ምዕራፍ 2
ጸሎት ልምዳዊ ስርዓት ኣይኮነን
ንመብዛሕትና ጸሎት ክበሃል ከሎ ሓድሽ ወይ ጋሻ ሓሳብ ኣይኮነን። መዓስ ምጽላይ ከም ዝጀመርና እኳ እንተ ዘይፈለጥና፡ ንብዙሕ እዋን ምጽላይ ተለማሚድና ኢና። ከም እንዝክሮ ብዙሕ ጊዜ ናይ ሃይማኖት ስርዓት ንምፍጻም ጥራይ ኢና ጸሊና። ንስለ ምጽላይ እምበር ክሳብ ክንድቲ ናይ ጸሎት ቅኑዕ ዓላማ ተረዲኡና ኣይጸለናን። ጸሎት ብልምዲ ጥራይ ዝግበር ስርዓት እንተ ዘይኮይኑ ደኣ እንታይ እዩ ብሓጺሩ ጸሎት ምስ እግዚኣብሄር ዝግበር ናይ ልቢ ዝርርብ ወይ ዘተ እዩ። መንነትናን ውሽጥናን ገላሊጽና ነቲ ኩሉ ዝኽእል ኣምላኽ እንገልጸሉ መሳርሒ እዩ።
ብዛዕባ ጸሎት ዝተፈላለዩ ነጥብታት ቅድሚ ምጥቃስና ሓቀኛ ጸሎት እንታይ ከም ዝኾነንምርዳእ ገለ ሓሳባት ክንምልከት ኢና።
1. ጸሎት ነፍስኻ ናብ እግዚኣብሄር ምልዓል እዩ
ነዚ ሓሳብ ዝድግፍ ኣብ መዝሙር ዳዊት "ኦ ኣምላኽ ነፍሰይ ናባኻ አልዕል"ዝብል ነንብብ። ዳዊት ነዚ ዝተዛረበ ብጸሎት ናብ እግዚኣብሄር ክቀርብ ከም ዝደለየ ክገልጽ ከሎ እዩ። ጸሎት፡ ሰብ ኣእምሮኡን፡ ስምዒቱን ፍቓዱን ብሓፈሻ ኩለንትናኡ ምስ እግዚኣብሄር ከም ዝራኸብ ዝገብረሉ መሳርሒ እዩ።
ሓደ ሓደ ጊዜ ከንፈርና ከይተንቀሳቐሰ፡ ድምጽና ከይተሰምዐ፡ ብውሽጥና ምስቲ ሓያል ዝኾነእግዚኣብሄር ርክብ ክንገብር ንኽእል ኢና። ብፍላይ ኣብ ኣዋጣሪ (ኣጨናቒ) ናይ ህይወት ኩነታት ኣብ እንህልወሉ እዋን ካብ ውሽጥና ብዘይንገር እህህታ ንጽሊ ኢና። ብቓላት እተወሃሃደ ዘረባ እኳ እንተ ዘየስማዕና፡ እግዚኣብሄር ነቲ ካብ ውሽጥና እነውጽኦ እህህታ ይሰምዖ እዩ። ስለዚ ጸሎት ነቲ ዘይመውት መንፈስ ሰብ፡ ምስቲ ንዓለም ዝፈጠረ ዓቢ ኣምላኽ እግዚኣብሄር የራኽብ። ንረብሓና ስለ ዝኾነብጸሎት ምስ እግዚኣብሄር ጥቡቕ ርክብ ምግባር ንለማመድ።
2. ጸሎት ምስ እግዚኣብሄር ምውህሃድ እዩ
ዳዊት ኣብ መዝሙሩ "ኣታ ጸሎት እትሰምዕ ኩሉ ስጋ ናባኻ ኪመጽእ እዩ"ይብል። ጸሎት ናይቲ ዓቢ እግዚኣብሄር መንፈስ ምስ ናይ ሰብ መንፈስ ምርኻብ ወይ ሕብረት ምግባር ማለት እዩ። ምስ እግዚኣብሄር ሕብረት (ርክብ) ክንገብር ከሎና ንዕኡ ብምፍራህን ብምኽባርን ክኸውን ይግባእ። እንቐርቦን እንጽግዖን ንኽንወቕሶን ንኽንከሶን ዘይኮነስ ንኽንውድሶን ምስኡ ጥቡቕ ሓድነት ንኽንፈጥርን ምዃኑ ክንዝንግዖ የብልናን።
3. ጸሎት ልብኻ ቀሊዕካ (ገሊጽካ) ንጎይታ ምሃብ እዩ
ብጸሎት ናብ ጎይታ ክንቀርብ ከሎና ርእስና ምሉእ ብምሉእ ገሊጽና ንጎይታ ነርእዮ። ካልእ ጊዜ ክንመሃሮ፡ ክንርድኦን ከነስተውዕሎን ዘይከኣልና ኩሉ፡ ብጸሎት ኣብ ቅድሚ ጎይታ ክንምብርከኽ ከሎና፡ ሓቀኛ ምግላጽ ንረክብ። ንዘጠራጥሩና (ዘወላውሉና) ኩነታት፡ መልሲ ዝሰኣንናሎም ሕቶታት፡ ኮፍ ኢልና ካብ ምሕሳብን ምጭናቕን ክርስትያናት ስለዝኾንና፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ኩሉ ዝኽእል ጎይታ ቀሪብና ኩነታትና ከነፍልጦን ክንነግሮን ይግብኣና። ኣብ ጸሎት ከሎና ከኣ መንፈስ ቅዱስ ነቶም ዘጨነቑናን መልሲ ዝሰኣንናሎምን ሕቶታት እናፈትሓልናን እናገለጸልናን ይኸይድ።
