19
Mon, May
0 New Articles

ንምስጢራዊት (ትሕቲ መሬት) ቤተ ክርስትያን ምቅርራብ (ሳልሳይ ክፋል)

Books
Typography

ፍቕሪ እታ ልዕልቲ

መጽሓፍ ቅዱስና ክትርድኦም ዘጸግሙ ገለ ቃላት ይምህረና፡- “እቲ ኻባይ ነዲኡን ነቡኡን ዜፍቅር ንኣይ ኣይበቅዕን እዩ። ካባይሲ ንወዱ ወይስ ንጓሉ ዜፍቅር ድማ ንኣይ ኣይበቅዕንዩ”። (ማቴ10፡37) እዘን ቃላት እዚኤን ኣብ ሓንቲ ነጻ ዝኾነት ሃገር ትርጉም የብለንን። 

ኣብ ናይ ቅድም ሕብረት ሶቭየት ኣሽሓት ህጻናት ብዛዕባ ክርስቶስ ተማሂርኩም ተባሂሎም ካብ ወለዶም ተተመንጢሎም ይውሰዱ ከም ዝነበሩ ምናልባት ካብ ጽሑፋት ድምጺ ሰማእታት ኣንቢብኩም ትዀኑ። ካብ ቤተሰብካ ንላዕሊ ንክርስቶስ ከተፍቅር ይግብኣካ እዩ።

ኣብ ቤት ፍርዲ ኣብ ቅድሚ ዳኛ ደው ኢልካ ኣለኻ ንበል፥ እቲ ፈራዳይ ከኣ ይብል “ንክርስቶስ ትኽሕድ እንተ ዄንካ ደቅኻ ክትወስዶም ትኽእል ኢኻ። እንተ ድኣ ዘየሎ ግን እታ ገጽ ደቅኻ ትሪኤላ ናይ መጨረሽታ ግዜ እዚኣ ምዃና ፍለጥ”። ኣብቲ ህሞት እቲ ልብኻ ስብር ኪብል ይኽእል ይኸውን፥ ይኹን እምበር መልስኻ “ኣነስ ንኣምላኸይ ድኣ ኤፍቅር!” ዚብል ኪኸውን እዩ ዘለዎ።

ናድያ ስሎቦዳ ገዝኣ ገዲፋ ንኣርባዕተ ዓመታት ማእሰርቲ ክትውሰድ ከላ፡ ንደቃ ካብ ሕቝፎኣ መንጪቶም ኣሕደግዋ፥ ንሳ ግና እናዘመረት ካብ ገዝኣ ወጺኣ ከደት። እቶም ዓባይ መኪና ቀሪቦም ኪወስድዎም ፖሊስ ዚጽበይዎም ዝነበሩ ህጻናት ደቃ ከኣ ነታ ትዝምር ዝነበረት ኣዲኦም፡- “ ማማ! ብዛዕባና ከይትጭነቒ ኢኺ፥ኣብ ዝወሰዱ እንተወሰዱና ንሕና እምነትና ፈጺምና ኣይክንሓድግን ኢና” በልዋ። ብርግጽ ከኣ ኣይሓደጉን። የሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀሉ እንከሎ፡ ብስጋኡ ጥራይ ኣይኰነን እተሳቐየ፥ የግዳስ ኣዲኡ ኣብ ቅድሚኡ ኰይና ክትሳቐ ይርእያ ነበረ። ኣዲኡ ድማ ወዳ ኣብ ቅድሚ ዓይና ኪሳቐ ትርእዮ ነበረት። ሓድሕዶም ይፋቐሩ እዮም። እንተኾነ ግን ክብሪ እግዚኣብሔር ኣብ ሕቶ ወዲቑ ስለ ዝነበረ፡ ዝዀነ ሰብኣዊ ስምዒት ካልኣይ ቦታ ኪሕዝ ነይርዎ። ነዚ ኣጠማምታ እዚ ሓንሳእን ንሓዋሩን እንተ ጨቢጥናዮ ጥራይ ኢና እምበኣር ንምስጢራዊ ዕዮ ክንዳሎ ንኽእል።

የሱስ ክርስቶስ፡ እቲ ዓቢ ጸዋር መከራ፡ እቲ ናይ ጓሂ ሰብ፡ ንሱ ንበይኑ ኣብ ውሽጥና ኪነብር፡ ኪብሕተና ይግብኦ። ኣብ ኮምዩኒስት ሃገራት፡ ኮምዩኒስታውያን ፖሊስ መሳቐይቲ  ንክርስትያናት ዚኽትክትሉ ናይ ጎማ በትሮም ደርብዮም፡ “እንታይ ዓይነት ኣኽሊልዩ እዚ ኣብ ዙርያ ርእስኻ ዘሎ? ከመይ ኢሉኸ ኢዩ ገጽካ ዘብረቕርቕ ዘሎ? ወሲኸ ክሃርመካ ኣይኽእልንየ።” ኢሎም ዝተጣርዑሉ ሓያሎ ኵነታት ተራእዮም እዮም። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እስጢፋኖስ “ገጹ በርሀ” ተባሂሉ ተጻሒፉ ኣሎ። ገለ ኮሚዩኒስታውያን ፖሊስ መሰቐይቲ፡ንእሱራት ክርስትያናት  ከምዚ ኪብሉ ዝኣዘዝዎም እንፈልጦ ካልእ'ውን ኣሎ፡- “ብጾተይ ኣነ ይቕጥቅጠካ ከም ዘሎኩ ምእንቲ ኪሓስቡ፡ ዓው ኢልካ ኣእዊ! ዓው ኢልካ ኸኣ ብኸ። ኣነ ግን ክገርፈካ ኣይተኻእለንን።” ስለዚ፡ ዝሃረመካ ዘይብልካ ተጠሊዕኻ ኡይ ትብል ማለት እዩ።

 

ኣብ ካልእ ኵነታት ድማ ብሓቂ መሪር ስቅያት ዝወርዶም፡ ክሳዕ ሞት ዝበጽሑ ዝተሃርሙ ብዙሓት እሱራት ነይሮም። ኣብ መንጐ ምስ ክርስቶስን ንክርስቶስን ሙማት በቲ ሓደ ወገን፥ ከሓዲ ምዃን ከኣ በቲ ኻልእ፡ ክትመርጽ ኣሎካ። መስትያትካ ናይ ሓደ ኸዳዕ መልክዕ ከም እተርእየካ እናፈለጥካ፡ ወግሐ ጸብሐ መስትያትካ እናኽትጥምት ክትሓፍር ምንባር እንታይ ናብራኡ እዩ?

ብኸምዚ ኣገባብ ምሕሳብ፡ ነቲ ምስጢራዊ ኣገልጋሊ፡ ብፍላይ ከኣ ነቲ ምስጢራዊ ጓሳ ንምዃን ዘድሊ ቀዳማይ ረቛሒ እዩ። እዚ ረቛሒ'ዚ፡ ካብ ኩሉ ዚልዕል ፍሉይ ኣገዳስነት ዚህልዎ ግና ነታ ሰበይቲ ናይ እቲ ምስጢራዊ ጓሳ ንምዃን ዝወሰነት ጓለንስተይቲ ኢዩ። ንሳ እትጻወቶ ተራ ዝተፈልየ እዩ። ንሰብኣያ ክትድግፎ ከድልያ እዩ፥ ኩሉ ተግባራቱ ንኸካይድ ዘድልዮ ምትብባዕ ከተወፍየሉ ኣለዋ። ብኣንጻሩ ናብ ቦታ ምርኢትን ሓደ ሓደ መዘናግዒ ቦታታትን ኪወስዳ ትሓቶ እንተድኣ ኮይና፡ ንሱ ናይ ብሓቂ ምስጢራዊ ተጋዳላይ ኪኸውን ኣይኪኽእልን'ዩ። ንሳስ ኩሉ ግዜ ንኺዓዪን ኪቃለስን ርእሱ ኪስውእን ድኣ ክትደፋፍኦ ይግብኣ።

 

 

ስቕ ምባል ተመሃር

 

ኻልእ ኣብ ምስጢራዊት ቤተ-ክርስቲያን ክንመሃሮ ዝግባኣና ነገር ከኣ ስቕ ምባል እዩ። ጓሶት ብባህሪ ሞያኦም ክንርእዮም ከሎና ናይ ዘረባ ሰባት እዮም። ኰይኑ ግን ጓሳ ኩሉ ግዜ ኪዛረብ ይግብኦ ማለት ኣይኰነን። ጽን ኢሉ ዘይሰምዕ እንተኾይኑ ሓደኳ ጽቡቕ ስብከት ኪሰብኽ ዚኽእል የልቦን። ምስ ነብሳት ዘሕለፍክዎ ተመክሮ ተመሊሰ ክርእዮ ከለኹ፡ ካብተን ተዛሪበ ኣስሚዔ ዘምጻእክወን፡ እተን ጽን ኢለ ብምስማዕ ናብ ጐይታ ዝመራሕክወን ነብሳት ይበዝሓ። ሰባት ኣመና ብዙሕ ጾር ኣብ ልቦም ተሰኪሞም ኣለዉ፡ ብኣንጻሩ ከኣ ጽን ኢሉ ኪሰምዖም ዓቕሊ ዘለዎ ሰብ የልቦን። ዋላ ሰብኣይኪ ንገዛእ ርእሱ ዓቕሊ የብሉን፥ ሰበይትኻ ትኹን ደቅኻ እውን ካብኡ ዝፍለ የብሎምን። እቶም ህጻናት ናእሽቱ ብምዃኖም ናብ ገለ ቦታ ከይዶም ክዛወሩ ይደልዩ። ስለዚ ኪሰምዓካ ዚኽእል ሰብ ኣበይ ይረኸብ። ሓደ ሰብ ክሰምዖ ዚኽእል ካልእ ሰብ እንተ ረኺቡ፡ ብዘይ ዘረባ እዩ ዝማረኸሉ። ኣብታ ምስጢራዊት ቤተ ክርስቲያን፡ ስቕታ ሓደ ካብቶም ቀዳሞት ሕግታት እዩ። ነፍሲ-ወከፍ ዝተዛረብካዮ ዘቝጸልጽል ቃል ናብ መቝሕ ከእትወካ ይኽእልዩ። ሓደ ስሙይ ናይ መዛሙር ደራሲ ዝኾነ ዓርከይ ናብ ማእሰርቲ ኪኣቱ ዝኸኣለሉ ምኽንያት፡ ኣብ ክርስቲያናት ብዝነበረ “እዛ ብሓው ------- ዝተደርሰት መዝሙርስ ኣብየት ክትጥዕም!...” ዝብል ናይ ናእዳ ልምዲ እዩ። ንሳቶም ምንኣዶም እዩ ነይሩ፡ እንተ ዀነ ብሰንኪ እዚ፡ እቲ ዓርከይ ንዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመታት ካርሸሊ ተኣሲሩ። ነቲ መዝሙር ዘምሮ፡ ሕራይ፥ ግን ስም ናይቲ ደራሲ ብፍጹም ኣይትጥቀስ።

ስቕ ንምባል እትመሃር፡ ሃገር ብምልእታ ምስ ተበጽሔት ኣይኰነን። ስቕ ምባል ክትመሃር ዘሎካ ካብታ ጐይታ ዝተቐበልካላ እዋን ጀሚርካ እዩ። ክርስትያን ማለት ሓደ ውሑድን ረዚንን ዘረባ ዚዛረብ ሰብ ማለት እዩ። ንሱ ሓንቲ ቃል ኪዛረብ እንተ ዀይኑ፡ እታ ቃል እቲኣ ትጐድእን ዘይትጐድእን ምዃና ኣቐዲሙ እዩ ዝሓስበላ። ኣብ ምስጢራዊት ቤተ ክርስቲያን ኩሉ ዝያዳ ዘረባታት ጉድኣት ከስዕብ ተኽእሎ ኣሎ።

