29
Mon, Apr
0 New Articles

ምስክርነት የማነ ሃብተ

Ministry
Typography

1.  ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻን ድሕሪ ባይታኻን ኣተዓባብያኻን መዕለልካናዶ? ምስክርነት የማነ ሃብተ

መልሲ፡ የማነ ሃብተ ይበሃል :ኣብ ምጽዋዕ ዞባ 06 ዕዳጋ ዝተባህለ ቦታ እየ ተወሊደ። ዕድመይ ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሻድሻይ (1-6) ኣብ ዕዳጋ ሰሜን ዝበሃል ቤት ምህርቲ ተማሂረ ። ካብ (6-8) ድማ ኣብ ኣማተረ ዝበሃል ቤ/ት ተማሂረ። ካብ ሻሙናይ ክሳብ ዓሰርተ ክልተ ግን ዝተቍራረጸ እዩ። ገሊኡ ኣብ ኣስመራ ቤ/ት ሓፈሻዊ (ልዑል መኮነን) ደሓርውን ኣብ ምጽዋዕ ተመሊሰ ኣብ ቤ/ት ሰምሃር ናይ ምሸት (extation) እናተመሃርኩ እየ ወዲአ።


 

ኣነ ንወለደይ ሕሳስልደን ማለት ራብዓይን ውላድ እየ ኔረ እንተኾነ እቶም ክልተ ገና ንኣሽቱ ከለው ብሕማም ምኽንያት ክሞቱ ከለው እቲ ቦኽሪ ናይ ገዛና ግን ኣብ ሜዳ (በረኻ) እዩ ተሰዊኡ። ኣቦይ'ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ሜዳ ስለ ዝተሰወኣ ኣደይ ንኣይ ጥራይ ኣዕብያትኒ። ብምኽንያት ዝነበረና ትሑት መነባብሮ ዝነበረኒ ኣተዓባብያ ጽቡቕ ኣይነበረን። ብኣንጻሩ ጥቓ ጽቡቕ ዘይቀርብ መከራን ሽግርን ዝመልኦ ሕማቕ ናብራ እዩ ኔሩ። ምንም እኵ ከም ቆልዓ ኣብ ሓመድ ተጻዊተ እንተዓበኹ እቲ ናብራ'ውን እቲ ሕይወት ናይ ናብራ'ውን ከምኡ እዩ ኔሩ። ኩሉ ናብራ ተባሂሉ ይጽዋዕ ይክውን። ምስ ናብራ ዘይቁጸር ናብራ'ውን ኣሎ። ዋላ'ውን ኩሉ ሰብ ንናይ ገዛእ ርእሱ ዘሕልፎ ናይ ናብራ መሳልል ይሃልዎ እምበር መሳልል ዘይብሉ ግን ኣበይ ከምዝሓዝካ ከይፈለጥካ ተንጠልጢልካ ትዓብየሉ ኣተዓባብያ'ልውን ኣሎ። ከምኡ እዩ ኔሩ ናተይ ኣተዓባብያ'ውን። እቲ ኣብ ከርሲ ኣደይ ከይተሃነጽኩ ዝፈለጠኒ (ክርስቶስ) ብሕቡዕ ምስተፈጠርኩ ኣብ ከርሲ ምድሪ ምስ ተኣለምኩ ኣዕጽምተይ ዘይተኸወለኦ ኣዒንቱ ድቂ ከልኹ ዝረኣያኒ ኣምላኽ ግን ክሳብ እታ ንዕኡ ዝፈልጠላ መዓልቲ ተኸናኺኑ የዕብዩኒ እዩ። ነዚ ናይ ሕጂ ሪኡ ኣምላኽ ቁልዕነተይን ንእስነተይን ኮይኑ ኣብ ዝኸድክዎ ኩሉ፡ ኩሉ እናኾነ ኣስጊሩኒ እዩ፡ ስሙ ይባረኽ!

2.    ጊዜ ንእስነትካ ብኸመይ ዓይነት ሕይወት ተሕልፎ ኔርካ?

መልሲ፡- ዝሓለፍክዎ ናይ ንእስነት ግዜየይ ኽሓስበን ከለኹ ሕጂ ኩሉ ክዝርዝሮ ዝኽእል ኣይመስለንን። ተዘክሮ ኮይኑ እምበር ሕጂ ከልዕሎ'ውን ኣይምፈተኹን። ግን እቲ ዘገድስ ከመይ ኔርካ ዘይኮነስ ከመይ ኣለኻ ስለ ዝኾነ፡ ሕጂ ኣብዚ ሕይወት እዚ ኮይነ እቲ ዝሓለፈ ናይ ንእስነት ጊዜይ ኽሓስቦ ከለኹ የሕሊፈዮ እምበር ኣየሕለፈንን።

ናይ ንእስነት ጊዜይ ከልዕሎ ከለኹ ዋላ ከም ዕላል ከልዕሎ እተከኣልኩ ደስ ኢሉኒ እዳሰሓቕኩ ዝዝክሮ ተዘክሮ ኣይኮነን። ካብ ዝውለድ ጀሚረ ክሳብ ኢቲ ንጎይታ ፈሊጠዮ ከለኹ ክሳብ እዚ ቅሩብ ጊዜ ዝበት ኮነ ከምዝሰኣነ ናይ መከራ ሰንሰለት ንነዊሕ እውን ብብዙሕ ዝዓይነቱ መከራ ሓሊፈ ኣለኹ።

ኾታ መሳልል ዘይነበሮ እዩ። ግን ጎይታ መሳልል ኮይኑ ንኹሉ ኣሳጊሩኒ እዩ። ስለዚ ድማ ዕላማ እግዚኣብሄር ከይተፈጸመ ቀዲሙ ዝፍጸም ፍጻመ ከምዘየለ እዚ ተረዲኤ ኣላኹ። ስለዝኾነ ድማ ንኹሉ የሕሊፉ ንእስነተይ ንኽብሩ ይጥቀመሉ ኣሎ።

3.    ኣብ ዓለም ከለኻ ፍርሃት እግዚኣብሄር ኣብ ውሽጥኻ ይመዓካዶ ኔሩ?