ካልእስ ይትረፍ፡ ብዛዕባ ርእስና ዘይርድኡና ነገራት እኳ ኣብ ጊዜ ጸሎት ይረኣዩና። ቅኑዓት እዮም ኢልና ዝገበርናዮም ነገራት ኩሎም ክሳብ ክንደይ ግጉያት ከም ዝነበሩ ንርኢ። ከይፈለጥና ዘቐየምናዮምን ዝጎዳእናዮምን ኩሎም ኣብ ጊዜ ጸሎት መንፈስ ጎይታ ናብ ህይወትና የምጽኦም፡ ብዛዕባ ምትሕልላፍና ይቕረታ ክንሓትት ከም ዘሎና ከኣ የተሓሳስበና።
ብዙሕ ጊዜ እግዚኣብሄር ክንርእዮ ዘየዘኻኸረና ኩነታት፡ ብናትና ሓይሊ ጥራይ ክንርእዮ ወይ ከነስተውዕሎ ኣይንኽእልን ኢና። እግዚኣብሄር ንልብና ቀላሊዑ ኩነታትና ከርእየና ከሎ፡ ስቕ ክንብል ስለዘይንኽእል ንዝበደልናዮ ይቕረታ ክንሓትት ንግደድ።
4. ጸሎት ናይ ውሽጢ ጽምኣት እዩ
ጸሎት ሓደ ነገር ኣብ ህይወትና ክኸውን ምንፋቕ (ምምናይ) እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ልዑል ጽምኣት ኣብ ውሽጥና ከሕድር ዝኽእል ከኣ መንፈስ ቅዱስ ጥራይ እዩ። ከመይ ወይ እንታይ ኢልና ክንጽሊ ከምዝግብኣና ኣብ ዘይንፈልጠሉ እዋን መንፈስ ቅዱስ ኣብ ውሽጥና ኮይኑ ብዘይንገር እህህታ ከምዝማልደልና (ከምዝልምነልና) መጽሓፍ ቅዱስ ይዛረብ (ሮሜ.8፡26)።
መንፈስ ቅዱስ ኣብ ውሽጥና ኮይኑ ስሌና የማልድ (ይልምን)። ኣብ ህይወትና ፍቓድ ኣምላኽ ምፍላጥ ከሸግረና (ክጽግመና) ከሎ፡ ብጸሎት ምስ እንቐርብ መንፈስ ቅዱስ ፍቓድ እግዚኣብሄር እንታይ ከምዝኾነየርእየና።
5. ጸሎት መንፈሳዊ መፍትሕ እዩ
ኩሉ ሰብ ክበጽሖ ዘይከኣለ፡ ኣማኒ ግን ነቲ እተሓብአ ሰማያዊ ዑንቂ ዝኸፍተሉ መሳርሒ (መፍትሕ) ጸሎት እዩ። ብዙሓት ንስጋኦም ፈውሲ እናደለዩ "እግዚኣብሄር ፈውሲ ከም ዘድልየኒ ስለዝፈልጥ፡ ስለምንታይ ፈውሰኒ ኢለ እጽሊ"ይብሉ። ብርግጽ እግዚኣብሄር ድሌትና ይፈልጥ እዩ። እንተኾነግን ከፊትና እንወስደሉ መፍትሕ ስለዝሃበና ብእኡ ምጥቃም ናትና ግደ እዩ። እዚ መፍትሕ እዚ ከኣ "ጸሎት"እዩ። ".... ለምኑ፡ ይወሃበኩም። ድለዩ፡ ትረኽቡ። ማዕጾ ኳሕኩሑ ኣብሉ፡ ይኽፈተልኩም እዩ።"(ማቴ.7፡7) ዝብል ቃል፡ ንኽንቅበል ምሕታት ወይ ምጽላይ ከምዘድልየና የርእየና።
ምድላይ ወይ ምምናይ ጥራይ ንኹሉ እንደልዮ ኣየጨብጠናን እዩ። ብእምነት ድላይና እንተ ፍሊጥና ግን፡ ከም ዝደለናዮ መጠን ይወሃበና። ብቅኑዕ መንፈስ ናብ ኣምላኽ ምስ እንጽጋዕን ቅኑዕ ናይ ጸሎት ኣገባብ ምስ እንጥቀምን፡ ቅድሚ ሕጂ ብዘይ ርኤናዮ ኩነታት ጎይታ ክሰርሕን ክገብርን ክንርእዮ ኢና።
ጸሎት ወረ ዘይኮነስ ስራሕ እዩ። ጸሎት እግዚኣብሄር ንደቂ ሰባት ዝሃቦም ዓቢ ምንጪ ሓይሊ እዩ። እቲ ዘሕዝን ግን መብዛሕትና ነዚ ሓይሊ እዚ ዘይተጠቐምናሉ ምዃንና እዩ። ምስጢር ጸሎት እንተ ተረዲኡና፡ ሓይሊ ጸላኢን ፍላጽኡን ኣየፍርሓናን እዩ። "ኣጽዋር ውግእና ንምፍራስ ጽኑዕ ዕርድታት ብርቱዕ እዩ እምበር ስጋዊ ኣይኮነን"(2ቆረ.10፡4)። ኣጽዋር ውግእና መንፈሳዊ እምበር ስጋዊ ኣይኮነን፡ ካብዚ እቲ ቀንዲ ከኣ ጸሎት እዩ።
