27
Sat, Apr
0 New Articles

ኣንድርያና ኒኮላይ ኣብ ሩስያ ናይ ኮሚኒስት መንእሰያት መራሒት (ሳልሳይ ክፋል)

Imapct of Gospel
Typography

"ብኣቆጻጽራ ሩስያ ሰሉስ ሰዓት 12:15 ካብ ላዕለዋይ ቤ/ጽ ዝተመሓላለፈ ትእዛዝ በቲ ኣነ ዝተመደብኩሉ መስመር 0021819/2 ክሓልፍ ከሎ ነቲ ሕቶ ረኺበዮ። መልሲ ክጽሕፍ ከምዘለኒ ስለዝኣመንኩ ድማ እዚ ዝስዕብ ሓጺር መልሲ የመሓላልፍ ኣለኹ። እዚ ዝድለ ዘሎ ስም ሰብ ዘይኮነስ ስም ናይቲ ንሰብ ብምስሉ ዝፈጠረ ወዲ ህያው ኣምላኽ እዩ። መንበሪኡ ኣብ ሞስኮ ኣይኮነን። ዓሌቱ'ውን ሩስያዊ ዘይኮነስ ሰመያዊ እዩ። መንግስቱ ናይ ዘለኣለም መንግስቲ


 ኣብ ማእከል እቶም ኣብ ሰማያት ዘለዉ ኣእላፋት መላእኽትን እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉን ከም ዝደለዮ ይገብር። ንኢዱ ዝኽልክላ ወይ ከኣ እንታይ ትገብር ኣለኻ ክብሎ ዝኽእል የለን። ንሱ ሓያል ጎይታ ኮይኑ። ኣድራሽኡ ንምርካብ ብዕሽነት ምቕባሉ ንዕኡ ንምርኣይ ድማ ትሕት ምባል የድሊ። የሱስ ማለት ጎይታ ጎይቶት። ንጉሰ ነገስታት እዩ። ንሱ ኣብ መስመር ኮምፕዩተርን ፋክስን ዘይኮነስ ኣብ መስመር እምነትን ጸሎትን እዩ ዝርከብ። ስለዚ። እዚ ትደልይዎ ዘለኹም ሰብ ናይ ዞባ ወይ ናይ ሰልፊ ሓላፊ ዘይኮነስ ንዓለምን ምልኣታን ዝቆጻጸር እዩ። ንምንታይ ከምዝደለኹሞ እንተዘይፈለጥኩ'ኳ ብዛዕብኡ ግና መልሲ ክህብ እኽእል እየ። ጎይታ ይባርኽኩም" ምሉእ ስም። ስራሕ ኣብ ሩስያ ናይ ስነ-ከዋኽብቲ (ጠፈር) ክፍሊ መጽናዕትን ምርምርን ሳልሳይ ጸሓፊ ኮድ 294200/8 ፒ.ቲ.ቪ ይብል እቲ ዝተለኣኸ መልሲ። እቲ ነዛ መልእኽቲ ፋክስ ዝተቐበላ ሰብ ምስ ኣንበባ ናብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ንኸመሓላልፋ ምስ ገዛእ ነብሱ ብዙሕ ተማጎተ። ኣብ መወዳእታ ግና ንናይ ቀረባ ሓላፊኡ ሓበረ። እቶም ሓለፍቲ ድማ ትርጉም ናይቲ ተጻሒፉ ዘሎ እንተዘይተረደኦም እኳ እቲ ነዛ መልእኽቲ ዝጸሓፈ ሰብ ተጸዊዑ ክምጸእ ወሰኑ። ብዙሓት ኮሚኒስታውያን ኣብ ዝተኣከብሉ ከቢብ ጣውላ ኮፍ ኣቢሎም ከኣ ብዛዕባቲ ዝጸሓፎ መልሲ ክህብ ሓተትዎ። ብኻልኣይ ደረጃ'ውን "ነዚ ስም ከመይ ጌርካ ክትፈልጦ ክኢልካ?" ኢሎም ሓተትዎ። ንሱ ድማ ብዘይ ገለ ጸገምን ፍርሃትን መለሰሎም። ብድሕር'ዚ ድማ ንሱ'ውን ናይ ሃጼያውያንን ሓሳባውያንን (Imperialists and Idealists) እምነት ስለዝተቐበለ ከም ናይ መጀመርታ ስጉምቲ እቲ ናይ ክብሪ ማዕርጉን ስርሑን ክሕደግ ብኻልኣይ ደረጃ ድማ ናብ ሳይቬርያ ክወርድ ተወሰነሉ። እቲ ዓቢ ሰብ ኣብ ዘየድሊ እምነት ኣትዩ ተባሂሉ ድማ ከምዚ ተፈረዶ። 

