ምዕራፍ 3
ቀዳመይቲ መጽሓፍ ብጆን ፎስተር ትርጉም ብይሳኮር
ቤተ ክርስትያንን ተልእኾኣን
ኣብ ምዕራፍ 2፡ እታ ኣስታት ሚእትን ዕስራን እትኸውን ቀዳመይቲ ኣኼባ ክርስትያናት ኣብ ሓንቲ ናይ የሩሳሌም ቤት ትእከብ ከም ዚነበረት ርኢና። እዚ ንእሽቶ ጅማረ ነበረ። ኣብ ከባቢ 200 ዓመተ ምሕረት፡ ሓደ ካብ መሳፍንቲ ዝውለድ ክርስትያን በዓል ኢደሳ እትብሃል ሰሜን ኣብ ሰሜን መሶጶጣሚያ (ካርታ 4) እትርከብ፡ ድሓር ኣብ ምዕራፍ 6 ኣጸቢቕና ክንላለዮ ኢና ከምዚ ክብል ጸሓፈ።ክርስቶስ ነዚ ሓድሽ ዘርኢ ንዓና ክርስትያናት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ህዝቢ ተኺሉና ኣሎ ክብል ጸሓፈ (ያንግ 14)።
ንሱ ኣብ ምብራቕ ክሳብ እታ ኣብቲ እዋን እቲ ካብ ባክትሪያ (ሎሚ ኣፍጋኒስታን) ክሳብ ካሽሚርን ፑንጃብን (ካርታ 4) ዝዝርጋሕ ግዝኣት ኩሻን ዝበጽሕ ክርስትያናት ከም ዚነበሩ ወሲኹ ይዛረብ።
ዳርጋ ኣብቲ እዋን እቲ ኣቢሉ ኣብ ምዕራብ፡ ተርቱልያን በዓል ካርተጅ ብዘደንቕ መንገዲ ምስዚ ዝመሳሰል ሓሳባት ጸሓፈ። ኣብ ግዝኣት ሮማ ዘለዉ ህዝቢ፡ በለ ተርቱሊያን፡ ንክርስትያናት ከም ሳልሳይ ዘርኢ ክዛረቡሎም ጀሚሮም ነበሩ። እዚ ማለት ኸኣ፡1. ባህሊ ግሪኽን ሮማን ዚባህሎም ህዝቢ 2. ኣይሁድ 3. ክርስትያናት ኣለዉ ማለቶም እዩ። ተርቱልያን ይቕጽል፡
ክርስትያናት ዘይብሉ ህዝቢ የለን እሞ እዚኦም ሳልሳይ ዘርኢ እትብልዎም ዘለኹም ቀዳማይ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም።
ብዙሕ ከይደንጎየ፡ ኣብ ከባቢ 240 ዓመተ ምህረት፡ ኦሪገን ክርስትና ናይ ዓለም ሃይማኖት ብምዃኑ ትንቢት ብሉይ ኪዳን ይፍጸም ከም ዚነበረ ጸሓፈ።
ብምምጻእ ክርስቶስ ምድሪ ብሪጣንያ እምነት ብሓደ ኣምላኽ ተቐቢላ ኣላ። ኣፍሪቃውያን ሙር ኸኣ ከምኡ። ከምኡ ኸኣ ዓለም ብመላኣ። ሕጂ ኣብያተ ክርስትያናት ኣብ ኩሉ ዶባት ዓለም ኣለዋ፤ ምድሪ ብመላኣ ዓለም ኸኣ ብሓጎስ ናብ ኣምላኽ እስራአል ትጭድር ኣላ። (7)
ገለ ካብቲ ኣብዚ ዘሎ ቃላት ንኣብነት፡ ነፍሲ ወከፍ ህዝቢ፡ መላእ ዓለም፡ ምድሪ ብመላኣ ብፍሉጥ ኣጋንኖ እዩ። ይኹንምበር፡ እቶም እተጠቕሱ ፍሉያት ቦታታት፡ ምብራቕ ክሳብ ዶባት ህንዲ፡ ምዕራብ ክሳብ እቲ ኣህጉር ኣፍሪቃ ውቅያኖስ ኣትላንቲክ ዝትንክፈሉ፡ ከምኡ ኸኣ ኣብ ውሽጢ ኣውሮጳ ክሳብ ደሴት ብሪጣንያ እዚኦም ዘደንጽዉ መርትዖታት ምስፍሕፋሕ ክርስትና እዮም። እዚ ግን ከመይ ኢሉ ኮነ? እቶም ሚስዮናውያንከ በዓል መን ነበሩ?
