23
Thu, Jan
0 New Articles

ኣብዓዕላ ናጽነት ኤርትራ ብጓይላዶ ወይ ብንስሓ?

News
Typography

 ኣብዚ ቕንያት እዚ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ናጽነት ሃገሩ ዝዝክረሉ እዋን እዩ። ድሮ ከም ሃገር ከም እንቐውም እንሆ 19 ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ። ኣምላኽ ስለ ዝሃበና ናጽነት ክብሪ ንስሙ ይኹን። ኤርትራ ከም ሃገር ከይትቐውም ዝተጻዕረ ጻዕሪ ኩሉ ፈሽሉ ኣምላኽ ንኹሉ መወዳእታ ጌሩ ከም ሃገር እኳ ቐይምና ስለ ሃገርና ክንዛረብ ጀሚርና። ስለ ናጽነት ክብል ዝተኸፍለ መስዋእቲ እምብዛ ዓቢ እዩ። ንዝተረኽበ ናጽነት ንምሕላው ዳጋማይ ዝተኸፍለ ዓቢ እዩ። እዘን ዝሓለፍናየን 18 ዓመታት ናጽነት እንተንግምግመን እንታይ ኰን ምመሰላ? ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት ዝሓለፍናዮ ስቓይን መከራን ምስቲ ቕድሚ ሕጂ ዝሓለፍናዮ መከራን ኣደራዕን እንተ ዝወዳደር እዚ ናይ ሕጂ ምስ ዛየደ ብዘይምግናን። እቶም ከዕርፉና ራህዋ ከምጹልና ዝተጸበናዮም እንሆ ተመሊሶም ብበሊሒ ኩናት ይወግኡና ኣለዉ። በደልና እኳ ዓቢ እዩ ኤርትራውያን። እቶም ሓንቲ መዓልቲ ቦታ ኣምላኽ ዝሃበናዮም እንሆ ተመሊሶም ይወግኡና ኣለዉ።


 

ናብ ኣምላኽ ብንስሓ ምምላስ ከድልየና እዩ። ኣብ ኣሞጽ ክዛረብ ከሎ "ንስኻትኩም ነቲ ሕስምቲ መዓልቲ ኣትርሕቑ ነታ መንበር ዓመጻ ኸአ እትቐርቡ ኢኹም።  ኣብ ዓራት ስኒ ሓርማዝ ዚግምሰሱ ኣብ መንጸፎም ድማ ዚጋደሙ ካብ መጓሰ ኣባጊኦዕ ጥቦታውቲ ካብ ደምበ ኣሓውን ኣባትይ ዚበልዑ ብደሃይ መሰንቆን ዚደርፉ ከም ዳዊት ድማ መሳርያ ሙዚክ ዜዳልው 6- ብገፊሕ ዋንጫ ወይኒ ዚሰትዩ ብሉጽ መአዛ ኸኣ ዚልከዮ ብስብራት ዮሴፍ ግና ዘይጉህዩ እዮም።  ስለዚ ሕጂ ምስቶም ቅድም ዚማረኹ ኪማረኹ እዮም ወኻዕታ እቶም ኣብ መኣዲ እተጋደሙ ድማ ክውዳእ እዩ።  እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብርእሱ መሐለ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት ኣነ ንትዕቢት ያእቆብ ፈንፈንኩ ኣዳራሻቱ ከአ ጸላእኩ ነታ ኸተማውን ምስናይ እቶም ኣብኣ ዚነብሩ ኹላቶም ኣሕሊፈ ኽህባ እየ።" ኣመጽ 6፣ 3-8 ይዛረብ እዚ ኣንጻር ኣብቲ እዋን ዝነበሩ መራሕቲ እስራኤል ዝተዘርበ ዘረባ እዩ። ስለዚ ሎሚ እውን ኣብ ስልጣን ዘሎኹም መራሕቲ ልቢ ግበሩ።

