26
Thu, Jun
0 New Articles

ቃለ-መሕትት ምስ ዘማሪት ምስ ሰላም ሓጎስ 2004

Witness
Typography

ሀ. ሕሉፍ ታሪኽ ህይወት

1.      ብዛዕባ ገዛእ ርእስኺን ድሕረ ባይታኽን ኣተዓባብኽን መዕለልክና ዶ ?

 ስመይ ሰላም ሓጎስ እበሃል። ኣብ 1975 ኣብ ኢትዮጲያ ኣብ ናዝሬት እትበሃል ከተማ እየ ተወሊደ።ኣብኡ ድማ ላዕለዋይ ደረጃ ( high school ) ከኣ ትምህርተይ ወዲኤ ።ከይጸናሕኩ ድማ ንመጀመርያ ግዜይ ኣብ 1992 ናብ ኤርትራ (ኣስመራ) መጽየ ኣብ ዩንቨርስቲ ኣስመራ ትምህርተይ ጀሚረ ድሕሪኡ ኣብ 1997 ኮመርሻል ኮለጅ ኣትየ ብዲፓሎማ ተመሪቐ ድሕሪ ምውጻእ ካብ 1999  ስራሕ ጀሚረ ኣብ ስራሕ ኣለኹ ።ናብ ኩነታት ኣተዓባብያይ ምስ እንመጽእ ምስ ስድራ ቤተይ ማለት ኣቦይን ኣደይን ምስ ኣርባዕተ  ኣሕወተይን እየ ዓብየ።

 2.      ጊዜ ንእስነትኪ ብኸመይ ዓይነት ህይወት ትሕልፍዮ ኔርኪ ?


ምስ ስድራይ ምስ ኣሕዋተይ ጽቡቅ ዝምድና ነይሩና። ምስ ስድራይ ጥራይ ዘይኮነስ ብተፈጥሮይ ምስ ሰብ ሕውስቲ እየ መስለኒ ዋላ ምስ ማሓዙተይን መምሃራነይን ኣብቲ መጀመርያ ንክላለ ይኹን ዋላ እቲ ዝምድናና ዓቂበዮ ክጸንሕ ጸገም ኣየምጽኣለይን እዩ ነይሩ።

 

1.      ኣብ ዓለም እንከሎኺ ፍቅርን ፍርሃት እግርን ዶ ኣብ ውሽጥኺ ይስምዓኪ ነይሩ ?

እወ ፡ ጎይታ ቅድሚ ምቅባለይ ኣብ ውሽጠይ  ፍቅሪን ፍርሃት እግዚኣቢሄርን  ነይሩኒ ክበሃል ይከኣል።መርኣያኡ ድማ ንሰብ ክፍእ ምግባር ወይ ሓጥያት ፡ ወይ ካልእ ሓጥያት እዩ ኢለ ኣብቲ ሰዓት ዝሓስቦ  ዝነበርኩ እግር (ከይርእየኒ ኢለ  ክገብር ብፍጹም ኣይደልን እየ ኔረ ።  እቲ ጸጋ ደኣ ኣይነበርን እምበር ክጸድቅ ኢለውን ገና ጋል ካብ 7 ዓመት ከለኹ ኣትሒዘ ፈቀዶ ኣድባራትን ኣብያተክርስትያናትን እንዳኸድኩ ክሳለምን እዋን ጾም ኣርብዓ ይኹን ካልእ ጾምን ክጸውምን ክሰግድን እየ ዝውዕል ነይረ።


ሓድሽ ታሪኽ

1. ናብ ጎይታ መዓስን ንኸመይ መገድን ክትመጺ ኪኢልኪ ? 

ኣብ ኢትዮጲያ ከለኹ ይኹን ኣብ ትምህርቲ ከለኹ ኣብ ኣስመራ ዩንቨርስቲ  ብዙሓት ስባት ብዛዕባ  ጎይታ ይምስክሩለይ እካ እንተነበሩ ኣነ ግን ጽቡቅ ኣለኹ ፡ እታ መንገዲ ረኺበያ ኣለኹ ፡ ኢለ እሓስብ ስለዘለኹ ጎይታ ክቕበል ፍቃደኛ ኣይነበርኩን እንተኾነ ግን ኣብ 1994 ሓንቲ መዓልቲ ዮናስ ዝበሃል ሓው እዩ ኣብ ኣስመራ ኣብ መንገዲ ምስ ሓንቲ ሓፍቲ እንዳኸድና ብዛዕባ ጎይታ መስኪሩልና ንጽባሒቱ ቆጺሩ ምስ ካልእ ሓው ኣራኺቡና እቲ ሓው ድማ ካብ ራእይ ዮውሃንስ  *,,,,,,,,,ከምቲ ልብጥ ዝበለ ብሙኻንካ ኣይ ምዉቅ  ኣይዝሑል ኢኻ እሞ ካብ ኣፈይ ጡፍ ክብለካ እየ ,,,,,,,,.. * ራእ 3፡16 ትብል ቃል ምስ ነገረኒ ልበይ ተተንኪፈ ሽዑ ሽዑ ጎይታ ብፍሉይ ኣብ ሂወተይ ተገሊጹ  ፡ ጎይታ ተቀቢለ  ናይ ውሳኔ ጸሎት ከኣ ኣጸልዮምኒ።

2. ንጎይታ ከም ናይ ግሊ መድሓኒኺ ጌይርኪ ምስ ተቀበልክዮ እንታይ ዓይነት ቅጽበታዊ ለውጥታት ኣብ ሂወትኪ ሪኢኺ ?

ንጎይታ ከም ናይ ግሊ መድሓኒየይ ቅድሚ ምቅባለይ ንምንታይ ተፈጢረ ናይ ዝብል ሕቶ መልሲ ኣይነበረንን ፡ ኣብዚ ምድሪ ምንባረይ ዕላማ ኣይነበሮን  ፡ ብኡ መጠን ድማ ኣብ ሂወተይ ብዝኾነ ዕጋበት ዝበሃል ኣይነበረንን።ጎይታ ምስ ተቀበልኩ ግና ቅድሚኡ ኣብ ሂወተይ ብፍጹም ተለማሚደዮ ዘይፈልጥ ኣብዚ ምድሪ ናይ ምንባረይ ትርጉም ፈሊጠ ፡ ምሉእ ዕጋበት ኣብ ሂወተይ ረኺበ።እቲ ዝዓበየ ድማ ካብ መንግስቲ ሰይጣን ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ፈሊሰ ናይ ዘልኣለም ሂወት ረኺበ።

3. ድሕሪ ንጎይታ ክትስዕቢ ውሳኔ ምግባርኪ ካብ ስድራኺ ፡ኣሕዋትኪ ፡ ኣዕሩኽትኺን ጎረባብትኽን እንታይ ዓይነት ኣሉታዊን ኣዎንታዊን ግብረመልስታት መጺኡኪ ?