ተልእኾ ሃዋርያት፡ ክሳብ ወሰን ምድሪ
እዚ ዛንታ ከመይ ጀሚሩ ክንፈልጥ ናብ ግብሪ ሃዋርያት ገጽና ንምለስ። ሉቃስ ጸሓፊ ግብሪ ሃዋርያት ምዃኑስ ብዙሕ ዘጠራጥር ምኽንያት ዘሎ ኣይመስልን። ኣብቲ ቀዳማይ ዛንታ - እዚ ወንጌል ሉቃስ ማለት እዩ - ብዛዕባቲ የሱስ ኪገብሮን ኪምህሮን ዝጀመረሉ ኹሉ ጽሒፈልካ ኣለኹ (ግብሪ ሃዋርያት 1፡1)። ሕጂ ኸኣ ብዛዕባ እቲ የሱስ ብሃዋርያቱ ኣቢሉ ዚገበሮ ኣብዛ ካልኣይቲ መጽሓፉ ጽሒፉዎ ኣሎ።
ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ከነንንብ እንከለና፡ ክንሓርቕ ንኽእል ኢና። የሱስ ንሃዋርያቱ ክሳብ ወሰን ምድሪ (ግብሪ ሃዋርያት 1፡8) ምስክራቱ ኪኾኑ ኪእዝዞም እንከሎ፡ ወንጌል ሉቃስ ክትውድእ እንከላ (ሉቃስ 24፡47)፡ እዛ መጽሓፍ እዚኣ ትጅምር። ስለዚ ሉቃስ ንዓሰርተ ክልቲኦም ሓደ ብሓደ ጸዊዑ ነፍሲ ወከፍ ናበይ ከም ዝኸደን ኩላቶም እንታይ ከም ዘፍረዩን ኪነግረና ንጽበዮ ንኸውን ኢና። ኣብ ክንድዚ፡ ሉቃስ ብዛዕባ ዕዮ ክልተ ሃዋርያት፡ ዮሃንስን ጴጥሮስን ጥራይ ቁሩብ ይነግረና። ብዛዕባ ካብ ጳለስታይን ወጻኢ ምኻዶም ኸኣ ምንም ኣይነግረናን። ክሳብ ግብሪ ሃዋርያት 11 ካብ ጳለስታይን ወጻኢ እተገብረ ዕዮ ኣይጥቀስን እዩ። ድሕሪዚ፡ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 13-28 ሉቃስ ካብቶም ዓሰርተ ክልተ ኣግሊሱ ብዛዕባ ሓደ ሓድሽ ሰብኣይ፡ ማለት ጳውሎስ፡ ኪነግረና ይጅምር። ልዕሊ ፍርቂ እዛ መጽሓፍ ባዛዕባ ኣብ ሰሜንን ምዕራብን መዲተራንያን ኣብ ዘሎ ቦታታት ክሳብ መጨረሻ ጉዕዞኡ ኣብ ሮማ ጳውሎስ ዚገበሮ ሚስዮናዊ ዕዮ ተዘንቱ። ንጸሓፊ እዚ ዛንታ ኸኣ ሓርቆትና ኪንገልጸሉ ንድረኽ ኢና። ንምንታይ ብዛዕባ ገስጋስ ክርስትና ንምዕራብ ጥራይ ተገዳስነት ኣርአኻ? ንምንታይከ ዛንታኻ ኣብ ክንዲ ናብ ወሰን ምድሪ ናብ ርእሰ ከተማ ግዝኣት ሮማ ወሰደና?