ሶልዘኒትሲን፡ እቲ ተሸላሚ ኖበል፡ ኣብ ሓደ ቃለ መጠይቕ ከም ዝገለጾ፡ እታ ካብ ኩሎም ኣሳጐጕቱ ዝኸፍአ ጕድኣት ዘውረደትሉን ዘውገዘቶን ናይ ቅድም ሰበይቱ ምዃና ኣብሪሁ ኣሎ። ኣብ መጽሓፈ መክብብ፡ ምስጢር ልብኻ ንሰበይትኻ እኳ እንተዀነ ክትነግር ከም ዘይብልካ ተጻሒፉ ንረክብ። ቃል ኣምላኽ ባዕሉ እዩ ነዚ ሓቂ,ዚ ዚምህረና ዘሎ። ኣምላኽ ምስጢራዊት ቤተ ክርስቲያን ኪህልወና ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ገለ እዋን በዓልቲ ሓዳርካ ብገለ ሰበብ ምሳኻ ክትተሓራረቕ ከም ትኽእል ይፈልጥ እዩ። ኣብ ተመሳሳሊ ጉዳይ፡ ጸሓፊት ሶልዘኒትሲን ኣብ ትሕቲ ሕሱም ስቅያት ኮምዩኒስታውያን ብዝወደቐት፡ (ብሰበይቲ-ነበር ሶልዘኒትሲን ድማ ሕሱም ውገዛን ምቅላዕን  ይወርዳ ብምንባሩ፡) ንነብሳ ብምሕናቕ መወዳእታ ገበረትላ። ኣብዚ ኹሉ መስርሕ እዚ፡ ሶልዘኒትሲን ስቕ ኢሉ እንተ ዝነብር፡ እዚ ፍጻሜ እዚ ኣይምመጸን።

ካልእ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ነጥቢ ኣነ ብምኽንያት እቲ ኣብ ጽምው ማእሰርቲ ዘሕለፍክዎ ዓመታት ንኣምላኸይ ኤመስግኖ። ንሰለስተ ዓመታት ዝኣክል ኣብ ትሕቲ መሬት ኣስታት ትሽዓተ ሜተር ትሕቲ ጽፍሒ መሬት ኣብ ዝተሰርሔ ሸላ ኣብ ጽምው ማሕቡስ ተኣሲረ ዝሓለፍኩ እየ። ኣብዚ ኩሉ እዋንዚ ሓንቲ እኳ ትኹን ቃል ብእዝነይ ከይሰምዕ ተሓረምኩ። ሓንቲ እኳ ትኹን ቃል ክዛረብ ዕድል ኣይረኸብኩን። መጻሕፍቲ ዝበሃል የልቦን። ናይ ግዳም ናይ ካልኦት ድምጺታት'ውን ከም ዘቋርጽ ኮይኑ እዩ። እቶም ወተሃደራት ድጓና እኳ ብጥቃኻ ኪሓልፉ ከለዉ ድሃይ ስጉምቶም ምእንቲ ከይትሰምዕ ቆርበት ዝታኮኡ ኣሳእን እዮም ዝወድዩ። ድሕሪ ውሱን ግዜ ከኣ እሞ እቲ ናይ ውሽጢ ድምጽታት እውን ኣጽቀጠ። ብዕጸ-ፋርስ ኣደንዚዞምን ብመግረፍቲ ኣልሚሶምን ትሕቲ ህሉዋት ገይሮምና ነበሩ። ሽዑ እቲ ኩሉ ዝነበረኒ ሰረተ-እምነት ጨሪሱ ጠፍኣኒ። ንመጽሓፍ ቅዱስ ከምዛ ኣንቢበያ ዘይፈልጥ ረሳዕክዋ። ሓደ መዓልቲ ንወዮ “ኣብ ሰማያት ትነብር ኣቦና” እውን ፍጹም ከም ዝረሳዕክዎ ኣስተብሃልኩ ክወጾ ኢለ ሒዅ እንተበልኩስ ናበይ ገጸይ! “ኣብ ሰማያት ትነብር ኣቦና” ኢላ ከም ትጅምር ትርድኣኒ መቐጸልትኣ ግን ህልም በለትኒ። ሽዑኡ ንኹሉ ኣዋደቕክዎ እሞ ነብሰይ ኣህዲአ፥ ንኣምላኸይ ከምዚ በልክዎ- “ ኣቦይን ኣምላኸይን ከምዛ ትርእየኒ ዘሎኻ እታ ጸሎት ረሲዐያ ኣሎኹ እንተዀነ ንስኻ ቃል ብቓል ትፈልጣ ኢኻ። ኣብ መዓልቲ ኣዝዩ ብዙሕ ኣሽሓት ግዜ ኢኻ ክትሰምዓ ትነብር ስለዚ ኣቦየ በጃኻ ሓደ ኣብ ክንዳይ ኮይኑ ነታ ጸሎት ዝወጽኣለይ መልኣኽ መድበለይ ቀሲነ ምእንቲ ስቕ ክብል”። ብድሕሪኡ ትሕዝቶ ጸሎተይ “ የሱሰ ኣነ የፍቅረካ እየ” ዝብል ጥራይ ኮነ። ቅሩብ ጽንሕ ኢለ ድማ “የሱስ አፍቅረካ እየ። የሱስ አፍቅረካ እየ።” ጽንሕ ኢለ እሞ ኸኣ ነዚኣ እኳ ምድጋማ ሰኣንኩ ምኽንያቱ ንኣእምሮና ብዘበላሹ ዕጸ-ፋርስ ይድፍድፉና ስለዝነበሩ። ብጥሜት ተጠቒዕና ክንሃልቕ እውን ምንም ኣይተረፈናን ምኽንያቱ እታ ትወሃበና ኣብ ሰሙን ሓንተ ቍራስ ባኒ ጥራይ እያ ዝነበረት። ኣብ ርእሲ'ዚ እቲ መግረፍቲ ኣሎ፥ ምስቓይ ኣሎ፥ ናይ ብርሃን ዋሕዲን ካልኦት ነገራትን እውን ምስኡ። በዚ ድማ ኣእምሮይ ብትኽክል ክሓስብ ፈጺሙ ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ ስለ ዝበጻሕኩ ነዛ “የሱስ የፍቅረካ እየ” ምባል እኳ ተሳእነኒ። ሽዑኡ እዚ ኩሉ ጻዕሪዚ እውን ዘየድሊ ምዃኑ በርሃለይ ኣዋዲቐዮ ኸኣ ስቕ በልኩ። ኣብዚ ኩሉ ተመክሮይ እቲ ዝለዓለ መልክዕ ናይ ጸሎት ዀይኑ ዝረኸብክዎ እቲ ልኡም ትርግታ ናይታ ንክርስቶስ እተፍቅር ልቢ ኢዩ። የሱስ ነቲ- “ቲክ-ኣ-ቶክ ቲክ-ኣ-ቶክ ቲክ-ኣ-ቶክ” ጥራይ ኪሰምዕ እኳ ዚኣኽሎ እዩ ብእኡ ድማ ነፍሲ ወከፍ እትሃርም ትርግታ ልቢ ንኽብሩ ምዃና ይፈልጥ እዩ።

ካብቲ ካብ ሰብ ተፈልየ ዝተኣሰርኩሉ ሸላ ወጺኤ ምስ ካልኦት እሱራት ምስ ተጸንበርኩ ስለምንታይ ከም ዚዛረቡ ከሕስበንን ከደንቐንን ጀመረ። ካብቲ እንዛረቦ እቲ ዝበዝሕ ብላሽ እዩ። ኣብዚ ዘመን እዚ ሰባት ንሓድሕዶም ይፋለጡ እሞ እቲ ሓደ- “ ከመይ ኣለኻ?” ይብሎ። እቲ ኻልኣይ ከኣ ትቕብል ኣቢሉ- “ ከመይከ?” ይምልስ። ናይዚ ጥቕምስ እንታይ ኰን ይኸውን? ሓደ ኻልእ እውን “ጽቡቕ ኣየር ኣሎ ሎሚ ኣይመስለካን?” ኢሉ ዘረባ የልዕል እሞ እቲ ዝተሓተተ ድማ ቍሩብ ሕስብ ኣቢሉ “እወ ጥዑም ኣየር! ክንደይ እኳ!” ስለምንታይ ኢና ብዛዕባ ምጽባቕን ዘይምጽባቕን ናይ ኵነታት ኣየር ክሳዕ ክንድዚ ክንዛረብ ንደሊ? ነቲ ካብ የሱስ ዝተቐበልናዮ ቃል ብዕቱብነት ኣይንሕዞን ኣሎና ማለት እዩ። ሰባት ብምኽንያት ካብ ኣፎም ዝወጸ ዘይጠቅም ቃል (ዘረባ) ኪፍረዶምዩ እዩ ዝበለና እምበር ምእንቲ ሕማቕ ቃል (ዘረባ) ኣይበለን።  ከምኡ እዩ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጻሒፉ ዘሎ። ዘይጠቅም ዘረባ ምዝራብ ኣብ ገለ ሃገራት ትርጉሙ ናይ ሓውኻ ማእሰርትን ሞትን ማለት እዩ። ንሓውኻ እተሞጕስ ቃል  ግድን ዘይተድሊ እንተ ዀይና መቕዘፍቲ እተስዕብ ክትከውን ትኽእል እያ። ንኣብነት ሓንቲ ሰብ ክትበጽሓካ  ትምጻእ ንበል፥ ንስኻ ብገርሂ- “ ዋይ ቅድሚ --- መጺእኪ ኔርኪ እንተ ትዀኒ ክንደይ ጽቡቕ ኔሩ! ሓው ወልደ-... እንድዩ ኣብዚ ጸኒሑ ሕጂ ቀቅድሜኺ ወጺኡ.....” ምስ እትብላ ኪስዕብ ዚኽእል ተኽእሎ ገምት። እታ በጻሒትካ ናይ ፖሊስ መጣዊት (ኣቐባሊት ሓበሬታ) ክትከውን እኰ ትኽእል እያ። ኣፍካ ዕጸዎ። ነዚ ድማ ሕጂ ተመሃሮ።

ፍቑዳት ሜላታት 

 

ምስጢራዊ ዕዮ ሜላታት ከይተጠቐምካ ከተዐውቶ ኣይከኣልንዩ። ሓንቲ ኣብ ሩስያ እተፈጸመት ጉዳይ እፈልጥ። እቶም ኮምዩኒስታውያን፡ ኣብ ገለ ቦታ ናይቲ ኸባቢ፡ ክርስቲያናት ይእከቡ እዮም ኢሎም ጠርጠሩ። እቲ ኣኼባ ኣብኡ ኣብቲ ኸባቢ ይካየድ ምህላዉ ፈሊጦም ነበሩ።  ሽዑ ሐደ ንእሽቶ ወዲ ናብ ሓንቲ ገዛ ገጹ ኪኸይድ ርእዮም ጠርጠርዎ። ሓደ ካብቶም ፖሊስ፡ ነቲ ወዲ ደው ኣበሎ እሞ፡ “ናበይ ትኸይድ ኣሎኻ?” በሎ። ሽዑ እቲ ወዲ ብሕዙን ኣዘራርባ። “ዓቢ ሓወይ ሞይቱንስ፡ ሎሚ ኩልና ቤተሰብ ኣብ ዝተረኸብናሉ ናቱ ለበዋ ክንበበልና ስለ ዝዀነ ናብኡ እኸይድ ኣለኹ”። እቲ ፖሊስ መኰነን ብዘረባ እቲ ወዲ ተተንኪፉ፡ መንኩቡ እናጠብጠበ “ኪድ በል፡” በሎ። እቲ ወዲ እተዛረቦ ሓሶት ኣይነበረን።

