20
Tue, May
0 New Articles

ብጸሎት እቲ ዘይከኣል ይከኣል ቀዳማይ ክፋል (ብመለሰ ወጉ)

Books
Typography

ሓይሊ ጸሎት ሎሚ እውን ይሰርሕ

ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝመላለሰሉ ዝነበረ ዘመን ዕዉት ህይወት ከምዝነበሮ መጽሓፍ ቅዱስ ይምስክር። ተቓሊሱ ምውዳቕ ዝኣበዮ ፈተና፡ ንመንፈሱ ዘሰንበዱን ዝረበሹን ተርእዮታት ኣይነበሩን። ንፋስን ባሕርን እኳ ብቓል ጥራይ ይእዘዝዎ ኔሮም (ማር.441) ተስፋ ቆሪጹ ዝተጨነቐሉ ጊዜ ፍጹም ኣይነበረን።


ንኹሉ ብጸጥታን ብርጉእ መንፈስን ይስዕሮ ኔሩ። ፈተና ከጋጥሞ ከሎ፡ ከይሰንበደን ከይተዋላወለን ናይ ኣቦኡ ድምጽን ፍቓድን ጥራይ ብምስማዕ ነቲ ተጻራሪ ሓይሊ ምሉእ ብምሉእ ይስዕሮ ኔሩ።

የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ ዘመን ንዘጋጥሞ ዝኾነዓይነት ሽግር፡ ፈተናን ውግእን ዝስዕረሉ መሳርሒ ወይ ከኣ መፍትሒ ኔርዎ። እቲ መፍትሕ ከኣ ሓይሊ ጸሎት እዩ ኔሩ። ነዚ ኣደናቒ ዝኾነሓይሊ ክርስቶስ ዝተዓዘቡ ደቀመዛሙርቱ፡ ነቲ ዝነበሮ ሰዓሪ ህይወትን ምንጪ ሓይሉን ክፈልጡ ሃረር ይብሉ ኔሮም። ምንጪ ሓይሉ ክፈልጡ ዝደለዩሉ ቀንዲ ምኽንያት ንዘጋጥሞም ዝኾነዓይነት ፈተናን ቅልስን ከም ክርስቶስ ብርጉእ መንፈስ ክስዕርዎ ምእንቲ ክኽእሉ እዩ ኔሩ።

ሎሚውን እንተኾነ ኣማኒ፡ ኣብ ህይወቱ ንዘጋጥምዎ ናይ ጸላኢኡ ቅልስ ክስዕረሉ ዝኽእል መንገዲ ወይ ሓይሊ እንተዝህልዎ ክንደይ ደስ ምበሎ ኣብ ቀረባ ኮይኖም ናይ ክርስቶስ ቅድስና ዝተመልአ ህይወት፡ ስጉምትታቱን ኣብ ልዕሊ ኩሉ ነገር ሰዓርነቱን ዝረኣዩ ደቀመዛሙርቱ፡ ንየሱስ ከምዚ ዓይነት ሓይሊ ክህልዎ ዘኽኣሎ ቀንዲ ምኽንያት ጸሎት ምዃኑ ስለዝተረድኡ፡ ጎይታ ምጽላይ መሃረና ኢሎሞ። የሱስ ከኣ ሕቶኹም ኣገባብ ዘለዎ ኣይኮነን ኢሉ ከየቆናጸበ፡ ንመንፈሳዊ ህይወቶምን ኣገልግሎቶምን ሓይሊ ክኾኖም ዝኽእል ጸሎት ከመይ ክጥቀሙሉ ከምዘለዎም ምሂርዎም።

ሓይሊ ጸሎት ተገንዚብካ ኣብ ናይ ብሕቲ ህይወትካ ምልምማዱ ክንደይ ዓቢ ነገር እዩ! ኣነን መንፈሳውያን ኣዕሩኸይን ብሓይሊ ጸሎት ኣብ ዝኣምንን ጸሎት ዝለማመድን ቤተክርስትያን ብምድሓንናን ምዕባይናን ንእግዚኣብሄር ኣዚና ኢና እነመስግኖ። ገና ብቁልዕነትና፡ ስለ ሃገርና ብጸሎት ምምላድ ተማሂርና። ሓቀኛ መንፈሳዊ ምንቅስቓስ ኣብ ሃገርና ንኽዝርጋሕ ብብርክና ተምበርኪኽና ኣብ ቅድሚ ጎይታ መዓልትን ለይትን ንብዙሕ እዋናት ብጸሎት ተጊህና። መምህራንና ክሳብ ዝደንቆም ግብዝና ብዘይብሉ መንፈስ፡ ብጾምን ብጸሎትን እነማልድ ናይ ጸሎት ጀጋኑ ኮይንና። ናይ ጸሎት ምስጢር ጥራይ ዘይኮነስ ጸሎት ምስ ጾም ዝህልዎ ሓይሊውን ተረዲእና። ኣብቲ ጊዜ እቲ ቆልዑ ስለዝነበርና ምስባኽን ምምሃርን ንኽእል ኣይነበርናን። እንተኾነግን ኢድናን እግርናን ኣጣሚርና ኮፍ ኣይበልናን። ኣገልግሎትና ብጾምን ብጸሎትን ምትጋህ እዩ ኔሩ።

