27
Sat, Apr
0 New Articles

ኣንድርያና ኒኮላይ ኣብ ሩስያ ናይ ኮሚኒስት መንእሰያት መራሒት

Imapct of Gospel
Typography

ምዕራፍ ሓደ

"ነቲ ዝረኣየኒ ገጽ ንገጽ ርኤዮ። ነፍሰይውን ደሓነት"

ወርሒ ጽድያ ዝፈጠሮ ጸሓይ ንከተማ ሞስኮ ኣድሚቕዋ ኣሎ። ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝመጹ ኣጋይሽን ደቂ እታ ከተማን ነቲ ጎደናታት መሊኦሞ ኣለዉ። እቲ ኣብ ነዋሕቲ ኣዕኑድን ፓላሶታትን ተሰቒሉ ዘንበልብል ዝነበረ ቀይሕ ባንዴራታት ነታ ከተማ ብደም ዝተጨማለቐት ስፍራ ኣምሲልዋ ነበረ።


ኣብ የማነ ጸጋም ከኣ ብዓበይቲ መጕልሒ ድምጺ ዕቤት ናይ ኮምኒዝም ይቃላሕ ነበረ። እዚ ኩሉ ምስቲ ናይ ወተሃደራት ሰልፊ ተሓዋዊሱ ነታ ከተማ ኣናዊጽዋ ኣሎ። እቶም ሰልፈኛታት ኣብ በቦትኦምን ኣብ መመስመሮምን በቶም ነዊሕ ቀይሕ ባንዴራ ዝሓዙ ቀለስቲ እንዳተመርሑ ይውሕዙ። ነቶም ታንከኛታት ተኸቲለን ሰማያት እንዳሰንጠቓ በብዓሰርተ ተሰሪዐን ዝበራ ዝነበራ ናይ ኵናይ ነፈርቲ ዝድርብይኦ ወረቓቕቲ'ውን ነቲ ሰልፊ ፍሉይ ድምቀት ሂብዎ ነበረ።

ልዕሊ እዚ ኩሉ ግና ልቢ እቲ ህዝቢ ብሓንቲ ጓል 21 ዓመት መንእሰይ መራሒት ሰልፊ ተሰሊቡ ነበረ። ንሳ ሓጺር ሰመያዊ ጎናን ጻዕዳ ካምቻን ተኸዲና ሽዱሽተ መሳርዕ ብድሕሪኣ ኣኸቲላ ብትብዓት ትመርሕ ነበረት። ኣብ ገጽ እታ ናይ  ኮሚኒስት መንእሰያት መራሒት ርእሰ ተኣማንነት ይንበብ። እዛ መንእሰይ ብህዝብን መንግስትን ሩስያ ኣዝያ ፍልጥቲ እያ። ኮሚኒዝም ክለዓል ከሎ መንእሰያት ይዝከሩ። መንእሰያት ክዝከሩ ከለዉ ድማ እዛ መንእሰይ ብተደጋጋሚ እያ ትለዓል። ንሳ ናይ ኮሚኒስት መንእሰያት መራሒትን ንክልተ ግዜ ከኣ ናይ ፍሉይ ቀይሕ ክራባት ተሸላሚትን እያ።

እዚኣ መንእሰይ ኣንድርያና ኒኮላይ ትበሃል። ኣብ ቅድሚ እዛ መንእሰይ ሓደ እኳ ደፊሩ ዝዛረብ የሎን። እቲ ህዝቢ ናይ ኮሚኒዝም በዓል ንምብዓል ካብ ንግሆ ሰዓት ሽዱሽተ ጀሚሩ ብምውጻእ ክሳብ ሰዓት ክልተን ፈረቓን ድ.ቀ ነቲ ናይ ሰልፊ ስነ-ስርዓት ተኸታቲልዎ። ብድሕር'ዚ። ብዘይካ እቶም ናብ ኣደራሽ ቀያሕቲ ዕምባባ ዝኣተዉ መንእሰያት እቲ ዝተረፈ ኩሉ ህዝቢ ነናብ ቦትኡ ተመለሰ። ከምቲ ልሙድ ከኣ ኣንድርያና በቲ ብርቱዕን ተሪርን ዝኾነ ድምጻ ብዛዕባ መንእሰያትን ብዛዕባቲ ሰልፍን ክትምድር ጀመረት።