እዚ ኩሉ ክኸውን ከሎ ሕጹየይ በሰንኪ ዝወረዶ ጓህን ዘይተጸበዮ መልሲ ብምስምዑን ዝወሰዶ ስጉምቲ እንተኔሩ ፍቕርና ምቁራጽ እዩ ኔሩ። ንዓይ ድማ ካብቲ ዘለኽዎ ጌጋ ዕላማ ምእንቲ ክምለስ ንዝተወሰነ እዋን ተኣሲረ ኣእምሮይ ክሕጸብ (ብረይን ዎሽ-ክኸውን)። ማለት ኣእምሮይ በቲ ንሶም ዝደልይዎ ድምጺ ብጽዑቕ ክድብደብ ተወሲኑለይ። ስለዚ ድማ ሓደ ካድረ ተመዲቡለይ ንሰለስተ መዓልታት "እግዚኣብሄር የሎን" ዝብል ትምህርቲ ንመዓልቲ ሰለስተ ሰዓት ዝኸውን ክምህሩኒ ቀነዩ። ኣብ ሓንቲ ጸባብ ክፍሊ ዓጽዮም ኣብ እዝነይ ብተደጋጋሚ "እግዚኣብሄር የለን" ዝብል መስምዒ ሰኵዖም ከጨንቑኒ ድማ ጀመሩ። ኣብዚ ስፍራ ንሓደ ሰዓት ዝኸውን ናይ ሓጺን ካስኮ (ቆቢዕ) ኣብ ርእሰይ ገበሩለይ። ነዛ ካስኮ ብኢደይ ከየወጽኣ ድማ ምስ ክሳደይ ብመፍትሕ ቆሊፎም እቲ መፍትሕ ነቲ ካድረ ተወሃበ። ብኸምዚ መንገዲ ኣእምሮይ ንሓደ ሰዓት ዝኸውን ክድብደብ ድሕሪ ምጽንሑ ንዕረፍቲ ተባሂሉ 10 ደቒቕ ተፈቐደኒ። እዚ ንእዝነይ ዝምልከት ኮይኑ። ንዓይነይ ድማ ኣብ ፊተይ ኣብቲ ቅድመይ ዘሎ መንደቕ ናይ ኮሚኒስታውያን ሰልፊ (ማርሺንግ)፤ ቀይሕ ባንዴራን ናተይ ፖስተር ድማ ብዓቢ ተለጢፉ ከምዝርኢ ተገበረ። ካብዚ ብተወሳኺ'ውን "እግዚኣብሄር የሎን" ዝብል ጽሑፍ ኣብ ኣርባዕቲኡ ኩርናዕ ናይቲ ክፍሊ ይንበብ።

ድሕሪ'ዚ ድማ ብውሽጡን ደጊኡን ዝተፈላለዩ ናይ ሌኒንን ማርክስን ዓበይቲ ኣሳእል ዝተሳኣልዎ ብስም ሌኒን ዝተሰመየ ዓቢ ሆስፒታል ወሰዱኒ። ዋላ እኳ ምኽንያቱ ኣይረደኣኒ እምበር እቲ ንዓመታት ዝሰብከሉን ዝምድረሉን ዝነበርኩ ናይ ሌኒንን ማርክስን ስእሊ ምስ ረኣኹ ከምዚ ቆልዑ ተኣኪቦም ዝሰኣልዎ ትርጉሙ ዘይርድኣካ ሕሱር ስእሊ ኮይኑ ተረኣየኒ እሞ ጸላእክዎ። 

ኣብቲ ሆስፒታል ሃለዋተይ ዘጥፍእ መርፍእ ኣብ የማነይቲ ኢደይ ተወጋእኩ እሞ ኣብቲ ዓራት ምሉእ ብምሉእ ወደቕኩ። ድሕሪ ብዙሕ ሰዓታት ምስ ነቓሕኩ ድማ ንሳቶም ከምዝነገሩኒ "እግዚኣብሄር ኣሎ። የሱስ ወዲ ኣምላኽ እዩ። ንሕና ነፍቅረኪ ኢና ከመይ ጌሮም ይብሉኒ? እዚ ኩሉ ኣሳቕየዮም ከመይ ጌሮም የፍቅሩኒ? ለካስ ንሳቶም'ውን ከምዚ ከማይ ብናይዚ የሱስ ፍቅሪ መሊኦም እዮም ኔሮም" ኣንዳበልኪ ትዛረቢ ኔርኪ። መሊስኪ ድማ "ሰናይ። ጽቡቕ ውሳኔ እዩ" ትብሊ ኔርኪ ኢሎም ነገሩኒ። ውሽጠይ ኩሉ ብየሱስ ጥራይ እዩ መሊኡ። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ካብ ሓይልን ምድግጋምን ናይቲ ዝሰምዖ ዝነበርኩ ድምጺ ዝተለዓለ ኣእምሮይ ክትኮስ ቁሩብ እዩ ተሪፍዎ።

ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ግና ሓደ ፍሉይ ድምጺ ሰማዕኩ። እቲ ብመጀመርታ ዝሰማዕክዎ ድምጺ "...ኣለኹ..." ዝብል ኮይኑ። ነቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ከባቢ ሳይቬርያ ዝሰማዕክዎ ድምጺ ይመስል። ብድሕር'ዚ ከኣ እቲ "እግዚኣብሄር የለን" ዝብል ዝነበረ ድምጺ ብፍጹም ተቐይሩ "እግዚኣብሄር ኣሎ ... እግዚኣብሄር ኣሎ" ዝብል ልስልስ ዝበለ ድምጺ ብተደጋጋሚ ክመጽእ ጀመረ። ኣብ መበል ሳልሰይቲ መዓልቲ እቲ ኣብ እዝነይ ስዅዖሞ ዝነበሩ መስምዒ ፈትሑለይ እሞ ከዛርቡኒ ምስ ጀመሩ "እግዚኣብሄር ኣሎ" ኢለ ምስ ተዛረብክዎም ኩሎም ተሰናቢዶም ንሓድሕዶም ክጠማመቱ ጀመሩ። ደጊመ ድማ "የሱስ ጎይታ እዩ!! ንሱ ወዲ ኣምላኽ እዩ!!" ምስ በልክዎም ሓሪቖም ንዝለዓለ ምርመራ ናብ ናይ ኣእምሮ ሓኪም ወሰዱኒ። ዘድሊ ዘበለ ምርመራ ምስገበሩለይ ከኣ ናብቲ ንሳቶም ዝደልይዎ መንገዲ ክእምኑኒን ክልውጡንን ስለዘይከኣሉ ናብ ቤት ማእሰቲ ሳይቬርያ ተወሰድኩ። ቅድም'ዚ ግና ኣብቲ ናይ ስነ-ኣእምሮ ሆስፒታል ዘጋጠመኒ ነገር ፍሉይ እዩ ኔሩ። ናይቲ ሆስፒታል ናይ ስነ-ኣእምሮ ክኢላ (ስፔሽያሊስት) ኣማኒ (ክርስትያን) ስለዝነበረ። ኣእምሮይ ኣስሒቱ ክሕደት ክምሕረኒ እዩ እንዳተበሃለ ንሱ ግና ካባይ ገዲዱ በብዕለቱ ብዛዕባ የሱስ ይሰብከኒ ነበረ። በዚ ድማ ኣጸቢቐ በርታዕኩ። ብዛዕባቲ ዝረኣኽዎ ራእይ ነጊረዮ'ውን ክንጸናናዕ ቀነና። ኣብ መወዳእታ ግና ኣብቲ ዝእዝዘሉ ዝነበርኩ ቦታ እስርቲ ኮይነ ከድክዎ። ናብቲ ናይ ምድሪ ሲኦል ዝኾነ ሳይቬርያ ክኸይድ ከለኹ ልበይ ብጓህን ብጭንቀትን ብዛዕባቲ እቲ ዝጽበየኒ ዘሎ መከራ እንዳሓሰብኩ ዘይኮነስ። ኣብታ ቅድሚ ሕጂ ናይ ክብሩ ጸዳልን ግርማ ሞጎስን ዝረኣኹላ ቦታ ሎሚ'ውን ኣብኣ እንተጸነሓኒ ኢለ የዒንተይ ብኽፉታተን ልበይ'ውን ብሃንቀውታ ጠልጠል ኢላ ከላ እየ ነቲ ኩሉ መንገዲ ዝተጓዓዝክዎ። እንተኾነ ግና ንየሱስ ዘይኮነስ ነቶም ሓያላት ጸዓዱ ድብታት እንዳረኣኹ ናብ ሳይቬርያ በጻሕኩ።

ኣብ ሳይቬርያ ምስ በጻሕኩ ብዙሓት እሱራት ርኤኹ። ኣብታ ብዝተኾመረ በረድ ዝተሰርሐት ገዛና ብዓቢ ፍርሃት፤ ስምባደን ሕማምን ስቓይን ነበርኩ። ኣብ ሳይቬርያ ጸሓይ ከምልብኻ ስለዘይትወጽእ እቲ በርድ ኩሉ ግዜ ምስ ተኾመረ እዩ። ነቲ ኣብኡ ዘሎ ዛሕልን ቁርን ንምግላጽ ዝኸውን ቃላት የብልናን። ኣብዚ ቤት ማእሰርቲ ዝተቐደደን ዝረስሐን ክዳን ዝተኸደኑ፤ ገጾም ዝዓበረ፤ ኣካላቶም ዝቐምሰለን ኣዕጽምቶም ዝወጸን ህዝቢ ጥራይ እዮም ዝረኣዩ። ድሕሪ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ከቢድን ጽንኩርን ስራሕ ከኣ ሓንቲ ብግቡእ ዘይበሰለት ባኒ ይህቡና። ማይ ብንእሽተይ ኩባያ ይቕረበልና። ንሕና ክንሳቐ ከለና እቶም ኮሚኒስታውያን ይሕጎሱ። "ካብዚ ስቓይ ክትዓርፉ እንተደሊኹም እምነትኩም ከሓዱ" ይብሉና። እዚ ድማ ፈጺሙ ዘይወሓጠልናን ክንቅበሎ ዘይንኽእልን ጉዳይ እዩ ዝነበረ። እቲ ጥሜት እኳ ጾምን ጸሎትን ኮይኑልና እዩ። ናትና ጭንቀት እኽልን ማይን ዘይኮነስ ቃል ጎይታን ጎይታ ባዕሉን እዮም ዝነበሩ። እንተኾነ ግና ጽምእን ጥሜትን ይስምዓና ኣይነበረን ማለት ኣይኮነን።