መልሲ፡- ኣጸቢቑ እምበር፡ ይስመዓኒ ጥራይ ተቆጻጺሩኒ እምበር ኔሩ። ኣነ ብዘይፈልጦ ምኽንያት ፍቕሪ ኣምላኽ ውሽጠይ መሊእዎ ኔሩ ኣነ እኵ እንተዘይተረደኣኒ ኣብ የእሩኽተይን መሳቶይን ዝተፈልየ ሕይወት ኔሩኒ። ሓጥያት ዝበሃል ነገር ክገብር ኣይደፍርን ልበይ ፍርሃት ይስመዓኒ፡ ብዛዕባ መንፈሳውነት እኵ ከይፈለጥኩ ዝገብሮ ዘበለ ኩሉ ተግባር ሓደ መፈሳዊ ሰብ ተግባር እዩ ኔሩ።

እዚ ኣነ ከምኡ ክኸውን ኢለ ክኽውን ዝኾንክዎ ዘይኮነስ፡ ንርእሰይ ከምኡ ኮይነ ርኺበያ ሱቕ ኢሉ፡ በቃ መንፈሳውነት (ሕይወት) የቅናኒ ኔሩ፡ መንፈሳዊ ከይኮንኩ መንፈሳዊ ይመስሎም ኔሩ የዕሩኽተይ። ፍቕሪ ቤት ኣምላኽ'ውን በቃ ባዕሉ ኣብ ውሽጠይ ተቐሚጡ ኔሩ።

ሓድሽ ሕይወት

1. ናብ ጎይታ መዓስ ብከመይን ክትመጽእ ኪኢልካ?


ኣብ 1988 ወዲ 15 ኣመት ከለኹ እየ ንጎይታ ፈሊጠዮ፡ ክፈልጦ ከለኹ ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልክዎ ባዕሉ ልበይ ንኣምላኽ ክደልዮ ይድርኸኒ ኔሩ። ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ድማ መዘምራን ፍኖተ ብርሃን እንዳማርያም ምጽዋዕ ልብሲ ለቢሶም ደድሕሪ ታቦት ናይቲ ሽዕኡ ዝነበረ በዓል እንዳዘመሩ ክኸዱ ምስ ረኣኽዎም ልበይ ምስኣቶም ከደ ሽዑ ካብቶም ኣብቲ ቤ/ክ ዝኸዱ መንእሰያት ገለ ተመሃሮ ኣብቲ ኣነ ዝመሃረሉ ቤት ትምህርቲ ይመሃሩ ስለ ዝነበሩ ንእኦም ሓቲተ ብዝሓበሩኒ ሓብሬታ ነታ ትቅጽል ዝነበረት ሰንበት ባዕለይ ትኽ ኢለ ከድኩ። እዚ ዝኸዶ ዝነበርኩ ናይ ኣውቶቡስ ዝኸውን ሰልዲ ስለ ዘይነበረኒ ብእግረይ እየ ዝኸይድ ኔረ፡ ኣብ መገደይ ድማ ሓንቲ መንእሰይ ናይ ካቶሊክ ኣባል ዝነበረት ጕል ቤት ትምህርተይ ረኸብኩ እሞ ነታ ቦታ ምስ ሓተትክዋ ንእኡ ገዲፈ ምስኣ ናብ ቤተክርስትያና ማለት ካቶሊክ ቤተክርስትያን ክኸይድ ደጋጊማ ትሓተኒ ነበረት። ኣይ ናብዞም ዝብለኪ መንእሰያት እየ ክኸይድ ደልየ፡ እንተኪኢልኪ ሓብርኒ ከምኡ እናተበሃልና ናብቲ ዝደለኽዎ ቦታ በጻሕና። እቶም መንእሰያት ኣብቲ ቀጽሪ ቤ/ክ ኣብ ትሕቲ እቶም ሽኡ ዝነበሩ ኣቅሽሽቲ እዮም ዝእከቡ ኔሮም፡ ኣነ ድማ ኣብቲ ቀጽሪ ምስ ብጻሕኩ ሓደ ቀሺ ረኸብኩ እሞ ምስ ሓተትክዎም ኪድ ከምኡ ዝበሃሉ ኣይንፈልጥን ኢና፡ እናተቍየቁኒ ከለው ድምጺ ናይቶም ክርስትያናት፡ ድምጺ መዝሙሮም ምስ ሰማዕኩ ነቶም ቀሺ እናተዛረቡ ናብቲ ዝሰምዖ ዝነበርኩ ድምጺ ጎየኹ። ምስ ረኸብክዎም ሽዑ ሰንበት ምስኦም ውዒለ ንገዛይ ተመለስኩ።

ኣብቲ እዋን እቲ እሞ ኣብቲ ቦታ ድማ ንጎይታ የሱስ ከም ግሊ መድሓኒ ምቕባል ስለ ዘይፍለጥ ንጎይታ የሱስ ከም ግሊ መድሓኒኻ ተቐቢልካ ብኣፍካ ምእማን ዝበሃል ብዙሕ ኣይፍለጥን እዩ ኔሩ። መጺእካ ስቕ ኢልካ ኢኻ ትሕወስ እንተጠዓሙኻ ትቅጽል፡ ከምኡ እንተኾይኑ ድማ ተቍርጾ እዩ ኔሩ። ኣነ ግን እቲ መንፈሳዊ ሕይወት ስለ ዝጠዓመኒ ክስዕብ ጀመርኩ። እቶም የሕዋት እውን ድሓር ከም ዝረኣኽዎ ሕቡእ ናይ ጸሎት ቦታን ተወሳኺ ኣኸባ ዝገብርሉ ስፍራ ስለ ዝነበሮም ናብኡ እንዳከድኩ ድማ ምሳታቶም ይሓብር ነበርኩ፡ በዚ ከምዚ ድማ ንሓድሽ ሕይወት ኣተኹ።

2. ንጎይታ ከም ናይ ግሊ መድሓኒኻ ጌርካ ምስ ተቐበልካዮ እንታይ ዓይነት ቅጽበታዊ ለውጢ ኣብ ሕይወትካ ሪኢኻ?

