24
Wed, Apr
0 New Articles

ታሪኽ ህይወት ስሚዝ ዊግልስዎርዝ (1859–1947) „ሃዋርያ እምነት“

Ministry
Typography

ሓደ ዓርከይ ብኸቢድ ስንባደ “መይታ እያ!” ብማለት ተዛረበ። ኣብ ህይወተይ ከምዚ ዓይነት ስምባደ ርእየ ኣይፈልጥን። ኣስዒቡ ድማ “እንታይ ክገብር? ኢሉ ሓተተ። እቲ ኣነ ሽዑ ዝገበርኩዎ ዕሽነት ኪመስል ይኽእል፡ ግና ናብቲ ዓራት ቅርብ ኢለ ጎቲተ ኣውጺአያ። ተሰኪመ ወሲደ ድማ ብምዉታ እንከላ ኣብ መንደቕ ናይታ ክፍሊ ደጊፈ ጠጠው ኣቢለያ። ናብ ገጻ እንዳጠመትኩ ““ብስም የሱስ ነዚ ሞት እገንሕ ኣለኹ” በልኩ። ሽዑ ብሙሉኡ ኣካላታ ካብ ርእሳ ክሳብ ከብዲ እግራ ኬንቀጥቅጥ ጀመረ። “ብእግራ ክትከይድ ብስም የሱስ ይእዝዝ ኣለኹ! ብስም የሱስ! ብስም የሱስ!”’ ኢለ ምስ ደጋገምኩ ምኻድ ጀሚራ።“ 


 

ምውታን ምትንሳእ ካብቶም ኣብ ኣገልግሎት ዊግልስዎርዝ ዝረኣዩ ተኣምራታት ሓደ እዩ። እዚ ዓቢ ሃዋርያ እምነት ብዘገርም ቅብኣት ኣምላኽ ኣብ ኣገልግሎቱ ዝረኣዩ ዝነበሩ ተኣምራታት ብኻልኣይ ደረጃ ዝስርዑ እዮም። ናይቲ ኹሉ ኣገልግሎቱ ቀንዲ መልእኽቲ ድማ „እመን ጥራይ“ እዩ ኔሩ። ኣብ እምነቱ ጨካን ከም ዝነበረን ኣዝዩ ፍሉይ ናይ ምምሃር ቅብኣትን ዓሚቕ ዝኾነ ድንጋጸ ከምዝነበሮን ይፍለጥ። ከም ፍሪኡ ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣገልግሎቱ ብቑጽሪ ምግላጹ ዝሸግር ምድሓን ነፍሳትን ተኣምራታትን ይርአ ኔሩ።

ስሚዝ ኣብ ወርሒ ሰነ 1859 ካብ ጆንን ማርታን ዊግልስዎዝ ዝተብሃሉ ስድራ-ቤት ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ሓንቲ ሜንስተን ዝተብሃለት (ኣብ ዮርክሻየር ትርከብ) ንእሽቶ ዓዲ ተወሊዱ። ኣብቲ ጊዜ'ቲ ኣብ ኣሜሪካ ዊልያም ቡዝ ዝተብሃለ ሰብ ካብ ሃይማኖታውያን ትካላት ብምርሓቕ “ሰራዊት ምድሓን” (Salvation Army) ዝብል ምንቅስቓስ መስሪቱ ዓቢ መንፈሳዊ ምንቕቓሕ ዘካይደሉ ጊዜ ስለ ዝነበረ፡ እታ ኣብ ዌልስ ትርከብ ቤተ ክርስትያን ድማ ምንቕቓሕ ኪኸውን ትጽልይ ኔራ። ኣብቲ ጊዜ'ቲ ስሚዝ ሓደ ካብቶም ከም በዓል ቡዝ ዝበሉ ዓበይቲ ክርስትያን መራሕቲ ኪኸውን ኢልካ ምሕሳብ ወይ ምጽላይ ኣብ ኣተሓሳስባ ጆንን ማርታን ፈጺምካ ዘይሕሰብ እዩ ኔሩ። ነገር ግን ወዶም ነቲ ንኣማኢት ዓመታት ኣብ ቤት ኣምላኽ ተዳጒኑ ዝጸነሐ ናይ ኣምላኽ ሓዊ ከም ብሓድሽ ከም ዘንድዶ ኣይፈልጡን ኔሮም። 

ስድሩኡ ንስሚዝ ድኻታት እዮም ኔሮም። ኣቡኡ ንነዊሕ ሰዓታት እንዳሰርሐ ንሰበይቱን ኣርባዕተ ደቁን ይኣልይ ነበረ። ስሚዝ ገና ወዲ ሽዱሽተ ዓመት እንከሎ ካብ ንግሆ ክሳብ ምሸት ሙሉእ መዓልቲ ኣብ ሕርሻ ብምኻድ ሱሩ ዚብላዕ ተኽሊ እንዳመሓወ ንኣቡኡ ኪሕግዝ ነበሮ። እዚ ድማ ንስሚዝ ከም ኣቡኡ፡ ነዊሕን ጻዕሪ ዝሓትትን ስራሕ ብምስራሕ ጻማኻ ናይ ምርካብ ስነ-ምግባር ከም ዘማዕብል ገበሮ። ስሚዝ ወዲ ሸውዓተ ዓመት ምስ ኮነ ኣታዊ ናይታ ስድራ-ቤት እንዳ ተመሓየሸን እኹል መግቢ ኪረኽቡን ጀመሩ። 

ዋላ’ኳ ወለዱ ኣመንቲ እንተ ዘይነበሩ፡ ስሚዝ ግና ናብ ኣምላኽ ናይ ምቕራብ ድሌት ኔሩዎ። ጸሎት ከመይ ከም ዝጽለይ ኣይተመሃረን፡ ነገር ግን ዝኾነ ይኹን ነገር ከድልዮ ከሎ ንኣምላኽ ይሓትትን ምርሒት ይረክብን ነበረ። ዓባዩ ብሓይሊ ኣምላኽ ትኣምን ስለ ዝነበረት ድማ ንስሚዝ ሒዛቶ ናብ ቤት ኣምላኽ ትኸይድ ነበረት። ቆልዓ ስለ ዝነበረ ድማ ኮፍ ኢሉ እቶም „ናይ ቀደም ሰባት“ የእዳዎም እንዳጣቕዑ ክስዕስዑን ብዛዕባ እቲ „ደም“ ክዝምሩን ይዕዘብ ነበረ። ወዲ ሸሞንተ ዓመት ምስ ኮነ ድማ ሓቢሩ ኪዝምረ ጀመረ። እቲ መዝሙራት ድማ „ብዛዕባ ዳግም ምውላድ ንጹር ፍልጠት“ ከም ዚረክብ ገበሮ። የሱስ ክርስቶስ ብሞቱን ትንሳኤኡን ዚገበረሉ ከስተውዕል ክኢሉ። ካብታ ጊዜ ጀሚሩ ድማ ብዛዕባ ምድሓኑ ምንም ጥርጥር ኣይነበሮን። በዚ ድማ ካብ ንእስነቱ ወንጌል እንዳ መስከረ ሰባት ናብ ጎይታ ከምጽእ ጀመረ። እታ ንመጀመርታ ግዜ መስኪሩ ናብ ጎይታ ዘምጽኣ ሰበይቲ ድማ ኣዲኡ ነበረት። ብዙሕ ከይጸነሐ ምስ ሓዉ ብሓደ ኣብ መዘምራን ናይታ ቤተ ክርስትያን ተጸንቢሮም ከገልግሉ ጀመሩ። ይኹን ደኣ እምበር፡ ኣብዚ ናይ ንእስነት ዕድሚኡ ቀጻሊ ስራሕ እንዳሰረሐ ነታ ስድራ-ቤት ኪሕግዝ ስለ ዝነበሮ፡ ናይ ትምህርቲ ዕድል ኣይረኸበን። በቲ ሽዑ ዝነበረ ስርዓት ቤተ ክርስትያን ድማ ገና ወዲ 10 ዓመት እንከሎ ናይ ተሃድሶ ስርዓት (Confirmation) ፈጺሙ። ቀሺ ናይታ ቤተ ክርስትያን ኢዱ ዘርጊሑ ምስ ጸለየሉ ድማ ንብዙሕ መዓልትታት ምስኡ ዝጸንሐ ብርቱዕ ርድኢት ህላውነት ኣምላኽ ኣጎልበቦ። ከምቲ ድሒሩ ስሚዝ ዝጸሓፎ፡ ካብቶም ምስኡ ዝተሃደሱ መንእሰያት ዋላ ሓደ'ኳ ነዚ ተሞክሮ ዝጠዓመ ኣይመስልን።

„ድሕሪ'ቲ ናይ ተሃድሶ ስርዓት ኩሎም ካልኦት መንእሰያት ከም ቀደሞም ይጻረፉን ይበኣሱን ኔሮም። በዚ ድማ እቲ ኣብ መንጎኦምን ኣብ መንጎይን ፍልልይ ከም ዝህልው ዝገበረ እንታይ ከምዝኾነ ይገርመኒ ነበረ።“