ንመቕጻዕቲ ኢሎም ዘዅዕቱና ጎዳጉዲ ንከባቢና ትራክተር ዝወዓለቶ ቦታ የምስሎ ኔሩ። ነዚ ክንኩዕት ነቲ ድማ ክንደፍን ንውዕል። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሳይቬርያ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት፤ ዓሰርተ ክልተ ዓመት፤ ዓሰርተ ዓመት፤ ኣርባዕተ፤ ሓሙሽተ፤ ሸውዓተ ናይ ማእሰርቲ ዓመታት ልሙዳት እዮም። ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ሩስያ ኣብ ኣብያተ ጽሕፈት ኮሚኒስት ዓቢ ስም፤ ዝናን ክብርን ዝነበሮም ሰባት ሕጂ ኣብዚ ቦታ ተኣሲሮም ይርከቡ። ሓደ እዋን ንምድርናን ህዝብናን ዘጨንቑ ዝነበሩ። ክቡር ኣልባሳት ተኸዲኖም ብጽቡቓት ናይ ሩስያ መካይን ሸነን ዝብሉ ኣብ ብሉጽ ኣፓርታማታት ድማ ዝነብሩ ዝነበሩ ሎሚ ተንኮበት ንመንጸፎም ቁራጽ ጨርቂ ድማ ንዝባኖም ስኢኖም እቲ ጽቡቕ ገጾም ቀምሲሉን ብማዳ ተወሪሩን ይረኣዩ። ኣብ ዘይዕድሜኦም ሸይቦም፤ ደኺሞም እቲ ወዲ 30 ዓመት ወዲ 80 ዓመት መሲሉ ይርአ። ናይ ወጻኢ ሰቦምን ገጾምን እኳ እንተኣረገ እቲ ውሽጣዊ ሰቦምን ልቦምን ግና ኣብ ጸጽባሕ ንየሱስ ዝናፍቕን ንጽዮን ዝህንጠን እዩ ኔሩ። 

ሓንቲ  መዓልቲ ናብ ሓደ ጸዓዱ ናይ በረድ ድብታት ዘለውዎ በሪኽ ቦታ ወሲዱና። ኮሚኒስታውያን ወተሃደራት ናይ መወዳእታ ክቐጽዑና ወይ ድማ ክዘናግዑ ክደልዩ ከለዉ ናብ ማእከል እዞም ኣስናኖም ስሑል ጉልበቶም ድማ ብርቱዕ ዝኾነ ድብታት ካብ ማኪና ደርብዮም ከም እንብላዕ ይገብሩና። እቶም ድብታት ክምንጭቱና ከለው ንሕና ከኣ ክንእዊ ከለና "እምነትኩም ግደፉ እሞ ነዞም ድብታት ቀቲልና ክነድሕነኩም" ይብሉና። ቅድምዚ ግና እቶም ድብታት ኣርኪቦም በቲ ስሑል ኣስናኖም መናጪቶም ይውድኡና። ሎሚ'ውን 48 ቅዱሳን ተፈሪድና ኣብ ዋዝ ዝዓይነታ መኪና ተጻዒንና መጻና እሞ ኣብ ማእከል እቶም ጸጓራት ዝኾኑ ጸዓዱ ድብታት ንኽንብላዕ ተደርበና። ታሪኽ ሃዋርያትን ሰማእታት ካታኮምቡን ትዝ በለና። ካብ ማእከልና ሓንቲ ሓፍቲ "ንዑ ተኣከቡ። ኣማውታ ድኹማት ኣይንሙት። ብናይ ኣስናኖም ብርታዐ ምናልባት ንሓሙሽተ ደቓይቕ ጥራይ ኢና እንተተሳቐና እሞ ንዑ ተኣከቡ" በለትና። ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ተምበርከኽና። ተሓቛቒፍና'ውን በኸና። "ብህይወት እንተለና ንጎይታ። እንተሞትና'ውን ናብ ጎይታ ....." ዝብል መዝሙር ክንዝምር ድማ  ጀመርና። እቶም ድብታት ካብቲ በሪኽ ቦትኦም እንዳዘለሉ መጹ። እቶም ናይ ኮሚኒስት ወተሃደራት ድማ ብስንባድን ፍርህን ተመሊእና ክንበክን ክንተሓቛቐፍን ምስ ረኣዩና ልክዕ ከምዚ ንዓቢ በዓል ዝተዳለወ ስፖርት ወይ ናይ መድረኽ ድራማ ዝዕዘቡ ዘለዉ ወኻዕካዕ እንዳበሉ ከብዶም ሓቝፎም ክስሕቁልና ጀመሩ። እዚ ዓቢ ባህታ ፍጢርሎም። ንሳቶም ይስሕቁ ንሕና ድማ ንበኪ። ንሳቶም በቲ ኣባና ዝርእይዎ ዘለዉ ኩነታት ይዘናግዑ ንሕና ድማ በቶም ክበልዑና መጺኦም ዘለዉ ድብታት ንጭነቕ። እቶም ድብታት ኣብ ጥቓና ምስ ብጽሑ ክንርእዮም ከለና እቲ ናይ ኣስናኖም ምጽዕዳው ካብቲ ናይ ቆርበቶም ምጽዕዳዉ ክፍለ ኣይከኣልን እዩ። ኣስናኖም ገየጹልና። ንሕና ብኣኣቶም ተበሊዕና ብናይ ሞት ሰረገላ ናብ ጎይታ ንምሕላፍ ንሳቶም ድማ ንዓና በሊዖም መናጪቶምና ጸጊቦም ክሓድሩ። ንሕናን ንሳቶምን ተፋጠጥና።