ንጸሎት ኣብ ህይወቶም ብኣገባብ ዝተጠቕሙሉ ሰባት፡ እግዚኣብሄር ብግልጺ ክስርሕ ርእዮምን ኣብ ጸሎት ከመይ ዓይነት ሓይሊ ከምዘሎ ተረዲኦምን እዮም። ቀዳሞት መንፈሳውያን ኣቦታትና፡ ብጸሎት ዓወት ከምዝርከብ፡ እተዓጽወ ማዕጾ ከም ዝኽፈት፡ ብጸላኢ እተሰርሐ ቀጽሪ ከም ዝፈርስ፡ ብጥበብን ክእለትን ሰብ ክግበር ዘይግመት ነገር ከም ዝግበር ስለ ዝተረድኡ ንጸሎት ከም ቀሊል ነገር ሸለል ይብልዎ ኣይነበሩን።
ኣብርሃም ውሉድ ስለ ዘይነበሮ ልመንኡ ብናይ እምነት ጸሎት ንእግዚኣብሄር ኣፍሊጡ። ሳራ ውሉድ እትወልደሉ ናይ ምውላድ ዓመታት እኳ ሓሊፉን ኣኽቲሙን እንተነበረ፡ ክኸውን ይኽእል እዩ ኣብ ዘይበሃለሉን ዘይግመተሉን ጊዜ፡ ንሳራ ንባዕላኳ ክሳዕ ዘስሕቓ ናይ እግዚኣብሄር ተኣምራት ኣብ ኣካላታ ተፈጺሙ። እተዓጽወ ማህጸና ተኸፊቱ፡ ዓቢ ግብሪ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ህይወታ ተራእዩ። ኣብርሃም እቲ ዝጸለየሉ ነገር ተፈጺሙ ብዓይኑ ክሳብ ዝርኢ ብእምነት ተጸብዩ። እግዚኣብሄር ከኣ ብጊዜኡ ኣምላኽነቱ (ኩሉ ከኣልነቱ) ኣረጋጊጹሉ።
ያእቆብ ናይ ሓዉ ብኹርና መንጢሉ፡ በረኸቱ ተሻምዩ ኣብ ርሑቕ ኮብሊሉ ብዙሕ ዘመን ጌሩ። ድሕሪ ብዙሕ ጊዜ ግን ካብቲ ዝነበረሉ ሃገር ባዕዲ ወጺኡ ናብቲ ዝተወልደሉ ምድሩ ተመሊሱ ክነብር ወሰነ። እንተኾነግን፡ ንሓው ዝበደሎ በደል ይዝክር ስለዝነበረ "ኤሳው ሓወይ ሕነ ክፈድየኒ እዩ"ብምባል ኣዝዩ ፈርሀን ተጨነቐን።
እዚ ክጨንቆን ክደናገር ከሎን ጥራይ ንጸሎት ምምብርካኽ ዝለመደ ያእቆብ፡ ናይ ኤሳው ሓዉ ሰይፊ ስለዝፈርሐ ናብ ኣምላኹ ከምዚ ኢሉ ጸለየ። ".... ዎ ኣምላኽ ኣቦይ ኣብርሃምን ኣምላኽ ኣቦይ ይስሓቕን፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ናብ ሃገርካን ናብ ዓሌትካን ተመለስ እሞ፡ ጽቡቕ ክገብረልካ እየ፡ ዝበልካኒ፡ እዚ ንባርያኻ ጌርካዮ ዘሎኻ ኩሉ ለውሃትን ኩሉ እምነትን ዘይግብኣኒ እዩ። እዛ ዮርዳኖስ እዚኣ ብበትረይ እየ እተሳገርክዋ፡ ሕጂ ግና ክልተ ጋንታ ኮይነ ኣሎኹ። መጺኡ፡ ነደ ምስ ደቂ ኸይወቕዓኒ፡ እፈርሆ ኣሎኹ እሞ፡ በጃኻ ካብ ኢድ ሓወይ፡ ካብ ኢድ ኤሳው ኣድሕነኒ።" (ዘፍ.32፡9-11) ኢሉ ካብ ልቡ ጸለየ።
ናይ ያእቆብ ጸሎት ንልቢ ኤሳው ሓዉ ኣምኪኽዎ። ኤሳው ንያእቆብ ሓዉ ኣይወቕዖን፡ እኳ ደኣ ብኣንጻሩ "ኤሳው ከኣ ኪቕበሎ ጎየየ፡ ሓቖፎ፡ ኣብ ክሳዱ ወዲቑ ከኣ ሰዓሞ፡ በኸዩ ድማ"(ዘፍ.33፡4) ይብል።
ሳምሶን ብዘመን መሳፍንቲ ካብ ዝነበሩ ናይ እግዚኣብሄር ምሩጻት እዩ። ሳምሶን ካብቲ እግዚኣብሄር ዝወሰነሉ ደረት ምስ ሓለፈ ጸጋኡ ተገፊፉ፡ መንፈስ ቅዱስ ካብኡ ኣግሊሱ ድኹምን ተራን ሰብ ኮይኑ ከኣ ኣብ ኢድ ጸላእቱ ወዲቑ። ክልቲአን ኣዒንቱ ከኣ ጎጥጉጦም ኣውጺኦመን። ፍልስጤማውያን መኳንንቲ "ኣምላኽና ንሳምሶን ጸላኢና ኣሕሊፉ ኣብ ኢድና ሂቡና"እናበሉ ንዳጎን ኣምላኾም ዓቢ መስዋእቲ ኣቕረቡሉ። ንሳምሶን ከኣ ኣላገጹሉን ሰሓቑሉን።