በቲ ኣሉታዊ ግንረመልሲ ክጅምር ፡ ድሕሪ ጎይታ ምቅባለይ ካብ ኣቦይ ኣሉታዊ ግብረመልሲ መጺኡኒ። ኣቦይ ብጣዕሚ እዩ ዝቃወመኒ ነይሩ፡ ፕሮግራም ከይከድ ይኹን ክርስትና ክገድፎውን ብዙሕ ተጽዕኖ  ይገብረለይ ነይሩ።ብኣንጻሩ ኸኣ ብጀካ ኣቦይ ኩሎም ኣሕዋተይ ፡ ኣደይ፡ ኩለን ሓትኖታተይ፡ ማሓዙተይ ዳርጋ ኩለንውን ሽዑ ድሕሪ ጎይታ ምቅባለይ ናብ ጎይታ መጽዮም።

4. ዳግም ምስ ተወለድኪ ናብ ሕብረት ኣሕዋት ንምጽንባር ጊዜዶ ወሲዱልኪ ? እቲ ዝኣተኻዮ ሕብረትከ ሓድሽ ብምንባርኪ ኣብ ህይወኪ እንታይ ዓይነት ኣውንታዊ ኣሉታዊ ጽልዋታት ነይርዎ ?

ዳግም ምስ ተወለድኩ ናብ ሕብረት ኣሕዋት ንምጽንባር ጊዜ ኣይወሰደለይን።እቲ ብዛዕባ ጎይታ ዝመስከረለይ ሓው ኣበይ ቤ/ክ ክትከዲ ትደልይ ኢሉ ሓቲቱኒ ፡ ኣነ ኸኣ ናብቲ ንስኻ እትኸዶ ምስበልክዎ ናብ እንዳስላሴ ቤ/ክ ሒዙኒ ከይዱ ።ሽዑ ይዝከረኒ መዘምራን ልብሲ ለቢሶም ክዝምሩ ንመጀመርያ ግዜይ እዩ ክርኢ ፡ መላእኽቲ ካብ ሰማይ ወሪዶም ዝዝምሩ ዘለው ኮይኖም ይስምዑኒ ነይሮም።ሓደ መዓልቲ ይዝከርኒ ሓደ ሓው ኣብቲ ሕብረት ካብቶም ኣለው ዝበሃሉ ኣገልገልቲ እዩ ነይሩ እዩ ነይሩ ።ሓደ መዓልቲ ብምንታይ ከተገልግሊ ትደልዪ ኢሉ ሓቲቱኒ ኣነ ኸኣ ዘማሪት ኮይነ ከገልግል  እየ ዝደሊ ኢለዮ ።ንሱ ኸኣ ጎይታ እንተዘይደለየ ኸ ፡ ወይ ብኻልእ ከተገልግልዮ እንተደለየኪ ኸ ኢሉኒ ኣነ ኸኣ ብኻልእ እንዳገልገልኩ ብመዝሙር ከኣ የገልግሎ ኢለዮ።እግር መዝሙር እንተዘይሃበኪ ኸ ኢሉኒ ኣነውን እግር ኣብ ልበይ ኣቀሚጡለይ ስለ ዝነበረ * ዋላ ናይ ካልኣት መዝሙር እዝምር ኢለዮ  ድሕሪኡ በሊ ድምጺኺ ንመዝሙር ይኸውን ድዩ ኣይኮነን ክሰምዕሲ ዘምርለይ ኢሉኒ ኣነ ድማ ዘሚረሉ ደሓን ኢኺ  ኸኣ ኢሉኒ ።ካብታ ሽዓ መዓልቲ ግና ክሓስብ ጀሚረ ተጋግየ ኣብ ዘይ ቦታይ እየ ከገልግል ዝደሊ ዘለኹ ኢለ ብመዝሙር ከየገልግል ወሲነ ከብቅዕ፡ እግር ፍቃዱ ዘይነበረ ናተይ ውሳኔ ከፍርስ ጎይታ ደጋጊሙ ብዛዕባ ኣገልግሎተይ ተዛሪቡኒ።

ኣገልግሎትን ናብራን

 5. ኣብ ጎይታ ክንደይ ምስ ጸናሕኪ ኢኺ ኣገልግሎት ጀሚርኪ ? እቲ ናይ መጀመርያ ኣገልግሎትኪኸ እንታይ ነይሩ  ? ሕጂ ኸ ብምንታይ ዓይነት ኣገልግሎታት ተገልግሊ ኣሎኺ ?

ጎይታ ምስ ተቀበልኩ ድሕሪ ክልተ ዓመት እየ ኣገልግሎት ጀሚረ ።ናይ መጀመርያ ኣገልግሎተይ ምስ መዘመራን ምግልጋል እዩ ነይሩ።ሕጂ ግና  ኣብዚ ግዜ እዚ ከም ዘማሪት እየ ዘገልግል ዘለኹ ፡

6. ናይ መዝሙር ኣገልግሎት መዓስን ብኸመይን መገዲ ክትጅምርዮ ኺኢልኪ ? ነዚ ኣገልግሎት ኣብ ዝጀመርክሉ እዋንከ ኣብ ገዛእ ርእስኺ ምትእምማንዶ ነይሩኪ ?