ኩሎም እቶም ጸዓዱ ድብታት ነቲ ዘፍርህን በሊሕን ኣስናኖም ገይጾም ካብቲ ዝነበርዎ ዘሊሎም ብምምጻእ ክመናጭቱና ከለዉ ተራእዩና። ፍርሃትና'ውን እንዳዛየደ ከደ። እወ። ድሕሪ ቅሩብ ደቓይቕ ድምጽና ከምዘይነበረ ክኸውን ኩልና'ውን ከምዘይነበርና ክንርሳዕ ኢና። እዚ ንዓና እዩ እምበር ነቶም ናይ ኮሚኒስት ወተሃደራት በብዕለቱን ደስ ኣብ ዝበሎም ሰዓትን ዝፍጽምዎ ጉዳይ ስለዝኾነ ብዙሕ ኣየደንቖምን እዩ። ኣይጭነቕሉን እዮም። እንተኾነ ግና ከም ወትሩ ንሕና ሞይትና። እቶም ድብታት ጸጊቦም እቶም ናይ ኮሚኒስት ወተሃደራት ድማ ብስቓይና፤ በቲ ዝፈሰሰ ደምናን ብሞትናን ዓጊቦም ክኸዱ እንዳተሓሰበ ከሎ ሓደ ዘሰንብድ ነገረ ተፈጸመ።

በቲ ዝረኣናዮ ምእማን ስኢንና እንዳበኸናን ጫው ጫው እንዳበልና ከቢብ ሰሪሕና ብምትሕቝቛፍ የማነ ጸጋምና ክንዕዘብ ጀመርና። እቶም ጨካናት ድብታት ካብ ሕጂ ሕጂ ዘሊሎም ከምናጭቱና እዮም ኢልና ክንሓስብን ክንጭነቕን ከለና ኣብ ዙርያና ግና ብኣንጻሩ ጸጥታ ጥራይ ኮነ። እቲ ንእዝኒ ዝስቕጥጥ ድምጾም ጠፍአ። እተን ንኽበልዓናን ክመናጭታናን ዝተኸፈታን ዝተገየጻን ኣፎምን ኣስናኖምን ተኸዲነን እተን ክወግኣና ተዘርጊሐን ዝነበራ ኣጽፋሮም'ውን ተዓጸፋ። ኩሉ ነገር ብቕጽበት ተለዊጡ እቶም ድብታት ኣብ ዙርያና ስር ስር እንዳበሉ ልክዕ ከምዚ ደቅስ ዝተበሃለ ናይ ገዛ ከልቢ ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ዓጺፎም ከቢቦምና ደቀሱ። ኣብቲ ዝደቀስሉ ኮይኖም ብናይ ልመናን ምሕጽንታን ዝመስል ኣጠማምታ በተን ሕልምልም ዝብላ የዒንቶም ክጥምቱና ጀመሩ።

እቶም ድብታት ይጥምቱና። ንሕና ድማ ነቶም ኣብ ዋዝ መኪና ኮይኖም ዘባጭዉልና ኮሚኒስታውያን ንርእዮም። መሊስና ድማ ነቶም ድብታት ንርእዮም እሞ ሕልሚ ድዩ ወይስ ጋህዲ ምርዳእ ኣብዩና ንሓድሕድና ምጥምማት ጥራይ ኮንና። በቲ እንርእዮ ዝነበርና ኩነታት። ህርመት ናይ ልብና ካብ ደቒቕ ናብ ደቒቕ ክውስኽ ጀመረ። ኣብ መንጎ እቶም ክበልዑና ዝመጹ ድብታትን ኣብ መንጎ እቶም ክንብላዕ ዝመጻናን ከኣ ጸጥታ ኮነ። መን ደፊሩ ይተንስእ? መንከ ንመን የጸናንዕ? መን ካብ መን ሒሹ ንብጻዩ ኣጆኻ ይበል? ካብቲ ዘለናዮ ቦታ ከይንንቀሳቐስ እቶም ድብታት ከቢቦምና ኣለዉ። ሃዲምና ከይነምልጥ ድማ እቶም ወተሃደራት በቲ ዝሓዝዎ ኤም 16 ዝዓይነቱ ብረት ክቖልቡና እዮም። ኣብ መንጎ ክልተ ሞት ተቐቒርና ከኣ ደው በልና። ኣብ ከምዚ ኩነታት ከለና ሓንቲ ካብ ሩማንያ ዝመጸት ሓፍቲ ነታ ኣብ ኮሚኒስታውያን ኣመንቲ (ኣብ ኮሚኒስት ሃገራት ዝርከቡ ኣመንቲ) ኣዝያ ፍትውቲ ዝኾነት ናይ ሓው ቬልድሚት ህብብቲ መዝሙር ከምዚ እንዳበለት ክትዝምር ጀመረት።

"ከምቲ ዝሰማዕናዮ ርኢና።

ኣምላኽ ዳንኤል እንሆ ኣድሒኑና።

ኣምላኽ ኤልያስ ሎሚ'ውን ተበጂውና።

ንሞት ዘስዕር ዓቢ ጎይታ ኣለና።"

