Sidebar

20
Fri, Jun
0 New Articles

ታሪኽ ቤተክርስትያን (AD 29 – 500) 5ይክፋል

Books
Typography

 ቀዳመይቲ መጽሓፍብጆንፎስተር

ትርጉም ብይሳኮር

ምዕራፍ ክልተ

ኣብ ኣብያተ ክርስትያናት ኣባይቲ እንታይ ይግበር ነበረ?

ክርስትያናት ኣብዚ መብዛሕትኡ ተራ መንበሪ ህንጻታት ዚነበረ ኣብያተ ክርስትያናት ኣባይቲ እንታይ ይገብሩ ነበሩ? ንኣብነት ብዛዕባ ሓደ ሰባኺ ኣብ ስሚርና ቅዱስ ቁርባን ኣብ ሮማ ጥምቀት ኣብ ካርተጅ ከምኡ ዝበለን ኣዝዩ ንጹር ስእላዊ መግለጺ እናተሓላለፈ በጺሑና ኣሎ። ክርስትያናት ንኹሉ ነገር ኣብ ኩሉ ቦታታት ብሓደ መንገዲ ይገብርዎ ነይሮም ኢልና ክንሓስብ ግቡእ ኣይኮነን።ይኹንምበር እተፈላለዩ ቦታታት ክንጠቅስ እንከለና ሓቀኛ ፍጻመታት ከጓኑፉና እዮም። ብህይወት ዚነበሩ ሰባት ክንረክብ ኢና። ከምኡ ኸኣ ገለ መንፈስ እዘን ኣብያተ ክርስትያናት ኣባይቲ ክንሕዝ ኢና። ከምኡ ድማ እታ ጥንታዊ ቤተ ክርስትያን ምሉእ ብምሉእ ፍጽምቲ እያ ነይራ ኢልና ከይንሓስብውን ክንጥንቀቕ ይግባእ እዩ። እዚ ሕጂ እንርእዮ ኣብነታት እቲ ጸጽቡቑ እዩ። ኣብ ዝስዕብ ምዕራፋት እዛ መጽሓፍ ጸገማት ውድቀታት ጌጋታት ምፍንጫላት ከጓንፈና እዩ። ከምቲ ክርስቶስ ባዕሉ ዝበሎ ኣብ ማእከል ስርናይ ክርዳድ ነይሩ እዩ (ማቴዎስ 1325)።ሓደ ካብቲ ዝበለጸ ምንጪ ሓበሬታ እቲ ኣብ ከባቢ 155 ዓመተ ምህረት መንገዲ ክርስትያናት ንዘይ ክርስትያናት ክገልጸሎም ኢሉ መጽሓፍ ዝጸሓፈ ጃስቲን እዩ። ንሱ ብዛዕባ

ጥምቀት

ኣምልኾ ሰንበት

ስብከት

ቅዱስ ቁርባን ዝበሎ ሓበሬታ ክንወስድ ኢና።

ኣብ ርእሲ እዚ ብዛዕባ ገለ እዚ ዛዕባታት እዚ

ዲሲፕሊን ቤተክርስትያን

ቤተ ክርስትያንን ድኻታትን

ሞትን ቀብርን

ጸሎት ከመይ ጌርካ ክትጽሊ ይግባእ ዝገልጽ ትምህርትን ኣብ መወዳእታ ኸኣ

ትንሳአ ጴንጠቆስጠ ጥምቀት ክርስቶስን ልደትን ተወሰኽቲ ምንጭታት ጽሑፍ ክንውስኽ ኢና።

 