ሓደ ሓው ከኣ ናብ ፖሊስ ተወስደሞ፡ “ኣብ ኣኼባታትኩም ትእከብዶ ኣሎኻ ከም ቀደምካ?” ተባሂሉ ተሓተተ። “ብጻይ ካፕቴን፡ ናይ ጸሎት ኣኼባታት ድኣ ተኸልኪሉ እንድዩ።” ክብል መለሰ እቲ ሓው። እቲ ካፕቴን ከኣ፡ “እዚ ምፍላጥካ'ውን ጽቡቕ እዩ፥ ኣብ ግብሪ ጥራሕ ኣውዕሎ። ክትኸይድ ትኽእል ኢኻ፡ በል” በሎ። እዚ ሓው ካብ ናይ ጸሎት ሕብረት ከቋርጽ እየ ኣይበለን፡ ናብ ናይ ሕብረት ጸሎት ከም ዝኸይድ እውን ኣየተንብሀን።

ሓደ ልኡኽ ድምጺ ሰማእታት ሓደ ግዜ፡ ናብ ሓንቲ ኮምዩኒስት ሃገር ከደ። ኣብ ዶብ ምስ በጽሐ፡ “እንታይ መጻሕፍቱ ኢኻ ሒዝካዮ ዘሎኻ?” ተባሂሉ ተሓተተ። ንሱ ኸኣ፡ “እዚ ሒዘዮ ዘለኹስ ቃላት ናይ ሸክስፒርን ቃላት ናይ ያህዌን እዩ” ክብል መለሰ። እቲ ፖሊስ መኰነን  ድንቍርናኡ ኪፍለጥ ኣይደለየን። ያህዌ ሓደ ካልእ እንግሊዛዊ ገጣሚ ኪኸውን ይኽእልዩ፡ ኣይፈልጦንየ ምባል ከኣ ሕፍረት ከስዕበሉ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡-”ሕራይ፡ ሕራይ፥ ሕለፍ!” ኢሉ ኣሕለፎ። እዚኣቶም ፍቑዳት ሜላታት እዮም።

መልእኽቲ ዘለዉ ከም ጽውጽዋይ ንህጻናት ክንገሩ ጥራይ እንተ ድኣ ኾይኖም ንዓይ ኣየድልዩንን እዮም። መላእኽቲ ህያው ሓቂ እዮም፡ ነፍሲ ወከፍና ዝሕልወና መልኣኽ ኣሎና። ከምኡውን ክርስቲያናት ኣብ ዝእከቡሉ ዘበለ፡ ኣጋንንቲ እውን ኣለዉ። ንሕና እምበኣር ኣብ መንፈስ ቅዱስን ክንጽጋዕ ኣሎና። ስለዚ ንሓደ ኢዚሀራዊ መላኺ ሓቂ ክንነግሮ ኣይንግደድን ኢና። እንታይ ንገብር ከምዘሎና ክንነግሮ እውን ፈጺምና ኣይንግደድን። ንሱ ገዛእ ርእሱ ካብቲ ዘለዎ እከይ ሓሳባትን ክፉእ ዕላማን ተበጊሱ፡ ንዓይ ኪሓተኒ ስድነትዩ፡ ፍጹም ድርቅና!

 

“ክንደይ ዝኣክል ገንዘብ ኣብ ባንክ ኣሎካ?” ወይ ከኣ “ኣብ ወርሒ ክንደይ ደሞዝ ትወስድ?” ዝብል ሕቶ ብቐጥታ እንተ ዝቐርበልካ ድርቅና ወይ ስድነትዶ ኣይምበልካዮን? ከምዚኣቶም ዝበሉ ሕቶታት ኪሕተቱ ኣይግብኦምን እዩ። ንሓንቲ ጓል “ዓርኪ ኣሎኪ'ዶ ወይስ ኣይፋል? ምስ ወዲ ፍቕሪ ተታሒዝኪ ዲኺ ዘሎኺ ሕጂ?” እናበልካ ክትሓትታ ኣይግብኣካንዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገር እታ ጓል ክትምልሰልካ ኣይትደልን ትኸውን። ከምኡ ድማ እነ ብዛዕባኡ ክነግሮ እንተ ዘይደልየ ሓደ ሰብ ምጽእ ኢሉ ብዛዕባ ሃይማኖታዊ ተግባራተይ ጠዊቑ ኪሓተኒ ኣይግብኦን'ዩ። ኣብ ግላዊ ጉዳየይ ኢዱ ኣእትዩ ምንድልሓቅ ማለት እዩ ኪኸውን። እታ (ኣምላኽ ዘይብላ) ኢዚሄራዊት መንግስቲ ከምዚ ዝኣመሰሉ ሕቶታት ክትሓትት ዝኾነ መሰል የብላን ንሕና እውን ንሕቶታታ መልሲ ክንህበሎም ኣይግብኣናን ።

ኣብ መርመራ ናይ ፖሊስ ብዙሕ ዝዓይነቱ ሕቶታት እዮም ዝሓቱኻ። ሓደ ግዜ ኮምዩኒስታውያን ዝበሉኒ- “ንስኻ ክርስቲያን ኢኻ ፓስተር ድማ ኢኻ። እቲ ሓቂ ክትዛረብ እዩ ዝግብኣካ። እምበኣር ሕጂ ንገረና እስኪ መራሕቲ ናይታ ምስጢራዊት ማሕበር መነመን እዮም? ኣበይከ ኢኹም ትእከቡ? መንዩ እቲ ንዓኻ ዝረኽበካ? እቶም ኣብተን ዝተፈላለያ ከተማታት ዘለዉ መራሕቲኸ መነመን እዮም?” እናበሉ ኣጨነቑለይ። ኣነ ሽዑ ነቲ ሓቂ ገሊጸሎም እንተ ዝነብር ናይ ብዙሓት፥ ብግዲኦም እውን ካልእ ሓቂታት ከውጽኡ ዝኽእሉ ማእለያ ናይ ዘይብሎም ሰባት ማእሰርቲ ምተኸተለ ነይሩ። ነዚ ፈጺምና ክንምክቶ ይግባእ። ናይ ምምካትካ ውጽኢት መግረፍትን ስቅያትን እንተ መጺኡካ ንኹሉ ኣብ ርእስኻ ተቐበሎ ዋላውን ሞት ክትመውት እንተሎካ።

ቀደም ራግቢ ይጻወት ብምንባሩ ምኽንያት፡ ምስቲ ኣነ ክግረፍ ከሎኹ ሽዑ ዝቕንዘዎ ዝነበርኩ ዝዳረግ ቃንዛ-ስጋ እናተቐንዘወ ዝነብር ሓደ ህልዊ ፓስተር እፈልጥ። እግሩ ብዝወረዳ ጉድኣት ምኽንያት፡ ብርቱዕ ቃንዛ እያ ትገብረሉ። ንራግቢ ኢለ ክንድዚ ዚኣክል ቃንዛ ኣብ ኣካለይ ጾይረ፡ እቲ ቃንዛ ምስ ዚሓድገኒ ድማ፡ ካልእ ካብኡ ዝኸፍእ ሓደጋ ከጋጥመኒ ከም ዝኽእል እናፈለጥኩ፡ ተመሊሰ ክጻወት ዝርከብ ዓይነት ሰብ'የ። ስለዚ ምእንት'ቲ ንጥዕና ኣካላትን ምዝንጋዕን ዚሕግዝ ራግቢ ክንብል ኣካላዊ ስቅያት ኣብ ነብስና ከምንጸውር ርኢና። ልክዕ ብተመሳሳሊ መገዲ፡ ኣሕዋት ምእንቲ ከይእሰሩ ክትከላኸለሎም፡ ኣካላዊ ስቅያትን ቃንዛን ኣብ ስጋኻ ክትቅበል ክትዳሎ ኣሎካ። እቲ በዚ ምኽንያትዚ ኪወርደካ ዚኽእል ዝኸፍአ ሳዕቤን ኣብ ኢድ እቶም ኣሳቐይትኻ ሙማት እዩ። ሙማት ግን እቲ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኣዝዩ ባህርያዊ ዝኾነ ተርእዮ ምዃኑ ዘክር።

ሓደ ለማኒ ናብ ገዛ እንዳ ሓደ ሃብታም ሰብኣይ መጸሞ- “ዝድቅሰሉ ቦታ ስለዘይብለይ እንዶ ግዳ በጃኹም ኣብ ቤትኩም ንሓደ ለይቲ ኣሕድሩኒ!” እናበለ ለመነ። እቲ ሃብታም ዋና ገዛ “ካብዚ ርሓቕ ኣታ ለማኒ! እዚ እኰ ሆቴል ኣይኰነን” በሎ። ወዮ ድኻ ሰብኣይ ከኣ “ይቕሬታ ግበሩለይ እሞ ወሲኸ ክዛረብ” ድሕሪ ምባል ቀጺሉ “ቅድም ግዳ ሓንቲ ሕቶ እንተ ትምልሱለይ፥ እዚ ገዛኹም እንተ ርኤኽዎስ እንሆ ኣዝዩ ውቁብ ቤት እዩ። ንምዃኑ መንዩ ሰሪሕዎ?” ኪብል ሓተተ። ሽዑ እቲ ሃብታም ሰብኣይ ቍሩብ ከም ፍዅስ ኢሉ “እዚ ኣቦሓጎይ ዝሰርሖ ገዛ እዩ።” በሎ። “ኣቦ-ሓጎኹምከ ሕጂ ኣበይ ኣለዉ?” ኣልጊቡ ሓተተ እቲ ለማናይ። “ቅድሚ ነዊሕ ግዜ ሞይቱ”፥ “ድሕሪ ኣቦ-ሓጎኹምከ ነዚ ገዛ ዝተቐመጦ መን እዩ?” “ብድሕሪኡ ደኣ ኣቦይ!” “ንሶምከ ብሕይወትዶ ኣለዉ?” “ ኣይፋሉን ንሱ እውን እባ ሞይተ።”። “ ሕጂከ ደኣ መን ይቕመጦ እሎ እዚ ገዛ?” “ኣነ!” “ንስኹምከ ከምኦም ክትሞቱዶ ትዀኑ?” “እወ”። “ድሕሪ ሞትኩምከ እዚ ገዛ መን ኪቕመጦ እዩ?” “ብድሕረይ ደኣ ተስፋ እገብር ደቀይ ኪቕመጥዎ”። ሽዑ እቲ ለማናይ “ስለምንታይ ደኣ ትጭድሩለይ? እዚ ገዛ እዚ ሆቴል ኣይኰነን ክትብሉዶ ጸኒሕኩም ሓቀይ። በሉ እምብኣር ፍለጡ እዚ ገዛ እዚ ሆቴል እዩ። ንስኹም እውን ኣቕሑትኩም ጠርንፉ፥ እዚ ገዛ ካልእ ሰብ ይመጾ ኣሎ” ብማለት እታ ሓቂ ክሳዕ ትስቕጥጦ ኣስምዖ። መዋቲ ምዃንካ እምበኣር እሙር እዩ፥ ኣይተርፈካ ኣይተምልጠሉ። ስለዚ ንሞት ከም ናይ ህይወት መደብ ጌርካ ሓዞ። እግዚኣብሄር ሎሚ ክመውት እንተ ደልዩኒ መሳቐዪ ኣይደልየለይን እዩ። ብዘይ መሳቐዪ ብድኻም ልቢ ክወስደኒ ይኽእልዩ። ስለዚ እቲ መሰቀዪ ንዕድመይ ብሓንቲ መዓልቲ እውን ከሕጽራ እይክእልንዩ። ብመንጽር'ዚ እውን እቲ ብሉጽ ዝበሃል ቤት መግቢ ምስ እቲ ኢድካ ዘቖርጥም ምቁር መግቡ ንዕድመይ ብሓንቲ መዓልቲ እውን ከንውሖ ኣይክእልን። ኣነ ብኣምላኸይ ምስ ተጸዋዕኩ ጥራይ እየ ዝመውት።

