ብፓስተር ሪቻርድ ዉርምብራንድ
ትርጉም ብኣባላት ኤሪወንጌል
(መተሓሳሰቢ
እዚ ካብ ሎሚ ጀሚርና ብተኸታታሊ ነቕርበልኩም ብዛዕባ ሚስጥራውነት ቤተ ክርስትያን ዝምልከት ጹሑፍ ንኹላትና ኣዚዩ ኣገዳስን ጠቓምን እዩ። ብፍላይ ሕጂ ነታ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ኣብ ዓቢ ስደት ዘላ ማሕበር ኣምላኽ እምብዛ ጠቓሚ እዩ። ስለዚ እዚ ጹሑፍ እዚ ብዝተኻእለ መጠን ናብ ኣሕዋትና ዝበጽሓሉ መንገዲ ተጠቂምኩም ክትጥቀምሉ ነተሓሳስብ።)
መእተዊ
ዘይከምቲ ግምት ናይ ገለ ኣንበብቲ፡ እዚ ጽሑፍ እዚ ናይ ሓደ ምስጢራዊ (ትሕቲ መሬት) ማሕበር ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሕቡእ ክርስትያናዊ ኮም ውድባዊ መምርሒ ኣይኰነን። እዝስ ናይ ሓደ ብጕስነታዊ ህይወቱ፡ ብናይ ቤት ማእሰርቲ ተሞክሮኡን ብሰፊሕ ናይ ስብከት ኣገልግሎቱን፡ ዓለም ካብ ሓደገኛነት ናይ ኢዝሄራዊ ኮምዩኒዝም ንኽትጥንቀቕ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ጻዕሪ ናይ ዝገበረ ሰብ ትኽክለኛ ትዕዝብቲ ጥራይ እዩ።
ጽሑፋት ሪቻርድ ዉርምብራንድ ተወሳኺ መግለጺ ዘድልዮም ኣይኰኑን። ኩሎም ጽሑፋቱ ቀጥተኛታትን ሰንጢቖም ውሽጢ ዝኣትዉን ኮይኖም፡ መልእኽትታቱ ንኣንባቢ ከይለወጡ፡ ከም ትማሊኡ ኪቕጽል ዘይገድፍዎ ሓያላት እዮም። ስለ ዝኾነ ድማ ነዚ ጽሑፍ እዚ ንምሕጻር ዳርጋ ኣይተፈተነን። ውሑዳት ካብቶም ኣብዚ ጽሑፍ እዚ ተጠቒሙሎም ዘሎ መግለጺታት ናይ ሓደ ከም እብራዊ ዚሓስብ፡ ከም ናይ ስነ-ቋንቋ ክኢላ ዘንብብ፡ ከም ሃዋርያ ዚጽሊ፡ ከም ነብዪ ከኣ ዚጽሕፍ ሰብ መለለዪ እዮም። እቲ መልእኽቱ ኣዝዩ ንጹር እዩ።
መራሕቲ ክርስትና ኣብዚ ግዜ እዚ ዚብልዎ ዘለዉ ሓቂ እንተ ድኣ ኰይኑ፡ ይደንጕ ይቐልጥፍ ብዘየገድስ፡ ቤተ ክርስትያን ምስ ክልተ ኣማራጺታት ክትፋጠጥ እያ፡-- ወይ ምስ ማሕበረ-ፖለቲካዊ ሓይልታት ዋጋ ዕዳጋ ምግባር፡ ወይ ከኣ ቍጥዐ ናይ ዝተዋደደ ፖለቲኮ-ሃይማኖታዊ ውዲት ኣብ ዝባና ምስካም! እቲ ጉዳይ ከምዚ እንተ ድኣ ኰይኑ ከኣ፡ ዉርምብራንድ ሓቁ እዩ፡ ----- ሕጂ ኩለንትናዊ ምቅርራባት ክንገብረሉ ግዚኡ እዩ።