ብንስሓ ናብ ኣምላኽ ንመለስ ኤርትራውያን እስከ እዚ ቓል ነቕልበሉ " ሰፈር ሰራዊቱ ኣዝዩ ዓብዩ እዩ እቲ ንቓሉ ዚፍጽም ከአ ሓያል እዩ እሞ እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ሰራዊቱ ኣዝዩ ዓብዩ እዩ እቲ ንቓሉ ዚፍጽም ከአ ሓያል እዩ እሞ እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ሰራዊቱ ድምጺ የስምዕ። እወ መዓልቲ እግዚኣብሄር ዓባይን ኣዝያ     እተፍርህን እያ መንከ ኺጽመማ ይኽእል
እምበአርሲ ሕጂውን ብጾምን ብብኽያትን ብቑዝማን ብምሉእ ልብኹም ናባይ ተመለሱ
ይብል እግዚኣብሄር።  ንሱ ንኹራ ጸንጓዩ ብሳህሊ ኸአ ምሉእ ብእከይ ድማ ተጠዓሳይ ርሕሩሕን መሓርን እዩ እሞ ክዳንኩም ኣይኮነን ልብኹም ደአ ቕደዱ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩምውን ተመለሱ። ተጣዒሱ ዚምለስ እንተ ኾነ ድሕሪኡ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብመስዋእቲ ብልዕን ብመስዋእቲ መስተን በረኸት ዚሐድግ እንተ ክዕነ መን ይፈልጥ።
15- ኣብ ጽዮን መለኸት ነፍሑ
ጾም ቀደሱ ኣኼባ ጸውዑ። 16- ህዝቢ ኣኪቡ ማሕበር ቀድሱ ኣረገውቲ አክቡ ቁልዑን ጡብ ዚጠብውን አክቡ። መርዓዊ ኻብ ቤቱ ይወጽእ መርዓት ከአ ካብ ሕልፍኝአ። 17- እቶም ካህናት ኣገልገልቲ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎ ኣዳራሽን መሰውእን ይብከዩ ይበሉውን ዎ እግዚኣብሄር ንህዝብኻ ንሐፎ ነቲ ርስትኻ ኣህዛብ ኪገዝእዎ ኢልካ ንመላገጺ ኣሕሊፍካ ኣይትሀቦ። ስለምንታይከ ኣብ ኣህዛብ ኣምላኾም ኣበይ ኣሎ። ዚበሀል። ኣምላኽ ይርድኣና።

ታሪኽና ክርእዮ ከለኹ ምስ ደቂ እስራኤል ዘተሓሓዝ ብዙሕ ነገር ኣለዎ። ንኣብነት ደቂ እስራኤል ኣብ ባርነትን ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ግብጻውያን ኔርዎም። ብብዙሕ ቃልስን ስቓይን ከኣ ተሓስዮም እዮም። ኣብዚ እዋን ጸገሞም ከኣ ናብ ኣምላኽ ተማህሊሎም ጸልዮም በኽዮም። ኣምላኽ ድማ ካብ ፍቕሩን ምሕረቱን ዝተላዕለ ካብ ጸላእቶም ሓራ ጌሩ ናጽነት ሂብዎም። እቲ ዘሕዝን ግና እስራኤላውያን ንዕለቱ ንኣምላኽ ረስዕዮም ከምይሲ ናጽነቶምን ሓርነቶምን ብቕልጽሞም ተዋግእዮም ጥራይ ዝረኸብዎ ስለ ዝመስለም ንኣምላኽ ረሲዖም። ብዝኸፈኣ ድማ ብብዙሕ መከራን ስቓይን ሓሊፎም። ይዝከረኒ ኣብ እዋን መግዛእቲ ደርጊ ንሃገርና ካብቲ ዝነበረ ጸቕጥን ኩነታትን ዝተላዕለ ህዝቢ ብምሉኡ ናብ ኣምላኽ በበዝፈልጦን ዝተረድኦን መንገዲ ይምህለለ ኔሩ። ኣምላኽ ሰማይ ድማ ሰማዕ ስለ ዝዀነ ነቲ ዝነበረ ኩነታት የሕጺሩ ሰብ ኣብ ዘይሓስቦን ዝተጸበዮን ግዜ ራህዋን ናጽነትን ሂብዎ።