ስሚዝ ወዲ 13 ምስ ኮነ፡ ምስ ስድርኡ ካብ ሜንስተን ናብ ብራድፎርድ ብምግዓዝ ኣብ ሜቶዲስት ቤተክርስትያን (Methodist Church) ብዕምቆት ኪዋሳእ ጀመረ። መንፈሳዊ ህይወቱ እንዳዓበየን ሓድሽ ትርጉም ኪህቦ ምስ ጀመረን ድማ ንመንፈስ ኣምላኽ ዝያዳ ኪጸምኦ ጀመረ። ዋላ'ኳ ጽቡቕ ጌሩ ኬንብብ እንተ ዘይከኣለ፡ ነታ ናይ ሓዲሽ ኪዳን መጽሓፉ ኣብ ጅቡኡ ከይሓዘ ፈጺሙ ኣይወጽእን ነበረ። ብደረጃ ቤተክርስትያን ንስብከት ኪዳለው ምስተሓበረ ድማ ድሕሪ ናይ ሰለስተ ሰሙን ጾምን ጸሎትን ኣብ መድረኽ ደዪቡ ን15 ደቓይቕ ሰቢኹ። እንታይ ኢሉ ከም ዝተዛረበ ኣይዝከሮን እዩ። እታ ሓንቲ ዚዝክራ ነገር እንተሃለወት ድማ ካብ ኩሉ ሰብ ዕሙቕ ዝበለ ሓጎስን ዕልልታን ይፍልፍል ከምዝነበረ ጥራይ እዩ። ብ1875 “ሰራዊት ምድሓን” (Salvation Army) ኣብ ብራድፎርድ ምስ መጽኡ ድማ ምስኦም ተጸንቢሩ። ብዙሕ ከይጸንሐ ድማ ንሓይሊ ጾምን ጸሎትን ኪርዳእ ክኢሉ። እዞም “ሰራዊት ምድሓን” ዝበዝሕ ጊዜ ሓዳሪ ጸሎት እንዳሰርዑን እንዳጸለዩን ንምድሓን ነፍሳት ከም ቀንዲ ዕላማ ሒዞም ይጓዓዙ ኔሮም። ኣብ ሰሙናዊ ኣኼባታቶም ድማ ጎይታ ከም ዚረድኦም ብምትእምማን እንተወሓደ ካብ ሓምሳ ክሳብ ሚእቲ ነፍሳት ኪድሕኑ ኣለዎም ዝብል መደብ ይሕዙ ኔሮም። በዚ ድማ ኣብ ብራድፎርድ ኣዝዮም ብዙሓት ሰባት ንጎይታ ከም መድሓኒኦም ጌሮም ተቐቢሎም። 

ስሚዝ ወዲ 17 ዓመት ምስ ኮነ ድማ ናይ ቡምባ (plumbing) ስራሕ ዚምህሮ ሓደ ናይ ኣምላኽ ሰብ ረኸበ። ብሓደ እንዳሰርሑ እንከለዉ ድማ እቲ ሰብኣይ ትርጉምን ኣገዳስንትን ጥምቀት ማይ ንስሚዝ ኣረደኦ። ነቲ ብመሰረት ቃል ኣምላኽ ዝተገልጸሉ ሓቂ ንምፍጻም ድማ ብሓጎስ ተቐቢሉ ኣብ ሓጺር ጊዜ ተጠሚቑ። ኣብዚ ጊዜ'ዚ ብተወሳኺ'ውን ብዛዕባ መልእኽቲ ዳግም ምጽኣት ክርስቶስ ተማሂሩ፡ ሽዑ ኣብ ዘመኑ ከም ዚመጽእ ብምእማን ንኹሉ ዝረኽቦ ዘበለ ሰብ ብዛዕባ ምጽኣት ጎይታ ይነግር ኔሩ። ጎይታ ብኹሉ ነገር ከም ዚረድኦ ብምትእምማን ድማ ኬገልግል ወሰነ። ናብቲ ናይ ቡምባ ሰራሕተኛ ከይዱ ስራሕ ምስ ሓተተ ድማ መጀመርታ “ንዓኻ ዝከውን ስራሕ የሎን” ኢሉ ምስ ኣፋነዎ ከም ብሓድሽ ጸዊዑ፡ „ኣባኻ ሓደ ፍልይ ዝበለ ነገር ኣሎ፡ ስቕ ኢለ ክሰደካ ኣይከኣልኩን“ ብማለት ስራሕ ሂቡዎ። ናይ ስራሕ ምልከትን ተሞክሮን ምስ ኣጥረየ ድማ ናብ ሊቨርፑል ከይዱ እንዳሰረሐ ብሓይሊ ኣምላኽ ተደሪኹ ናይታ ከተማ ህጻናት ከገልግል ጀመረ። ኣገልግሎቱ ዝሰምዑ ኣማኢት ዝጠመዩን ዝዓረቑን ቆልዑ ናብቲ ንሱ ዘገልግለሉ ናይ ስራሕ ቦታ ምውሓዝ ጀመሩ። ጽቡቕ ኣታዊታት'ኳ እንተ ነበሮ፡ ነዓይ ይጥዓመኒ ከይበለ፡ ነዞም ቆልዑ ኣብ ምኽዳንን ምዕንጋልን የውዕሎ ነበረ። ብተወሳኺ'ውን ምስ ሓደ ዓርኩ ናብ ሆስፒታላትን መራኽብን እንዳኸደ ይምስክር ነበረ። ወትሩ ሰንበት ድማ ሙሉእ መዓልቲ ብጾምን ጸሎትን ምስ ወዓለ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣገልግሎቱ እንተ ወሓደ ልዕሊ ሓምሳ ሰባት ጎይታ ይቕበሉ ኔሮም። “ሰራዊት ምድሓን” ቀጻሊ እንዳ ዓደምዎ ኣብ ዘገልግለሉ ጊዜ ብዝተሰብረ መንፈስ እንዳ ነብዐ የገልግል ኔሩ። ከም ናይ በዓል ቻርልስ ስፑርግዮንን ካልኦትን ዓይነት ናይ ኣዘራርባ ክእለት ኪህልዎ ድሌት”ኳ እንተ ነበሮ፡ ንኣማኢት ሰባት ናብ መድረኽ ወጺኦም ጎይታ ክቕበሉ ዝድርኾም ዝነበረ፡ እቲ ዝነበሮ ስቡር መንፈስን ስሊኦም ዝነበሮ ቅንኣትን ከም ዝኾነ ይፍለጥ። 

ኣብ ህይወት ስሚዝ ዊግልስዎርዝ፡ እታ “ፖሊ” ብዝብል ስም እትፍለጥ በዓልቲ ቤቱ ሜሪ ጄን ዓቢ ተራ ነበራ። ኣብ ህይወት ብዙሓት ዓበይቲ ኣገልገልቲ፡ እቲ ሓደ ኪሕይል ከሎ እቲ ካልእ ድማ መታን ምርድዳእ ኪህልው ዝተሓተ ተራ ይጻወት። ኣብ እንዳ ስሚዝ ዊግልስዎርዝ ግን ከምኡ ኣይኮነን፡ ፖሊ ማዕረ ሰብኣያ ሓያል፡ ነናሓንሳብ ድማ ዝሓየለት እያ። ስሚዝ ብዛዕባኣ ኪዛረብ ከሎ፡ “ኣብ ትሕቲ ኣምላኽ፡ እዚ ሕጂ ዘለኹዎ ንክኸውን ዝሓገዘትኒ ክብርቲ በዓልቲ ቤተይ እያ” ይብል። 

ፖሊ ፊዘርስቶን ካብ ናይ ሜቶዲስት ስድራ-ቤት እያ መጺኣ። ምስ ዓበየት ድማ ንዝናን ተፈላጥነትን ክትብል ናብ ብራድፎርድ ከተማ ብምኻድ ኣብኡ ምንባር ጀመረት። ሓደ መዓልቲ ኣብ ማእከል ከተማ እንከላ ናይ ጥሩምባን ዓውዓውታን ድምጺን ሰሚዓ ርሕቕ ኢላ እንዳ ተዓዘበቶም ኣብ ሓደ ዝዓነወ ህንጻ በጽሔት። ኣብቲ ጊዜቲ “ሰራዊት ምድሓን” ሓድሽ ብምንባሩ ድማ ብልባ 'እዞም ዓያሹ ሰባት እንታዎት እዮም?” ብምባል ሓሰበት። ናብ ውሽጢ ኣዳራሽ ምስ ኣተዉ ድማ ተሓቢኣ ብምእታው ክትዕዘብ ጀመረት። በቲ ዝሰምዓቶ ቃል ኣምላኽ ድማ ውሽጣ ተረቲዑ ኣብ ቅድሚት ወጺኣ ተንበርኪኻ ክትጽልይ ጀመረት። ብርሃን ክርስቶስ ንልባ መሊእዎ ድማ ካብቲ ዘላቶ ዘሊላ ተንሲኣ “ሃሌሉያ! ተፈጺሙ!” ብምባል ጨደረት። እዚ ኹሉ ኪኸውን ከሎ ኣብ ጥቓኣ ኾይኑ እቲ ናይ ሓዋሩ ሰብኣያን መገላግልታን ዝኾነ መንእሰይ ስሚዝ ዊግልስዎርዝ ትኩር ኢሉ ይጥምታ ነበረ፡፡ ኣብታ ቀጺላ ዝነበረት መዓልቲ ክትምስክር ከላ ድማ ስሚዝ  “እዛ ሰብ'ዚኣ ናተይ እያ” ክብል ብዉሽጡ ሓሰበ። ፖሊ ናይ ሰራዊት ምድሓን መራሒ ጀነራል ቡዝ ብዝሃባ ናይ ስልጠና ዕድል ትምህርታ ወዲኣ ከም ወንጌላዊት ክተገልግል ጀመረት። ፖሊ ኣብ መበል 22 ዓመታ ብ1882 ምስ ስሚዝ ተመርዕያ። 