ኣብ 1996 መወዳእታ እየ ናይ መዘመራን ኣገልግሎት ጀሚረ ።ኣቐድም ኣቢለ ከም ዝነገርኩኹም ጎይታ ብዛዕባ ኣገልግሎተይ ምስ ተዛረበኒ ናይ ኣንዳስላሴ ናይ መዝሙር ጉጅለ ከይጸንሑ መዘመራን ክኣቱ ሓቲትምኒð ጎይታ ይባርኮም ኣትየ ኸኣ ። ክዝምር ዝሰምዑኒ ብዙሓት ኣሕዋትን ዓለማውያንን ንክዝምረሎም ይሓቱኒ ነይሮም ገለ ካልእውን ዋላ ናይ ሰብ መዝሙር ኣብ ካሴት መሊእኪ ሃብና ይብሉኒ ነይሮም፡ ኣነ ኣብቲ ሰዓት እቲ ንምታይ ከምኡ ይብሉኒ ኣለው ኣይርድኣንን እዩ ነይሩ  ፡ ግና ቀጽልሉ በጃኺ መዝሙር ዘምሪ ኢሎም  ይምዕዱኒን የተባብዑኒን ነይሮም ኣነ ግና ኣብቲ ሰዓት ነቶም ኣሕዋት ድኣ ኣይነገርክዎምን እምበር ብኽእለትካ ዝግልገል መሲሉኒ ክእለት የብለይን ኢለ ከይዝምር ወሲነ እየ ነይረ።

መጀመርያ ዘማሪት ክኸውን ድሌት ነይሩኒ ድሓር ግና ምስቲ  ብዛዕባኡ ኣቀድም ኣቢለ ዝነገርኩኹም ሓው ምስ ተዛራረብና ግና መዝሙር ዝበሃል ካብ ልበይ ኣውጺኤዮ እየ ነይረ።ኣብ ርእሰይ ድማ ዋላሕንቲ ምትእምማን መጀመርያ ኣይነበረንን ክብሃል ይከኣል ኣነ ዘይርድኦ ቁሩብ እንተነበረኒውን እግር በቲ ሓው ገይሩ ኣየትረፈለይን።ድሓርውን ኣብ 1997 ንመጀመርያ ግዜይ ሶሎ መዝሙር ክዝምር ወንጌላዊ ሰለሙን በዓል ቤተይ ኣተባቢዑኒ እምበር ኣነስ መጀመርያ ጸጋይ ኣይፈልጦን እየ ነይረ ድሓርውን ዋላ እግር ተዛሪቡኒ ከብቅዕ ብርእሰይ ኣይተኣማመንን ስለ ዝነበርኩ ክዝምር ኣይደለኹን ነይረ ግና እግር የመስገን ዘሚረ ኸኣ።


7. ናብዚ በጺሕክዮ ዘሎኺ ፍረ ወይ ደረጃ ኣገልግሎት ንክትበጽሒ ካብ ዝገበሩኺ ረቓሒታትዶ ምገለጽክልና ?

 

 ብኣይ ወገን ገለ ካብቲ ናብዚ ደረጃ እዚ ዘብጽሑኒ ረቃሒታት እቲ ብቐዳማይ ዝስራዕ ናይ እግር ጸጋ እዩ፡ ሕጂ ክሓስቦ ከለኹ ብፍላይ ኣብ እንዳስላሴ ቤ/ክ ዝነበረ ጸጋ እዩ። ምኽንያቱ ዳርጋ ኩሎም ክብል እደፍር እቶም ናይ ጸጋ ዘመርቲ ካብዚ ሕብረት ናይ መዝሙር ጸጋ ካብ እግር ተቀቢሎም ዝተንስኡ እዮም። ካልእ ናይ መዝሙር ኣገልግሎት ሓደ ካብቲ  እግር ንዓይ ዝመደበለይ ኣገልግሎት ስለ ዝኾነ እዩ።ሳልሳይ ናብዚ ኣገልግሎት ዘብጽሓኒ ረቃሒ ነዚ ኣገልግሎት ክጅምር ከለኹ ናይ ወንጌላዊ ሰለሙን ማለት ናይ ሕጂ በዓል ቤተይ ( ሰሌ) ምትብባዕን ሞራል ምሃብን እዩ።ምኽንያቱ ሰሌ ኣብቲ ሰዓት እቲ ኣባይ ዝነበረ ጸጋ ካባይ ንላዕሊ ፈሊጥዎ ስለዝነበረ ኣብቲ ኣገልግሎት ክደፍእን በቲ ኣገልግሎት ክጽዕትን ገይሩኒ። ጎይታ ከምዚ ዝበለ ዝድግፍ ሓው ስለ ዝሃበኒ ከመስግኖ እፈቱ።

8. ኣብዚ ተታሓሒዝክዮ ዘሎኺ ናይ መዝሙር ኣገልግሎት ብውልቅኺ እንታይ ዓይነት ራእይ ኣሎኪ ? ኣብዚ ዘሎኪ ራእይ ኸ ቤተክርስታያንን ኣሕዋትን እንታይ ዓይነት እጃም ክህልዎም ትጽበይ?

ምስ ሰሌ ሓዳር ምስ ገበርና ጎይታ ራእይ ሂቡና በቲ ራእይ ድማ ነገልግል ኣሎና።እቲ ራእይ ብኩሉ መሳርሒ ሙዚቃ (Big Band)፡ ማለት ዓበይቲ ኣምፕሊፋየራት ፡ ዓበይቲ ሚክስራት ፡  ላይፍ ድራም ፡ ናይ ድምጺ ኢፈክት ማሽን ፡ ኪቦርድ ፡ ሊድ ጊታር ፡ ቤዝ ጊታር ካልእውን ተጠቂምካ ተዋሃሂድካ ሙዚቃ ብምጽዋት ስባት ኣሰልጢንካ ፡ ምስ ካልኦት ዘመርቲ ካብ ዝተፈላለያ ኣብያተክርስትያናት ኮይንካ ብዝኾነ  ቤተክርስትያን ዘይውነን ( ናን ዲኖሚነሽናል) ዝኾነ ጽቡቅ ናይ ኣምልኾ መደባት ኣብ መድረኽ ኣብ ዓበይቲ ጉባኤታት (ክሩሴድ) ብምቅራብ ብኣምልኾ ልቢ ህዝቢ ኣምላኽ  ድሕሪ ምርስራሰ ናይ ቅብኣት ህያው ዝኾነ ቃል፡ ናይ እግር ፈውሲ፡ በረኸት ፡ ምፍïታሕ፡ ናይ እግር ተኣምራት ናብ ህዝቢ ኣምላኽ ምቅራብ እዩ እቲ እግር ዝሃበነና ራእይ።እዚ ካብ ጎይታ ዝተዋህበና ራእይ እዩ ።ብኹሉ መሳርሒ ሙዚቃ ተጠቒምካ ህያው ኣምልኾ ምቅራብ ብሰንኪ ዝተፈላለየ ናይ ሙዚቃ መሳርሒ  ዘይምውንናና ኣይጀመር እምበር እቲ ናይ ፈውሲ ፡ ኣምልኾ ፡ ናይ ቃል ኣገልግሎት ቅድሚ ሕጂ ብናይ እግር ክእለት ተኻይዱ እዩ።ስለዚ እቲ ራእይ ኣብ 1999 ተጀሚሩስ በዚ ኣገልግሎት ብዙሓት ጎይታ ተቀቢሎም፡ ብዙሓት ከኣ ጎይታ ፈዊስዎም ፡ እግር ባሪኽዎምን እግር በጺሕዎምን እዩ።

