28
Sun, Apr
0 New Articles

ዘማሪ ሃብቶም

Ministry
Typography

ድሕረ ባይታ

ስመይ ሃብቶም ምራጭ ይበሃል። ብ1975 ኣብ ከተማ ኣቑርደት ተወሊደ። ብዓል ሓዳር ኣቦ 3 ቖልዑ እየ። ብዓልቲ-ቤተይ ኣርያም ስብሃቱ ደቀይ ከኣ፡ ድቦራ፡ ንፍታሌም፡ ሳይዳ ይበሃሉ። ንፍታሌም ወደይ ዘማራይ ናይ ምዃን ዝንባሌ እንኪህልዎ፡ ዲቦራ ኸኣ ጸላይት። ሳይዳ ግን፡ ህጻን ስለ ዝኾነት ዛጊት ኣይፈለጥክዋን። ብዙሕ ካብ ዓመታት ሂወተይ ኣብ ገድሊ እየ የሕሊፈዮ። ካብ ንእስነተይ ሕዉስ ጠባይ ስለ ዝነበረኒ፡ ምስ ስድራይ፡ መሳቶይ፡ መምህራነይ፡ መጋድልተይ ጽቡቕ ዝምድና እዩ ኔሩኒ። ኣብዚ ግዜ'ዚ ኣብ ሃገር ጀርመን  እቕመጥ ኣለኹ። ምስ ኣባላት እታ ዘገልግላን ዝግልገለላን ቤተክርስትያን ሙሉእ ወንጌል ፍራክፈርት ጥቡቕ ዝድምና ኣለኒ። እታ ማሕበር ተፍቅረኒ፡ ኣነ ኸኣ ኣዕዚዘ የፍቅራ።


ሂወት ቅድሚ ጎይታ ምርካበይ

ህላወ ኣምላኽ ዘይክሕድ ሰብ እኳ እንተነበርኩ፡ ግን ብመንጽር ሂወት ክርስትና ሪኢኻ እሩም ጠባይ ነይርኒ ክብል ኣይክእልን። መስተ ዘዝውትር፡ ናይ ጭርቃን ሰብ እየ ነይረ። ካብኡ ሓሊፉ፡ ኪዳን ዘይመስረቶ ዕርከነት መስሪተ፡ ኣብ ጎደና ዙሙት ተሸሚመ ኔረ። ኩሉ ዝሓስቦን ዝህቅኖን ዝነበርኩ ዘይቅዱስ እዩ ኔሩ።

ኣደሓሕናይ

ኣነ፡ ንጎይታ ዝተቐበልኩ፡ ተመስኪርለይ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ፡ ቖንጠ ዝባህሉ ሰባት (መንፈሳውያን) ኣልዉ፡ ይፍዉሱ፡ ዝገበርካዮ ኩሉ ካኣ ይነግሩኻ ስለ ዝሰምዕኩ ንኸላግጽ ክረኽቦም እደሊ ነበርኩ። እታ ዓርከይ (ዘይቁዱስ ዕርክነት) ዝነበረት፡ ዋላ መንፈሳዊ ለውጢ ኣይንበራ፡ መንፈሳዊ ኣኼባታት ግን ትሳተፍ ነበረት። ሓደ ማዓልቲ ካብ ባሮንቱ ንከረን ገሽ ምስ መጻእኩ፡ ሒዛትኒ፡ ናብቲ ቓል ወንጌል ዝስበኸሉ ዝነበረ ቦታ ትኸይድ። ኣብቲ ግዜ'ቲ ናይ ሙሉእ-ወንጌል ጓሳ-ማሕበር ዝነበረ ኣማኑኤል ሞኮነን ዝተባህለ፡ ሕጂ ኣብ ሃገር ሸወደን ዝቕመጥ ዘሎ እዩ ኔሩ። ጋሻ ኣገልጋሊ ወንጌል ፓስቶር ሄኖክ ዝተባህለ፡ ንኽሰበኽ ኣብቲ መበረኺ ስብከት (pulpit) ጠጠው ምስ በለ፡ ኩሉቲ ካብ ኣፉ ዝወጽእ ዝነበረ፡ ቃላት ልበይ ወጊኡ ንሕልናይ ከኹሶ ጀመረ። መንፈስ ኣምላኽ ንውሽጠይ ኣቃጸሎ፡ እቲ ቃል ጠሪሹ ስለ ዝረታዓኒ፡ ሹዑ ንሽዑ ኣብ ውሳኔ በጺሐ። ኣገልገሎት ሰብከት ምስ ተወደአ፡ ''ንጎይታ ክትቅበሉ እትደልዩ ንቕድሚት ውጹ''፡ ዝብል ዕድመ ስለ ዝተዋሀ፡ ዝፈልጦ ዘይብለይ ንቕድሚት ወጺአ። እቲ ኣገልጋሊ ወንጌል ኢዱ ኣንቢሩ ምስ ጸለየለይ፡ ልበይ ፍጹም ሰላም መሊእዎ። ጎይታ የሱስ ማሕደሩ ኣብ ልበይ ስለ ዝገበረ፡ ፈጹም ሰላም ረኺበ። ድሒነ! ሃሌሉያ!