ቅድሚ ዕዮ ሉቃስ፡ ግብሪ ሃዋርያት፡ ምንቃፍና ግን ሉቃስ መን ምዃኑ ክንዝክር ይግባእ። ብሓደ ወገን ሉቃስ ፍሉይ ነበረ። ንሱ ካብ ጸሓፍቲ ብሉይ ይኹኑ ወይስ ሓድሽ ኪዳን አስያዊ ኣይሁድ ዘይኮነ ንሱ ጥራይ ጸሓፊ መጽሓፍ ቅዱስ ነበረ። ሉቃስ ኣረማዊ ነበረ (ቆሎሴ 4፡10-14) ምናልባትውን አውሮጳዊ ነበረ። ንሱ ካብ ኣንጾክያ ከም ዝኾነ ዚገልጽ ሓደ ጥንታዊ ዘረባ ኣሎ። ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ንገዛእ ርእሱ ብስሙ ኣይሰምይን እዩ። ይኹንምበር ኣብ 16፡10ን ካልኦት ጽሑፋትን ብዛዕባ እቶም ምስ ጳውሎስ ዚተጓዓዙ ኣብ ክንዲ ንሳቶም፡ ንሕና ኢሉ ይዛረበሎም። ብዘይ ጥርጥር ንጳውሎስ ኣብ ጥሮኣስ ረኺቡ ምስኡ ናብ ፊሊጲ ተጓዓዘ። ንሱ እቲ ንጳውሎስ ናብ አውሮጳ ኪሰግር ዚደረኾ በዓል መቀዶንያ ሰብኣይ (ግብሪ ሃዋርያት 16፡9) ክኸውን ይኽእልዩ። ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመት፡ ሕጂውን ኣብ ፊሊጲ፡ ነታ ናብ የሩሳሌም ትኸይድ ዚነበረት ጉጅለ ጳውሎስ ይሕወሳ። (ኣብዚ ኩሉ መንገዲ፡ ግብሪ ሃዋርያት 20፡5-21፡18 ንሕና እናበለ ይኸይድ)። ኣብ የሩሳሌም ግን ይፈላለዩ። ይኹንምበር ኣብቲ ናብ ሮማ ዚግበር ጉዕዞ ሉቃስ ንጳውሎስ እንደገና ተሓወሶ (ግብሪ ሃዋርያት 27፡1-28፡16)። ሉቃስ ንመጨረሻ ዚጥቀሰሉ፡ ጳውሎስ ካብ ቤት ማእሰርቲ ካብ ሮማ፡ ሉቃስ ጥራይ ምሳይ ኣሎ ኢሉ ኣብ ዝጸሓፈሉ 2 ጢሞተዎስ 4፡11 እዩ።
እምበኣር ሕጂ ሉቃስ ብግስጋሰ ክርስትና ንምዕራብ ገጹ ንምንታይ ከም እተገደሰ ንርድኦ ኢና - ሕለፍ እሞ ርድኣና! እዩ። ሉቃስ ዕዮ እቲ ዝጸለዎን ድሓር ኸኣ ካብ ዕዮኡ እተማቐለን ጳውሎስ ከዘንቱ ንምንታይ ፍርቂ መጽሓፉ ከም ዚወደአ ክንርድኦ ንኽእል ኢና። ግብሪ ሃዋርያት (ልክዕ ከምታ ወንጌል) ነቶም ኣብታ ከተማ ዚነበሩ ክርስትያናት ስለ እተጻሕፈት፡ ሉቃስ ንግብሪ ሃዋርያት፡ ጳውሎስ ኣብ ሮማ ምስ በጽሐ ኣብ ዘሎ ዛንታ ይውድኣ።
ብካልእ መንገዲ፡ ጳውሎስ ፍሉይ እኳ ኣይኹንምበር፡ ቁሩብ ካብቲ ልምዲ ውጽእ ዝበለ እዩ። ንሱ ናይ ክርስቶስ ብኽብሪ ምምላስ ሽዑ ንሽዑ ከም ዘይፍጸም ካብቲ ድሒሩ ዚመጸ፡ ብሱል፡ ሓሳብ መምህሩ ጳውሎስ ዚተማህረ ነበረ። እታ ናይ መጨረሻ መዓልቲ ጽባሕ ምዃና ትፈልጥ እንተ ኬንኳ፡ ተማሃራይ ታሪኽ ኣይትኸውንን ኢኻ። ሉቃስውን ከምዚ ይኣምን (ክርስቶስ ብኽብሪ ቀልጢፉ ከም ዝምለስ) ነይሩ እንተ ዝኸውን ነይሩ፡ ታሪኽ ክጽሕፍ ኢሉ ኣይምተበገሰን፤ ቀዳማይ ጸሓፍ ታሪኽ ቤተክርስትያንውን ኣይምኾንን ነይሩ። ሉቃስ ሓደ ካብቶም ኣብዚ ኣብ ዓለም ቤተክርስትያን ነዊሕ መጻኢ ይጽበያ ከም ዚነበረ፡ ነዊሕ ዛንታ ገስጋስ ተልእኾኣ እተራእዮም ውሑዳት ነበረ። ስለዚ ኸኣ፡ ከምቲ ኣብ ቃላት የሱስ ተሓንጺጹ ዘሎ፡ ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ኩላ ይሁዳን ኣብ ሰማርያን ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምስክር ክትኮኑኒ ኢኹም (ግብሪ ሃዋርያት 1፡8) ዝበሎ ብዛዕባ እቲ ቀዳማይ ደረጃታት እዚ ተልእኾ እዚ ክጽሕፍ ጀመረ።
