19
Mon, May
0 New Articles

ንምስጢራዊት (ትሕቲ መሬት) ቤተ ክርስትያን ምቅርራብ (ካልኣይ ክፋል

Books
Typography

ብፓስተር ሪቻርድ ዉርምብራንድ

ትርጉም ብኣባላት ኤሪወንጌል

ሓቂ ብዛዕባ እቲ ሓቂ

 

ነፍሲ ወከፍ ክሳዕ ክንደይ ስቅያት ኪጻወር ከም ዚኽእል ዝውስኖ፡ እቲ ሰብ ምስቲ ጉዳይ ዘለዎ ምትእስሳር ክሳዕ ክንደይ ምዃኑን፡ ክሳዕ ክንደይ እቲ ጉዳይ ንዕኡ ክቡር ምዃኑን፡ ክንደይ ዝኣክል ዕግበት ከም ዝፈጥረሉን እዩ።

ኣብዚ ጉዳይ እዚ ኣብ ኮሙዩኒስት ሃገራት ኣዝዩ ብዙሕ ኣደናቒ ተርእዮታት ተኸሲቱ እዩ። ሰበኽትን ክርስቲያናዊ ጽሑፋት ዚጽሕፉ ሰባትን እምነቶም ዝራሕርሑ፡ ከሓድቲ ዝዀኑሉ ተርእዮታት ነይሩ እዩ። ንኣብነት እቲ ዝበለጸ ናይ ሩማንያ ናይ ክርስቲያን መዝሙር ደራስን ኣዋሃሃድን ዝነበረ ሰብ፡ ናብቲ ዝበለጸ ናይ ኮምዩኒስት መዛሙር ደራስን ኣዋሃሃድን ተቐይሩ ነይሩ እዩ። ኩሉ ነገር እምበኣር ኣብ ዓንኬል ቃላት ጥራይዶ ተሓጺርና ኣሎና? ወይስ ምስ መለኮታዊ ክዉንነት ኢና ተጣቢቕና ዘሎና ኣብ ዝብል ሓቂ እዩ ዝምርኰስ።

 

 


እግዚኣብሔር ሓቂ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ሓቂ ብዛዕባ እቲ ሓቂ ኢዩ። ስነ-መለኮት ከኣ ሓቂ ብዛዕባ እቲ ሓቂ፡ ብዛዕባ እቲ ሓቂ እዩ። ከምኡውን ሓደ ጽቡቕ ስብከት ሓቂ ብዛዕባ እቲ ሓቂ ብዛዕባ እቲ ሓቂ፡ ብዛዕባ እቲ ሓቂ ጥራይ እዩ። ንሱ ባዕሉ እቲ ሓቂ ኣይኰነን። እቲ ሓቂስ እግዚኣብሄር ጥራይ እዩ። ኣብ ዙርያ እዚ ሓቂ'ዚ ዝተጸፍጸፉ ዳጌፋታት ናይ ቃላትን ስነ-መለኮታትን መግለጺታትን እውን ኣለዉ። ካብ ኩሎም እዚኣቶም ግን ኣብ ግዜ መከራ ረዲኤት ዝኸውን ሓደኳ የልቦን።

እቲ ሓቂ ባዕሉ ጥራይ እዩ ንበይኑ ረዲኤት ኪኸውን ዚኽእል። ስለ ዝኾነ ድማ እዩ ኪንዮ ስብከታትን ኪንዮ ስነመለኮታዊ መጻሕፍትን ኪንዮ ኩሉቲ “ቃላት” ዝኾነን ሰንጢቕና ብምኻድ፡ ብቐንዱ ኣብቲ ናይ ህያው እግዚኣብሄር ህልውና ክንኣቱ ዘድልየና።  

ንኣርባዕተ መዓልታትን ኣርባዕተ ለይትታትን ዝኣክል ናብ መስቀል ኣጣቢቖም ብምእሳር ናይ ዘሳቐይዎም ካልኦት ክርስቲያናት ዛንታ ኣብዚ ምዕራብ ካብ ዝመጽእ ደጋጊመ ኣዘንትየዮ ኣለኹ። ነቶም ክርስትያናት ዝሰቐሉሎም መሳቕል ኣብ መሬት በጥ ብምባል፡ ነቶም ስቑላት ዓቐብ ዝኣንፎም ይሰጥሕዎም'ሞ፥ ኻልኦት እሱራት ኣምጺኦም ብምግራፍን በስገዳድን፡ ስጋዊ ርስሓቶምን ጽያፎም ኣብ ልዕሊ ገጽን ኣካላትን እዞም ቅዱሳን ከም ዝፍንዉሎም ይገብርዎም ነበሩ። በዚ ተግባር'ዚ ዘስካሕክሑ ሰማዕተይ ኣስዒቦም ዝሓቱኒ፡ “ኣብ ከምዚñኦም ዝኣመሰሉ ኵነታት፡ ኣየናይ ጥቕሲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ እቲ ዝረድኣካን ዘበርትዓካን?” ዝብል ሕቶ እዩ ነይሩ። ነዚ ዝህቦም መልሲ፡- “ዋላ ሓደ! ካብ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብቲ ኵነታት እቲ ረዳኢ ዀይኑ ዝተረኽበ ኣይረኣኹን” ዝብል እዩ። እዚ “እዛ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ እዚኣ ረዲኣትኒ እባ! እታ ጥቕሲ እቲኣ ኣበርቲዓትኒ፡” ዝበሃል ኣዘራርባ ውጹእ ምስሉይነትን ሃይማኖታዊ ግብዝናን እዩ። ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ንበይኖም ረዲኤት ኪዀኑ ኣይተመደቡን። ንኣብነት መዝሙር 23 ቀደም ንፈልጦ ጥቕሲ እዩ፡-” እግዚኣብሄር ጓሳይየይ እዩ ፡ ዝጐድለኒ የብለይን፡....ብርባ ርባ ድነ ሞት እኳ እንተ ኸድኩ.... ኣይፈርህንየ።”

ብመሪር ስቅያት ክትሓልፍ ከሎኻ፡ እግዚኣብሄር ንመዝሙር 23 ከተበርትዓካ ኢሉ ከም ዘይመደበልካ ኣጸቢቑ እዩ ዝበርሃልካ። እቲ ዘበርትዓካ ጐይታ ባዕሉ ድኣ እዩ እምበር እታ ብዛዕባ'ቲ ዘበርትዕ ጐይታ እተዘንቱ ጥቕሲ ኣይኰነትን። እታ ጥቕሲ ንበይና እንተሃለወትካ እኽልቲ ኣይኰነትን። እታ ጥቕሲ ብዛዕባኡ ትዛረበሉ ዘላ ጐይታ፡ ንሱ እዩ ክህልወካ ዘለዎ። ካልእ ንፈልጣ ጥቕሲ ድማ፡ “ ... ጸጋይ ይኣኽለካ ...” ትብል እያ። (2 ቈሮ 12፡9) ኣብ'ዚ እውን፡ እታ ጥቕሲ ኣይኰነትን እኽልቲ። እቲ ጸጋ ደኣ ኢዩ እኹል፡ ኣኺሉ ድማ ዝተርፍ። እታ ጥቕሲ ኣይኰነትን።

