26
Fri, Apr
0 New Articles

ሰማእታት ካታካምፖ 5ይ ክፋል

Imapct of Gospel
Typography

ብዝሒ መሰኻኽር እዚኣቶም ኩሎም ብእምነት ዝሓለፉ እዮም! ማርሴሉስ ኣጸቢቑ ብዛዕባ ክርስትያናት ክፈልጥ ጀመረ። ንቑሩብ ግዜ ምስ የዕረፈ ብመሪሕነት ሆኖሪዮስ ኩነታት ናይተን ክርስትያናት ዝነብሩለን ቦታታት እናተዘዋወረ ተዓዘበ። ማርሴሉስ ድማ እቶም ኣብታ መኣከቢት ክፍሊ ዝረኣዮም ክርስትያናት ምስቶም ኣብ ካታኮምብ ዘለው ክርስትያናት ከነጻጽሮም ከሎ ቁጽሮም ውሑድ ምዃኑ ንመጀመርያ ግዜ ተረደአ።

ጉዕዝኦም ብዝቐጸሉ መጠን እቶም ኣብ ውሽጢ ካታኮምብ ዝነበሩ ክርስትያናት ብብዙሕ ኣሽሓት ዝቑጸሩ ምዃኖም ፈለጠ። እቶም ክርስትስያናት ብማሕበራት ተጠርኒፎም ከምዝነብሩ'ውን ረኣየ። ነፍሲ ወከፈ ማሕበር ድማ ምስታ ከተማ እትራኸበሉ ናታ ፍሉይ መንገዲ ነይርዋ። 

ማርሴሉስ ምስ ሆኖሪዮስ ኮይኑ ዘካየዶ ጉዕዞ ነዊሕ ነበረ። ብብዝሒ ናይቶም ኣበየ ቦትኡ ዝርእዮም ዝነበሩ ክርስትያናት ድማ ተደነቐ። ዋላኳ ብዙሓት ምዃኖም ቅድሚ ሕጂ ይርድኦ እንተነበረ፣ ክንድዚ ዝኸውን ጭፍራ ኣብ ውሽጢ ካታኮምብ ናይ ምንባር ዕጫ ይመርጽ እዩ ዝብል ሓሳብ ግና ኣይነበሮን። በቶም ብህይወት ዘለው ጥራይ ዘይኮነስ ብታሪኽ ናይቶም ዝሞቱ'ውን ከይተረፈ ልቡ ተማረኸ። ኣብ ዝሓለፍዎ ቦታታት ኩሉ ኣብ ዝነበሩ መቓብራት ዝተወቐሩ ጽሑፋት ኣንበበ። እቶም ኣብኡ ዝዓረፉ ኩሎም ጽኑዕ እምነትን ልዑል ዝኾነ ዓላማ ዘለዎ ተስፋን ከምዝነበሮም ካብቶም ጽሑፋት ክርዳእ ከኣለ። ማርሴሉስ'ውን ነቶም ኣብቲ መቓብራት ዝተወቐሩ ጽሑፋት ምንባብ ከሐጉሶ ጀመረ። ሆኖሪዮስ ከኣ ታሪኽ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰማእት እናተንተነ ይገልጸሉ ነበረ። 

ሆኖሪዮስ ደው ብምባል "ሓደ ናይ ሓቂ ምስክር ኣብቲ ዓሪፉ ኣሎ" ክብል ኣመልከተሉ። ማርሴሉስ ድማ ናብቲ ሆኖሪዮስ ዘመልከተሉ ኣንፈት ብምዛር እዚ ዝስዕብ ቃል ኣንበበ ‘ፕሪሜቲዮስ ብሰላም፣ ብዙሕ ስቓይ ተቐቢሉ ዝሞተ ጽኑዕ ሰማእት። ዕድሚኡ ሰላሳ ዓመት ነበረ። ሰበይቱ ድማ እዚ ንእኡ ዝግባእ መዘከርታ ኣቍማትሉ።' ሆኖሪዮስ ብምቕጻል "እዞም ሰባት፣ ክርስትያን ዝኾነ ኩሉ ብኸመይ ዝበለ ኣገባብ ክመውት ከምዝግብኦ ይምህሩና። እነሆልካ፣ እቲ ሕልፍ ኢሉ ዝረኣየና'ውን ናይ ሓደ ከም ናይ ፕሪሜቲዮስ ዓይነት ስቓይ ተቐቢሉ ዝሓለፈ ሰማእት መቓብር እዩ" 

‘ጳውሎስ፣ ንዘለኣለም ብኽብሪ ንምንባር ካብዛ ዓለም ብስቓይ ሓሊፉ' 

"እዚ ድማ ናይ ሓንቲ ወይዘሮ መቓብር እዩ። ናታ ኣማውታ ድማ ክርስቶስ ነቶም ድኹማት ዝኾኑ ሰዓብቱ'ኳ ኣብ ግዜ ጸበባ ክንዲ ምንታይ ብርታዐ ከምዝህቦም ህያው ምስክር እዩ።" 