 

መጀመርያ ጎይታ እቲ ራእይ ምስ ሃበና ዝተፈላለየ ምሳርሒ ሙዚቃ ንምዕዳግ ማለት ዓበይቲ ኣምፒሊፋየራት ፡ ዓበይቲ ሚክሰራት፡ ላይፍ ድራም ፡ኢፈክት ማሽን ፡ ሊድ ጊታር ፡ ሊድ ጊታር ኣምፒሊፋየር ፡ ቤይዝ ጊታር ኣምፒሊፋየርን ንምዕዳግ ምስ ሰሌ ኮይንና እንተሓሰብናዮ ዘድሊ ገንዘብ mምስ ፈለጥና ገንዘብ ስለ ዝበዝሔ ፡ ሰምቢድና ድሕሪኡ ግና ጎይታ ኣነ ኤልሽዳይ እየ ነቲ ዝበልኩኹም ክፍጽሞ እየ ኢሉ ተዛሪቡና በቲ ዝተዋህበና ሬማ ዝኾነ ቃል መሰረት ኢና ኸኣ ነዚ ኣገልግሎት ኤልሻዳይ ናይ ቅብኣት ኣገልግሎት ክንብሎ ዝመረጽና። 

 

ኤልሻዳይ ናይ ቅብኣት ኣገልግሎት ናን ዲኖሚነሽናል ኣገልግሎት እዩ።  ንኹለን ኣብያተክርስትያናት ብሓደ ኣረኣእያ፡ ንኣባላት ናይ ኩለን ኣብያተክርስትያናት ኣገልግሎቱ ዘቀርብ ሙኻኑ እዩ ጎይታ ተዛሪቡና ከምኡ ኸኣ ንገብር ኣሎና። ኣብዚ ኣገልግሎት ዘገልግሉ ዋላ ዝግልገሉ ከማን ኣባላት ካብ ዝተፈላለዩ ኣብያተክርስትያናት እዮም።

እወ ኣነ ሓደ ነገር እፈልጥ ጎይታ ራእይ ክህብ ከሎ ኣብቲ ራእይ ብብዙሕ መንገዲ ዘገልግሉ ሰባት ኣለው።ናይ እዚ ራእይ ወናኒ ጎይታ እዩ ንሕና ኣይኮንናን ስለዚ ኣነ ብዛዕባ እዚ ጎይታ ዝሃበና ነጊረ ኣለኹ ኣነ ሕጂ ቤ/ክ እዚ ትግበረልና ኣሕዋት ከኣ እዚ ይወስኹና ክብል ኣይደልን እታ ክብላ ዝደሊ ግና ናይ እግር መንፈስ ነዚ ራእይ ክትገብሩ ኣብ ልብኹም ዘምጽኣልኩም ካብ ዘይምግባር ወይ ዘይምእዛዝ ድሕር ኣትበሉ።ጎይታ ግበሩ ዝበለኩም ግበሩ ፡ ጎይታ ኣይግበሩ እንተኢሉኩም ኣይትግበሩ ሓንትስ ንጎይታ ጥራይ ትኣዘዙ ።እግር ከኣ ክባርኸኩም ክትርእዩ ኢኹም።

9.  ካብ ኣብ ዓድና ብጎይታ ዘለው ሙዚቐኛታትን ዘመርትን ንህወትኪ እንታይ ዓይነት ትምህርቲ ክትቀስሚ ኪኢልኪ ?

ንዓይ ከም ዝርድኣኒ ካብ ዝኾነ ሰብ እትቀስሞ ነገር ኣሎ።ብሕልፊ ኣብ ክርስትና ንሓደ ሰብ ዘይተገልጸሉ ንኻልእ ሰብ ክግለጸሉ ስለዝኽእል ካብኡ ኸኣ ንስኻ ከም ቃል ኣምላኽ ክትመሃር ወይ ገለ ነገር ንዑዑ ዝተገልጸሉ ክትቀስም ትኽእል ኢኻ።ኣነውን ካብ ዝፈላለዩ ዘመርቲ ዝተፈላለየ ነገር ቀሲመ እየ ክብል እኽእል እየ።መቸም ኣነ ካብ ናይ ሃገርና ዘመርቲ  ብፍላይ ዝቀሰምክዎ ኣብ መድረኽ ብትብዓት ምግልጋል እዩ።እዚ ኸኣ ኣብ ኣገልግሎተይ  ዓቢ እጃም ነይርዎ ምኽንያቱ * ነቲ ብዙሕ ዓስቢ ዘለዎ ትብዓትኩም ኣይትደርብይዎ ስለ ዝብል ቃል ኣምላኽ ፡ ኣነውን ብትብዓት ከገልግል  ገይሩኒ።ብዙሕ መንፈሳዊ ዓስቢ ኸኣ ረኺበሉ እየ።

10. ከም ኣገልጋሊት መጠንን ኣገልግሎትክን ንሓዳርክን ንኸመይ ዝበለ ኣገባብ ትሕዝዮም ኣሎኺ ?

እወ ሓዳር ኣሎኒ ብዓል ቤተይ ሰለሙን መንግስ ይበሃል ወንጌላዊ እዩ ፡ ኣብ 1999 ኢና ተመርዒና ጀሽዋ ዝበሃል ሓደ ውላድ ከኣ ኣሎና ።ከምኡውን ስራሕ እሰርሕ እየ።ኣብ ስራሕ ብጣዕሚ ስራሕ ይበዝሓኒ እዩ።ኣብ ኣገልግሎተይ ግና ብዓል-ቤተይ ከገልግል ምሳይ ስለዘገልግል  ማለት ኣነ ብመዝሙር ከገልግል ብዓል-ቤተይ ሙዚቃ ይጻወተለይ ፡ንሱ ብቃል ከገልግል ኣነ ኸኣ ብመዝሙር የገልግል ወይ ኣብ ገለ ገለውን ብሓንሳብ ብመዝሙር ነገልግል ።ካሴት ክንሰርሕ ከኣ ሙዚቃ ብዓል-ቤተይ እዩ ዝሕዘለይ ስለዚ ምስ በዓል-ቤተይ ብሓንሳብ ስለእነገልግል ሓዳርና ምስ ኣገልግሎትና ክንሰርዖ ኢና ንፍትን።ኣብ ስርሔይ ከኣ ስም ኣምላኽ ብኣይ ክጽረፍ ስለ ዘይደሊ እቲ ኣገልግሎተይን  ስርሔይን ብሓደ  ክልቲኡ ከማልኦ እየ ዝፍትን እግር ከኣ ክድግፈኒ ርእየዮ እየ ፡ እግር ዝተመስገነ ይኹን።

11. ዘማሪት ምስ ዘማራይ እንተተመርዓወት ዝሓሸ እዩ ንዝብል ኣበሃህላ ብኸመይ ትግምግምዮ ?ብዓልቲ ቤትኪኸ ኣብ ኣገልግሎትኪ እንታይ ዓይነት ተራ ይጻወት ኣሎ ?

ዘማሪት ምስ ዘማራይ እንተተመርዓወት ጽቡቅ እዩ።ኣነ እቲ ዝበለጸ ዝብሎ ግና ዘማሪ ምስ ካልእ ዓይነት ጸጋ ምስ ዘለዎ ኣማኒ ማለት ወንጌላዊ ፡ ፓስተር ወይ ሃዋርያ ወይ ነቢይ  እንተተመርዓወ/ት ይምረጽ  እየ ዝብል።እዚ መበልየይ ከኣ ኣነ ከም ዝርድኣኒ ብፍላይ ኣብ ሓዳር ጸጋ ትካፈል ኢኻ ፡ ስለዚ በበይኖም ጸጋታት ዘለዎም ሰባት ኣብ ሓዳሮም እቲ ሓደ ካብቲ ሓደ ጸጋ ይካፈሉ እዮም  እታ ዘማሪት  በዓል ቤታ ናይ ሃዋርያነት ጸጋ  እንተኣልይዎ ኮይኑ ኣብ ሓዳሮም ንሳ ካብቲ ጸጋ ተኻፋሊት ትኸውን ( ሃዋርያ ዋላ ኣይትኹን)  በቲ ጸጋ ድማ ተገልግል ።እዚ ኣብ ሓዳርና ተሞኪርናዮ ኢና ሰሌ ናይ ወንጌላውነት ጸጋ እዩ ዘለዎ ስለዚ ኣብ ሓዳርና ሓዴና ካብ ሓዴና ጸጋ ተማቂልና ኮይንና ኢና ስለዚ ድማ ኣነ ናይ ወንጌላውነት ጸጋ ተማቂለ ሰሌ ናይ መዝሙር ጸጋ ተማቂሉ  ብኡ መጠን ከኣ ሰሌ ኣብ ቁ..2 ካሴትውን ናይ ትግርኛ ህርመት መዝሙር ዘሚሩ ኣሎ።

ሰሌ ማለት ብዓል ቤተይ ኣብ ኣገልግሎተይ ዓቢ ተራ እዩ ዘለዎ።መጀመርያ ኣብዚ ኣገልግሎት ከገልግል ዝገበረኒ ብጸጋ ኣምላኽ ሰሌ እዩ።ካልእ ኣብቲ ናይ ዜማ ይኹን ቃላት ምስ ሰሌ ኾንና ኢና እንሰርሖ ሰሌ ሙዚቃ ይሕዘለይ ኣነ ኸኣ ጎይታ ዝህበኒ ቃላትን  ዜማን የዝይም ሰሌ ምስኡ ዝኸይድ ሙዚቃ ይጻወተልይ ።ስለዚ ናይ መዝሙር ኣገልግሎተይ ምስ ሓዳረይ እየ ዘገልግል።

12. ካብ ደቂኺኸ ናይ መዝሙር ዝምባሌ ዘለዎ/ዋ ኣለው ዶ ?

ካብ ደቅኺ ናይ መዝሙር ዝንባሌ ዘልዎ ኣሎ ዶ ንዝብል ሕቶ ኣቐዲመ  ከምዝነገርኩኹም ጀሽዋ ዝበሃል ሓደ ውላድ እዩ ዘሎና፡ ሕጂ እካ ወዲ ዓመትን ሓሙሽተ ወርሕን ኮይኑ ኣሎ ንእሽተይ እዩ ።መዝሙር ክሰምዕ ከሎ ኢዱ ኣልዒሉ ከምልኽ ጀሚሩ ኣሎ ።ግናኸ ንዓይ ከም ዝርድኣኒ መዝሙር ብዝንባሌ ወይ ብጥዑም ድምጺ ዘይኮነስ ብቅብኣት እዩ ዝግልገል ንዓና ኸኣ ጀሽዋ  ከይተወልደ እግር መዝሙር ገለ ክፋል ናይ ኣገልግሎቱ ሙኻኑ እዩ ተዛሪቡና ቃል ኣምላኽ ከኣ እግር በለ ኮነ ድማ ስለ ዝብል ክኸውን ክንርእዮ ኢና።    

ምበዛዕባ ኩነታት መዝሙር ኣብ ኤርትራ ( እዚኣ ምጥቃሳ ተድሊ ኾይና ኣይተሰምዓትንን)

13. መዛሙራትኪ ብካሴት ደረጃ ንኸተሕትምዮም ክንደይ ግዜ ይወስደልኪ ? ስለምንታይ ?