ምምሃር ቃል ኣምላኽ ካብ እግዚኣብሄር ዝተዋህቦም ጽውዓ ከም ዝዀነ ዝሓስቡ ብዙሓት ጓሶትን ግዱሳት መሰኻኽርን፡ ንቕዱስ ቃላት ካብቲ ንቡር ሚዛኖም ወጻኢ፡ ሕሉፍ ክብሪ ኣብ ናይ ምሃብ ሓደጋ ወዲቖም እዮም። ቅዱስ ቃላት ናብቲ ብእኦም ተገሊጹ ዘሎ ክዉንነት ዘብጽሑና መገዲ ጥራይ እዮም። እንተ ድኣ ምስቲ ክዉንነት፡ እዚ ማለት ከኣ ምስቲ ኩሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብመንፈስ ቅዱስ ተዋሃሂድካ፡ እከይ ኣብ ልዕሌኻ ስልጣንን ሓይልን ይስእን፥ ነቲ ኣባኻ ዘሎ ሓያል ኣምላኽ ክሰብሮ ስለ ዘይክእል። እቲ ዘሎካ ናይቲ ሓያል ኣምላኽ ቃል ጥራይ እንተድኣ ኮይኑ ግና፡ ንስኻ ብቐሊሉ ክትስበር ትኽእል ኢኻ።

 

መንፈሳዊ ልምምድ    

 

እቲ ንምስጢራዊ ዕዮ ዚግበር ምድላው ንባዕሉ ዓሚቝ መንፈሳውነት እዩ። ከምቲ ንሓንቲ ሽጕርቲ ምእንቲ ክንጥቀመላ ክንቀርፋ ዘድöልየና፡ ከምኡ ድማ እግዚኣብሄር ናብቲ ውሽጣዊ ክዉንነት ናይ እምነትና ኣዕሚቑ ምእንቲ ኪኣቱ፡ ነቲ ጥረ ወይ ባዶ ቃላት ዝኾነ፡ ነቲ ሃይማኖት ዝወለዶ ስምዒታት ባህታ ዘበለ፡ በብሓደ ካባና እናቐረፈ ይድርብዮ። የሱስ “ዝኾነ ኪስዕቦ ዚደሊ” እንተሎ፡ “መስቀሉ ኣልዒሉ” ኪስዕቦ ከም ዘለዎ ነጊሩናን እታ መስቀል ክሳዕ ክንደይ ከባድ ከምዝዀነት ከኣ ባዕሉ ኣርእዩናን እዩ። ስለዚ፡ ንሕና እውን ነዚ እተዳሎና ክንከውን ይግባኣና።

እስኪ ናብ ኣካይዳ ናይ'ዛ ዓለም ንተዓዘብ። ሓደ ናይ ርኽሰት ስእለ-ጽዩፍ (ፖርኖግራፊ) ወይከኣ ሬክላም ንስምዒት ሰባት ኪምስጥን ከረሳስንን ከምዝኽእል ይፍለጥ። ብተመሳሳሊ መገዲ፡  ንሕና  እውን ኣብ ቅድሜና መንፈሳዊ ክዉንነት ኣቐሚጥና ንኣተሓሳስባና ከነቀጻጽሎን ከነጓሃህሮን ዘድልየና ነገር እዩ። መንፈሳዊ ልምምድ ክንለማመድ የድልየና እዩ። እዚ መንፈሳዊ ልምምድ እዚ ኣብ ፕሮተስታንትነት ብዘይምህላዉ ኣዝየ እሓዝን። እምበኣር፡ ኣብዛ ምስጢራዊትñ ቤተ ክርስትያን ነዚ ክንመልሶ ኣሎና። እዚ መንፈሳዊ ልምምድዚ ቀደም ብናይ ካቶሊካውያን ግጉይ ኣጠቓቕማ ምኽንያት ተሰናኺሉ ነይሩ ኪኸውን ይኽእልዩ፥ ከምኡ ኢሉ ኸሎ ኸኣ'ዩ ተሃድሶ ዘርከቦ። መቸም እንተድኣ ኣስተብሂልና፡ ናይ ሰዓት ዘንጊ ሚዛን ስርዓተ-ምንቅስቓስ ኩሉ ግዜ ኪዓዪ ዝርአ ሕጊ ምዃኑ ኢና ንዕዘብ። እቲ ሓደ ናብቲ ሓደ ጫፍ እንተድኣ ተወንጪፉ፡ እቲ ኻልእ ድማ ጸኒሑ ናብቲ ኣንጻሩ ጫፍ ይውርወር።

ገለ ሰባት ግጉይ መንፈሳዊ ልምምዳት ተጠቒሞም ስለ ዘባላሸውዎስ፡ ካልኦት ካብ ኩሉ መንፈሳዊ ልምምድ ክሕረሙ ኣለዎም ማለት ኣይኰነን። ብዚስማዕ ቃላት እንጽልየሉ እዋናት ኪህልወና፥ ብዘይክኡ እውን፡ ኣብ ውሽጥና ሓሳባት እነሰላስለሉን እነስተንትነሉን ግዜ ኪህልወና ኣለዎ። ኣብ መጽሓፍ እብራውያን ምዕራፍ ዓሰርተ ሓደ፡ ነዊሕ ዝርዝር ናይ ብስሕለት እተቘርጹ፡ ኣብ ዓንዲ ተኣሲሮም ዝተቓጸሉ፡ ከምኡውን ብኣናብስ ናይ እተበልዑ ወዘተ...፡ ናይ ጀጋኑ ቅዱሳን ታሪኽ ነንብብ ኢና። እንተ ዀነ ግን፡ ነዚ ነገራትዚ ንሓዋሩ ኣብ ኣእምሮና ክሳዕ ዝሕተም ብኸምዚ ዚስዕብ ክንቀርጾን ኪሰእለናን ይግባእ እዩ። “ሕጂ ኣብ ቅድሚ ኣናብስ ተደርብየ ኣለኹ፥ ከም ሕሱም ተኸትኪተ ምስ ቍስለይ እኔኹ፥ ብሓዊ ናይ ምቅጻል ሓደጋ ኣብ ርእሰይ ኣንጠጥዩ ኣሎ፡ ወዘተ...፡ እሞኸ ድኣ! ኣብዚ ኵነታት እዚ ከመይ ዝበለ ኣደብን ግብረመልሲን ከርኢ ይግብኣኒ? ተዳልየ'ዶ ኣለኹ?” እናበልና ንነብስና ክንሓትት የድልየና እዩ።