ዘረባኣ ብለበዋ ክተጠቓልል ከላ ድማ ከምዚ በለት "ኣብዚ ኣደራሽ ዘለኹም ኩሉኹም ኮሚኒስት መንእሰያት። ናይ መጻኢት ሩስያ መራሕትን ተረከብትን ንስኻትኩም ምዃንኩም ክገልጸልኩም እፈቱ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ ግና ካብ ሃገርና ሓሊፍኩም ንዓለም'ውን ካብ ኣመሪካን ሃጸይነተን (Imperialism) ኣናጊፍኩም ንሃገራትን ህዝብታትን ብቀይሕ ቀለምን ብናይ ኮሚኒዝም ስነ-ሓሳብን ክተዕለቕልቕዋ ኣለኩም። ሃገርና ከኣ እዞም ሎሚ ዝረኣኹሞም ሰልፈኛታት ጥራይ ዘይኮኑስ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ካድረታትን ሰለይትን ከምዘለዉዋ ክትርድኡ ይግባእ። ሃጼያዊት (Imperialist) ኣመሪካ ብግልጺ ምውጋእ ምስ ሰኣነት ብሃይማኖት ክትዋጋኣና ጀሚራ ኣላ። ሓደ ሓደ ድኹማትን ኣእምርኦም ዘይበሰለን ህዝብታት'ውን ካብ ሌኒንዝምን ማርክሲዝምን ወጻኢ ካልእ ሰልፊ (ፓርቲ) ክምስረቱ ይደልዩ ኣለዉ። የሱስ ዝበሃል ናይ ሰልፊ መራሒ ከም ዘለዎምን ኪንዮ'ዚ ህዋን ደበናን'ውን ሃገር ከምዘሎን እግዚኣብሄር'ውን ከምዘሎ ክምህሩና ይደልዩ ኣለዉ። ግናኸ ሓደ ነገር ኣርጊጸ ክነግረኩም እደሊ። ኣብዛ ምድሪ። ልዕሊ ለኒን መራሒ ልዕሊ ኮሚኒዝም ድማ ሰልፊ ብፍጹም የሎን። ጉዕዞና ነዊሕ። ሸቶና ድማ ኮሚኒዝም ምዃኑ ደጋጊመ ክነግረኩም እደሊ። የሱስ ይኹን እግዚኣብሄር ዝበሃሉ የለውን። እንተሃልዮም ድማ ይምጽኡ እሞ ኣብ ሓደ ጣውላ ምስቶም ኣበር ዘይርከቦም ካድረታትና ይዛተዩ። ነእምኖም ወይ ከኣ የእምኑና። ብናይ ኮሚኒዝም ትምህርቲ ዝበሰሉ እሙናት ጠፈርተኛታትና ናብ ጠፈር በጺሖም ምስ ተመለሱ ብዛዕባዚ ዝሓበሩና ነገር የለን። ንምዃን'ኳ ኣብ ማእከል እዞም ብብዙሕ ቃልሲ ተፈቲንኩም ዝወጻኹም ኮሚኒስት መንእሰያት በዚ የሱስን እግዚኣብሄርን ዝብል ሕማም ዝተለኸፍኩም ኣለኹም ኢለ ኣይግምትን እየ። እግዚኣብሄር የለን። ናይ ዓለም መወዳእታ ድማ ኮሚኒዝም እዩ። ነዚ ድማ ክንቃለስ ኢና" በለት። ብድሕር'ዚ ካብቶም ብንቕሓትን ብፍርሃትን ጸጥ ኢሎም ዝሰምዑ ዝነበሩ መንእሰያት ሓደ ኣብ ገጹ ቑጠዐ ዝንበቦ መንእሰይ ምስ ተዛረበ ድማ ጸጥታ ናይቲ ኣደራሽ ተሃወኸ። ". . . ክብርቲ ኣንድርያና። ሰላም ንዓኺ ይኹን። ክሳብ እዛ ሎሚ መዓልቲ ብብዙሕ መንገዲ ክንዕገስ ጸኒሕና ኢና። እምነትና ንሃገርና ካብ ምፍቃርን እቲ ዝግባእ መስዋእቲ ካብ ምኽፋልን ከምዘይዓግተና ብብዙሕ መንገድታት ኣመስኪርና ኢና። ሎሚ ግና በቲ ሸለል ኢለ ክሓልፎ ዘይከኣለኒ ኣምላኸይ መጺእክኒ። እግዚኣብሄር ኣሎ!!! የሱስ ድማ ኣብ ሰማይን ኣብ መድርን ንዘለኣለም ጎይታ እዩ!!! ናይ ኮሚኒዝም ዕላማ ናይ ሰባት ስራሕ ደኣ እምበር ንኣምላኸይ ኣይውክልን እዩ ....." ኢሉ ገና ዘረብኡ ከይወደአ እቲ ኣብቲ ኣደራሽ ዝነበረ ህዝቢ ብቕጽበት ነቲ ብትብዓትን ርእሰ ምትእምማንን ተመሊኡ ስለእመንቱ ክኸፍሎ ዘለዎ ዋጋ ፈሊጡ ደው ኢሉ ዝነበረ መንእሰይ ንምርኣይ ብነድሪ ግልጽ በሉ። ገጽ ኣንድርያና'ውን በርበረ መሰለ። ነቲ ዝሰመዓቶ ድምጺ ምእማን ስኢና ንውሳኔ ኣዕለበጠት። እቲ በዚ ኩሉ ነገራት ድምብርጽ ዘይበሎ መንእሰይ ግና ሕጂ'ውን ዘረብኡ ከምዚ ብምባል ቀጸለ " . . . ኣንድርያና። ልክዕ እዩ ብጎይታ ነፍቅረኪ ኢና። ብሰንኪ'ዚ ዘሎ ኩነታት ስቕታና እንተበዘሐ'ኳ ሎሚ ግና ክዕገስ ኣይከኣልኩን። ንርእሰይ ካብቲ ተሓቢኣትሉ ዝነበረት ነገር ከውጽኣ ዘለኒ ኮይኑ ይስምዓኒ። እቲ ዝመጸኒ እፈልጦ እየ። ኣነ ንጎይታ እየ ዘምልኽ። ነቲ ኣልፋን ኦሜጋን። ነቲ ጎይታ ኩሉ ፍጥረት። ነቲ ጀማርን ደምዳምን ዝኾነ የሱስ እየ ዘገልግልን ዝግዛእን። ከምቲ ንስኺ ሓፍትና ዝበልክዮ ንኮሚኒዝም ዘይኮነስ ንጎይታ ኢና እንነብር" ብምባል ዘረብኡ ከይወደአ ከሎ በዚ መጺኦም ዘይተበሃሉ ቀይሕ ዝተኸደኑ ኮሚኒስታውያን ዘሊሎም ብምምጻእ ብዘሎ ሓይሎም ቀጥቀጥዎ እሞ ኣብ መሬት ወደቐ። እቲ ካብ ኣፉን ኣፍንጫኡን ዝፈሰሰ ደም ከኣ ንምሉእ ኣካላቱ ኣጠልቅይዎ ነበረ። ኣንድርያና'ውን ካብቲ መድረኸ ዘሊላ ድሕሪ ምውራድ ካብቶም ኮሚኒስት መንእሰያት ተቀቢላ ብጽፍዒትን ብእግራን ተሰሃለቶ። በዚ ግና ኣይዓገበትን። በኣእጋራ ረጊጻቶ ኣብ ልዕሊኡ ደው ብምባል ከኣ ናይ ኣሽካዕላል ሰሓቕ ሰሓቐት። ነቲ ነዊሕን ዝተበተነን ጸጉራ እንዳኣከበት ድማ "ካልኦት ናይዚ ሓድሽ ሰለፊ ኣባላት ኣለኹሞዶ?" ብምባል ሓተተት።

