ቐዳማይ ክፋል
ኢቫን ቫሲሊየቪች ሞይሲየቭ (ብሕጽር ዝበለ ኣጸዋውዓ ወይ ሳጓ ድማ ቫንያ) ብ1952፣ ቮሎንቲሮቭካ ኣብ ዝተበሃለት ሓንቲ ቁሸት ናይ ግዝኣት ሞልዳቪያ (ኣብቲ እዋንቲ ኣካል ሕብረት ሶቭየት ዝነበረት) ካብ ኣመንቲ ስድራቤት ተወሊዱ። ኣብ ሕዳር 1970 ድማ ከም ኩሉ ዜጋ ሕብረት ሶቭየት፣ ናይ ክልተ ዓመት ሃገራዊ ኣገልግሎቱ ንምፍጻም ናብ ሰራዊት ሕብረት ሶቭየት ተጸንቢሩ። ካብታ ናብ ሰራዊት ዝተጸንበረላ ሰዓት ጀሚሩ ድማ ብሰንኪ እምነቱ ካብ ዝተፈላለዩ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ናይ ፖለቲካ መምሃራንን ከቢድ ዝኾነ ስደት ከጋጥሞ ጀመረ።
ቫንያ እምነቱ ንክሓድግ ብዝተፈላለዩ መስገድላትን ብኸቢድ ጸበባን እኳ እንተሓለፈ ንሱ ግና ኣብ እምነቱ ጸንዐ። ኣብ መወዳእታ ድማ ሓምለ 16/1972 ገና ወዲ ዕስራ ዓመት መንእሰይ ከሎ፣ እምነቱ ብሓይሊ ንከኽሕድዎ ክቕጥቅጥዎ ከለዉ ብሰንኪ ዝወረዶ ከቢድ ማህሰይቲ፣ ክሳብ ሞት እሙን ብምዃን ናይ ህይወት መስዋእቲ ከፊሉ ካብዛ ዓለም ሓሊፉ። ድሕሪ ሞቱ፣ መንግስቲ ሕብረት ሶቭየት “ኣብ ባሕሪ ጥሒሉ ሞይቱ” ዝብል መግለጺ እኳ እንተሃበ፣ ሬሳኡ ብክኢላታት ኣብ ዝተመርመረሉ ግዜ ግና ኣብ ከባቢ ልቡ ሽዱሽተ ግዜ ብስሕለት ተወጊኡ፣ ርእሱ ኣብ ክልተ ቦታ ተፈጊኡ፣ ኣእጋሩን ሕቖኡን ብኸቢድ ተቐጥቂጡ፣ ኣብ ኣፍልቡ ድማ ብሓዊ ነዲዱ ተረኽበ። ስለዚ ድማ፣ ሞት ቫንያ ኮነ ኢልካ ብዝተገብረ ጎነጽ ዝስዓበ እምበር ኣብ ባሕሪ ብምጥሓሉ ዝሰዐበ ከም ዘይነበረ እቶም ሬስኡ ዝመርመሩ ክኢላታት ከይተረፉ ብግልጺ ሓበሩ። እዚ ዝስዕብ ምስክርነት እምበኣር፣ ቫንያ ቅድሚ ሙማቱ ቅድሚ ክልተ ወርሒ ኣቢሉ ኣብ ግንቦት 02-12/1972 ብዕረፍቲ ናብ ዓዱ መጺኡ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣብታ ኣብ ዓዱ እትርከብ ንእሽቶ ናይ ባፕቲስት ቤተክርስትያን ኣብ ማእከል ጉባኤ ዝሃቦ ናይ ምስክርነት ቃል ኮይኑ፣ ዤሉዋክ ብዝተበሃለ ሓደ ሓው ኣብ ቴፕ ተሰኒዱ ዝጸነሐ እዩ።
ኣብ ኣሃዱአይ ምስ በጻሕኩ፣ ዝጽልየሉ ቦታ ከናዲ ጀመርኩ። ክሳብ ሰዓት ዓሰርተ ቅ.ቀ. ነጻ ዝኾነት ሓንቲ ክፍሊ ከም ዘላ ድማ ኣስተውዓልኩ። ኣብ ግዜ ቀትሪ ሓደ መኮንን ኣብኣ ይሰርሕ እኳ እንተነበረ ንሱ ክሳዕ ዝመጽእ ግና፣ ኣብ ሰዓታት ንግሆ ነታ ክፍሊ ዝጥቀመላ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይነበረን።
ፊስካ ናይ ወተሃደራት ሰዓት ሽዱሽተ ናይ ንግሆ እያ ትንፋሕ። ስለዚ ኣነ ክዳውንተይ ተኸዲነ ክሳዕ ግዜ ቁርሲ ዝኣክል ንኽጽሊ ናብታ ክፍሊ ከድኩ። እቶም ወተሃደራት ኣካላቶም ድሕሪ ምውስዋስ፣ ኣብ ወተሃደራዊ ሰልፊ ተሳተፉ። ኣነ ግና ንኽልተ ሰዓታት ጸሌኹ። ኣብ ገለ እዋናት ክጽሊ ከለኹ ሰዓተይ ስለዘይርኢ ናብ ቁርሲ ደንጕየ ዝምጻእኩሉ ግዜ’ውን ኔሩ።
