19
Fri, Apr
0 New Articles

ሰማእታት ካታካምብ 7ይ ክፋል

Imapct of Gospel
Typography

ህይወት ኣብ ውሽጢ ካታኮምብ ! ናይ ብርሃን ጩራ ዘይደፍሮ፣ ድቕድቕ ጸልማት ዝዓሰሎ ! ናይ ማርሴሉስ ህድማ ናብ ካታኮምብ ኣብጸሖ። እቶም ክርስትያናት'ውን ብሓጎስ ተቐበልዎ። ብዛዕባቲ ምስ ሓለፍቱ ተራኺቡ ዝወሰዶ ስጉምቲ ክነግሮም ከሎ ድማ ብዓቢ ኣድናቖት ሰምዕዎ። ምስኦም መከራ ንኽቕበል ብምውሳኑ እንተተሓጎሱ'ኳ በቲ ዝወረዶ ሽግር ዝተሰመዖም ናይ ርሕራሔ ስምዒቶም ግና ክሓብኡ ኣይከኣሉን።ዳግማይ ምስቶም ናይ እምነት ኣሕዋቱ ብምጽንባሩ ድማ ብዛዕባ እምነት ክርስትና ዝነበሮ ፍልጠት ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናዓበየ ከደ። ህይወት ናይ ካታኮምብ'ውን ብብዙሕ ዓይነት መልክዑ ተገለጸሉ።

መብዛሕቱ ነቶም ኣብ ካታኮምብ ዝነበሩ ክርስትያናት ዝኸውን መግቢ ምስታ ከተማ መዓልታዊ ርክብ ብምግባር እዩ ዝመጽእ ነይሩ። እቲ መግቢ ናይ ምቕባል ስራሕ ጸልማት ጉልባብ ብምግባር ለይቲ ዝካየድ ኮይኑ፣ ነዚ ስራሕ ዘካይድዎ ድማ ብትብዓቶም ዝተፈለጡ ሰባት ነበሩ። ሓደሓደ ግዜ ኣወዳት ጥራይ ዘይኮኑስ ደቂ-ኣንስትዮን መንእሰይ ህጻናትን ከይተረፉ ነዚ ዕዮ'ዚ ይለኣኹ ነበሩ።ካብቶም ንኣሽቱ መንእሰያት ከም ፖሊዮ ዝኣመሰለ ፈጣን ልኡኽ ኣይነበረን። ብርግጽ ኣብ መንጎ እቲ ብዙሕ ዝኾነ ህዝቢ ሮማ ከይተፈለጥካ ናብዝን ናብትን ምባል ብዙሕ ዘጸግም ኣይነበረን። ካብዚ ዝተለዓለ'ውን እቶም ክርስትያናት ብዙሕ ዝጋነን ናይ መግቢ ጸገም ኣይነበሮምን። ሓደሓደ ግዜ ግና እቶም ልኡኻት ኣብ ኢድ ጸላእቶም ስለዝወድቁ ብኡ ገይሮም ከይተመልሱ ይተርፉ ነበሩ። ብዛዕባ ማይ ዝምልከት ግና ኣብተን ዓሞቕቲ ዝኾና በዓትታት ብርክት ዝበላ ዓይኒ ማያት ስለዝነበራ፣ እቶም ኣብ ካታኮምብ ዝነበሩ ክርስትያናት ዋላ ሓንቲ ናይ ማይ ጸገም ኣየጋጠሞምን።

ነቲ ብኣራዊት ዝተበጣጠሰን ብሓዊ ዝሓረረን ዓስከሬን ናይቶም ክርስትያናት ንምእካብ ብጸልማት ዝካየድ ምድላይ ልዕሊ ኩሉ ሓደገኛ ነበረ። ክርስትያናት፣ ናይ ኣዝማዶምን ኣሕዋቶምን ዝተቐደሱ ኣዕጽምትን ተረፍ ሬሳን ብምእካብ እቲ ዝግብኦም ናይ ክብሪ ዕረፍቲ ከምዝረኽቡ ንምግባር ዘርእይዎ ዝነበሩ ትብዓትን ቆራጽነትን መዳርግቲ ዘይርከቦ ነበረ። ናይ ሰማእታት ኣዕጽምቲ ምስ ተኣከቡ እቲ ዘድሊ መንፈሳዊ ስነ-ስርዓታት ይፍጽሙሎም ነበሩ። ብድሕር'ዚ ድማ እቶም ዓስከሬናት ኣብቶም ኣብ ውሽጢ ካታኮምብ ዝተፈሓሩ ጎዳጉዲ ከምዝዓርፉ ይግበር ነበረ። እቲ መቓብር ተኖኮ ምስ ተወቐዐ ስም ናይቲ መዋትን ኩነታት ኣማውትኡን ኣብ ሓደ ሰሌዳ ይውቀር ነበረ።  እቶም ናይ ቀደም ክርስትያናት ብዛዕባ ትንሳኤ ምውታት ተስፋ ይገብሩ ስለዝነበሩ፣ እቲ ሓላፊ ዘይሓልፍ ዝለብሰሉ፣ እቲ ሓላፊ ህይወት ከኣ ብዘለኣለማዊ ህይወት ዝትክኣሉ ግዜ ብተስፋ ይጸባበዩ ነበሩ። ካብዚ ዝተለዓለ ድማ ነቲ ኣብ ሰማያት ዓቢ ክብሪ ዝጽበዮ ዝነበረ ናይ ምውታት ዓስከሬን ኣብ ማንም ቦታ ተደርብዩ ከይተርፍ ብምባል ካብ ዘለዎ እንዳኣኻኸቡ ክሳዕ'ታ ናይ መወዳእታ መለኸት ትንፍሓላ መዓልቲ ዕረፍትን ሰላምን ክረክብ ብኽብሪ የንብርዎ ነበሩ።