ክልተ ኣወዳትን ሓሙሽተ ኣዋልድን ድማ ከካብ ዝነበርዎ ብድድ በሉ። ካልኦት'ውን ቀጸሉ። ብድምሩ 15 መንእሰያት በቲ ኣብ ልዕሊ ሓዎም ብሰንኪ እምነቱ ዝወርዶ ዝነበረ መከራ ድምብርጽ ከይበሎም ተንሲኦም ደዉ በሉ። ዋላ ሓደ ሰብ ከይጸወዖም ባዕሎም እቲ ክኸፍልዎ ዘለዎም ዋጋ። ክቕበልዎ ዘለዎም መከራን ስቓይን ተረዲኦም ናብ ቅድሚት ገጸም ወጹ። እቶም ኣብ ዙርያ ኣንድርያና ዝነበሩ ሓለውቲ ከኣ ከም ዝጠመየ ኣንበሳ ተቐቢሎም መናጨትዎም። ብዝረኸብዎ ኩሉ ጌሮም ቀጥቀጥዎም። ኩሎም ድማ ካብቲ ዝበጽሖም መከራ ዝተለዕለ ዝርግሕ ኢሎም ወደቑ። ካብቲ መግረፍቲ ዝተለዓለ'ውን ገለኣቶም ኣዕጽምቶም ተሰበረ። ክትንስኡ እንተፈተኑ'ኳ ዓቕሚ ሰኣኑ። ኣብ መወዳእታ ድማ እቶም ናይ እምነት ሓርበኛታት ኣብተን ብትእዛዘ ኣንድርያና ዝመጻ ሰለስተ ዓበይቲ መካይን ተጻዒኖም ናብ ሳይቬርያ ኣምርሑ። እተን መካይን ጉዕዝአን ቅድሚ ምጅማረን ኣብ ዝነበራ ቅሩብ ደቓይቕ ድኻሞምን ከቢድ ቃንዝኦምን ተጻዊሮም "ክብርቲ ሓፍትና ኣንድርያና። ሕጂ'ውን ብስም ጎይታና የሱስ ነፍቅረኪ ኢና። እወ ካብ ልብና ኢና እንፈትወኪ። ንስኺ እቲ ዝግባኣኪ ጌርኪ ኣለኺ። ንሕና ድማ እቲ ዝግብኣና ኣሚንና ኣለና። ኣብ ዘመንኪ ኩሉ ሰላም ንዓኪ ይኹን። ካብ ኣቦና ዝተመሃርናዮ እዚ እዩ እሞ ክንጽልየልኪ ኢና። የሱስ ..." እቲ ዝተጀመረ ድምጾም ብድምጺ ሞተረ ናይተን ጽዒኖምኦም ዝጉዓዛ መካይን እንተተወሓጠ'ኳ እቲ ብደም ዝጨቀወ ገጾም ግና ብናይ ሓጎስ ጸዳል የንጸባርቕ ነበረ።