መዛሙራት ብካሴት ከነሕትም ካብ 7- 10 ኣዋርሕ ይወስድ ።ሕጂ ኣነ ብናተይ ወገን እንድየ ክዛረብ ኣብ ዝሓለፈ ቂ.2 ካሴተይ 10 ኣዋርሕ ኣቢሉ ወሲዱልና  ምኻንያቱ ናይ ኪቦርድ ጸገም ስለዘሎና ንሕና ኪቦርድ ለሚንና ኢና እንሰርሕ ።ሰለዚ ካሴት ክንሰርሕ ከሎና ንኮምፖዚሽን እትኸውን ጽብቅቲ ኪቦርድ ክንደሊ/ ነቶም ወነንተን ሕራይ ከነብል ብዙሕ ኮለል ኢልና ሰለዚ እዚታት የደናጉየካ ማለት እዩ ።ብሓፈሻ ንሓደ ዘማሪ ንምልምማድ ይኹን ሙዚቃ ንምቅንባር ኪቦርድ ብጣዕሚ ኣገዳሲት መሳርሒት እያ።ካልእ ውን ኣብ ስቱድዮ ናይ ሰባት ብዝሒ ብሕልፊ ደረፍቲ  ስለዘሎ ሪጋ ክትጽበ የድልየካ።ብተወሳኺ ኣነ ስራሕ ስለ ዝሰርሕ ፡ ስራሕ ከኣ ስለዝበዝሓኒ ኣብ ካሴት ምስራሕ ቅሩብ ካብ ሰበይ ድንጉይ እብል እየ።

14. ኣደራርሳ መዝሙራትኪ ንዝምልከት ካብ ምንታይ ተበጊስኪ ኢኺ ትደርሲ ? ኩነታት ህይወትኪ፡ ኣሕዋት ፡ ቤተክርስትያን ከምኡውን ኩነታት ሃገርናኸ መዝሙር ንኽትደርሲ ማዕረ ክንደይ ይድርኺኺ ?

ኣደራርሳ መዛሙር ብዝምልከት ሰብ ነናቱ ልምምድ ኣዩ ዘለዎ ፡ ከም ኣጋጣሚ ኣነ ብኹነታት ናይ ሂወተይ ፡ ብኣሕዋት ፡ብቤተክርስትያን ወይ ብኹነታት ናይ ሃገርና ተደሪኸ መዝሙር ዘሚረ ኣይፈልጥን  እየ፡ ኣነ ናይ እግር መንፈስ ዘምጽኣለይ ኣየ ምዝማር ተለማሚደ ማለት ሓሓንሳብ፡ ሰሌ ሙዚቃ ይሕዝ ኣነ ድማ ናይ እግር መንፈስ ዘምጽኣለይ ቃላት ምስ ዜማኡ ይወሃበኒð ሰሌ ኸኣ ምስኡ ዝኸይድ ሙዚቃ ይጻወተለይ ሽዑ ነቲ እግር ዝሃበኒ መዝሙር ጊዜ ወሲደ ቃላት እንድወሰኽኩ የስፍሖ።ካልእ ግዜ ድማ ኣብ መድረኽ ቅድሚኡ ዘይተለማመድክዎ ወይ ዘይፈልጦ ናይ እግር መንፈስ ኣብ ኣፈይ ሓድሽ መዝሙር ይህበኒ ይዝምር፡ ሰሌ ኸኣ መንፈስ ኣምላኽ ዘምጽኣሉ ሙዚቃ ይጻወት ፡ብፍሉይ ምውህሃድ እግር የወሃህዶ እሞ ኣብቲ ሰዓት እቲ ከኣ ብዙሕ ሰብ ክባረኽን ፍሉይ ናይ እግር ክብሪን ኣብቲ ጉባኤ ክግለጽ ዝራኣኹሉ ግዝያትውን ነይሩ፡ ካልእውን * ይኣምኖ እየ ይኣምኖ እየ * እትብል ኣብ ናይ ጋዜጣ ኣጋፔ ዝዘመርክዋ  ከምኡውን * መን ኣሎ እሙን * እትብል ኣብ ቁ.2 ካሴት ዘለዋ መዛሙር፡ ስቱድዮ ቅድሚ ምእታወይ ቅድሚ ሓንቲ መዓልቲ ተዋሂበናኒ ከይደ ሽዑ  ኣእትየየን ሕጂ እተን መዛሙር ክሰምዔን ከለኹ ከምዚ ካልእ ሰብ ዝዝምረን ዘሎ ኮይነን እየን ዝስመዓኒ።ብሕልፊ እታ *ይኣምኖ እየ * እትብል መዝሙር ገለ ነገር ኣብ ሂወተይ ዝጋርድ ወይ ዝዓግት ከጋጥመኒ ከሎ፡ ነዛ መዝሙር እሰምዕ  እሞ እምነተይ ክትዓቢ ኣብ ቅድመይ ደው ዝበለ ዝኾነ ማዕጾ ዝመስል ክኽፈት ዝረኣኹሉ ግዝያት ብዙሕ እዩ።ስለዚ ስለዚ እቲ ናተይ ልምምድ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስክዎ ይመስል።


15. እዚ ሕጂ ሙዚቐኛታት ኣሕዋትና በጺሖሞ ዘለው ምስቲ ንስኺ ከም ዘማሪት ክኸውን እትደልይዮ እንታይ ትብልዮ ኣሎኪ ?

ብሓፈሻ ክንዛረብ ከቢድ እካ እንተኾነ ብዛዕባ እቶም ጽቡቅ ከይዶም ዘለው ሙዚቐናታት ኣሕዋትና በጺሖሞ ዘለው ብኣይ ወገን ኣብ ሓጺር ግዜ ኣብ ዝነኣድ ደረጃ እዮም በጺሖም ዘለው እብል። እንተኾነ ግን በዚ ክንዓግብ የብልናን፡ ካልእ በዚ ኣጋጣሚ ክብሎ ዝደሊ እቲ ስራሕ ብዙሕ ካብ ግዜኻ ዝሰርቕ ስለ ዝኾነ ንሂወቶም ክጥንቀቁ ኣለዎም እየ ዝብል ምኽንያቱ እዚ ረኺብናዮ ዘሎና ሂወት ኣዝዩ ክቡር ዝኾነ ሂወት ፡ ደም የሱስ ዝተኸፍሎ ሂወት ስለዝኾነ።

16. ብዛዕባ እተን ዝሓተምክየን ኣልቡማት ዛጊት ካብ ኣመንትን ዘይኣመንትን እንታይ ዓይነት እውንታዊን ኣሉታውን ምስክርነታት ሰሚዕኺ ኣሎኺ ?