ዘገርምኒ ነገር እንተ ሃልዩ ማእለያ ዘይብሎም ወተሃደራ ደርጊ ምስ ምሉእ ዕጥቆም ከም መሳርሒ ዘይብሎም ትም ኢሎም ክሓልፉ ክንርኢ ዘገርም እዩ። ሓለዋ ኣምላኽ እንተ ዘይህሉ ነታ ኸተማ ሓመዳ ንላዕሊ ጌሮማ ክኸዱ ዝከኣል እዩ። ጸላኢኻ ስቕ ኢሉ ምንም ከይገበረ እንተ ኸይዱ ልዕሊኡ ዝሓዞ ኣምላኻዊ ሓይሊ ኣሎ ማለት እዩ። በቲ ዝረኸብናዮ ናጽነት ተሓጊስና ሳዕሲዕና ሓንዲርና። እንደገና ካብ ኩሉ ዘሕዝን ንኣምላኽ ጐስይና ብሓይልና ብቕልጽምና ብኽእለትና ብጥበብና ክንብል ጀሚርና። ሓንቲ ዓባይ ሰበይቲ እዚ ከምዚ ዝኣምሰለ ቃላት ምስ ሰምዓ ዝበላኒ ኣይርስዖን "ወይልኣ እዛ ሃገር " ብርግጽ ካብቲ ሓደ ከም ሃገር ዝወደቕናሉ እዚ እዩ ካብ ሓይሊ ኣምላኽ ኣብ ሓይልና ምውካልና ንውዕለት ኣምላኽ ምግሳይና። ሓያላት መሲሉና መን ከማና ኢልና ብትዕቢት ተወጢርና። ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ክንሳሕን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብስቡር ልቢ ክንቀርብ ይግብኣና። እስከ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ሓቢርና ንጸሊ።

ጸሎት

ዎ ዘልኣለማዊ ፈጣሪ ሰማይን ምድርን ዝዀንካ ኣምላኽና ንስኻ ኣዚኻ ዓቢ ኢኻ ዝመስልካ እውን ማንም የሎን ኩሉ ትገብር ኣምላኽ ኢኻ። ኦ ኣምላኽ ንሕና ግና ከምዚ ምኻንካ ኣይትኣምናካን። እቲ ካባኻ ዝረኸብናዮ ኩሉ ጹቡቕ ናይ ሃገርናን ህዝብናን ካብ ገዛእ ቅልጽምናን ክእለትናን ስለ ዝመሰልና ኣብ ልዕሊኻ ኣዚና ዓጊብናን ዓሚጽናን ኢና። ዎ ኣምላኽ ኣብቲ ዝሃብካና ናጽነት ኰነ ካልእ ከምተራ ዘይብልካ ሪኢና ኣበይ ኔሩ ኣምላኽ እዚ ኹሉ ዓመታት እናበልና ንቕልጽምካ ኣናሺና ኣብ ሓይልና ተኣሚና ብትዕቢት ተወጢርና ኢና። ስለዚ ኣምላኽ ሳዕቤን ናይዚ ከኣ ሪኢናዮ ሕጂ ግና ከምቲ ዝበልናዮን ዝተመኻሕናዮን ቕልጽምናን ሓይልናን ከድሕነና ኣይከኣለን። ስለዚ ኢና ነዚ ፈሊጥና ምሕረት ክትገብርልና ንልምን ዘሎና። ኣብ ቅልጽሙን ሓይሉን ዝእምነ ርጉም ይኹን ኢልካ ንዕና ኸኣ ኣብ ገዛእ ርእስና ተወኪልና ብትዕቢት ተነፊሕና ከምና ዝበለ መንእዩ ኢልና ንኻልኦት ኣናሽና እንሆ ኸኣ መርገም ዓጺድና ሕጂ ግና ኣምላኽ በቲ ምእንታና ኣብ መስቀል ዝሞተ ወድኻ የሱስ ክትብል ምሕረትካ ኣብና ከዓዝዝ ስጋ ምዃና ሓሊፉስ ዘይትምለስ ትንፋስ ከምዘላትና ክትዝክር ንልምነካ ኣሎና። ኣምላኽ ሕጂ ግና ንእምነ ኣሎና ኣብ ሃገርና ዝረኸብናዮ ኩሉ ጹቡቕ ካባካ እምበር ካባና ኣይኰነን ስለዚ እግዚኣብሄር እዚ ዓቢ ኣበሳ ምሕረት ክትገብረልና ብወድካ ብየሱስ ክርስቶስ ንልምነካ ኣሎና። ዝረኸብናዮ ኩሉ  ሰናይ ካባኻ እምበር ብቕልጽምና ከም ዘይኰነ ከነስተውዕል ርድኣና ጥበብካን መንፈስካን ኣፍስሰልና ብመድሓኒ በየሱስ ክርስቶስ ኣሜን።