እዘን ናይ መጨረሻ ቃላት እንተወሓደ ኣብ ልቢ እቶም ኮሚኒስት መንእሰያት ገለ ነገር ከይገደፋሎም ኣይተረፋን። ጉዕዞ ካብቲ ናይ ኮሚኒስት መንእሰያት ኣደራሽ ብምብጋስ ናብታ ብበረድ ብዝተሸፈኑ ኣኽራን ዝተኸበበት። ቁሩ ንምግላጽ ዘጸግም ከቢድ ገበን ፈጺሞም ዝተበሃሉ ሰባት ዝእሰሩላን ዝሳቐዩላን ናይ ምድሪ ሲኦል ዝኾነት ሳይቬርያ ኣምርሑ። ብዙሕ እንተተሳቐዩ'ካ እቲ ስቓዮም ግና ኣብ ልዕሊ ኣምላኾም ከምዘጕረምሩሙ ኣይገበሮምን። እዚ ሎሚ ንሓጺር እዋን ዝበጽሖም መከራ ካብቲ ኣብ ሳይቬርያ ዝጽበዮም ዘሎ ስቓይ ኣዝዩ ዝወሓደ እዩ። ንመዓልታት ድሕሪ ምጕዓዞም ድማ ናብ ሓደ ዓው ብዝበለ ድምጺ ናይ ኮሚኒስት መዝሙር ዝስመዓሉ ብዓቢ ናይ ኤለትሪክ ገመድ ዝተሓጸረ ስፍራ በጽሑ። በቲ ኣብኡ ዝርኣይዎ ከኣ ምእማን ሰኣኑ። እቶም ተሰሪዕም ዝኸዱ ኣሱራት ኩሎም ክዳውንቶም ኣብ ዝባኖም ዝበለየ። መብዛሕትኦም ጥራሕ ነብሶም ኮይኖም ገጾም ዝተጨማደደ ጽጉሮም ድማ ዝተጠናነገ። ኣሳጉምኦም ከም ናይ ሽማግለ ሰብኣይ ዝደኸመ። ዝጎበጡ። የዒንቶም ምርኣይ ዝሰኣኑ ብዙሓት ኣወዳትን ኣውልድን እሱራት ረኣዩ።