ቅድሚ ካብ ሩማኒያ ምውጽኤይ ዘካየድክዎ ናይ መጨረሽታ ናይ ትምህርቲ ሰንበት ክፍለይ እዝክር። በታ ሰንበት እቲኣ፡ ካብ ዓሰርተ ክሳዕ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዝበጽሑ ኣወዳትን ኣዋልድን ናብ ቤተ ክርስትያን ዘይኰነስ ናብ መካነ እንስሳታት ወሰድክዎም። ኣብ ኣንፊ እቲ ናይ ኣናብስ ሰፈር ምስ በጻሕና ከምዚ ክብሎም ይዝከረኒ፡- “ናይ እምነት ኣቦታትኩም ብምኽንያት እምነቶም ናብ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ኣራዊት ተደርብዮም እዮም። ንስኻትኩም እውን ከምኦም ኸም እትሳቐዩ ካብ ሕጂ ፍለጡ። ናብ ኣጽፋርን ኣስናንን ኣናብስ  ኣይትድርበዩን ትዀኑ፥፡ ግና ኣብ ኢድ ካብ ኣናብስ ዝኸፍኡ ሰባት ክትወድቁን ዝበርትዐ ስቓይ ክትሳቐዩን ምዃንኩም ኣጸቢቕኩም ፍለጡ። እምበኣርከስ እስኪ ሕጂ (ነዚ ዝመጸኩም ስቓይን መከራን እናሓሰብኩም ከሎኹም) ኣብዛ ሰዓትን ኣብዛ ቦታን እዚኣ ንክርስቶስ ንሓዋሩ ብሓቂ እሙናት ክትኰኑሉ መብጽዓ እተዉሉ?” በልኩዎም። መልእኽተይ ባሕሪ ከብዶም ከምዝሰጠመ ተፈለጠኒ። ኩላቶም ከኣ ንብዓት ኣዒንቶም እናፍሰሱ “እወ” በሉ።

እቲ ምድላዋት እምበኣር ሕጂ ኢና ከይተኣሰርና ከሎና ክንገብሮ ዝግብኣና። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምስ በጻሕካ እሞ ንኩሉ ኢኻ ትስእኖ። ክዳውንትኻ ኣውጺእካ ናይ ቤት ማእሰርቲ ክዳን ክትክደን ክትቅሰብ ኢኻ። ናይ ገዛ ኣቕሑት፡ ጽቡቕ ምንጻፍ፡ ጽቡቕ መጋረጃ ዝበሃል ሽዑ ኣይኪህሉንዩ። ኣብቲ ግዜ'ቲ በዓልቲ ቤትካ ጥቓኻ የላን፡ ደቅኻ ከም ዘይናትካ እዮም። ቤተ መጻሕፍትኻ የሎን፡ ምናልባት'ውን ዕንባባ ትበሃል ፈጺምካ ኣይክትርእይን ትኸውን። ንህይወት ሕጉስቲ ካብ ዝገብርዋ ነገራት፡ ሓንተ'ñኳ ኣይትተርፈልካን። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኵነታት፡ ኣቐዲሙ ናይ ሕይወት ፍትወታቱ ዝገደፈ ሰብ እንተ ዀይኑ፡ እዚ ኪወርዶ እንከሎ ምኒን ኣይብልን'ዩ። ኣብ መጽሓፍ ቈሎሴ ብዛዕባ እቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣካላትካ ምቕታል እትጠቅስ ሓንቲ ጥቕሲ ኣላ። ቅድሚ ብዙሕ ዘመናት፡ ደናቑርን ጥሉቓትን ተኸተልቲ ኩትልኹና ከኣ ነዛ ጥቕሲ እዚኣ ኣዘምቢዖም ሓደ ሓደ ማሪታትን ግጉይ ስርዓተ-ንስሓን ኣገዲዶም ኣተኣታትዮም ነበሩ። ፕሮተስታነት ድማ ብኣንጻሩ ንምቕታል ስጋ ፈጺሞም ሰሪዞም ኣለዉ። ይኹን እምበር፡ እቲ “ንስጋኻ ምቕታልን፡ ናይዛ ዓለም እዚኣ ፍትወትን ደስታን “ምስዋእ”ን”  ዝብል ክርስትያናዊ ሕጊ ነባርን ህልዊን ኢዩ። ቅድሚ ኣብኡ ምብጽሑ፡ እቲ ሕጂ ንርእሱ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ባህሪ ዘዳሉ ክርስትያን፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ፡ እዚኣቶም (ፍትወትን ደስታን) ምስ ተሓድገ ምንም ኣይኪስመዖን ኢዩ። ነቶም እትጥቀመሎም ናይዛ ዓለም እዚኣ ነገራት እውን ብዘይ ጥቡቕ ስምዒታዊ ድራኸ ክትጥቀመሎም ኣስተብህል።

ኣነ ብግለይ ዝጥቀመላ ልምምድ ከዕልለኩም። ምቕማጠይ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እዩ። ሓደ ኣመሪካዊ ሱፐርማርከት እንታይ ከም ዚመስል ክትግምቱ ትኽእሉዶ? ኣብኡ ብዙሕ ምቁርን ዝስሕብን ነገራት ኣሎ። ኣነ ንኹሉ'ቲ ነገራት ክርእዮ ከለኹ ንገዛእ ርእሰይ ከምዚ ይብላ፡ “ኣነ ብዘይ እዚ ነገር'ዚ ክነብር ይኽእል'የ፥ ብዘይ እቲ'ውን ክነብር ይኽእል'የ። እዛ ነገር እዚኣ ኣዝያ ጽብቕቲ እያ፡ እንተኾነ ብዘይ ብኣኣ ክካየድ ኣጸቢቐ እኽእል እየ። ብዘይካ'ታ ሳልሰይቲ እቲኣ ክነብር እውን ከምኡ” እናበልኩ ኸኣ ሓንቲ ዶላር ከየውጻእኩ ነታ ሱፐርማርኬት ብምልእታ ዘይረያ እወጽእ። ኣዝዮም ብዙሓት መሰጥቲን ጽቡቓትን ነገራት ምርኣየይ እቲ ቐዳማይ ሓጐሰይ ኪኸውን እንከሎ፡ ካልኣይ ባህ ዘበለኒ ድማ ብዘይ ኩሎም እዞም እጹብ ዝተባህለሎም ነገራት እዚኦም ክነብር ከም ዝኽእል ምፍላጠይ ነበረ።