‘ክሌሜንትያ፣ ብስቓይ ሞይታ፣ ግን ክትትንስእ እያ' 

"ሓደ ኣማኒ ምስ ሞተ ብኡብኡ ነፍሱ ካብ ስጋኡ ተፈልያ ምስ ጎይታ ትኸውን። ኩሎም ኣመንቲ ዝጸባበይዎ ሓደ ዓቢ ተስፋ እንተልዩ ንሱ ከኣ እቲ ኣብ ዝኾነ እዋን ክፍጸም ዝኽእል ካልኣይ ምጽኣት ናይ ጎይታ እዩ። ጎይታ ባዕሉ ብናይ ትእዛዝ ጭድርታን ብድምጺ ሊቀ መላእኽትን ብመለኸት ኣምላኽን ካብ ሰማይ ክወርድ እዩ። እቶም ብክርስቶስ ዝሞቱውን ቅድም ክትንስኡ እዮም። ብድሕር'ዚ ንሕና ብህይወት ጸኒሕና ዘለና ንምቕባል ጎይታ ኣብ ኣየር ምሳታቶም ሓቢርና ብደበና ክንለዓል ኢና። ከምኡ'ውን ንሓዋሩ ምስ ጎይታ ክንነብር ኢና" 

"እዚ ትርእዮ ዘለኻ ድማ ናይ ሓደ ኮንስታንስ ዝበሃል ሓውና መዕረፊ እዩ። ክልተ ግዜ ናይ ሞት ፍርዲ እንተተፈረዶ'ኳ ንሱ ግና ክልቲኡ ግዜ ኣብ እምነቱ ጸኒዑ ተረኽበ። ኣብ መጀመርያ ብመርዚ ንኽመውት ተፈሪድዎ። እቲ መርዚ ገለ ከይጎደኦ ምስተረፈ ድማ ተሰይፉ። እታ ብሰይፊ ክዓትራ ዝተመደበትሉ ኣኽሊል እታ መርዚ ከተዕትሮ ኣይከለትን።" 

ብኸምዚ ድማ ነቶም ኣብ የማነ ጸጋሞም ተጻሒፎም ዝነበሩ ናይ መዘከርታ ጽሑፋት እናንበቡ ጉዕዝኦም ቀጸሉ። ማርሴሉስ ከኣ ብርክት ዝበሉ ኣስማት ናይ ቅዱሳን ብምንባቡ ፍሉይ ዝኾነ ስምዒት ፈጠረሉ።

 

ልክዕ ከምዚ ታሪኽ ቤተክርስትያን ክርስቶስ ብቐረባ ዝመርመረ ኮይኑ ተሰመዖ። እቶም ሰማእታት ዝፈጸምዎም ቅያታት ብዝተኾልዑ ቃላት ኣብ ቅድሚኡ ተመዝጊቦም ተረኣይዎ። ኣብ መብዛሕትኦም መቓብራት ተሳኢሎም ዝነበሩ ስእልታት ናይ ሓዘን ስምዒትካ ዝትንክፉ ነበሩ። ነተን ናይ ደርሆ ጭሕጋር ዝመስላ ፊደላትን፣ ኣብ ብዙሓት መቓብራት ተወቒረን ዝነበራ ጽሑፋትን ከተንብብ ከለኻ ወንጌል ነቶም ድኻታትን ናይዛ ዓለም ንዑቓትን ዝኾኑ ሰባት ክንዲ ምንታይ ክቡር መዝገብ ከምዝነበረ ክትርዳእ ይከኣል። ‘ካብ ማእከልኩም ብዙሓት ስልጡናት ብዙሓት ጭዋታት ኣይተጸውዑን፣ እንተኾነ ግና ንድኻታት ወንጌል ይስበኽ ኣሎ' ኣብ መብዛሕትኦም መቓብራት ክልተ ዝተጣመራ ናይ ግሪኽ ፊደላት ይረኣያ ነበራ። እዘን ክልተ ፊደላት ክትርጎማ ከለዋ ትርጉመን "ክርስቶስ ጎይታ" ዝብል ነበረ።

 ገሊኦም ምልክታት ብቖጽሊ ስየ ወቂቦም ይረኣዩ ነበሩ። እዚ ቆጽሊ ስየ እቶም ኣብ ዙርያ ዙፋን እቲ ቅዱስ ደው ንኽብሉ ዕድል ዝወሃቦም ቅዱሳን ኣብ ኣእዳዎም ዝሕዝዎ ናይ ዓወትን ዘለኣለማዊነትን ምልክት እዩ። ኣብ ካልኦት መቓብራት ድማ ዝተፈላለዩ ምልክታት ይረኣዩ ነበሩ። 

ማርሴሉስ ናብ ሓንቲ ናይ መርከብ ስእሊ እናመልከተ "እዚኸ እንታይ እዩ?" ክብል ሓተተ። 

"እዚኣ ናይ መርከብ ስእሊ፣ ነፍሲ ቅዱሳን ካብዛ ምድሪ ናብ ሰመያዊ ዕረፍቲ ከምዝተጓዓዘት እተመልክት እያ።" 

"ናይ ዓሳ ስእሊ ብቐጻሊ የጋጥመኒ ኣሎ፣ ትርጉሙ እንታይ ኮን ይኸውን?" 