ድሕሪ መርዓ'ውን እንተኾነ ስሚዝ እቲ ሒዙዎ ዝነበረ ናይ ቡንባ ስራሕ እንዳ ሰረሐ ንፖሊ ናይ ወንጌላዊነት ኣገልግሎታ ክትቅጽል የተባብዓ ኔሩ። ይኹን ደኣ'ምበር ኣብታ ዝነበሩዋ ከተማ ብራድፎርድ ቤተክርስትያን ስለ ዘይነበረ ስሚዝ ጾር ኪስምዖ ጀመረ። ስለዚ ድማ ንእሽቶ ህንጻ ተኻርዮም ምግልጋል ተተሓሓዙዎ። ኣብቲ ጊዜ'ቲ ኣርባዕተ ቆልዑ ስለዝነበሩዎም ድማ ፖሊ ብቓል ከተገልግል ኮላ ስሚዝ ኣብ ገዛ ቆልዑ ይኣሊ ነበረ። ፕሮግራም ምስተወደአ ድማ ስሚዝ ኩሉ ጊዜ ናብቲ ቦታ ብምኻድ እግዚኣብሄር ዝድሕኑ ነፍሳት ኪህቦ ይጽሊ ነበረ። በቲ ናይ ሰበይቱ ኣገልግሎት ከይቀነአ “ናታ ስራሕ መርበብ ምዝርጋሕ እዩ፡ ናተይ ድማ ነቶም ዓሳታት ናብቲ መርበብ ምምጻእ እዩ። እቲ ካልኣይ ልክዕ ከምቲ ቀዳማይ ኣገዳሲ እዩ” ይብል ነበረ። 

ብምኽንያት ብ1884 ዝነበረ ብርቱዕ ክረምቲ፡ ኩሉ መስመራት ማይ ተበላሽዩ ስለዝነበረ  ስሚዝ ንኽልተ ዓመት ዝኣክል ጻዕቂ ስራሕ ነበሮ። ኣብዘን ናይ ጽዑቕ ስራሕን ብልጽግናን ዓመታት ስሚዝ ዝነበሮ ጾር እንዳሃሰሰን ካብ ኣገልግሎት ቤት ኣምላኽ እንዳረሓቐን ከደ። ስሚዝ ዝነበሮ ሓዊ እንዳቐሃመ ኪኸይድ ከሎ፡ ናይ ፖሊ ድማ ብኣንጻሩ እንዳደመቐ ኸደ። ሓደ ምሸት ፖሊ ካብቲ ልሙድ ሰዓታት ቁሩብ ዶንግያ ናብ ገዛ ምስ ኣተወት ድማ “ናይዚ ቤት'ዚ ዋና ኣነ እየ፡ ከምዚ እንዳ ደንጎኺ ክትኣትዊ ኣየፍቅደልክን እየ!“ ብምባል ኣጉባዕብዐ። ፖሊ ህድእ ኢላ “ሰብኣየይ ምዃንካ ይፈልጥ እየ፡ ዋናይ ግና ክርስቶስ እዩ“ ብምባል መለሰትሉ። ሽዑ ስሚዝ ሓሪቑ ደፊኡ ብናይ ድሕሪ ገዛ ማዕጾ ናብ ደገ ኣውጺኡ ብመፍትሕ ዓጽዩዋ። ነቲ ቀንዲ ኣፍ ደገ ስለዘይዓጸዎ ድማ ፖሊ እንዳሰሓቐት ዘይራ ኣተወት። ብጣዕሚ ትስሕቕ ስለዝነበረት ድማ ሕርቃኑ ረሲዑ ምስኣ ኪስሕቕ ጀመረ። ኣብዚ ጊዜ'ዚ ስሚዝ ምስትውዓል ስለዝረኸበ ነተን ዝቕጽላ ዓሰርተ መዓልትታት ብጾምን ብጸሎትን ገጽ ጎይታ ኪደሊ ወሰነ። ብሓቀኛን ልባውን ዝኾነ ንስሓ ድማ እቲ ኣቐዲሙ ዚነበሮ ህይወት ተሓደሰ። ኣብቲ ስሚዝ መንፈሳዊ ህይወቱ ዝደኸመሉ ጊዜ ፖሊ ኣዝያ ፍልጥቲ ሰባኺት እያ ኔራ። ሰብኣያ ኣብ ገዛ ኮፍ ኢሉ፡ ንሳ ድማ ኣማኢት ሰባት ናብ ክርስቶስ ከተምጽእ ዝረኣዩ ሰባት ብዙሕ ሕሹኽሹኽ ክብሉ ናይ ግድን እዩ። በዚ ድማ እቲ ዝነበራ ሓጎስ ብዙሕ ተፈቲኑ እዩ። ይኹን ደኣ'ምበር እቲ ኣብ ክርስቶስ ዝነበራ ምትእምማን ናብ ዓወት ኣብጺሕዋ። ዝበዝሕ እዋናት ሰብኣይ ኪደክም ከሎ ናብ ንስሓ (ናብ ልቡ) ትመልሶ ዘላ መሲሉዋ ሰበይቲ ንሰብኣያ ትጭቕጭቖ እያ። ይኹን ደኣ እምበር ሰብ ዚንሳሕ መንፈስ ቅዱስ ምስ ረትዖ ጥራይ እዩ። መንፈስ ቅዱስ ነቲ ሕጉስ ዝኾነ ልባ ስለ ዝሓለዎ ስሚዝ ጌግኡ ብምስትውዓል ናብ የሱስ ኪምለስ ክኢሉ። ሳላ ባህርያት በዓልቲ ቤቱ ስሚዝ ናብ ንስሓ ኪመጽእን ካብኡ ሓሊፉ'ውን ኣገልግሎቶም ዓለም ዘንቀጥቅጥ ኪኸውን ክኢሉ። እቲ ቀንዲ ዕላማ ናይ “ደጋፊት” (ወይ ደጋፊ) ድማ ንመጻምድኻ ናብ ጻውዒቱ ኪመጽእ ምድጋፍ (ምሕጋዝ) እዩ። እግዚኣብሄር ናይ መጻምድኻ ልቢ ብኸመይ ናብ ስፍራኡ ከም ዚምልስ ይፈልጥ እዩ፡፡ ጥራይ ልብኻ ይጥዓይ እምበር ነቲ ዝተረፈ ጉዳይ ንመንፈስ ቅዱስ ግደፎ። ከምዚ እንተደኣ ጌርካ ፈጺምካ ኣይክትሰዓርን ኢኻ። 

ኣብ መወዳእታ 1800 ስሚዝ ንስርሑ ዘድልዮ ኣቕሑት ኪገዝእ ናብ ሊድስ ኣብ ዝኸደሉ ጊዜ ኣብ ሓደ ናይ ፈውሲ ኣገልግሎት ዝካየደሉ ቤተ ክርስትያን ተኻፊሉ። በቲ ዝተዓዘቦ ናይ ፈውሲ ኣገልግሎት ስለ ዝተመሰጠ ድማ፡ ናብ ብራድፎርድ ብምኻድ ንዝሓመሙ ዘበሉ ሰባት ናይ ትራንስፖርት ገንዘብ እንዳ ሓገዘ ናብ ሊድስ ከም ዝኸዱ ገበረ። ድሒሩ በዓልቲ ቤቱ ብዛዕባ'ዚ ፈውሲ ምስ ሰምዔት ድማ፡ ንሳ'ውን ፈውሲ የድልያ ስለ ዝነበረ ምስኡ ሓቢራ ናብ ሊድስ ከደት። ሽዑ መዓልቲ ተጸልዩላ ድማ ብቕጽበት ካብ ሕማማ ሓወየት። ብድሕሪ'ዚ ድማ ኣብ ብራድፎርድ ብትብዓት ከገልግሉ ምስ ጀመሩ እታ ማሕበር እንዳዓበየት ስለ ዝኸደት፡ ካልእ ዓቢ ኣዳራሽ ተኻርዮም፡ ኣብ ውሽጡ (ብድሕሪ ቱልፒት) “ኣነ እግዚኣብሄር ፈዋሲኻ እየ“ ዝብል ዓቢ ጽሑፍ ገበሩ። ይኹን ደኣ እምበር ንገዛእ ርእሱ ስሚዝ ኣብ ህይወቱ ፈውሲ ዝተሞከረ ኣብ መጀመርታ 1900 እዩ። ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ዘሳቕዮ ናይ ኦሞሮድዮ ሕማም ስለ ዝነበሮ፡ ንሓደ ክበጽሖም ዝመጸ ኣገልጋሊ ኣማኺርዎ፡ እዚ ሕማም ብመለኮታዊ መገዲ ከምዝሓዊ ብእምነት ተሰማሚዖም እቲ ሓው ጸልዩሉ፡፡ ክሳብ'ታ ሰዓት እቲኣ ስሚዝ መዓልታዊ ጨው ጌሩ እንዳ ሓጸቦ ይካየድ ኔሩ። ካብታ መዓልቲ ጀሚሩ ብእምነት ነቲ ጨው ገዲፉዎ፡ ካብቲ ሕማም ድማ ንሓዋሩ ተገላገለ። ነዚ ናይ ፈውሲ ኣገልግሎት ሙሉእ ኣቓልቦ ብምሃብ ድማ ንዝሓመሙ ዘበሉ ቀጻሊ ገንዘባዊ ሓገዝ እንዳገበረ ናብ ሊድስ ሒዙዎም ይኸይድ ነበረ። ንሕሙማትን ንሽጉራትን ብዝነበሮ ዓቢ ምድንጋጽ ይፍለጥ ነበረ። ይኹን ደኣ እምበር እቲ ኣብ ሊድስ ዝፍውስ ኣምላክ ኣብ ብራድፎርድ ድማ ክፍውስ ከም ዝኽእል ብዘይምስትውዓሉ፡ ቀጻሊ ብዙሓት ሕሙማት ሒዙ ናብ ሊድስ ክመጽእ ዝተዓዘቡዎ ገለ ናይ ሊድስ ኣገልገልቲ ይስሕቑ ነበሩ። 