ጥምቀት

ጃስቲን ኣብቲ ህይወት ክርስትያን ዝጅምረሉ ኣብኡ ይጅምር

ነቶም ትምህርቲ ክርስትና እተቐበሉን ህይወት ክርስትያን ክነብሩ ቃል ዚኣተዉን ሓጥያቶም ክድምሰሰሎም ክጽልዩን ክጾሙን ንነግሮም። ንሕና ኸኣ ምስኦም ንጽልን ንጸውምን። ድሕሪዚ ኸኣ ማይ ናብ ዘለዎ ቦታ ነምጽኦም። ኣብኡ ኸኣ ከምቲ ኩልና ክርስትያናት ዝኾንናዮ እንደገና ይውለዱ። ከምቲ ካብ ሃዋርያት እተማሃርናዮ ... ብስም ኣቦ ወድን መንፈስ ቅዱስን ዝነጽሁ ይኾኑ። ...ድሕሪዚ ናብ ካልኦት ክርስትያናት እተኣከቡሉ ቦታ ነምጸኦም። ድሕሪዚ ምእንቲ ገዛእ ርእስና ምእንቲ እቶም ሓደስቲ እተጠመቑ ኣብ ካልእ ቦታታት ዘለዉ ኩላቶምን ከምቲ ነታ ሓቂ እተማሃርናያ ብግብርና ጥዑያት ዜጋታትን መኽበርቲ ሕግታትን ከም ዝኾንና ከነርእዮምን ብናይ ዘልኣለም ምድሓን ክንድሕንን ንኣምላኽ ንልምን።ድሕሪዚ ጸሎት ክም ኣሕዋት ሰላም ንበሃሃል። (ያንግ 117)

ድሕሪዚ ጃስቲን ብዛዕባ ቅዱስ ቁርባን (ኣብ ታሕቲ ረአ) ነቶም ሓደስቲ እተጠመቑ ምግላጽ ይቕጽል። ንሱ ኣብዚ ብዘይካ እተጠመቑን ከምቲ ክርስቶስ ዚመሃሮ ኮይኖም ዚነብሩን ኣመንቲ ማንም ክካፈሎ ከም ዘይኽእል ይገልጸሎም። ጃስቲን እዚ ክፋል ጸብጻቡ በዘን ቃላት እዚአን ገይሩ ይድምድሞ ድሕሪ እዚ ኣገልግሎታት እዚ ንሓድሕድና ብዛዕባ እዚ ኣገልግሎታት እዚ ንዘኻኸር፤ እቶም ዘለዎም ነቶም ዘይብሎም ይሕግዝዎም። ኩሉ ጊዜ ኸኣ ብሓንሳብ ንኸውን (ያንግ ገጽ 133 እውን ረአ)።

ኣብ ጥምቀት "ማይ ናብ ዘለዎ ቦታ ነምጽኦም"

እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ንጥምቀት ከመልክቱ ብዙሕ ዓይነት ሓሳባት ይጥቀሙ ነበሩ። ኣብ ገለ ጊዜ ከምዚ ኣብ ናይ መበል ራብዓይ ክፍለ ዘበን ናይ ሳቢነስ ሳክራፋጉስ ዘሎ የሱስ ኣዒንቲ እቲ ዓይነ-ስዉር ክኸፍት እንከሎ ዚገልጽ ዛንታ ወይስ ከምዚ ኣብ ካርተጅ ዘሎ ሞዛይክ እራብ ካብ መንጫዕጫዕታ እናሰተየት እንከላ (ነዚ ብፍላይ ንመዝሙር 23 ኣብቲ ኣገልግሎት ክጥቀሙላ እንከለዉ) ይዝክሩ ነበሩ።

2.3

ኣብ ጸሎት"እቲ ዚበለጸ ኣቃውማ ኢድካ ንላዕሊ ዘርጊሕካ ደው ኪትብል እዩ።" እዚ ከምዚ ዚበለ ኣረኣእያ ብዙሕ ናይ መናድቕ ስእሊ ኣብ ካታካምቦን እዛ ኣብ ሓንቲ ሳክራፋጉስ ዘላ ቅርጺ ከም ዘርእይዎ ኣብቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ቅቡል ነበረ።"