እንዳበለት ክትዝምር ከላ ንሕና ድማ ሞትና ረሲዕና፤ ነቶም ድብታት ንዒቕና፤ ነቶም ኮሚኒስታውያን ድማ ዕሽሽ ብምባል ልክዕ ኣብ ናይ ቤተክርስትያን መድረኽ ደዉ ኢልና ንኮንፈረንስ ንዝምር ዘለና መዘመራን ክንመስል ብመንፈስ ቅዱስ እንዳተቓጸልና ክንዝምር ጀመርና። እወ። ጎይታ ነዚ ዓቢ ተኣምራቱ ካብ ኣርኣየናስ ደጊም ስቓይ ይኹን መከራ ይኹን ሞት ኣይንፈርህን ኢና። ጥራሕ በቲ ንሱ ዝፈቐዶ። ብድብታት ይኹን ብጥይት ንነፍሳትና ወሲዱ ናብ ጽዮን የሰጋግረና ኢልና ንሞት ናፈቕናያ። ኢራብ ናብ ዓይኒ ማያት ከም እትናፍቕ ንሕና ድማ ገጽ ጎይታና። ገጽ ቅዱሳንን ሰመያዊ ርስትናን ንምርኣይ ካብ ዝኾነ ንላዕሊ ተሃንጠና።

ምትሕፍፋርን ጥራሕ ነብስና ምዃንናን ረሲዕና ብዲቕ ዝበለ መዝሙር እንዳ ኣሸብሸብና ንጎይታ ክነኽብር ጀመርና። እቲ ሽዑ ዝነበረ ኩነታት ሎሚ ተመሊሰ ክሓስቦ ከለኹ የስሕቐኒ። ክነሸብሽብን ክንዘልልን ከለና ሰብ ዘይኮነስ ኣብ ክረምቲ ቆጽሉ ብበረድ ዝረገፈ ጉንዱ ጥራይ ኔው ነጀዉ ዝብል ዘሎ ናይ ጽሕዲ ገረብ ንመስል ነበርና። ክንዲ ዝጸበቐና እንተጸበቐና መልክዕና ናይ በሓቂ መንነትና ዘይኮነስ ነቲ ናይ ብሓቂ መንነትና ዝኸደነ ግዝያዊ ድንኳንና ምዃኑ ሽዑ እዩ ተረዲኡኒ። ኣብቲ ግዜን ሰዓትን ነቲ ብመከራ ዝማህመነ ጥርሑ ኣካል፤ ዝቐምሰለ ኣጥባት፤ ብሓዊ ዝነደደ ቆርበትን ብመግረፍቲ ሓለንጊ ዝሰምበረ ሕቖን ዝዘከረ ሰብ ኣይነበረን። የግዳስ ጎይታና ንምርኣይ ኣዚና ሃረፍና።

ካብ ማእከልና ሓደ ሓው ተንሲኡ ናብቶም ድብታት ብምቕራብ ልክዕ ከም ሰብ ክዛረቦም ጀመረ። "ኣቱም ድብታት። ንምንታይ ዘይትመናጭቱና? ንኽትበልዑና ተዋሂብናኩም ኣለና። ብልዑና እሞ ምስ ጸገብኩም ንበርኻታት ሳይቬርያ ብምንቃውኩም ኣቓልሕዎ። ብሓጎስ ዝለሉ። ካብቲ ኣኽራን ዝዛሪ ማይ ሰቲኹም ርወዩ። እቲ ዘሰቕቕ ምንቃውኩም ኣቃልሕዎ እምበር ንምንታይ ኢኹም ኣብ ዙርያና ደቂስኩም ዘለኹም?" ብምባል እናተደፋነቐ ቀረቦም። ከምዚ መግበሪኡ ድማ ሞት ስለዝናፈቐ ነቶም ድብታት ከቖጥዖም እሞ ንሳቶም ድማ ዘሊሎም ምእንቲ ክመናጭቱና ኢሉ እዩ። ንሳቶም ግና ዝተኣዘዙ ክመስሉ ኩሎም ብድድ ብድድ ብምባል ዝባኖም ሂቦማና ብጉያ ሃዲሞም ከዱ። ነዚ ነገር ንምርኣይ ድማ ምዝማርና ኣቋሪጽና ፈዚዝና ተዓኒድና ተረፍና። ኣብ ከምዚ ኩነታት ከለና ሓደ ካብቶም ወተሃደራት ብረቱ ኣውጺኡ ብሕርቃን ንሰለስተ ካብቶም ድብታት ቀተለ። ኣብ መወዳእታ ድማ ብረቱ ናባና ብምቕናዕ ክትኩስ ጀመረ እሞ ንሓንቲ ጓል 21 ሓፍቲ ኣብ የማናይ ሰለፋ ወቀዓ።