ሳምሶን ኣዝዩ ተዋሪዱሉ ኣብ ዝነበረሉ ጊዜ ናብ እግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ ጸለየ፡ "ሲምሶን ከኣ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ዎ ጎይታ፡ በጃኻ ዘክረኒ። ኣታ ኣምላኸይ፡ ንፍልስጥኤማውያን ሓንሳብ ሕነ እዘን ክልቲአን ዓይነይ ክፈድዮምሲ፡ በጃኻ ነዛ ጊዜ እዚኣ ጥራይ ሓይሊ ሃበኒ፡ ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ"(መሳ.16፡28)።
እግዚኣብሄር ከኣ ናይ ሳምሶን ኣውያት ሰሚዑ ኣብ ልዕሊ ጸላእቱ ሕኒኡ ክፈዲ ሓይሉ መለሰሉ። "ሲምሶን ድማ፡ ነፍሰይ ምስ ፍልስጥኤማውያን ትሙት በለ። ብሓይሊ ከኣ ተጎበጠ፡ እታ ቤት ድማ ናብ ልዕሊ እቶም ሹማምንትን፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብኡ ዝነበረ ኩሉ ህዝብን ወደቐት። ካብቶም ብህይወቱ ኸሎ ዝቐተሎም ከኣ ብሞቱ ዝቐተሎም ምውታት በዝሑ"(መሳ.16፡30)። ስለዚ "ጸሎት"ንድኹም ሓይሊ ይህብ፡ ጸጋ ንዝረሓቖ ጸጋ ይመልሰሉ (የብዝሓሉ)፡ ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ኣብ ውሽጡ የንብረሉ።
ሰናክሬብ ንጉስ ኣሶር ንእስራኤል ክወግእ ኣብ ዝወጽኣሉ ጊዜ ንንጉስ ህዝቅያስን ንህዝቡን ንከፈራርህ "ህዝቅያስ ካብ ኢደይ ኬድሕነኩም ኣይኽእልን እዩ እሞ፡ ንሱ ኣየዐሽኹም። ህዝቅያስ ድማ፡ እግዚኣብሄር ብርግጽ ኬድሕነና እዩ፡ እዛ ኸተማ እዚኣ ከኣ ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ኣይትውሃብን እያ፡ ኢሉ ብእግዚኣብሄር ኣየእምንኩም፡ ንህዝቅያስ ኣይትስምዕዎ፡....."(2ነገ.18፡29-31) ዝብል ትሕዝቶ ዘለዎ ደብዳበ ሰደደ።
ንጉስ ህዝቅያስ ነታ ንጉስ ኣሶር ዝሰደደሉ ደብዳበ ካብቲ ልኡኽ ተቐቢሉ ሒዝዋ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣተወ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከኣ ዘርግሓ። ህዝቅያስ ከኣ ናብ እግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ ጸለየ፡ "ኣታ ኣብ ኪሩቤል እትቕመጥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ እቲ ኣምላኽ ኩለን መንግስትታት ምድሪ ንስኻ በይንኻ ኢኻ፡ ንሰማይን ንምድርን ንስኻ ገበርካዮ። ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣእዛንካ ኣድንን እሞ ስማዕ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣዒንትኻ ቋሕ ኣቢልካ ድማ ርኤ። ነቲ ንህያው ኣምላኽ ኪጸርፍ ኢሉ ዝለኣኾ ዘረባ ሰናክረብ ከኣ ስምዓዮ። ኣታ እግዚኣብሄር፡ እቶም ነገስታት ኣሶር ነቶም ህዝብታትን ንሃገሮምን ከም ዘባደሙ ሓቂ እዩ። ንኣማልኽቶምውን ናብ ሓዊ ደርበይዎም። ንሳቶም ካብ ዕጨ እምኒ ብኢድ ሰብ እተገብሩ እዮም እምበር፡ ኣማልኽትስ ኣይኮኑን፡ ስለዚ ኣጥፍእዎም። ሕጂ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ኩለን መንግስትታት ምድሪ ንስኻ እግዚኣብሄር በይንኻ ኣምላኽ ከም ዝኾንካ ምእንቲ ኺፈልጣስ፡ ንልምነካ ኣሎና፡ ካብ ኢዱ ኣድሕነና።"(2ነገ.19፡15-19) ኢሉ ጸለየ።