ምክሕሓድ ዝመልኦ ባእሲ

 

ኣብ ምስጢራዊት ቤተ ክርስቲያን፡ እታ ዝደቐቐት ባእሲ፡ ቈዮቛ እውን ትኹን፡ ብፍጹም ኣይትፍቀድን እያ። ኣብ ምስጢራዊ ቤተ ክርስቲያን ነፍሲ ወከፍ ባእሲ ክትትመን እንከላ ማእሰርቲ፡ መግረፍቲ፡ ምናልባትውን ሞት ማለት እያ። እቶም መቓናቕንትና ይዕዘቡን ይጥምቱን እዮም ዘለዉ። ኣብታ ምስጢራዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተኸልዎም ኣቐበልቲ ምስጢር ኣለዉዎም። ባእሲ ኣብ ዘለዎ ዘበለ ሓድሕዳዊ ምውንጅጃል ክህሉ ግድነት እዩ። ንኣብነት ሓደ ሰብ ነቲ መቛይቝቱ፡ “ምስ ሓው ስሚዝ ከሎኻ፡ ከምዚ እንዲኻ ዝገበርካ፡ ወዘተ...” እንተድኣ ኢልዎ፡ እዛ ዘረባ ትበጽሖም እሞ ፖሊስ ኸኣ ንስሚዝ ኣየውዕልዎ ኣየሕድርዎ።

ባእስታት ኩሉ ግዜ ኣስማት ንደገ ኣውጺኦም የቃልዑ፡ ከምኡውን ሓቅታትን ምስጢራትን ኣውጺኦም ይዘርዉ። እዚ ስለ ዝኾነ ኸኣ እቲ ህያው ቃል፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸምዚ ተጻሒፉ ንረኽቦ፡- “ባርያ እግዚኣብሄር ንኹሉ ... ዕጉስ ኪኸውን እምበር ኪብኣስ ኣይግብኦን” (2ይ ጢሞ 2፡24)። ኣነ ኣብ ሞንጎ ክልተ ሕብረታት ብርቱዕ ባእሲ እተራእየላ ኣብ ሮማንያ እትርከብ ከተማ እፈልጥ። እቶም ሓደ ሕብረት ባፕቲስት እዮም፡ እቶም ሓደ ኸኣ ኤክስክሉሲቭ ብረዝረን ይበሃሉ። እቲ ባእሶም ብርቱዕ ስለ ዝነበረ ናይ ክልቲኦም ሕብረታት መራሕቲ ክሳዕ ዚእሰርሉ ደረጃ በጽሔ።

ቅዱስ ንምዃን ካብ ሎሚ ምጅማር ይሓይሽ። ናብ ገነት ምስ ከድካ ክትቅደስ ክትጅምር እንተ ዄንካ ክትድንጕ ኢኻ። ከመይ ከም ትጅምሮ እውን ኪሕርብተካ እዩ። ስለዚ እምበኣር፡ ምናልባሽ ድቦላ እንተ ወረደካ እውን ዘይምቍያቝ ክትመርጽ ስለ ዝሓይሽ፡ ንዓኻ እቲ ዝበለጸ ነገር ሕጂ ዘይምብኣስ እዩ።

ዘሕዝንዩ ኣብዚ ግዜ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደገኛ ኵነታት ኰይነን ዚዓያ ብዙሓት ውድባት፡ ብዙሕ ባእሲ ይርአ ኣሎ። ብዝተኻእለ መጠን እዞም ባእስታት እዚኣቶም ክውገዱ ኣለዎም። ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ቤተሰብ ዘጋጥም እውን ይኹን፡ ባእሲ ማለት ሞት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሓደ ግዜ ምሳይ ተኣሲሮም ካብ ዝነበሩ ሓደ፡ ሓንቲ ዓርኪ ዝነበረቶ ሰብኣይ እዝክር። ኣብ ንእስነት ከም ዘጋጥም፡ ንሓንቲ ካልእ ጓል ሓለፋ እዛ ሕጂ ምስኡ ጸኒዓ ዘላ ዓርኩ ንቑሩብ ግዜ ይቐርባ ከም ዝነበረ ይፍለጥ። ሕሉፍ ሓሊፉ ዝተፈላለየ ምስጢራት ይነግራ ነበረ፡ ንሳ ኸኣ ንጸጥታዊ ስለያ ፖሊስ ነገረትሉ። በዚ ድማ ንሕልፈት ማእሰርቲ ተፈርደ። ኣብ ማእሰርቲ እንከሎ ኣእምሮኡ ዘምቢሉ ኣብ ጽላለ ወደቐ።

ንምስጢራዊ ኣገልግሎት ዝግበር ምድላው፡ መሰረት ናይቲ ተራ ክርስትያን ዓያዪ ንምፍራይ ዝግበር ጻዕሪ ኢዩ። ፍልልዩ እቲ ንምስጢራዊ ዓያዪ ዝግበር ምድላው ዝያዳ ዕሙቕ ዝበለን፡ ልክዕ ከም ኣካል ናይ ናብራኻ ህያው ዀይኑ ከም ዚቐርብ ስለ ዝተገብረ እዩ። ኣብ ገለ ሃገራት ኸኣ ብዙሓት ብባእሲ ክልተ ፓስተራት ወይ ክልተ ሽማግለታት ምኽንያት ዝተገማምዓን ዝፈረሳን ሕብረታት እፈልጥ። እዚ ኣብ ኩሉ ዝርአ እኳ እንተዀነ፡ ብፍላይ ጨቋኒ መንግስቲ ኣብ ዘለዋ ሃገር ትርጕሙ ማእሰርቲ ምናልባትውን ሞት እዩ።

 

 

 

ንሕጽበተ-ሓንጐል (brain washing) ምምካት፥

 

ብዘይካ ኣካላዊ ስቅያት፡ ሕጽበተ-ሓንጐል'ውን ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ዝበሃሉ ብልሓታት ናይ ምስቃይ እዩ። ንሕጽበተ-ሓንጐል ከመይ ጌርና ከም ንምክቶ ክንፈልጥ ይግብኣና እዩ። ሕጽበተ-ሓንጐል ኣብ ምዕራብ ሃገራት እውን ኣሎ። ጋዜጣታትን ረድዮን ተለቪዥንን ኣብ ልዕሌና ሕጽበተ-ሓንጐል ምክያድ እዩ ዕላማኦም። ንኣብነት ኮካ ኮላ ንምስታይ ዝድርኽ ምንም ምኽንያት የልቦን። ኣብ ልዕሌኻ ብዝተኻየደ ምሕጻብ ሓንጐል ምኽንያት ጥራይ ኢኻ እትሰትዮ። ብርግጽ፡ ካብ ኮካ ኮላ ምስታይ፡ ጽሩይ ማይ ምስታይ ይሓይሽ። እንተዀነ ንማይ “ማይ ስተዩ! ማይ ስተዩ!” እናበለ ረክላም ዝገብረሉ ሰብ የልቦን። ንማይ ሬክላም ይግበረሉ ኔሩ እንተ ዝኸውን ኩልና ዋጋ ከፊልና ምሰተናዮ።

ገሊኦም ግና ነዚ ናይ ሕጽበተ-ሓንጐል ሜላ መጢጦም ናብ ዝለዓለ ጫፉ ኣደይቦሞ እዮም። ኣገባባቱ ይፈላለ ይኸውን፡ ኣብቲ ተኣሲረሉ ዝነበርኩ ሮማንያዊ ቤት ማእሰርቲ ዝጥቀሙሉ ሜላ ሕጽበተ-ሓንጐል ግን፡ ነዞም ዚስዕቡ መሰረታውያን ነገራት ዘጠቓለለ እዩ። ኣብ መጸግዒ ዘይብሉ ርቦ (ጸፊሕ ዕንጸይቲ) ንዓሰርተ ሾብዓተ ሰዓታት ኮፍ ክንብልን፡ ኣዒንትና ከይከደንና ቀባሕባሕ ከነብለንን ብጥብቂ ምቍጽጻር የገድዱና። በብመዓልቱ ንዓሰርተ ሾብዓተ ሰዓታት፡ “ኮምዩኒዝም ጽቡቕ እዩ! ኮምዩኒዝም ጽቡቕ እዩ! ኮምዩኒዝም ጽቡቕ እዩ! ክርስትና ሞይቱ እዩ! ክርስትና ሞይቱ እዩ!” ዝብል ዘየቋርጽ ጭርሖታት ክንሰምዕ ንግደድ። እዚ ድሕሪ ሓደ ደቒቕ ዝስልቹ ነገር እዩ፡ እንተኾነ ኣብ መዓልቲ ንዓሰርተ ሾብዓተ ሰዓታት፡ ከምኡ ኢሉ ኸኣ ንሰሙናት፡ ንኣዋርሕ ንዓመታት፡ ኪሕ ኢሉና እንከሎ፡ ብዘይ ምቍራጽ ክንሰምዖ ንግደድ። እዚ ንዝኾነ ሰብ ቀሊል ከም ዘይኰነ ከረጋግጸልኩም እደሊ። ካብ ኩሉ ዓይነታት ስቅያታት እዚ እቲ ዝመረረ፡ ካብ ኣካላዊ ስቅያት'ውን ኣዝዩ ዝኸፍአ እዩ። እንተኾነ ኣብ ክርስቶስ ግዜ ዝበሃል ነገር ስለ ዘየልቦ ንኹሉ'ዚ ነገርዚ ኣቐዲሙ ርእይዎ ነበረ። እቲ ዝመጽእ፡ እቲ ዝሓለፈ፡ እቲ ህሉው ዘሎ ኩሉ፡ ንጐይታ ሓደን ዘይልወጥን እዩ። ንሱ ንኹሉ ጌና ካብ መጀመርትኡ እዩ ዝፈልጦ።

ደናጕላ ኣብ ኢዶም ሒዞም፡ ነቲ ናይ ክርስቶስ ናይ ፈለማ ሰማእት ዝኾነ እስጢፋኖስ ክቐትልዎ ዝህንደዱ ኣማእት ሰብኡት ከቢቦሞ ነበሩ። ንሱ ግና፡ “እርኢ ኣሎኹ.....” በለ። ሽዑ ምናልባት በዓልቲ ቤት እስጢፋኖስ፡ ነቲ ኣብ ልዕሌኡ ኣንጠልጢሉ ዘሎ ሓደጋ ርእይዎ ኣሎ እሞ ሕጅስ ግዲ ሃዲሙ የምልጥ ይኸውን ኢላ ከይሓሰበት ኣይተረፈትን ትኸውን።  ንሱ ግን፡ “ኣነ ንየሱስ ኣብ የማን ዝፋን ግርማ እርእዮ ኣለኹ” እዩ ዝበለ። ምናልባት ሽዑ ሰበይቱ መሊሳ፡ (ኣይተመዝገበን)፡ “ዶ'ምበር ትርእዮም ኣሎኻ? ነዞም በእማን ክቕጥቅጡኻ ዝዳፍኡ ዘለዉ ጭፍራ፡ ርኢኻዮም ዲኻ?” ኢላ ክትከውን ትኽእል።  “ምርኣይ ድኣ... ደቀቕቲ ጻጸ ዝመስሉስ እወ ኣብቲ ታሕቲ እርኢ ኣሎኹ፥ እንታይ እሞ ክርእየሎም! የዒንተይስ ናብቲ ብርሃን ክብሪ ድኣ እየን ተተኺለን፡... ንየሱስ ምርኣይ ኮይኑለን...  ክበር ጐይታ ክብሪ! ኣሜን ክበር!...”። መንፈስ እስጢፋኖስ ብመንፈስ ቅዱስ ኣብ ሰማያት ኣብ ቅድሚ ዙፋን ክብሪ እዩ ዝነበረ። ነቶም ኪቐትልዎ ዝህንደዱ ዝነበሩ ግልጽ ኢሉ ኪርእዮም እኳ ኣይተገደሰን። እቶም ንጹሃት ልቢ ብጹኣን እዮም።