ንሳ ምስ ወደቐት ኣብ ጥቑኡ ዝነበረ ሓደ ካልእ ወተሃደር ብረቱ ብምውጻእ ኣብ ግንባሩ ስልዝወቅዖ እቲ ወተሃደር ወደቀ ደሙ'ውን ኣብቲ በረድ ፈሰሰ። ብምቕጻል ድማ ብረቱ ናብቶም ኮሚኒስታውያን ብጾቱ መሊሱ "ካልእ ካባኹም ኣብዞም እሱራት ተኵሱ ክቐትሎም ዝደፍር እንተልዩ ይንገረኒ?" ብምባል ብረቱ ኣቕነዓሎም። መልሲ ምስ ሰኣነ ድማ ካብታ መኪና ብምውራድ ብረቱ ናብ ላዕሊ ገጹ ክትኩስ ጀመረ። ብጾቱ ድማ ብሓደ ድምጺ ኮይኖም "ህዳእ። ቀስ በል። ኩላትና ኣይንትንክፎምን ኢና። ንስኻ ዝበልካና ክንገብር ኢና። ብረትካ ጥራይ ኣውርዶ" ብምባል ክጭድሩ ጀመሩ። ንሱ ግና ጥይቱ ክሳብ ዝውዳእ ከም ዕቡድ ኮይኑ ይትኩስ ነበረ። ከም ዝሰኸረ ሰብ ስንከልከል ይብል ስለዝነበረ ድማ። ካብ ሕጂ ሓጂ ንኹላትና ክኹስትረና እዩ ኢልና ፈራህና። እቲ ካብ ኣስናን ድብታት ዘድሓነና ኣምላኽ ካብ ናይ ሰብ ጥይት ከድሕነና ክምዝኽእል ክሳብ ንጠራጠር ኮንና። ኣብ መወዳእታ እቲ ሰብ ናባና ገጹ ብምቕራብ "መሓሩኒ። ይቕሬታ ግበሩለይ። ናይ እንጌራ ጉዳይ ኮይኑኒ እዩ እምበር ኣነ'ውን ከማኻትኩም ብሩኻት ዝኾና ኣደ፤ ሓፍትን ሕጽይትን ኣለዋኒ። ስድራይ ከምዚ ናትኩም። ኪንዮ'ዚ ዝርአ ሰመያዊ ጠፈር ኣብ ሰማያት ሃገር ኣሎ ኢሎም ዝኣምኑ እዮም። ንዓይ ድማ ናብዚ ዘይረአ ኣብ ሰማያዊት ሃገር ኣሎ እትብልዎ ሰብን መራሒ ሰልፍኹም (ፓርቲ) ወይ ንጉስኩም ኣፋልጡኒ እሞ ኣባል ማሕበር ክኸውን። ዝኽፈል እንተሎ'ውን ክኸፍል እየ። ቅድሚ ሕጂ ገና ህጻን ከለኹ ስድራይ ብዛዕባዚ ጉዳይ ክትርኹለይ ከለዉ እሰምዕ ኔረ። እቲ "ኪኖ'ዚ ደበናን ጠፈርን ሃገር ኣሎ" ዝብል ኣፈ-ታሪኽ ግና ሎሚ ብጋህዲ ርኤዮ ኣለኹ። ነቲ ካብ ምንጫቶ ኣስናን ናይቶም ሓያላት ድብታት ዝድሓነኩም መራሒኹም ክስዕብ እየ። ናትኩም ወዲ ማሕበርን ናይ ሰልፍኹም ኣባልን ክኸውን ወሲነ ኣለኹ" ብምባል ፈጥፈጥ እንዳበለን እንዳበኸየን ነቲ ተኸዲንዎ ዝነበረ ጃኬት ኣውጺኡ ንሓዴና ሃበና። ካናቴራኡን ስሬኡን ኣውጺኡ ከኣ ዓደለና። ነታ ብጥይት ዝተሃረመት ሓፍትና ድማ ብምሕቋፍ ዝፈሰሰ ደማ እንዳጸረገ ንብጾቱ ክምሕጸን ጀመረ። "ካብቲ ዘለኩም ብዙሕ ክዳውንቲ ኣውጺእኩም ሃብዎም። ዝማሰነን ጥርሑ ዝኾነን ኣካላት ክትርእዩ ከለኹም ሕልናኹምዶ ኣይወቕሰኩምን እዩ። ኣደ ወይ ሓፍቲ ወይ ኣፍቃሪት የብልኩምን ድዩ? እንተወሓደ ኣደ ዘይብሉ መቸስ የለን። ደንግጹሎም። ንዓመታት ኣሳቒናዮም ኢና። ሎሚ ግና በጃኹም ንራሕርሓሎም" ክብሎም ጀመረ። ንሕና ድማ በቲ ዝኸውን ዘሎ እንዳተገረምና ኣብ ማእከልና የእቲና ድሕሪ ምኽባብ ክንጽልየሉ ጀመርና።