ብመንጽር እዚ ከኣ ናይ ሊበራል ዘመናውነት ስነ መለኮታውያን እውን ነይሮምና እዮም። ካብኣቶም ሓደ እኳ ምስቃይ  ክጻወር ዚኽእል ኣይነበሮምን'ሞ ቀልጢፎም ናብ ከምዚ ዝበለ ሓሳባት ይወድቁ ነበሩë፡- “ስለምንታይ እየ ንዝሞተ ኣምላኽን ብሕቶ ንዝተመልአ መጽሓፍ ቅዱስን ዝመውት? ዛንታ ኣዳምን ሄዋንን ሓቂ እንተ ዘይኰይኑ፡ ኢያሱ ንጸሓይ ደው ዘየበላ እንተ ዀይኑ፡ የሱስ ካብ ድንግል ዘይተወልደን ስጋኡ ካብ ምዉታት ዘይተንስኤን እንተ ዀይኑ እሞ፡ መጽሓፍ ቅዱስሲ ካብ ናይ ሶቭየት ጋዜጣ ፕራቭዳ (ሣቶሽቾቃሽ) ዚበዝሕ ሓሶታትን ግርጭታትን እዩ መሊኡዎ ዘሎ ማለት እዩ። እንታይ ምስ መጸኒ ድኣ ኢየ ሓቂ ንዘይኰነን ብግርጭታት ንዝተናወጸን ነገር ኢለ ናብ ሞት ዝበጽሕ?” ይብሉ።” ቀደሙ'ውን እምነት ኣይነበሮምን።

 

ምጥርጣር ከሓድቲ ተፍሪ

       ኣነ ኣይሁዳዊ እየ። ኣብ ቋንቋ እብራይስጢ፡ እቲ የሱስ ክርስቶስ ንገዛእ ርእሱ ዝተጠቕመሉን እቲ ናይ ፈለማ ምግላጽ ዝተዋህበሉን ቋንቋ እብራይስጢ፡ “ምጥርጣር” ዚብል ቃል የብሉን። ምጥርጣር ማለት ንሰብ፡ ከም ብኣርባዕተ መሓውር ምኻድ ማለት እዩ፥ ንሓደ ሰብ ድማ ብኣርባዕተ መሓውር ኪኸይድ ኣይተመደበሉን። ሰብሲ ቀጥ ኢሉ ድኣ'ዩ ዚኸይድ፡ ምኽንያቱ እንስሳ ኣይኰነን። ምጥርጣር እምበኣር ብሓጺሩ ትሕተ-ሰብኣውነት እዩ።

ናብ ነፍሲወከፍና ምጥርጣር ይመጽእ እዩ፡ ይኹን እምበር ኣብ ልዕሊ መሰረታውያን ሰረተ-እምነታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ከም ህልውና እግዚኣብሄር፡ ኣካላዊ ትንሳኤ የሱስ ክርስቶስ፡ ወይ ከኣ ህላዌ ዘልኣለማዊ ህይወት ዝኣመሰሉ ሰረተ-እምነታት፡ ምጥርጣር ንምሕዳር ኣብ ኣእምሮኻ ስፍራ ኣይትሃብ። ነፍሲ ወከፍ ንእሽቶ ስነ መለኮታዊ ወይ ከኣ ፍልስፍናዊ ምጥርጣር ዕቑር ከሓዲ (ታተtቅቦtቕሽባ tቶሽቕtተቶ) ከም ትኸውን ይገብረካ። ኣብ ዓሚቝ መጽናዕቲ እንከሎኻ ወይ ስብከት እናኣዳሎኻ እንከሎኻ፡ እናበላዕካ ወይ እውን መጽሓፍ እናጸሓፍካ እንከሎኻ፡ ንነብስኻ ከም ዋዛ ምጥርጣር ወይከኣ ምምታእ ከተላማምዳ ዝከኣልዩ። ኣብ ማእሰርቲ ከሳቕዩኻ ከለዉ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ምጥርጣራት እንተደኣ ኣጽኒሕካ ኸኣ፡ እዞም ምጥርጣራት እዚኣቶም ናብ ዝለዓለ ናይ ክሕደት ገበን እዮም ዝቕየሩ፥ ምኽንያቱ ነዚ እምነትዚ ወይ ክትነብረሉ ወይ ክትሞተሉ ሓዲኡ ክትውስን ግድን ስለ ዝኾነ።

ሓደ ካብቲ ንሓደ ምስጢራዊ ኣገልጋሊ ዘድልዮ ኣገዳሲ መንፈሳዊ ምድላዋት ንጥርጣሬታቱ መልሲ ምርካብ እዩ። ንኣብነት ኣብ ቍጽሪ፡ ናይታ ግድልካ ፍታሕ እንተ ድኣ ዘይረኺብካያ፡ ኣብ ገለ ሸነኽ ናይ ዕዮኻ ጌጋ ጌርካ ኣሎኻ ማለት እዩ፥ ስለዚ ክሳዕ ነታ ጌጋ ኣለሊኻ ብምእራም ነታ ቅንዕቲ መልሲ ትረኽባ ዕዮኻ ክትቕጽል ኣሎካ። እዚ ኣብ መንፈሳዊ ጉዕዞ እውን ሓቂ እዩ። ስለዚ ምስ ጥርጣሬታትካ ኣይትንበር፡ብኣጋኡ ድኣ ፍታሕ ድለየሎም።

 

 እንታይነት ምስቃይ

 

ሕጂ ናብቲ ቀንዲ ናይ ስቅያት ህሞት ንምጻእ። ስቅያት ሓደሓደ ግዜ ኣዝዩ ቃንዛ ዝመልኦ ክኸውን ይኽእልዩ። ኣብነት ብዝረስነ ሓጺን ከንድዱኻ ከለዉ ዚስዕብ መጠን ቃንዛ ክትግምት ትኽእል። ሓደ ሓደ ግዜ ኸኣ ተራ ማህረምቲ ኪኸውን ይኽእል እዩ። መቸም ኩልና ሓደ ግዜ ኣብ ቍልዕነትና ተጸፊዕና ንኸውን ኢና፡ ማህረምቲ ኸኣ ዳርጋ መጽፋዕቲ ማለት እዩ። ተራ ማህረምቲ ክትጻወሮ ቀሊል እዩ። የሱስ ከም ህጻናት ኴንና ናብኡ ክንመጽእ ነጊሩና ኣሎ፡ እዚ ኸኣ መጽፋዕቲ እውን ንምቕባል እተወሃብና ይገብረና።

ሓደ ግዜ ሓንቲ ሓኪም ናባይ መጺኣ፡- “እንታይ እዩ እቲ ክገብሮ ዘሎኒ? ብመስኮት ዘሊልኪ ጽደፊ ዝብል ሓሳብ ይጸናወተኒ ኣሎ። ደጋጊሞም እናጸውዑ ናይታ ምስጢራዊት ቤተ ክርስቲያነይ ሰላዪት ክዀነሎም ይእዝዙኒን የጠንቅቑኒን ኣለዉ። እንተ ድኣ ሕራይ ኢለ ዘይቅበሎም ኰይነ ድማ ክገርፉንን ከሳቕዩንን ምዃኖም ደጋጊሞም የፈራርሑኒ ኣለዉ። እንታይ ክገብር? ኪገርፉኒ ምዃኖም ክሓስብ ከለኹ፡ ሕልናይ የስካሕክሕ፡ ዓቕለይ ይጸበኒ ኣሎ። ክዕገስ ምኽኣል ስኢነ። ዘሎኒ ኣማራጺ ወይ ናቶም ሰላዪት ምዃንዩ፥ ወይ ከኣ ብመስኮት ዘሊልካ ምጽዳፍዩ” እናበለት ክመኽራ ትምሕጸነኒ ነበረት። ሽዑ ኣነ ዝመለስኩላ፡- “ካልእ መገዲ ኸኣ ኣሎኪ እኰ ኢዩ። ሓደ በትሪ ኣምጺእኪ ንሰብኣይኪ ኣብ ኢዱ ሃብዮ እሞ ሕርሕራይ ጌሩ በቲ በትሪ ክቕጥቅጠኪ ንገርዮ፥ ሽዑኡ ከመይ ጌርኪ ክትጽምሚ ከም ትኽእሊ ክትርእዪ ኢኺ” በልክዋ፡ ንዓኣ ዝሕሻ ርእየ። እቲ መልእኽቲ፡ ንመግረፍቲ ኣይትፍርህዎ እዩ።

ናብቲ ኮምዩኒስታውያን ኣብ ልዕሌና ዚፍጽምዎ ዝነበሩ እንተ መጺእና ግና ብመግረፍቲ ዝሓልፈልና ነገር ኣይነበረን፡ ዝተራቐቐ ናይ ምስቃይ ብልሓታት ኔርዎም'ዩ። ኣብዚ ከተስተውዕልዎ ዝግባእ ነገር ከኣ ኣሎ፡ ምስቃይ ብኽልተ መገዲ እዩ ዝዓዪ። ሓደ፡ እምብዛ የትርረካን የጽንዓካን፥ ስለዚ ድማ ነቶም መርመርትኻ ፖሊስ ሓንቲ ምስጢር እኳ ንኸይተምልቘሎም ክትሕርን ይገብረካ። ብዙሓት ሰረቕቲ ኣለዉ ዝወረደ ስቅያት እንተ ወረዶም ክምህ ከይበሉ ተጻዊሮም፡ ነቶም ኣብ ስርቂ ምስኣቶም ዝኣበሩ ኣሕሊፎም ዘይህቡ። በቲ ኻልኣይ ሸነኽ ከኣ፡ ምስቃይ ንፍቓድካ (ኀቕባባ) ይሰብር እውን እዩ።

ሕጂ ብዛዕባ ሓንቲ ኣብ ናይ ቸክ  ኮምዩኒስት ጋዜጣ ተሓቲማ ዝነበረት ኣገዳሲት ጉዳይ ክዕልለኩም እየ። መቸም ኣብ ዘመን ዱብቸክ፡ ሓደ እዋን ናይ ምዝላቕ ሃዋህው ተፈጢሩ ምንባሩ ትዝክርዎ ጉዳይ እዩ፥ ስለ ዝዀነ ድማ ሽዑኡ ኣብ ቸኮዝሎቫክያ ሓደ ሓደ ጽሑፋት ኪሕተሙ ተራእዮም ነይሮም እዮም። ኣብ ሓንቲ ሽዑኡ ወጺኣ ዝነበረት ዓንቀጽ፡ ሓደ ቅድሚ ዱብቸክ ዝነበረ ኖቮትኒ ዝተባህለ ኮሚዩኒስት ውልቀ መላኺ፡ ንሓደ ዕሉል ኢዚሀራዊን ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ሰልፊ ኮምዩኒስታውያንን ዝነበረ ናይ ቀረባ ዓርኩ ኣሲርዎ ከም ዝነበረ ትጠቅስ። (ሽዑኡ ዝእሰሩ ዝነበሩ ክርስ?ያናትን፡ ኣይሁዳውያንን፡ ኣፍቀርቲ ሃገርን ጥራይ ኣይነበሩን። ሓደ ኮምዩኒስት ንሓደ ከምኡ ዝበለ ካልእውን ልክዕ ከምቲ ንኻልኦት ዝገብርዎም ጌሩ ዝኣስረሉን ዘሳቕየሉን ኵነታት ነይሩ እዩ።) ብኸምዚ መገዲ ድማ ነዚ ኮምዩኒስት መራሒ'ዚ ኣሲሮም ናብ ሓንቲ ሸላ ደርበይዎ። ንኣእምሮኡ ዚርብሽ ኤለክትሮማግነቲክ ጮራታት በቲ ዘለዎ ሸላ ከም ዝውሕዝ ገበሩ። ናብ ሸልኡ ዝቐንዐት መጕልሕ ድምጺ ከኣ ለይትን መዓልትን ብዘይ ዕረፍቲ፡- “ስምካ ዮሴፍ ድዩ ወይስ ዮሴፍ ኣይኮነን?” እናበለት ተጽምሞ። (ናቱ ስም ግና ዮሴፍ ኣይኮነን።) “መሊስካ ድኣ ሕሰብ፡ ዮሴፍ ዲኻ ንስኻ ወይስ ዮሴፍ ኣይኮንካን? ኣብ ኣመሪካ እቲ ዝዓበየ ገበነኛ ዲሊንጀር እዩ ነይሩ፥ ንስኻ ግና ካብ ዲሊንጀር ዝዓቤኻ ገበነኛ ኰንካ ተረኺብካ ኢኻ። ስምካ መንዩ?ተዛረብ!፥ ዮሴፍ ድዩ ወይስ ዮሴፍ ኣይኮነን? ንስኻ ጸረ-ሰውራ ኢኻ፡ ሰላዪ ኢኻ፥ ግን፡ ዮሴፍ ዲኻ ወይስ ዮሴፍ ኣይኮንካን?”