ብኸምዚ ድማ ክልተ ኣዋርሕ ሓለፋ። ብድሕርዚ ግና ንጎይታይ ዘለኒ እሙንነት ዝፍትን ነገረ ኣጋጠመኒ። እግዚኣብሄር ከኣ እንታይ ክገብር ከም ዘለኒ ኣርኣየኒ። ኣብ ወጋሕታ፣ ሰዓት ሓሙሽተ ተንሲአ ክሳዕ ሰዓት ትሽዓተ ናይ ንግሆ ጸሌኹ። ሰዓት ትሽዓተ ምስ ኮነ፣ ናብቲ ወተሃደራዊ ሰልፊ ንኽጽነበር ብታህዋኽ ከድኩ። ኣብኡ ምስ በጻሕኩ ኩላቶም ደልዮም ስኢኖምኒስ ክጽበዩኒ ጸንሑኒ። ጸብጻብ ምኽንያት መደንጎይአይ ከኣ ነቲ ተረኛ መኮንን ከም ዝህብ ተገብረ። ንሱ፣ ኣነ ኣማኒ ከም ዝኾንኩ ድሮ ኣቐዲሙ ተሓቢሩ ነበረ። እቲ ሜጀር ናብቲ ወተሃደራዊ ሰልፊ ንኽጽንበር ኣዘዘኒ እሞ፣ ክቕጻዕ ምዃነይ ድማ ሓበረኒ። ክልቴና ከኣ ዘረባና ኣብቲ ሜዳ ቀጸልናዮ።
እቶም ወተሃደራት፣ ወተሃደራዊ ታዕሊም ይወስዱ እኳ እንተነበሩ ኣነ ግና ምስቲ መኮነን ብዛዕባ ካልእ ጉዳይ እዛረብ ነበርኩ። ንሱ እምነትይ ንኽሓድግ እዩ ደልዩኒ። ናብተን ባራካታትና (ገዛውቲ ናይ ወተሃደራት) ምስ ተመለስና ናብቲ ተረኛ መኮነን ወሰዱኒ እሞ ኣብኡ ብዙሓት መኮንናት ኮይኖም ተዛረቡኒ። ኣብ መወዳእታ ድማ መቕጻዕቲ ወሰኑለይ። መቕጻዕተይ ከኣ ምሉእ ለይቲ ክሰርሕ ነበረ። ስርሐይ፣ ብሓጎስ እናዘመርኩን እናጸሌኹን ተታሓሓዝክዎ። እቶም ወተሃደራት፣ ወተሃደራዊ ታዕሊም ክወስዱ ከለዉ ንዓይ ግና ምድሪ-ቤት ናይተን ባራካታት ከም ዝሓጽብ ገበሩኒ። እተን ባራካታት ሰፋሕቲ እየን። ብሳምናን ስኮፓን ጌረ ድማ ሓጸብክወን። ንዝኣዘዙኒ ኩሉ ብዘይተቓውሞ፣ ብሓጎስ ተቐበልክዎ። እቶም መኮንናት ድማ ነዚ ኣስተውዓሉሉ። ስለዚ፣ ልክዕ ክሓጽብ ምስ ጀመርኩ ሓደ ድሕሪ ሓደ ክጽውዑኒ ጀመሩ። ኣብ መወዳእታ ድማ ናብቲ ዝለዓለ ኣዛዚ፣ ማለት ኣዛዚ ክፍለ-ሰራዊት ተጸዊዐ ከድኩ። ኣብኡ ድማ ምክትል ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ረኸበኒ እሞ ንሰለስተ ሰዓታት ዝኽውን ተዘራረብና። ኣብቲ መጀመርታ ዓው ኢሉ ክጭድር እኳ እንተጀመረ ጸኒሑ ግና ኣቋረጾ።
“ገለ ቁሩብ ቃላት ክዛረብዶ መፍቀድካለይ?” ክብል ሓተትክዎ። ንሱ ድማ ድሮ ሓሳበይ ቀይረ ዘለኹን ዝተቐበልክዎን መሲልዎ ኣፍቀደለይ። ኣነ ከኣ “ንኸንቱ ኢኻ እትጭድር ዘለኻ፣ ብምጭዳርካ ገለ እኳ ክተሰንብደኒ ኣይትኽእልን ኢኻ።” በልክዎ። ብድሕሪዚ ክልተ መንበር ብምምጻእ ኮፍ ንኽብል ዓደመኒ። ከምቲ ናይ መጀመርያ እናጨደረ ምዝራብ’ውን ገደፎ። ኣብ መወዳእታ ድማ ዋላ ሓንቲ ዝግበር ከም ዘየለ ስለ ዝኣመነ ገዲፉነ ከደ።
ብድሕርዚ ናብ ካልእ ኣሃዱ ተቐየርኩ። ኣብኡ ድማ ሓደ ኮሎኔል ንምሉእ መዓልቲ ተዛረበኒ። ድሕሪ ዕስራ መዓልቲ ከኣ 500 ኪ/ሜ ናይ ትምህርቲ ምምራሕ መኪና ርሕቀት ስለዝሸፈና፣ ማለት ምምራሕ መኪና ስለዝመሃሩና ናብ ከተማ ከርች ሰደዱና።
*********
ኣብኡ ድማ ክፍትኑኒ ጀመሩ። ኣብታ ናይ መጀመርታ ፈተና፣ ንሓሙሽተ መዓልታት ዋላ ሓንቲ ዝብላዕ ኣይሃቡንን። “ሓሚምካዶ ትፈልጥ?” ክብሉ ሓተቱኒ። ኣነ ከኣ “ኣይፋሉን፣ ውሽጢ ናይ ሆስፒታል እንታይ ከም ዝመስል እኳ ርእየዮ ኣይፈልጥን” ክብል መለስኩሎም። ኣብተን ሓሙሽተ መዓልታት ምናልባት ክሓምም እዩ ኢሎም ተጸብዮምኒ ኔሮም ይኾኑ፣ ኣነ ግና ኣይሓመምኩን። እታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ብዘይ ገለ ጸገም ሓለፈት፣ እተን ዝተረፋ መዓልታት’ውን ከምኡ። ክብሪ ንኣምላኽ ይኹን!!