ኣብ ካርተጅ ስሜን ኣፍችቃ (ካርታ 3) ዝተወልደ ሮማዊ ጠበቓ ተርቱልያን ኣብ 195 ዓመተ ምህረት ክርስትያን ኮነ። ከም ጠበቓ ንጹራትን ዘእምኑ ቃላትን ክመርጽ ተማሂርዎ እዩ። ንሱ ናብ ካርተጅ ተመልሰሞ ከም ክርስትያን መምህር ሽማግለን ጸሓፊን ነዚ ክእለት እዚ ተጠቕመሉ። ተርቱልያን ሰማዒ ጽን ክብል ክሓስብን ክዝክርን ዝገብሮ ገለ ዘረባ ኣይሰኣኖን እዩ። ንኣብነት ብዛዕባ ጥምቀት ከምዚ ይብል

እዚ ኩሉ ቀሊል እዩ - ርኣዩለይ ስምዑለይ ዘድልዮ ኣይኮነን። ሓድሽ ነገርውን ኣይኮነን። ወጻኢ ዝሓትት እውን ኣይኮነን። ሰብ ኣብ ማይ ይእለኽ ቁሩብ ዘረባ ኸኣ ይዝረብ። ካብኡ ኸኣ ይወጽእ ብዙሕ ከይጸረየ ማለትዩ (ይሓጽብ እንተ ኾይኑ ማለትዩ)። ሞት ብማይ ተሓጺቡ ክለቅቕ እንከሎስ ዝገርም ነገር ደይኮነንዩ? ... ንሕናውን ንድነቕ። ይኹንምበር ንሕና ስለ ዚኣመንና ኢና እንድነቕ። (3)

ተርቱልያን ነታ ኢክትኡስ ማለት ዓሳ እትብል ቃል ግሪኽ ኸኣ ይጠቕሳ እዩ። እዛ ቃል እዚኣ እተን ሓሙሽተ ኣብኣ ዘለዋ ፊደላት ግሪኽ ሓሙሽተ ቃላት ከም ዘመልክታ ኮይነን ክስርዓ ስለ ዝኽእላ ኣብ ሓድሕድ ክርስትያናት ከም ምልክት ኮይና ብሰፊሑ ተገልግል ነበረት።

ፊደል

(ፊደል ሮማውያን)

ቃል ግሪኽ

(ፊደል ሮማውያን)

ትርጉም

ብትግርኛ

 - ኢየሱስ

ኢየሱስ

ሆh

 - ክርስቶስ

ክርስቶስ

ሩh

 - ተዉ

ናይ ኣምላኽ

 - ኡዮስ

ወዲ

- ሶተር

መድሓኒ

ምልክት ዓሳ ኸኣ ኣብ ብዙሕ ናይ ክርስትያን ቀለበታት ማሕተማትን መጋየጺን ኣብ መቓብራትን ክርከብ ይከኣል ነበረ። ተርቱልያን ብዛዕባ እዛ ምልክት እዚኣ ኣብ ጥምቀት ብጽሑፍ ከምዚ ኢሉ ይሓስብ

ንሕና ክርስትያናት ንኣሽቱ ዓሳታት ኢና። ልክዕ ከምቲ ናትና ኢክትኡስ (ማለት የሱስ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ መድሓኒ) ኣብ ማይ ኢና ተወሊድና። ንኣሽቱ ዓሳታት እትቐትለሉ ኣገባብ ካብ ማይ ከተወጽኦም እንከለኻ እዩ። (4)

ሓደ ክርስትያን ጥምቀቱ ረሲዑ ማለት ኣኺሉዎ እዩ ማለቱ እዩ ተርቱልያን።

ምልክት ዓሳ ኣብ ገለ እዋናት ኣብ ክንዲ ንክርስቶስን ማይ ጥምቀትን (ከምዚ ኣብዚ እተገልጸ) ከምቲ ኣብ ቅዱስ ቁርባን ዝቐርብ ክርስቶስ ከም መንፈሳዊ መግቢ ክርስትያናት እዩ ዘመልክት።