"እዚ ትርእዮ ዘለኻ ናይ ዓሳ ስእሊ ዓሚቕ ዝኾነ ምስጢር ኣለዎ። እተን "ዓሳ" ዝብል ቃል ዝጸሓፈለን ሓሙሽቲአን ናይ ግሪኽ ፊደላት፣ ናይ ኣመንቲ ክብርን ተስፋን ዘመልክታ እየን። እዘን ሓሙሽተ ናይ ግሪኽ ቃላት ናብ ናይ ትግርኛ ፊደላት ክቕየራ ከለዋ "የሱስ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ፣ መድሓኒ ዓለም" ዝብል ትርጉም ይህባና።" 

"ሓንቲ መርከብን ሓደ ናይ ባሕሪ ኣራዊትን ብሓባር ተሳኢሎም ይረኣዩኒ ኣለው፣ ናይዚ ትርጉምከ እንታይ እዩ?" 

"እዚ ስእሊ ናይ ሓደ ቅድሚ ነዊሕ ዘመን ዝነበረ ዮናስ ዝበሃል ናይ እግዚኣብሄር ነብዩ ተምሳል እዩ። ከምዝመስለኒ ብዛዕባ ናቱ ታሪኽ ገና ኣይሰማዕካን ዘለኻ" ድሕሪ ምባል ሆኖሪዮስ ብዛዕባ ታሪኽ ዮናስ ንማርሴሉስ ክገልጸሉ ጀመረ። ናይ ዮናስ ካብ ከብዲ ዓሳ ክወጽእ ምኽኣል ናይ ክርስቶስ ካብ ከርሲ መቓብር ብዓወት ናይ ምውጻእ ትንቢት ከምዝነበረ ገለጸሉ። "እቲ ናይ ተስፋታት ኩሉ መሰረት ዝኾነ ናይ ትንሳኤ ተስፋ ዓቢ ምጽንናዕ ዝህብ ተስፋ እዩ። ነዚ ተስፋ'ዚ ከይንዝንግዕ ዘዘኻኽሩና ድማ ሓያለይ ምልክታት ኣለዉና። ናይታ ልሙዕ ቆጽሊ ኣውሊዕ ሒዛ ናብ ኖህ ዝመጸት ርግቢት ስእሊ'ውን ብዛዕባ ትንሳኤ እዩ ዘዘኻኽረና" ድሕሪ ምባል ናይቲ ስእሊ ምስጢር ኣጸቢቑ ምእንቲ ክርድኦ ብዛዕባ ማይ ኣይሂ ጽቡቕ ገይሩ ተረኸሉ። 

"ካብ ኩሎም ምልክታት፣ ናይ ትንሳኤ ተስፋና ኣዝዩ ዘበርትዖ ናይ ኣልኣዛር ትንሳኤ ስእሊ እዩ።" 

"እዚ ትርእዮ ዘለኻ ናይ መልህቕ ስእሊ'ውን ናይ ተስፋ ምልክት እዩ። ኣማኒ ዘበለ ኩሉ ብናይዛ ዓለም ማዕበል ናብትን ናብዝን እንተተገፍዐ'ኳ ናብታ ሰማያዊት ቤቱ ንምብጻሕ ካብ ምግዳል ግና ዓዲ ክውዕል የብሉን።" 

"ኣብቲ ድማ ናይ ሓደ ተባዕታይ ደርሆ ስእሊ ይረአ ኣሎ፣ ንሱ ናይ ምንቃሕ ምልክት እዩ። ጎይታና ንቕሑን ጸልዩን ዝበለና ቃል የዘኻኽረና። ናይ ሓደ ገንሸል ስእሊ ድማ እነሆልካ። ንሱ ከኣ ናይ ንጽህናን ናይ ርሕራሔን ምልክት ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፣ ነቲ ሓጢኣትና ዝጾረ ብመስዋእቱ'ውን ህይወት ዝሃበና ገንሸል ኣምላኽ ድማ የዘኻኽረና። ኣብዚ ከኣ ናይ ርግቢት ስእሊ ኣሎ። ርግቢት'ውን ከም ገንሸል ናይ ንጽህና ምልክት ኮይና፣ እቲ ኣብ ኣፋ ዝሓዘቶ ልሙዕ ቆጽሊ ኣውሊዕ ድማ ሰላም የበስር።" 

"ኣብቲ ድማ ክልተ ፊደላት ይረኣያ ኣለዋ። ንሳተን ከኣ ኣልፋ፣ ኦሜጋ ዝበሃላ ናይ መጀመርያን ናይ መወዳእታን ናይ ግሪኽ ፊደላት እየን። ነቲ ጎይታና "ኣነ ኣልፋን ኦሜጋን እየ" ዝበለና ድማ የዘኻኽራና።"

