21
Sat, Jun
0 New Articles

ሃገራዊ ጸሎት ፣ ሃገራዊ ሓድነት የምጽእ!

News
Typography

"ረዲኤትናሲ

ካብቲ ሰማይን ምድርን ዝገበረ

እግዚኣብሄር እዩ ዚመጽኣና።"

 ግንቦት 12 (ሶኒ) ናይ ምስጋና ጸሎት

 "ኦም በለስ ኣይክትዕንብብን ፣ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ ፍረኣይክህልውን ፣

ፍረ ኣውሊዕ ኪጠልም ፣ ግርሁ መግቢ ኣይክህብን እዩ ፣ ኣባጊዕ ካብ ደምበ ኺጠፍኣ ፣ ኣሓውን ኣብ ደንቤታት ኪሰኣና እየን። እነ ግና ብእግዚኣብሄር ባህ ክብል ፣ ብኣማኽ ምድሓነይ እልል ክብል እየ።" (እምባቆም 3.17-18)


ምስጋና መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ሓጎስ ዝፍልፍል ፣ ካብ ድሌትካ ምስ ተመላእካ ፣ ጸሎትካ ምስ ተመለሰልካ ፣ ካብ ሰብ ናብ ኣምላኽ ዝቐርብ ጥዑም ዚመእዝኡ ኣምላክ ከኣ ተሓጉሱ ዘጫንዎን መስዋእቲን እዩ። እንተኾነ ኣብ ገለ ግዜታት ከምዚ ዓይነት ከይከውን ይኽእል እዩ። እዚ ማለት ከም ሰብ ካብቲ ዝተገብረልካ ዘተገብረልካ ዝበዝሕ ኮይኑ ዝስምዓካ ግዜታት ኪህሉ ይኽእል እዩ። ወይ'ውን ካብቲ ኣብ ህይወትካ ዘሎ ጽቡቕ ነገር እቲ ብድሆታት ዝበዝሕ ኮይኑ ዝርኣየካ ግዜያት ኪህሉ ይኽእል። ኮታ ምምስጋን ዝኸብደካ እዋናት ኪህሉ ይኽእል'ዩ።

ንኣብነት ደቂ እስራኤል ኣብ ምርኮ ከለዉ መዝሙር ጽዩን ክዝምሩን ክሕጎሱን ምስ ሓተትዎም ፣ ከመይ ጌርና እሞ ክንዝምር ፣ መሰንቆታትና ኣብቲ ኣብኣ ዘሎ ዕቦላት ሰቒልና እናበሉ እዮም መሊሶም። (መዝ.137)  እንተኾነ ግና እታ ምዕራፍ ብኸምኡ ኣይውድኤትን። በዘን ክልተ ጥቕስታት እያ ወዲኣ ፣ መዝ 137፣8.9 ፣ ኣቲ ክትዓንዊ ዘሎኪ ጓል ባቢሎን ሕነ እቲ ዝገበርክና ዝፈድየኪ ምስጉን እዩ (ቁ.8)። ንህጻናትኪ ሒዙ ኣብ ከውሒ ዚጨፍለቖም ምስጉን እዩ (ቁ.9)። ሕጂ'ውን ንሕና ከም ኤርትራውያን ብዘሎ ኩነታትና ክንሓልፎ ዘለና መከራታት ኩሉ ምምስጋን ዝኸብድ ኪኸውን ይኽእል'ዩ እንተኾነ ግና እቲ ኣብ ኩሉ ዘመናት ንቃሉ ዘጽንዕ ኣምላኽ ምስጉን እዩ። ኩሉ ዝኸብደናን ዘሕዘነናን ጉዳያት ከይከሓድና ፣ ክንዮቲ እንሓልፎ ዘለና ኣማዕዲና እቲ ኣብ ልቢ ኣምላኽ ዘሎ ንዓና ዝነድድ ፍቕሪ እናረኣና ከምዚ ንበል ፣

እቲ ዘይለዋወጥ ኣምላኽና ምስጉን እዩ ፣

እቲ ተስፋኡ ክፍጽመልና ናባና ገጹ ዘቕርብ ዘሎ ኣምላኽ ምስጉን እዩ።

ከምቲ ኣብርሃም ምሟት ማህጸን ሳራ እናረኣየ ንኣምላኽ ክብሪ ሃበ ዝብሎ እሞ ናይ እምነት ኣቦ ኸኣ ዝተባህለ ንሕና'ውን ኣምላኽና ኣብ ግልና ኾነ ቤተክርስትያንና ከምኡ'ውን ኣብ ሃገርና ክበጽሓና ስለዝኾነ እቲ ንኣምላኽ ዝግባእ ምስጋናን ክብርን ከይተኸልከልና ነፍስሰሉ።

 

ኣምላኽ ይባርኽኩም!

ክፍሊ ጸሎት ሕ.ወ.ኤ.-ኣ.ማ.ም.

ምሕረትኣብ ዘሚኪኤል