ኣነ ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ብሕጽበተ-ሓንጐል ተሳቕየ ሓሊፈ እየ። እቶም ኮምዩኒስታውያን ግን በዚ ምስ ኣሕለፉኒ፡ ሓንጐለይ ጌና ብረሳሑ ከም ዝተረፈ ከይጠቐሱ ኣይተረፉን። ልክዕ በቲ ንሳቶም፡- “ክርስትና ሞይቱ እዩ!” እናበሉ ዝደጋግምሉ ዝነበሩ ረምታ፡ ኣነን ካልኦት ምሳይ ዝነበሩን ከኣ “ክርስቶስ'ውን እኰ ሞይቱ ነይሩ እዩ! ክርስቶስ'ውን እኰ ሞይቱ ነይሩ እዩ! “ እናበልና ንርእስና ንደጋግመላ ነበርና። የሱስ ካብ ምዉታት ከም ዝተንስኤ ድማ ወዮ ፈሊጥናስ ኣሚንናዮ ዘሎና ሓቂ እዩ። እቲ ኵነታት እቲ፡ ንሕና ኣብ ሕብረት ቅዱሳን ንነብር ከም ዝነበርና ዝተረዳእናሉ ኣጋጣሚ እዩ ነይሩ።    

መብዝሕትኡ ግዜ ንዓና ከም ዝመስለና፡ እቶም ናብ ጐይታ ዝኸዱ፡ ኣብ ከባቢ እቲ ከዋኽብቲ ዘለውዎ ላዕለዋይ ሰማያት ኣቢሎም ምህላዎም ኢና ንግምት። መጽሓፍ ቅዱስና ግን ኣበይ ከም ዘለዉ ኣነጺሩ እዩ ዝነግረና “...ንሕና ድማ ብኽንድ'ዚ ዚኣክል ደበና ምስክር ተኸቢብና ኣሎና...”(እብራውያን 12፡1)። ኣብ ሞንጎ ከዋኽብቲ ዘቐምጥ እንታይ ኣለዎም? ንሳቶምሲ ኣብዚ ኣብ መንጐ እቶም ሓቀኛ ተጋደልትን ተቐበልቲ መከራን ደኣ እዮም ዝነብሩ ዘለዉ። ኣብ መንፈሳዊ ዓለም፡ ኣብዚ፡ ወይ ከኣ ኣብቲ ዝብሃል ነገር የልቦን። ንቦታን ግዜን ዝትንክዩ ኣምራት ወይ ሓሳባት፡ ኣብቲ ናይ መንፈስ ዓለም ኣይፍለጡን እዮም። ንሕና ኣብ መካበብያ ቤት ማሕቡስ ተሓጺርና እኳ እንተሎና  ንሳቶም ግን ንኹሉ ዙርያና መሊኦሞ እዮም ዘለዉ። ክንዲ ዝኾነ ድማ ናይ ኩሉ ዘመናት ቅዱሳን ህልውና ይስመዓና ነበረ። ኣነ ብግለይ ናይ ማርያም መግደላዊት ህልውና ፍሉይ ስምዒት ይስምዓኒ ነይሩ።

ኣብቲ ብናይ ሕጽበተ-ሓንጐል ስቅያት መስርሕ ዝሓልፈሉ ዝነበርኩ እዋን፡ ከምዚ ኢለ እሓስብ ነበርኩ፡-” እንታይ እዮም ዝብሉኒ ዘለዉ፥ ክርስትና ሞይቱ? ሓቆም ነይሮም እንተ ዝዀኑኸ? ሙማት ክርስትና ዘምጽኦ ፍልልይ እንታይ ምዀነ? ኣብዛ ዓለም ብምልእታ ብዘይካይ ሓደ'ኳ ክርስትያን እንተ ዘይህሉ፡ ንዓይ እንታይ ፍልልይ የምጽኣለይ? ማርያም መግደላዊት እኰ ንክርስቶስ ሱቕ ኢላ እያ ዘፍቀረቶ። ክርስቶስ እንተ ሞተ፡ ነቲ ዝሞተ ክርስቶስ ሱቕ ኢላ (ብዘይ ምምታእ) ኣፍቀረቶ። ኣብ ጥቓ መቓብር ናይ'ቲ ንሽዑኡ ሓንቲ እኳ ኺገብረላ ዘይክእል፡ ዝሞተ የሱስ ተቐሚጣ ምኻድ ኣበየት። ሓንቲ ኣጻብዕ'ኳ ኣልዒሉ ክሕግዛ ኣይክእልንዩ ነይሩ ሽዑ፡ ተኣምራት ኪገብረላ እውን እይክእልንዩ። ሓንቲ ንጣብ ንብዓት ኪደርዘላ --- ኮታ ምንም ኪገብረላ ኣይክእልንዩ ነይሩ። ግና ንሱ እቲ መድሓኒ እዩ!። ስለዚ ሕጂ ሞይቱ እንተበልኩምኒ እሞ እንታይ እዩ ንዓይ? ዋላ እንተ ሞተ እውን ልክዕ ከምቲ ብህይወቱ እንከሎ ኤፍቅሮ እየ። ቤተ ክርስትያን ብምልእታ ሞይታ ወይ ከኣ እምነታ ኣጥፊኣ እንተ ትርከብ፡ ኣነ እምነተይ ንኸጥፍእ ክንዲ ቅንጣብ ምኽንያት ኪዀነኒ ኣይክእልንዩ”። 

እምበኣርከስ ዜርና ዜርና ኵልና ኣብ ሓደ ናይ እምነት ርግጽነት ክንበጽሕ ይግብኣና እዩ። ከምቲ ዝበልኩኹም፡ ኣብ ቋንቋ እብራይስጥ “ምጥርጣር” ዝብሃል ቃል የልቦን። እዚ ቃል'ዚ ኣብ ብሉይ ኪዳን እውን ኣይተጠቕሰን። ካልእ ኣብ ቋንቋ እብራይስጥ ዘየሎ ቃል ከኣ ክነግረኩም። መራሕቲ ዓለማዊ ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስቲያናት ብዙሕ ግዜ በዚ ጉዳይ እዚ ኪወቕሱኒ ተሰሚዖም ኣለዉ። ንሳቶም፡ “ዉርምብራንድ ነቲ ድሕሪ መጋረጃ ሓጺን  ዘሎ ኵነታት ኪገልጾ እንከሎ ብጻዕዳን ጸሊምን ጌሩ እዩ ዘቐምጦ። እቲ ሓቂ ግና ከምኡ ኣይኰነን። ካልእ ኣብቲ ሞንጎ፡ ግራጫ  ዝዀነ ሕብሪ እውን ኣሎ” ይብሉ። መልሰይ ንዓኣቶም ድማ፡ “ኣብ ሓድሽ ኪዳን ብምሉኡ “ግራጫ” ዝብል ቃል እንተ ድኣ አርእዮምኒ ነዚ ዝብልዎ ዘለዉ ክቕበሎ ይኽእልየ” ዝብልዩ። ብዙሓት ሕብርታት ኣብ ሓድሽ ኪዳን ተጠቒሶም ንረክብ ኢና፥ ሕውስዋስ ዝኾነ ሕብሪ----”ግራጫ” ዝበሃል ግን የልቦን። ሓደ ነገር፡ ወይ ሓቂ እዩ፡ ወይ ኸኣ ሓቂ ኣይኰነን፥ ወይ ቅኑዕ እዩ፡ ወይ ኸኣ ግጉይ እዩ። እወ፡ ወይ ጻዕዳ እዩ፡ ወይ ኸኣ ጸሊም እዩ። ወይ ምስ ዓለም ክትከይድ ኣሎካ፡ ወይ ምስ ክርስቶስ ክትከይድ ኣሎካ። ስለ'ዚ ሓድሽ ኪዳን ይኹን ቋንቋ እብራይስጥ “ምጥርጣር “ ዝበሃል ቃል የብሎምን። ብዛዕባ እዞም ናይ እምነት ሕቶታት እዚኦም ዝህልወና ርግጽነት እምበኣር ልክዕ ከምቲ ብዛዕባ ኣብ ናይ ምድማር ወይ ናይ ምርባሕ ሰሌዳ ዘሎና ርግጽነት ኪኸውን ይግብኦ። ክልተ ተደመሮ ክልተ ይኸውን ኣርባዕተ። እዚ ሓቂ እዩ። ቤተሰበይ ብህይወት እንተ ኣለዉ ወይ ከኣ እንተ ተቐትሉ፡ ኣነ እንተ ርሃወኒ ወይ ከኣ እንተ ጠመኹ፥ ሓራ እንተ ወጻእኩ ወይ ከኣ እንተ ተኣሰርኩ፥ እንተ ተገረፍኩ ወይ ከኣ እንተ ተሰዓምኩ፡ ናይ ስነ-ቝጽሪ ሓቅነት ኣይልወጥንዩ። ክልተ ተደመሮ ክልተ ስዕመታት፡ ኣርባዕተ ስዕመታት እዩ ዝኸውን፡ ከምኡ'ውን ክልተ ተደመሮ ክልተ ማህረምትታት፡ ኣርባዕተ ማህረትታት ይኸውን።

ከምቲ ናይ ማርያም መግደላዊት ብዝኣመሰለ ኣብ ሓቅን ፍቕርን ዝነበራ ርግጽነት እምበኣር፡ ንኹሉ ስቅያት ናይ ሕጽበተ-ሓንጐል ክትምክቶ የኽእለካ እዩ።

ንርእሰይ ከም ጅግና ጌረ ከርእያ ኣይደልይን እየ። ኣነ ከም ኩሎም ሰባት ሓደ ሰብ እየ። ከም ሰብ ድማ ናተይ ጉድለታትን ድኽመታትን ኣለዉኒ። ስለ'ዚ ድማ ኣብ እዋን ድኻምና ንሓድሕድና ምእንቲ ክንጸናናዕ ከም ቤተ ክርስቲያን ቌምና ንነብር ኣሎና። ኣብ ትሕቲ ከምቲ ዝኣመሰለ መሪር መጽቀጥቲ እንከሎኹ ሓደ ግዜ፡ ንሓደ ጥቓይ ዝነበረ ፕረስቢተርያን ኣገልጋልን ንፉዕ ክርስትያንን ዝኾነ ሓው፡ ከምዚ እናበልኩ ሕሽዅ በልኩዎ፡ “እምነተይ እምበር ኣጥፊአያ እመስለኒ! ፈጺማ ዘየላ ኰይኑ ይስምዓኒ ኣሎ። እንድዒ!.. ሕጂ ኣብዛ ግዜ እዚኣ፡ ኣነ ኣማኒ እየ ዘሎኹ ክብል ኣይክክእልንየ”። ሽዑ ንሱ ፍሽኽ እናበለ ክሓተኒ ጀመረ፡ “ንምዃኑኸ ኣሚንካ'ዶ ትፈልጥ ኢኻ?” ኪብል ሓተተኒ። “ከመይ ድኣ ዘይኣምን! ኣጸቢቐ እምበር ይኣምን ነይረ!” መለስኩሉ ኣነ። እቲ ሓው ፍሽኽታኡ ካብ ገጹ ከይተኣልየት፡ “እምበኣር ሓንቲ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ዘክር። ድንግል ማርያም ናብ ኤልሳቤጥ ምስ መጽኤት፡ ኤልሳቤጥ ንማርያም፡ “እታ ዝኣመነት ብጽእቲ እያ' ዝበለታ። ብዛዕባ ናይ ዝሓለፈ ግዜ ... ዝኣመነቶ.... እያ ትዛረብ ዘላ። እምበኣር ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ትኣምን እንተድኣ ኔርካ ንስኻ'ውን ብጹእ ኢኻ። ሕጂ ኣብዚ በረኸት'ዚ ንበር” እናበለ ተዛረበኒ። እዞም ቃላት እዚኣቶም ኣብቲ ግዜ'ቲ ንዓይ ዝነበሮም ትርጉም ብሓቂ ክገልጸልኩም የሸግረኒ። እቲ ስነ-መለኰቱ ክሳዕ ክንደይ ጥዑይ ከም ዝኾነ እኳ ኣይፈልጥን፥ ግን ኣብቲ ግዜ'ቲ ንስነ-መለኰት ተደጊፍና ኣይኰናን ንነብር ዝነበርና። ኣብ ዝኽሪ ናይ ሕሉፍ ተመክሮታትና ተደጊፍና ኢና ንጐዓዝ ዝነበርና። መጽሓፍ ቅዱስ እውን፡ ብተመሳሳሊ ሓሳብ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ክንባርኾ፥ ንዝሓለፉ በረኸታቱ ድማ ከይንርስዕ ይምህረና። ነብስኻ ብኸውታ ጸልማት ኣብ ትሓልፈላ ሰዓት እውን እንተ ዀነ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ዝተባረኽካዮ ኣጸቢቕካ ዘክሮ።