እምነት ክርስትና ኣብ ዝተሰብከሎም ዝሓለፉ ወለዶታት፣ ብርክት ዝበላ ኣብያተ ክርስትያናት ኣብ ሮማን ከባቢኣን ተመስሪተን ቁጽሪ ኣመንቲ'ውን ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናወሰኸ ይኸይድ ከምዝነበረ ዝፍለጥ እዩ። ኣብቲ ግዜ'ቲ እኳ እቶም ህይወቶም ስለ እምነቶም ዝሰውኡ ኩሎም ኣመንቲ ኣብ ካታኮምብ እዮም ዝቕበሩ ነይሮም። ካብዚ ዝተለዓለ ድማ እዚ ካታኮምብ ተባሂሉ ዝፍለጥ ኸርሲ ምድሪ ጸጥታ ዝነገሶ ናይ ምዉታት ከተማ ይመስል ነበረ። ኣብኡ ዝዓረፉ ኩሎም ድማ ብቕጽበት ዓይኒ ተለዊጦም ንጎይታ ኣብ ኣየር ዝቕበልሉ ግዜ ብዓቢ ጸጥታ ይጸባበዩ ነበሩ።ኣብ ውሽጢ ካታኮምብ ሓሓሊፉ ናሕሰን በሪኽ ዝኾነ፣ ብዙሕ ሰብ ድማ ክሕዛ ዝኽእላ ክፍልታት ነይረን። መብዛሕተን ምቾት ኣይነበረንን። ክርስትያናት ኣብዘን ክፍልታት ብብዝሒ ብምትእኽኻብ ንጹህ ኣየር የተንፍሱን ሓድነቶም ዘትርሩ ኣኼባታት ብምክያድ ድማ ነቲ ዘይሓልፍ ዝመስል ናይ መከራ ግዜ ሓቢሮም የሕልፍዎ ነበሩ።

እቲ ክርስትያናት ዝነብርሉ ዝነበሩ እዋን ብብዙሕ መለክዒታት ዝኸፈአ እዩ ዝነበረ። እቲ ዝወርዶም ዝነበረ ስደትን መከራን ድማ ናይዚ ጽቡቕ ኣብነት እዩ። ሮማ ፍትሕን ቅንዕናን ዝሰፈኖ ስርዓት መግዛእቲ ከምዝነበራ መዛግብቲ ታሪኽ ይሕብሩ። እናሓደረ ግና ናይ ሮማ ስርዓተ ሕጊ እንዳተለወጠ ከደ። ኣብ ክንዲ ፍትሕን ቅንዕናን፣ ጭቆናን ስርዓት ኣልቦነትን ተተክኡ። ዉዲት፤ ኣድማን ክሕደትን ነቲ ዝነበረ ናይ ሮማ ጽቡቕ ምሕደራ ዝጻረሩ ተጻረርቲ ኮኑ። ብዙሓት ሰናይ ልቦና ዝነበሮም ሮማውያን ድማ ናይቲ ግዜ ኩነታት ብምስትውዓል ነቲ ኩሉ ዝፍጸም ዝነበረ ነገራት ኣብ ጸግዒ ደው ኢሎም ካብ ምዕዛብ ወጻኢ ክገብርዎ ዝኽእሉ ነገር ኣይነበረን። እምበኣር ብርሃን ወንጌል ክርስቶስ ንሰባት ዝተገልጸ ኣብ ከምዚ ዝበለ ጽልግልግ ዝበለ ወርሓት እዩ ነይሩ። ወንጌል ክርስቶስ ኣብ ልቢ ሰባት ቦታ ንኽረክብ ክሳዕ ክንድዚ ምስ ብዙሓት ሓያላን ተጻባእቲ ምግዳል ኣድለየ። እቶም ኣመንቲ ናብርኦም ምቾት ኣይነበሮን። ካብ ዘመድ፤ ሃብቲ፤ ዝናን ህይወትን ዝፈሊ ብርቱዕ ተጋድሎ'ውን ክገብሩ ነይርዎም። ሰዓብቲ ክርስቶስ እንዳበርከቱ ብዝኸዱ መጠን ክፍኣት'ውን ብኡ መጠን ሓይሉ እንዳበርትዐ ክኸይድ ጀመረ።