እግዚኣብሄር ጸሎት ህዝቅያስ ሰሚዑ መላእኽቱ (መልኣኹ) ናብ ሰራዊት ኣሶር ሰደደ። "ኮነ ድማ፡ በታ ለይቲ እቲኣ መልኣኽ እግዚኣብሄር ወጸ እሞ፡ ኣብ ሰፈር ኣሶራውያን ሚእትን ሰማንያን ሓሙሽተን ሽሕ ቀተለ። ንጽባሒቱ ኣንጊሆም ምስ ተንስኡ ኸኣ፡ እንሆ፡ ኩላቶም ምውታት ሬሳታት ኮይኖም ጸንሑ።"(2ነገ.19፡35)። ሽዑ ህዝቅያስ እግዚኣብሄር ህያው ምዃኑን ጸሎት ሰሚዑ ዝምልስ ኣምላኽ ምዃኑን ኣብ ህይወቱ ኣረጋጊጹ።
ንጉስ ህዝቅያስ ኣብ ልዕሊ ሰናክሬብ ንጉስ ኣሶር ብዝረኸቦ ዓወት ሓጎሱ ከይወድአ ካልእ ፈተና ኣጋጢምዎ። እዚ ከኣ ኣብ ገዛእ ህይወቱ ዝመጸ ፈተና ኔሩ። "በቲ ጊዜ እቲ ህዝቅያስ ንሞት ሓመመ። ነብዩ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ድማ ናብኡ መጺኡ በሎ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ንስኻ ትመውት እምበር፡ ኣይትሓውን ኢኻ እሞ፡ ቤትካ ኣስተናብር። ሽዑ ገጹ ናብ መንደቕ መሊሱ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ እልምነካ ኣሎኹ፡ ኣብ ቅድሜኻ ብሓቅን ብፍጹም ልብን ከም እተመላለስኩን፡ ኣብ ቅድሜኻ ኸኣ ጽቡቕ ከም ዝገበርኩን ዘክር፡ ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ጸለየ፡ ህዝቅያስ ብርቱዕ ብኽያትውን በኸየ።"(2ነገ.10፡1-3)። እግዚኣብሄር ከኣ ብኽያቱን ንብዓቱን ርእዩ፡ ጸሎቱውን ካብ ልቢ ዝወጸ ናይ ውሽጢ ምህለላ ምዃኑ ሰሚዑ ቀልጢፉ መልሲ ሂብዎ። "ተመለስ እሞ ንህዝቅያስ፡ ነቲ መስፍን ህዝበይ፡ በሎ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦኻ ዳዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ጸሎትካ ሰሚዐ፡ ንብዓትካ ርእየ፡ እኔኹ፡ ከሕውየካ እየ፡ በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ክትድይብ ኢኻ። ኣብ ልዕሊ ዕድሜኻውን ዓሰርተው ሓሙሽተ ዓመት ወሲኸልካ ኣሎኹ፡ ንኣኻን ነዛ ኸተማ እዚኣን ከኣ ካብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ከድሕነኩም እየ፡ ነዛ ኸተማ እዚኣ ምእንታይን ምእንቲ ዳዊት ባርያይን ኢለ ክከላኸለላ እየ።"ኢልዎ (2ነገ.20፡4-6)።