ኩሉ ካብኡን ብእኡን ንእኡን እዩ * ጽሑፍ እዩ ኣነ ከም ሰላም ካብ ርእሰይ ገለ ነገር ከም ዘምጻእኩ ክሓስብ ኣይክእል እየ።ንመጀመርያ ግዜ ስቱድዮ ከይደ ካሴት ዘሕተምኩሉ ኣብ 1997 ኤልሻዳይ ዘርእስታ ካሴት ምስ ኤልሳ እትበሃል ሓፍቲ እያ ኣብቲ ሰዓት እቲ ኣስማትና ኣብታ ካሴት ክጸሓፍ ማለት ክብሪ ኣምላኽ ምውሳድ ኮይኑ ስለዝተራእየና ፍቃደኛታት ስለዘይነበርና ኣስማትና ኣይተጻሕፈን ።ድሕሪኡ ኣብ 2000 ዓ.ም * ስሙ ዝፈሰሰ ቅብኢ * ዘርእስታ ቁ.1 ካሴት ንበይነይ ኣውጺኤ ኣብዚ ዓመት እዚ ድማ ምስ በዓል ቤተይ ሰሌ ቁ.2  ካሴት * ኣታ ዓቢ ኣምላኽ * ዘርእስታ ኣውጺእና።ኣብ ቁ.1 ካሴትና ኣብ ኣብ ምብዛሕ ተባላሽዩና ነይሩ ስለዚ ኣብቲ ቴክኒካዊ መዳይ ብዙሓት ሰባት ሙዙቃ በዚሕዎ ኢሎምና ነይሮም።

ኣብዛ ቁ.2 * ኣታ ዓቢ ኣምላኽ * ዘርእስታ ካሴት ብዙሓት ኣመንትን ዓለማውያንን ጎይታ ይባርኽኪ ብጣዕሚ ጥዕምቲ ኢሎምኒ ካብ ዝተፈላለዩ ሰባት ዝተፈላለየ ምስክራትውን ሰሚዔ ኣለኹ በዛ ካሴት ሂወቶም ዝተሓደሱ፡ ካብ ሕማሞም ዝተፈወሱ፡ በዛ መዝሙር ጎይታ ዝተቀበሉ ሰባት ከም ዘለው ከም ዘለው ሰባት መስኪሮምለይ እዮም ፡ እግር ስለ ኩሉ ነገር በይኑ ይኽበር።ኣብቲ ተክኒካዊ መዳይ ካብ ቅሩባት ሰባት ኣሉታዊ ርእይቶታት ሰሚዔ ኣለኹ ኣብ ካልእ ስቱድዮ እንተትመልኢ ምጠዓመ ዝብል 

17. ኣዞም ኣብዚ ህሞት ብካሴት ደረጃ ዝወጹ ዘለው መዝሙራት፡ ብርዝነት መልእኽቶም ትሕዝቶ ሙዙቃኦምን ፈረ ቃላቶምን ብኸመይ ትግምግሞ ? ክመሓየሹ ኣሎዎም እትብሎም ነገራት ከ ኣለው ዶ ?

 ኣብዚ ብሓፈሻ ኣብዚ ህሞት ዝወጽእ  ዘሎï ካሴታት ርዝነት መልእኽቶም ፍረ ቃላቶም ከምዚ እዮም ኢልካ ብሓፈሻ ክትዛረብ ኣይትኽእልን ኢኻ ፡ ምኽንያቱ ፍርቂ ፍርቂ እዩ ።ገለ መዛሙራት ኣሎ መልእኽቱ  ርዝነት ዘይብሉ ቅንብርን ኣዘያይማን ግና ብጣዕሚ ልዑል ዝኾነ። ገለ ኸኣ ብርዝነት መልእኽቱ ይኹን ትሕዝቶ ሙዚቃኦምን ፍረ ቃላቶምን ብጥዕሚ ጥዑም።

ኣብዚ ኣነ ክብሎ ዝደሊ  ዝኾነ ሰብ ካሴት ዘውጽእ ሰብ ሬማ ዝኾነ መዝሙር ከምጽእ ክኽእል ኣለዎ ።ጴጥሮስ ምስ ደቀመዛሙር ኣብ ጃልባ ከሎ የሱስ ባሕሪ ባሕሪ እናረገጸ ምስ መጾም ምትሓት መሲልዎም ጨርሑ  ይብለና ፡ ጎይታ ድማ ኣነ እየ ኣይትፍርሁ ምስ በሎም፡ ጴጥሮስ ጎይታ ንስኻ እንተኾንካ ንዓ በለኒ  ኢልዎ ጎይታ ድማ * ንዓ ኢልዎ *  ጴጥሮስ ድማ ልዕሊ ባሕሪ ከይዱ ። ኣነ ክብሎ ዝደሊ ልክዕ ከምዚ ንጴጥሮስ ህያው( ሬማ) ዝኾነ ቃል ዝተዋህቦ እሞ ልዕሊ ባሕሪ ክኽይድ ዝገበሮ እግር ሬማ ( ህያው) ዝኾነ መዝሙር እንተሂቡካ ዘምር ናብዚ ልምምድ ክንኣቱ ንኽእል ኢና፡ ከምዚ ዘይተለማመድና እንተ ኾይንና ንእግር ህያው ዝኾነ መዝሙር (ቃል) ክህበና ንጸበዮ።ገለ ሰባት ከኣ ኣለው እግር ህያው ዝኾነ መዝሙር ሂብዎም ክነሱ ንእግር ዝድንጉይዎ፡ ከምዚ ክንከውን እግር ኣይደልየናን እዩ።

18. ኣብዚ ክልተ ዓመታት ገለ ዘመርቲ ብውልቆም መዝሙር ካሴት ሓቲሞም ክዝርግሕዎ ተራእዮም ፡ እዚ ኣገባብ ብወገንኪ ከም ዘማሪት እንታይ ዓይነት ኣውንታውን ኣሉታውን መልሲ ትህብሉ ? ናይ ቤ/ክንን ናይ ዘማሪን ተራን ሓላፍነት ብኸመይ መልክዕ እንተተዋሃደ ይምረጽ ትብሊ ?