እቲ ሰብቲ ኪቕውስ፡ ፈጺሙ'ውን ኪጽለል  ኣበርቲዖም ደፍእዎ። ለይትን መዓልትን ትንፋስ ከይሃቡ። ኣእምሮኡ ኪስሕት ገለ ከምዘይተረፎ ተሰምዖ። ከም ገለ ኪብል ግን፡ ሓደ ብርሃን በርሃሉ። ሓደ ግዜ ኣብ ሓሳቡ ከምዚ ኢሉ ይምጕት ነበረ፡-” ሕጂ ተጓኒፉኒ ዘሎ ጸላኢ፡ እቲ ፍጹም እከይ ዝኾነ ጸላኢ እዩ። ኮምዩኒታውያን ንክርስቲያናት እንተኣሳቐይዎም ምሉእ ብምሉእ እከይ ክትብሎ ኣይትኽእልን ኢኻ፥ ምኽንያቱ ኮምዩኒስታውያን ምድራዊት ገነት ኪሃንጹ ከምዝኾኑ እዮም ዝኣምኑ። እቶም ክርስቲያናት ከኣ እዚ ንኸይከውን ይዕንቅፉ ኣለዉ፥ ስለዚ ንክርስቲያናት ምስቓይ ቅኑዕዩ። እዚ ይኹን እምበር ሓደ ኮምዩኒስት ንኻልእ ኮምዩኒስት ከሳቕዮ እንከሎ፡ ስቅያት ንስለ ስቅያት ጥራሕ እዩ። ነዚ ቅቡል ዚገብር ዝኾነ ምኽንያት ኪቐርብ ኣይክእልንዩ። ግን ከኣ፡ ጽናሕ እስኪ ጽናሕ! ኩሉ ሰልዲ ክልተ ገጽ ኣለዎ፥ ኩሉ ገመድ ኤለትሪክውን ክልተ ዋልታታት ኣለዎ እንድዩ! እንተ ድኣ እቲ ፍጹም እከይ ኣሎ ኮይኑ፡( እዚ ፍጹም እከይ እዚ ከኣ ኣሎ፡ ንሱ ኸኣ፡- እዞም ተካላት “ኮምዩኒስታውያን” ብቐንዶም ምዃኖም ኣለሊናዮም ኣሎና) ኣንጻር መን ድኣ ኢዮም እዞም እከያት ኮምዩኒስታውያን ዝዋግኡ ዘለዉ? ኣሃ! ብኹሉ ባህርያቱ ብተጠማማቲ ኣንጻሮም ዝኾነ ፍጹም ሰናይ ኪህሉ ኣለዎ ማለት'ዩ። እምበኣር እዚ ፍጹም ሰናይ እዝስ እግዚኣብሄር ጥራይ እዩ ኪኸውን ዝኽእል። ንዕኡ ከኣ እዮም፡ ማለትዩ፡ ዝዋግኡዎ ዘለዉ።” እናበለ ሓሳባቱ  ከጠቓልል እንከሎ፡ መደምደምታ ናይ ሕንቅሊተዩ ከም ዝረኸበ ብውሽጡ ኣመነ።

ብድሕሪዚ ብመርማሪኡ ምስ ተጸውዐ፡ ናብቲ መመርመሪ ክፍሊ ብፍሽኽታ እናንጸባረቐ ኣተወሞ፡ ሕጂ ነታ መጕልïሒት ድምጺ ዝደለየቶ ውጽኢት ስለ ዘምጽኤት ከጥፍእዋ ከም ዚኽእሉ ሓበሮም።  “ኦሮማይ! ካብ ሎሚ ክርስቲያን ኰይነ እየ። ኣኺሉ በቃ!” ብምባል ወሲኹ ኣገረሞም። “ ከመይ ኢልካ?” ሓተተ እቲ መኰነን፡ ግር ኢልዎ። ወዮ እሱር ዝኾኖ ኩሉ ዘርዚሩ ኣዘንተውሉ። እቲ መኰነን ደንጽይዎ “ጽናሕ እስከ ሓንሳእ!” ኢልዎ ወጸ እሞ፡ ንገለ ካብ ሓለፍቱ ጸዊዑ ተመልሰ፡- “ እስኪ ሕጂ ኣብ ቅድሚ እዞም ብጾተይ እታ ዛንታኻ ድገማ።” ከኣ በሎ። ንሱ ኸኣ ነታ ዛንትኡ ደገመሎም እሞ፡እቲ ካፕቴን ነቲ ፖሊስ መኰነን ከምዚ ኪብል ኣጕረረሉ፡- “ እዚ ብልሓትዚ ከም ዘይሰርሕኮ ቀደም ነጊረካ እየ። ምሒር ኣብዚሕካሉ፡ ልዕሊ ዓቐን ጌርካዮ”።

ድያብሎስ  ኩሉ ሓይሊ ዘለዎን ኩሉ ዝፈልጥን ፍጥረት ኣይኰነን። ንሱ ጌጋታት ይጋገ እዩ። ምሒር ዝሓለፈ እኩይ ምስቃይ፡ መንፈሳውያን ኪብለጹሉ ዚኽእሉ ድኹም ጐድኒ ጸላኢ ምዃኑ እውን ክንግንዘብ የድልየና።

 

ናይ ቅልውላው ህሞት

 

ስቅያት ዚትኰሰሉ ሓደ ህሞት ኣለዎ፡ እቲ ዘሳቕይን ዝገርፍን ሰብ ከኣ ነዛ ወሳኒት ህሞት እዚኣ እዩ ዝሃድንን ዘቋምትን። ንምጥርጣር ከመይ ጌርካ ከም እትስዕሮን ሓሳባትካ ከም ትጥርንፍን ተመሃር። ኣብ ምስጢራዊ ኣገልግሎት፡ መማሳጥርትኻ ናይ ዝኾነ ሰብ ስም ክትጽሕፈሎም ወይ ከትነግሮም ድንድው እትብለላ፡ ወይ ከኣ እቲ ስቱር ንብረት ሕትመት ዝርከበሉ ስፍራ ወይ ንዕኡ ዝመስል ካልእ ነገር ክትነግር ቅርብ እትብለላ እንኮ ናይ ቅልውላው ህሞት ኣብ ኢድ መርመርቲ ንዘሎ ሰብ ዘይትተርፈሉ ነገር እያ። ኣመና ብዙሕ ምስ ተገረፍካን ምስ ተሳቐኻን፡ ኩሉ ነገር ክብሩ ዘጥፍአን ዘየገድሰካን ይኸውን፥ እንተላይ እቲ ኣይትተንክፉኒ (ኣነዶ እድፈር) ትብሎ ዝነበርካ ዋጋ-ኣልቦ ይኸውን። ኣብ ከምዚ ዝበለ ደረጃ ኣብ ትበጽሓሉ ግዜ፡ በዛ መደምደምታ እዚኣ እንተ ወጺእካ፡( ማለት ዓቢ ግዳሰን ግምትን ኣኽብሮትን ሂብካዮ ዝነበርካ ዘበለ በቲ ኣረሜናዊ መግረፍትን ስቅያትን ምኽንያት ድዋዕዋዕ ኢሉ፡ ብዘይካ ክርስቶስ ዳርጋ ዝተረፈካ ከም ዘይብልካ፡ እንተልዩ እውን ሚዛኑ ዘጥፍአ ምዃኑ እንተ ደምዲምካ)፥ ሽዓኣ ነዛ ናይ ቅልውላው ፍልይቲ ህሞት እዚኣ ክትጥሕሳ ከም ትኽእል ኣብ ውሽጥኻ ክትፈልጥ ኢኻ፥ ብርቱዕ ውሽጣዊ ፍስሃ ድማ ኺስመዓካ እዩ። ኣብኣ ኣብታ ወሳኒት ህሞት ክርስቶስ ምሳኻ ከም ዝነበረ እውን ክፍለጠካ እዩ። ናይዚ ዘመንዚ ፖሊስ-ድጓና ኣዝዮም ዝሰልጠኑን ዝተራቐቑን፡ ህላወ እታ ናይ ቅልውላው ህሞት ዝተገንዘቡን ምዃኖም ኣይትዘንግዕ። ኣብታ ህሞት እቲኣ ካባኻ ገለ ሓበሬታ እንተ ዘይረኺቦም፡ ድሕሪኡ ነቲ ምስቓይ የቋርጽዎ፡ ምኽንያቱ ምቕጻሉ ፍረ ከም ዘይህብ ይፈልጡ እዮም።

