24
Wed, Apr
0 New Articles

ኒክ ቩቺች ( Nick Vujicic)

Restoring and Healing
Typography

ብዘይ ቀላጽም ክትውለድ እስኪ ሕሰብ። ንፈታዊኻ ክትሐቑፈሉ ዘኽእሉ ቐላጽም ዘይብልካ ፡ ነቲ ኣዚኻ እተፍቅሮ ሰብ እትርምስስሉ ኣእዳው ዘይብልካ ፡ እትድህሰስሉ ኣጻብዕ ዘይብልካ፡ ኣቕሐ ወይ ነገራት እትሽከመሉ ተኽእሎን ክጠፍኣካ ከሎ ተሕልፎ ህይወት እንታይ ከምዝኾነ ምግማቱ ኣየጸግምን እዩ። ብዘይ ኣእዳውን ቅልጽምን እንተንኸውን ህይወት ክሳብ ክንደይ ኣጸጋሚ ምኾነ ይመስለኩም፧ ኣእዳው ህልዩካ ኣእጋር እንተዘይህልወካ እስኪ ዝህለወካ ምድራዊ ህይወት ሕሰብ። ክትስዕስዕ፡ ክትጎይይ፡ደው ክትብል ኣይምኸኣልካን፡፡ እዚ ክልተኣዊ ጸገማት ብሐደ ንጸንብሮም.... ኣእዳውን ኣእጋርን ዘይብልካ ክትከውን ! ንስኻ እንታይ ምገበርካ ኮን ትኸውን ፧ ኣብ እቲ መዐልታዊ ህይወትካ ዘስዕበልካ ኣሉታዊ ሳዕቤን እንታይ ምኾነ፧

 

" ሐደ ሰብ እቲ ብየሱስ ክርስቶስ ዝርከብ ዘልኣለማዊ ህይወት እንተረኺቡ...... በዚ ዕጉብ እየ "

ምስ ኒክ ቩዩቺች (Nick Vujicic) ከነላልየኩም። ኒክ ብ 1982 ኣብ መልቦርን ኣውስትራልያ ብዘይ ሕክምናዊ መግለጺን ኩተታት ኣካላዊ ጉድለቱ ካብ ሐኪም ዘድሊ ሐበሬታ ንወለዱ ከይተዋህበ ኣደንጻዊ ብዝኾነ መገዲ ኢድን እግርን ኣልቦ ኮይኑ ተወሊዱ። ከምዚ ኮይኑ ክውለድ ኣብ እቶም ቦኽሪ ውላዶም ክሐቕፉ ብዐብይ ሀረርታ ዝጽበዩ ዝነበሩ ወለዲ ዘሕደረሎም ስንባደን ጓሂን ቀሊል ከምዘይነበረ ምርዳኡ ኣጸጋሚ ኣይኮነን። ኣዲኡ ነርስ ዱሽካ ቪዩቺችን ኣቦኡ ፓስተር ቦሪስ ቪዩቺችን፡ መሐውር ኣልቦ ዝኾነ ቦኽሪ ውላድ ክወልዱ ፈጺሙ ትጽቢቶም ኣይነብረን። እዚ ዝተወልደ ውላዶም ንቡርን ሕጉስ ህይወትን ከመይ ጌሩ ከሕልፍ እዩ፧ በዚ ኣዝዩ ግዙፍ ዝኾነ ስንክልና ተወሊዱ ከመይ ጌሩ ናብራዊ ህድሆታት ክገጥሞም እዩ ፧

እዚ መሐውር ኣልቦ ኮይኑ ዝተወልደ ህጻን ሐደ መዐልቲ ንዐለም ንተስፋን ቅዱስ ምልዕዐልን ምኽንያት ክኸውን ከም ዝኽእል ክትኣምን ኣጸጋሚ ነበረ። እቲ ዘገርም ነገር ኣምላኽ ሎሚ ንኒክ ኣብ ኩሉ ኩርናዕ ዐለም እቲ ብየሱስ ክርስቶስ ዝርከብ ተስፋ ንምእዋጅ ይጥቀመሉ ኣሎ።

ኒክ ኣብ ግዜ ህጻንነቱ በቲ ዝወረዶ ኣካላዊ ስንክልና ዝተበገሰ ኣብ ትምህርቲን ግዜ ጉብዝናኡን ኣዝዩ ብሕታውነት ይስምዖን ከምዝነብረን ብተወሳኺ ስነ-ልቦናዊ ርእሰ ምትሐት ጸገማት ከምዘሕለፈ ህይወት ታሪኹ ክምስክር ከሎ ይዛረብ ። ብቐጻልነት ስለምንታይ ካብ ኩሎም ቆልዑት ፍሉይ ኮይነ ተወሊደ፧ ስለምንታይ ኢድን እግርን የብለይን፧ ዝብሉ ሕቶታት ክሐትት ልሙድ ነይሩ። ትርጉም ምንባረይ እንታይ እዩ ፧ ንምንታይ እነብር ኣለኹ፧ እናበለ ንርእሱ ብምሕታት ዝዐበየ እዩ ነይሩ ።