እዞም ዝተጠቕሱ ኣማራጺታት ድሮ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ተጋሂዶም ስለ ዘለዉ፡ ንሕና እንነብረሉ ኣካባቢ ካብዚ ክዉንነት እዚ ከምልጥ ኪነብር እዩ፡ ኢልና ንቐስነሉ ምኽንያት የብልናን። እምበኣርከ፡ ከም ክርስትያናት መጠን፡ ሕጂ ኵልና ርእስና ብምድላው፡ ምናልባት እዚ ዕጫዚ ኣብ መጻኢ ንደቅናውን ኪበጽሖም እንተኸኣለ፡ ከም ቅርሲ ዝወርስዎ ንጹር ናትና ኣብነት፡ ከም ዝሓደግናሎም ብኣግኡ ከነረጋግጽ ይግብኣና።
ኣሕታሚ
ንምስጢራዊት (underground church) ቤተ ክርስትያን ካብ ሕጂ ተዳሎ
"ሃናንያ ግን፡ ጐይታይ ብዛዕባዚ ሰብኣይዚ ኣብ የሩሳሌም ንቕዱሳንካ ክንደይ ክፉእ ከም ዝገበሮም፡ ካብ ብዙሓት ሰሚዐ ኣሎኹ ...." ኢሉ መለሰ፡፡ ጐይታ ግና፡ እዚ ሰብኣይ እዚ ኣብ ቅድሚ ኣህዛብን ኣብ ቅድሚ ነገስታትን፡ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤልን ስመይ ኪጸውር ንኣይ ሕሩይ ኣቕሓ እዩ እሞ ምእንቲ ስመይ ክንደይ ብዙሕ ሓሳረ መከራ ኪጸግብ ከምዚግብኦ ከርእዮ እየ።" (ግብ. 9፡13,15,16)
ንዓይ ከም ዝርድኣኒ፡ ሎሚ ኣብ መላእ ዓለም፡ ብዛዕባ እዛ ምስጢራዊት ቤተ ክርስትያን ምዱብ ትምህርቲ ዚምህር ስነመለኮታዊ ቤት ትምህርቲ Seminary)፡ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስñ ወይውን ዩኒቨርሲቲ ዛጊት ኣይተኸስተን ዘሎ። ሎሚ ኣብ ዝዀነ ሰሚናሪታት ብዛዕባ ሴባላዊነት (Sebalianism) ወይ ከኣ ኣፖሊናራዊነት (Apollinarianism) ክትመሃር ትኽእል ኢኻ። እንተ ዀነ ግን ሓሙሽተ ደቒቕ ድሕሪቲ ትምህርቲ ምዝዛሙ፡ ኩሉ ነገር ረሲዕካዮ ኣሎኻ። ብዘይካዚ ሓደ ሴባላዊ ወይከኣ ኣፖሊናራዊ ኣብ ጉዕዞ ህይወትካ ንሓንቲ እዋንኳ ከጓንፈካ ዘይትጽበዮ ኢዩ። ከምኡ'ውን ብዛዕባ ከም ጹኑዓት ዝኣመሰሉ ኣብ ጉዕዞ ህይወትና ንሓንሳእ እውን ትኹን ከጓንፉና ዘይንጽበዮም ደቀቕቲ ጉጅለታት እምነትን (sects) ከይተረፉ፡ ክንፈልጥ ክንደይ ህርድግ ዘይንብል? ናብዛ ኣብ ስደት ዘላ ምስጢራዊት (ናይ ትሕቲ መሬት) ቤተ ክርስትያን ምስ ንመጽእ ግን፡ ኣባላት ናይ ሓንቲ ሕብእቲ ማሕበር ኪዀኑ ኢሎም ኣስተንቲኖሞ ብዘይፈልጡ ሰባት እተመልኤትን፡ ሓደ ሲሶ ናይ ህዝቢ ዓለም ዚኣኽሉ ኣባላት ዝሓቖፈትን ኰይና ንረኽባ። ይኹን እምበር፡ ጐድኒ ጐድኒ እዚ ዝኸይድ ካልእ ክዉንነት እውን ኣሎ። ኣመሪካ ናይ ወተርጌት ቅለት ብዘስዓቦ ቅልውላው ተታሒዛ እንከላ፥ ኮሙኒስታውያን ኣገሪሆም ዓሰርተ ሓሙሽተ ሃገራት ብኣልማማ ምውራሮም ዝተዓዘብናዮን፡ ምስልምናን ሰብኣዊነትን'ውን ካብ ግዜ ናብ ግዜ ጸቕጥን ሓይልን እናወሰኹ ይኸዱ ምህላዎምኀን ነስተብህለሉ ዘሎና ጉዳይ እዩ። ስለዚ ክርስትያናት ጓሶት ሎሚ፡ እታ ናይ "ትሕቲ መሬት" ቤተ ክርስትያን (ምስጢራዊት ማለትዩ) እንታይ ከም ትመስልን እንታይ ዕዮ ከም እትዓይን ኣጸቢቖም ኪፈልጡ ይግብኦም እዩ። ንኣብነት ሓደ ግዜ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ብዛዕባ "ናይ ትሕቲ መሬት" ቤተ ክርስትያን ዕዮ ዘርዚረ ንሓደ ኤጲስቆጶስ ምስ ገለጽኩሉ፡ ከምዚ ኪብል መለሰለይ፥ "ዝገርምዩ፡ ኩሉ እዚ ዝበልካዮ ምስ ናተይ ፍሉይ ግዳሰ ዝሰማማዕ እዩ። ርአ! ኣነ ኣብ ስነ-ህንጻ ቤተ ክርስትያን ፍሉይ ዝምባሌ ዘሎኒ ሰብ እየ። በጃኻ እስኪ ንገረኒ፡ እዘን ናይ ትሕቲ መሬት ኣብያተ ክርስትያናት ዝበሃላ፡ ህንጻታተን ከስርሓ ከለዋ ናይ ጎቲክ (Gothic) ቅዲ እንድየን ዚጥቀማ ሓቀይ?"
እቲ ከምዚ ኢሉ ዝተዛረበኒ ኤጲስቆጶስ መን ምዃኑ እንተ ነጊረኩም፡ ክንድ'ቲ ዝምዕባዩ ስም ዘለዎ ሰብ ከመይ ጌሩ ከምዚ ዝበለ ሕቶ ከም ዝሓተተ ክትግምቱ ኪጽግመኩምዩ።
እምበኣርከ፡ እታ ቤተ ክርስቲያን ትሕቲ መሬት ሰብ ኪርድኣን ኪፈልጣን ዘይከኣለት ስውርቲ ኮይና ትኸይድ ዘላ እያ ክንብል ንኽእል ኢና። ኣብ ጐረቤት፡ ኣብዛ ጥቓና እንከላትልና፡ ክንጽንበራ ኣይንደልን ጥራይ ዘይዀነስ ንዓኣ ዘድሊ ቅድመ-ምስንዳእን ኣፍልጦን'ውን የብልናን። እንተ ዀነ ሎሚ፡ ዓለም ብምልእታ ኣብ ትሕቲ ሰበኻ ጉስነቱ ትኣቱ ምህላዋ ነፍሲ-ወከፍ ክርስትያን መራሒ ክርድኦ ዘለዎ ሓቂ እዩ። ነዚ ኺርዳእ፡ ምናልባት እቲ ዝሓልፎ ዘሎ መሪርን ጽንኩርን ኵነታት ኪሕግዞ ይኽእል ይኸውን። ብመሪርን ጽንኩርን ኵነታት ዘይንሓልፍ እንተ ድኣ ኣሊናውን ነቶም ብብዙሕ መከራ ዚሓልፉ ዘለዉ ወገናት ክንሕግዞምን ከነፍልጦምን ግዴታ ኣሎና።