ጎይታውን ጸሎትና ሰሚዑ፡ ሕቶና መሊሱ፡ ካብ 1966 . (1958 .. ግእዝ) ጀሚሩ ብርቱዕ መንፈሳዊ ዝናቡ ኣብ ሃገርና ከዝንም ጀሚሩ። መንፈሳዊ ምንቅስቓሳት ነቲጉ፡ መንእሰያት ብመንፈስ ጎይታ ተቐጻጺሎም፡ ወንጌል ብሓይሊ ተዘርጊሑ፡ ነፍሳት ድሒኖም፡ በብቦትኡ ኣጋንንቲ ኣንቀጥቂጦም። ንሕና ከኣ ጎይታ ብዝሃበና ሓይሊ     ዕርድታቶም ኣፈራሪስና፡ ምርኮኦም እናመንጠልና ከኣ ናብ መንግስቲ ጎይታ ኣምጺእናዮ። ሎሚ ኣብ ሃገርና ዝርአ ዘሎ መንፈሳዊ ምንቕስቓስ ውጽኢት ናይቲ ውሑዳት ህጻናት ተኣኪቦም መዓልትን ለይትን ኣብ ቅድሚ ጎይታ ዘፍሰስዎ ምስ   ንብዓት ዝተሓወሰ ጸሎት እዩ። ነዚ እዞም ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት እኳ እንተ ዘይፈለጥዎ ጎይታ ግን ይፈልጦ እዩ።

ኣብዚ ነዊሕ መንፈሳዊ ጉዕዞይ ጎይታ ብዛዕባ ጸሎት ዝመሃረኒ ብዙሕ ነገራት ኣሎ። ብጸሎት ኢድ ጎይታ ክግለጽ፡ ሓይሉውን ክገሃድ ርእየ እየ። ንኹሉ ምዝርዛሩ እኳ እንተዘይተኻእለ ካብዚ ኩሉ ግን ንሓንቲ ጥራይ ክጠቅስ እፈቱ። እቲ ጊዜ እኳ ኣዝዩ ነዊሕ እንተኾነኣብ ህይወተይ ፈጺመ ዘይርስዓ ናይ ጸሎት ልምምድ ኣላትኒ። ብዙሕ ነገራት ረሲዐ እየ፡ ንመጻኢውን ዝርስዖም ነገራት ይህልዉ። ነዛ ፍልይቲ ልምምድ ግን ክሳብ ናይ ህይወተይ መወዳእታ ዝርስዓ ኣይመስለንን። ምኽንያቱ እዚኣ እግዚኣብሄር  ንዓይ ህያውን ቀረባይን ምዃኑ ዝረኣኹላን ስለይ ከም ዝሓስብ ሓልዮቱ ዝተረዳእኩላን ናይ መጀመርያ ልምምደይ እያ።

ኣብዚ ሎሚ ጊዜ፡ ሓሓሊፉ ነገራት ከምቲ ዝደልዮ ምስ ዘይኮነለይ፡ ዙርያይ ምስ ዝጽልምተኒ፡ ኣኽራን ምስ ዝጋርዱኒ፡ ብስጋይን ብነፍሰይን ክደክም ከሎኹ፡ ኣውያተይ ካብ ናሕሲ ዘይሓልፍ ክመስለኒ ከሎ፡ ፈጺመ ተስፋ ክቖርጽ ከለኹ፡ መንፈስ ቅዱስ እዛ ንዓይ ፍትውቲ ጊዜ፡ ፍትውቲ ሰዓት ዝብላ ልምምደይ ንኽዝክር ንድሕሪት መሊሱ የርእየኒ።