እዛ ኣብ ታሕቲ ዘላ ሰደቓ ኸኣ ሉቃስ እንታይ ከም ዝጸሓፈ ተርኢ።
ንግብሪ ሃዋርያት ብሓፈሻ ክንርእያ እንከለና፡ ልክዕ ከምዛ ኣብዚ ጽማቑ ሰደቓ ዘሎ፡ ነተን ሰለስተ ደረጃታት፡ ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ምንቅስቓስ ከም ዝኾና ጥራይ ዘይኮነ ከም ዝሰፍሕ ዘሎ ዕብየት እቲ ተልእኾ ክንርኢ ንኽእል ኢና።
ጸሓፊ ግብሪ ሃዋርያት ንዛንታኡ ኣብ ሮማ ክውድኣ እዩ መሪጹ። ገለ ምሁራት፡ ካብ ምሉእ ዓለም ሰባት ክርከቡ ይኽእሉ ነበሩሞ ንሮማ ከም ወሰን ምድሪ ሓሲብዋ ኪኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ሓሳብ ኣቕሪቦም ኣለዉ። ይኹንምበር፡ እዚ ንሮማ ማእከል እምበር ወሰን ምድሪ ኣይገብራን እዩ። ካልእ ዚሓሸ ሓሳብ፡ ጳውሎስ ካብ ሮማ ንስጳኛ ክኸይድ ተስፋ ይገብር ከም ዚነበረ (ሮሜ 15፡ 24፥28) ሉቃስ ከምኡ ኸኣ እቶም ሮማውያን ኣንበብቱን ይፈልጡ ስለ ዚነበረ እዩ ዝብል እዩ። ኣህጉር ኣመሪካ ኣብቲ እዋን እቲ ይፍለጥ ስለ ዘይነበረት ስጳኛ ምዕራባዊ ወሰን ዓለም ነበረት።
ይኹንምበር እዚ ክልቲኡ ሓሳባት ነቲ ሓቂ ኣየንጸባርቓን እየን። ንመጽሓፉ ክምድባ እንከሎ፡ ሉቃስ ብዛዕባ ስፍሓት ተልእኾ ቤተክርስትያን እምበር ብዛዕባ ሮማ፡ ወይስ ስጳኛ ወይስ ዝኾነ ቦታ ኣብ ዓለም ይሓስብ ኣይነበረን። ሉቃስ ካብ ኩሎም ግብርታት ሃዋርያት እቲ ዚዓበየ ግብሪ እቲ ኩነታት ኣብ ኩሉ ቦታታት ዚነበረት ቤተክርስትያን ዚቐየረ ምምስራት ተልእኾ ንኣህዛብ ነበረ። ክርስትና ንኣይሁድን ጵሮሰሊትን ጥራይ ክኸውን ኣይኮነን መደቡ። ሰማርያውያንን ኣህዛብ ሰዓብቲ ምውሳኹውን እኹል ኣይነበረን። ክርስትና ንኩሎም ሰባት ዝኸውን እምነት ኪኸውን እዩ መደቡ። ናይ ዓለም ሃይማኖት ክኸውን እዩ ተሰሪዑሉ። ትርጉም እዛ ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምስክር ክትኮኑኒ ኢኹም ዝብል ቃል ትርጉሙ እዚ እዩ።
ሉቃስ፡ ምስ ኩሉ ምዕራባዊን አውሮጳዊን ምትእስሳራቱ ምስፍሕፋሕ ክርስትና ካብ የሩሳሌም ናብ ምብራቕ፡ ናብ ውሽጢ ኣስያን ናብ ሰሜን ኣፍሪቃን ገጹ ኣይረስዖን (ከመይ ኢሉሞ ክርስዖ?)