ኣምልኾ ሰንበት

ጃስቲን ኣምልኾ ኣብ ኣብያተ ክርስትያን ኣባይቲ ብኸምዚ ይገልጾ።

ኣብታ ሰንበት ተባሂላ እትፍለጥ መዓልቲ ኩላቶም ኩሉ ከከም ዝነብሮ ከተማ ወይስ ገጠር ኣብ ሓደ ቦታ ዝእከቡሉ ኣኼባ ኣሎ።

ዝኽሪ ሃዋርያት (ማለት ወንጌላት) ወይስ ጽሑፋት ነብያት ጊዜ እንተ ተረኺቡ ይንበብ። እቲ ኣንባቢ ምስ ወደአ እቲ ፕረሲደንት ብስብከት ገይሩ እዚ ሰናይ ነገራት ክንስዕቦ ይመኽረና።

ድሕሪዚ ኩላትና ሓፍ ኢልና ንጽሊ። (ያንግ 133)

ጃስቲን እቶም ዘይመንቲ ኣቡን ወይስ ሽማግለ ዝብሉ ፍሉያት ቃላት ክርድእዎም ኣይኽእሉን ይኾኑ ዝብል ሓሳብ ደሪኽዎ ነቲ መራሒ ኣምልኾ ፕረሰደንት ኢሉ ይጽውዖ።

እተን ሰለሰተ እተጠቕሳ ነገራት ንባብ ቅዱስ ጽሑፋት ካብቲ ንባብ ዝብገስ ስብከትን (ደው ኢልካ ዝጽለ) ጸሎትን ባህሊ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ዝሰዓበ እዩ። ጃስቲን ትምህርቲ ካብ ሓድሽ ኪዳን ካብ ወንጌላት ከም ዝኾነ ይጠቅሶ። ቀዳማይ ገይሩ ኸኣ ይሰርዖ። ትምህርቲ ካብ ብሉይ ኪዳን ከም መተካእታ ካብ ነብያት ምኻኑ ይጠቅስ። እዚ ጃስቲን ብምንባብ ነብያት ንክርስቶስ ከም መፈጸምታኦም ክርስትያን ከም ዝኾነ የዘኻኽረና።

ስብከት

ነዚ ናይ ጃስቲን ንስብከት ዝምልከት ጥቕስ ዘበሎ ገለ ቃላት ኢርናዎስ ክንምልኣሉ ይከኣልዩ። እቲ ካብ 177 ክሳብ 200 ዓመተ ምህረት ኣቡን ልዮን ኣብ ጎል (ናይ ሎሚ ፈረንሳ ካርታ 3) ዚነበረ ኢረናዎስ ብዛዕባ ስብከት ሓደ ፖሊካርፕ እተባህለ ሽማግለ ኣቡን ኣብ ስሚርና ዝሰበኾ ስብከት ጸሓፈ። ኢረናዎስ ኣብ እዋን ቁልዕነቱ እንከሎ ፖሊካርፕ ክሰብኽ እንከሎ ሰሚዕዎ ነበረ። እዚ ስብከት እዚ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ኢረናዎስ ዓብዪ ጦብላሕታ ኣሕደረ።