ጊዜኡ ክረምቲ እዩ፡ እቲ ዝነበረ ዝናብን ቁርን ደራሪቡ ንዘይተኸድነ ሰብ ዝጎድእ እዩ። ኣነውን ካብቶም ብናብራ ዘይተመችኦም ሰባት ሓደ ስለ ዝነበርኩ ብቑሪ ካብ ምግራፍ ኣየምለጥኩን። ከም ልማደይ ነታ ምሸት ሙቐት ኣብ ዘለዎ ገዛ እንዳ ዓርከይ ከሕልፋ ከድኩ። ደጋጊመ ብምምጽአይ ናይ ዓርከይን ናይ ስድራቤቱን ምቾት ስለ ዘጉደልኩ በታ ምሸት ብብሩህ ገጽ ኣይተቐበሉንን። ዝጸልመተ ገጾም ምስ ረኣኹ ብኡብኡ ልበይ ሓዘን መልአ። ብውሽጠይ ከኣ ንሎሚ ጥራይ እሕደር እምበር ድሕሪ ሕጂ ነዛ ገዛ ደጊመ ኣይርእያን እየ ኢለ ወሰንኩ።

ንኽድቅስ ጎቦ ኮንኩ፡ መብራህቲውን ጠፍአ። ኩሎም እቶም ስድራቤት ደቀሱ፡ ኣነ ግን ክድቅስ ኣይከኣልኩን። ንርእሰይ እንተ ኣደዓዓስኩዋውን ድቃስ ምውሳድ ኣበየኒ። ኣብ ውሽጠይ ሓደ ድምጺ እህህ ይብል። ነዚ ድፍኢት፡ ነዚ ድምጺ እንታይ ዓይነት መልሲ ከህበሉ ከምዘሎኒ ኣይተረድኣንን።

ለካ  ተንስእሞ ጸሊ  ዝብል ትእዛዝ እዩ ኔሩ። ኩሉ ሰብ ደቂሱ እዩ፡ ኣቐዲመውን ጸልየ እየ ደቂሰ ኢለ መለስኩ። እንተኾነግን ነፍሰይ ኣብ ውሽጠይ ተጨነቐት።

ኣብ መወዳእታ ብድድ ኢለ ኣብ እግሪ ሓንቲ መንበር ተምበርከኽኩ። ስርዓት ዘለዎ ጸሎት ክጽሊ ይደሊ ኣይነበርኩን። ናይ ሃይማኖት ቃላት ደርዲርካ ምቕራብውን ኣይተራእየንን። ኣነ ዘይርእዮ ንሱ ግን ዝርእየኒ ሓደ ዓቢ ኣምላኽ ኣብ ጥቓይ ከምዘሎ ተሰመዓኒ። እዚ ኣምላኽ ከኣ ናተይ ናይ ብሕቲ ጉዳይ ከም ዘገድሶ ኣመንኩ።

ናይ ልበይ ጓሕጉሐ (ዘርዚረ) ካብ ውሽጠይ እህህ ክብል ጀመርኩ። ድምጸይ ኣብቲ እዋን ብቴፕ ተቐዲሑ እንተዝስማዕ ዝተለምደ ስርዓት ዝሓዘ ጸሎት ከም ዘይነበረ ክፍለጥ ምተኻእለ ኔሩ። ብዛዕባ ሓደ ነገር ርግጸኛ እየ። ጭድርታይ ወይ ኣውያተይ ካብ ልቢ ዝመንጨወ ሓቂኛ ዝርርብ ወይ ዘተ ይመስል ኔሩ። ውሉድ እናበኸየ ነቡኡ ጸገሙ ከም ዝነግሮ ዓይነት ዝርርብ ኔሩ። ክዝክሮ ክሳብ ዝኸኣልኩ ጸሎተይ ከምዚ ዝስዕብ ይመስል ኔሩ።

ባባ ኢለዮ። ከምቲ እትፈልጦ ኣነ ብስጋ ኣቦ የብለይን። ኣቦይ ገና ብህጻንነተይ እዩ ሞይቱ። ኣቦይ ንስኻ ኢኻ። በታ ምስ ኣዕሩኸተይ ኩዕሶ ዝጻወተላ ዝነበርኩ ፍልይቲ ምሸት፡ ክርድኣኒ ብዘይክእል ኩነታት ኣብ ውሽጠይ ተዛሪብካኒ። ድምጽኻ ሰሚዐ ናብ ቤትካ ከይደ። ንዓኻ ናብ ልበይ ኣእትየ ከኣ ከም ናይ ብሕቲ መድሓንየይ ተቐቢለካ። ካብቲ ጊዜ ጀሚሩ ንስኻ ኣብ ክንዲ ምድራዊ ኣቦይ ኣቦ ክትኮነለይ፡ ክትጥንቐቐለይን ክትረድኣንን ቃል ኣቲኻለይ። ኣነ ከኣ ክሳብ ዕለተ ሞተይ ክኽተለካን ከፍቕረካን ክፈትወካን ወሲነ።

