11-09-2016
ንነሳሕ ንነሳሕ ንነሳሕ!!
ስሙ ኣብዚ ኪጠቅሶ ዘይደለየ ሓደ ካብቶም ዝምህሮምን ዘሰልጥኖምን ብጐይታ ናእሽቱ ኣሕዋተይ ቅድሚ ቁሩብ ደቃይቅ ደዊሉለይ። እዚ ሓው እዚ ብፍላይ ሕጂ ንኣስታት እዚ ክልተ ወርሒ ዚኣክል እተፈላለየ ራእታትን መልእኽቲታትን ይርኢን ይቅበልን። ገለ ገሊኡ ንምርዳኡውን ኣሸጋሪ ዝኰነ ራይታት ይርኢ።ብጐይታውን ገና ንእሽቶ ስለ ዝዀነ፡መዓልታዊ ፡ ሓደ ሓደ ጊዜ 3-4 ጊዜ ንመዓልቲ፡እዩ ምኽሪ ደልዩ ዝድውለለይ። ኣነ ድማ ብትርን ብጽኑዕን እየ ዝምዕዶ። ናይዞም ናይዚ ዘመን እዚ መብዛሕትኦም ነቢያት “ሸው ኦፍ” ኮፒ ኪገብር ከም ዘይብሉ፣ ነቲ ዝረኣዮ ከይወሰኸ፣ ከየጉደለ፣ ከይለወጠ፣ ኪዛረብ፡ ክብሪ ሪእሲ ንዝባሃል ኩሉ ድማ ኪቀትሎ ከም ዘለዎ ብዙሕ እየ ብትሪ ዝመኽሮ።
ኣቀድም ኣቢሉ ድማ፡ ብዛዕባ ኤርትራ ራእይ ከም ዝረኣየ ነጊሩኒ። ነቲ ዝረኣዮ ራእይ ደጋጊመ ብምሕታት፡ እታ ልክዕ ዝረኣያ ራእይ ኣብዚ ኪጽሕፈልኩም እየ! እቲ ራእይ ኣዚዩ ንልብኻ ዝኸብድ ኣሉታዊ ነገር ኣለዎ፡ ንልብኻ ዘጸናንዕ ድማ ኣዎንታዊ ነገር ኣለዎ።
መጽሓፍ ቅዱስ “መንፈስ ኣይተጥፍኡ። ትንቢት ኣይትንዓቑ። ንዅሉ ተዓዘብዎ፡ ነቲ ሰናይ ሐዝዎ። ካብ ክፉእ ዘበለ ዅሉ ርሐቑ” (1 ተሰሎንቄ 5:19-22) ስለ ዝብል፡ ስለ እዛ ሃገር ኣምሪርና ንጸሊ!
እታ ራእይ ከምዚ ዝስዕብ ትመስል፡“መጀምርታ) ኤርትራ ብምልእታ ባንዴራ ናይ ኤርትራ ተሸፊና ይርኢ።ካልኣይ) ሓንቲ ኣብቲ ለዓታ ወይ መትሓዚኣ መስቀል ዘለዋ ሰይፊ ካብ ሰማይ ወሪዳ ኣብታ ካርታ ናይ ኤርትራ ኣብ ማእከል ትኣቱ። እቲ ብልሒ ጫፍ ናይታ ሰይፊ ናብቲ ናይ ዓሰብ ጫፍ ኤርትራ ኪሳዕ እቲበጽሕ ትሰጥም። እቲ መስቀል ዝመስል፡ ክልተ ጫፍ መትሓዚ ናይታ ሰይፊ ድማ ነተን ክልተ ናብ ከሰላ ዘብልን ናብ ቀሕ ባሕሪ ዘብል ናይ ኤርትራ ጫፍ ናብ ጫፍ ይበጽሓ፡ ይሰጥማ። ኰታ ኩለንተና ናይታ ሰይፊ ንምልእቲ ኤርትራ ትሽፍና።