 

ንጽምዋ ምስዓር

ሓደ ካብቲ ንሓደ ምስጢራዊ ተጋዳላይ ዘጋጥምዎ ዓበይቲ ጸገማት ንጽምዋኡ ከመይ ጌሩ ክሽፍኖ ከም ዝኽእል ምፍላጥ እዩ። ንሕና ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ እንከሎና መጻሕፍቲ ዝበሃል ነገር ርኢና ኣይንፈልጥን። መጽሓፍ ቅዱስ ኣይነበረናን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ዝዀነት ዓይነት መጽሓፍ ወይ ቍራጽ ወረቐት ወይ ርሳስ መሳሊ ነገር እውን ከይንሕዝ ክልኩል እዩ። ድምጺ ክንሰምዕ ብፍጹም ኣይፍቀደልናንዩ፡ ንኣቓልቦና ክሕዝ ወይ ክስሕብ ዝኽእል ዘበለ ካብ ከባቢና ርሒቑ እዩ፡ ካብ ኩሉ ሕሩማት ኢና። ነቲ መንደቕ ጥራይ ንርእዮ፡ በቃ ንሱ እዩ። ብንቡር ሚዛን ኪርአ እንከሎ፡ ኣብ ከምዚ ዝበለ ቀይዲ ዝኣተወ ኣእምሮ፡ ቀጥታ እዩ ዝቕውስ። ንህይወት ቤት ማእሰርቲ ዝድህስሱ ዓበይቲ መጻሕፍቲ፡ (ከም ፓፒሎንን ካልኦት ንስቡሕ ንባብ ናይቲ መጻኢ ምስጢራዊ ኣገልጋሊ ንምዃን ዝሸባሸብ ሰብ ዝበቕዑ መጻሕፍቲን) ብምንባብ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንዘሎ ሃዋህው ልክዕ ከምቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ሰብ ብዝርዝር ዝፈልጦ ንስኻ እውን ክትፈልጦ ይግብኣካ። ንኣእምሮ ዘሳግል ምንም ነገር ኣብ ዘይብሉ፡ ንዓመታት ንበይንኻ ምንባር ንባዕሉ ናብ ጽላለ ዘምርሕ ሓደገኛ ጽልዋ ከም ዘለዎ ኪበርሃልካ እዩ። ካብ ናተይ ተሞክሮ፡ ከመይ ጌረ ንርእሰይ ካብ ምጽላል ከም እተኸላኸልኩላ ከካፍለካ እየ፡ እዚ ግን ሕጂ እውን ኣቐዲምካ መንፈሳዊ ልምምድ ብምግባር ንነብስኻ ምድላው ከም ዝሓተካ ክፍለጥ ኣለዎ። ንኽንደይ ዝኣክል ግዜ፡ ብዘይ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እሞ ድማ በይንኻ ኣብ ጽምዋ ክትነብር ትኽእል? ክሳዕ ክንደይከ፡ ረድዮ ወይ ተለቪዝን ከይወላዕካ ምስ ነብስኻ እናተዘናጋዕካ ክትጸንሕ ትኽእል? ወዘተ...

ኣነን ካልኦት ብዙሓት እሱራትን ንገብሮ ዝነበርና ከዘንትወልካ። ብግዜ ለይቲ ፈጺምና ኣይንድቅስን ኢና። ብግዜ መዓልቲ ኢና ንድቅስ። ሓንቲ መዝሙር ፡ “እንሆ ኣቱም ብለይቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር እትቖሙ ኩሉኹም ባሮት እግዚኣብሄር፡ ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ” (መዝ 134፡1) ትብል ትዝክራ ኢኻ። ሓንቲ ናይ ለይቲ ጸሎት ካብ ዓሰርተ ናይ ግዜ መዓልቲ ጸሎታት ትበልጽ። ኩሎም ዓበይቲ ሓጢኣታትን ገበናትን ብለይቲ እዮም ዝፍጸሙ። ናይ ለይቲ ታሪኽ ማለት ናይ ዓበይቲ ዘረፋታት፡ ስኽራናት፡ ዳንኬራታት፡ ኰታ ናይ ኩሉ ሓጢኣት ህይወት ታሪኽ ማለት እዩ። ብመዓልቲ፡ ኩሉ ሰብ ኣብ ፋብሪካ፡ ኣብ ኮለጅ፡ ወይ ከኣ ኣብ ካልእ ናይ ስራሕ ቦታታት ኪሰርሕ እዩ ዝውዕል። እቶም ናይ ኣጋንንቲ ሓይልታት፡ ሓይልታት ናይ ለይቲ እዮም፥ ስለዝዀኑ ድማ ብግዜ ለይቲ ምምካቶምን ምውግኦምን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ኣብዚ፡ ዋዜማታት ምንቃሕ  ጠቐምቲ ምዃኖም ንርኢ። ዋዜማታት ምንቃሕ ኣብ ምዕራብ ዳርጋ ኣይፍለጡን እዮም። ኣብ ሃገረይ፡ ዋላ ቅድሚ ኮምዩኒስታውያን ስልጣን ምሓዞም፡ ዋዜማታት ምንቃሕ ነይሮምና እዮም። ምሉእ ለይቲ ብጸሎት ነቒሕና ኢና ንሓደር። ናእሽቱ ደቂ ሰለስተ ኣርባዕተ ዓመት ህጻናት ደቅና፡ ንሕና ክንጽሊ ከሎና ንእሽቶ ምሳና ይጽልዩ እሞ ነገር ቆልዓ ናብ (ጸወታ) ምድግዳጎም ይኣትዉ። ጸኒሕና እውን ንገንሖም እሞ ተመሊሶም ንእሽቶ ምስ ጸለዩ ኣብ ትሕቲ ገለ ጠረጴዛ ትኻስ ጠሊምዎም ደቂሶም የውግሕዎ። ብኸምዚ ኸኣ እዮም ኣብ ናይ ዋዜማ ምንቃሕ  ልምዲ ዝዓብዩ።

ኣብ ጽሙው ማሕቡስ፡ እቶም ካልኦት እሱራት ክድቅሱ ኪጅምሩ ከለዉ፡ ንሕና ንበራበር ነበርና። ነታ ለይቲ ክንትግብሮ'ኳ ክሳዕ ዘይንኽእል ብብዙሕ ፕሮግራማት ንመልኣ። መጀመርያ ብጸሎት ---ንምልእቲ ዓለም ብእንዞረሉ ጸሎት፡--- ኢና ንኸፍቶ። ንነፍሲ ወከፍ ሃገር፡ ማለት ኣብ ውሽጣ ኣስማቱ ንእንፈልጦ ዘበለ ከተማን ሰብን ንጽልየሉ፥ ንዓበይቲ ሰበኽቲ እውን ከምኡ ንጽለየሎም። ነዚ ከነጠቓልል ካብ ሓደ ክሳዕ ክልተ ሰዓት ንውድእ። ብድሕሪ'ዚ፡ ንፓይሎታትን፡ ኣብ ባሕሪ ንዘለዉን ከምኡ'ውን ኣብ ቤት ማእሰቲ ንዘለዉን ንጽሊ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ሸላታት ቤት ማእሰርቲ እውን ከይተረፈ፡ ኪህልወና ብዛዕባ ዚኽእል ዓቢ ሓጎስ ከምዚ እናበለ ይምህረና፡ “ምስቶም ዚሕጐሱ፡ ተሓጐሱ...”(ሮሜ 12፡15)። ኣብ ሓደ ስፍራ ዝነብሩ፡ ምስ ደቆም ተኣኻኺቦም መጽሓፍ ቅዱስ ንምንባብን፡ ኣብ ሓድሕዶም ዋዛታት ብምንግጋርን ናይ ሓጐስ ግዜኦም ዘሕልፉ ደስደስ ዘለዎም ስድራ እናሓሰብኩ ብእኦም ኣዝየ እሕጐስ። ኣብ ገሊኡ እዋን ድማ፡ ሓደ ወዲ ምስ ዘፍቅራ ሕጽይቱ ብዛዕባ መርዕኦም ብሃንቀውታ ተመሊኦም ኪላዘቡ ከለዉ እናሓሰብኩ፡ ስሌኦም እሕጐስ። ኣብ ካልእ ድማ ናይ ጸሎት ኣኼባ ዝጸንሖም፡ ወይ ኣብ መጽናዕቲ ዘሎ ሓደ ሓው፡ ወይ እውን ጥዑም ድራር ምስ ግሩም ምስክርነት ዝተጋበዘ ካልእ ኣማኒ፡ ወዘተ.... እናሓሰብና፡ ምስ ኩሎም እዞም ዝተሓጐሱ፡ ክንሕጐስ ንኽእል ኢና። ከምዚ ኢለ ንዓለም ብጸሎት ምስ ኰለልኩዋ፡ ካብ ዝሸምደድክዎ ቃል ኣምላኽ ፍሉይ ክፍሊ መሪጸ ብቓለይ ብምውጻእ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምንባብ መደበይ አሰላስል። እዚ ንሓደ ምስጢራዊ ኣገልጋሊ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ምሽምዳድ ኽሳዕ ክንደይ ጠቓምን ኣገዳሲን ምዃኑ ዘራጋግጽ ኣብነት እዩ።