ኣቦ! ሕጂ ኣነ ውሉድካ እየ። ንስኻውን ኣቦይ ኢኻ። ውሉድካ ስለዝኾንኩ ናተይ ጉዳይ የእትወካ (የገድሰካ) እዩ። ኣነ ክሕጎስ ንስኻ ትሕጎስ፡ ክኸፍኣኒ ከሎ ኸኣ ይኸፍኣካ። ሎሚ ምሸት ከምትርእየኒ ከፊኡኒ ኣሎ፡ ልበይ ከቢዱ፡ ንብዓተይ ንኣዒንተይ መሊኡ ብመዓጓጉርተይ ይፈስስ ኣሎ። ከም ትርእየኒ ኣብ እንዳ ሰብ እየ ክሓድር መጺአ ዘለኹ። እዞም ሰባትውን ኣቦ! ኣሰልችዮሙኒ። ገጾም ኣሲሮሙለይ። ስለምንታይ ናብዚ ዝመጻእኩ ይመስለካ ካብ ቁሪ ከምልጥን ብዝሓሸ ኩነታት ሞይቁኒ እንተ ደቀስኩን ኢለ እዩ። እንተኾነግን ካብ ካልእ ጊዜ ብዝተፈልየ ስምዒተይ ተጎዲኡ። ንስኻ እናሃሎኻኒ ስለምንታይ እከላበት ክትረድኣኒ ትኽእል ኢኻ። ዘድልየኒ ከተዳልወለይውን ይከኣለካ እዩ በልኩዎ።

ከምዚ ብዝመስል ኩነታት ምስ ኣቦይን ኣምላኸይን ምዝርራብ ቀጸልኩ። ምስ ጎይታይ ዝሓዝኩዎ ዝርርብ እናመቀረኒ ከደ። ንብዓተይ ጥራይ ዘይኮነስ ካብ ውሽጠይ ኣንነተይውን ንዕኡ (ናብኡ) ይፈስስ ነበረ።

በቲ ጊዜ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ናይ ክብሩ ምግላጽ ነቲ ስፍራ ኣጥለቕለቖ። እቲ ገዛ ከኣ ብዓቢ ብርሃን ተመልአ። ኢድ እግዚኣብሄር ከም ዝተንከየትኒ ከኣ ተሰማዓኒ። መንፈስ ቅዱስውን ኣብ ውሽጠይ ፈሰሰ። ኣፈይ ብምስጋና፡ ኣዒንተይ ብንብዓት ተመልአ። ኣብ ከባብየይ ሰባት ምድቃሶም ረሳዕኩ፡ ብዓቢ ድምጺ ከኣ ንጎይታን ምምስጋን (ከመስግን) ጀመርኩ። ጭድርታይ ነቶም ዝደቀሱ ሰባት ኣተንስኦም። ስለዝሰንበዱ ከኣ ዓርከይ ብምንታይ ምኽንያት እጭድር ከም ዘለኹ ከረድኦም ፈተነ።

እታ ምሸት እቲ ኣንዓይ ዘይርስዓ ምሸት እያ። ኣብ ህይወተይ ዓቢ ናይ ጎይታ ምግላጽ ዝርኤኹላ መዓልቲ እያ። እግዚኣብሄር ንዓይ ርእሱ ህያው ጌሩ ዘቕረበሉ ጊዜ እዩ። ጸሎተይ፡ ሓቀኛ እህህታን ካብ ውሽጠይ ተጸሚቑ ዝወጸ ምህለላን ስለዝነበረ፡ ንልቢ እግዚኣብሄር ከነቓንቕ ክኢሉ ኣብቲ ዝቐጸለ መዓልትታት ጎይታ ብመሰረት ሕቶይ ብተኣምራት እቲ ዘድልየኒ ኩሉ ኣማልኣለይ። ሓይሊ ጸሎት ሎሚውን ከምዝሰርሕ ኣይጠራጠርን እየ። ኣብ ህይወተይ ርእየዮን ተለኣሞðደዮን እየ። ጸሎት ጊዜን ኩነታትን ዘይልውጦ ናይ ክርስትያናት ሓይሊ እምበር ጊዜ ዝሓለፎ ናይ ሃይማኖት ስርዓት ኣይኮነን