ኣብ እዋን ቁልዕነት እትምሃሮ ትምህርቲ ኣካል ኣእምሮ ዝኸውን ጦብላሕታ ይፈጥር፤ እዚ ጦብላሕታ እዚ ኸኣ ነባሪ ይኸውን። እቲ ኣእምሮ እናዓበየ ክኸይድ እንከሎ ኸኣ ይዓቢ። እታ እቲ ብሩኽ ፖሊካርፕ ኮፍ ኢሉ ዝሰብከላ ዚነበረት ቦታ ዝኸደሉን ዝወጸሉን ዚነበረ ኩነታት ቅርጺ ኣካላቱ ነቲ ህዝቢ ክመኽሮ ኢሉ ዝገብሮ ዚነበረ ዘረባን ሕጂውን ክዝክሮ እኽእል እየ። ንሱ ብዛዕባ እቲ ምስ ዮሃንስን ምስቶም ንጎይታ ዚረኣይዎ ካልኦትን ዝወጸሉ ምእታዉን ምውጻኡን ብዛዕባ ዘረባኦምን እዚን ከምዚ ዚኣመሰለን ካብኣቶም ብዛዕባ ጎይታ እቲ ንሱ ዝሰምዖ ብዛዕባ ግብርታትን ተኣምራታትን ጎይታን ትምህርትታቱን ብዙሕ እዋን ይዛረብ ነበረ።

ፖሊካርፕ ካብቶም ንቃል ህይወት ብዓይኖም ዚረኣዩዎ ስለ እተቐበሎ ኩሉ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ገይሩ ይነግር ነበረ። ከምዚ ኮይኑውን ምሕረት ኣምላኽ ኣብ ልዕለይ ነበረት እሞ ነዚ ነገራት እዚ ኣብ ወረቐት ዘይኮነስ ኣብ ልበይ እናወቀጥኩዎ ጽን ኢለ እሰምዕ ነበርኩ። (ያንግ 128)ከምቲ ክርስቶስ ኣብ ናዝረት ዚገበሮ ኣብ ናይ ኣባይቲ ኣብያተ ክርስትያናት እቲ ሰባኺ ኮፍ ይብል ከም ዚነበረ ኣስተውዕሉ ኢኹም (ሉቃስ 4 20-21)። እዚውን ሓደ ካብ ባህሊ ኣይሁድ እዩ። እቲ ምእታውን ምውጻእን ብድሕሪ እቲ ኣገልግሎት ኸኣ ምምላስን ምናልባት ካብቲ ብጎኒ ዘሎ መዓጹ እቲ ቤት ክኸውmን ይኽእልዩ።ከምዚ ናይ ፖሊካርፕ ዝበለ ስብከት እንደገና ክድገም ዚከኣል ኣይኮነን። ኣብ 180 ዓመተ ምህረት ኢረናዎስ ኣብ ዝጸሓፈሉ ጊዜ ንየሱስ ብዓይኑ ዚረኣዮ ሃዋርያ ዚመሃሮ ሰባኺ ብህይወት ዝነበረ ሓደኳ ኣይነበረን። ይኹንምበር ኢርናዎስ እቲ ፖሊካርፕ ካብቶም ናይ ዓይኒ መሰኻክር እተቐበሎ ልክዕ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ምዃኑ ከነሰተውዕል ይግባእ። ሓድሽ ኪዳን እቶም መሰኻኽር ዓይኒ ዝመሓላለፍዎ እዩ። ስለዚ ኸኣ ሎሚ ስብከታትና ምስ ናይ ፖሊካርፕ ሓደ ዓይነት መሰረት ክህልዎ ይኽእልዩ።