ናብራ ሮማውያን ስርዓት ዘይብሉ ኮነ። እቲ መንግስቲ'ውን ናብ ናይ ጥፍኣት ዓዘቕቲ ይግስግስ ነበረ። ካብዚ ዝተለዓለ ድማ እምነት ክርስትና ካብ ገጽ ምድሪ ንምጥፋእ ዝዓለመ ስደት ተጀመረ።እቲ ካብቶም ቄሳራት ዝወጽእ ዝነበረ ኣዋጃት ነቶም ክርስትያናት ኣብ ዓቢ መከራ ዘውድቕ ኮነ። ክርስትያናት በብመዓልቱ ወይ ሞት ወይ ከኣ ክርስቶስ ምኽሓድ፣ ሓዲኡ ክመርጹ ይግደዱ ስለዝነበሩ ድማ ዝሃለቑ ሃሊቖም እቶም ዝተረፉ ድማ ካብ ቤቶም፣ ኣዝማዶምን ካብ ናይ መዓልቲ ብርሃንን ተፈልዮም ኣብ ካታኮምብ ንኽነብሩ ተገደዱ።ልቢ ሮማውያን ተረረ። የዒንቶም'ውን ዓወራ። ናይ ህጻናት ንጽህና፣ ናይ ደቂ-ኣንስትዮ ድኽመት፣ ናይ ኣረጋውያን ሽበት፣ ናይ እምነት ጽንዓት፣ ናይ ፍቕሪ ሰዓርነት እዚ ኩሉ ንልቦም ከይተንከፎ ተረፈ። እቲ ኣብ ልዕሊ መንግስቶም ዝዝንቢ ዝነበረ ናይ ውድቀት ደመና'ውን ክኸብዶም ኣይከኣለን።ኣብ ከምዚ ዓይነት ጸበባን ስደትን ዝነገሶ ዘመን ከኣ እቶም ኣብ ዝሓለፉ ወለዶታት ህይወቶም ስለእምነቶም ዝሰውኡ ሰማእታት ኣብተን ካታኮምብ ብዝብል ስም ዝፍለጣ በዓትታት ዓሪፎም መዓልቲ ትንሳኤ ብተስፋ ይጸባበዩ ነበሩ። ኣብ ካታኮምብ፣ ዘመድ ንዘመዱ፣ ውሉድ ንወለዶም፣ ወለዲ ድማ ንደቆም ቀቢሮም እዮም። ካብ ኣፍ ኣራዊት ዝተረፉ፣ ብነበልባል ሓዊ ዝሓረሩን ኣብ መስቀል ዝተሰቐሉን ናይ ሰማእታት ኣዕጽምቲ ኣብዚ ቦታ ቦቦትኦም ሒዞም ይርከቡ። ክርስትያን ዘበለ ኩሉ ኣብ ውሽጢ ካታኮምብ ዝዓረፈ ዘመድ ዘይነበሮ ኣይነበረን። እዚ ቦታ፣ ንክርስትያናት ዝተባረኸን ኣየሩ ድማ ዝተቐደሰን ስለዝነበረ ኣብ ግዜ ጸበብኦም ኩሉ ግዜ ናብዚ ቦታ ይዕቆቡ ነበሩ።

ብዘይካ'ዚውን ኣብ እዋን ጸበብኦም ብዘይካ እዘን ኣብ ከርሲ ምድሪ ዝርከባ በዓትታት ካልእ መጸግዒ ኣይነበሮምን። ምድሪ ኣቋሪጾም፣ ባሕሪ ሰጊሮም ናብ ካልእ ሃገር ናይ ምኻድ ተስፍኦም ዝማህመነ ነበረ። ናይ ሮማ መግዛእቲ ዘይብጽሓ ሃገር'ውን ስለዘይነበረት ካብቲ ጽኑዕ ዝኾነ ሓይሊ ሰራዊት ሮማ ኣምሊጥካ ካብ ቁጥዐኡ ርሒቕካ ብሰላም ንምንባር ኣጸጋሚ ነበረ። ካብ ላዕለዎት መኳንንቲ ክሳዕ ተራ ሰባት ንመግዛእቲ ሮማ ኣሜን ኢሎም ክግዝኡ ነይርዎም። ካብ ስልጣን ዝወረደ ንጉስ እኳ ካብ ሕንሕነ ናይ ሮማ ዘምልጠሉ መህደሚ ኣይነበሮን። ስለዚ ድማ ቄሳር ኔሮ* እኳ ካብ ስልጣኑ ምስ ወረደ ካብታ ከተማ ወጽእ ኢሉ ነብሰ-ቅትለት ካብ ምፍጻም ወጻኢ ካልእ ክገብሮ ዝኸኣለ ነገር ኣይነበረን። ኣብተን ዝተሓላለኻን ዝተወሳሰባን ናይ ካታኮምብ በዓትታት ግና ናይ ሮማ ሓይሊ ኣዝዩ ድኹም ነበረ። ንክርስትያናት ካብዚ ቦታ እናሃደንካ ንምሓዝ ዝተገበሩ ኩሎም ፈተነታት'ውን ብዘይ ፍረ ተሪፎም እዮም።