እምበኣር ጸሎት ናይ ሃይማኖት ስርዓት ወይ ጊዜ ዝሓለፎ መሳርሒ እንተ ዘይኮይኑ ክርስትያናት ክንግልገለሉ ይግብኣና። ብዛዕባ ጸሎት ኣዕሙቕ ኣቢልና ቅድሚ ምዝራብና ገለ መሰረታዊ ሓሳባት ንርአ፡

1.  ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ጸሎት ንለማመድ

 

ጸሎት ሓይሊ ስለዝኾነንኩሉ ዝተለማመዶ ሰብ ናብ ህይወቱ ሓይሊ ሒዙሉ ይኣቱ። ጸሎት ኣየድልየንን እዩ ዝብል ዝኾነዓይነት ብርቱዕ ክርስትያን የለን። መብዛሕትና ናይ ጸሎት ህይወት ክህልወና ከም ዘለዎ ኣድላይነቱ እኳ እንተ ኣመንናሉን እንተ ፈለጥናን፡ ኣብ ህይወትና ክንለማመዶ ግን ይጽግመና። ኣማኒ ንዕቤት መንፈሳዊ ህይወቱ ካብ ዘድልይዎ ነገራት ሓደ ጸሎት ስለ ዝኾነ፡ ንጸሎት ከም ቀሊል ነገር ርእዩ ሸለል ክብሎ ኣይግባእን።

ኣመንቲ ናይ ጸሎት ህይወተይ ከመይ እዩ ኢልና በብጊዜኡ ንርእስና ክንሓትት ኣሎና። ርእስና ክንምርምር ከሎና እወ፡ ሓደ ሓደ ጊዜ እምበር ኩሉ ጊዜ ኣይጽልይን እየ። ወይውን ኣድላይነት ጸሎት ክሳብ ክንድዚ ስለ ዘይኣመንኩሉ ፈጺመ ምጽላይ ገዲፈዮ እየ ዝብል መልሲ ንረክብ ንኸውን። ናይዚ መጽሓፍ ቀንዲ ዓላማ ኣመንቲ ብዛዕባ ጸሎት እኹል ፍልጠት ከም ዝህልዎም ምግባር ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ጸሎት ንኽለማመዱ ንምምካርውን እዩ።

2.  ጸሎትና ሰማዒ ከም ዘለዎ ንእመን

ኣማኒ ዝጽሊ ስርዓት ንምሕላው ዘይኮነ ሰሚዑ መልሲ ዝህብ ጎይታ ከም ዘሎ ስለ ዝኣምን እዩ። መልሲ ጸሎቱ ከም ዝረክብ ዘይኣምን ኣማኒ፡ ስለ ዘይጠቕሞ ጊዜኡ ኣብ ጸሎት እንተ ዘየጥፍአ ይሕሾ። ጸልየ ኣይጸልየ ነገራት በቲ ኣቐዲሙ ዝተወሰነሎም መንገዲ ምዃኖም ዘይተርፍ እዩ ብምባል ንጸሎት ካብ ህይወቶም ዘውጽኡ ኣመንቲ ኣብ መንፈሳዊ ህይወቶም ድኹማት ከም ዝኾኑ ርዱእ እዩ።

ኣማኒ መልሲ ጸሎቱ ምርካብ መሰሉ እዩ እቲ ዝረኽቦ መልሲ ግን ኩሉ ጊዜ ሓደ ዓይነት እዩ ማለት ኣይኮነን። ሕራይ ይኹነልካ፡ ኣይከውንን እዩ፡ ወይ ከኣ ተጸበ ዝብል መልሲ ክቕበል ይኽእል እዩ። እምበኣር ኣማኒ ካብ ልቡ እንተ ጸልዩ ካብዚ ሰለስተ ዓይነት መልስታት ሓደ ካብ ጎይታ ይቕበል።

3.  ዓላማ ሃልዩና ንጸሊ

ብዘይ ዓላማ ዝጽሊ ኣማኒ፡ ውጽኢት ጸሎቱ ክርኢ ኣይክእልን እዩ። ጸሎትና ንእግዚኣብሄር ትእዛዝ እንህበሉ መሳርሒ ጌርናዶ ንጥቀመሉ ንኸውን ናይ ዝኾነሓቂኛ ጸሎት ዓላማ፡