ሕጂ ድማ ንመስሓቒ ኪኾነና፡ ብዛዕባ ሓደ ዘጋጠመኒ ፍጻሜ ከዕልለኩም። ሓደ ግዜ ኣብተን ከም መደቀስየይ ዘገልግላ ዝነበራ ሒደት ጸፋሕቲ ዕንጸይቲ ተጋዲመ፡ ሸምዲደዮ ንዝነበርኩ ኣብ ወንጌል ሉቃስ ሰፊሩ ንዘሎ ናይ ከረን ስብከት ዓው ኢለ ብቓለይ እወጾ (አንብቦ) ነበርኩ። ኣብቲ “ብምኽንያት ወዲ ሰብ ሰባት እንተ ጸልኡኹም፡ እንተ ፈለዩኹም፡ እንተ ጸረፉኹም፡ ሽምኩም'ውን እንተ ኣነወርዎ ብጹኣን ኢኹም።......ሽዑ በታ መዓልቲ እቲኣ ባህ ይበልኩም፡ ብሓጐስ'ውን ተሰራሰሩ” ዚብል በጻሕኩ (ሉቃስ፡6፡22,23 ሓድሽ ትርጉም)። እቲ ቓል ልክዕ ከምኡ ተጻሒፉ ምንባሩ እናተደነቕኩ ዘከርኩ። በልኩ ከኣ፡- “ከመይ ኢለ እየ፡ ክንዲ'ዚ ዝኣክል ሸለል ናይ ምባል ሓጢኣት ዝፈጸምኩ። ክርስቶስ ክልተ ዝተፈላለያ ነገራት ክንገብር  እዩ ዝኣዘዘና። እታ ሓንቲ፡ ክንሕጐስ ከም ዘሎና እያ፥ እዚኣ ተግቢረያ እየ። እታ ካልኣይቲ ከኣ፡ ብሓጐስ ምስርሳር እያ፥እዚኣ ግን እታ ዘይገበርክዋ እያ”። ሽዑ፡ “ካብዚኣ ዝቐልል'ከ እንታይ ኣሎ!” እናበልኩ  ብድድ ኢለ ክዘልል ጀመርኩ።  ኣብ ቤት ማእሰርቲ፡ ኣብቲ ማዕጾ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሸላ፡ እቲ ሓለቓ ናይቶም ድጓና፡ ኣስሊዅ ዚርእየላ ኣዝያ ጸባብ መርኣዪት መስኮት ኣላ። ኣነ እናዘለለኩ ከለኹ፡ ለካ እቲ ሓለቓ ድጓና በታ መርእዪቱ ኣስሊኹ ይርእየኒ ነይሩ እዩ። በቲ ዝረኣዮ ድማ ኣነ ፈጺመ ከምዝተጸለልኩ ኣመነ። እሱራት ምስዝጽለሉ ብጫውጫውታን መንደቕ ብምህራምን ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ስርዓት ምእንቲ ከይዘርጉሎም፡ እቶም ወተሃደራት ንጽሉላት ጽቡቕ ጌሮም ኪሕዝዎም ቀዋሚ ትእዛዝ ተመሓላሊፉሎም ነበረ። ሽዑ እቲ ሓለቓ ድጓና፡ ተቓላጢፉ ናብቲ ክፍለይ ኣትዩ ክተሃዳድኣኒ ጀመረ፡ ከምዚ እናበለ፡ “ ህድእ በል እሞ! ኣጆኻ ድሓን! ክትልቀቕ ኢኻ፡ ኩሉ ነገራት ከኣ ከነማሓይሸልካ ኢና። ጥራሕ ሕጂ ሱቕ በል! ሓደ ነገር ኸኣ ከምጽኣልካ እየ፡ ጽንሓኒ'ሞ” እናበለ ከይዱ ድማ ዓቢ ሕብስቲ ኣምጺኡ ሃበኒ። ዘገርምዩ! እቲ ዝዋሃበና ዝነበረ ምቝነን ኣብ ሰሙን ሓደ ቍራስ ሕብስቲ ኪኸውን እንከሎ፡ ሕጂ ግና ንቕጽበት ሓደ ምሉእ ሕብስቲ፡ ምስኡ ድማ ፎርማጆ ተዋሂበ ኣሎኹ። እቲ ፎርማጆ ውጹእ ጻዕዳ እዩ። ኣነ ክመስለኒ፡ ንፎርማጆ ተቓዳዲምካ ዘይምብልዑ። መጀመርያ ነቲ  ጽዕድውናኡ እናረኤኻ ኣድንቆ። ንዓይንኻ ክትርእዮ ብጣዕሚ ጽቡቕ እዩ። ከምዚ ኢለ ነቲ ጻዕዳ ሽሻይ በዒንተይ እናተጋበዝክዎ ከሎኹ፡ ወዮ ሓለቓ፡ መሊሱ ሽኰር ሒዙለይ ደበኽ በለ እሞ፡ ብዝሓባብል ፍሽኽታ ገለ ጥዑም ናይ ቅብጥሮት ቃላት ተዛሪቡኒ፡ ነታ ማዕጾ ቆሊፉ ከደ።

ሽዑ ኣነ፡ “መጀመርያ ነቲ ዝጀመርክዎ ምዕራፍ ናይ ቅዱስ ሉቃስ እሞ ክውድእ፡ ብድሕሪኡ ናብ ምብላዕ እዚ ሽሻይ ክምለስ።” ብምባል እንደገና ተጋዲመ፡ ኣበይ በጺሐ ከም ዝነበርኩ ክዝክር ፈትንኩ። እወ፡ ኣብቲ፡ “ብምኽንያት ወዲ ሰብ እንተጸልኡኹም.....ብጹኣን ኢኹም...ዓስብኹም ኣብ ሰማይ ብዙሕ ኪኸውን እዩ፡ ሽዑ በታ መዓልቲ እቲኣ ባህ ይበልኩም ብሓጐስ እውን ተሰራሰሩ” ዝብል እየ ኔረ። ሽዑ፡ ነታ ገጃፍ ሕብስትን፡ ነቲ ፎርማጆን እንደገና ርኤኽዎ፥ ኣማን ብኣማን እቲ ዓስቢ ዓቢ ነበረ።

ካብዚ ዝቐጸለ ዕማም ኸኣ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ምሕሳብን ምስትንታንን እዩ። ነፍሲ ወከፍ ለይቲ፡ “ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን” ኢላ እትጅምርን ብ”ኣሜን!” እትውድእን ስብከት ኣሰናዲአ እሓድር ነበርኩ። ምስናድኣ ምስ ወዳእኩ ከኣ እሰብካ። ብድሕሪዚ ነቲ ትሕዝቶ ስብከት ድሓር ምእንቲ ክዝክሮ፡ ኣብ ሓጸርቲ ግጥምታት ኤስፍሮ ነበርኩ። ምስ ክርስቶስ ኣብ ጽምው ማሕቡስን፡ መናድቕ ቤት ማእሰርቲ እንተ ዝዛረቡን፡ ዝብላ መጻሕፍተይ ንቝሩብ ካብዘን ስብከታት እዚኤን ሒዘን እለዋ። ንሰለስተ ሚእትን ሓምሳን ካብኣተን ብቓለይ ኣጽ ኒዐየን እየ። ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጻእኩ ንቍሩብ ካብኣተን ኣብ ጽሑፍ ኣስፊረ ኣሎኹ፥ ሓምሳ ካብዚኤን ከኣ እየን ኣብተን ዝተጠቅሳ መጻሕፍቲ ተሓቲመን ዘለዋ። እዘን ስብከታት እዚኤን ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽን ናብ መላእኽትን ዘውሳእክወን ቃላት እየን። መላእኽቲ ኣኽናፍ ኣለዎም፡ ነቲ ሓሳብ ወሲዶም ከኣ ናብ ካልእ ሰብ የብጽሑ። ሕጂ እዘን ስብከታት እዚኤን ናብ ብዙሕ ቋንቋታት ተተርጒመንን ኣብ ሰፊሕ መዓላ ይውዕላን ኣለዋ። ከምዚ ጌርና እምበኣር ኢና ንግዜና ንሽፍኖ ኔርና። ካልእ'ውን መጻሕፍትን ግጥምታትን በዚ ዝገለጽክዎ ኣገባብ እደርስ ነይረ። ብዛዕባ በዓልቲ ቤተይን ደቀይን እውን እሓስብ። ነፍሲ ወከፍ ለይቲ'ውን ቅድሚኡ ዘይፍለጡ፡ እሞ ኸኣ ትስፉዋት ዝኾኑ ዋዛታት እናመሃዝኩ ንገዛኣ ርእሰይ ኤዘናግዓ ነበርኩ። ኣብቲ ግዜ'ቲ ዝነበረኒ ስምዒት ዘንጸባርቐሉ ካልእ ኣገባብ ምዃኑ እዩ። ሓንቲ ካብ ዋዛታተይ እንሀት። “ሓንቲ ሰበይቲ ንበዓል ቤታ፡ 'እንታይ ክገብር ትመኽረኒ ጴጥሮስ! እቲ ናይ ሓሶት ኣስናነይ (ኣርተፊሻል) እምበር ኰፍ ኢለሉስ፡ ተሰቢሩኒ!' ትብሎ”። እቲ ሰብኣያ ኸኣ ትቕብል ኣቢሉ፡ “በዝስ ተሓጐሲ! ሕሰቢ እስኪ! ነቲ ናይ ብሓቂ ስኒኺ ኰፍ ኢልክዮ እንተ ትዀኒ'ኸ? እንታይ ምተረፈኪ?” በላ። በዚ ኸምዚ ኣቢለ እምበኣር፡ ነቲ ጽቡቕ ጐኒ ነገራት እርኢ ነበርኩ።

ናይ ቸስ መጻወቲ ዳማ፡ ካብ ሕብስቲ ሰሪሐ፡ ንፍርቆም ብኩሩሽ ኣጻዕድየ፡ ንፍርቆም ከኣ ሓሙዅስታይ ሕብሪ ጌረ፡ ምስ ገዛእ ርእሰይ ቸስ ምጽዋት ኤዘውትር ነበርኩ።  እቲ ናይዛ ዓለምና ዝዓበየ ተጻዋታይ ቸስ ቦቢ ፊሸር ጥራይ ኣይምሰልኩም። ምስ ስፓስኪ ኪጻወት እንከሎ ኣብታ ናይ መጨረሽታ ግጥም እዩ ስዒርዎ። ብሓፈሽኡ ግን ሾሞንተ ኪስዕር እንከሎ፡ ክልተ ተሳዒሩ እዩ። ኣነ ግን ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመት፡ ሓንቲ ጸወታ'ኳ ተሳዒረ ኣይፈልጥንየ። እንተ ብጻዕዳ እንተ ብሓሙዅሽታይ ዳማ ኩሉ ግዜ ምስ ሰዓርኩ እየ።

እዚ ኩሉ ዝነገርኩኹም፡ እቲ ንምስጢራዊ ኣገልጋሊ መከራ ኪቕበል እንከሎ ዘጓንፎ ምስጢራት እዩ። ዝኾነ ነገር ይኹን፥ ዝመጽአ ይምጻእ፡ ኣእምሮኻ ብጭንቀት ኪተሓዝ ብፍጹም ኣሕሊፍካ ኣይትሃብ፥ ብዝተረፈ ኣብ ጭንቀት እንተ ኣቲኻሎም፡ ኮምዩኒስታውያን ብዘይ ንሕስያ ክሳሃሉኻ እዮም። ኣእምሮኻ ብቐጻልነት ኣብ መንፈሳዊ ልምምድ ኪተሓዝን፡ ብእኡ ኪተርርን ይግባእ። ኣእምሮኻ ወትሩ ንቑሕን ድሉውን ዝሓስብን ኪኸውን ኣለዎ። ኣብ መወዳእታ፡ ኣእምሮኻ ኩሉ ግዜ ከም ክእለቱ ዝተፈላለዩ ነገራት ኪቕምርን ኪምህዝን ኣለዎ።

 

 

 

 

 

 

 

ሓቀኛ መንነት 

ምስጢራዊት ቤተ ክርስትያን ሕጂ ዝመጸት ሓዳስ ነገር ኣይኰነትን። ኣብታ ምስጢራዊት ቤተ ክርስትያን ድሕሪ ምግልጋለይ፡ ንሓድሽ ኪዳን ደጊመ ከንብቦ ከሎኹ ብሓድሽ ራእይ እዩ ዝነበረ። ኣብ ግብረ ሃዋርያት ከንብብ እንከሎኩ፡ ሃዋርያትን ደቀ መዛሙርትን ብዙሕ ግዜ ካብ ናይ ፈለማ ስሞም ወጻኢ “ካልእ” ኣስማት ይወሃቦም ምንባሩ ኣስተውዒለ። (ራእ.2፡17 እቲ ብሉጽ ኣብነት እዩ።)

 

* “ዮሴፍ፡ እቲ ባርሳባስ ዝተባህለ፥ ከምኡ'ውን ብናይ ዓሌቱ ስም                 ዮስጦስ ዝተሰምየ” (ግብረ ሃዋርያት 1፡23)።