*ቄሳር ኔሮ፣ ካብ 37-68 ዓ/ም ዝነበረ ብኽፍኣቱን ፋሉልነቱን ዝልለ መበል 5ይ ቄሳር ናይ ሮማ ኮይኑ፣ ቁጠዐኡ ኣብ ልዕሊ ክርስትያናት ኣዝዩ ርሱን ዝነበረ ቄሳር እዩ። እዚ ገና ኣብ ዕድመ ንእስነቱ (ኣብ መበል 17 ዓመቱ፣ ኣብ 54 ዓ/ም) ቄሳር ናይ ሮማ ናይ ምዃን ክብሪ ዝረኸበ ቄሳር ኔሮ፣ ካብ ጭካነኡን ካብቲ ዝገብሮ ዝነበረ ጽያፍን ርኽሰትን ዝተለዓለ ኣብቲ እዋን'ቲ ዝነበሩ ክርስትያናት፣ እቲ ጸረ ክርስቶስ ይመስሎም ነበረ። በቲ ኔሮ ኣብ ዘመን ስልጣኑ ኣብ ልዕሊ ክርስትያናት ዘለዓዓሎ መከራን ስደትን ከኣ ሃውርያ ጴጥሮስ ቁልቁል ኣፉ ተሰቒሉ፣ ሃዋርያ ጳውሎስ ድማ ተሰይፉ፣ ክልቲኦም ብሰማእትነት ከምዝሓለፉ ይእመን። ኣብ መወዳእታ ድማ ካብ ሹማምንቱ ተቓውሞ ምስ በዝሖን ደገፍቱ'ውን ብብዝሒ ክጠልምዎ ምስ ጀመሩን ብ9 ሰነ 68 ዓ/ም ነብሰ ቅትለት ፈጺሙ ካብዛ ዓለም ሓሊፉ።

ብስደትን መከራን ተሰጕጎም ናብ በዓትታት ካታኮምብ ናይ ዝኣትዉ ክርስትያናት ብዝሒ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናወሰኸ ከደ። ኣብ እዋን ቀትሪ ተኣኻኺቦም ንሓድሕዶም ብምጽንናዕን ናይ እምነት ኣሕዋቶም ክሞቱ ከለዉ ብምቕባርን ብለይቲ ድማ ነቶም ተባዓት ዝኾኑ ልኡኻቶም ሓበሬታ ከምጽኡሎም ወይ ከኣ ናይ ዝሞቱ ሰማእታት ዓጽሚ ከምጽኡሎም ብምልኣኽ ናይ ጸበባ ህይወቶም ብመጠኑ ስርዓትን መልክዕን ከትሕዝዎ ይጽዕሩ ነበሩ። ብሰንክ'ቲ ኣብ ግዝኣታት ሮማ በብእዋኑ ዝተለዓሉ ስደታት ዝሞቱ ቁጽሪ ኣመንቲ ካብ መጠን ንላዕሊ ብዙሕ እኳ እንተነበረ፣ እቲ ኣብ ከተማ ሮማ ዝተሰረት መሰረት ክርስትና ግና ብዙሕ ሃስያ ኣይወረዶን።

ናይቶም ኣብ ውሽጢ ካታኮምብ ዝነብሩ ዝነበሩ ኣመንቲ ህይወት ካብቲ ናይ ደገ ጉድኣት ዝተሓለወት ነበረት። እንተኾነ ግና መወዳእታ ኣብ ዘይብሉ ጸላም፣ ጣዕሚ ናይ ህይወት ብኸመይ ክፍለጥ ይከኣል? ኣብቲ ምስ ነፍሲ ዝዋጋእ ቦታ ናይ ስጋ ድሕነት እንተተሓለወ እንታይ ፋይዳ ኣለዎ? ዝኾን ሰብ ብሰንኪ ስእነት ብርሃን ክበጽሖ ዝኽእል ጸገማትን ሽግራትን ተዘርዚሩ ዝውዳእ ኣይኮነን። ናይ ኣካላት ድኻም ድማ ንኣእምሮ ምንዋጹ ዘይተርፎ እዩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ቦታ ንኽነብሩ ዝተገደዱ ሰባት፣ ሓዘን፤ ስግኣት፤ ምጥርጣርን ተስፋ ምቑራጽን ከምዝነግሶም ፍሉጥ እዩ። ካብቶም ኣብ ፈቐዶ ኣደባባያት ብዓቢ ቆራጽነት ዝሞቱን ብሓዊ ዝተቓጸሉን ሰማእታት ንላዕሊ፣ ኣብ ውሽጢ'ተን ዘሰቅቓ በዓትታት ብእምነት ክሳዕ መወዳእታ ምጽናዕ ዝለዓለ ብርታዐ ዝሓትት ነበረ። ናይቶም ኣብ ውሽጢ ካታኮምብ ንኽነብሩ ዝተገደዱ ክርስትያናት ህይወት ብናይ መዓልቲ ጸላም ዝተዋሕጠ ነበረ። ብርግጽ'ውን ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነታት እናነበርካ መከራን ስደትን ምዕጋስ ዓቢ ጅግንነት ነበረ።