 

"እዚ ዝረኣየካ ዘሎ ኣኽሊል ድማ ተምሳል ናይቲ ጻድቕ ዝኾነ ጎይታና ኣዳልዩልና ዘሎ ዘይበርስ ኣኽሊል እዩ። ብሓፈሻ እዞም ኣበየ ቦትኡ ትርእዮም ዘለኻ ምልክታት ኩሎም ነቲ ኣብ ሰማይ ዝጽበየና ዘሎ ክብሪ ዘዘኻኽሩና ኣብ ልዕሊ ምዃኖም ነዚ ናይዛ ዓለም ጸበባ ረሲዕና፣ ብእምነት፣ ብርሃን ናይቲ ዘለኣለማዊ ክብሪ ከም እንርኢ ይገብሩና።" 

ማርሴሉስ ከኣ "እዝስ ምናልባት ምስ ናተይ መጻኢ ዝተኣሳሰረ እዩ። እዚ ቃል፣ ናይ ትንቢት ቃል ይመስል። ንሱ ጽንዓት ይሃበኒ እምበር ኣነውን ኣብ መጻኢ ናይ ክርስቶስ ምስክር ዝኾነሉ እዋን ይመጽእ ይኸውን" በለ። 

‘ማርስ፣ መንእሰይ ሓለቓ ሰራዊት፣ ብዘመነ ንግስነት ኣንድርያን ደሙ ስለ ክርስቶስ ኣፍሲሱ ብሰላም ሓሊፉ። ፈተውቱ ድማ ብሓዘንን ብፍርሃትን እዚኣ መዘከርታ ኣቝመምሉ' 

ሆኖሪዮስ ቀጺሉ "ኣብ ዓለም ጸበባ ኣለኩም። ግናኸ ኣጆኹም፣ ኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ፣ ዝብል መጸናንዒ ክርስቶስ ባዕሉ ሂቡና ኣሎ። ብሓደ ወገን ካብ ክፉእ ክንጥንቀቕ ክመኽረና ከሎ በቲ ሓደ ወገን ድማ ንሱ ባዕሉ ረዲአትና ከምዝኸውን የረጋግጸልና። ካብኡ'ውን ንድኻምና ዝኸውን እኹል ጸጋ ንቕበል ኢና" በሎ። 

ማርሴሉስ ከኣ "ናይዚ መንእሰይ ሓለቓ ሰራዊት ኣብነት ክኽተል ናይ ልበይ ሃረርታ እዩ። ከም ናቱ ደመይ ስለ ክርስቶስ ዝፈሰላ ዕለት ብተስፋ ክጽበ እየ፣ ሓንትስ ከም ናቱ እሙን ንምዃን ጥራይ የብቅዓኒ። ኣብ ማእከል ኣቶም ዓበይትን ሓያላንን ዝበሃሉ ብኽብሪ ካብ ዝቕበር ኣብ ማእከል ኣሕዋተይ ብኸምዚ ዝበለ ኣገባብ ክዓርፍ እመርጽ" በለ። ክልቲኦም ተተሓዞም ድማ ጉዕዝኦም ቀጸሉ። 

ማርሴሉስ ከኣ ከምዚ እናበለ ይሓስብ ነበረ "ብርግጽ'ውን ሞት ናይ ክርስትያን፣ ሞት ኣይበሃልን እዩ። ንክርስትያን ሞት ማለት ጭንቀት ዘይብሉ ዝተቐደሰ ድቃስ ማለት እዩ። ኣብ ግዜ ሞት ናይ ኣመንቲ ነፍሲ ምስ ጎይታ ክትከውን ናይ መወዳእታ ትንሳኤ ትጸባበ። ካብዚ ዝተለዓለ ድማ ናይ ኣማኒ ሞት ዓወትን ዘለኣለማዊ ዕረፍትን ዘዘኻኽር እዩ" 

‘ናይ ኣልፒስ መዕረፊ ቦታ።'

‘ዘቲኩስ፣ ኣብዚ ዓሪፉ ኣሎ።'

‘ኣሴሉስ፣ ብክርስቶስ ደቂሱ።'

‘ማሪቲሪያ፣ ብሰላም፣'

‘ቪዳሊያ፣ ብክርስቶስ ብሰላም።'

‘እቲ ሕያዋይ ኒሴፎሩስ ኣብ ናይ ዕረፍቲ ቦታ፣' 

እዘን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሳ ናይ መዘከርታ ቃላት እናንበቡ ክጓዓዙ ከለዉ ሆኖሪዮስ ንማርሴሉስ ከምዚ በሎ "ኣብ ገለገለ መቓብራት ተወቒሮም ዘለዉ ጽሑፋት ናይቲ መዋቲ ጠባይ ዝገልጹ እዮም። እስከ ነዚ ተዓዘብ፣" 