ብሓቂ ኣገዳሲ ሕቶ እዩ፡ ሰብ ንጎይታ የሱስ ከም ግሊ መድሓኒኡ ምስ ተቐበለ ኣብ ሕይወቱ ሓድሽ ለውጢ ክርእይ ብግዲ እዩ። ኮይኑ ድማ ምስቲ ዝነበረኒ ቅንኣት መሊሱ እዩ ገዲዱኒ ካብቲ ከይፈለጥክዎ ከኹ ዝነበረኒ ሕይወት ንላዕሊ ተለወጥኩ፡ የዕሩኽተይ ክሳብ ዝግረሙ። በቲ ዝነበረኒ ሕይወት ካብኣቶም እናተፈለኹ ከድኩ። ካብቶም ደቂ ገዛውትና ኣነ ጥራይ ነቲ ክርስትና ስለ ተቀበልክዎ ናይ በይነይ ሕይወት እየ ዘሕልፍ ኔረ። ብቤተክርስትያን ወገን'ውን ብናይ ኣገልግሎት ነገር ጎይታ ምስ ተቀበልኩ ኣብ ውሑዳት ኣዋርሕ ኣብ ናይ መዘምራን ኣገልግሎት ተጸንቢረ። ኣብኡ ድማ ጽቡቕ ዝኾነ ለውጢ እናረኣኹ ከድኩ። ብድሕሪኡ ድማ ካብቶም ኣብ 1990 ዝተገልጹ ኣምላኽ ዘተንስኦም ዘመርቲ ኮይነ ብፍሉይ ቅብኣት ንምድሪ ተገሊጸያ።

3. ድሕሪ ጎይታ ምቕባልካ ካብ ስድራኻን የእሩኽትኻን ጎረባብትኻን ኣሉታዊ ይኹን ኣዎንታዊ ግብሪ መልሲዶ ኣሎክ?

መቸም ክንፈልጦ ንጎይታ የሱስ ተቐቢሉ በዛ መገዲ እዚኣ ዝኸይድ ሰብ ኣኣሲሮም ናብ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ዝውሰድ ሰባት ከም በዓል ሳውል ኣይሰኣኑን እዮም። ስለዚ ንጎይታ የሱስ ተቐቢሉ (ኣሚኑ)  ብዘይ ፈተና ክነብር እየ ዝብል ሰብ እንተሎ ገርሂ ኣይትኹን እብሎ። ኣብ ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ'ውን ኣይተነበበን፡ ካብ ብሉይ ክሳብ ሓድሽ ኪዳን ዘሎ ታሪኽ እቶም ብፍርሃት ኣምላኽ ክነብሩ ዝደልዩ ሰባት ክስደዱ እዮም ዝብል ቃል እዩ ተፈጺምዎም።
ምናልባት ኣነ ኣለኹ ንጎይታ የሱስ ተቐቢለ ብዘይ ገለ ፈተና እነብር ኣለኹ ዝብል ሰብ እንተሎ ኮይኑ ኩላትና ዝሓለፍናዮ መገዲ ከሕልፎ እኵ እንተዘይ ተመነኹሉ እቲ ጉድ ግን ብድሕሪት ይጽበዮ ከም ዘሎ ክሓብኣሉ ኣይፈቱን እየ። ዋላውን ካብ ኣመንቲ በተሰብ ተወሊደ ኣብ ርዱኣት ስድራ ዝኣበየ እንተኾነ ይንኣስ ይዕበ በዚ ሓደ ሸነኽ ድሓን እተኾነ በቲ ሓደ ሸነኽ ግን ዘይትተርፍ ትስተ ጽዋእ ኣላቶ።
ስለዚ ንጎይታ የሱስ ብምቕባለይ ከም ኩሉ ክርስትያን ካብ ስድራይን የዕሩክተይን ጎረባብትናን፡ ንኣይውን ኪድ በሎ እምበር ንዓ በሎ ዝብለኒ ኣይረኸብኩን።
"ነገሩ ኣነ'ውን ካብ ሰይጣንሲ ኣሉታዊ እምበር ኣወንታዊ መልሲ ኣይጽበን እየ"።

4. ዳግም ምስ ተወለድካ ናብ ሕብረት የሕዋት ንምጽንባር ጊዜ ወሲድልካዶ? እቲ ዝኣተኻዮ ሕብረት'ከ ሓድሽ ብምንብርካ እንታይ ዓይነት ኣወንታውን ኣሉታውን ጽልዋታት ኔርዎ?