ስሚዝ ቁሩብ ምትብባዕ ከም ዘድልዮ ዝተዓዘቡ ናይ ሊድስ ናይ ፈውሲ ኣገልገልቲ ኣብታ ትቕጽል ናይ ኣገልግሎት መዓልቲ ነዓታቶም ተኪኡ ንኸገልግል ዓደሙዎ። ዋላኳ ስሚዝ ድሕርሕር እንተበለ እቶም ኣገልገልቲ ኣተባቢዖሞ ንኸገልግል ተሰማምዐ። መዓልቲ ኣኺሉ ቃል ኣምላኽ ኣካፊሉ ምስ ወደአ፡ ንኽጽለየሎም ዓሰርተ ሓሙሽተ ሰባት ናብ ቅድሚት ወጺኦም። ሓደ ብኽልተ ምርኩዝ ተደጊፉ ዝመጸ ሰብ ስሚዝ ምስ ጸለየሉ ብቕጽበት ስለ ዝሓወየ ምርኩዙ ደርብዩ ኣብ ኩሉ ቦታታት ኪጎይይን ኪዘልልን ጀመረ። ካብ ስሚዝ ንላዕሊ ዝተገረመ ዋላ ሓደኳ ኣይነበረን። ካብዛ ኣገልግሎት ንደሓር ስሚዝ ብዙሕ ናይ ኣገልግሎት ኣፍደገ ተኸፊቱሉ፡ ንሱ'ውን ኣብ ብራድፎርድ ናይ ፈውሲ ኣገልግሎት ከም ዝጅምር ብወግዒ ኣፍለጠ። ኣብታ ቀዳመይቲ ምሸት ድማ ዓሰርተ ክልተ ሰባት ክጽለየሎም ወጺኦም፡ ነፍስወከፎም ድማ ተፈዊሶም። ካብኣቶም ሓንቲ ብርቱዕ ሕበጥ ዝነበራ ሰበይቲ ብእምነት ፈውሳ ተቐቢላ ንገዛኣ ምስ ከደት፡ ንጽባሒቱ ሙሉእ ብሙሉእ ከም ዝሓወየት ኣፍለጠት። ብዙሕ ከይጸነሐ ንስሚዝ ሓደ በዳሂ ዝኾነ ኩነታት ኣጋጠሞ። ሰይቲ ሓደ ውፉይ ዝኾነ ዓርኩ ኣዝያ ብምሕማማ፡ ሓኻይም ሽዑ መዓልቲ ከም እትመውት ኣመቱ። ሰብኣያ'ውን ክትሓውይ እያ ዝብል እምነት ኣይነበሮን። ስለ'ዛ ስድራ-ቤት ዓቢ ድንጋጽ ስለ ዝተሰምዖ፡ ንሓደ ኣብ ብራድፎርድ ሓድሽ ቤተ ክርስትያን ዝኸፍት ዝነበረ ኣገልጋሊ ብሓባር ከይዶም ክጽልዩላ ሓተቶ፡ ነገር ግን እቲ ኣገልጋሊ ፍቓደኛ ኣይነበረን። ብድሕሪኡ ንሓደ ብኣጸላልያኡ ፍሉጥ ዝኾነ ዓርኩ ሓቲቱዎ ፍቓደኛ ስለ ዝነበረ፡ ክጽልዩላ ናብታ ሰበይቲ ብሓባር ከዱ። ኣብ ጎኑ ምስኡ ኮይኑ ዝጽሊ ሰብ ብምህላዉ ተተባቢዑ ድማ ናብቲ ገዛ እትው ምስ በሉ ነቲ ዓርኩ ምጽላይ ክጅምር ኣተባብዖ። እቲ ዓርኩ ግና እታ ሰበይቲ ኣዝያ ከም ዝደኸመት ምስ ተዓዘበ፡ ስለ'ታ ሰበይቲ ዘይኮነስ ስለ እቶም ገዲፋቶም እትኸይድ ስድራ ምጽላይ ጀመረ። እቲ ጸሎት ኣሉታውን ካብቲ ዝኸዱሉ ዕላማ ወጻኢ ስለ ዝነበረ ድማ ስሚዝ ንዓርኩ ምጽላይ ከቋርጽ ተዛረቦ። ጸሎት ኣንዊሑ፡ ምቁራጽ ምስ ኣበዮ ድማ ክሳብ ኣብ ጽርግያ ዝስማዕ ብዓውታ “ጎይታ ነዚ ሰብ ጠጠው ኣብሎ!“ ብምባል ጨደረ። ብድሕሪኡ ዘይቲ ዝሓዘት ጥርሙዝ ካብ ጅቡኡ ኣውጺኡ ብሙሉኡ ኣብታ ሰበይቲ ብስም የሱስ ኣፍሰሶ። ኣብ ጥቓኣ ደው ኢሉ ድማ ንመጀመርታ ጊዚኡ ራእይ ረኣየ፡ “ብኡ ንብኡ ጎይታ የሱስ መጺኡ። ዓይነይ ኣፍጢጠ ክርእዮ ጀመርኩ። የሱስ ድማ ፍሽኽ ኢሉ ናባይ ገጹ ጠመተ፡፡ . . . እቲ ራእይ፡ እቲ ኣዝዩ ጽቡቕን ባህ ዘብልን ፍሽኽታ የሱስ፡ ፈጺሙ ካባይ ተፈልዩ ኣይፈልጥን፡፡“ እቲ ራእይ ምስ ተወደአ ድማ ሽዑ ንሽዑ እታ ሰበይት ሓድሽ ህይወት ተመሊኣ ኣብ ዓራታ ኮፍ በለት። ብድሕሪ እዚ ኩነት ድማ ብዙሓት ቆልዑ ወሊዳ፡ ብድሕሪ ሰብኣያ ተፋነወት። 

እቲ ካልእ ናይ ስሚዝ ናይ ሞትን ሕይወትን ተሞክሮ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ህይወት ነበረ። ሓደ መዓልቲ ኣዝዩ ብርቱዕ ቃንዛ ስለ ዝነበሮ ኣብ ዓራቱ ደቂሱ ነበረ። ኣቐዲሙ ምስ በዓልቲ ቤቱ ኣብ ገዝኦም ዝኾነ ይኹን መድሃኒት ንኸይጥቀሙ ተሰማሚዖም ስለ ዝነበሩ፡ ንህይወቱ ኣብ ኢድ ኣምላኽ ገደፋ። እታ ስድራ ሙሉእ ለይቲ'ኳ ክትጽልይ እንተ ሓደረት፡ ስሚዝ ዋላ ሓንቲ ምምሕያሽ ኣየርኣየን። ኣዝዩ እንዳ ደኸመ ስለ ዝኸደ ድማ ንሰበይቱ፡ “ናብ ገዛ ዝፋነወሉ ናይ መወዳእታ ጻውዒት ይመስለኒ፡ ርእስኺ ንምክልኻል ዝኣክል ሕጂ ሓኪም ክትጽውዒ ኣለኪ“ በላ። ፖሊ ናይ መወዳእታ ሰዓት ከም ዝበጸሐ ብምእማን፡ ብዝተሰበረ ልቢ ሓኪም ንክትጽውዕ ወጸት። ሓኪም መጺኡ ምስ ረኣዮ ድማ ሕማሙ ቤንትሸተ (appendicitis) ከም ዝኾነን፡ እቲ ሕማም ከይተፈለጠ ነዊሕ ጊዜ ዝጸነሐ ብምዃኑ፡ ዋላ ብመጥባሕቲ'ውን እንተኾነ ክሓዊ ከም ዘይክእል ሓበረ። እቲ ሓኪም ክወጽእ ከሎ ሓንቲ ዓባይ ሰበይትን ሓደ መንእሰይን ናብ ናይ ስሚዝ ክፍሊ ኣተዉ። እታ ሰበይቲ ብናይ እምነት ጸሎት ትኣምንን፡ ኩሉ ሕማም ድማ ካብ ሰይጣን ከም ዝኾነ ትኣምን ነበረት። እንዳ ጸለየት ኮላ ድማ እቲ መንእሰይ ናብ ናይ ስሚዝ ዓራት ደዪቡ፡ ኣእዳዉ ኣብ ልዕሊ ስሚዝ ብምግባር፡ “ሰይጣን፡ ብስም የሱስ ውጻእ!“ ብማለት ጨደረ። ስሚዝ ኣዝዩ ክሳብ ዝግረም፡ ሽዑ ንሽዑ “እቲ ሰይጣን“ ወጺኡ፡ ኩሉ እቲ ስሚዝ ዝስሞዖ ዝነበረ ቃንዛ ድማ ጠፊኡ። ፈውሱ መታን ኪጸንዓሉ ከም ብሓድሽ ምስ ጸለዩሉ ድማ ካብ ዓራቱ ተንሲኡ ክዳኑ ተኸደነ። ናብ ምድሪ ቤት፡ ናብ ሰበይቱ ብምካድ ድማ፡ “ኣነ ተፈዊሰ እየ፡ እንታይ ስራሕ ኣሎ?“ በላ። ኩሉ እቲ ዛንታ ብተመስጦ ሰሚዓ ምስ ወደአት ከኣ ዝስራሕ ሃበቶ'ሞ ወጸት። ካብታ ሰዓት ጀሚሩ ናይ ቡምባ ስርሑ ቀጸለ፡ ሕማም ቤንትሸተ'ውን ፈጺሙ ተላዒሉዎ ኣይፈልጥን። 