‘ማክሴሙስ፣ 23 ዓመታት ኣብ ምድሪ ነይሩ፣ ፈታው ኩሉ።' 

‘ቦርጎኒዮስ፣ ዕለት ሓሙሽተ ጥቅምቲ ብክርስቶስ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ፣ ኩሉ ፈታዊኡ።' 

"እዚኣተን ድማ ናይቲ መዋቲ ናይ ምድራዊ ህይወቱ ኩነታት ዝገልጻ ናይ መዘከርታ ቃላት እየን፣ 

‘ካሲልዮስ፣ ንበዓልቲ ቤቱ ካሲልያ ፕላሲንዳ ንሰናይ መዘከርታ ዘቖሞ። ብዘይ ዝኾነ ይኹን ባእሲ ንዓሰርተ ዓመታት ብሓባር ኔርና፣ ብመድሓኒና ብየሱስ ክርስቶስ።' 

‘በቲ ናይ ኣማልኽቲ ጎይታ ዝኾነ ክርስቶስ ስም፣ ቪታሊስ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ቀዳም መዓልቲ ኣብ መበል ዕስራን ሓሙሽተን ዓመትን ሸሞንተ ወርሕን ዕድሚኣ ሞይታ ኣብዚ ተቐቢራ። ምስ ሰብኣያ ዓሰርተ ዓመትን ሰላሳ መዓልትን ብሓባር ነይራ። ብክርስቶስ ናይ መጀመርያኣን ናይ መወዳእታኣን።' 

"እዚ ድማ ሓደ ኣቦ ንውላዱ ዘለዎ ፍቕሪ ዝገልጽ እዩ፣ 

‘ሎሬንስ፣ ንፍቑር ወደይ ንሰቪሩስ። ዕለት ሸውዓተ ጥሪ ብመላእኽቲ ተዓጂቡ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ' 

ሆኖሪዮስ ንማርሴሉስ ከምዚ እናበለ ከረድኦ ጀመረ፣ "ሓደ ሰብ ብየሱስ ክርስቶስ ምስ ኣመነ ካብ መንፈስ ቅዱስ ሓድሽ ዝኾነ ባህርይ ይቕበል። እዚ ሓድሽ ባህርይ ድማ ካብቲ ናይ እግዚኣብሄር ዘበለን ካብ ፍቕሩን ተኻፋሊ ይገብሮ። ከምዚ ሕጂ ዝረኣኻዮ ከኣ ኣማኒ ዝኾነ ኩሉ ንፈተውቱን ንኣዝማዱን ዓቢ ዝኾነ ናይ ፍቕሪ ስምዒት ዘርእይ'ውን ካብዚ ዝተለዓለ እዩ። ሓደ ኣማኒ ካብ ጽልዋ ናይቲ ኣረጊት ኣዳማዊ መንነቱ ነጻ ክኸውን እኳ እንተዘይከኣለ ርእሱ ዝገትኣሉ ውሽጣዊ ሓይሊ ግና ከቶ ኣይሓጽሮን እዩ።" 

ኣብ ጉዕዝኦም ዘመድ ንዘመዱ፣ ፈታዊ ንፈታዊኡ ዘለዎ ምዉቕ ፍቕሪ ዝገልጹ መግለጺታት ኣብ ነፍሲ ወከፍ መቓብር ተጻሒፎም ረኣዩ። 

ብዙሓት ኣመንቲ ብሓባር ኣብ ዝተቐበሩላ ቦታ ምስ በጽሑ ሆኖሪዮስ ንማርሴሉስ ከምዚ በሎ "ሓደሓደ ግዜ ክልተ ሰለስተ ሰባት ኣብ ውሽጢ ሓደ መቓብር ይቕበሩ። ስደት ኣብ ዝበዝሓሉ እዋን ድማ ብዙሓት ኣመንቲ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ጉድጓድ ከምዝዓርፉ ይግበር። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ንነፍሲ ወከፍ ኣማኒ እቲ ዝግባእ ናይ ቀብሪ ስነስርዓት ንምፍጻም ኣጸጋሚ ይኸውን። ሕልፍ ኢሉ ዝረኣየካ ዘሎ ድማ ኣስማቶም ናይ ዘይተፈልጡ ብዙሓት ሰማእታት መቓብር እዩ። ዋላ'ኳ ኣስማቶም እንተዘይተፈልጠ እቲ መዘከርታኦም ግና ክቡር ኮይኑ ክነብር እዩ።" እዞም ዝስዕቡ ቃላት ከኣ ኣብቲ መቓብር ነበሩ። 

‘ማርሴላ፣ ምስ ሓሙሽተ ሚእቲ ሰማእታት ዝዓረፍሉ መቓብር።' 