 3. ንእግዚኣብሄር ንምኽባር (ክብሪ ንምሃብ) እዩ

 ጸሎት ናይ እግዚኣብሄር ፍቕሪ፡ ጸጋ፡ ሕያውነት እናዘርዘርና ንዕኡ እነኽብረሉ እምበር ቅድስናና ንእግዚኣብሄር እንነግረሉ መሳርሒ ኣይኮነን። ብምስጋና ዘይተመልአ፡ ንእግዚኣብሄር ክብሪ ዘይህብ ጸሎት፡ ዝተማልአ ጸሎት ኣይኮነን። ዳዊት ኣብ መዝሙሩ ኣምላኸይ፡ ንጉሰይ፡ ልዕል ከብለካ፡ ስምካውን ንዘለኣለመ ኣለም ክባርኽ እዬ ይብል (መዝ.1451)

 

3. ምስ እግዚኣብሄር ሕብረት ንምፍጣር እዩ

 ሓደ ሓደ ኣመንቲ ካብ ጎይታ ዝደልዩዎ ነገር እንተዘየለ ምጽላይ ኣድላዩ መሲሉ ኣይረኣዮምን። ጸሎት ምስ ጎይታ ዘሎና ሕብረት እነደልድለሉ መንገዲ እምበር ንልመና እንጥቀመሉ መሳርሒ ኣይኮነን።

ጸሎት እነኹ ጎይታይ ኢልና ርእስና ንጎይታ እነቕርበሉ እምበር ንእግዚኣብሄር ትእዛዝ ወይ ምኽሪ እንህበሉ ኣይኮነን። ጸሎትና ህላወ ጎይታ እንርእየሉ እምበር ምድራዊ ድላይና ክማልኣልና ጥራይ እንሓተሉ መሳርሒ ኣይኮነን

 

3. ብዛዕባ ምድሓን ነፍሳት ንምምላድ እዩ

 ኣብ ዓለም ብዙሓት ገና ናይ ወንጌል ጻውዒት ኣይበጽሖምን። ዘለናዮ ናይ መወዳእታ ዘመን ስለ ዝኾነን እቲ ጊዜውን እናቐልጠፈ ይኸይድ ስለዘሎ ኣመንቲ ስለ ምድሓን ነፍሳት ብጸሎት ከማልዱ ይግብኦም። ስለዚ ነቲ ጎይታ እኽሊ ንእኽበሉ ዓየይቲ ኺልእከሉ ለምንዎ፡ በሎም። (ማቴ.938)

4.  ብቕድስና ዘይተደገፈ ጸሎት ሓይሊ የብሉን

እግዚኣብሄር እቲ ዘደንቕ ስርሑ ንክሰርሕ ካብ ሰብ ሓገዝ ኣየድልዮን እዩ። እንተ ኾነግን ሓይሉ ክገልጽን ከርእን ዝኽእል ብሰብ ጌሩ እዩ። እቲ ሽግር እምበኣር ሰብ ክብሪ እግዚኣብሄር ዝግለጸሉ ብቑዕ መሳርሒ ኮይኑ ዘይምርካቡ እዩ።

ሓደ ጊዜ ሓደ ሰብ ሰሙን ምሉእ ጎይታ መንፈስካ ምልኣኒ እናበለ ይጽሊ ነበረ። ሕቶኡ ዘሰልቸዋ ሰበይቲ ከኣ ዓው ኢላ ጎይታ እንተመላእካዮውን ቀዳድ ስለዝኾነከፍስሶ እዩ እሞ ኣይትምልኣዮ ጸለየት ይበሃል። እዚ ኣበሃህላ ላግጺ እኳ እንተ መሰለ ሓቅነት ግን ኣለዎ።

ብዙሓት ኣመንቲ በረኸት እግዚኣብሄር ንኽመልኡ እተዳለዉ ኣይኮኑን። ህይወቶም ቀዳዳት ዝበዝሖን ዘፍስስን ብምዃኑ ዝተዋህቦም በረኸት ክሕዙ ኣይክእሉን እዮም። እግዚኣብሄር ክብሩ ዝገልጸሉ ሓቀኛ ኣቕሓ መሬት ይደሊ። ኣማኒ ምስ ዝዳሎ ከኣ እግዚኣብሄር ርእሱን ክብሩን ንሰብ ገሊጹ የርኢ (ይገልጽ)