ብ1907 ድማ ኣብ ህይወት ስሚዝ ዊግልስዎርዝ ካልእ መቐይሮ ህይወት ዝኾነ ነገር መጸ። ኣብ ሳንደርላንድ ዝተበሃለ ቦታ ገለ ጉጅለ ሰባት “ብመንፈስ ቅዱስ ከም ዝተጠምቁን፡ ብኻልእ ቋንቋ ከም ዝዛረቡን“ ሰመዐ። ስለዚ ድማ ንሱ'ውን ነዚ ነገር ክሙከሮ ደለየ። ክሳብ እታ ጊዜ እቲኣ ብመንፈስ ቅዱስ ተጠሚቐ እየ ኢሉ ይኣምን ነበረ። በቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ጊዜ ናይ መንፈስ ቅዱስ ጥምቀት ንቕድስና ዝምልከት እዩ ዝብል ርድኢት ስለ ዝነበረ፡ ስሚዝ ድማ ኣብቲ ፈለማ ብርድኢት ምስ ጎይታ ኪመላለስ ዝጀመረሉ ጊዜ ንዓሰርተ መዓልቲታት ጾምን ጸሎትን ወሲዱ ብንስሓ ናብ ኣምላኽ ብምቕራቡ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ከም ዝተጠመቐ ይኣምን ነበረ። ነቶም ኣብ ሳንደርላንድ ዘለዉ ኣዕሩኽቱ ብዛዕባ ብልሳን ምዝራብ ደብዳቤ ምስ ጸሓፈሎም፡ “ካብ'ዞም ሰባት ረሓቕ፡ ኣጋንንቲ እዮም ዝቕበሉ ዘለዉ“ ብምባል ኣጠንቀቑዎ። ኮይኑ ግን ናብ ሳንደርላንድ ከይዱ ምስቶም ኣዕሩኽቱ ብዛዕባ'ዚ ጉዳይ ምስ ጸለየን ምስ ተዘራረበን፡ ኣብቲ ቦታ መንፈሳዊ ድርቀት ከም ዘሎ ተዓዘበ። “ካብ ብራድፎርድ ናብዚ ቦታ'ዚ ዝመጻእኩ፡ ነቲ ብመዓልቲ ጴንጤቆስጤ ዝነበረ ናይ ብቋንቋታት ምዝራብ ተሞክሮ ደልየ እየ“ ብማለት ነቲ ኣኼባ ብተደጋጋሚ የቋርጾ ስለ ዝነበረ፡ ንበይኑ ኣብ ደገ ፍልይ ኣቢሎም ክሳብ ዝግስጽዎ ኮነ። ስሚዝ ኣብ ህይወቱ ናይ መንፈስ ቅዱስ ጥምቀት ኪሙከር ስለ ዝደለየ ድማ ናብቲ ኣብ ከባቢኦም ዝርከብ ናይ ሰራዊት ምድሓን (Salvation Army) ህንጻ ከደ። እንዳ ጸለየ ከሎ ብሓይሊ ኣምላኽ ሰለስተ ጊዜ ኣብ ምድሪ ወደቐ። ነገር ግን ንኣርባዕተ መዓልትታት ዝኣክል ብኻልእ ቋንቋ ኪዛረብ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቀሪቡ ክነሱ ስለ ዘይኮነሉ፡ ተስፋ ብምቑራጽ ናብ ብራድፎርድ ኪምለስ ወሰነ። ቅድሚ ምብጋሱ ንሰይቲ ቀሺ ንኽፋነዋ ናብ ቤት ክህነት ከደ። ብቋንቋታት ከይተዛረበ ናብ ቦቱኡ ይምለስ ከም ዘሎ ምስ ሓበራ፡ ንሳ ድማ ቋንቋ ዘይኮነስ ጥምቀት'ዩ ዘድልየካ ብማለት መለሰትሉ። ሽዑ ኢዳ ኣንቢራ ክትጽልየሉ ስለ ዝሓተታ፡ ቅልል ዝበለ ሓይሊ ዘለዎ ጸሎት ጸልያትሉ ካብቲ ክፍሊ ወጸት። ሽዑ ሓዊ ኣምላኽ ኣብቲ ክፍሊ መሊኡ፡ ብሓይልን ክብርን ኣምላኽ ኣዕለቕሊቑ፡ ባዶ መስቀልን የሱስ ድማ ኣብ የማን ኣቦ ከቢሩን ራእይ ረኣየ። ስሚዝ ብኣምልኾን ምስጋናን መሊኡ፡ ብሓድሽ ቋንቋ ኪዛረብ ጀመረ። ዋላኳ ኣቐዲሙ ቅብኣት ተቐቢሉ እንተ ነበረ፡ ሕጂ ግና ከምቲ ብመዓልቲ ጴንጤቆስጤ ብመንፈስ ቅዱስ ከም ዝተጠመቐ ኣስተውዓለ። ናብ ቦቱኡ ምስ ተመለሰ፡ ከምቲ ዝተጸበዮ ተቓውሞ ኣጋጠሞ። እትው ምስ በለ ፖሊ፡ “ኣነ ድማ ከምቲ ናትካ ብመንፈስ ቅዱስ ከም ዝተጠመቕኩ ክትፈልጥ እደልይ እየ፡ ነገር ግን ብቋንቋታት ኣይዛረብን እየ። . . . ሰንበት ክትሰብኽ ኢኻ፡ ኣነ ድማ እንታይ ከም ዝኸውን ክዕዘብ እየ“ በለቶ። ከምቲ ዝበለቶ ሰንበት መዓልቲ ፖሊ ኣብ ድሕሪት ኮፍ በለት። ስሚዝ ናብ ፑልፒት ምስ ደየበ ድማ ጎይታ ትንቢት ኢሳያስ 61፡1-3 ዘሎ ሃቦ። ስሚዝ ብትብዓትን ብብርቱዕ ሓይልን ኪሰብኽ ምስ ረኣየቶ ድማ፡ ፖሊ ተደኒቓ ብውሽጣ “ጎይታ፡ እዚ እቲ ናተይ ስሚዝ ኣይኮነን! ናተይ ስሚዝ ኣይኮነን!“ እንዳበለት ትከታተል ነበረት። ኣብ መወዳእታ እቲ ስብከት፡ ሓደ ሰብ ካብ ኮፍ መበሊኡ ተንሲኡ፡ “ኣነ ድማ ብመንፈስ ቅዱስ ክጥመቕ እደልይ እየ“ ኢሉ ኮፍ ክብል ከሎ ሰድያኡ ስሒቱ ኣብ ምድሪ ወደቐ። ንስሚዝ ዓቢ ወዱ'ውን ብተመሳሳሊ ተዛሪቡ ኮፍ ክብል ከሎ ሰድያኡ ስሒቱ ኣብ ምድሪ ወደቐ። ኣብ ውሽጢ ሓጺር ጊዜ ዓሰርተ ሓደ ሰባት ኣብ ምድሪ ወዲቖም ብመንፈስ ይስሕቑ ነበሩ። ኣምላኽ መንፈሱ ስለ ዘፍሰሰ ድማ ብሙሉኡ እቲ ጉባኤ ብመንፈስ ይስሕቕ ነበረ። እዚ ኣብ ብራድፎርድ እቲ ቀዳማይ ተሞክሮ ክኸውን ከሎ፡ ኣብተን ዳሕረዎት ናይ ኣገልግሎት መዓልቲታት ድማ ኣማኢት ሰባት ብመንፈስ ቅዱስ ተጠሚቖም ብሓድሽ ቋንቋ ተዛረቡ። ፖሊ ብመንፈስ ቅዱስ ምስ ተጠምቀት ድማ፡ ካብ ብዙሕ ክፍሊታት ናይታ ሃገር ናይ ኣገልግሎት ጻውዒት ክውሕዝ ስለ ዝጀመረ፡ ክልቲኦም ብሓባር ናብ ብዙሕ ቦታታት እንዳኸዱ ኣገልገሉ። ኣብ ዝኸዱዎ ዘበለ ድማ ክብሪ ኣምላኽ ምስኦም ስለ ዝነበረ ሰባት ብብርቱዕ ርትዒ ይንስሑ ነበሩ። 