ናይቲ ቦታ ዛሕሊ ዓጽምኻ ዝትንክፍ ነበረ። እቲ ናሕሲ፤ ምድሪ-ቤትን መናድቕን ኩሉ ንጥዕና ጎዳኢ ብዝኾነ ጠሊ ዝተበከለ እዩ። ካብቶም ለይትን መዓልትን ዝበርሁ ጥዋፋት ዝወጽእ ዝነበረ ትኪ ነቲ ናይ ከባቢ ኣየር ንኣካላትካ ዝዕፍን መርዚ ገይርዎ ነበረ። ኣብ ማእከል እዚ ኩሉ ጸበባ ግና ናይ ክርስትያናት እምነት ብፍጹም ኣይተናወጸን። እቶም ክርስትያናት ዝተዓገስዎን ዝተጻወርዎን ናይ መከራ ማዕበል ክረአ ከሎ ንጅግንነቶም ኣብ ታሪኽ ሮማ መዳርግቲ ኣይርከቦን እዩ። እቶም ብስጋ ወይ ብሓይሊ ብርቱዓት ዝኾኑ ጥራይ ዘይኮነስ ዋላ ህጻናት ይኹኑ ደቂ-ኣንስትዮ በቲ መከራ ኣይተጸዓዱን። ሞት ከም ቀሊል ነገር ብምቑጻር ናይ ጸበባ ህይወቶም ብሓጎስን ተስፋን የሕልፍዎ ነበሩ። ኣብታ እትመጽእ ዓለም ዝጽበዮም ዘሎ ክብሪ ብምርዳእ፣ በቲ ዓሚቕ ዝኾነ ፍቕሪ ክርስቶስ ብምጽንናዕን ስለ ድሕነት ነፍሶም ጥራይ ብምሕሳብን ኣብ ውሽጥ'ቲ ዘሰቅቕ ቦታ ንኽነብሩ መሪጾም።

ክርስትያናት ነቲ ዝነበርዎ ቦታ ምቾት ዘለዎ ንኽገብርዎ ብዙሕ ደኺሞም እዮም። ንመናድቕ ናይቲ በዓትታት ኖራ ብምልካይ ስእልታት ይስእሉሎም ነይሮም። እዞም ስእልታት ከኣ ንኣምልኾ ዝተሰኣሉ ዘይኮነስ ነቶም ብእምነት "ንመንግስታት ዝሰዓሩ፣ ጽድቂ ዝገበሩ፣ ነቲ ተስፋ ዝተገብሮ ዝረኸቡ፣ ኣፍ ኣናብስ ዝዓጸዉ፣ ሓይሊ ሓዊ ዘጥፍኡ፣ ካብ ስሕለት ኣስያፍ ዝደሓኑ፣ ካብ ድኻም ዝበርትዑ፣ ኣብ ውግእ ዝሓየሉን ንሰራዊት ኣህዛብ ዘህደሙን" ናይ እምነት ኣቦታት ዘዘኻኽሩ ነበሩ። ናቶም መዘከርታታት ከኣ ንጸበባኦም እንዳቃለሉ ነቲ ዘሕዝን ናብርኦም ትርጉም ይህብዎም ነበሩ።ኣብተን ዝእከቡለን ክፍልታት ብዙሕ ዝረአ ንብረት ቅዱሳን ኣይነበረን። ስጋን ደምን ጎይታ ዝዳለወላ ሓንቲ ተራ ጠረቤዛ ጥራይ ኣብ ማእከል እቲ ክፍሊ ትረአ ነበረት።

እምነት ክርስትና ምስ ክፍኣትን ክሕደትን ከቢድ ዝኾነ ኩናት ኣካይዱ እዩ። ካብዚ ዝተላዕለ'ውን ሓደሓደ ቅኑዕ ዘይኮኑ ባህልታት ኣብታ ቤተክርስትያን ምቕልቓሎም ኣይተረፈን። ዋላኳ ናይታ ቤተክርስትያን ምሕደራ ካብቲ ናይ ሃዋርያት ዘመን ብመጠኑ ዝተፈለየ እንተነበረ፣ ነቶም ኣመንቲ ካብ ሓቀኛ እምነቶምን መስመሮምን ከውጽእ ይኽእል እዩ ተባሂሉ ዘስግእ ግና ኣይነበረን። ብዘይካዚ'ውን እቶም መሰረታውያን ዝኾኑ ናይ ክርስትና ትምህርትታት ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ኣይተቐየሩን ነበሩ። ናይ ወዲ ሰብ ሓጥእነት፣ ናይ እግዚኣብሄር ኣቦ ምሕረት፣ ናይ እግዚኣብሄር ወዲ ስለ ሰባት ክብል መከራ ምቕባል፣ ናይ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልቢ ኣመንቲ ምሕዳር፣ ብክርስቶስ የሱስ ንሰባት ዝተወሃበ ድሕነት፣ እቲ ቅዱስ ዝኾነ ደም የሱስ ክርስቶስ ዝህቦ ዓቢ ዝኾነ መንፈሳዊ ጥቕሚ፣ ትንሳኤ ክርስቶስን ካልኣይ ምጽእቱን፣ ኮታስ እዚኦምን ከምዚኦም ዝኣመሰሉን ትምህርትታት እታ ቤተክርስትያን ዝቖመትሎም መሰረታት ነበሩ።

እቲ ናይ ነፍሶም መልህቕ ዝገበርዎ ሰመያዊ ተስፋ፣ ናይቲ ግኑን ዝኾነ መንግስቲ ቄሳር ማዕበላዊ ቁጠዐ እኳ ከናውጾ ኣይከኣለን። ነቲ ተማዕቝቦምሉ ዝነበሩ ጽኑዕ ግምቢ ከፍርስ ዝኸኣለ ሓይሊ'ውን ኣይነበረን። ኣብ ግዜ መከራ ዘበርትዕ ጽኑዕ እምነት ነይርዎም። እምነቶም ድማ ኣብቲ ኣብ የማን ኣቦ ዝተቐመጠ ከውሒ ዝተሰረተ ነበረ። ካብ እምነቶም ዝበልጽ ዋላ ሓንቲ ነገር ኣይነበሮምን። እምነቶም ከኣ እቲ ዘሰቅቕ መስዋእቲ ንኸቕርቡ ኣብ ዝግደድሉ ግዜ ዘተንፍስዎ ትንፋሶም ነበረ። ክርስትያናት ካብ ገጽ ምድሪ ዝጠፍኡ ኣብ ዝመስልሉ ግዜ ኣዒንቶም ብተስፋ ናብ ኣርያም ከም ዘልዕሉ ዝገብሮም ዝነበረ እቲ እምነቶም ነበረ። ህይወቶም ከኣ በቲ ጎይታ ኣብ ምድሪ ከሎ፣ ፍጻመ ናይ ኩሉ ኦሪትን ነብያትን እያ፣ ዝበላ ፍቕሪ ትምራሕ ነበረት። ናይ ሕብረት ፍቕሮም ዓሌትን ማዕርግን ከይፈላለየ ንኹሉ ብሓባር ዝጠምር ነበረ። ካብዚ ዝተለዓለ'ውን ብጻይ ንብጻዩ ህይወቱ ከሕልፍ'ኳ ኣይማታእን ነበረ። ህይወቶም ክሳዕ ዝስውኡ ክሳዕ ክንድኡ ዘበርተዖም ከኣ እታ ብመንፈስ ቅዱስ ኣብ ልቦም ዝፈሰሰት ፍቕሪ ኣምላኽ ነበረት።

ዝበጽሖም ስደትን መከራን ኣብቲ ጸልማት ዘመን ዘንጸባርቕ ናይ እምነትን ፍቕርን ጽንዓት ሃቦም። ኩሎም ካብ እምነቶም ዘይናወጹ ቆራጻት ነበሩ። ግብዝና ኣብ ማእከሎም ባይታ ኣይነበሮን። እቶም ብርቱዓት እንዳሓየሉ እቶም ድኹማት ድማ እንዳበርትዑ ይኸዱ ነበሩ። ዝነብርሉ ዝነበሩ ዘመን ኣብ ህይወት ክርስትያናት ሓደጋ ዘስዕብ ዘመን እኳ እንተነበረ፣ ንሳቶም ግና እምነቶም ብግህዶ እንዳገለጹ ንዝወርዶም መከራ ብሓጎስ ካብ ምቕባል ወጻኢ ናብ ድሕሪት ጎጾም ናይ ምድሕርሓር ኣንፈት ኣየርኣዩን። ኣብ መንጎ ዓለምን ክርስትያናትን ሓደ ዘይስገር ዶብ ነይሩ። ክርስትያናት ከኣ ነዚ ዶብ ሰጊሮም ምስ ዓለማውያን ናይ ምጽንባር ድሌት ኣየርኣዩን። ውሑዳት ቃላት ብምዝራብን ሓደሓደ ነገራት ብምግባርን ካብ ሞት ክድሕኑ ይኽእሉ ነይሮም። እንተኾነ ግና ልሳኖም ንጣኦታት ንምምስጋን፣ ኣእዳዎም ድማ ንጣኦታት ንምግልጋል እምቢ ብምባለን ስቓይን ሞትን መረጹ። መሰረታዊ ትምህርቲ ናይ እምነት ክርስትና ዝተቐበልዎ ብኣእምሮኦም ጥራይ ዘይኮነስ ብምሉእ ልቦም ነበረ። ንዕኦም ክርስቶስ ማለት ኣብ ሕሉፍ ዝነበረ ናይ ታሪኽ ሰብ ጥራይ ዘይኮነስ ንሱ ትማልን ሎምን ንዘለኣለምን ዘይልወጥ ምዃኑ ካብ ልቦም ይኣምኑ ከምዝነበሩ ዘየማትእ ነበረ። ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ከሎ ዘሕለፎ ህይወት ናይ ህይወቶም ህያው ኣብነት ነበረ። ኣሰር ናይ ርሕራሔኡ፤ ትሕትናኡ፤ ትዕግስቱን ሕያውነቱን ኮነ ኢሎም ይስዕቡ ነበሩ።