ብናይ ቅድስና ህይወት ዘይተደገፈ ጸሎት ዋጋ የብሉን። ብቅድስና ከይተመላለስካ ልብኻ ንጸሎት ምልዓል ድኻም እንተ ዘይኮይኑ መኽሰብ የብሉን። ጸሎት ሓይሊ እኳ እንተ ኾነእተቐደሰ ህይወት ከይነበርካ ምጽላይ ግን ንርእስኻ ምትላል እዩ። እተቐደሰ ህይወት ክንብል ከሎና እንታይ ማለትና እዩ እተቐደሰ ህይወት ክንብል ከሎና ጌጋ ዘይብሉ ፍጽምና ማለትና ኣይኮነን። እተቐደሰ ህይወት፡-

 4. ካብ ሓጢኣት ዝረሓቐ ህይወት እዩ

 ኣማኒ ኣብ ዓለም እይ ዝነብር። ካብ ዓለም ክወጽእውን ፍቓድ ኣምላኽ ኣይኮነን። ኣብ ዓለም እናነበረ ግን ዓለማዊ ከይከውን ፍቓድ ኣምላኽ እዩ። ኣማኒ ኣብ ዓለም ይነብር እምበር ከም ዓለማዊ ሰብ ክነብር ትጽቢት ኣይግበረሉን እዩ። ሎጥ ኣብ ከተማታት ሰዶምን ጎሞራን ተቐሚጡ፡ ከም ሰብ ሰዶምን ጎሞራን ግን ህይወቱ ብሓጢኣት ኣይመርሐን።

ንናይ ዓለም ህርመት እናተቖጻጸየን ሓጎሳ እናተኻፈለን ዝነብር ሰብ ኣብ ጸሎት ብዙሕ ጊዜ እንተ ኣጥፍአ ዋጋ የብሉን። ሓይሊ ጸሎት ንኽርእን ክለማመድን ካብ ዓለም ንምውጻእ ክውስንን ስጉምቲ ክወስድን ይግብኦ። ንዘይኣመንቲ ንምምስካር ከም      ዘይኣመንቲ ምንባር የድልየና ዝብሉ ሰባት ስሒቶም ኣለዉ። ከም ዓለማውያን ከይነበርካ ንዓለማውያን ምምስካር ይከኣል እዩ።

 

4. ነቲ ኣረጊት ምእላይ የጠቓልል

ብዙሓት ጸሎት ዘሰልችዎም፡ ሸኸም ዝኾኖም ወይ ግዴታ ዝመስሎም ቀንዲ ምኽንያት ናብቲ መለኮታውን እተቐደሰን ክብሪ እግዚኣብሄር ዝመልኦ ስፍራ በቲ ኣረጊት ሰቦም ክኣትዉ ስለ ዝፍትኑ እዩ። እቲ ኣረጊት መንነትና ሰማያዊ ነገር ይጸልእ እዩ። ፍቕሪ ኣይፈቱን፡ ብጎይታ ኩሉ ጊዜ ኣይሕጎስን፡ ከም ኡውን መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ የብሉን።

ኣማኒ ብቕኑዕ ዝኾነናይ ጸሎት ዝምድና (ርክብ) ምስ ጎይታኡ ክነብር እንተደልዩ፡ ኣረጊት ህይወቱን ኣረጊት ልማዱን ከወግድ ኣለዎ። እዚ ዝኸውን ከኣ ሰብ ብፍቓዱ ምስ ዝንሳሕ እዩ። ድኻሙ ከይሓብአ እንተ ተነሲሑ፡ ካብ እግዚኣብሄር ይቕረታ ተቐቢሉ እተቐደሰ ህይወት ምንባር ይጅምር።

 4. ናይ ልቢ ምድላው ይሓትት

እግዚኣብሄ ዓላማኡ ኣብ ህይወት ሰብ ንኽፍጽም ሰብ ልቡ ከንጽህን ከዳሉን ኣለዎ። እግዚኣብሄር ኣብ ህይወት ሰብ ተኣምራት ናይ ምግባር ሓይሊ እኳ እንተለዎ፡ ካብ ድሌት ሰብ ወጻኢ ኣገዲድካ ምግባር (ምስራሕ) ግን ባህሪኡ ኣይኮነን።

እግዚኣብሄር ድኻም ሰብ እናፈለጠ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝተፈላለየ ዓላማ ኣዳልዩሉ ኣሎ። እንተኾነግን ዓላማኡ ክፍጽም ዝኽእል (ዝፍጽም) ሰብ ልቡ ኣዳልዩ ምስ ዘቕርብ ጥራይ እዩ። እግዚኣብሄር ንሰብ ናይ ምምራጽ ነጻነት ስለ ዝሃቦ፡ ነዚ ዝሃቦ መሰል ጥሒሱ ክኸይድ ኣይደልን እዩ።