እዚ ናብ ሕብረት የሕዋት ንምጽንባር ጊዜ ወሲድልካዶ ንዝብል ሕቶ "ጊዜ ሂቡኒ እምበር ጊዜስ ኣይወሰደለይን"። ቀልጢፈ ሽዑ ንሽዑ እየ ተጸምቢረ፡ እቲ ዝኣተኽዎ ሕብረት'ውን ሓድሽ ብምዅነይ ኣብ ሕይወተይ ዘምጸኣለይ ለውጢ ኣሉታዊ ኣሎ እኵ እንተዘይበልኩ፡ ኣወንታዊ ጽልዋታት ግን ብዘይመጠን ኣምጺኡለይ እዩ። ምንም እኵ ኣብ ሕብረት ብምእታውካ ከም ሰብ ገለ ገለ ሽግራት ከምዘጋጥመካ ዘይከሓድ ሓቂ እንተኾነ ካብ ጉድኣቱ ግን ጥቕሙ (መኽሰቡ) ስለ ዝበዝሕ ብኣወንታዊ እምበር ብኣሉታዊ ኣይርእዮን'የ። ንዘለኻዮ ሕብረት ብጥበብን ብምስትውዓልን እንተተጠቂምካሉ ናብ ረብሓኻ ዘይተውዕለሉ ምኽንያት የለን ምኽንያቱ እግዚኣብሄር ኣብኡ ሕይወትን በረኸትን ኣዚዙ ኣሎ። ኣነ ድማ ኣብ ሕብረት ዝረኸብክዎ እዚ እዩ። ሕይወትን በርኸትን ዓብየሉን ተሃኢጸሉን እየ።

ብዚ ኣጋጣሚ ክብሎ ዝደሊ ናይ በይንኻ ሕይወት ምሕላፍ እኵ ገለ ረብሓ እንተሃለዎ ጽቡቕ'ውን እንተኾነ ኣምላኽ ግን ሕይወትን በረኸትን ኣንቢሩሉ ዘሎ ኣብ ሕብረት የሕዋት እዩ። እሞ ነቶም ናይ በይንኻ ሕይወት ዝብል መርገጺ ዘለዎም የሕዋት ሓደ ንሽሕ ኽልተ ድማ ንዓሰርተ ሽሕ ዝብል ቃል ክገድፈሎም እፈቱ። ካብ ንበይንኻ ሓደ ሽሕ፡ ምስ የሕዋት ዓሰርተ ሽሕ ምስጕግ ይሓይሽ ዕብሎም፡ ተባረኹ።

5.    ሕራይ እምበኣር የማነ ናብቲ ጠቒስካዮ ዝሓለፍካ ናይ መዝሙር ኣገልግሎትካ ክንሓልፍ፡ ከመይ ኢልካ ናብ ናይ ግሊ ዘመራይ ከምዝሓለፍካ ተእልለናዶ?

ኣብ 1990 ኣቢሉ እዩ በቲ ሽዑ ዝነበረ ኩነታት ብምኽያት ብርቱዕ ኩናት፡ ሃዲምና ካብ ባጽዕ ንኣስመራ ምስ ኣተና ኣብኡ ድማ ምስ ሓንቲ ንእሽተይ ሕብረት ተጸምቢረ  ክመላለስ ድሕሪ ምጽንሐይ ምንም እኵ ዘማሪ ክኸውን እየ ኢለ ሓሲበ እንተዘይፈለጥኩ ከምቲ ኣቐዲመ ዝጠቐስኽዎ በቲ ኣብ ሕይወተይ ዘሕለፍክዎ ብዘይ ጎይታ ከለኹ ይኹን ወላ ምስ ጎይታ ከለኹ እግዚኣብሄር ኣብ ሕይወተይ ዝገበሮ ተኣምራት እናበዝሑ ብምኻዶም ብቃላተይ ክገልጾም ክሳዕ ዘይክእል ናይ እግዚኣብሄር ውዕለት መግለጺ ክሳዕ ዝስእነሉ ኮነኒ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ጌሩለይ ክብል ናይ ዘረባ ክእለት ብዘይምህላወይ ሕፍረት ዝተሓወሶ ሕይወት ስለ ዝነበረኒ ደው ኢለ ክምስክር ኣይክእልን እየ ኔረ። ናይ እግዚኣብሄር ነገር ግን ኣነ ዝፈልጦ ጥራይ ዘይኮነስ ክሳእ ሰባት ዝፈልጥዎ ዘይቁጸር ኮነኒ እንታይ እኻ ንስኻ እግዚኣብሄር ዝገበረልካ ዘይትምስክር ክሳዕ መዓስ ኢኻ ክሳዕ ዝብሉኒ ኮይነ።

ሽዑ ናብቲ ናይልቢ ዝርኢ ኣምላኽ ሓንቲ ሓጻር ጸሎት ጸለኹ። ዎ! ኣምላኽ ኣብ ሕይወተይ ዝገበርካዮ ማእለያ ዘይብሉ እዩ ግን ስቕ ከይብል ከመይለ፡ ስቕ ክብል ከመይለስ ክኽእሎ ውዕለትካ ባዕሉ ይድርኸኒ  ኣሎ። ከይምስክር ድፍረት ከምዘይብለይ ትርእይ ኣለኻ ስለዚ መዝሙር ጌረ ክገልጾ መዛሙር ሃበኒ በልኩ። ካብ ሽዑ ጀሚረ ድማ መዝሙር ኣብ ውሽጠይ ክፈስስ ጀሚሩ ሕጂ ንዓይ መዝሙር ሕይወትይ እዩ። ካብ መዝሙር ዝተፈልየ ሕይወት የብለይን ከምቲ ዝዝምሮ ክምኡ እየ፡ ኣነ ሕጂ ካብ ክዛረብ ክዝምር ይቐለኒ። ናይ ልበይ ዘፍስስ (ዝገልጽ) ብመዝሙር እዩ። እቲ ኣነ ዝዝምሮ ዝሰምእ ሰብ ኣነ ከመይ ኣይነት ሰብ ምዅነይ ንምፍላጥ ዘጸግም ኣይመስለንን። ስለዚ ናይ መዝሙር መለት መንነተይ ኣቢ ትርጉም ኣለዎ። ስለዚ ክዝምር ከለኹ ኣብ ጎይታ ኣቢ ምትእምማን ኣብቲ ዝዝምሮ'ውን ርእሰምትእምማን ኣሎኒ።

6.    መዝሙር  ከበይ ኢኻ ትረኽቦ ብኸመይ እዩ'ኸ ዝወሃብካ?