ጌና ንእሽቶ ክርስቲያን እንከሎኹ መጽሓፍ ቅዱስ ዕለታዊ ከንብብ ተነጊሩኒ ነበረ፡ ስለዚ ድማ ከምቲ ዝተነግረኒ ምስ ወዲ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ዓመት ዝነበረ ወደይ፡ ሚሃይ ኴንና በብዕለቱ፡ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓንቲ ገጽ ብዛዕባ ሓደ ቅዱስ ወይ ሰማእት ነንብብ ነበርና። ናይ ፎክስ፡ መጽሓፈ-ሰማእታት እውን ኣንቢብናያ፥ ንደቅኹም ከተንብቡሎም ከኣ እምዕድ። ሰማእታት እምነት ነታ ናይ ቅልውላው ህሞት ከመይ ጌሮም ይዕወቱላ ከምዝነበሩ መሃርዎም።

ምስ ምስቃይ ዝተኣሳሰራ ሒደት ተወሰኽቲ ነጥብታት ኣለዋኒ። የሱስ ዝበሎ ምርዳእ ንዓና ኣዝዩ ዝጠቕመና ምዃኑ እጸቕጠሉ፡- “ጽባሕ ንርእሳ ትጭነቕ እያ እሞ፡ ንጽባሕ ኢልኩም ኣይትጨነቁ” (ማቴ 6፡34)። ኣነ ዓሰርተ ኣርባዕተ ናይ ማእሰርቲ ዓመታት ኣሕሊፈ። ሓው ራፖቭ  ዕስራን ሽዱሽተን ዓመታት ተኣሲሩ። ዎንግ ሚንግ ዳው ከኣ ዕስራን ሾሞንተን ዓመታት ተመቍሑ። ነዊሕ ዓመታት ማእሰርቲ ክትጾሮ ዘይከኣል እዩ ዝመስል። ንኹሉ ጠቕሊልካ ብሓንስእ ክትሕንገጦ ኣይትቕሰብን ኢኻ። ዋላ በብናይ ሓንቲ ዕለት ጾር ምስካም እውን ኣይኹንካ፥ ኣጸዋውራኻስ በብናይ ሓንቲ ሰዓት ጾር ድኣ ይኹን። ናይ ሓንቲ ሰዓት ቃንዛ ኣብ መዓልቲ እንተ ኾይኑ፡ ኩሉ ሰብ ክጾሮ ከም ዚኽእል ብሩህ እዩ። መቸም ኩልና ወይ ብቓንዛ ስኒ፡ ወይ ናይ መኪና ሓደጋ፡ ምናልባትውን ብዘይንገር ጓሂ ወዘተ... ሓሊፍና ንኸውን ኢና። ብዝተኻእለካ መጠን፡ ግዜ ስቅያትካ ከተሕጽሮ ካብ ክንድ'ዛ ትሓልፍ ዘላ ደቒቕ ዘይሓልፍ ንኽትገብሮ ክትጽዕር ይድለየካ። ። እቲ ንስቅያት ዘራብሖ፡ ነቲ ትማሊ ዝተገረፍክዎን ዝተሳቕኽዎን ብዙሕ መግረፍቲ  ምዝካር፥ “ኣየ! ጽባሕ ከኣ! ... ኪገርፉኒ ኪወስዱኒ እዮም! ድሕሪ ጽባሕ ከኣ ከም ኣመሎም ....ወዘተ...” እናበልካ ምጭናቕዩ። ጽባሕ ምናልባት ኣነ ኣይነብርን ይኸውን፡- ወይ ከኣ ንሶም ብህይወት ኣየውዕልዋን ይኾኑ። ጽባሕ ከምቲ ኣብ ሩማንያ ዝዀነ ምናልባት ምግልባጥ መንግስቲ ክኸውን ይኽእልዩ። ብርግጽ ናይ ትማሊ መግረፍቲ ሓሊፉ ኣሎ፥ ናይ ጽባሕ ስቅያት ከኣ ጌና ኣይመጽአን ዘሎ።

------------------------------------------------------------------------------------------------

ኣነ ናይ ስነ-ምቕባል-መከራ ፕሮፈሶር እየ። ምስቃይ  ኣብ መጀመርትኡ ብብርቱዕ ቃንዛን ሓያል ምንዋጽን እዩ ዝግለጽ። ከምኡ ኮይኑ ግን ኣይቅጽልን እዩ። ካርዲናል ሚንዲዠንቲ ን29 መዓልታትን ለይትታትን ከይድቅስ ተኸልከለ። ድሕሪዚ ካብኡ ዝደለይዎ ዘበለ ተላፋለፈሎም። ከመይ ኢሉ ኢዩ ከምዚ ዝኾነ? ድሕሪ ድቃስ ዘይብለን ሒደት መዓልትታን ለይትታትን ወይ ከኣ ድሕሪ ናይ ገለ መዓልታት ጽዑቕ ስቓይ፡ ንዓኻ ኩሉ ነገር ናብ ምንም ዋጋ ዘይብሉ ከንቱ ነገር ይቕየረካ። ንሰበይትኻን ደቅኻን ከምኡውን ንጽቡቕ ስምካን ንእግዚኣብሄርን ዘሎካ ሓላፍነትን ግቡኣትን ትርስዖም። ኩሉ ነገራት ዘይዓጅበካ ትኸውን። ኣብዚ'ኣ ኸኣ እያ እታ ናይ ቅኑዕ ኣተነፋፍሳ ኣድላይነት ትገሃድ። ቅኑዕ ኣተነፋፍሳ ተላመደö።