ናይ ሓደ ሰብ እምነት ከም መስትያት ኣብ ግብሩ እዩ ዝረአ። ብዛዕባ ሞት ክርስቶስ ዝነበሮም ግምት ካብ ዝኾነ ነገር ንላዕሊ ነበረ። ንደቂ ሰባት ክብል በጃ ኮይኑ ከም ዝሞተ ብዘይ ገለ ምጥርጣር ይኣምኑ ነበሩ። ካብ ሞት ተንሲኡ ኣብ የማን ኣቦ ብኽብሪ ምቕማጡን ኣብ ሰማይን ምድርን ኩሉ ስልጣን ከምዝተወሃቦን፣ ብመለኮታዊ ስልጣን ከም ዝተገለጸ ሓቂ ገይሮም ይቕበልዎ ነበሩ። ስለ እምነቶም ክብሉ መስቀሎም ተሰኪሞም ብሓዊ ዝተቓጸሉ፣ ብዳርባ እምኒ ዝተጨፍጨፉን ናብ ኣፍ ኣናብስ ዝተደርበዩን ብዙሓት እዮም። በዚ ድማ ሰዓብቲ ክርስቶስ ምዃኖም ንዓለም ብግህዶ ኣዊጆም እዮም። ነዚ ንምርዳእ ድማ ኩነታት ናይተን ንብዙሕ ዘመናት ዝነብሩለን ዝነበሩ በዓትታት ካታኮምብ ምምርማር እኹል እዩ። ኣብ ውሽጢ'ቲ ምዉታት ንኽትቀብረሉ'ኳ ዘስካሕክሕ ናይ ጸልማት ዓለም፣ ኩሉ ዝነበሮም ክብረት፤ ሃብትን ዘመድ ኣዝማድን "ደሓን ኩኑ" ብምባል ብዓቢ ቆራጽነት ብስቓይ ንኽነብሩ መሪጾም። እዞም ናይ ሓቂ መሰኻኽር፣ ኣብ ዓለም ድኻታት፤ ንዑቓትን ጽሉኣትን ነበሩ። ምሕረት ንኽረኽቡ ዘቕረብዎ ጥርዓን ሰማዒት እዘኒ ኣይረኸበን። ኣብ ክንዲ ምሕረት ከኣ ጭካነን ስቓይን ዕለታዊ መቝነኖም ኮነ።ምድሪ ድማ ናብቶም ኣብ ከርሳ ዝርከባ ዓሞቕቲ በዓትታት የዕቍባ ካብ ጸበባኦምን ስደቶምን ገለ ሩፍታ ከምዝረኽቡ ብምግባር ካብቶም ዓሌቶም ዝኾኑ ደቂ ሰባት ንላዕሊ ድንጋጼኣ ኣርእያቶም እያ።

ናይ ማርሴሉስ ናብ እምነት ክርስትና ምምጻእ ሃንደበት ዝኾነ ነገር ነበረ። ብኸምዚ ዓይነት ኣገባብ ካብ መንገዲ ስሕተት ናብ መንገዲ ሓቂ ምስግጋር ብእኡ ዝተጀመረ ኣይነበረን። ንሱ ናይ ኣህዛብ ስርዓታትን ናይ ፍልስፍና ትምህርትታትን ዝፈተነ ሰብ እኳ እንተነበረ፣ ዋላ ሓንቲ ፋይዳ ከይረኸበሎም ተሪፉ እዩ። ምስ እምነት ክርስትና ዝገበሮ ርክብ ግና ኩሉ ናይ ልቡ ድሌታት መሊኡ ሃቦ። እታ ባዶ ዝነበረት ነፍሱ'ውን ብሰላም ተመልአት። ኣዒንቱ'ውን ተኸፊተን ናይ ጽድቂ ብርሃን ረኣያ። በዚ ግሩም ዝኾነ ብርሃን ከኣ ብዙሕ ምስጢራት ክርዳእ ከኣለ። ኣብ ጎኒ እቶም መከራ ዝቕበሉ ዝነበሩ ሰራዊት ጽድቂ ኮይኑ ዝመጾ ኩሉ ብሓጎስ ንኽቕበል ድማ ጽኑዕ ውሳኔ ወሰነ። ብኸምዚ ኣገባብ ናብ ክርስቶስ ብንስሓ ዝምለሱ ብዙሓት ነበሩ። ከምዚ ናይ ማርሴሉስ፣ እቲ ዕውር ዝኾነ ናይ ኣህዛብ ሃይማኖት ላሕ ዘበሎም ብዙሓት ነበሩ። ስለዚ ከኣ ወንጌል ክርስቶስ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ክስበኸሎም ከሎ እቲ ሓቂ ንኽርድኦም ግዜ ኣይወስደሎምን ነበረ። እምነት ክርስትና ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ክሳዕ ክንድቲ ኣብ ምሉእ ዓለም ክበጽሕ ዝኸኣለ'ውን ካብዚ ምኽንያት ዝተለዓለ ነበረ።