ቃል ኣምላኽ ንእግዚኣብሄር ኽብሩ ዝውሰድሉ ኣይፈቱን ኣይፈቅድን ድማ እዩ ይብለና። ነዚ እዩ ኣብ ቃሉ ኣነ ቀናእ ኣምላኽ እየ እሞ በጀካይ ካልእ ኣማልኽቲ ኣይሃልኹም ዝበለ ኣብ ካልእ ጹሑፍ እውን ክብረይ ንኻልእ ኣይህብን እየ ብምባል ተዛሪቡ ኣሎ። ኣብ ግብር ሃዋርያት 12 ምዕራፍ እንተ ኣንቢብና እውን እቲ ንጉስ ናይ ኣምላኽ ክብሪ ክወስድ ብምድላዩን ሰባት እውን እቲ ንኣምላኽ ዝግባእ ክብሪ ስለ ዝሃብዎ ኣምላኽ ቐዚፎዎ። ሎሚ ኣብ ሃገርና ብተመሳሳሊ ክብሪ ነቲ ሞሳን ምስጋናን ክወሃቦ ዝግባእ ኣምላኽ ተሪፉ ንሰባት ዝወሃበሉ ዘሎ ዘመን እዩ። ክብሪ ኣምላኽ እምበር ማንም ክወስድ ብቕዓትን መሰልን የብሉን። ሰባት ነዚ ጐስዮም ንኣምላኽ ክብሪ እንተ ኸልኢሞ እቲ ፍርዲ ዓቢ እዩ። እዚ ብጋህዲ ንርእዮ ኣሎና። ንኣምላኽ ምኽባር ገዲፍና እቲ ክብሪ ንሰባትን ንምድርን ይኸውን ኣሎ። እቲ ዘገርም ከኣ ንኣምላኽ ዘየኽብር ህዝቢ ንምድሪ የፍቅራ ንሰባት የኽብር እየ ተበለ ሓሳዊ እዩ። ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ተመሪርና ክንሳሕ ይግባኣና። ካብ ኣምላኽ ወጻኢ ንኻልኦት ክብርን ሞሳን ሞጐስን ስለ ዝሃብና እንሆ መዓት ወሪድና ኣሎ።  ሎሚ ኣብ ሃገርና ካብ ሰባት ሓሊፉ መዓልታዊ ተወሰኽቲ ኣምላኽቲ ይውሰኹን ክብሪ ይወሃቦም ኣሎ። እዚ መርገም እዚ ክስበር ኣለዎ። ኣስከ ብዛዕባ እዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክንጽሊ ኢና።

ዎ ኣምላኽ ሰማይ ልዕሉ ኣምላኽ ንስኻ ክብርኻ ዝወስደልካ ሰብ ኣይትፈቱን ኢኻ ንሕና ግና ነዚ ወሲድና ንሰብ ሂብናዮ። ክብሪን መገስን ንኻልእ ዓዲልናዮ። ንዕቤትካን ክብርኻን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣእቲናዮ። ሓለፋኻ ክምለኹ ዘይግብኦም ሰባት ኣምሊኻና እንሆ ድማ ኢድካ ከቢዳትና ኣላ ኣምላኽ። ዎ እግዚኣኣብሄር ኣምላኽ ሰማይ ስለ ስምካ ክትብለ ነዚ ኣዚዩ ዓቢ ኣበሳ ምሕረት ክትገብረልና ንልምነካ ኣሎና። ጐይታ በጃኻ በዚ ጉዳይ እዚ ምስ ባሮትካ ኣብ ፍርዲ ኣይትእቶ። እዚ ዝገበርናዮ መግለጺ ዕሽነትና እዩ። ዓስብና ኸኣ ረኺብና። ሕጂ ግና ልዕሉ ኣምላኽ ተመለሰና። ንዓኻ ከም ኣምላኽ ስለ ዘይቃጸርናካ ምሕረት ግበረልና። ኣምላኽ ናይዚ ከምዚ ምግባርና ዝረኸብናዮ ፍረ እምብዛ መሪር መግለጺ ዘይብሉ እዩ። ኣምላኽ ካብ ዓቢና ክሳብ ንእሽቶና ንዓኻ ክብሪ ኣይሃብናን እሞ በዚ ጉዳይ እዚ ኣዚኻ ይቕረ ክትብለልና ንልምን። እወ ብሓቒ ደፊርና ሓለፋኻ ንጣኦታትን ሰባትን ኣኽቢርናን ኣመጊስናን። እስኻ ዓስቢ ናይዚ ኣብ ልዕሊና መቕጻዕቲ ምውራድካ ጻድቕ ኢኻ። ሕጂ ግና ኣምላኽና ተመኢልስካ ከተጸናንዓና ንዓኻ ክብሪ ክንህብ ከኣ ከተለብመና ንልምነካ ኣሎና ብስም ወድኻ የሱስ ክርስቶስ ኣሜን