 

* “ዮሴፍ፡ ካልእ ሃዋርያት ብዘውጽኡሉ ስም፡ ባርናባስ ተባሂሉ ዝጽዋዕ”     (ግብረ ሃዋርያት 4፡36)

 

* “ስምኦን፡ ካልእ ስሙ ኔገር” (ግብረ ሃዋርያት 13፡1)።

 

* “ይሁዳ፡ ኻልእ ዝጽውዓሉ ስሙ ድማ በርሳባ” (ግብ. ሃዋ. 13፡1)።

 

* “የሱስ ካልእ መጽውዒኡ ኸኣ ጁስቱስ (ቆሎሴ 4፡11)

 

ስለምንታይ እዮም ያእቆብን ዮሃንስን “ደቂ ነጐዳ”፡ ስምኦን ከኣ “ጴጥሮስ” ተባሂሎም ዝተጸውዑ? ናይዚ መግለጺ ቅድም ይፈልጦ ኣይነበርኩን። ኣብ ሓድሽ ኪዳን ምናዳ ብዙሓት ኣስማት ኢና ተቐይሮም እንረኽቦም። ልክዕ እዚ ከኣ እዩ ኣብዛ ምስጢራዊት ቤተ ክርስትያን ኪድገም ንርእዮ። ንኣብነት ኣነ ብዙሕ መጸውዒ ኣስማት ነይሩኒ እዩ። ናብ ሓንቲ ከተማ ወይ ከኣ ቍሸት ክኸይድ እንከሎኹ፡ ሓው ዉርምብራንድ መጺኡ ነይሩ ኢሉ ዚዛረብ ሰብ ኣይነበረን። ኣብ ሓደ ከተማ  መጸውዒ ስመይ ቫሲሊ እዩ፥ ኣብ ካልእ፡ ጅዮርጌስኩ፡ ኣብ ካልእ ከኣ ሩበን ወዘተ...። ተታሒዘ ምስተኣሰርኩ ድማ፡ ሪቻርድ ዉርምብራንድ፡ ካልኦት ኣስማቱ ከኣ ክስቶን ክስቶን ወዘተ... ተባሂለ እጽዋዕ።

ኣነ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዝርዝር ሓሳባት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ነፍሲ ወከፍ ቃል'ውን መንፈስ ኣምላኽ ከም ዝነፈሶ ይኣምን። ስለምንታይ ድኣ እሞ “ጥቕሚ ዘይብሎም” ዝመስሉ ቃላት ጠርኒፉ ዝርከብ? ንኣብነት ኣብ ሉቃስ ተጻሒፉ ዘሎ ንርአ፡ “የሱስ ናብ ሓደ ቦታ ከይዱ ጸለየ፥” ክትጽሊ እንተ ዄንካ እኰ ብግዲ ኣብ ሓደ ቦታ ዀንካ ኢኻ ትጽሊ። ስለምንታይ ድኣ “ኣብ ሓደ ቦታ፡” ዝብላ ቃላት ኣድለያ? ከምኡ'ውን “ናብ ሓንቲ ከተማ መጸ፡” ዝብል ተጻሒፉ ኣሎ። ነፍሲ ወከፍ ከተማ እውን እኰ ሓንቲ ከተማ እያ፥ እንተዀነ ግን እቲ ኣብዚ ነንብቦ ዘሎና ቋንቋ ልክዕ እቲ ናይ ሓንቲ ምስጢራዊት ቤተ ክርስትያን ቋንቋ ምዃኑ ብንጹር ክንግንዘብ ንኽእል። ካብ መገሻ ክምለስ እንከሎኹ ንብዓልቲ ቤተይ፡ “ኣብ ሓደ ከተማ ኣብ እትርከብ ሓንቲ ቦታ ዝነብር ሓው ክረክብ ኢለ እየ ከይደ ጸኒሔ። ኣብ ሓደ ፍሉይ ሰዓት፡ ኣብ ሓደ ቦታ ክንራኸብ ተሳማሚዕና ከኣ ተፈላሊና” እናበልኩ እየ ዝሕብራ።

የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናይ ፋሲካ ድራር ኪበልዕ ሃረር በለ (ሉቃ 22፡7-13)። ኣብቲ ግዜ'ቲ፡ እቲ የሱስ ኪሕብሮም ዚኽእል ዝነበረ ልሙድ ሓበሬታ፡ “ኣብ ከምዝን ከምዝን ዝበሃል ጐደና ናብ እትርከብ፡ ክንድዝን ክንድዝን ዝቝጽራ ገዛ ኪዱ እሞ፡ ንኣቡጊዳ ሓቲትኩም ርኸብዎ፡ ኣብ ገዝኡ ከኣ ድራር ኣዳልዉ” ዝብል ኪኸውን ነይርዎ። ኣብ ክንድኡ ግን፡ “ናብታ ከተማ ምስ ኣቶኹም፡ ሓደ ዕትሮ ማይ ዝተሰከመ ሰብኣይ ኪረኽበኩም እዩ፡ ናብቲ ዚኣትዎ ቤት ሰዓብዎ” በሎም። (ኣብቲ ዘመን እቲ፡ ሩባ ወሪደን ማይ ዘምጽኣ ዝነበራ ኣንስቲ ስለ ዝኾና፡ ሰብኣይ ዕትሮ ማይ ኪስከም ዘይልሙድ ነገር እዩ።) ንሕና (ምስጢራውያን ዓየይቲ) እውን እምበኣር፡ ልክዕ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ኢና ንዓዪ። ናይ ጸሎት ኣኼባ ክንገብር እንከሎና፡ ኣድራሻ ኣይንህብን ኢና፡ ምኽንያቱ ኪሰልኰና ዚኽእል መጣዊ ወይ ኣቐባል ሓበሬታ መን ከም ዝዀነ ኣይንፈልጥን ኢና። ስለ'ዚ ድማ ክንሕብር ከሎና፡ “ኣብ ኩርናዕ ናይ 'እታ...' ጐደና ኬድካ ደው በል ወይ ከኣ ኣብቲ ኣብኡ ዘሎ ህዝባዊ መናፈሻ ኰፍ በል እሞ፡ ሓደ ሰማያዊ ክራቫት ወይ ካልእ ምልክት ዝገበረ ሰብኣይ ኪሓልፍ ከሎ ክትርኢ ኢኻ። ሽዑ ደድሕሪኡ ተኸቲልካዮ ኪድ።” ኢና ንብሎ። ሽዑ ዝዀነ ሰብ ንሓዲኦም፡ “መን እዩ ስምካ?” ኢሉ እንተደኣ ሓቲትዎ፡ ንሱ (እቲ ሓታቲ) ናይ ጸጥታዊ ፖሊስ ኣቐባል ዘረባ ከም ዝዀነ፡ ብቐሊሉ ክንፈልጥ ንኽእል ማለት እዩ።

እታ ምስጢራዊት ቤተ ክርስቲያን፡ ኣብቲ ሓድሽ ኪዳን ዝጸሓፈሉ ዝነበረ ግዜ፡ ድሮ ተመስሪታን ትዓዪን ዝነበረት ማሕበር እያ። ቤተ ክርስትያን ብምስጢር (ብስቱር) ክትዓዪ ኣይግብኣን እዩ፡ ዝብሉ፡ እዚ ንሕና ንኽተሎ ኣገባብ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሕጋዊነት የብሉን ብማለት ዚነቕፉና ነቐፍቲ ኣለዉ። ኣብ ስልጣን ንዘለዉ ክንእዘዝ ኣሎና በሃልቲ እዮም። እቶም ብኸምዚ ወዲ ኸምዚ ዚኸሱና ዓለማዊ ሕብረት ኣብያተ ክርስቲያናት ንገዛእ ርእሶም፡ ንሰበ ስልጣናት ሃገሮም ምእዛዝ ንዝኣበዩ ደባይ ተዋጋኣቲ ብገንዘብ ክሕግዙ ይረኣዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ ናይ ሓቂ በዓል ስልጣን ዝበሃል ገዛኢ፡ እቲ ንእከይ  ዚቐጽዕን  ንሰናይ ዘበለ ድማ ዘኽብርን ሰብ ምዃኑ ተጻሒፉ ኣሎ። ሓደ ንቓል ኣምላኽ ዝኽልክልን ዝጻረርን በዓል ስልጣን፡ ንገዛኣ ርእሱ ካብ ክሊ ሰብኣዊነት የግልላ ከምዘሎ ክፍለጥ ኣለዎ። ስለ'ዚ ድማ ኩሉ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ንዕኡ ኣይምልከቶን እዩ። ነፍሲ-ወከፍ ስልጣን ናይ ገዛኣ ርእሱ ሕግታትን ዓመጻትን ብልሽውናታትን ኣለዎ፡ ምኽንያቱ፡ ኣብዛ ምድሪ ብቅዱሳን ዝቖመ መንግስቲ ፈጺሙ የሎን። ኩሎም መንግስታት ብሓጢኣተኛታት ዝቖሙ እዮም። ነፍሲ ወከፍ ኣብ ስልጣን ዘሎ ጽቡቕን ሕማቕን ነገራት ይገብር እዩ። እቲ መሰረታዊ ነገር ግና፡ ኩሎም ሰብ ስልጣን ነቲ ኣባጨጐራ ናብ ጽምብላሊዕ ካብ ምምዕባል ኪኽልክልዎ ኣይግብኦምን እዩ። ንሓንቲ እጓም፡ ዓንቢባ ውቃበኣ ኸይትገልጽ ኪጋደሉዋን ኪዓግትዋን ኣይግብኦምን። ንሓደ ሓጢኣተኛ እውን ናብ ጽድቂ ከይኣቱን ቅዱስ ከይከውንን ኪኽልክልዎ፡ ኪፍትኑውን የብሎምን። ብወገነይ፡ ነዚ ነገራት እዚ ክሳዕ ዘይከልከሉኒ፡ ካብ ገነት ዝወረዱ ቅዱሳን ኪዀኑለይ ኢለ ኣይጽበዮምን እየ። ኣነ ብሓፈሻኡ ጽቡቕ ነገራት ኪገብሩ እየ ዝጽበዮም፥ ሓደሓደ ግዜ ኸኣ ድሕሪ ክልተ ሰለስተ ዓመታት ክቕይርዎ ዚኽእሉ ግጉይ ሕግታት ይሕግጉ ይኾኑ። ከም ሰበ-ስልጣን ከኽብሮም ይኽእል እየ። እንተድኣ ግና፡ ነታ እንኰ ትርጉም ናይ ህይወተይ ዝዀነት፡ ንርእሰይ ናብቲ ኣዝዩ ዘደንቕ ህይወት መንግስተ ሰማያት ዘዳልወላ ዕድል ዝነጥቁኒ ኰይኖም፡ ኣነ ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰበ-ስልጣን ምንም ዓይነት ግዴታ የብለይን። ንሕና ነታ ኣብ ኮምዩኒስትን ሙስሊምን ሃገራት ዘላ ምስጢራዊት ቤተ ክርስትያን ንምድጋፍ፡ ናይ ምስጢራዊ ዕዮ ተልእኾና ምቕጻል ጥራይ እዩ ዘሎና።

ናይቶም ነዛ ምስጢራዊት ቤተ ክርስትያን'ዚኣ ዘጋጥምዋ ዘለዉ ግድላት፡ ንእሽቶ ስእሊ ኣቕሪበልካ ኣለኩ፥ በዚ ድማ ምስሊ ናይዛ ማሕበር እዚኣ ኣብ ኣእምሮኻ ክትቀርጾ ክትክእል እትስፎ።

 እግዚኣብሄር ይባርኽካ።

ብፓስተር ሪቻርድ ዉርምብራንድ

ትርጉም ብኣባላት ኤሪወንጌል