ኣብተን ዝቕጽላ መዓልትታት ስሚዝ ናይ ቀጻሊ ጾምን ጸሎትን ልምዲ ኣማዕበለ። ንሕሙማት ንኽጽልየሎም ካብ ርሑቕን ቀረባን ቦታታት ደብዳቤ ክውሕዘሉ ስለ ዝጀመረ፡ ኣብ ኩሉ ዝተሓተቶ ቦታ ይኸይድን የገልግልን ነበረ። ብምኽንያት ጻዕቂ ኣገልግሎት፡ ናይ ቡምባ ስርሑ ይደናጎይ ስለ ዝነበረ ድማ ዓማዊሉ ናብ ካልእ ሰራሕተኛ ምኻድ ጀመሩ። ሓደ ጊዜ ንገዝኡ ምስ ተመለሰ ስራሕ ዝሒሉ፡ ሓንቲ መበለት ሰበይቲ ጥራይ ኣማራጺ ስኢና ከዐርየላ ትጽበዮ ስለ ዝነበረት፡ ተቐላጢፉ ናብ ገዛኣ ኸደ። ነቲ ዝተበላሸወ ቱቦታት ማይን ጽገና ዘድልዮ ቦሎፎንን ኣዓርዩ ምስ ወድአ ድማ፡ እታ ሰበይቲ ክንደይ ከም እትኸፍሎ ምስ ሓተተቶ፡ “እዚ ንጎይታ ዘቕርቦ ናይ መጨረስታ ናይ ስርሐይ ውህበት እዩ“ ብማለት ዝኾነ ክፍሊት ከይተቐበለ ንገዝኡ ተመልሰ። ብኸምዚ ድማ ነቲ ዝነበሮ ስራሕ ብምዕጻው ናይ ሙሉእ ጊዜ ኣገልግሎት ጀመረ። ዘይ ከምቲ ዝሰምዖ ዝነበረ ናይ ኣገልገልቲ ናይ ድኽነት ዛንታ፡ ንጎይታ ብእሙንነት እንተ ደኣ ኣገልጊሉ፡ ጎይታ ድማ ብኹሉ ዘድልዮ ዘበለ ከም ዝድግፎ ሙሉእ ምትእምማን ነበሮ። ምስ ኣምላኽ ብዝነበሮ ዕርክነት ብምትእምማን ድማ፡ “ዝኣረገ ጫማ ይኹን ኣብ ብርኩ ዝተቐደ ስረ ፈጺመ ክኽደን  የብለይን። ካብዞም ነገራት ሓደ'ኳ እንተ ጎዲሉኒ፡ ናብ ናይ ቀደም ስርሐይ ክምለስ እየ ብማለት ንጎይታ ተዛረብኩዎ።“ ኣብ ኩሉ ናይ ኣገልግሎት ዘመኑ ኣምላኽ ብዘድልዮ ዘበለ ኩሉ ስለ ዝደገፎ ድማ ናብ ናይ ቀደም ስርሑ ፈጺሙ ኣይተመለሰን። 

ስሚዝ ናብ ስኮትላንድ ኪኸይድ ባቡር እንዳ ተጸበየ እንከሎ፡ ኣብ ህይወቱ ኣዝዩ ዘሕዝን ዜና በጸሖ። ፖሊ ብሕማም ልቢ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከም እትርከብ ተሓቢሩ ናብ ገዛ ምስ ተመለሰ ድማ ድሮ መይታ ጸንሓቶ። ሽዑ ስሚዝ ነቲ ናይ ሞት መንፈስ ገሲጹ ንሓጺር ጊዜ ካብ ሞት ከም እትትንስእ ገበረ፡፡ “ኣብዛ ሰዓት እዚኣ፡ ናባይ ናብ ገዛ ክወስዳ እደልይ እየ“ ብማለት ጎይታ ተዛረቦ። ስለዚ ድማ ብዝተሰብረ ልቢ ነታ ንነዊሕ ዓመታት ዘፍቀራ በዓልቲ ቤቱ ምስ ጎይታ ንኽትከውን ፈነዋ። ፖሊ ዊግልስዎርዝ ክሳብ'ታ ናይ መወዳእታ ሰዓት ዕለተ ሞታ (1 ጥሪ 1913) ንጎይታ ኣገልጊላ። ድሕሪ ሞት ፖሊ ድማ ስሚዝ ንጎይታ ዕጽፊ መንፈስ ኪህቦ ለመኖ፡፡ ካብቲ ጊዜ ጀሚሩ ድማ ብዝተዓጻጸፈ ሓይሊ ምግልጋል ቀጸለ። ብዙሕ ከይጸነሐ ድማ ምስ ጓሉን ሰብኣይ ጓሉን ብምዃን ናብ ብዙሕ ዓድታት እንዳ ተጓዓዘ ከገልግል ጀመረ። ኣብቲ ጊዜ'ቲ ኣብ ብሪጣንያ ሃይማኖታዊ ዜናታት ምቕራብ ልሙድ ኣይነበረን፡፡ ይኹን እምበር The Daily Mirror ዝተበሃለት ጋዜጣ ንናይ ዊግልስዎርዝ ኣገልግሎት ብኣርባዕተ ስእሊታት ኣሰንያ ኣብ ቀዳማይ ገጽ ኣቃለሐት። እታ ጋዜጣ ኣዝያ ተፈታዊትን ብብዝሒ ትንበብ ስለ ዝነበረትን፡ ኣብ ኣገልግሎቱ ሰባት ብብዝሒ ክውሕዙ ጀመሩ። ንእምነት ብዝምልከት ዓሚቕ ምግላጽ ስለ ዝነበሮ ድማ፡ እቲ ኣዝዩ ተሪር እዩ ዝተበሃለ ልቢ ከይተረፈ መኺኹ ናብ ፍቕሪ የሱስ ይቕየር ነበረ። ናይ ስሚዝ መምርሒ “እመን ጥራይ“ እዩ ኔሩ። ኣምላኽ ብፍሉያት ሰባት ጥራይ እዩ ዝሰርሕ ዝብል እምነት ኣይነበሮን። “ሓቀኛ እምነት፡ ኣምላኽ ንሚልዮናት ሰባት ሓሊፉ (ገዲፉ) ነዓኻ ከም ዝቐብኣካ ናይ ምግባር ክእለት ኣለዎ“ ብማለት ቀጻሊ ይዛረብ ነበረ። ብዙሓት መጻሕፍቲ ንምስጢር ሓይሊ ዊግልስዎርዝ ንምርካብ ተጻሒፎም ኣለዉ፡ እቲ መልሲ ግን ቀሊል እዩ። እቲ ዝነበሮ ዓቢ እምነት ካብቲ ምስ የሱስ ዝነበሮ ሕብረት ዝመንጨወ ኢዩ። ካብቲ ምስ ኣምላኽ ዝነበሮ ርክብ፡ ንኹሉ ዘጋጥሞ ኩነታት ዝኸውን  መልሲ ይመጽእ ኔሩ። ኣምላኽ ፍሉያት ሰባት የብሉን፡ ንሱ ብዝኣምን ዘበለ ይሰርሕ እዩ። በቲ ዝነበሮ መትከል ብዙሕ ተቓውሞ እንተ ኣጋጠሞ'ኳ፡ ስሚዝ ስለ'ቶም ዝቃወምዎ ካብ ምድንጋጽ ሓሊፉ ካብ እምነቱ ፈጺሙ ፍንትት ኣይበለን። “በቲ ዝርእዮን ዝሰምዖን ዘይኮንኩስ በቲ ዝኣምኖ እየ ዝምራሕ“ ይብል ኔሩ። 

መንፈስ ቅዱስ ንስሚዝ ዝተፈላለየ ደረጃታት እምነት ክምህሮ ጀመረ። ብመጀመርታ ደረጃ ድማ እምነት ኣብ ካልኦት ሰባት ክፍጠር ከም ዝኽእል መሃሮ። ነዚ ኣብነት ዝኾነና፡ ሓደ ቆልዓ ኣዝዩ ስለ ዝሓመመ፡ ስድሩኡ ስሚዝ ንኽጽልየሉ መልእኽቲ ሰደዱ። ኮይኑ ግን ስሚዝ ኣብቲ ቦታ ምስ በጸሐ፡ ነቲ ቆልዓ ኣዲኡ ኣብ ኣፍ ደገ ተቐቢላ “ዶንጊኻ ኢኻ መጺእካ፡ ሕጂ ዝግበር ነገር የሎን“ በለቶ። ስሚዝ ግና “ኣምላኽ ኣብ ዝኾነ ይኹን ቦታ ዶንግዩ (ጊዚኡ ምስ ሓለፈ) ሰዲዱኒ ኣይፈልጥን እዩ“ ብማለት መለሰላ። እቲ ቆልዓ ኣዝዩ ሓሚሙ ስለ ዝነበረ፡ ስድሩኡ ክሓዊ እዩ ዝብል እምነት ኣይነበሮምን። ቅድሚ ነዚ ቆልዓ ምጽላዩ፡ ስሚዝ ኣብ ሓደ ናይቲ ከባቢ ቤተ ክርስትያን ኣብ ዝካየድ ምትእትታው ቃል ኪዳን ኪርከብ ስለ ዝነበሮ፡ ነቶም ስድራ ሕጂ ክምለስ እየ'ሞ እግዚኣብሄር ብድንቂ ነዚ ቆልዓ ስለ ዝበጽሖ ክዳውንቱ ኣዳሊኹምሉ ጽንሑኒ ብማለት ከደ። እቶም ስድራ ግና ክሓዊ እዩ ዝብል እምነት ስለ ዘይነበሮም፡ ስሚዝ ክሳብ ዝምለስ ዝተበሃሉዎ ከይገበሩ ጸኒሖም። ኮይኑ ግን ብርግጽ ማለቱ ኮይኑ ይዛረቦም ከም ዘሎ ምስ ተረዱኡ ተቐላጢፎም ናይቲ ቆልዓ ክዳውንቲ ኣምጽኡ። ሽዑ ነታ ክፍሊ ዓጽዩ፡ ነቲ ተስፋ ዘይነበሮ ቆልዓ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተለማመዶ ፍልይ ዝበለ ነገር ከም ዝፍጸም ተዛረቦ። “ኣእዳወይ ኣብ ልዕሌኻ ምስ ገበርኩ፡ ኣነ ጠጠው ምባል ክሳብ ዝስእን ክብሪ ኣምላኽ ነዚ ቦታ ኪመልኦ እዩ። ኣነ ካብቲ ክብሪ ኣምላኽ ዝተላዕለ ኣብ ምድሪ ኽወድቕ እየ““ በሎ። ነቲ ቆልዓ ብኢዱ ትንክፍ ምስ ኣበሎ ድማ ክብሪ ኣምላኽ ነቲ ቦታ መልኦ፡ ካብቲ ሓይሊ ኣምላኽ ዝተላዕለ ኸኣ ስሚዝ ካብቲ ዝወደቖ ክትንስእ ኣይከኣለን። እቲ ቆልዓ ግን ሽዑ ንሽዑ ብዓውታ “ጎይታ፡ እዚ ዝኾነ ንኽብርኻ እዩ!“ ምባል ጀመረ። ተንሲኡ ክዳኑ ተኸዲኑ ድማ ማዕጾ ብምኽፋት “ባባ፡ ኣምላኸ ኣሕውዩኒ! ኣነ ሓውየ እየ!“ በለ። ክብሪ ኣምላኽ ነቲ ቦታ ስለ ዝመልኦ ድማ ኣቡኡን ኣዲኡን ከይተረፉ ኣብ ምድሪ ወደቑ። በዚ ዝኣክል ድማ ኣብታ ከተማ ዓቢ ምንቕቃሕ ኮነ። ኣብታ መዓልቲ ስሚዝ ብኣንብሮተ ኢድ ከመይ ጌርካ እምነት ክመሓላልፍ ከም እትኽእል ተመሃረ። ሓድሽ ደረጃታት እምነት ስለ ዝተመሃረ ድማ ካብታ መዓልቲ ንደሓር ኩሉ ኣገልግሎቱ ካብቲ ኣቐዲሙ ዝነበሮ ተሞክሮ ዝተፈለየ ኮነ። 