ሳልሳይ ኣዚና ዝወደቕናሉ ጉዳይ ድማ ዓመጽ ክግበር ከሎ ከም ዓባሳት ስቕ ምባልና እዩ። ስለ ጭንቃትን ዘኽታማትን ጉፍዓትን ዓገብ ክንብል ዝግብኣና  ገለ ከም ዘይኰና ኣብ ኣዳውና ኣብ ኣፍና ጌርና ስቕ ምባልና እዩ። ብፍላይ  ንጽድቅን ንሓቅን ደው ዘይምባልና ገበን እዩ። ኣብ ልዕሊ ዓመጽን ግፍዕን ብቐጥታ ኣይተዋሳእናን ንኸውን ግና ነቲ ዝገበር ከም ጹቡቕ ነገር ወሲድና ነጣቕዕ እንተዀይና ምሕባርና እዩ ዝምልከት። ክፍኣት ክግበር ከሎ ንቕድስና ደው ኣይብልናን ምንዝርን ስርቅን ክፍጸም ከሎ ተቢዒና ንዝዀነ ይኹን እዚ ስርቂ እዩ ንሃገር ዘዕኑ እዩ ኢልና ኡይ ኣይበልናን።  ኣብ ሃገርና ኤርትራ ዘይተፈጸመ ግፍዕን ኣደራዕን ኣሎ ዶዩ? ኣብዘን ዝሓለፍናየን ዓመታት ዝፈሰሰ ደም ክንደይ እዩ? ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝማስኑ ዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን ክንደይ እዮም? ፍትሒ ዝተደፍኖም ንፍትሒ ዘእዩ ክንደይ እዮም? ክንደይ ሸፈጥን ምጥፍፋእን ይግበር ኣሎ? ኣእዳው መራሕትና ብሓጥያትን ዓመጽን ኣይተጨማለቐን ድዩ? ኣዴታት ኣይተገፍዓን ድየን? ኣቦታትና እየትዓመጹን ድዮም? መንእሰያትና ኣብ ንእስነቶም ባሮት ኣይኰኑን ድዮም? ሓሶትን ፈኸራን ንምድሪ ኤርትራ ኣየመለኻን ድዩ? መጽሓፍ ቁዱስ ኣይተቓጸለን ድዩ? ኣመንቲ ኣይተቐትሉን ኣይተኣስሩን ኣይተገፍዑን ድዮም? ኣባያተ ክርስትያናት መኻዚኖ መንግስቲ ኣይኰኑን ድዮም? ክንደይ ኢልና ኢና እሞ ክንጽብጽብ ማእለያ የብሉን። እሞ ነዚ እንዳረኣና ስቕ ምባልና ዓገብ ዘይምባልና ዘይምምህላልና ሓትእያት ዘይኰነን?