"ከምዚ ዝረኣኻዮ፣ እዚ ኩሉ ናይቶም ፍቑራት ዝኾኑ ክርስትያናት ኣሕዋትና መዕረፊ እዩ። ኣስማቶም ድማ ኣብ ኩለን ኣብያተ ክርስትያናት ክዝከር ክነብር እዩ። ኣብ መዓልቲ ልደት ከኣ ኣብ ዙርያ እቲ መቓብራት ተኣኻኺብና ናይ ፍቕሪ በዓል ነብዕል። ኣብዚ በዓል'ዚ እከለ ዓቢ እዩ እከለ ከኣ ንእሽተይ እዩ ዝበሃል ነገር የለን። ናይ ዓሌትን ናይ ቋንቋን ፍልልይ እኳ ንሕብረትና መሰናኽል ክኾኑና ኣይክእሉን እዮም፣ ከመይሲ ኩላትና ኣሕዋት ኢና። ከምቲ ክርስቶስ ንዓና ዘፍቀረና ንሕና'ውን ንሓድሕድና ክንፋቐር ኣለና።" 

ማርሴሉስ ኣብ ውሽጢ ካታኮምብ ኣብ ዝገበሮ ዙረት ክርስትያናት ንሓድሕዶም ዘለዎም ፍቕሪ ብቓል ጥራይ ዘይኮነስ ብግብሪ ክገልጹ ከለዉ ብቐረባ ክዕዘብ ከኣለ። ኣብ ዝበጽሖ ቦታ ዝረኸቦም ኩሎም       ሰባት ሃብታም ድኻ፣ ንእሽቶ ዓቢ ከይተበሃሃሉ ብሓድነትን ብፍቕርን ሓቢሮም ክነብሩ ከለዉ ተዓዘበ። 

ቅድሚ ሕጂ ጸረ ክርስትያናት ዝነበሩ ሰጎግቲ ሕጂ ንባዕሎም ክርስትያን ኮይኖም ምስቶም ክርስትያናት ብሓባር ክነብሩ ይረኣዩ። ኣርዑት ናይ ሕጊ ሙሴ ዝተሰብረሉ ኣይሁዳዊ ካህን፣ ምስቶም ቀደም ዝጽየፎም ዝነበሩ ኣህዛብ ሓቢሩ ክነብር ይረአ። ንወንጌል ከም ስንፍና ዝቖጽሮ ዝነበረ ግሪኻዊ፣ እቲ ዓሚቕ ምስጢሩ ስለዝተረደኦ ነቶም ዘስተናዕቖም ዝነበረ ክርስትያናት ሎሚ ናይ እምነት ኣሕዋቱ ገይርዎም ይረአ። ኣብዚ ቦታ፣ ኣነነት፤ ንዓይ ይጥዓመኒ ምባል፤ ኩርዓት፤ ቅንኣት ከምኡውን ሕሱር ዝኾኑ ናይ ስጋ ሓሳባት ንክርስትያናዊ ፍቕሪ ቦትኦም ገዲፎም ይረኣዩ። እምነት ክርስቶስ፣ ንልቢ ኣመንቲ ብምልኣት ኣብ ልዕሊ ምቁጽጻሩ፣ ኣብቶም ኣብ ካትኮምብ ዝነበሩ ክርስትያናት ዝነበረ ናይ መንፈስ ሓዊ'ውን እንተኾነ ኣብ ዝኾነ ይኹን ስፍራ መዳርግቲ ዘይርከቦ ነበረ። እዚ ዝኾነሉ ቀንዲ ምኽንያት ድማ እቲ ብዘይ ኣፈላለይ ኣብ ልዕሊ ኩሎም ዝወርድ ዝነበረ ስደት ካብ ምድራዊ ጣዕሚ፤ ካብ ናይ ዓለም ፈተናን ካልእ ፍትወታትን ገላጊሉ ብፍቕሪ ክርስቶስ ከምዝተኣሳሰሩን ነቲ ዝወርዶም ዝነበረ መከራ ድማ ብሕብረት ከምዝቕበልዎ ይገብሮም ስለዝነበረን እዩ። 

ሆኖሪዮስ ድማ ነቲ መንእሰይ በዓል ስልጣን ብዛዕባ ምስጢር ሓቀኛ ኣምልኾ ከምዚ እናበለ ገለጸሉ "ናብቲ ሓቐኛ ኣምላኽ ዝቐርብ ኣምልኾ ካብቲ ናይ ስሕተት ኣምልኾ ዝተፈለየ እዩ። ኣህዛብ ናብቶም ንጣኦታት ተባሂሎም ዝተሰርሑ ኣብያተ መቕደስ ብምኻድ ብመንገዲ እቲ ቅድስና ዘይብሉ ካህን ገይሮም ሕድገት ሓጢኣት ከምጽኡ ዘይክእሉ መስዋእትታት በብመዓልቱ ናብ ባዕዳውያን ኣማልኽቲ የቕርቡ። ንዓና ግና እቲ ገለ መንቅብ ዘይተረኸቦ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ገዛእ ርእሱ ንዘለኣለም ብቑዕ ዝኾነ መስዋእቲ ገይሩ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ኣቕሪቡልና እዩ።"