ጽቡቕ ሕቶ እዩ። ቀንድን ኣገዳስን ድማ እዩ። ከበይ ከምዝመጸ ከይፈለጥካ ብዘይፍልጠት እርጥቀመሉ ኩሉ ክብ ጥቕሙ ጉድኣቱ እዩ ዝምዘን፡ ምኽንያቱ ኩሉዝሬ ካብ ዘይሬ ከምዝኾነ እንጥቀመሎም ኪኖም ኣብ ምድሪ ኮነ ኣብ ሰማይ መበገሲ እዮም እምበር ሽቕ ኢሎም ዝነቀሉ ኣይኮኑን ስለዚ ከኣ እዩ ናይ እግዚኣብሄር ቃል ብትሰምዕዎ ተጠንቀቑ ዝብል ብንሪኦም ዘበለ'ውን ክንጥንቀቕ ከምዘለና ቅዱሳት ጽሑፋት ዝሕብሩና። ስለዚ ኣብ ዓለምና ዝለው ነገራት ክፉኣት ኮኑ ጽቡቓት ዝነቕልሉ ስፍራ ካብ ሃለዎም፡ ከመይ ግዳ ነቲ ሞሎኮታዊ ሓይሊ ዝተመሌ ሰማያውን መንፈሳውን መበገሲ ዘይህልዎ። ብፍላይ ካብ ላዕሊ ዝኾነ ውህበት ኩሉ ጽቡቕ ስለ ዝኾነ ኩሉ ጽቡቕ ውህበት ድማ መንቀሊኡ ካብቲ ምምልላስ ጽላሎት ዘይብሉ ኣቦ ብርሃናት እዩ ዝወርድ። ስለዚ ናብቲ ሕቶ ክምለስ መዝሙር ሰማያዊ ውህበት ኮይኑ መምጺኢኡ ድማ ካብ ሰማይ ካብ እግዚኣብሄር ብመንፈስ ቅዱስ ኣቢሉ ኣብ ልብኻን ኣብ ኣፍካን ዝቕመጥ መንፈሳዊ ውህበት እዩ። ስለዚ ካብ ምንታይ ተበጊስካ ንዝብል ሕቶ ቀዳማይ መልሰይ መንፈስ ቅዱስ ከምዝሃበኒ ክደርስ ከለኹ፡ እቲ ከልእ መበገሲ ድርሰተይ ዝኾነኒ ግን ኣብዝኾነ ቦታ ኣብ ዝኾነ እዋን ብዝኾነ ኣጋጣሚ ብዛዕባ ኩሉ ነገር ዝድረስ መዝሙር እዩ ዘሎኒ። ካልእ ኩነታት ሕይወተይ፡ የሕዋት፡ ቤተክርስትያን፡ ሃገር፡ መዝሙር ክደርስ ዘለዎም ድርኺት ዓቢ'ዩ።

ኣገልግሎትን ናብራን

7.  ኣብ ጎይታ ክንደይ ምስ ጸናሕካ ኢኻ ኣገልግሎት ጀሚርካ? እቲ ናይ መጀመርታ ኣገልግሎትካ እንታይ ነይሩ? ሕጅ'ኸ ብምንታይ ዓይነት ተገልግል ኣለኻ?


ጎይታ ምስ ተቐበልኩ ድሕሪ ቁሩብ ኣዋርሕ እየ ኣገልግሎት ጀሚረ፡ እቲ ናይ መጀመርያ ኣገልግሎተይ'ውን ምስ መዘምራን እዩ ነይሩ። ሕጂ ግን ብቲ እግዚኣብሄር ዝኸፈተለይ ደገ ኣትየ ከም  ናይ ግሊ ዘማሪ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ሕጂ ኣብዚ መወዳእታ ዘመን እግዚኣብሄር ገሊጽዎን ኣፍሲስዎን ዘሎ ናይ ኣምልኾ መንፈስ ሒዘ ንስሪ ዓለም ለኻዊ ናይ መዝሙር ኣገልግሎት ዝብል ሚኒስትሪ ከፊተ ምስኡ ዝኸይድ ነገራት'ውን እንዳጠቓለልኩ የገልግል ኣለኹ።

8.    ናብዚ በጺሕካዮ ዘለኻ ደረጃ ንክትበጽሕ ዝነበሩኻ ረቝሒታትዶ ምገለጽካልና?


ንዓይ ናብዚ ኩሉ ደርጃ ንክብጽሕ ዝገበረኒ ልዕሊ ኩሉ ጎይታ እዩ። ምኽንያቱ ድሌትን ግብርን ዝገብር ንሱ ስለ ዝኾነ ብኣይ ወገን ዝገበርክዎ እንተሃልዩ ንመዝሙረይ ክብል ዘይከፈልክዎ ዋጋ የብለይን። ብዙሕ ደኺመሉን ጺዒረሉን፡ ልዕሊ ኩሉ ጌረውን ርእየዮ።

9.  ኣብዚ ተተሓሒዝካዮ ዘለኻ ናይ መዝሙር ኣገልግሎት ብውልቅኻ እንታይ ራእይ  ኣለካ? ኣብዚ ዘለካ ራእይ'ከ ቤተክርስትያንን ኣሕዋትን እንታይ ዓይነት እጃም ክህልዎም ትጽበ?