ብፍላይ ኣብዚ ወርሓት እዚ ዝግበር ጓይላን ሳዕስዒትን ክንዮ ወኒ ዘይሓልፍ ንልቢ ሰብ ከኣ ተስፋ ዘይከውንን ዘይዝዝንን እዩ። ሆ ምባልና ምጭዳርና ከሕፍረና እምበር ከሕብነና የብሉን። ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ዝረኣ ሳዕስዒትን ዳንኬራና ጥበራ እዩ። ነዚ ገጢሙና ዘሎ ስቓይ መፍቲሒ ኣይከውንን እዩ። ናጽነተይ ሓርነተይ ኢልካ ደሪፍካ ተምጾኦ ለውጢ የሎን። ድራማን ካልእን ሰሪሕካ ትረኽቦ ምዕባለ የሎን። ኮሚኒስታዊ ዝዀነ ኣሰራርሓ ነተን ዝሓለፋ ዓበይቲ ሃገራት ኣይጠቐመንን። ንተማሃሮ ካብ ትምህርቶም ኣዛናቢልካ ኣብ ዳንኬራን ሳዕሲዒትን ምውሳእ ከሕፍረና ይግብኦ። እዚ ሰይጣናዊ ኣጋንናትዊ ኣካይዳ እዩ። መራሕትና ትጋገዩ ኣለኹም ናሃገር ናብ ጥፍኣት ተስዱ ኣለኹም ነፍስኹም ኣዋሪድኩም ናብ ኣምላኽ ተመለሱ።

ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓገብ ኢልና ናብ ኣምላኽ ክንምለስ ክንዲ ዝግብኣና መመሊስና ታሪኽ ብምድጋምና ካብዚ ዘሎና ኣደራዕ ክንወጽእ ኣይከኣልናን።ኣብ ልዕሊ እቶም ንጹሃት እንትርፎ ስም ኣምላኽ  ምጽውዖም ካልእ ገበን ዘይብሎም በደል ክፍጸም ከሎ ሓራይ ኰኑ እናበልና ኣይተዛረብናን ኣየዕለልናን ዲና? ዎ ህዝቢ ኤርትራ ደም እቶም ናይ ኣምላኽ ሰባት ብዘይፍዳን ብዘይሕነን ኣይኰነን እሞ ሕጂ በዚ ግዜ እዚ ክንሳሕ ክንምህለል ኣሎና ኣምላኽ ምሕረት ክገብር ንገጹ ንድለ። አወ እዚ ሕጂ እዋን ኣዴታት ወረቀን ዝስለማሉ እዋን ኣይከነን ኣቦታት ማሰ እናበሉ ዝጭድርሉ እዋን ኣይኰነን መንእሰያት ጓይላ ተኺሎም ዝዕንድርሉ ኣጋጣሚ ኣይኰነን። መራሕቲ ብድፍረት ሓሶት ዝምስክርሉ ሰዓት ኣይኰነን እንታይ ደኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ርድኣና ቢልና ከም ሰብ ነነዊየ ኣብ ገገዛና ንምህለለኡ እዋን እዩ። እስከ ሓቢርና ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ንጸሊ።

ዎ ዘልኣለማዊ ኩቡር ኣምላኽና እንሆ ሕጂ ኸኣ ምስ ዓመጽ ምትሕብባርና ጥፍኣትን ሓጥእያትን ክፍጸም ከሎ ስቕ ምባልና በዲልና ኢና እሞ ስለ ስምካ ክትብል ምሕረት ክትገብር ንልምነካ ኣሎና። ኣንጻር ቃል ደው ኢልና ተሰሊፍና ኣንጻር ቁብኣትካ ተንሲእና ኣብ ልዕሊኦም በደል ግፍዒ ፈጺምና ቃልካ ክሓስርን ክንሳሾን ከሎ ስቕ ኢልና በዚ ከምዚ ድማ ሓጢኣት ጌርና ኢና እሞ በጃኻ ምሕረት ግበረልና። ኣበሳና ኣይትዘክርልና ህዝብኻ ኢና እሞ መሓረና ንሓዋሩ ድማ ኣይትቖጥዓና። ብጐይላን ዳንኬርና ብጸወታን ሳዕሲዒትን ኣግህይናካ ኢና እሞ ይቕረ በለልና። ለውሃትካ ካብ ህይወት ይበልጽ እዩ እሞ በጃኻ ተመለሰና ዎ ኣምላኽ ምለሰና ስለ ስም ወድኻ የሱስ ክርስቶስ ኣሜን።