ኣብ ሃገራት ምስልምና፡ ኣብ ቀያሕ ቻይናን ካልኦት ሃገራትን፡ ዘይተኣደኑ ኣመንቲ ክርስቶስ ግዳያት ኮይኖም እዮም። ኣዝዮም ብዙሓት ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ይዳጐኑ፡ ብዙሓት ካብኦም ከኣ ኣብ ቀይዲ ከለዉ ይሞቱ ኣለዉ። ንሕና በዚ ነገር እዚ ክንሕበን ኣይንኽእልን። እቲ ዝሓሸ ኪኸውን ዚነበሮስ ዕዮ ወንጌል "ትሕቲ መሬት" ብምስጢር ንምክያድ ኣቐዲምካ ብቑዕ ፍልጠትን ስልጠናን ምቕሳምን፡ ከም ዘይትተሓዝ ጌርካ ምዕያይን እዩ ነይሩ።
ኣብ ውግእ'ውን እኰ ካብ እቶም ንዓደቦኦም ዝሞቱስ እቶም ንጸላኢ ዓደቦኦም ጽዋዕ ሞት ዘመንግግዎ ዝያዳ ይንኣዱ። ኣነ ኣይኰንኩን ንዓደቦይ ክመውት ዘሎኒ፥ ንሱ ደኣ እዩ ንዓደቦኡ ኪመውት ዚግብኦ። ስለዚ ድማ ነቶም ከመይ ጌሮም ከም ዚዓዩ ኣጸቢቖም ዚፈልጡ እሞ ኪቕየዱ ዀነ ኪጸዓዱ ዘይከኣሉ ሰባት ልዑል ኣድናቖተይ እህቦም። እምበኣር ንምስጢራዊ ዕዮ ከነጽንዖን ክንፈልጦን ብግዲ እዩ።
መከራ ንምቕባል ምድላው
ኣብ ዕዮ ምስጢራዊት ቤተ ክርስቲያን፡ ዝገበርካ እንተገበርካ ንመከራ ፈጺምካ ከተወግዶ ኣይትኽእልን ኢኻ፥ ግና ነቲ መከራን ስቅያትን ናብ ዝተሓተ ደረጅኡ ከተውርዶ ይግብኣካ።
ብዛዕባ ምስጢራዊት ቤተ ክርስቲያን ዝወሃብ ስሩዕ ኣስተምህሮ ኣብ ሓጺር ግዜ ከተሰላስሎ ዚከኣል ኣይኰነን። ስለዚ ሕጂ ብህጹጽ ንሲኖዶስካ ወይ ከኣ ንማሕበርካ ጸቒጥካ ከተተሓሳስቦም ዘሎካ፡ ቀልጢፎም ትምህርቲ ምስጢራዊት ቤተ ክርስቲያን ከበግሱን ከተኣታትዉን ከም ዘድሊ ኢዩ።
ኣብ ሓንቲ ሃገር ጨፍለቕቲ ሓይልታት ስልጣን ምስ ዚሕዙ እንታይ ከም ዚስዕብዶ ተዓዚብካ ኣሎኻ? ኣብ ገለ ሃገራት እቲ ግብረ-ሽበራ ንቕጽበት እዩ ዚጅምር። ንኣብነት ኣብ ሞዛምቢክን ካምቦድያን ግብረ-ሽበራ ብኡብኡ ኢዩ ጀሚሩ። ብኣንጻሩ፡ ኣብ ካልኦት ሃገራት ቅድሚኡ ተራእዩ ዘይፈልጥ ሃይማኖታዊ ሓርነት ክሰፍን ይርአ። ካልእ ከምዚ ዝስዕብ ዝበለ ጅማሮውን ኣሎ-- ገለ ስርዓታት መቸም ሓቀኛ ሓይሊ ከይወነኑ እዮም ናብ ስልጣን ዚድይቡ። ህዝቢ ኣብ ጎኖም ከየሰለፉ ማለትዩ። ንሓይሊ ፖሊሶምን ስታፍ ሰራዊቶምን ብግቡእ ከይወደቡ ከለዉ ንስልጣን ጉብ ዝበልዋ ኪዀኑ ይኽእሉ። ንኣብነት ኣብ ሩስያ ኮምዩኒስታውያን ስልጣን ምስ ሓዙ ንኦርቶዶክስ ንምጽናት ሽዑ ንሽዑ ንፕሮተስታንት ሰፊሕ ነጻነት ኣረከብዎም። ንኦርቶዶክስ ምስ ኣዳቐቕዎም ተገልቢጦም ናብ ፕሮተስታንት መጹ። እቲ መጀመርታ ዘርእይዎ ፕሮቶኮል፡ ግዳማዊ ፍሕሽው ገጽ፡ ነዊሕ ዚቕጽል ኣይኰነን። ሰላሕ ኢሎም ናብተን ኣብያተ ክርስትያናት ሰሊኾም ብምእታው፡ ኣብቲ ናይ መሪሕነት ቦታ ናቶም ሰባት የቐምጡ። ናይቶም ጓሶት ድኽመታት ይእክቡ። ገለ ጓሶት ህንጡያት ኮይኖም ኪጸንሑ ይኽእሉ፥ ገሊኦም ከኣ ኣብ መጻወድያ ፍቕሪ ገንዘብ ዝኣተዉ ይኾኑ። ሓደ ኻልእ እውን ኣብ መፈንጠራ ስግኣተ-ምቅላዕ ዘእትዎ ሕቡእ ሓጢኣት ኣብ ገለ መዳዩ ሰዊሩ ዚጐዓዝ ኪኸውን ይኽእል። ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ዝገበርዎ ሓጠኣት ከምዘቃልዕዎም ብምፍርራሕ፡ ኣብቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን መንፈሳዊ መሪሕነት ቦታ ናቶም ሰባት ይተኽሉ። ብድሕርዚ ኣብ እተወሰነ ግዜ ነቲ ዓቢ ጭቆናን ሃድንን ይጅምርዎ። ንኣብነት ኣብ ሮማንያ ከምኡ ዝበለ ዓቢ ጭፍለቓ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ መዓልቲ ተፈጸመ። ኩሎም ካቶሊካውያን ኤጲስቆጶሳት ናብ ቤት ማሕቡስ ተወስዱ፡ ቍጽሪ ዘይብሎም ኣቕሽሽትን ፈለስትን ሽዑ ምስኦም ተኣስሩ። ደድሕሪ'ዚ ኸኣ ካብ ኩለን ናይ ፕሮተስታንት ማሕበራት ኣዝዮም ብዙሓት ጓሶት ተቐፊዶም ተወስዱ። ብዙሓት ካብኣቶም ከኣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሓቒቖም ሞቱ።
ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ንሃናንያ ከምዚ በሎ፡- "ኬድካ ንሳውል ናይ ጤርሰስ ርኸቦ፡ ንዕኡ ናይታ ምስጢራዊት ማሕበረይ ጓሳ ኽግብሮ እየ፥ ምስጢራዊ ዓያዪ ኪኾነኒ እዩ።" ጳውሎስ እምበኣር ከምዚ ኢዩ ዝነበረ-- ናይ ሓንቲ ምስጢራዊት ቤተ ክርስቲያን ጓሳ። የሱስ ነዚ ጓሳ ናይዛ ሓዳስ ሕብእቲ ቤተ ክርስቲያን ሽዑ ንሽዑ ህጹጽ ትምህርቲ ክጅምረሉ ከሎ ንርኢ። ኣስተምህሮኡ ዝጀመረለን ፈለምቲ ቃላቱ ድማ፡ "ምእንቲ ስመይ ክንደይ ብዙሕ መከራ ኪጸግብ ከም ዘለዎ ከርእዮ እየ።" ዝብላ ነበራ።