እዚኣቶም ብሰንኪ እምነቶም ዝመጹ። ብመቕጻዕትን ብመግረትፍትን ዝቀምሰሉ። ዝጠመዩን እቶም ኮሚኒስታውያን ካብ ዝእዝዝዎም ከቢድ ስራሕ ዝተለዓለ ሓይሎምን ዝወድኡን ሞቶም ዝጸባበዩን ነበሩ። እቶም ሓደስቲ በቶም ዝረኣይዎም እሱራት ጎሃዩ። እንተኾነ ግና ዝኾነ ሰብ ንዝኾነ ሰብ ደንጊጹ ክረድኦ ኣይከኣሎን እዩ። ከመይሲ ናይ ኩሎም ዕጫ ሓደ ስለዝኾነ። ንኹሎም ዝጽበዮም መከራን ስቓይን ከምኡ'ውን መወዳእታ ዘይብሉ መቕጻዕትን ሞትን እዩ። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሳይቬርያ ድንጋጸን ርሕራሔን ዝበሃሉ ቦታ የብሎምን።

እቶም ሓደስቲ ከኣ ካብቶም ነባራት ኣፍራዛን ባዴላን ተቐቢሎም ካብ ሰዓት ሸውዓተ ናይ ምሸት ጀሚሮም እቶም ካልኦት ክኹዕትዎ ዝወዓሉ ናይ በረድ ጉድጓድ ክደፍኑ ተኣዘዙ። እንዳሰርሑ ከለዉ ድማ ምኽንያታት እንዳፈጠርካ ምቕጥቃጥ፤ ክዳውንቶም እንዳቀደድካ ምጉታት፤ ናብ ዓሚቁ ጉድጓድ ብምድርባይ ኣብ ልዕሊኦም ጨናዊ ማይ ምኹዓው ኡይ እንተበሉ ድማ ካብኡ ኣውጺእካ ምቕጥቃጥ ጥራይ ኮነ። ምስ ዝኾነ እሱር ከይተራኸቡ ድማ ንብዙሕ ግዜ ጸንሑ። ኣብዘን ዝጸንሑለን ነዊሕ እዋናት። ነቲ ስቓይን ቁሪን ክለምድዎ ኣይከኣሉን። እንተኾነ ግና ኣብቲ ዝነበርዎ ናይ ስቓይ ቦታ ኮይኖም ብዛዕባ ኣንድርያና ካብ ምጽላይ ኣየቋረጹን።