 4. ካብ ሓጢኣት ምርሓቕ የድሊ

ሓጢኣት፡ ኣብ ህይወት ኣማኒ ብዙሕ ነገራት የበላሹ። ሓጢኣት፡ ምስ እግዚኣብሄርን ምስ ሰብን ዝህልወና ጽቡቕ ርክብ የጥፍእ (የበላሹ) ከም ኡውን ተስፋታት እግዚኣብሄር ኣብ ቃሉ ከይንርኢ ኣዒንትና ይሽፍን። ስለዚ ካብ ሓጢኣት ንምርሓቕ ኣቐዲምና ንሓጢኣት ፈሊና ክንፈልጦ የድልየና። ብዙሓት ብሓጢኣት እናተጻወቱ ከለዉ ኣብ ሓጢኣት ምህላዎም ፈጺሞም ኣይፈልጡን እዮም።

ኣብ ሓጢኣት እናነበርናን ሓጢኣት እናተለማመድናን እንተ ጸሊና፡ ጸሎትና መልሲ ኣይረክብን እዩ። ስርዓት ጸሎትና፡ ንምትሕልላፍና ወይ ንበደልና ናይ ምድምሳስ ሓይሊ ከም ዘይብሉን ንመርዛምነት ሓጢኣት ከጥፍኦ ወይ ከቃጥኖ ከም ዘይክእልን ክርድኣና ኣለዎ። ሓጢኣት ንእግዚኣብሄር ስለ ዘጉህዮ ኣማኒ ንሓጢኣት ፍጹም ክጸልኦን ክርሕቆን ይግባእ። ቅዱስን ሰዓሪን ህይወት ንምንባር ኣማኒ ኣብ ልቡ ሓጢኣት ከይስልጥን ክኽልክል ኣለዎ።

 4. ፍጽምና ይሓትት

ዋላ ሓደ ፍጹም የለን ዝብል ኣዘራርባ ንብዙሓት ሰባት ሓጢኣት ናይ ምግባር ነጻነት ዝሃቦም ይመስል። ብዙሓት ንድኻሞም ዝህብዎ ምኽንያት ኣነኮ ፍጹም ኣይኮንኩን ዝብል እዩ። እዚ ምኽንያት ከኣ ናብቲ ኣብ ክርስቶስ ዝርከብ ፍጽምና ገጽና ከይንዓቢ ዕንቅፋት ኮይኑና ኣሎ።

 ክርስቶስ እምበኣርከ ኸምቲ ሰማያዊ ኣቦኹም ፍጹም ዝኾነ፡ ንስኻትኩምውን ፍጹማት ኩኑ ይብል (ማቴ.548) ፍጹም ንዝብል ቃል ቅኑዕ ትርጉሙ እንተ ዘይፈሊጥናዮ ክኸብደና እዩ። ፍጹማት ኩኑ ክብል ከሎ ብዘይ ኣበር ማለቱ ኣይኮነን። ፍጹም ማለት ክብጻሕ ዘይከኣል ፍጽምና ዘይኮነስ ክዓቢ ዝኽእል ብቕዓት ማለቱ እዩ። ቅድስና፡ ኣማኒ ኣብ ህይወቱ ክዓብን ክጉብዝን ከሎ ዝርአ ፍረ መንፈስ ቅዱስ እዩ።

ፍሉጥ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር ቻርለስ ፊኒ ንፍጽምና ክገልጾ ከሎ ፍጽምና ርእስኻ ምሉእ ብምሉእ ንክርስቶስ ሂብካ፡ ብእኡ ምእማንን (ምውካልን) ጎሊሑ ካብ ዝርአ ሓጢኣት ርሒቕካ ምንባርን እዩ ይብል። እዚ ክብል ከሎ ከኣ ብሓሳብ ወይ ብተግባር ጌጋ ኣይገብርን እዩ ማለቱ ኣይኮነን።

ብሓፈሽኡ ፍጹማት ኮይንና ክንነብር ኣይንኽእልን ኢና ብምባል ቅዱስ ህይወት ካብ ምንባር ርእስና ከነህድም ኣይግብኣናን። እንተ ዘይኮይኑ ንጸሎትና መልሲ ኣይንረክብን ኢና።