21
Sat, Jun
0 New Articles

ሃገራዊ ጸሎት ፣ ሃገራዊ ሓድነት የምጽእ!

News
Typography
ረዲኤትናሲካብቲ ሰማይን ምድርን ዝገበረእግዚኣብሄር እዩ ዚመጽኣና። ግንቦት 13 (ሰሉስ) ናይ ንስሓ ጸሎት መጽሓፍ ቅዱስ ከምዝምህረናን ንሕና’ውን ኣብ ህወትና ከምእተሞከርናዮ ፣ ሓጢኣት ናይ ዕንወት፣ ክሳራን፣ መርገምን ምኽንያት ኪኸውን ከሎ ኢና ንርእዮ። እዩ እዚ ጥራይ’ውን ኣይኮነን። ሓጢኣት ንሰይጣን ኣሕሊፉ ዝህበካ ናይ ሕማም፣ ድኽነት ምንጪ እዩ። ቃል ኣምላኽ ከምዚ ይብል
 


ሃገራዊ ጸሎት ፣ ሃገራዊ ሓድነት የምጽእ!

"ረዲኤትናሲ

ካብቲ ሰማይን ምድርን ዝገበረ

እግዚኣብሄር እዩ ዚመጽኣና።"

ግንቦት 13 (ሰሉስ) ናይ ንስሓ ጸሎት

መጽሓፍ ቅዱስ ከምዝምህረናን ንሕና'ውን ኣብ ህወትና ከምእተሞከርናዮ ፣ ሓጢኣት ናይ ዕንወት፣ ክሳራን፣ መርገምን ምኽንያት ኪኸውን ከሎ ኢና ንርእዮ። እዩ እዚ ጥራይ'ውን ኣይኮነን። ሓጢኣት ንሰይጣን ኣሕሊፉ ዝህበካ ናይ ሕማም፣ ድኽነት ምንጪ እዩ። ቃል ኣምላኽ ከምዚ ይብል

"...ሓጢኣት ውርደት ህዝብታት እዩ።" ምሳ14.34ለ

እምበኣር ፈውሲን ተሓድሶን ክመጽእ እንተኾይኑ ሓጢኣት ከም ንርስሓት ጌርካ ካብ ቤት ተርሕቖ ካብ ግልና ኮነ ካብ ሃገር ኪርሕቕ ይግባእ። ሃገር ከኣ ሽዑ እያ ትልምልም። በዚ ምኽንያት እዚ ምሕረት ኣምላኽ ብሓቂ የድልየና እቲ እንኮ መንገዲ ከኣ ርእስና ኣትሒትና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብንስሓ ምቕራብ እዩ። እግዚኣብሄር ምሕረተኛ እዩ እሞ ንሱ ይቕረ ዝብል ኣምላኽ እዩ። ብሓቂ ከም ህዝቢ ምሕረት ኣምላኽ የድልየና ኣሎ።

ከምቲ ነህምያ ጌሩ ዝጸለዮ

"ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽሰማይ ፣ ዓብይን መፍርህን ኣምላኽ ፣

ነቶም ዝፈትዉኻን ኪዳንካን ምሕረትካን እትሕሉ ፣

እቲ ንዓኻ ዝበደልናዮ ሓጥያት ህዝበይ ዝእመኖ ዘሎኹ ፣

ኣነን ቤት ኣቦይንሲ በዲልና ኢናሞ ፣ እዚ ኣነ ባርያኻ ሕጂ ብዛዕባ ባሮትካ

ደቂ እስራኤል ለይትን መዓልትን ኣብ ቅድሜኻ ዝጽልዮ ዘለኹ ክትሰምዕ ፣ በጃኻ ፣ ኣእዛንካ ጽን ይበላ ፣ ኣዒንትኻ ይከፈታ።

ንሕና ንዓኻ ኣዚና ዕጊብና ፣ እቲ ንባርያኻ ሙሴ ዝኣዘዝካዮ ትእዛዛትን ሕጋጋትን ፍርድታትን ፍርድታትን ድማ ኣይሓሎናዮን።" ነህ 1፣5-8

ንሕና'ውን ቁጥዐ ኣምላኽን ንምዝሓል ሓጢኣትናን ሓጢኣት ህዝብናን ሒዝና ኣብቲ ነቓዕ ክንቀውም ይግባኣና እዩ። ምሕረት ኣምላኽ ከኣ ነቶም ዝፈርሆ ንዘልኣለም ይነብር።

ኣምላኽ ይባርኽኩም!

ክፍሊ ጸሎት ሕ.ወ.ኤ.-ኣ.ማ.ም.

ምሕረትኣብ ዘሚኪኤል