ንምስጢራዊ ዕዮ ዝግበር ምድላው ዝጅመር ስነ-ምቕባል-መከራን (sufferology) ስነ-መስዋእትነትን (martyrology) ብምጽናዕ እዩ። ሶልዠኒትሲን ኣብታ "እኩባት ደሴታት ጉላግ" እትበሃል መጽሓፉ፡ ኣብታ ናይ ቅድም ሕብረት ሶቭየት ዝነበሩ መኰንናት ፖሊስ "ስነ-ምቕያድ"(arrestology) ማለት፡ ዝኾነ ሰብ ከም ዘይርእዮ ጌርካ ንሰባት ብስቱር እትኣስረሉ ስነፍልጠት----- ይመሃሩ ከም ዝነበሩ ጠቒሱ ኣሎ። እምበኣር ንሳቶም ስነ-ምቕያድ (arrestology) ዝብል ሓድሽ ስም ካብ ፈጠሩ፡ ንሕና ከኣ ስነ-ምቕባል-መከራ (sufferology) ዝብል ስም ክንፈጥር ኣሎና ማለት እዩ።
ድሒርና፡ ነቲ ተክኒካዊ ሸነኽ ናይታ ምስጢራዊት ቤተ ክርስትያን ክንርኢ ኢና፥ ቅድሚኡ ግን ክግበር ዘለዎ መንፈሳዊ ምድላው ኣሎ። ኣብ ሓንቲ ነጻ ሃገር ናይ ሓንቲ ማሕበር ኣባል ንምዃን፡ ብክርስቶስ ክትኣምንን ክትጥመቕን ጥራይ ኣኻሊ ኢዩ። እተጠመቕካን እትኣምንን ክነስኻ፡ ከመይ ጌርካ መከራ ከም ትቕበል ዘይትፈልጥ እንተዄንካ ግና፡ ናይታ ምስጢራዊት ቤተ ክርስቲያን ኣባል ክትከውን ከቶ ኣይትኽእልን ኢኻ። ኣብ ዓለም እቲ ዝበርትዐ እምነት ኪህልወካ ይኽእልዩ፥ እንተ ዀነ ግን ስቓይን መከራን ንምቕባል ዘይተዳሎኻ እንተ ድኣ ኴንካ፡ ፖሊስ ኣብ ኢዶም ምስ ኣእተዉኻን ክልተ ጽፍዒት ምስ ተጸፋዕካን ትፈልጦ ዘበለ ከተውጽእ ኢኻ ማለት እዩ። ስለዚ ንምጽዋር ስቓይን ንምቕባል መከራን ቅድመ-ምድላው ምግባር፡ ሓደ ካብቶም ንምስጢራዊ ዕዮ ዝግበሩ ኣድላይነታት እዩ።
ሓደ ክርስቲያን ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንተ ድኣ ተዳጒኑ ኣይጃጁን እዩ። ቤት ማእሰርቲ ንዝኾነ ተራ ኣማኒ፡ ስም ክርስቶስ ዝምስክረሉ ሓድሽ ስፍራ ማለት እዩ። ቤት ማእሰርቲ ንሓደ ጓሳ፡ ሓድሽ "ሰበኽኡ" ማለት እዩ። ብዙሕ ኣታዊ ዘይረኽበሉ ግን ከኣ ርሒብ ናይ ኣገልግሎት ዕድላት ዝኸፍተሉ ፍርያም ሰበኻ እዩ። ኣብታ "በይነይ ምስ ኣምላኽ--- ኣብ ጽሙው ማእሰርቲ" እትብል መጽሓፈይ ብዛዕባ እዚ ቍሩብ ተዛሪበ ኣሎኹ። ኣብ ካልኦት መጻሕፍተይ ድማ ምልክት ሞርስ ኢለ ዝሰመኽዎ ንምስጢራዊ ዕዮ ቤተ ክርስቲያን ዘሰናድእ ስልጠና ኣቕሪበ ኣሎኹ። ኮድ ማለት ምስጢር ተመሓላልፈሉ ብልሓት ምዃኑ ትፈልጥዎ ኢኹም። በዚ ኮድ (ምስጢራዊ ምልክት) እዚ ጌርካ ብየማንካ ወይ ብጸጋምካ ንዘለዉ እሱራት ወንጌል ክትሰብኽ ትኽእል። እቶም እሱራት ወትሩ ኣብ ምቅይያር እዮም። ንገሊኦም ካብቲ እተኣስርሉ ሸላ የውጽእዎም፡ ካልኦት ድማ የወእትዉሉ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንብዙሓት ማእሰርቲ ዝረኸቦም ክርስትያናት፡ ርእዮሞም ንዘይፈልጡ ሰባት ብምልክት ሞርስ ተጠቒሞም ናብ ክርስቶስ ከምጽእዎም ፍሉይ ዕድል ሂብዎምዩ። ገሊኦም ነቶም ምልክት ሞርስ ተጠቒሞም ናብ ጎይታ ዘምጽእዎም ሰባìት ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ኪረኽቡዎም ዕድል ይረኽቡ። ኣነ ንገዛእ ርእሰይ ብኸምዚ ኣገባብ ኣብ ሸላታት ዘጥረኽዎም ሰበኻታት ነይሮኒ።
ኣብ ነጻ ዓለም ንዘሎ ሰበኻኻ፡ ሰንበት ሰንበት ንግሆ ደወል ትድውለሉ፥ እቶም ዝደልዩ ናብ ቤተ ክርስቲያን ይመጹኻ፡ እቶም ዘይደልዩ ይተርፉ። ሓደ ሰብኣይ እንተ ድኣ ኣብዛ ሰንበት እዚኣ ንስብከትካ ዘይፈትዩዎ፡ እታ ትመጽእ ሰንበት ይተርፍ። ዝናም እንተ ዘኒሙ እኳ ምእንቲ ርእሱ ኣይኪመጽእን'ዩ። ሰበኻኻ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እትደኰነት እንተዀይና ግና፡ ምእመናንካ ወትሩ ምሳኻ እዮም። ኣብ ሓርነት ዘለዉ (ዘይተኣስሩ) ምእመናንካ ሰዓታቶም ደጋጊሞም እናረኣዩ፡ "ስብከቱ ካብ ዝጅምር ድሮ ፍርቂ ሰዓት ኰይኑ! ኣይውድእን ዶእዩ በጃኻ?" ዝብሉ እዮም። ኣብ ማእሰርቲ ግና እዚ የልቦን፡ ምኽንያቱ ክትኣቱ ከሎኻ፡ ሰዓትካ ስለ ትሕደግ። ስለዚ ምእመናንካ ምሉእ ሰሙን ምሳኻ እዮም፡ ካብ ወጋሕታ ክሳዕ ምሸት ክትሰብኮም'ውን ዝከኣል እዩ። ካልእ ምርጫ የብሎምን።
ኣብ ታሪኽ ኣብያተ ክርስቲያናት ሮማንያን ሩስያን እንተርኢና፡ ነቲ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝተራእየ ብዝሒ ናብ ክርስትና ናይ ዝፈለሱ ነብሳት ዝመዓራረ ተርእዮ የልቦን። ስለዚ ንቤት ማእሰርቲ ኣይትፍርሃዮ። ልክዕ ከም ሓደ ብእግዚኣብሄር ዝተዋህበካ ሓድሽ ተልእኾ ጌርካ ርኣዮ። ንኻልኣይ ግዜ ይእሰር ኣብ ዝነበርክሉ እዋን ምስቶም ፖሊስ ቅድሚ ምኻደይ ንበዓልቲ ቤተይ ሕቝፍ ኣቢለ ብሰላምታ ክፋነዋ ከሎኹ፡ ብርጉእ መንፈስ፡ "ሪቻርድ፡ ነቲ ' ...ንኣታቶምን ነህዛብን ንምስክር ኪኸውን፡ ምእንታይ ናብ መኳንንትን ናብ ነገስታትን ክትውሰዱ ኢኹም፡...' ዝብል ጽሑፍ ዘክሮ" ዝበለትኒ እዝክር።