ቅዱስ ቁርባን

ጃስቲን ድሕሪ ኣገልግሎት ንባብ ቅዱስ ጽሑፋት ስብከትን ጸሎትን ነቲ መዛዘሚ እቲ ናይ ሰንበት ኣምልኾ ዝኾነ ቅዱስ ቁርባን ይገልጾ። እንጌራን ምስ ማይ እተሓወሰ ወይኒን ናብቲ ፕረሲደንት ይቐርብ። ንሱ ከም ዝከኣሎ ገይሩ ጸሎት ምስጋና የቕርብ እሞ እቲ ኣኼባ ኸኣ ኣሜን ይብል። እዚ ብቋንቋ እብራይስጢ ከምኡ ይኹነለይ ማለት እዩ። እቶም ዲያቆናት ነቲ እንጌራን ወይንን ነቲ ኣብኡ ዘሎ ሰብ ይዕድልዎ። ነቶም ዘይተረኽቡ ሰባት ኸኣ ይወስዱሎም። እቶም ክህቡ ዚደልዩ ሃብታማት ኣብቲ ዝዋጻእ ክህቡ ይኽእሉ እዮም። እዚ ምስቲ ፕረሲደንት ይተሓዝ። ንዘኽታማት ንመበለታት ንዝሓመሙ ወይስ ንእተሸገሩ ንእተኣስሩን ነቶም ኣብኡ ዝቕንዩ ኣጋይሽን ዝሓልየሎም ንሱ እዩ። አረውን ንኹሉም ዝሽገሩ ዚሓልየሎም ንሱ እዩ። (ያንግ 133)። (ዘ ቸርች ኣንድ ዞስ ኢን ኒድ ገጽ 27-28 ረአ)።

ጃስቲን ክምዚ ኢሉ ይቕጽል

ምሕጻብ ይቕረታን ካልኣይ ልደትን እተቐበሉ ከምቲ ክርስቶስ ዚመሃሮ ዚነብሩ ኣመንቲ ጥራይ ነዚ መግቢ እዚ ነዚ ዩካሪስት (ቅዱስ ቁርባን) ተባሂሉ ዝጽዋዕ (ነቲ እንጌራን ወይንን) ክወስድዎ ይኽእሉ። ንዓና እዚ እንጌራን ወይንን ጥራይ ኣይኮነን። የሱስ ክርስቶስ ከድሕነና ኢሉ ስጋን ደምን ኮነ። እዚ በቲ ካብቲ ንሱ ንባዕሉ ስጋ ካብ ዝኾነ የሱስ ብዝኸውን ቃል ጸሎት ዝባረኽ እንጌራ ስጋን ደምን የሱስ ከም ዝኾነ ተማሂርናዮ ኢና።

ገለ ገለ ቃላት ጃስቲን መግለጺ የድልዮ እዩ።

ዩካሪስት (ቅዱስ ቁርባን)። ጃስቲን እቲ መግቢ ቅዱስ ቁርባንዩ ዝብሃል ይብሎ። ይኹንምበር ነቲ ምሉእ ኣገልግሎት ማለቱ እዩ። ኢውካሪስታ ብቋንቋ ግሪኽ ምስጋና ማለት እዩ። ክርስቶስ ከምቲ ሕጉስ ሰብ ዚገብሮ ብምስጋና ጀመረ (1 ቆረንጦስ 1124)። ምስ ማይ እተሓወሰ ወይኒ። ከምዚ ሎሚ ኣብ ሃገራት መዲተራንያን ዝኾኖ ዘሎ ኣብ ጊዜ ክርስቶስ ድኻታት ሰባት ኣብ እዋን መኣዲ ነቲ ወይኖም ማይ ይሕውሱሉ ነበሩ። ምናልባትውን ኣብታ ቀዳመይቲ ድራር ጎይታ ከምዚ ተገይሩ ክኸውን ይኽእልዩ።

ከም ዚከኣሎ። ብሓቂ ጸሎት ምስጋና ወይስ ጸሎት ኢውካሪስት ብዘይካ እቲ ካብ የሱስ ዝኸውን ጸሎት ብሓደ መልክዕ ዝኸውን ወይስ ዝጽለ ጸሎት ኣይበረን።

ብቃል ጸሎት ዝባረኽ። ናይ ቃል ብቃል ትርጉሙ ብኢውካሪስት (እዚ ሓድሽ ቃል ኣብ ክርስትና እዩ) ዝሓልፍ ማለት እዩ።

ካብኡ (ክርስቶስ) ብዝኸውን ቃል። እዚአን (1 ቆሮንጦስ 1123-25) ቃላት መሰረት እየን። ጃስቲን ኸኣ ነዘን ቃላት እዚአን ይጠቕሰን። ኣብ ኩሉ ዘበንን ኣብ ምሉእ ዓለም እዘን ቃላት እዚአን ኣብ ቅዱስ ቁርባን ሕምብርቲ እየን። 