ኣብዚ ሒዘዮ ዘለኹ ኣገልግሎት ሓደ ራእይ ኣለኒ ብኣምልኾ ስራሕ ኣምላኽ ምግላጽ እዩ፡ እዚ ክኸውን ድማ ብእኡ ጌረ ንህዝበይ ክበጽሓሉ ኣገልግሎት ንስሪ ዓለም ለኻዊ ናይ መዝሙር ኣገልግሎት ራእይ ሒዘ ተንሲኤ ኣለኹ። ምንምኵ ንዕኡ ዝኸውን ሙሉእ ብሙሉእ መሳርሒ እንተዘይብለይ፡ በቲ ዘለኒ ዓቕሚ ግን ንራእየይ ሙሉእ ርእሰይ ሂበ ካብ ገንዘበይ ክሳብ ዘለኒ መሳርሒ ጌረ ይዓይን ይንቀሳቀስን ኣለኹ። እዚ ዕዮ እዚ ግን በይነይ ከምዘይክእሎ ይርደኣኒ እዩ፡ ሓገዝቲ የድልዩኒ እዮም። ምኽንያቱ ንሓደ ነገር ራእይ ተቐባሊ ሓደ እኵ እንተኾነ መንግስቲ ኣምላኽ ግን ናይ ሓደ ጥራይ ኣይኮነትን። ስለዚ እዚ ራእይ እዚ ተፈጻምነት ክረክብ ናይ ቤተክርስትያንን ናይ ህዝቢ ኣምላኽ ሓገዝን የድልየኒ እዩ። ብምኽሮም ብምትብባዕን ብመሳርሕን ብገንዘብን ኮታስ ብዘለዎም ዓቕሚ ክድግፉኢ እጽበ።

10. ካብ ኣብ ዓድና (ሃገርና) ብጎይታ ዘለው ሙዚቀኛታትን ዘመርትን የሕዋት ንሕይወትካ እንታይ ዓይነት ትምህርቲ ክትቀስም ኪኢልካ?


ብሓፈሻ ክርኢ ከለኹ ዝነኣድ ተበግሶ እዩ ነይሩ። ምኽንያቱ እቲ ኩላትና እንፈልጦ ዘሎ ሽግር ናይ ሃገርና ብሙዚቀኛታት ይኹን ወላ ብዘመርቲ ክዓቢ ኣይከኣለን፡ ካብ ዘመርትና ሙዚቀኛታትና ትግሃትን ተወፋይነትን ተማሂረ'የ።

11.  ከም ኣገልጋሊ መጠን ንኣገልግሎትካን ንሓዳርካን ብኸመይ ዝበለ ኣገባብ  ትሕዞም?


ኣምላኽ ይመስገን ኣነ ሕጂ ብዓል ሓዳርን ኣቦ ሓንቲ ቆልዓን ከኣ እየ። ርእሲ ቤትና ድማ ክርስቶስ ጌረዮ ኣለኹ። ስለዚ ንኣገልግሎተይን ንሓዳረይን ዝመርሓሉ ኣገባብን ስርዓትን ካብቲ ርእሲ ዝኾነ ክርስቶስ ቤትና ንኣሊ ኣሎና።

12. ንዘማሪ ምስ ዘማሪት እንተተመርዓወ ዝሐሸ እዩ ዝብል ኣበሃህላ ብኸመይ ትግምግሞ? ብዓልቲ ቤትካ'ኸ ኣብ ኣገልግሎትካ እንታይ ዓይነት ተራ ትጻወት?


እቲ ዝሓይሽ ኣምላኽ ዘጋጠሞም እንተተመዓው እምበር ዘማሪ ምስ ዘማሪት እንተተመርዓወ ይሓይሽ ኣይብልን እየ። ብዓልቲ ቤተይ'ውን ብዙሕ እያ ኣብ ኣገልግሎተይ ትድግፈኒ፡ ኣብ ገዛ ይኹን ኣብ ደገ ኣነ ስራሕ ኣምላኽ ክሰርሕ ከለኹ ንሳ ድማ እቲ ዝጎደለ እንዳመለአት ብትግሃት እያ ትድግፈኒ። ብፍላይ ድማ ንኣገልግሎት ክገይሽ ከለኹ ንሳ ብጸሎት ስለይ ትተግህ። ብቕዕቲ ደጋፊት ስለ ዝሃበኒ፡ ንኣምላኸይ የመስግኖ።

13.  ካብ ደቅኻ ናይ መዝሙር ዝንባሌ ዘለዎ ኣሎዶ?

እዛ ሕጂ ዘላ ጕለይ ገና ናይ ዓመትን ሽዱሽተ ውርሕን እያ ዘላ፡ ከምዚ ክትከውን እያ ዝብላውን ኣይኮነትን። ከም ኣነ ግን መንፈስ ኣምልኾ ሒዛ ክትግለጽ እየ ዝጽበያ ዘለኹ።

14. ብሃዕባ መዝሙር ኣብ ኤርትራ፡ መዛሙራትካ ብካሴት ደረጃ ክትሓትሞም ክደይ ግዜ ይወስደልካ?


ክንድዚ ጊዜ እዩ ዝወስድ ኢለ ክዛረብ ኣይክእልን እየ፡ ምኽንያቱ ከም ኩነታት ናይቲ መዝሙር እዩ። ገሊኡ ብዙሕ ግዜ ይወስድ ገሊኡ ቁሩብ። ዝበዝሐ ግን ብዙሕ ግዜ እዩ ዝወስድ፡ እዚ ድማ መዝሙር ንክትሰርሕ ከቢድ ዋጋ ስለ ዝሓትት እዩ። ሓንቲ ካሴት ተሰሪሃሓ ምስ ተወደአት በቲ ናይ ቀደም ዋጋ 10 ናቅፋ ትሽየጥ ነይራ፡ እዚ ከማን ገሊኡ ይዕድግ ገሊኡ ሓቢኡ ይመልእ፡ እዚ ኮይኑ እቲ ግን ሓደ ዘማሪ እታ ካሴት ንክትወጽእ ዝኸፍሎ ዋጋ ቀሊል ኣይኮነን።

15.  እዚ ሕጂ ሙዚቀኛታትና በጺሖሞ ዘለው ደረጃ ንስኻ ከም ዘማራይ፡ ምስቲ እትደልዮ ደረጃ ከመይ ክኸውን ኣለዎ ትብል?