ንጎይታ ብዛዕባቲ በዚ ሰብ ጌሩ ዝገበረልና ሰናይ ነገር እንዳ ኣመስገናዮ ከለና ካልኦት። ጎይታ ካብቶም ድብታት ከድሕነና ከሎ ዘይረኣዩ ኮሚኒስታውያን ወተሃደራት ብክልተ ዓበይቲ መካይን ብምምጻእ "እንታይ እዩ? ከመይ እዩ?" ኢሎም ከይሓተቱ እንዳደፍኡ፤ እንዳረገጹ፤ እንዳቐጥቀጡ ብጽፍዒትን ብእግሮምን እንደቐላልዑ ጽዒኖም ናብቲ ቤት ማእሰርትና ወሰዱና። ኣብቲ መእሰሪ ቦታና ምስ በጻሕና ብኣእዳውና፤ በኣእጋርና፤ ብጸጉርናን ብኻልእ ዝረኸብዎ ክፋል ኣካልናን እንዳጎተቱ ኣውረዱና። እቲ ሰናይ ነገር ዝገበረልና ሓው'ውን ጥራሕ ነብሱ ኮይኑ ምስ ረኣይዎ መንነቱ ከይፈለጡ እንዳቐጥቀጡ ምሳና ኣእተውዎ። ንሕና ድማ ነቲ ዝሃበና ክዳውንቲ ብምሃብ መንነቱ ክገልጽ እንተለመናዮ'ኳ "ካባኻትኩም ኣይፍለይን እየ" ብምባል ኣቕበጸና። ብዛዕባ ጎይታን ፍቕሩን ምስ መስከርናሉ ድማ  ብብዙሕ ንብዓት ጎይታ ተቐበለ። እዚ ሃንደበት ዝረኸብናዮ ቅዱስ ሓው ብብዙሕ ነገራት ክሕግዘና ጀመረ። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ሓንቲ ለይቲ እቶም ወተሃደራት እንታይ ከምዝሰምዑ ኣይንፈልጥን ግና ነቲ ሓውና ዝሃበና ክዳውንቲ ኩሉ መንጢሎም ወሰዱልና። ጎይታ ነዚ ሓው'ዚ ሰሪሑ ዘይደክም ጉልበት ሂብዎ ስለዝነበረ ንኹላትና ኣብ ምኹዓትን ካልእ ከበድቲ ስራሓትን ይሕግዘና ኔሩ።

ሓደ ግዜ ነታ ቅድሚ ሕጂ ዝረኸብናያ ቁራጽ ክፍሊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ክነንብብ ከለና ስለዝረኣየና እንታይ ምዃኑ ሓተተና። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ምዃን ምስ ነገርናዮ ድማ ብድድ ኢሉ በቲ ለይቲ ወጺኡ ከደ። ኩላትና ድማ ተሰናበድና። ምኽንያቱ ድማ ከም ኣማኒ ተመሲሉ ክስልየና ዝመጸ እሞ ነጊሩ መከራና ከየጋድደልና ፈራህና። ድሕሪ ሓደ ሰዓት ኣቢሉ። ገና ኣብ ስንባደን ፍርህን ከለና እቲ ሓው ብረሃጽ ጠልቅዩን እንዳላህለሀን ኣብ ኢዱ ኣርባዕተ ዘይተቐደዳ ምሉኣት መጽሓፍ ቅዱስ ሒዙልና መጸ። ምእማን ሰኣንና። ኩላትና ነቲ ኣዚና እንጸምኦ ዝነበርና ቃል ኣምላኽ ብህርፋን ተቐበልናዮ እሞ ክንበኪ'ውን ጀመርና። እቲ ሓው ኩነታትና ምስ ተዓዘበ ኣዝዩ ሰንበደን ተጨነቐን። "እንታይ ኮይንኩም ኢኹም? ነዚ መጽሓፍ ኣይትፈትውዎን ዲኹም? እዚ'ኳ ክነቃጽሎ ኢልና ዝኣከብናዮ መጽሓፍ እዩ። ኣነ ቦትኡ ስለዝፈልጦ እኳ'የ ኣምጺአልኩም። ዘይተደልይዎ እንተደኣ ኮይንኩም ክመልሶ" ብምባል ኣብ ገጹ ስንባደ እንዳተነበቦ ክሓተና ጀመረ። ንሕና ድማ እዚ ኹሉ እንቕበሎ ዘለና መከራን ስቓይን ስለዚ ዘለኣለማዊ ቃል ምዃኑ ምስ ነገርናዮ ተደነቐ። "ከመይ ዓይነት ሰባት ኢኹም። እተምልኽዎ እትፈልጡ ንዕላማኹም ድማ ዝይተጸዓዱ ሓያላትን ጽኑዓትን ሰባት ኢኹም። ፈታዊኹምን ሓውኹምን ብማዃነይ ኣዝየ ሕጉስ እየ" በለና። እቲ ረኺብናዮ ዘለና መጽሓፍ ቅዱስ እቶም ኮሚኒስታውያን ወተሃደራት ከይረኽቡልና ብብዙሕ ጥንቃቐ ሓዝናዮ። ከመይሲ እንተረኺቦሞ ዝጽበየና መከራ ኣብኡ ከሎ ንፈልጦ ኢና። ንመጽሓፍ ቅዱስ ዝኸውን መሕብኢ ቦታ ስለዘይነበረና ኣብ በረድ ኩዒትና ነቐምጦ ነበርና። ድሕሪ ከቢድ ስራሕ ምስ ተመለስና ግና እቲ በረድ ንመጽሓፍ ቅዱስና ኣጠልቅይዎ ስለዝጸንሓና ንኽንግንጽሎ ንጽገም ስለዝነበርና እንገብሮ ሕርብት ይብለና ነበረ።