እንጌራን ወይንን ጥራይ ኣይኮነን። ኢረናዎስ ኣቡን ልዮን ብዛዕባ ህላወ ክርስቶስ ኣብ ቅዱስ ቁርባን ብተመሳሳሊ መንገዲ ጽሒፉ ኣሎ።

ንኣምላኽ ነቲ ናቱ ዝኾነ ነገራት ኢና እንውፍዮ። ... እንጌራ ካብ መሬት እዩ ዝመጽእ። ንኣምላኽ ክውፈ እንከሎ ግን እንጌራ ጥራይ ኮይኑ ኣይቅጽልንዩ። ሕጂ እዚ ሓደ ሰማያዊ ከምኡ ኸኣ ምድራዊ ነገር ይኸውን። ከምኡ ኸኣ እዚ ዝመውት ስጋና ቅዱስ ቁርባን በሊዑ ተስፋ ትንሳአ ናብ ዘልኣለም ህይወት ይህልዎ። (ያንግ 135)

እዚ ክልቲኡ ሓሳባት እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተሰረተ እዩ። ጃስቲን እዚ ስጋይ እዩ ... እዚ ደመይ እዩ ዝብል ቃላት ክርስቶስ እዩ ዝዝክር። ኢረናዎስ ኸኣ እንጌራ ህይወት ኣነ እየ (ዮሃንስ 635) እዩ ዝዝክር። ንድኻታት ዝዋጻእ ገንዘብ ክሳብ ሕጂ ከም ኣካል እቲ ኣገልግሎት ኮይኑ ኣብ መብዛሕትአን ኣብያተ ክርስትያናት ይቕጽል ኣሎ። ተርቱልያን ኣብ ታሕቲ ብዛዕባ ወርሓዊ ውጽኢት ምስ ዝብሎ ክነጻጸር ይከኣልዩ።

 

ዲሲፕሊን ቤተ ክርስትያን

ተርቱልያን በዓል ካርተጅ ብዛዕባ መግናሕቲ ኣባላት ቤተ ክርስትያንን ብዛዕባ እቶም ዘተግብርዎን ሰባት ከምዚ ይብል

ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንገብር ከም ዘለና ስለ እንፈልጥ መግናሕቲ ቤተ ክርስትያን ብክብድ ዝበለ መልክዕ እዩ ዝከየድ። እዚ ብምኽንያት ከቢድ ሓጥያት ሓደ ካብ ሕብረትና ክእለ ክግደድ እንከሎ ብፍላይ ከቢድ ይኸውን።

ኣብዚ እቶም ብምኽንያት ፍቱን ባህርያት እምበር ብምኽንያት ገንዘብ ዘይሽየሙ ሽማግለታትና ይመርሑና። ምሻጥን ምግዛእን ነገራት ኣምላኽ ኣይፍለጥን እዩ።" (ካብ ያንግ 136 ዝሓጸረ)

ቤተ ክርስትያንን ጽጉማትን

ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ተርቱልያን ከምዚ ኢሉ ይቕጽል።

 

ኣብኣ ሓንሳብ ኣብ ወርሒ ዝደለየን ዓቕሚ ዘለዎን ዘእትዉላ ሳንዱቕ ገንዘብ ኣላትና። እዚ ገንዘብ እዚ ድኻታት ዘኽታማት ቆልዑ ኣረግቶት መርከብ ዝተሰብረቶም ኣብ ቦታታት ዕደና ግዱድ ዕዮ ክሰርሑ እተገደዱ ክርስትያናት ወይስ ናብ ደሴታት እተሓየሩ ወይስ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ እተኣስሩ ንምሕጋዝ እምበር ኣብ ፊስታን መስተን ኣይጠፍእንዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ከኣ እዮም ሰባት ርኣዩዎም እሞ ክሳብ ክንደይ ንሓድሕዶም ክፋቐሩ! ዝብሉና።