ምስ ኣምላኽ ብዝነበሮ ጥቡቕ ርክብ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ከንብብ ከሎ እቶም ካብ ኣምላኽ ገለ ነገር ዝተቐበሉ ሰባት ውጽኢት መታን ክረኽቡ ብመሰረት ቃል ኣምላኽ ናይ እምነት ስጉምቲ ዝወሰዱ ሰባት ምዃኖም ተረደአ። ስለዚ ድማ ኣብ ኣገልግሎቱ፡ “ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት እንተ መጺእኩም ኣምላኽ ክባርኸኩም እዩ፡ ዝያዳ እንተ ተንቀሳቒስኩም ከኣ ዝያዳ ክባርኸኩም እዩ፡ ናብዚ መድረኽ እንተ መጺእኩም ድማ ክንጽልየልኩም ኢና፡ ኣምላኽ ከኣ ዘድልየኩም ዘበለ ክመልኣልኩም እዩ“ ይብል ነበረ። ነቶም ናይ እምነት ስጉምቲ ምውሳድ ዝኣብዩ ወይ ዝወላወሉ ሰባት ድማ የተባብዖምን ምስኦም ኮይኑ ይድርኾምን ነበረ። ንኣብነት ኣብ ኣሪዞና ኣብ ዝተኻየደ ፕሮግራም፡ ሓንቲ ቱበርኩሎስስ ዝሓመመት ሰበይቲ ንጻውዒቱ ተኣዚዛ ናብ ቅድሚት ምስ ወጸአት፡ “ሕጂ ኣነ ክጽልየልኪ እየ፡ ንስኺ ድማ ኣብዚ ክፍሊ ክትጎይዪ ኢኺ“ በላ። ሽዑ ምስ ጸለየላ “ጉየዪ ኣንቲ ሰበይቲ!፡ ጉየዪ!“ በላ። እታ ሰበይቲ ከኣ “ኣይክእልን እየ፡ ኣይኮነን"ዶ ክጎዪ ደው ክብል ከማን ብጣዕሚ እየ ዝሽገር“ በለቶ። “ኣይትመልስለይ! ጥራይ ከምቲ ዝበልኩኺ ግበሪ!“ በላ። ምስ ተወላወለት ከኣ ካብ መድረኽ ዘሊሉ ወሪዱ ኢዳ ብምሓዝ ክጎዪ ጀመረ። ኣብ መጀመርታ ተደጊፋቶ ክትጎዪ ጸኒሓ፡ ብድሕሪኡ ግን ብልዑል ፍጥነት ምጉያይ ቀጸለት። ሓደ ሓደ ጊዜ ድማ ስሚዝ ኣብ ኣግልግሎቱ ፍልይ ዝበለ ናይ እምነት ስጉምቲ ይወስድ ኔሩ። ሓደ ጊዜ ብሉጽ ድግስ ኣዳልዩ ንጥሙያት፡ ልሙሳትን ሓንካሳትን ዓዲሙ ኣብልዖም፡፡ ቅድሚ ምፍናዎም ከኣ “ሎሚ ኣዘናጊዕናኩም ኣለና፡፡ ኣብ ዝመጽእ ቀዳም ድማ ካልእ ኣኼባ ክህልወና እዩ። ንስኻትኩም ንነዊሕ ጊዜ ዝተሳቐኹም፡ ብዓረብያ ክትጓዓዙ ዝጸናሕኩም፡ ዝነበረኩም ኩሉ ገንዘብ ኣብ ሕክምና ዝወዳእኩም፡ ነቲ ሎሚ መዓልቲ ብስም የሱስ ዝኾነልኩም ሓርነት ብምምስካር ብተራኹም ክተዘናግዑና ኢኹም“ ምስ በሎም፡ “ክሓዊ ዝደሊ መን ኣሎ“ በሎም። ነዚ ሕቶ ደኣ'ሞ መን ክነጽጎ? ሓንቲ ብዓረብያ ትኸይድ ዝነበረት ሰበይቲ ናብ ገዛኣ ብእግራ ከደት፡ ሓደ ንዓሰርተ ሸሞንተ ዓመት ዝኣክል ብዘውድቕ ሕማም ዝተሳቐየ ሰብኣይ ሽዑ ንሽዑ ሓውዩ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ስራሕ ጀሚሩ። ሓደ ኣብ ሰብነቱ ሓጺን ተጌሩሉ ዘመጸ ቆልዓ ድማ “ባባ፡ ባባ፡ ኣብ ኩሉ ነብሰይ ይሓልፍ ኣሎ“ በለ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ኣብ ዝግበር ድግስ፡ ከም ውጽኢት ናይቲ ኣቐዲሙ ዝተገብረ ኣገልግሎት፡ ብዙሕ ናይ ፈውሲ ተኣምራት ይፍጸም ነበረ። ብቓል ኣምላኽ ናይ እምነት ስጉምቲ ስለ ዝወሰደ ጥራይ፡ ኣብታ ከተማ ብርቱዕ ምንቕቓሕ ኮነ። 

ስሚዝ ዊግልስዎርዝ ከምቲ ኣብ እብራውያን 11፡6 ተጻሒፉ ዘሎ ብዘይ እምነት ንኣምላኽ ከተስምሮ ከም ዘይከኣል ዝተገንዘበን ዝኣምንን ሰብ እዩ። ስለ ዝኾነ ድማ ነፍስ ወከፍ ክፋላት መንፈሳዊ ህይወቱን ስራሕ መንፈስ ቅዱስን ምስዛ እምነት ዝተተሓሓዘ እዩ። ሓደ ጊዜ ስሚዝ ብኸመይ ቀልጢፉ ኣብ መንፈስ ከም ዝኣትው ምስ ተሓተተ ከምዚ ብምባል መለሰ፡ “እቲ መልሲ ከምዚ እዩ፡ መንፈስ ኣምላኽ እንተ ዘየንቀሳቒሱኒ፡ ኣነ ነቲ መንፈስ የንቀሳቕሶ።“ ነዚ ናይ እምነቱ መምርሒ ዘይተረድኡ ሰባት እቲ ዝሃቦ መልሲ ንዘለዎ ትዕቢትን ጉድለት ኣኽብሮትን ዘርእይ እዩ ብማለት ይወቕስዎ። ይኹን ደኣ እምበር፡ ስሚዝ ከመይ ጌሩ ንመንፈስ ቅዱስ ከም ዝዕድም ዝፈልጥ ሰብ እዩ፡ እዚ ድማ ካብ ትዕቢት ዘይኮነስ ካብቲ ዘለዎ`እምነት ዝተላዕለ እዩ። ፕሮግራም ምስ ተጀመረ መንፈስ ቅዱስ እንተ ዘይተንቀሳቒሱ፡ ስሚዝ ንኣቓልቦ ሰማዕቱ ናብ ቃልን ሓይሊ ኣምላኽን ብምስሓብ ንትጽቢታቶም የበራብሮ። ከም ውጽኢቱ ድማ መንፈስ ቅዱስ ሽዑ ንሽዑ ናይ እምነት ግብረ መልሲ ይህብ። ስሚዝ ተበግሶ ብምውሳድ፡ ብእምነት ነቲ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ውህበት የንቀሳቕሶ። ገለ ነገር ብተኣምር መጺኡ ናብ መንፈስ ከእትዎ ኣይጽበይን እዩ። ብሓድሽ ቋንቋ ንምዝራብ'ውን ናይ እምነት ተበግሶ ከም ዘድልይ ነታ ኣካል ክርስቶስ ክምህር ጀመረ። ሓደ ጊዜ ኣብ ካሊፎርንያ ኣብ ዝተኻየደ ዓቢ ጉባኤ፡ እቶም ብመንፈስ ቅዱስ ዘይተጠመቑ ኣብ ዘለዉዎ ደው ክብሉ ስሚዝ ጻውዒት ገበረ። ቀጺሉ ድማ ነቶም ጥምቀት ተቐቢሎም ክነሶም ንልዕሊ ሽዱሽተ ወርሒ ብሓድሽ ቋንቋ ዘይተዛረቡ ደው ከም ዝብሉ ገበረ። “ሕጂ ኣነ ቀሊል ጸሎት ክጽልይ እየ፡፡ ጸሎተይ ምስ ወዳእኩ፡ “ቀጽል” ክብል እየ፡ ንስካትኩም ድማ ንሓድሽ ቋንቋ ክትዛረቡ ኢኹም“ በለ። ከምቲ ዝበሎ ጸልዩ ምስ ወድአ “ቀጽል!“ ምስ በለ ነፍስ ወከፍ ሰብ ብካልእ ቋንቋ ኪዛረብ ስለ ዝጀመረ፡ ከም ብዙሕ ማያት ዝመስል ድምጺ ነታ ዝነበሩዋ ኣዳራሽ መልኣ። 