ንሕናውን ናይ ውሽጢ ኣውያት ኣለና። ድሌትን ጽምኣትን ኣለና። እዚ ድላይናን ትምኒትናን እምበኣር ነቲ ክሰምዖ ዝግብኦ ኣምላኽ ንንገሮ (ነስምዓዮ)። እዚ ከኣ እቲ ሓቀኛ ጸሎትና እዩ። ኣብ ቅድሚኡ ልብና ነፍስስ፡ ርእስና ቀሊዕና ነርእዮ። ሽዑ ከምቲ ንንጉስ ህዝቅያስ ዝበሎ "ጸሎትካ ሰሚዐ ንብዓትካውን ርእየ"ክብለና እዩ። ምናልባት እግዚኣብሄር ጸሎትና ከም ዝሰምዐን ንብዓትና ከም ዝረኣየን ንከረጋግጸልና ነብይ ኣይልእከልናን ይኸውን። እንተኾነግን፡ ካልኦት መረጋገጺታት ኣለዉና። ንሳቶም ከኣ ቀዳማይ፡ ቃሉ የረጋግጸልና። ካልኣይ ድማ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ውሽጥና ይምስክረልና። ዘይርአ እኳ እንተኾነብእምነት ግን ንቕበሎ።
ዮናስ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ነገር "ኣይገብርን"ኢሉ። ናብ ነነዌ ክኸይድ ዝግብኦ ናብ ተርሴስ ክሃድም ከም ዝፈተነ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ነንብብ። እንተኾነግን፡ ዮናስ ካብ እግዚኣብሄር ኣየምለጠን። እግዚኣብሄር ሓደ ንዮናስ ዝውሕጥ ዓቢ ዓሳ ኣዳልዩ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ኣብ ከብዲ ዓሳ ኣቐንዩዎ (ኣቐሚጡዎ)። ዮናስ እምቢታኡን ንእግዚኣብሄር ምብዳሉን ክርዳእ ብዙሕ ጊዜ ኣይወሰደሉን። ንኽጽሊ ካብ ከብዲ ዓሳ ክሳብ ዝወጽእ ኣይተጸበየን። ኣብ ከብዲ ዓሳ ኮይኑ እቲ ዝስምዖ ካብ ልቡ እናውጽአ ንእግዚኣብሄር ክነግሮ ጀመረ። "ዮናስ ኣብ ከብዲ ዓሳ ኮይኑ፡ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ጸለየ። በለ ድማ፡ ካብ መከራይ እተላዕለ ናብ እግዚኣብሄር ኣእዌኹ፡ ንሱ ኸኣ መለሰለይ። ኣብ ከብዲ ሲኦል ኮይነ ኣእወኹ፡ ንስኻውን ድምጸይ ሰማዕካ። ንስኻ ናብቲ መዓሙቕ፡ ናብ ልቢ ባሕሪ፡ ደርቤኻኒ፡ ወሓይዝ ከበበኒ፡ ኩሉ ማዕበልካን ሞገዳትካን ብልዕለይ ሓለፈ። ኣነ ኸኣ በልኩ፡ ካብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ተሰጎግኩ፡ ግናኸ ናብ ቅዱስ መቕደስካ መሊሰ ኽጥምት እየ። ማያት ክሳዕ ነፍሰይ ከበበኒ፡ መዓሙቕ ኣብ ዙርያይ ነበረ፡ ሳዕሪ ባሕሪ ኣብ ርእሰይ ተጠምጠመ። ናብ መሰረት ኣኽራን ወረድኩ፡ መሃርሃሪታት ምድሪ ንሓዋሩ ኣብ ልዕለይ ኮነ፡ ግናኸ ንስኻ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ንህይወተይ ካብ ጉድጓድ ኣውጻእካያ። ነፍሰይ ኣብ ውሽጠይ ምስ ኣሕለለወት፡ ንእግዚኣብሄር ዘከርክዎ፡ ጸሎተይ ናባኻ፡ ናብቲ ቅዱስ መቕደስካ ኣተወ። እቶም ናብ ሓሰውቲ ኸንቱነት ዜድህቡ፡ ጸጋኦም ይሓድጉ። ኣነ ግና ብድምጺ ምስጋና ኽስውኣልካ፡ ነቲ እተማባጻዕክዎ ኸኣ ክፍጽሞ እየ፡ ምድሓን ካብ እግዚኣብሄር እዩ።"(ዮናስ 2፡2-9)።
ዮናስ እምቢተኛነቱን ምኹብላሉን ኣይከሓደን። ኩሉ ነገር ጽቡቕ ኣብ ዝነበረሉ ንእግዚኣብሄር ኣይደለዮን። መከራ ምስ ረኸቦ ግን ናብ እግዚኣብሄር ኣእውዩ። እግዚኣብሄር "እምቢ ኣይሰምዓካን እየ"ክብሎ ዝግብኦ እኳ እንተነበረ ብጸጋኡን ብምሕረቱን መሊሱ ተቐቢልዎ።
