ሕብረት ወንጌላውያን ኤርትራውያን ኣብ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን አኼብኡ ኣብ ከተማ ናይሮቢ ሃገረ ኬንያ ሎሚ ዕለት 13 ግንቦት 2008 ጀሚሩ፣ ሕብረት ወንጌላውያን ኤርትራውያን ኣብ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ካብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝመጹ ኣገልግልቲ ናይ ስልጠና መደብ የካይድ ኣሎ፣ እቲ መደብ ንግሆ ብናይ ኣምልኾን ጸሎት መንፈስን እዩ ጀሚሩ፣
ኣኼባ ሕብረት ወንጌላውያን ኤርትራውያን ኣብ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ሎሚ ዕለት 13 ግንቦት 2008 ብወግዒ ኣብ ከተም ናይሮቢ ኼንያ ተኸፊቱ፣
ሕብረት ወንጌላውያን ኤርትራውያን ኣብ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን አኼብኡ ኣብ ከተማ ናይሮቢ ሃገረ ኬንያ ሎሚ ጀሚሩ፣ ሕብረት ወንጌላውያን ኤርትራውያን ኣብ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ካብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝመጹ ኣገልግልቲ ናይ ስልጠና መደብ የካይድ ኣሎ፣ እቲ መደብ ንግሆ ብናይ ኣምልኾን ጸሎት መንፈስን እዩ ጀሚሩ፣
ብድሕሪ እዚ ኸኣ ካብ ሃገረ ሕቡራት ሃገራት ኣሜርካ ሎስኣንጀሎስ ካሊፎርኒይ ዝመጸ ዋና ጸሓፊ ሕብረት ኤርትራውያን ኣብ ሰሜን ኣሜርካ ፓስተር ኢሳቕ በራኺ ኣገልገልቲ ሓድስ ኪዳን ክንከውን ከኣልቲ ገበረና ዝብል ኣስትምህሮን ስልጠናን ሂቡ እቲ ኣስትምህሮ ዕምቀት ዘለዎ ሰፊሕ እዩ ኔሩ፣
ብድሕሪ ሓጺር ናይ ሻሂ ግዜ ኸኣ ፓስተር ኢሳቅ እቲ ኣስትምህሮ ቐጺልዎ፣ ብድሕሪ ናይ ምሳሕ ግዜ ኸኣ ሓው ፓስተር ኣቤል መብራህቱ ካብ ነርወይ ብዛዕባ ተራ ኣገልጋሊ ዝምልከት ኣስተምህሮ ኣቕሪቡ፣
ብድሕሪ እዚ ብሕብረት ወንጌላውያን ኤርትራውያን ኣብ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ዝተኣወጀ ኣገራዊ መዓልቲ ጸሎት ብዛዕባ ኤርትራ እዩ ቐሪቡ፣ ህዝቢ ኣምላኽን መራሕትን ከኣ ብዛዕባ እታ ኣብ መከራንን ውርደትን ዘላ ኤርትራ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብንስሓ ቐሪቦም፣ ነቲ ናይ ጸሎት መደብ ከኣ ሓው ኣገልጋሊ ምስግና ኣብርሃ ካብ ኢማራት ዓረብ መሪሕዎ፣ ኣብዚ ኣኼባ እዚ ካብ ዓዲ እንግሊዝ ዝመጸ ዋና ጸሓፊ ወንጌላውያን ኤርትራውያን ኣብ ኤውርጳ ሓው ኣብርሃለይ ስዩም ካብ ስውዲን ካልእን ዝመጹ ኣጋይሽ ይሳተፍዎ ኣለዎ፣ እቲ መደብ ከኣ ጽባሕ እውን ቀጺሉ ክውዕል እዩ፣ ኣምላኽ ነዚ ከምዚ ዝኣመሰል ሕብረት ስለ ዝሃበ እናመስገና ከምዚ ዝዓይነቱ ሕብረትን ፍቕርን ኣብ ኤርትራውያን ክቕጽል ከኣ ጸሎትና እዩ፣ ሕብረት ወንጌላውያን ኤርትራውያን ኣብ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ዝገብሮ ዘሎ ስራሕ ብቐሊል ዝረኣ ኣይኰነን ስለዚ ናይ ኩላትና ጸሎትን ደገፍን ከኣ የድልዮ እዩ፣ ኣምላኽ ሰማይ ንሃገርና ኤርትራ ይባርኽ፣
ኣኼባ ሕብረት ወንጌላውያን ኤርትራውያን ኣብ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ኣኼባ ጀሚሩ
Typography
- Font Size
- Default
- Reading Mode