ኒክ ኣብ ህይወት ጉዕዞኡ ዝገጠሞ ጸገማት ንኽዕወት " ሐይልን ምልዕዐልን ዝረኸብኩ እቲ ኣብ ኣምላኽ ዘሎኒ እምነትን ካብ ወለደይን ኣዕሩኽተይ ዝረከብኩዎ ዘየቋርጽ ፍሉይ ደገፍን እዩ" ይብል።

ኒክ ብ ኣካውንቲንን ፋይናንሳዊ ፕላን ክልተ ባችለር ዲግሪ ካብ ግሪፊዝ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ሎጋን ኣውስትራልያ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ተመሪቑ። ኣብ መበል 19 ዕድመኡ ጀሚሩ እቲ ኣብ ልቡ ዝነበረ ክቱር ሕልሚ ማለት ንሰባት እቲ ብክርስቶስ ዝርከብ ተስፋ ወንጌል ብምምስካር፡ ልቢ ሰባት ዝሀንጽን ዘለዐዕልን ሀናጺ መልእኽቲ ካብ ህይወቱ ኣብነት ብሙዃን ከተባብዕን ብትግሀት ከገልግልን ጀመረ።

" ትርጉም ምንባረይን ትርጉም ኩነታተይ ረኺበ። ኣብ ውሽጢ ሐዊ ምህላውካ ርእሱ ዝኸኣለ ዕላማ ኣለዎ "

ኒክ ኣብ ጉዕዞ ህይወት ዝገጥመና ብድሆታትን ቅልስን ክንዕወተሉ ዘኽእል መገዲ እንታይ ከምዝኾነ ክዛረብ ከሎ ከምዚ ይብል። ነቶም ዝገጥሙና ብድሆታት ዘሎና ኣመለኻኽታን እንህቦም ግብረመልሲን፡ እቲ ብኣምላኽ ዘሎና እምነትን ምውካልን ኣብ እቲ ገጢሙና ዘሎ ጸገማት ንዕወተሉ ቁልፊ መገዲ ከምዝኾነ ይምስክር።

ኣብ እዚ እዋን እዚ መሐውር ኣልቦ ኮይኑ ዝተወልደ ሰብ ካብ እቶም ምሉእ ኣካል ዘለዎም ሰባት ብዝለ ዐለ ዕዉት ስራሕ ዐሚሙ ይርከብ። ኒክ ብ 2007 ዐ/ም ካብ ብሪስበን ኣውስትራልያ ናብ ካሊፎርንያ ብምግዐዝ " Life without limbs " ዝብል ግብረሰናይዊ ትካል ብምምስራት ከም ፕረዚደንትን ኣካያዲ ስራሕን ብሙኻን ይነጥፍ ኣሎ። ካብ እታ ወዲ 19 ዐመት ከሎ ኣb ቅድሚ ብዙሕ ህዝቢ ፈላሚት መደረ ዘስምዐላ መዐልቲ ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ ኣብ ኩሉ ኩርናዕ ዐለም እንዳዞረ ኣብ ቤተክርስትያን፡ ቤት ትምህርቲ፡ ዝተፈላለዩ ትካላት፡ ንመንእሰያት፡ ንደቀንስትዮ ንነጋዶን ንሚልዮን ዝቑጸሩ ሰባት ህይወት ታሪኹ ተሞክሮኡን ከካፍል ይርከብ። ኣብ ዝተፈላለዩ ዐበይቲ ናይ ተለቪጅን መደበራት ብኣካል ተረኺቡ ህይወት ታሪኹን ዘሐልፎ ፍሉይ ተሞክሮን ቃለ ምሕተት ብምሀብ ንብዙሐት ተስፋን ምጽንናዕን ምኽንያት ኮይኑ እዩ።

" ኣምላኽ ኢድን እግርን ዘይብሉ ሰብ ክጥቀም ካብ ከኣለ ፍቃድ ልቢ ንዘለዎ ሰብ እንተሎ ብርግጽ ክጥቀመሉ እዩ "

ዐለም እቲ ህይወት ኒክ ዝቐየረ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዝርከብ ተስፋ ክትሰምዕ ብርግጽ የድልያ ኣሎ !!