ሂወት ከርስትና

ንጎይታ ተቐቢለ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ካልኣይ ምስ ተወለድኩ፡ ኣብ ሂወተይ ቅጽበታዊ ዝኾነ ልወጢ እዩ መጺኡ። ዋላ'ኳ እታ፡ ''ካልኣይ ምውላድ'' እትብል ሓረግ ይትረፍያ ንዓይ ንነነቀዲሞስ'ውን ኣደናጊራቶ እያ። ኣነ ግና፡ ዋላኳ ቓል ብቓላ ኣይተንትና እንበር፡ ትርጉማስ ኣብ ሂወተይ ከተንጸባርቕ ጀሚሩ ነበረ። ጽባሕ ምድሓነይ፡ የሱስ ክብል ጀሚረ። እቲ ለውጢ ርእይ ስለ ዘነበረ፡ በቶም ብጾተይ ሩኡይ ምግራም እዩ ፈጢሩ።

ተቓውሞ

ብወገን ስድራቤተይ ዘጋጠመኒ ተቓውሞ ኣይነበረን። ግን ወተሃደርን ክርስትያንን ኮይንካ ክትጓዓዝ ቀሊል ኣይነበረን። ዝሓተተኒ ዋጋ ክኸፍል ነርይሩኒ። ገሊኦም ብለውጠይ እናተገረሙ፡ ይጻረሩኒ። ገሊኦም ካኣ ኣዝዮም ይፈትውኒ። ገለ ኻኣ ከይፈለጡኒ፡ ብወረይ ጥራይ መንገዶም ይቕይሩ ነበሩ። ብተወሳኺ፡ እተን ኣብ ከባቢየይ ዝነበራ መንፈሳውያን ኣሓት፡ ንዓይ ከም ናይ ሓቂ ሓወን ብጎይታ ጌረን ክቕበላኒ፡ ግዜ ወሲድለን እዩ። ይኹን ዳኣ እምበር፡ ዝንበብ ሂወት ስለ ዝነበረኒ፡ ናይ ሓቂ መንነተይ ምስ ፈለጣ፡ ኣብ ዝቕጸለ ግዝያት ብተኣማነት ክርስትያናዊ ሕብረተን ምሳይ ኣደልዲለን።

ኣገለግሎት


 ኣብ ክርስትያናዊ ሂወተይ ቅልጡፍ ዕብየት እየ ኣርእየ፡፡ ኣገልግሎት ንምጅማር ነዊሕ ግዜ ኣይወሰደለይን። ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ናይ መዝሙር ኣገልግሎት ኣብ ከተማ ናቕፋ ጀሚረዮ። ምዝማር ብሃንደበት እየ ጀሚረዮ። እቲ ሪቕ ናይ ፍቕሪ የሱሰይ ምስ መልአ፡ ብዜማ ከተንፍሶ ጀሚረ።  ካብ ተራ ኣማኒ ብናይ ካልኦት ዘመርመቲ እናተበረኸ ዝደግሞ፡ ሓሊፈ ናብ ዘማራይ ናብ ሙዃን በቒዐ። ባዕለይ ክደርስን ዜማ ከውጽእን ፋሕተርተር ክብል ጀመርኩ። እዚ ክብል ከለኹ ግን ኣብ ዓለም እንከለኹ፡ ናይ ደሪፈ ዝንባሌ ነይሩኒ እዩ። ናይ ምድራስ ዜማ ኾነ ግጥሚ ግን ፍጹም ክእለት ኣይነበረንን። ጎይታ ተጺዊዕካ፡ ከሙኡ ኸኣ ንስኻ ግቡእ-ግብረ መልሲ እንተሂብካ፡ ንሱ ንኽብሩ ብቑዕ ጌሩ ከቑመካ ንዑኡ ኣይእግሞን እዩ። ስሙ ይኽበር! ኣብዚ ቐረባ ግዜ ካሰት ኣሕቲመ ከውጽእ በቒዐ ኣለኹ፡ ኣብ ምምቅርራብ ከኣ እርከብ።