ብክርስቶስ ዝኣምኑ ኣመንቲ ኩሎም በቲ ቅዱስን ዓብዪን ዝኾነ ሊቀ ካህናት ኣቢሎም ናብ ዝፋን ጸጋ ኣምላኽ ክቐርቡ ይኽእሉ እዮም፣ ከመይሲ ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ብክርስቶስ ናይ መንግስትን ካህናትን ዓሌት ኮይኑ እዩ። ስለዚ እቶም ዘሳድዱና ካብ ኣብያተ ክርስትያናትና ከም እንስደድ እንተገበሩና'ኳ፣ ኣምልኾና ግና ፍሉይ ቦታን ግዜን ክድርቶ ኣይከእልን እዩ። ከመይሲ ሰማይ ዙፋን እግዚኣብሄር እዩ፣ ምድሪ ከኣ መርግጽ እግሩ እያ። ስለዚ ውሉዱ ዘበሉ ኩሎም ኣብ ዘዘለውዎ ቦታን ኣብ ዝጥዕሞም ግዜን ስሙ ክጽውዑ ይኽእሉ፣ ንሱ'ውን ክሰምዖም ይኽእል እዩ።" 

ማርሴሉስ ኣብ ውሽጢ ካታኮምብ ዝገበሮ ጉዕዞ ነዊሕ ስለዝነበረ ብኡ መጠን እቲ ዝወሰዶ ግዜ'ውን ነዊሕ ነበረ። ዋላኳ ናይ ክርስትያናት ምስጢር ንኽርዳእ ዓቢ ሃረርታ እንተነበሮ በቲ ዝረኣዮ ዘበለ ኩሉ ግና ካብ መጠን ንላዕሊ ተደነቐ። እንተኾነ ግና ካብ ታሪኽ ናይቶም ኣብ ካታኮምብ ዝነበሩ ክርስትያናት ገና ፍርቁ እኳ ኣይተነግሮን ነበረ። እቲ ዝገበሮ ጉዕዞ'ውን ምስ ጠቕላላ ንውሓት ናይ ካታኮምብ ክነጻጸር ከሎ ሓጺር ዝበሃል ነበረ። 

ናይቶም በዓትታት ብራኸ ኣብ ገሊኡ ቦታ ክሳዕ ሸሞንተ ጫማ (2.4 ሜትሮ) ክበጽሕ ከሎ ኣብ ገሊኡ ድማ ካብ ዓሰርተ ክሳዕ ዓሰርተ ሓሙሽተ ጫማ ይበጽሕ ነበረ። ናይቶም በዓትታት ብራኸ ምቹእ ኣብ ዝኾነሉ ቦታታት፣ መኣከቢ ክፍልታት፤ ከም ድላይካ ዘንቀሳቕሱ ቦታታትን መንበሪታትን ተሰሪሖም ነበሩ። ኣብ ናሕሲ ናይ ገለገለ መኣከቢ ክፍልታት ድማ ናይ ብርሃን ጩራ ዘእትዉ ቀዳዳት ይረኣዩ። እዚአን ቦታታት ክርስትያናት ንኽናፈሱ ዘዘውትርወን ቦታታት እየን። በቲ ቀዳድ ዝኣቱ ዝነበረ ናይ ብርሃን ጩራ ነቲ ጽንኩር ህይወቶም ብመጠኑ ሩፍታ ብምሃብ ንጹሕ ኣየር ከምዘስተማቕሩ ይገብሮም ነበረ። 

ማርሴሉስ ኣብ ገለገለ ቦታታት ብስርዓት ብስሚንቶ ተኖኮ ተወቒዑ ዝቖመ ዓንዲ ብምርኣዩ እቲ ምስጢር ንምፍላጥ ንሆኖሪዮስ ሓተቶ። ሆኖሪዮስ ድማ ከምዚ ክብል ገለጸሉ "እዚ ንበይኑ ተፈልዩ ትርእዮ ዘለኻ ዓንዲ፣ ናይ ሓደ ሮማዊ መቓብር እዩ። እቶም በዓትታት ኽኳዓቱ ከለው እቶም ኮዓትቲ ሓደሓደ ግዜ ናይ ሮማውያን ዓጽሚ ዝዓረፈሉ መቓብር የጋጥሞም። ከምዚ ከጋጥሞም ከሎ ነቲ መቓብር ከምዘለዎ ሓዲጎም ብዙርያኡ ምስ ኮዓትዎን ብተኖኮ ምስ ወቕዕዎን ስርሖም ይቕጽሉ። ከምዚ ዝገብርሉ ምኽንያት ድማ መቓብር ሮማውያን ከየፍርሱ ፈሪሆም ዘይኮኑስ ክርስትያን ዘበለ ኩሉ ብህይወት ከሎ ይኹን ምስ ሞተ ነቲ "ካብ ማእከሎም ውጹን ተፈለዩን" ዝብል ኣምላኻዊ ትእዛዝ ከኽብሩ ከምዘለዎም ስለዝተረድኦም እዩ።" 

ማርሴሉስ ከኣ ከምዚ ክብል ደጊሙ ሓተተ "መከራን ስደትን መእተውን መውጽእን ኣስኢኖምና ኣለው። ህዝቢ ኣምላኽ ከምዚ ተበታቲኖም ዝነብርሉ ክሳዕ መዓስ እዩ? እቲ ጸላኢናኸ ክሳዕ መዓስ እዩ ንኽሳቕየና ዝፍቀደሉ?" 