ሎሚውን መብዛሕትና ካብ ፍቓድ እግዚኣብሄር ምውጻእ ደስ ኢሉና፡ ባዕልና ብዝመረጽናዮ መኣዝን ህይወትና ንመርሕ ንህሉ። ብርግጽ ዝደለናዮ ናይ ምምራጽን ምግባርን መሰል ኣሎና። እንተ ኾነግን እቲ ዝመረጽናዮ መኣዝንን ዝወሰድናዮ ስጉምትን መሊሱ ናብ መከራ ዘእትወና ይኸውን። እወ ኣቐዲምና "ጎይታ፡ ብዛዕባ ጉዳይ ህይወተይ ንዓኻ ኣየእትወካን እዩ፡ ናይዚ ዓለም ናይ ኣነባብራ ሜላን መውጽኢ ቀዳዳትን ንስኻ ኣይትፈልጦን ኢኻ። ኣነ ኩሉ እፈልጥ እየ"ኢልና ንጎይታ ካብ ውሳኔና ኣውጺእናዮ ንኸውን።
ደሓር እቲ መንገዲ (ናብራ) ብዘይ ጎይታ ምስ ጀመርናዮን ምስ ጠዓምናዮን ይመረና። ካብቲ ዝኣተናዮ ታኼላ ከኣ ብገዛእ ሓይልና ምውጻእ የጸግመና። ሽዑ ኣብ ዘሎናዮ ኮፍ ኢልና ንርእስና ካብ እንሓዝነላን እንበኽየላን ቀልጢፍና ድምጽና ብምህለላ ናብ ጎይታ ከነስምዕ ይግብኣና። ኩነታትና ንንገሮ፡ ሽግርና ነረድኣዮ። ካብ ልብና ተናዚዝና ከኣ ብንስሓ ናብኡ ንቕረብ። ምናልባት እቲ ብትሑትን ስቡርን መንፈስ ናብ ጎይታ ክንቀርበሉ እንኽእል ዝበለጸ ጊዜ፡ እቲ ዝመረረ ጽዋእ እንሰትየሉ ጊዜ ይኸውን። ጎይታውን ጸሎትና (ምህለላና) ክሰምዕ ዝኽእል ብስቡርን እተዋረደን መንፈስ ምስ እንቐርብ እዩ። ጎይታ ኩሩዕ መንፈስ ይጸልእ፡ ንዝተሰብረን ድቑስን ህይወት ግና ባህሪኡ ስለ ዘይኮነ ሓሊፍዎ (ጎስይዎ) ኣይከይድን እዩ። ነፍስና ኣብ ዝዛሕተለትሉ ጊዜ ጸሎትና ናብ መቕደስ እግዚኣብሄር ይኣቱ።
ሰብ ውሽጣዊ እህህታኡ ወይ ጸሎቱ ናብ እዝኒ እግዚኣብሄር ክበጽሓሉ ዝያዳ ዝህንጠ ነፍሱ ብመከራ ኣብ እትጭነቐሉ ጊዜ እዩ።
6. ጸሎት ኣማኒ ንጎይትኡ ብቀረባ ዝፈልጠሉ እዩ
ኣማኒ ብርሑቕን ብዝናን ጥራይ ዘይኮነስ ብቀረባ ንጎይትኡ ክፈልጦ ኣለዎ። ናይ ርሑቕ ፍልጠት ዘይኮነስ ናይ ቀረባ ርክብ ክህልዎ ኣለዎ። ኣማኒ ምስ ጎይትኡ ዝቐረበ ርክብ ዝፈጥረሉ ሓደ መንገዲ ጸሎት እዩ። ክልተ ዝፋተዉ (ዝፋቐሩ) ወድን ጓልን ቅድሚ መርዓኦም፡ ብርሑቕ ይፋለጡ፡ ድሕሪ ምምርዓዎም ግን ብቀረባ ከም ሰብኣይን ሰበይትን ይፋለጡ። እቲ ዳሕረዋይ ምፍላጦም ካብቲ ቀዳማይ ዝተፈልየን ዝቀረበን ዝዓሞቐን እዩ። ኣማኒ ከኣ ምስ ጎይትኡ ዝቀረበ ርክብ ዝፈጥረሉ መሳርሒ ጸሎት እዩ።
7. ጸሎት ተስፋታት ኣምላኽ ብተግባር ዝግለጸሉ እዩ
መጽሓፍ ቅዱስ ብተስፋታት እግዚኣብሄር ዝመልአ እዩ። እግዚኣብሄር ኣመንቲ ብእምነት ዝሓትዎ ከም ዝህቦም ዝገልጹ ዝተፈላለዩ ተስፋታት ኣብ ቃሉ ሂቡ ኣሎ። ኣማኒ ነዞም ተስፋታት ብምጥቃስ ካብ እግዚኣብሄር ዝቕበለሉ መሳርሒ ጸሎት እዩ።
8. ጸሎት ኣማኒ ናይ ኣምላኹ መደብ (ፕላን) ዝፈልጠሉ እዩ
ጸሎት፡ እግዚኣብሄር ንዓና እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና ዘፍልጠሉ መሳርሒ እምበር ንሕና እግዚኣብሄር እንታይ ክገብር ከም ዘለዎ እንነግረሉ መሳርሒ ኣይኮነን። ናይ ሓደ ሰብ ዓላማን መደብን ክፍለጥ እንተ ተደልዩ ነቲ ሰብ ምዝርራብ ወይ ከኣ ንሱ ዝጸሓፎ መጽሓፍ ምንባብ የድሊ። ልክዕ ከምኡ ከኣ ኣማኒ ናይ ኣምላኹ ፍቓድ ክፈልጥ እንተ ደልዩ መጽሓፍ ቅዱስ ከንብብን ንኣምላኹ ብጸሎት ከዘራርቦን ኣለዎ። ሰብኣይን ሰበይትን ምዝርራብ እንተቋሪጾም ወይ እንተ ተዃራርዮም፡ እቲ ሓደ ናይቲ ሓደ ሓሳብ ፈጺሙ ክፈልጥ ኣይክእልን እዩ። ኣማኒኸ ምስ እግዚኣብሄር ምዝርራብ ደው እንተቢሉ፡ ከመይ ጌሩ ሓሳቡ (ፍቓዱ) ክፈልጥ ይኽእል ናይ እግዚኣብሄር ሓሳብን መደብን ክንፈልጥ እንተ ደሊና ብጸሎት ናብ ዙፋኑ ንቕረብ።