እወ እዛ ሕቶ እዚኣ ኣከራኻሪት ሕቶ እያ ብወገን mዘመርቲ እንተሪኢናዮ ከምቶም ኣብ ካልእ ኣገልግሎታት ዘለው ኣገልገልቲ ዘመርቲ ኣይረኣዩን እዩም ። ገለ ገለ ኣገልገልቲውን መዝሙር ማዕረ ካልኦት ኣገልግሎታት ከምዘይኮነ ይዛረቡ ኣዮም ።ንዘማሪ ንኣውቶቡስን ንታክስን ንኣገልግሎቱ ዝኾነ ክፍሊት ኣይወሃቦን እዩ።ኣብ ገለ ሎካል ኣብያተክርስትያናት ድማ ዘማሪ ወዲ እንተኾይኑ ገለ ክፍሊት ይወሃቦ ጋል ኣንስተይቲ እንተኾይና ግና ኣይምልከታን እዩ።ማለት ከምዚ ክብል ከለኹ ግና እዚ ነገር እዚ ኣብ ኩሉ ኣሎ ማለተይ  ኣይኮንኩን ንትምህርቲ ክኾነና እየ ዘልዕሎ ዘለኹ።

ንዓይ ከም ዝርድኣኒ ዘመርቲ  ብሎካል ቤተክርስትያን ዝውነኑ ኣይኮኑን ምኽንያቱ እዚ ኣገልግሎትይ እዚ ኣብ ትሕቲ ናይ ነቢይነት ኣገልግሎት  ተጠርኒፍ ስለዘሎ ከም እንፈልጦ ድማ ናይ ነቢይነትን ናይ ሃዋርያነት ኣገልግሎታት ናይ ሎኮን ቤተክርስትያን ጥራሕ ኣገልገልቲ ዘይኮኑስ ናይታ ዩኒቨርሳል ቤ/ክ እዮም።ጌጋ ከይትርድኡኒ እዚ ማለትይ ዘመርቲ ሎካል ቤ/ክ ክህልዎም ኣየድልዮምን ማለትይ ኣይኮንኩን። ዘመርቲ ሎካል ቤ/ክ ክህልዎም ይግብኦም እዩ ብኣገልግሎት መዳይ ግና ዘመርቲ ኣብ ዝተፈላለያ ሎካል ኣብያተክርስትያናት እንዳዞረ እዩም ዘገልግሉ። ኣብ ሃገርና  እታ ኣብኣ ኣባልነቱ ዝኾነት ሎካል ቤ/ክ ንኣገልግሎቱ ከምቲ ዝድለ ደገፍ ኣይትገብረሉን    ብኣንጻሩ ኸማን ኣብዚኣ ሎካል ቤ/ክ ከይተገልግል ኣብዚኣ እካ ድሓን ኬድካ ከተገልግል ይፍቀደልካ እዩ፡ እዩ ዝበሃል።ካልእ ድማ ዘመሪቲ ክለማመዱ ኪቦርድ  ኣብ ዘደለይዎ ግዜ ክወስዱ( ከይጥቀሙ) ይኸልኡ፡ ካልእውን ካሴት ከሕትሙ ክደልዩ ኣብ ገለ ገለ ይኽልኡ።ስለዚ በዚ ሕጂ እንዛረበሉ ዘሎና ቀለል ዝመስል ነጥብታት ሓደ ዘማሪ ብብሕቱ ካሴት ከውጽእ ድሕሪኡ ኪቦርድ ክዕድግ ፡ኣብ ድላየይ ግዜ ኸኣ ይለማመደላ ፡ ንኸገልግል  ንታኽሲ ካብ ስድራይ ካብ ምጽባይ  ካብቲ ሽያጥ ናይ ካሴት እረክብ ፡ ብምሕሳብ ብውልቁ ካሴት የውጽእ።

ብምኽንያት እዘን ኣብ ላዕሊ ተጠቂሰን ዘለዋ ነጥብታት ብውልቆም ካሴት ከውጽኡ ዝጀመሩ ጸኒሖም ምስ ግዜ እቲ ዕላማኦም ተረዲእዎም ይኹን ከይተረደኦም  እቲ ዕላማ ተቀይሩስ ናብ ብ ጸጋ ኣምላኽ ቢዝነስ ( Business )  ምክያድ ዝሓለፍ ሰባትውን ሓሓሊፎም ይረኣዩ እዮም ።ይኺኑ ኣብዚ ነስተውዕል እሞ ነዘን ብውልቁ ካሴት ከውጽእ ዘበግስኦ ዘለዋ  ቤ/ክ ክትፈትሓሉ ትኽእል እያ ነይራ።

19. ናይ መዝሙር ጽልዋ ኣብ ሓንቲ ሃገር ወይ ሕብረተሰብ እንታይ ዩ ትብሊ ?

መዝሙር ኣብ ሓደ ሕብረተሰብ ኣዎንታዊ ዝኾነ ጽልዋታት ኣለዎ። ቀዳማይ እቲ ሕብረተሰብ ዋላ ንክርስቶስ ከም ናይ ግሊ መድሓኒኡ ንምቅባል ዘይወሰነ ይኹን መዝሙር ብቀረባ ናብ ሕብረተሰብ ክኣቱ ተኽእሎ ስለ ዘለዎ ኣብቲ ሕብረሰብ ደረጃ ናይ ስርቂ ፡ ምጥፍፋእ፡ ገበን ፡ ዓመጽ ብዓቢ ሙጉዳል ይጎድል ምኽንያቱ እቲ ሕብረሰብ ፍርሃት ኣምላኽ ኣብ ውሽጡ ስለ ዝህልዎ ካልእ ድማ ነቲ ሕብረተሰብ ብኻልእ መንገዲ ወንጌል ይስበኸሉ ኣሎ ማለት እዩ።