ሓድ እዋን እቲ ዝሕልዎም ዋርድያ ኣብ ጥቕኦም ኣብ ዘይነበረሉ ሰዓት ካብቲ ከባቢኦም ርሕቕ ኢሎም ንከዕርፉ ኮፍ ምስ በሉ ሓንቲ ንፍርቂ ዝተቐደደትን ንሽቓቕ ዝተጠቀሙላን ወረቐት ረኸቡ። ኣብቲ ቦታ ወረቐት ብምርኣዮም ተገሪሞም ቀሪቦም እንተረኣዩ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ኮይኑ ጸንሖም። በቲ ዝረኣይዎ ሰንቢዶም "እዞም ሰባት ክንደይ ሕሱማት እዮም" እንዳበሉ በኸዩ። ኣብ መወዳእታ ድማ ነቲ ቀልቀል ናይ ሰብ ዝተንከፎ ቃል ኣምላኽ ዝሓዘት ወረቐት ከይተጸየፉ ብጠሊ ናይቲ በረድ ድሕሪ ምጽራይ ነታ ወረቐት ምስ ኣላገብዋ ". . . በሰሪ ገበንና ቆሰለ ብሰሪ ኣበሳና ድማ ተኸትከተ ንዑቕን ብሰብ ድርቡይን እዩ። ብዓል ስቓይ ብሕማም ልዱይ . . ." ዝብል ቃል ካብ ትንቢት ኢሰይያስ 53 ኣንበቡ። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሳይቬርያ ናይ ቃል ኣምላኽ ጽምኣት ልክዕ ከምቲ ጽምኢ ማይ ኣብ መድረበዳ ከቃጽሎም ጀመረ። ኣብቲ ናይ ሰላም ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ምስኦም ከሎ ከየንበቡ ዘሓለፍዎ ግዜያት ድማ ሎሚ ከጣዕሶም ጀመረ።

እቲ ሽዑ ኣብ ኢዶም ዝሓዝዎ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዋዛ ርእዮም ሸለል ዝበልሉ እዋን ሎሚ ከጕህዮም ጀሚሩ። ሎሚ እቲ ዕድል ኣበይ ይርከብ? ሓደስቲ እሱራት ክመጽዎም ከለዉ ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ቅድሚ ምምጻኦም ኣብ ገዝኦም ዘንበብዎን ኣብ ልቦም ዘሎን ቃል ከካፍልዎም ይሓትዎም ነበሩ። ጽምኣት ናይቲ ቃል ኣዝዩ በርቲዕዎም ነበረ። ካብቲ መዓልታዊ መግረፍቶም ንላዕሊ ናፍቖት ናይቲ ቃል በርትዖም። (ኣዒንተይ ብናፍቖት ምድሓንካን ቃል ጽድቅኻን ሓመቃ መዝ. 119።123)

እቶም ናይ ኮሚኒስት ወተሃደራት ካብ ዝነኣሰ ክሳብ ዝዓበየ። ነተን ደቂ-ኣንስትዮ እሱራት ከምድላዮም ክጥቀሙለን ይኽእሉ። እንተደልዮም በቲ ዘየላቡ በትሮም ኣብ ሕቖአን ብምህራም ነቲ ማህረምቲ ምጽዋር ስኢነን ኣብቲ ባይታ ምስ ወደቓ ይዕምጽወን። እንተኾነ ግና እዚ ኣብ ካልኦት ዘጋጥም ዝነበረ ምዕማጽ ኣብተን ኣመንቲ ኣሓት ምእንቲ ከየጋጥም እቲ ዝሓልየለን ኣምላኸን ኩሉ ግዜ እሙን ኔሩ። ስለዚ ድማ ኣብ ልዕሊ እተን ኣመንቲ ኣሕዋት ሓንቲ መዓልቲ እኳ ከምዚ ዓይነት ጽያፍ ተፈጺሙ ኣይፈልጥን ነበረ። ስሙ ብሩኽ ይኹን!!! እተን እሱራት ደቂ-ኣንስትዮ ጽግያተን ክመጸን ከሎ ጨርቂ (ሞዴስ) ክረኽባ ስለዘይክእላ ኣብቲ በረድ ጉድጓድ ኩዒተን ክሳብ ዝጸርያ ኮፍ ይብላ ነበራ።