ሆኖሪዮስ ድማ ከምዚ ክብል መለሰሉ "ዝኸበርካ ማርሴሉስ፣ እዚ ናይ ሕጂ ሕቶኻ ንልቢ ኩላትና ዘጨነቐ ሕቶ እዩ። እንተኾነ ግና እምነትና በዚ ወሪዱና ዘሎ ክነጉረምርም ኣየፍቅደልናን እዩ። ኣብ ልዕል'ዚውን ናይ ጎይታ ረዲአት ክሳዕ ሕጂ ተፈልዩና ኣይፈልጥን እዩ። 

ክርስትያናት ብዘይመከራ ብሰላም ዝነበሩሉ እዋን ከምዝነበረ ይዝከረኒ እዩ። እንተኾነ ግና ሓሓሊፉ ከምዚ ናይ ሕጂ ዓይነት ስደት ይለዓል እሞ ብዙሓት ኣመንቲ ብግፍዒ ይሃልቁ። ዝኾነ ኮይኑ፣ ንማሕበር ክርስቶስ ካብ ገጽ ምድሪ ንምጥፋእ ተዓጢቖም ዝተለዓሉ ሓያላን ኩሎም ምኽሮም ኣብ ግብሪ ከየውዓልዎ ሓሊፎም እዮም። 

ክሳዕ ሕጂ ዝበጸሓና ስደትን መከራን ንልብና ልዕሊ ምጽራዩ ንእምነትና'ውን ኣጽኒዕዎ እዩ። ጎይታና እቲ ንዓና ዝጠቕመና ካባና ንላዕሊ ይፈልጥ እዩ። ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ስለዘለና ከኣ ልዕሊ ዓቕምና ሓንቲ ነገር ክወርደና ኣይፈቅድን እዩ። ዝኸበርካ ማርሴሉስ፣ ብዛዕባ'ዚ ጉዳይ ክንጽልን ክንነቅሕን ይግባኣና እዩ። እዚ ኩሉ መከራን ስደትን'ውን እታ ዓባይ መዓልቲ ጎይታ ከምዝቀረበት እዩ ዘዘኻኽረና" ክብል መለሰሉ። 

ማርሴሉስን ሆኖሪዮስን ብኸምዚ መልክዕ እናተመያየጡ ጉዕዝኦም ቀጸሉ። ማርሴሉስ ድማ ብዛዕባ ምስጢር ኣምላኽን ኣብ ህይወት ኣመንቲ ብዛዕባ ዘጋጥሙ ነገራትን ክሳዕ ዝኣኽሎ ክፈልጥ ከኣለ። እቲ ሓቐኛ ፍቕሮም፤ ንጽህናኦም፤ ጽንዓቶምን እምነቶምን ከኣ ኣብ ውሽጢ ልቡ ሱር ሰደደ። 

ኣብ ውሽጥ'ዛ ሓጻር ግዜ ብዝተረደኦ ነገር ድማ ዕጫ ናይ ክርስትያናት ናይ ምምራጽ ድሌቱ እናሓየለ ከምዝኸይድ ገበሮ። ብገዛእ ፍቓዱ ድማ ብስም ኣቦን፣ ወድን፣ መንፈስ ቅዱስን ተጠምቀ። 

ንጽባሒቱ ከኣ መዓልቲ ጎይታ (ሰንበት) ስለዝነበረ ኣብ መኣዲ ጎይታ ምስቶም ኣመንቲ ተቐረበ። ነቲ ቅዱስን ሞት ጎይታ ዝዝክሩሉን ስርዓት ብሓደ ልቢ ኮይኖም ክካፈልዎ ከለው ከኣ ብዛዕባ ካልኣይ ምጽኣቱ ተስፋ ይገብሩ ነበሩ። ሆኖሪዮስ'ውን ነቲ ቅዱስ መዘከርታ ዝኸውን ጸሎት ኣዕረገ። 

ማርሴሉስ ድማ ንመጀመርያ ግዜ ነቲ እንጌራን ወይንን ብምውሳድ፣ ጎይታ ስለድሕነቱ ክብል ስግኡ ከምዝተቖረሰን ደሙ ከኣ ከምዝፈሰሰን ክርዳእ ከኣለ። 

መዝሙር ምስ ዘመሩ ድማ ነናብ ቦትኦም ተበታተኑ። 

 

ትርጉም ብቐሺ እምባየ ሃብተዝጊ

ናይ ዝሓልፈ ክፋላት ንምክትታል ነዞም ኣብ ታሕቲ ዘለዉ ሊንክታት ጠዉቑ