 ማርሴሉስ ሓሳቡ ቆሪጹ ምስቶም ክርስትያናት ኣብ ውሽጢ ካታኮምብ ንኽነብር ምስ ወሰነ ናይ ተስፋኦም፤ ፍርሃቶምን ሓጎሶምን ተኻፋሊ ክኸውን ጀመረ። እምነቶም፣ ትውክልቶምን ዘለኣለማዊ ተስፋኦምን ንልቡ መጸናንዒ ኮንዎ። ቃል ኣምላኽ'ውን ለይትን መዓልትን ብምምርማሩ መንፈሳዊ ህይወቱ እንዳበሰለ ከደ። ኣብ ውሽጢ ካታኮምብ ዝነብሩ ዝነበሩ ክርስትያናት ንጸሎትን መንፈሳዊ ኣኼባታትን ዝኸውን እኹል ግዜ ነይርዎም። ካብ ናይ ዓለም ላዕልን ታሕትን ዝተፈለዩ ብምንባሮም ከኣ ብዛዕባ ጉዳይ ነፍሶም ጥራይ ይሓስቡ ነበሩ።ፍቕሪ ዓለምን ተድላን ቶባ ኢሎም ዝሓደጉ ስለዝነበሩ ከኣ እተን ካብ ልሳኖም ዝወጻ ዝነበራ ቃላት እኳ ንእግዚኣብሄር ዘኽብራን ንመንግስቱ ድማ ዘጽንዓን ነበራ። ብዛዕባ ብእምነት ጸኒዕካ ምንባርን ኣብ ግዜ መከራ ብቖራጽነት ንሩባ ሩብ ድነ ሞት ምስጋር ዘውህቦ ክብርን ምዕላል ከኣ ኣይስልችዎምን ነበረ። ናይ ቀዳሞት ሰማእታት ታሪኽ ብምዝንታው ናይ እምነቶም መደምደምታ ብናፍቖት ይጸባበዩ ነበሩ። ልዕሊ ኩሉ ግና ነታ ናይ መወዳእታ ጻውዒት ዝስመዓላ፤ ምዉታት ዝትንስኡላን ህያው ዝኾኑላን፤ እቶም ብደሙ ዝተዓደጉ ዓሌታት ምድሪ ከኣ ምስ ጎይታ ኣብ ኣየር ዝራኸቡላን ኣብ ቅድሚ ዝፋን ፍርዲ ክርስቶስ ቀሪቦም ናይ እሙንነቶም ዓስቢ ዝቕበሉላን መዓልቲ ብተስፋ ይጽበዩ ነበሩ።

ማርሴሉስ ከኣ ብኸምዚ ዝበለ ኩነታት፣ ነቲ ናይ ምውታት ጥራይ ዘይኮነስ ብብዙሕ ኣሽሓት ዝቑጸሩ ህያዋን'ውን መንበሪ ዝኾነ፣ ናይ ካታኮምብ ናብራ ብቐረባ ክዕዘብ ከኣለ። ኣብ ውሽጢ ካታኮምብ ዝነብሩ ዝነበሩ ሰባት፣ ገልታዕታዕ ዘቐምሰሎምን መከራ ዘዳኸሞምን እኳ እንተነበሩ፣ ኣብቲ ውሽጥ'ቲ ዝነብርሉ ዝነበሩ ጸልማት ዘርእይዎ ዝነበሩ ሕጉስን ፍሕሹውን ገጽ ግና ኣብ ኣደባባያት ሮማ ካብ ዝረአዩ ገጻት እኳ ይበርህ ነበረ። ንሓድሕዶም ሃልሃል ብእትብል ፍቕሪ ይፋቐሩ ነበሩ። ዝምድንኦምን ሓልዮቶምን ብጽኑዕ ኣተኣሳሲርዎም ይረአ። ናይ ሓዘኖም ንብዓት ምስ ደም ናይቶም ዝሞቱ ሰማእት ብምትሕውዋሱ ነቶም ህያዋን ምስቶም ምዉታት ኣጣሚርዎም እዩ። ኣብ ውሽጢ እዘን ኣሰቀቕቲ በዓትታት ንኽነብሩ ዝተገደዱ ኩሎም ንስደት፤ መከራ፤ ሓዘንን ጸበባን ስዒሮም እዮም። ኣብ ውሽጠን ኮይኖም ተስፋን እምነትን፣ ብናይ ፍሽኽታኦም ብርሃን ከኣ ኮኾብ ጽባሕ ርእዮም እዮም። ካብ ልሳን እቶም ዝጉህዩን ዝበኽዩን'ውን ናይ ሓጎስ ቃላት ወጺአን እየን።

ናይ ዝሓለፈ ክፋላት ንምክትታል ነዞም ዝስዕቡ ሊንክታት ጠውቑ

ሰማእታት ካታኮምብ 01

ሰማእታት ካታኮምብ 02

ሰማእታት ካታኮምብ 03

ሰማእታት ካታኮምብ 04

ሰማእታት ካታኮምብ 05

ሰማእታት ካታኮምብ 06

ትርጉም ብቐሺ እምባየ ሃብተዝጊ