ንመንግስቲ ባንግላድሽን ንፖሊስናይታ ሃገርን ብዛዕባቲ ዝተፈጸመ ዘበለ ኩሉ ብወግዒ ብምሕባር ይቕሬታ ክሓትትን ንእግረመንገዱ ድማ ነቲ ህዝቢ ወንጌል ክሰብኽንከምዝሓሰበ ምስ ሰማዕና ኩላትና ተሰናበድና። ንሓደ ወርሒ ዝኸውን ንፍሉጣት ኣገልገልቲ፤ መራሕቲ ዝተፈላለያ ኣብያተክርስትያናትን ናይ ጸሎት ሕብረታትን ናይ ጸሎት ኣርእስቲ ምስ ሃቦም ከኣ ናብ ባንግላድሽ በረረ።
 
ኣብኡ ምስ በጽሐ ድማብመንገዲ ኤምባሲ ኣመሪካ ገይሩ ንናይታ ሃገር ምኒስትሪ ፍትሒ ምስ ኣፍለጦም እቶም ናይ ፍትሒ ሚኒስተር ከምዚ ክብሉ መለሱ፣-"ኣላህ ንጓልካ ካብ ቤት ማእሰርቲ መንጢሉ እንዳኣውጽኣ ንሕና ንዓኣ እንኣስረሉን ተመሊሳ ትምጻእ ኢልና እንነቕጸሉን ምኽንያትየብልናንን። ከምቲ ኣላህ ነጻ ዘውጸኣ ንሕና ድማ ነጻ ክትከውን ኣፍቂድና ኣለና" ብምባል ናይ ነጻ ወረቐት ክጸሓፈለይ ትእዛዝሃቡ። ሎሚ ንባንግላዲሽ ልክዕ ከም ገዛይ እመላለሰሉ ኣለኹ። ኣብ ባንግላድሽ ብዝተጀመረ ናይ ወንጌል ኣገልግሎት ኣብ ውሽጢሽዱሽተ ዓመት ክሳብ ሓሙሽተ ሽሕ ቀወምቲ ኣባላት ኣለዉና። ኣቦ ራሻይዳ ኣብዛ ቤተክርስትያን ከም ሽማግለን ከም ተሓጋጋዚ ጓሳን(ፓስተር) ኮይኑ የገልግል ኣሎ። ራሻይዳ ድማ ከም መዘምራን ኮይና ከተግልግል ከላ ኣዲኣ ድማ መስራቲት ‘ሕብረት ናታሊ' ንከምኡ'ውን ናይ ደቂ-ኣንስትዮ ኣገልግሎት መራሒት ብምዃን ንየሱስ ክርስቶስ ኣብ ምግልጋል ይርከቡ።
 
ተፈጸመ!