ኣብ ሃይማኖታት ሂንዱን ቡድሂስትን፡ ብፍላይ ከኣ ኣብቲ ናይ ዮጋ ምንቅሳቓሳቶም፡ ንኣተነፋፍሳን ምትንፋስን ብዙሕ ትርጉም ይወሃቦ እዩ። በል ሕጂ ኸኣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ዝተፈላለየ ዓይነታት ኣተነፋፍሳ ኣንብብ። የሱስ ንደቀ መዝሙርቱ ኡፍ በለሎም ይብለና። የሱስ ከምዚ ጌሩ ንደቀ መዛሙርቱ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝመልኦም ተዘሪብሉ እዩ። ስለዚ ሓደ መንፈስ ቅዱስ እተመሓላልፈሉ ፍሉይ ኣገባብ ኣተነፋፍሳ ኣሎ ማለትዩ። ኣብ ቤተ ክርስተያን ኦርቶዶክስ፡ ኣብ ግዜ ጥምቀት፡ እቲ ካህንን እቶም ኣባሊጌታትን ሰለስተ ግዜ ነቲ ቆልዓ ኡፍ ይብልሉ። የሱስ ኡፍ ኪብል ከሎ እምበኣር መንፈስ ቅዱስ እዩ ዘተንፈሰ። ሳውል “ሞትን ምፍርራሕን” የስተንፍስ ምንባሩ ኣብ ግብረ ሃዋርያት ተጻሒፉ ኣሎ። ገበን ዘተንፍሱ ቀተልቲ ሰብውን ኣለዉ። “ደድሕሪ ኣንስቲ ካልኦት ሰል ሰል ዝብሉ” ዓይነት ሰባትውን ከምኡ ኣብ መጽሓፈ-ኤርምያስ ተጠቒሶም ኣለው። እዚ ናይ ሓደ ዘማዊ ሰብ ትንፋስ እዩ። ካልእውን ግንፉል ስምዒታቱ ዘተንፍስ ኣሎ። ሃዲእካን ብስሩዕ ረምታን ብዕምቆትን እሞ ኣተንፍስ፡ ከምኡ እናኣተንፈስካ እንከሎኻ ምስ ካልእ ሰብ ክትቋየቝ ፈትን። ሽዑኡ ምቍያቝ ኪሕርብተካ ከሎ ከተስተብህል ኢኻ።

ቅኑዕ ኣተነፋፍሳ ሓደ ንስቅያት ክትጻወር ዝረድኣካ ብልሓት እዩ።  ምስጢር ምምጣው ወይ ከኣ ምስጢር ምዝራው ማለት ንምልእቲ ቤተ ክርስቲያን ምብትታን ወይ ከኣ ፋሕ ጭንግራሕ ማለትዩ። ንስኻ እግዚኣብሔርን ብዙሓት ሰባትን ዝኣመኑኻ ሰብ ኢኻ። ናይታ ምስጢራዊት ቤተ ክርስቲያን ምስጢራት ብሓደራ እተረከብካ ሰብ እውን ኢኻ። ብስሩዕን ብዕምቆትን እናኣተንፈስካ ከሎኻ፡ ንዝኾነ ሰብ ክትቋየቖን ብነድሪ ክትጭድረሉን ዘይሕሰብዩ። ከምኡውን ብተመሳሳሊ ኣገባብ እናኣተንፈስካ ከሎኻ፡ ናብቲ ዓሚቝ ማዕበል ስምዒትካ ጠሊቕካ ክትኣቱን ጥልመት ክትዛረብን ኣይትኽእልን ኢኻ። ስቅያት ኣብ ዘሳቕዩኻ ግዜ ኣተነፋፍሳኻ ዕሩይ ክትገብሮ ተጠንቀቕ። ብስሩዕ ረምታን ብቐስታን ክሳዕ ኩሪኩሬኻ እናሰሓብካ ኣተንፍስ። እቲ ኦክሲጂን ናይ ምስሓብ ተግባር ንምሉእ ኣካላትካ ተጻዋርነት ዚህብ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ንግብረመልስኻ  የመዓራርዮን ንኣቃውማኻ ድማ ቀጥ የብሎን እዩ።

------------------------------------------------------------------------------------------------

ካልእ ሓደ ምስጢራዊ ኣገልጋሊ ኣብ ሓንጎሉ ጥራይ ዘይኮነስ ኽሳዕ ጫፍ ኣጻብዕቱ ከስርጾን ኪፈልጦን ዚግብኦ ካልእ ነገር ኣሎ፥ ኣባልን ክፍልን ናይታ ማሕበር ምዃኑ ኣርጊጹ ኪፈልጦ ይግባእ። ነታ ንኣስታት 2000 ዓመታት ዝተገርፈት ኣካል ክርስቶስ፡ ንሱ ኣካላ እዩ። ንሳ መዋእላ ኣብ መግረፍቲ ኢያ፥ ኣብ ጎልጎታ ጥራይ እውን ኣይነበረን፡ እንተላይ ኣብ ትሕቲ ሮማውያን ሃጸያትን ብብዙሕ ዝዓይነቱ ስደትን እውን እምበር። ኣብ ትሕቲ ናዚ (ሞሽzቕ) ከም ዘይሓልፍ ተቐጥቂጣ፡ ኣብ ሩስያውን ንሰብዓ ዓመታት ዝኣክል ከም ሕሱም ተኸትኪታ ኢያ። ጐይታ ምስ ተቐበልኩ እምበኣር ብፍላጥ እየ ኣባል ናይ ሓንቲ እተኸትከተት ኣካል፡ (ንሳ ድማ እታ ምስጢራዊት ቤተ ክርስትያን) ዝዀንኩ። ብፍታወይ ከኣ እየ ናይዛ እተዋረደት፡ ብላግጺን ንዕቀትን ጡፍ ዝተባህለላ ስጋ ስጋ ክርስቶስ በዓል ግደ ክኸውን ዝመረጽኩ። እዚ ጥራይ እውን ኣይኰነን፡ ናይ ሓንቲ፡ ኣኽሊል እሾኽ ዝደፍአትን ኣእዳዋን ኣእጋራን ብመሳምር ሓጺን እተሸንከረትን ስጋ፡ ዘይንጸል ኣካል ክኸውን ዝባሃግኩ እየ። ንመከራ ድማ ከም ናይ መጻኢ ህይወተይ ዕድሎት ጌረ እቕበሎ እየ። ንየሱስ ክርስቶስ ከም ቅድሚ 2000 ዓመታት ዝተሰቕለ ጌረ ጥራይ ኣይክሓስብን እየ። የሱስ ክርስቶስ ሎሚ'ውን በብዕለቱ ኣብዛ ምስጢራዊት ማሕበሩ ዚጾሮ ዘሎ መከራ ንዓይ ህያው እዩ።