ኣምላኽ ይመስገን ሙዚቀኛታት የሕዋትና ክሳብ ሕጂ ብዘርኣይዎ ጻዕርታትን ትግሃትን ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ዓቢ ለውጢ የርእዩ ኣለው፡ እዚ ማለት ግን ከም ኣነ ከም ዘማራይ ከምቲ ንደልዮ ህርሚት ረኺብና ማለት ኣይኮነን ብዙሕ ነገር ዝተርፎም ኣሎ ገና ተወሳኺ ዘይሕለል ጻዕርታት ከድልዮም እዩ።

16. ብዛዕባ እተን ዝሓተምካየን ኣልቡማት ዛጊት ካብ ኣመንቲ እንታይ ዓይነት ኣወንታውን ኣሉታውን ሰሚዕካ ኣለኻ?


ብዛዕባ እተን ዝሓተምክወን ኣልቡማት ኣወንታ እምበር ኣሉታ ክሳብ ሕጂ ኣይሰማዕኩን። ብብዙሓት ኣመንቲ ኣምላኽ ብአአን ከምዝባረኾም፡ ገሊኦም'ውን ናይ ስጋ ፈውሲ ከምዝረኸቡ ምስክርነት ሰሚዐ ኣለኹ። ንጎይታ ዘይፈልጡ (ዘይኣመንቲ) ነዛ ካሴት ሰሚዖም ንጎይታ ከምዝተቀበሉ ብዙሕ ምስክርነት ሰሚዐ ኣለኹ። ባዕሎም መጺኦም ዝመስከሩለይ'ውን ኣለው። ስለዚ በዘን ካሴታት እዚአን ብዙሕ ስራሕ ኣምላኽ ከምዝተሰርሐ ተረዲአ ኣለኹ። ንብዙሓት ንበረኸት ኮይነን ኣለዋ።

17. እዞም ኣብዚ ህሞት ብካሴት ደረጃ ዝወጹ ዘለው መዝሙራት ብርዝነት መልእኽቶምን ሙዚቅኦምን ፍረ ቃላቶምን ብኸመይ ትግምግሞ? ክመሓየሹ ኣለዎም ትብሎ ነገራት'ከ ኣሎዶ?


ሓቂ እዩ ቅድሚሕጂ ዝወጽእ ዝነበረ መዝሙራት ኣወቓቕዓ ሙዚቃን፡ ርዝነት መልእኽቶም፡ ቃላቶም ይኹን ትሕዝቶ ሙዚቅኦም ዝነኣድ ኣይነበረን። ነዚ ኩሉ ብሚዛን ምሁራት ኣርቲስት ክምዘን ከሎ ብሓቂ ብዙሕ ዝጎድለና ነገር ነይሩ፡ እዚ ዘይከሓድ ሓቂ እዩ። ናይዚ ኩሉ ጉድለት ግን ስቕ ኢሉ ምኽንያት ዘይብሉ ኣይኮነን፡ ንሕና ካብ ካልኦት ሃገራት ስለ ዝሓመቕና ኣይኮነን፡ ኣፍልጦ ዘይምህላው እዩ። ኣፍልጦ ክህሉ ድማ ንኸምኡ ዝኸውን ምቹእ ሃዋህውን ዕድላትን ቅሳነትን ክርከብ ክኽእል ኣለዎ። ምስ እዚ ኩሉ ሽግርና ግን ድኻምና ሪኢና ስቕ ኣይበልናን፡ መንፈስ ቅዱስ እናረድኣና፡ ንሕና ከኣ ብዘለና ዓቕሚ በታ ዘላትና ክእለት በብወገንና ንምምሕያሽን ንዕብየትን ክንገብሮ ዝግበኣና ክንገብር ጸኒሕና። እግዚኣብሄር ይባረኽ ድማ ክሳብ ሕጂ በብእዋኑ ለውጢ ነርኢ ኣለና።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ናይ ኩሉ ሰብ መዝሙር እኵ እንተዘይበልና ኣብ ደሓን ኩነታት በጺሑ ኣሎ።
ስለዚ ኩሉ ሰብ (ኩሉ ዘማሪ) በቲ ዘለዎ ክእለት ከይተደዓዓሰ ብሙዚቃ ይኹን ብመዝሙር ንለውጥን ንምምሕያሽን ኩሉ መንፈሳዊ ኣርቲስት ገግዲኡ ክገብር እላቦ።

18. ኣብዚ ክልተ ዓመታት ገለ ዘመርቲ ብውልቆም ሓቲሞም ክዝርግሕዎ ተራእዮም፡ እዚ ኣገባብ ንስኻ ከም ዘማሪ እንታይ ዓይነት ኣወንታውን ኣሉታውን መልሲ ትህበሉ? ናይ ቤተክርስትያንን ናይቲ ዘማራይን ተራ ሓላፍነትን'ከ ብኸመይ መልክዕ ይምረጽ ትብል?