ስለዝጸሌኹ ኣይሓመምኩን። ናይ ራጂ መርመራ ገብሩለይ፣ ሕማም ዝበሃል ከኣ ኣይተረኽበንን። ስለዚ ነጻ ገደፉኒ። እቶም መኮንናት ብዛዕባዚ ምስ ፈለጡ “መግቢ ይብላዕ ንግደፎ፣ እንተዘይኮይኑ ግና፣ ብጥሜት ምስ ዝመውት፣ ኣብ ዓይኒ ጥርጣረ ክንእቱ ኢና” በሉ። ኣብተን ሓሙሽተ መዓልታት፣ ኣብ ወተሃደራዊ ታዕሊም ይኹን፣ ኣብቲ ናይ ምረሻ ደርፊ (ክምርሹ ከለዉ ዝደርፍዎ ደርፊ) ኣይተሳተፍኩን።
ብድሕርዚ ብኻልእ ኣገባብ ፈተኑኒ። ግዜ ሓጋይ፣ ማለት እቲ ቆራሪ ወቕቲ ድሮ ኣትዩ ነበረ። ኣብ ደገ በረድ ኮይኑ፣ እቲ ዛሕሊ ድማ -30 ዲግሪ ሰንትግረይድ ትሕቲ ዜሮ ነበረ። እቶም ወተሃደራት ኣብተን ባራካታት እዮም ዝድቅሱ ኔሮም። ንዓይ ግና ናብ ደገ ኣውጺኦም ናይ ግዜ ክረምቲ (ናይ ግዜ ሙቐት) ወተሃደራዊ ክዳውንተይ ማለት ሓንቲ ጃኬት፣ ስረ፣ ቡት ጫማን ቆቢዕን ጥራይ ተኸዲነ በቲ ቀዝሒ ንሓሙሽተ ሰዓታት ኣብ ደገ ንክኸውን ኣዘዙኒ። ኣብ ደገ ኣብቲ ጎደና ጥራይ ይጽናሕ እምበር እተን ሓሙሽተ ሰዓታት ብኸመይ የሕልፈን ንዕኦም ብዙሕ ዘገድስ ኣይነበረን። ኣነ ግና እቲ ግዜ ይሕጸር ይንዋሕ ብዘየገድስ እጽሊ ነበርኩ።
ብድሕርዚ ጸዊዖም “ሕጂኸ ሓሲብካሉዶ?” ክብሉ ሓትቱኒ። ኣብ እምቢታይ ጸኒዐ ከም ዘለኹ ምስ ረኣዩ ድማ እቲ መቕጻዕቲ ቀጸልዎ። እቶም መኮንናት ወጺኦም ኣብቲ ጎደና ካብ ዓሰርተ ክሳብ ዕስራ ደቓይቕ ደው ክብሉ ከለው ካብቲ ቀዝሒ ዝተላዕለ የንፈጥፍጡ ነበሩ። ኣነ ግና እቲ ቁሪ ይስምዓኒ ኣይነበረን። ኣብ ከምዚ ዓይነት ቀዝሒ ዋላ ሓንቲ ከም ዘይኮንኩ ምስ ረኣዩ ድማ ገረሞም። ኣብ ገለ እዋናት፣ ንምሉእ ለይቲ ኣብቲ ደገ ወጺአ ይሓድር ኔረ ጥራይ ዘይኮነስ ንተኸታተልቲ ለይትታት’ውን ከምኡ ኢለ ይሓድር ነበርኩ። እዚ ፈተና ንኽልተ ሰሙን ቀጸለ።
ቫንያ
Typography
- Font Size
- Default
- Reading Mode