21
Sat, Jun
0 New Articles

ሃገራዊ ጸሎት! ሃገራዊ ሓድነት የምጽእ!

News
Typography

ሓደ ንሽሕ ... ክልተ ንዓሰርተ ሽሕ...

" ሃገራዊ ጸሎት!  ሃገራዊ ሓድነት የምጽእ!“ረዲኤትናሲ ካብቲ ሰማይን ምድርን ዝገበረእግዚኣብሄር እዩ ዚመጽኣና።”
ሓደ ንሽሕ ... ክልተ ንዓሰርተ ሽሕ..." ሃገራዊ ጸሎት!  ሃገራዊ ሓድነት የምጽእ!“ረዲኤትናሲ ካብቲ ሰማይን ምድርን ዝገበረእግዚኣብሄር እዩ ዚመጽኣና።”ከምዝፍለጥ ግንቦት 18 ፣ 2008  ሃገራዊ መዓልቲ ጸሎት ኮይኑ ተኣዊጁ ኣሎ። ብተወሳኺ ድማ ኩላትና ብሓባር ነታ ቅድሚኣ ዘላ ሰሙን ፣ ብዝጥዕመና መንገዲ ፣ ብውልቂ ይኹን ብሓባር ፣ ናይ ጸሎት ሰሙን ጌናያ ክንውዕል ንላቦ። በዚ መሰረት ድማ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ነናታ ናይ ጸሎት ኣርእስቲ ተዋሂብዋ ብሓባር በቲ ዝወሃብ ኣርእስቲ ጸሎት ይጸሊ።ግንቦት 12 (ሶኒ) ናይ ምስጋና ጸሎት - መዝ. 137
  • ንኣምላኽ ስለቲ ኣምላኽነቱ ነመስግኖ - መዝ. 136
  • ስለቲ 2007 ብደሓን ዘሕለፈና ነመስግኖ
  • ስለቲ ነቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ህዝብና ዝገበሮ ናይ መንፈሳዊ ምንቕቓሕን ሓድነትን ነመስግኖ (ብፍላይ ድማ ኣብ ኣፍሪቃ)
ግንቦት 13 (ሰሉስ) ናይ ነስሓ ጸሎት - ነህ. 1.6
  • ስለ ቤተክርስትያን
    •  
      • ነስሓ ስለቲ ኣብ ሞንጎ ኣብያተክርስትያን ዝግበር ምፍልላይን ዘይምቅብባልን
      • ነስሓ ስለቲ ብግቡእ ከም ቃል ኣምላኽ ዘይምምልላስና
  • ስለ ህዝቢ
    •  
      • ነስሓ ስለቲ ዘሎ ብዝሒ ኣማልኽቲ
      • ነስሓ ስልቲ ንሓድሕድና ዘይጽዋርናን ዘሎና ትዕቢትን
  • ስለ መንግስቲ
    •  
      • ነሓ ስለቲ ንወንጌል ምጽራር
ግንቦት 14 (ረቡዕ) ገጽ ኣምላኽ ምድላይ - 2ዜና 7.14
  • ልቢ ህዝብና ናብ ኣምላኽ ገጹ ክምለስ
  • ኣምላኽ በንፈሳዊ በረኸቱ ክበጽሓና (ተሃድሶን ምንቕቓሕን ክኾነልና)
  • ምድርና ክፍውሰልና
ግንቦት 15 (ሓሙስ) ጸሎት ስለታ ኣብ ስደት ዘላ ቤተክርስትያን
  • ነቶም ብሰንኪ እምነቶም እተኣስሩ እምላኽ ጸጋ ክብዝሓሎም
  • እቲ ዘሎ ስደት ንምስፋሕ ወንጌል ምኽንያት ክኸውን - 2ጢሞ 2.9
  • ስደት ከብቅዕ
ግንቦት 16 (ዓርቢ) ጸሎት ስለ ምስፋሕ ወንጌል
  • ናይ ወንጌል ኣገልገልቲ ክትንስኡልና - ማቴ 9.37-38
  • እግዚኣብሄር ኢዱ ክዝርግሕ እሞ ሓይልን ትብዓትን ክህበና ንወንጌል ድማ ክንእውጅ - ግብ 4.30
  • ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ዘሎ ህዝብና ወጌል ንክቕበል ኣምላኽ ልቦም ክረትዕ
ግንቦት 17 (ቀዳም) ጸሎት ስለ መግስቲ - 1ጢሞ 2.1-5
  • ነቲ ኣምላኽ ዚሃቦም ስልጣን ዝኸውን ጥበብን ምስትውዓልን ክበዝሓሎም - 1ጢሞ 2.1-5
  • ኣብ ቅድሚ ኣምልኽ ትሕት ክብሉ
  • ነቲ ናይ ኣምላኽ ነገር ካብ ምጽራር ልቦም ክምለስ
  • ነቲ ዘሎ ኩነታት ናብ ረብሓ ህዝቢ ክቕይርዎ
ግንቦት 18 (ሰንበት) ጸሎት ብዛዕባ ሰላምን ቁጠባን ሃገርና - መዝ 144.12-14
  • ሰላም ኣብ ሃገርና ሰፊኑ ህዝብና ብህድኣት ክነብር
  • ኣምላኽ ስሩዕ ክራማት ክህበና
  • ምድርና ተፈዊሳ ፍሬኣ ክትህብ
  • ካብ ህዝብና ጠምዮ ዝሓድር ከይህሉ