ኣብዚ ከይጠቐስክዎ ክሓልፍ ዘይደሊ ግን፡ ኣብዚ በጺሐዮ ዘለኹ መንፈሳዊ ደረጃ ንኽበጽሕ፡ ብጾሎት ኮነ ሞራል ዝተደጋገፉኒ ኣሕዋት ስሊኦም ንጎይታ አመስግን። ብፍላይ ግን ንወንጌላዊ ኣማኒኤል መኮነን፡ መንፍሰ ኣምላኽ ኣስተዩ ዘዕበየኒ፡ ፍሉይ ቦታ ኣብ ሂወተይ ኣለዎ። ካልኦት ኣሕዋት እውን፡ ኣብቲ መጀመርታ ናይ መዝሙር ግዝያተይ፡ ንትሕዝቶ መዛሙረይ ረእዮም፡ ሃናጺ ሓሳባት ዝህቡኒ ኔሮም እዮም። ሕጂ ኸኣ ንመንፈስ ቅዱስ ተመርኪሰ ኣገልግሎተይ እቅጽል ኣለኹ። ኣብዚ ክፍሊ ኣገልግሎት እዚ፡ ፍሉይ ራኢ ኣለኒ። ነዚ ራኢ'ዚ ክውን ንምግባር ጸኒዐ እጋደል ኣለኹ።

ግዜ መዝሙር

ዜማታተይ ካብ ኩነታት እዩ ዝብገስ። ንህዝቢ ኣምላኽ ከመሓላልፎ ዝደሊ መልእኽቲ ብዜማ ጌረ የማሓላልፎ። መዝሙር ንኣይ ቛንቛ ልበይ እዩ። ምናልባት ብዙሕ ከሰታት ስለ ዘየሕተምኩ ዘማራይ ኣይብለንን ይኸውን። ግን ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ኣብ ብዙሕ መድረኻት ቤተክርስትያን ዘሚረ እየ። ጎይታ ኸኣ ብመዝሙረይ ንኣይን ህዝቢ ኣምላኽን ባሪኹ እዩ።

 

ሪኢቶ  ኣብ መዝሙር ሃገርና


 

እዚ ኣብ ሃገርና ዝፈሪ ዘሎ መዛሙር ብዝይመጠን ዝነኣድ እዩ። ስለቲ ዋሕዚ ናይ ዜማ ኸኣ ንጎይታ ኣመስግን። ንምዚቀኛታትን ዘመርትን ሃገርና፡ ንተወፍይነቶምን ብቕዓቶምን ኣድናቕተይ ወሰን የብሉን። ግን ንእገረ መንገደይ ክስትብሃል ኣለዎ ዝብሎ፡ ካብ ምብጃልን ምጉዝጓዝ ምስ ካልእ ዜማታትን ከስተብህልሉ ከዘኻኽሮም እፈቱ። ትሕዝቶ ግጥምናን ቃና ዜማታትናን ካብቲ ምንጪ መንፈስ ቅዱስ ብቐጥታ ካብኡ ጥራይ ተቐቢልና እንተዝይምና፡ ካብቲ ዘለና በርኸት ንላዕሊ ኣዝይና ክንባረኽ ኢና። ጎይታ ንመዘምራን ሃገርና ይባርኽ! ኣሜን!

መደምደምታ

ንኣዳለውቲ ኤሪ ወንጌል ኣይዝየ ከምስግኖም እፈቱ። እዚ ዌብሳይት እዚ ዓብዩ ንኹም መዘምራን ሃገርና ባይታ ናይ ሕብረትን ምትህንናጽን ዝፈጥር ክኸውን ልባዊ ጾሎተይ እዩ። ኣስዋጽኡኡ ኣብ ዝላ መዝሙር ሃገርና ዕዙዝ ገደ ከም ዝጻወት ተሳፋይ ሙሉእ እዩ። ደጊመ ጎይታ ንዘመርቲ ሃገርና ይባርኽ!