9. ጸሎት ናይ ኣማኒ ትንፋስ እዩ
ሰብ ብህይወት ንኽነብር ከተንፍስ የድልዮ። ጊዜን ኩነታትን እናመረጸ ከተንፍስ እንተ ፈቲኑ ንብዙሕ ጊዜ ብህይወት ኣይጸንሕን እዩ። ልክዕ ከምኡ ጸሎት ከኣ ንመንፈሳዊ ህይወትና ትንፋስ እዩ። ሓደ ሓደ ጊዜ ወይ ደስ ክብለና ከሎ ጥራይ እንገብሮ ናይ ሃይማኖት ስራሕ ኣይኮነን። ብመንፈሳዊ ህይወት ንምዕባይን ንምንባርን ኩሉ ጊዜ ከየባተኽና (ከየቋረጽና) ክንጽሊ ይግብኣና።
10. ጸሎት ምንጪ ሓይልን ሰላምን እዩ
ዘይጽሊ ሰብ "ኩሉ ጊዜ ሰላም ኣሎኒ"እንተበለ ሓቂ ኣይተዛረበን። ህይወት ኣማኒ ብሰላም ከም ዝመልእ ዝገብር ጸሎት እዩ። ሓደ ኣማኒ ምስ ጎይትኡ ክሳብ ክንደይ ጥቡቕ ርክብን ዓሚቑ ፍልጠትን ኣለዎ መምዘኒኡ (መዐቀኒኡ) ሓቀኛ ናይ ጸሎት ህይወቱ እዩ። ዝጽሊ ኣማኒ ካብ ላዕሊ ብሓይልን መለኮታዊ ሰላምን ይምላእ።
11. ጸሎት ንጎይታ ምትንካፍ እዩ
ኣብ ሓዲሽ ኪዳን ሓንቲ ደም ዛሕዛሕ ዝብላ ዝነበረት ሰበይቲ ብእምነት ክዳን የሱስ ብምትንካፍ ተፈዊሳ። ኣተናኽያኣ ዝተፈልየ ስለዝነበረ የሱስ ካብ ውሽጡ ሓይሊ ከም ዝወጸ ተፈሊጥዎ "መን እዩ ዝተንከየኒ"ኢሉ ሓቲቱ።
ሎሚውን ጸሎት ኣማኒ ብእምነት ንጎይታ ዝትንክፈሉ መሳርሒኡ እዩ። ክንጽሊ ከሎና ሓይሉ ክህበና ኢና እንሓቶ። ጎይታ ዝትንክፎ ከኣ ነቲ ናይ ውሽጢ ድሌትና እዩ። ጸሎት እቲ ሓያል ዝኾነናይ ውሽጢ ንጎይታ እነፍልጠሉ መሳርሒ እዩ።
12. ጸሎት ጎይታ ናይ ኣማኒ ድሌት (ድላይ) ዝፈልጠሉ እዩ
ንሕና ናይ እግዚኣብሄር ሓሳብ ክንፈልጥ ጥራይ ዘይኮነስ እግዚኣብሄርውን ናትና ሓሳብ ክፈልጥ ይደሊ። ክንጽሊ ከሎና "ጎይታ ድሌተይ ፍለጥ"ንብል ኣሎና ማለት እዩ። ክንጽሊ ከሎና ንጎይታ ናይ ህይወትና ማዕጾ ከፊትና "እንሆልካ እቲኻ ከምዝደለኻዮ (ከም ዝፈቐድካዮ) ግበር"ኢልና ፍቓድ ንህቦ ኣሎና።
ብዙሓት ኣመንቲ ካብ ዘይምጽላዮም ዝተላዕለ እግዚኣብሄር ኣብ ህይወቶም እንታይ ከም ዘድልዮም ንኸይፈልጥን ንኸይሰርሕን ይኽልክልዎ።
13. ጸሎት ናይ ተኣምራት መኽፈቲ መፍትሕ እዩ
ጸሎት ምስቲ ተኣምራታውን ሓያልን ዝኾነጎይታ የተኣሳስረካ። እቲ ማይ ናብ ወይኒ ዝለወጠ፡ ነታ በለስ ዘድረቐ (ዘንቀጸ)፡ ማዕበል ጸጥ ዘበለ ገባር ተኣምራት የሱስ ሎሚውን ኣብ ህይወት ኣማኒ ተመሳሳሊ ተኣምራት ክገብር ይኽእል እዩ። ሓይሉ ክገልጽን ተኣምራቱ ክሰርሕን ዝገብሮ መፍትሕ ከኣ ጸሎት እዩ። ጸሎት ካብ ህይወትና ምውጻእ እምበኣር ጎይታ ኣብ ህይወትና ተኣምራት ከይገብር ምኽልካሉ እዩ።
ብጸሎት እቲ ዘይከኣል ይከኣል ካልኣይ ክፋል (ብመለሰ ወጉ)
Typography
- Font Size
- Default
- Reading Mode