23
Thu, Jan
0 New Articles

ግንቦት 24 መዓልቲ ምምላስ ትኹነልና!!

News
Typography

ጽባሕ ግንቦት 24 መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ እዩ። ኣምላኽ ከም ሃገር ነጻ ክንከውን ስለ ዝፈቐደ ስብሓት ክብሪ ሞጎስ ንዕኡ ነበይኑ ይኹን። ብምኽንያት እዚ በዓል ኣብ ፈኸዶ ቦታ ዝግበር ዘሎ ዳንኬራ ጓይላን መደረን ካልእን ግና ኩሉ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ መሰረት ዘይብሉ እዩ። ዎ ኩቡር ህዝቢ ኤርትራ ሃገር እናዳጠፍኣት ሰብ እንዳ ተቐዝፈ ጸልማት እንዳዓዘዘ ጓይላ ዳንኬራ ሳዕስዒት ኣይድልን እዩ። ኡይ እዩ ዘድሊ ከም ሰብ ነነዌ ከሊ ተኸዲንካ ንኣምላኽ ሰማይ ርድኣና እዩ ዘድሊ። ኣሕዋትና ኣብ ምድረበዳ ሊብያን ባሕሪ ሜድትርንያን ይቕዘፉ ኣለዉ።


መንእሰያትና ኣብ በረኻን ስደትን ከርተት ይብሉ ኣለዉ፣ ኤርትራውያን ግዜ ሳዕስዒት ግዜ ጓይላ ግዜ ፊስቲቫል ኣይኮነን። ሰዓት ንስሓ ግዜ ዋያትና ንብዓትን እዩ። ኤርትራ ምድሓን ትደሊ ኣላ። ካብ ጎቢጡ ሒዝዋ ዘሎ ሓይሊ ጸልማትን ኣጋንንትን። ናጽነት እንታይ ድዩ ትርጉሙ? ሳዕሲዒት? ጓይላ? ዳንኬራ? መደረ? ኣይኰነን። ኣንቱም ኤርትራውያን ዘይንእዊ ንኣምላኽ ምሕረት ክገብረልና ዘይንሓቶ። ንዘልኣለም ንገዛእ ርእስና ኣብ ስቓይ ክትነብር ምርጫና ድዩ? ኣምላኽ ጸዊዒካዮ ዝምልስ የእዊኻ ዝረድእ እኰ እዩ። ልዕሊ እዚ ዘሎና ጸልማት እንታይ ክመጸና? ልዕሊ እዚ ንሓልፎ ዘሎና መከራ እንታይ ክወርደና? ልዕሊ እዚ ንስደዶ ዘሎና ፍልሰት እንታይ ክመጸና? ልዕሊ ሞት መንእሰያትና እንታይ ክመጸና? ኣምላኽ ሰማይ ክንምለሶ ይደሊ ኣሎ። ምድሓን ሃገርና ክቕልጥፍ፣ ድምጺ ጥቑዓትና ክስማዕ፣ ማእሰር ኣሱራትና ክፍታሕ፣ ምድሪ ፍርአ ክትህብ፣ ጸልማት ክቕንጠጥ፣ መንእሰይ ናብ ገዛ ክምለስ፣ ሓርስታይ ሓሪሱ ክኣቱ፣ ተመሃራይ ጉዳይ ትምህርቱ ክገብር፣ ፍትሒ ክነግስ ዓመጽ ክርሕቕ ብልሽውና ክጠፍእ ፍቕሪ ክነግስ፣ ናብ ኣምላኽ ንመለስ። ግንቦት 24 መዓልቲ ጓይላን ስኽራንን ፈንተዝያን በዓልን ዘይኰነ መዓልቲ ንስሓ ትኹነልና።