ምሉእ ብምሉእ ናብ ምልእቲ ኤርትራ ትሰጥም። ሳልሳይ) በቲ ጫፍጫፍ ናይታ ሰይፊ ጸልማትን ገደልን ዝዀነ ጐዳጉዲ ይርኢ። ራባዓይ) ንጭርኡ ወሲኽካ ንምልእቲ ኤርትራ ዝመልኤ ሓደ ኣዚዩ ዓቢዪ ሓርገጽ ይርኢ። ሓሙሻይ) ኣብ ማእከል እቲ ሓርገጽን እታ ሰይፍን ከምልጡ ዘይከኣሉ ብዙሓት ሰባት ይርኢ፡፡ እቲ ሓርገጽ ብኹሉ ሸነኽ ኣካላቱ ማለት እዩ፡ ነቶም ሰባት ናብቲ ጐዳጉዲ ብጭካነ እናደፍኤ፡ እናደፍኤ የእትዎም ነይሩ። ሻድሻይ)ክልተ ነገር ይኸውን፡ ሓደ፡ ጸሓይ ኣብ ማእከል ኣስመራ ኪትበርቅ ትጀምር።ብንእሽቶ እያ ትጅምር። እታ ሰይፊ ድማ ኩለንተንኣ ሓዊ ክትቃጸል ትጀምር። ድሕሪኡ እቲ ነቶም ኣብ መንጎኡን (ኣብ መንጎ ገዛእ ርእሱ) መንጎ እታ ሰይፊ ንዝነብሩ ሰባት ደደፊኡ ናብቲ ጐዳጉዲ ዘጽነተ ሓርገጽ ኪሃድም ይደሊ፡ ብዙሕ ፈንጠርጠር ይብል፡ናብ ብዙሕ ቦታ መህደሚ ንምርካብ ይፍትን፡ ግናኸ ብቅሚቱ ኰነ ብድሕሪቱ መውጽኢ ይስእን። ። ኣብ መወዳእታ ግና፡ ስለ ዘይከኣለ ናብቲ ብዙሓት ሰባት ዝኣተውዎ ጐዳጉዲ፥ ሸተተተት እናበለ ይኣቱ። ድሕሪኡ እታ ጻሓይ ኣዚያ ደሚቃ ትበርቅ። እታ ሰይፊውን ኣዝያ ትነድድ። ሻብዓይ) ኣብ መወዳውን እታ ሰይፊ ካብታ ውሽጢ ምድሪ ወጺኣ፡ ብብልሓ ዘይኰነስ በቲ ኖርማል፡ ብላዕሊ ኰይና ግናኸ እና ነደደት ኣብ ምልእቲ ካርታ ኤርትራ ትዝርጋሕ ወይ ትስጣሕ። እታ ሰይፊ ካብታ ምድሪ ምስ ወጸት ድማ እቲ ጐዳጉዲ ኩሉ ይዕጾ።እቲ ጐዳጉዲ እታ ምድሪ ይዕጾ። እታ ሰይፍን እታ ጸሓን ግና ኣዚየን ይደምቃ። ኣዚዩ ዓቢዪ ብርሃን ድማ ይኸውን።“
ኣቱም ከይተሓለልኩም ብእሙንነት ብዛዕባ እዛ ምድሪ ዝጸለኹም ቅዱሳን ኩላትኩም ኣበርቲዒኩም ጸልዩ! ንጸሊ! ኣምላኽ ይባርኽኩም!
እህህህህ ! ዎ እግዚኣቢሄር ኣምላኽና እዚ ሰይፊ እዝስ፡ እቲ ዝሓለፈ ዘስካሕክሕ ሰይፊ ደኣ ይኹነልና! ዎ ኣምላኽ ብሕጂ ዝመጽእ ዘይፍስ መን ኪኽእሎ እዩ!? ዎ ኣምላኽ ዓቅሚ እቲ ዝፈጠርካዮ ህዝቢ ኣዚዩ ሕደት ምዃኑ ዘክር! ዎ ጐይታይ ኣብ ማእከል ፍርድኻ ምሕረትካ ዘክር!
ራእይ ብዛዕባ ኤርትራ
Typography
- Font Size
- Default
- Reading Mode