። ናይ ጴንጠቆስጠ ዛንታኡ ዝርዝር፡ ሰማዕቲ እቲ ስብከት ዝመጹሉ ዓሰርተ ኣርባዕተ ቦታታት የጠቓልል። ሓሙሽተ ካብዘን ቦታታት፡ ጰርተን፡ ሜዶን፡ አላም፡ መሰጶጣምያን ዓረብን፡ ኣብ ምብራቕ ዝርከባ ነበራ። ክልተ ኸኣ፡ ግብጽን ቀረነን ኣብ ኣፍሪቃ ነበራ (ግብሪ ሃዋርያት 2፡9፥11)። ካብዚ ቦታታት ዚመጹ ሰባት ገለ ካብቶም ሰለስተ ሽሕ እተጠመቑን ኣብታ መዓልቲ እተወሰኹን ኣይሁድን ጵሮሰሊትን ከም ዝኾኑ ሉቃስ ይእምት። ብተወሳኺ (ቅድም ኢልና ከም ዚረኣናዮ) ቀዳመይቲ ዛንታ ሓደ ካብ ኣህዛብ ዚነበረ ሰዓቢ ኣይሁድነት፡ ክርስትያን ኮይኑ እተጠመቐ - ዛንታ ሓደ ኣፍሪቃዊ ይነግረና (ግብሪ ሃዋርያት 8፡26-40)። እታ ዛንታ ኣዝያ ፍልይትን ጽቡቕ እተሳእለትmን ናታ ቅዲ ዘለዋ ዛንታ ስለ ዝኾነት፡ ጳውሎስን ሉቃስን ኣጋይሽ ፊሊጶስ እንከለዉ፡ ፊሊጶስ እናዘንትዋ እንከሎ ሉቃስ ጽሒፍዋ ክኸውን ይኽእልዩ (ግብሪ ሃዋርያት 21፡8)። ግሪኻውያን ናታቶም ስርዓት ሾርት ሃንድ ነበሮም።
ሉቃስ ኣብ ምምስራት ተልእኾ ንኣህዛብ ኣፍሪቃውያን ንዚገበርዎ ኣበርክቶውን ይጠቕሶ እዩ። ገለ በዓል ቀረነ ወይስ ቀረናውያን እቶም ቀዳሞት ነቶም ኣህዛብ ነበርቲ ኣንጾክያ ዝሰበኹሎም ሰባት እዮም (ግብሪ ሃዋርያት 11፡20)። ብተወሳኺ፡ ኣብ ዛንታ እቶም ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኾም ኣብ ኣንጾክያ ንጳውሎስን በርናባስን ዝፈለዩ ነብያትን መማህራንን ቀረነ እንደገና ትጥቀስ እያ (ግብሪ ሃዋርያት 13፡1፥2)። ኣብኡ ኣርባዕተ ሰባት ተጠቒሶም ኣለዉ። ክልተ ካብኣቶም ኔገር እተባህለ ስምኦንን (ኔገር ማለት እቲ ጸሊም ማለት እዩ) ሉክዮስ በዓል ቀረነን እዮም። ስለዚ ኣብዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ምስፋሕ ተልእኾ ቤተክርስትያን ኣፍሪቃውያን ሓምሳ ሚእታዊት ዝኸውን ኣበርክቶ ዚነበሮም ይመስል። ሉቃስ ክንፈልጦ እንደሊ ኣይንገረና እምበር፡ ዘይተጸበናዮ ካልእ ሓበሬታ ስለ ዝሃበና ግን ከነመስግኖ ይግባእ እዩ።
ሒደት ጸሓፍቲ ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ክፍለ ዘበን ገለ ሓበሬታ ብዛዕባ ሃዋርያት ንኣብነት ብዛዕባ መስዋእትነት ጴጥሮስን ጳውሎስን ኣብ ሮማ፡ ከምኡ ኸኣ ዮሃንስ ክሳብ ኣዝዩ ዚኣርግ ኣብ አፌሶን ከም እተቐመጠ ይውስኹሉ እዮም።
እቲ ነቲ ዘተኣማምን ኢሉ ዝቖጾሮ ናይ ጥንêቲ ጽሑፋት ዚኣከበ ጸሓፊ ታሪኽ ቤተክርስትያን፡ ዩዘብዩስ ካብቶም ዓሰርተ ክልተ ብዛዕባ ክልተ ካልኦት እዛ ሓጻር መዘኻኸሪት ይውስኽ፡
ሃዋርያት፡ ኣብ ምሉእ ዓለም ተዘርግሑ፤ ቶማስ ናብ ጰርቴን ከደ። እንድርያስ ኸኣ ናብ ስኪዝያ ከደ።
ስኪዝያ ዝብሃል ካብ ጸሊም ባሕሪ ንሰሜን ዝርከብ ከባቢ እዩ። ክሳብ ሰውራ 1917፡ ራሽያ ንእንድርያስ ከም ሓላዊኣ ቅዱስ ትርእዮ ነበረት። ብዛዕባ መብዛሕትኦም ሃዋርያት እንፈልጦ ምንም ነገር ዘይምህላዉ ዝገርም እዩ።
ታሪኽ ቤተክርስትያን (AD 29 – 500) 6ይ ክፋል
Typography
- Font Size
- Default
- Reading Mode