ረዲኤትናሲ
ካብቲ ሰማይን ምድርን ዝገበረ
እግዚኣብሄር እዩ ዚመጽኣና።
(መዝ 121.2)
ኣዋጅ ሃገራዊ መዓልቲ ጸሎት ኤርትራ
ሕብረት ወንጌላውያን ኤርትራ ኣብ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን (ሕ.ወ.ኤ.-ኣ.ማ.ም.) ንግንቦት 18 ፣ 2008 (ሳልሰይቲ ሰንበት ናይ ወርሒ ግንቦት) ስለ ህዝብናን ሃገርናን ቤተክርስቲያን ኤርትራን እትጽልየሉ ሃገራዊ መዓልቲ ጸሎት ኮይና ኪትውዕል ይጽውዕ ። እዚ ጸውዒት እዚ ምስ ሕብረት ኤርትራውያን ክርስትያናት ኣብ ሰሜን ኣሜሪካን ሕብረት ኤርትራውያን ክርስትያናት ኣብ ኣውሮጳን ብምርድዳእ እተግብረ ብምዃኑ ኩሉኹም ኤርትራውያንን ብዛዕባ ኤርትራ ጾር ዘለኩምን ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ ብሓባር፣ ኣምላኽ ንሃገርና ዚኣተወላ ተስፋታት ብምልኣት መታን ኺፍጸምን መታን ክርከበልናን ብሓደ ልብን ብሓደ ሓሳብን ሰሚርና ናብ ኣምላኽና ንማህለል።
ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እተአብረ ብዙሓት ኣገልገልትን ኣጋይሽን ንብዙሓት ኣብያተ ክርስቲያንን ሃገራትን ወኪሎም ኣብዚ እተጠቕሰ ዕለት ኣብ ናይሮቢ ፣ ኬንያ ሓቢሮም ብስምምዕ ኪጽልዩ እዮም። ብተወሳኺ ድማ ኣብዚ ናይ ጸሎት መዓልቲ ወከልቲ ሕብረት ክርስትያናት ኤርትራውያን ኣብ ሰሜን ኣሜሪካን ሕብረት ኤርትራውያን ክርስትያናት ኣብ ኣውሮጳን ክሳተፉ እዮም። ስለዚ ነፍስ-ወከፍ ሰብን ቤተክርስቲያንን ብናይ ሕብረት መንፈስ ሰሚሩ ነዞም ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሮም ዘለዉ ኣርእስቲ ጸሎት ኪጽሊ ፣ በቲ ጸሎት ሰሚዑ ዚምልስ ኣምላኽ ንምሕጸን ።
ኣርእስቲ ጸሎት፡
መእተዊ፣- ናይ ምስጋና ጸሎት ብዛዕባ ሓገርናን ህዝብናን
ነስሓ፣- ስለሃገርና ምሕረት ምሕታት - እግዚኣብሄር ንኹሉ በደልና ይቕረ ኪብል ፣ (ነህ 1.6 ፣ 2ዜና 7.14)
ልቢ ህዝብና ናብ ኣምላኽ ክምለስ
ንስሓ ኣብ ክንዲ ህዝብናን ፣ መንግስትናን ፣ ቤተክርስታያንን
(መዝሙር 51.17 ንስቡርን ቅጥቁጥን ልቢ ኣይትንዕቆን ኢኻ።)
ህላወ ኣምላኽ ኣብ ምድርና ብሓይሊ ክግለጽ፣-
ኣብ ምስፋሕ ወንጌል ፣ ኣብ ሰላም ሃገርና (መዝ 46.9) ፣ ኣብ ቁጠባ ሃገርና
ኣብ ስደት ዘላ ቤተክርስትያን፣-
ኣምላኽ ጸጋኡ ኼብዝሓላ ፣ (እብ 13.3)
እቲ ስደት ንወንጌል ኪጠቅም ፣ (ፊሊ 1.12 ፣ ግብ 4.24-31)
ካብ ስደትን መከራን ተናጊፋ ፍትሒ ክትረክብ ፣ (መዝ 44.23)
መራሕትናን መኳንንትናን፣-
እግዚኣብሄር ጥበብን ምስትውዓልን ኪህቦም ፣ ሓለዋኡ ኸኣ ኬብዝሓሎም ፣ (1ጢሞ 2.1-2)
ኣምላኽ ኣዕዚዙ ይባርኽኩም!!
ቦርድ ሕ.ወ.ኤ.-ኣ.ማ.ም.
ናይሮቢ ፣ ኬንያ
ሚያዝያ 2008