ስሚዝ ዊግልስዎርዝ ዝፍለጠሉ ካልእ መለለዪኡ ድማ እቲ ዝነበሮ ድንጋጸ እዩ። ካብ ዝተፈላለየ ክፍልታት ዓለም ንኽጽልየሎም ደብዳቤ ክሰዱሉ ከለዉ፡ ስለ ነፍስ ወከፎም ተሰሚዕዎ፡ ሓደ ሓደ ጊዜ'ውን እንዳበኸየ ይጽልየሎም ነበረ። ብርቱዕ ዋዒ ኣብ ዝህልወሉ እዋናት ድማ ንህጻናትን ዓበይትን ብዝነበሮ ድንጋጸ፡ ብቐዳምነት ይጽልየሎም ነበረ። ከምቲ ኣብ ግብረ ሃዋርያት 19፡11-12 ዘሎ፡ ስሚዝ ምስ ጸለየሎም ብዙሓት ኣሽሓት ሰባት ካብ ሕማሞም ሓውዮም፡ ነቶም ብኣካል ክመጽኡ ዘይከኣሉ ድማ መንዲል ይሰደሎም ነበረ። ብ1920 ኣብ ስዊድን ንኣገልግሎት ስሚዝ ንምትዕንቓፍ ሰበ ስልጣንን ናይ ሕክምና ክኢላታትን ብሓባር ተሰማሚዖም ኣእዳዉ ኣብ ሕሙማት ከየንብር ከልከልዎ። ይኹን እምበር ንኣምላኽ ዘገድሶ እምነትካ እምበር እትጥቀሞ ኣገባብ ስለ ዘይኮነ ስሚዝ ብዙሕ ኣይተሰመዖን። ፕሮግራም ተጀሚሩ ስብከቱ ምስ ወደአ፡ ነቶም ዕስራ ሽሕ ዝኾኑ ሰባት ንሱ ክጽልየሎም ከሎ ፈውሶም ከም ዝቕበሉ ብምእማን ኣእዳዎም ኣብ ገዛእ ርእሶም ከንብሩ ተዛረቦም። ኣዝዮም ብዙሓት ሰባት ድማ ፈውሶም ተቐበሉ። ስሚዝ ነዚ ከምዚ ብደረጃኡ ዓቢ ዝኾነ ፈውሲ “ጃምላዊ ፈውሲ“ ብምባል ይሰምዮ። ብተመሳሳሊ ኣብ ስሪላንካ ኣብ ዝተኻየደ ዓቢ ጉባኤ ብማእከል ኣሽሓት ሰባት ብእምነት እንዳተንከፎም ሓለፈ፡፡ ብመሰረት ድሒሩ ዝበጽሐ ሓበሬታ ድማ ብጽላሎቱ ከይተረፈ ብዙሓት ሕሙማት ሓወዩ። ብ1922 ናብ ኒውዚላንድን ኣውስትራልያን ተጓዕዘ። ብናይ ስሚዝ ምምጻእ ኣብዘን ዓዲታት ጴንጤኮስታል ማሕበራት (Pentecostal churches) ከም ዝተወለዳ ሓደ ሓደ ሰባት ይዘረቡ። ዋላኳ ስሚዝ ኣብዘን ዓድታት ዝጸንሓሉ ጊዜ ሒደት ኣዋርሕ እንተ ኾነ፡ ኣሽሓት ሰባት ድሕነት ረኺቦም፡ ካብ ሕማሞም ሓውዮም፡ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሊኦምን ብሓድሽ ቋንቋ ተዛሪቦምን። ካብ ኩሉ እዋናት ብዝተዓጻጸፈ ደረጃ ድማ ኣብ ኣውስትራልያን ኒውዚላንድን ዓቢ ምንቕቓሕ ኮነ። 

ዋላኳ ዊግልስዎርዝ ዓበይቲ ተኣምራታትን ቅጽበታዊ ፈውሲታትን በዒንቱ እንተ ረኣየ፡ ንሱ ንገዛእ ርእሱ ግና ነዚ ዝመስል ተኣምራት ኣብ ህይወቱ ኣይተሞከረን። ብ1930 ስሚዝ ዕድሚኡ ሰብዓታት ኣብ ዝኣተወሉ ጊዜ፡ ብርቱዕ ቃንዛ ይስምዖ ነበረ። ብዙሕ ጊዜ ጸልዩ፡ እቲ ቓንዛ ግና ኣይገደፎን። ስለዚ ድማ ናብ ሓኪም ከይዱ ተመርሚሩ ራጂ (X-ray) ምስ ተረኣየ፡ ኣብ ኩሊቱ ጸጸር ከምዘሎን ኣብ ኣስጋኢ ደረጃ ከም ዝበጽሐን ሓበሮ። እቲ ዝረኣዮ ዶክተር፡ ስሚዝ ከይተሓከመ በቲ ዘለዎ ኩነታት እንተ ጸኒሑ ናብ ሞት ክበጽሕ ከም ዝኽእልን፡ እቲ እንኮ ተስፋ ድማ መጥባሕቲ ምግባር ጥራይ ከምዝኾነን ሓበሮ። ስሚዝ ግና “ነዚ ኣካላት ዝገበረ ኣምላኽ እዩ፡ ንሱ ድማ እዩ ዘሕውዮ። ኣነ ብህይወተይ እንከለኹ ኣብ ኣካላተይ ካራ ኣይሓልፍን እዩ“ ብማለት ኣቕበጸ። እቲ ቃንዛ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እንዳ ወሰኸ ከደ። ኣብዚ ኩነታት እንከሎ ኣብ ኣገልግሎቱ ሓደ መዓልቲ'ኳ ከይደንጎየ ዝበዝሕ እዋናት ኣብ መዓልቲ ክልተ እብረ የገልግልን፡ ሓደ ሓደ እዋናት ድማ ክሳብ ንሾሞንተ ሚእቲ ፈውሲ ዝደልዩ ሰባት ይጽልይ ነበረ። ቃንዛ ከይገደፎ ንክልተ ዓመት ዝኣክል ኣገልጊሉ ክነሱ ተስፋ ኣይቆረጸን። የግዳስ ብ1932 ኣምላኽ ኣብ ዕድሚኡ 15 ዓመታት ኣገልግሎት ኪውስኾ ለመነ። ኣምላኽ ልማኖኡ ምስ ሃቦ ድማ ናብ ዝበዝሕ ክፋላት ኣውሮጳ፡ ደቡብ ኣፍሪካን ኣመሪካን ብምኻድ ብዙሕ ኣገልገለ። ኣብ ኩሉ ኣገልግሎቱ እቲ ዝለዓለ ዕላማኡ ድማ ሰባት ንስሚዝ ዊግልስዎርዝ ዘይኮነስ ንየሱስ ክርእዩ ነበረ። ኮይኑ ግን ኣብ ህይወቱ ኣብታ ናይ መጨረሽታ ወርሒ፡  ካብ ኣውስትራልያ፡ ህንዲ፡ ሲሎንን ኣሜሪካን ኣብ ሓደ ጊዜ ጻውዒት ምስ ቀረበሉ “የዒንቲ ብዙሓት ናባይ ገጸን ጠመታ“ ብማለት ኣዝዩ ጓሃየ። “ሚስኪን ዊግልስዎርዝ! ሰባት የዒንቶም ናባይ ብምግባር ከመይ ዝበለ ጌጋ ፈጸሙ! ኣምላክ ክብሩ ንኻልእ ፈጺሙ ስለ ዘይህብ፡ ንዓይ ካብዚ ኪወስደኒ እዩ“ እንዳ በለ ብጓሂ ክነብዕ ጀመረ። ድሕሪ ሸውዓተ መዓልቲ ድማ ኣብ ናይ ሓደ ዓርኩ ናይ ቀብሪ ስነ ስርዓት ኪርከብ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስትያን ኮፍ ምስ በለ ርእሱ ኣድኒኑ ምንም ከይተዛረበ ብዘይ ጻዕሪ ንሓዋሩ ደቀሰ። ስሚዝ ዊግልስዎርዝ ምስ ኣምላኹ ኪኸውን ብመጋቢት 12/1947 ካብዛ ዓለም ተፋነወ።       

ብሓው ተሾመ (ManaHiwet)

(ካብ ጎድስ ጀነራልስ ካብ ዝብል መጽሓፍ ዝተተርጎመ )