እዚ ዓይነት ተርእዮ እዚ ወላ ሕጂ ኣጸቢቑ እንተተራእየ ካብ ነዊሕ ግዜ ጸኒሑ እዩ። ብወገነይ ንመጀመያ ግዜ ብውልቂ ዘውጻእኩ እየ ነይረ። ኣብ ሃገርና ቅድመይ ብግሉ (ብውልቁ) ካሴት ዘውጽአ የለን። ገለገለ ዘመርቲ ብውልቂ ምውጻእ እንተቀጸሉ እቲ ዕላማ ግን ይፈላለይ ኢዩ። ኣነ ከም ኣነ ግን ነዚ ዝገበርኩሉ ምኽንያት ነይሩኒ። ከምኡ ዝገበርኩሉ ምኽንያት፡ ክላዓል ነይርዎ። ገለ ገለ ሰብ ግን ንምንታይ ከምኡ ኮይኑ እምበር፡ እንታ'ዩ እቲ ምኽንያት ከምኡ ክኸውን ዝገበሮ ኢሉ ኣይሓትትን እዩ። ለባማት ከምዚ ከማኻ ሓተቲ እንተረኸበ ግን መልሲ ክህበሉ ትብዓት ኣለዎ። ብዝኾነ ነዚ ነገር ከምኡ ክገብሮ ዝኸኣለ ምኽንያት እንታ እዩ ንዝብል ሕቶ፡ እዚ ድማ ርዱእ እዩ። ናይ ካሴት ጉዳይ ዘይኮነስ ቀዳምነት ናይ መዝሙር ጉዳይ እዩ። ብቤተክርስትያን ደረጃ ናይ መዝሙር ጉዳይ ቦታ ኣይረኸበን፡ ኣቃልቦ'ውን ኣይተገብረሉን ጸኒሑ ክበሃል ይከኣል። ዋላ እኵ ኣብ ቤተክርስትያን መዝሙር ይዘመር፡ ከም ልማድ እምበር ከምቲ ናይ እግዚኣብሄር ቃል ንመዝሙር ዝህቦ ቦታ፡ ቤተክርስትያን ንመዝሙር ከምኡ ቦታ ኣይሃበቶን። ቅድሚ ቅሩብ ዓመታት እሞ ከኣ ቤተክርስትያን ንመዝሙር ቅድሚ ቃልን ድሕሪ ቃልን ሰሪዓ ከም መጻንሕን ከም መመቀርን እያ ትጥቀመሉ ነይራ እምበር፡መዝሙር ርእሱ ዝኸኣለ ክብሪ ኣይረኸበን ነይሩ። ቃል ኣምላኽ ከም ቀዳማይ መዝሙር ከም ካላይ ደርጃ ተቆጺሩ ክግልገለሉ ጸኒሑ። እቲ ሓቂ ግን ከምኡ ኣይኮነን ሕጂ ብዛዕብኡ ኣልዒልና ክንዛረብ ቀንዲ ኣርእስትና ስለ ዘይኮነ ኣብቲ ቀንዲ ሓሳባተይ ኣትየ ጥራይ ክዛረብ። ብሰንኪ እዚ መዝሙር ግቡእ ቦትኡ ስለ ዘይሓዘ እቲ ካሴት'ውን ብኡ መጠን ቤተክርስትያን ዝግባእ ክብሪ ሂባ ኣይተጠቀመትሉን። እኵ ድኣ ንናይ ካሴት ኣገልግሎት ሸለል ኢላ ንገንዘብ (ንኣታዊኡ) እምበር ንጸግኡ ኣይተቐበለቶን።

በዚ ምኽንያት እዚ ዝመጸ ንነዊሕ ግዜ ዝጸንሐ ዘይምርድዳእ ድማ ዘማሪ ምስ ቤተክርስትያን ዘይምስናይ ክፈጥር ክኢሉ። ዋላ እኵ ኣነን ጸጋይን (ውህበተይ) ንቤተክርስትያን እንተኾንና፡ ቤተክርስትያን ግን ነቲ ዝተዋህባ ጸጋ ከምቲ ዝግባእ ተረዲኣ ክትቅበሎን ግቡእ ስፍርኡ ከተትሕዞን እንተዘይኪኢላ ዓይነይ እናረኣኹ ግን ጸጋይ ክቐትል የሕሊፈ ኣይህብን እየ። ዋላ እኵ ኣነ ነቲ ጸጋ ንብዙሓት መታን ክረብሕ ኣብ ኩሉ ቦታ ድማ ክባጻሕ ኢለ ኣነ ብግሊ ካሴት እንተኣሕተምኩ ሰባት ወይ ኣሕዋት ብዙሕ ክዛረቡን ብዘረብኦም ድማ እንተቐተሉንን ኣነ እቕተል እምበር ጸጋይ ግን ኣይቀትልን እየ። "በዓል ጸጋ እንተሞተ ጸጋ ግን ኣይመውትን'ዩ"።

ስለ ዝኾነ ቤተክርስያን ንዘማራይ ተቐቢላ ንመዝሙሩ እንተኣኽበረቶ እሞ ከም ዝግባእ እንተተጠቀመትሉ ዘማራይ'ውን ኣብ ትሕቲ ቤተክርስትያን ተገዚኡ ንስርዓት ቤተክርስትያን ኣኽቢሩ እንተኸደ ዝበለጸ እዩ። እንተዘይኮይኑ ግን እታ ነቲ ናይ መዝሙር ጸጋ ብዝግባእ ዘይተጠቀመትሉ ቤተክርስትያን ግን እቲ ኣምላኽ ኣብ መዝሙር ኣቐሚጥዎ ዘሎ በረኸት ከይረኸበቶ ክትተርፍያ። እታ ብግቡእ ዝተጠቐመትሉ ድማ ክትባረኽ እያ። እግዚኣብሄር ግን እንተ በዚ እንተ በቲ ክኸብር እዩ። ምኽንያቱ እቲ ጸጋን ውህበትን ዝሃበ ንሱ ስለዝኾነ።