እስኪ፡ ሰባት ነዚ ንብሎ ዝጸናሕና ክርድእዎ ይኽእሉ እዮም ንበል። ነቶም ኣብ ልዕሊ እሱራት ዝፍጸሙ ኣረሜናዊ ናይ ምስቃይን ጭፍጨፋን ተግባራትከ? ብዛዕባ እዞም ኣሰቀይቲ ጭፍጨፋታት (tortures) እዚኣቶምከ እንታይ ይገበር? ክንጻወሮምዶ ንኽእል ኢና? ኣነ ክጻወሮም እንተ ዘይክኢለኸ፡ ከምቲ እቶም ገረፍተይ ነቶም ምሳይ ብጐይታ ዘለዉ ኣሕሊፈ ክህቦም ዝሓቱኒ ዘለዉ፡ ድልየቶም እንተ ገይረሎም፡ (ማለት እንተ ድኣ ተንበርኪኸሎም)፥ ካልኦት ሓምሳ ወይ ስሳ ዝፈልጦም ኣሕዋት ከእስር እየ ማለት እዩ። እቲ ስቅያትን መከራን ንምቕባል ናይ ምድላው ዓቢ ኣድላይነትን ኣገዳስነቱን እምበኣርከ ኣብዚ እዩ ዝመጽእ፥ ሕጂ ድማ እዩ ኪïጅመር ዘለዎ። ብዝተረፈ ኣብ ማእሰርቲ ድሕሪ ምእታውካ ነብስኻ ከተዳሉ ምፍታን እምብዛ ጽንኩር ነገር እዩ።
ኣብ ሮማንያ ዘጋጠመና ናይ ሓደ ንዕስራ ዓመታት ዘገልገለ ፓስተር ምስ ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ሓጥያት ዝወደቐሉ ጉዳይ ይዝከረኒ። ካልኦት ጓሶት ነዚ ጉዳይ ኣብ ክትዕ ኣውረድዎሞ ከምዚ ኪብሉ ገምገምዎ፡- "ሓጢኣት እዚ ሰብዚ እታ ኣብታ ሓንቲ ምሸት ዝፈጸማ ኣይኰነትን፥ ናቱ ሽግር ነቲ ፈተና ብመሰረቱ ኪጻረሮ ዘይምኽኣሉ ኢዩ። ብቐንዱ እዚ ፈተና ጌና ከይመጸ እንከሎ፡ ማለት ቅድሚ ዕስራ ዓመታት፡ ነዚ ሓጢኣት'ዚ ከም ዘይውዕሎ ንገዛእ ርእሱ ኣርጊጹ ኪነግራን ከእምናን ነይርዎ። "ኣብ መጻኢ ናይ ጕስነት ህይወተይ ዝተፈላለየ ፈተናታት ከጋጥመኒ ኢዩ። ካብ ሞንጎ እቶም ብዙሓት ሓደ፡ ብናይ ስጋ ሓጢኣት ዝፍተነሉ ኵነታት ከጋጥመኒ ኢዩ። ነቲ ሓጢኣት እቲ ንኸይገብሮን ኣብቲ ሽዑኡ ዝመጽእ ፈተና ንኸይወድቕን ሕጂ ብቍርጺ ቃል እውስን ኣሎኹ" እናበለ ኣብ ሕልንኡ ኪሓትሞ ነይርዎ። ርእስኻ ንኹሉ ኣጋጣሚታት ኣቐዲምካ ምድላው ብግዲ ዘድለየካ ምዃኑ፡ እምብኣር፡ ካብዚ ክትመሃር ትኽእል። መከራ ንምቕባል ክንዳሎ ኣሎና።
ንምስጢራዊት (ትሕቲ መሬት) ቤተ ክርስትያን ምቅርራብ (ቐዳማይ ክፋል)
Typography
- Font Size
- Default
- Reading Mode