 

ድራር የሱስን ደቀመዛሙርቱን (ዚ ላስት ሳፐር) ዘርኢ ድሒሩ ዚመጸ ኣብ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ኣፖሊናሪስ ኣብ ራቨና ዝርከብ ሞዛይክ ኣብ ሓሙሻይን ሻዱሻይን ክፍለ ዘበን ኣብ ኢውካሪስት ዚጥቀሙሉ ዚነበሩ ዓይነት ጣውላን ጨርቅን ከምኡ ኸኣ ልሙድ መመላኽዒን የርኢ።  

 

ተርቱልያን ነዚ ኣብ ካርተጅ ኣብ 197 ዓመተ ምህረት ጸሓፎ። እዚ ኸኣ ምስቲ ጃስቲን ኣብ ሮም ኣቐዲሙ ብዛዕባ ንድኻታት ዝዋጻእ ውጽኢትን መዓላኡን ዝጸሓፎ ኪነጻጸር ይከኣልዩ።

 

ኣብ ከባቢ 250 ዓመተ ምህረት ኣብ ሮም ዚነበራ ኣብያተ ክርስትያናት (ዩዘብዩስ ከም ዝብሎ) ኣብ ርእሲ ምሕጋዝ ጳጳሳቶም 46 ሽማግለታትን ኣዝዩ ብዙሕ ቁጽሪ ታሕተዎት ካብ ኣንበብቲ ክሳብ ዋርድያታት ዝበጽሑ ሰብ መዚን

ልዕሊ 1500 መበለታትን ድኻታትን ኩሎም ብጸጋን ብለውሃትን እቲ ጎይታ (ማለት ክርስቶስ) ይናበዩ። (ያንግ 41)

 

ጸኒሑ ኣብ 362 ዓመተ ምህረት ጸላኢ ክርስትያናት ዚነበረ ንጉሰ ነገስት ጁልያን ከምዚ ኢሉ የጉረምርም።

 

ማንም እተሸገረ ሰብ ናብ ኣብያተ መቕደስ (ኣብያተ መቕደስ ጣኦታት) ቁሊሕ ኣይብልን እዩ። እዞም ክርስትያናት ግን ድኻታቶም ጥራይ ዘይኮነ ንድኻታትናውን እውን ይምግቡዎም ኣለዉ። (ያንግ 179)

 

ብሓቂውን እተሸገሩ ሰባት ናብ መንግስቲ እውን ቁሊሕ ኣይብልን እዩ ክብል ይኽእል ነይሩ እዩ። ንማህበራዊ ሕቶታትን ንማሕበራዊ ኣገልግሎትን ብዝምልከት ቤተ ክርስትያን ንመንግስቲ ኣዝያ ቀዲማቶ ነበረት። ሞትን ቀብርን ኣቐድም ኣቢልና ኣብ መጀመርታ መቓብር እቲ እንኮ ንብረት ቤተ ክርስትያን ከም ዚነበረ ርኢና ኣሎና። ጽሑፋት መቓብር እቲ ዚጠንተወ ስነ-ቅርጺ ክርስትና የርኢ። እቲ ኣዝዩ ፍትዊ ኣብኡ ዝርከብ ስእሊ እቲ ኣብ ማእገሩ ጸይሩ መጓሰኡ ናብ ቤት ዘእትወን ስእሊ እቲ ሕያዋይ ጓሳ እዩ። ኣሪስቲድ እተባህለ ኣቴናዊ ኣብ ከባቢ 140 ዓመተ ምህረት ዚጸሓፎ ሓደ ክርስትያናዊ መግለጺ ቀብሪ ኣብዚ እንሆ። ሓደ ጻድቕ ሰብ ካብ መንጎና ካብዛ ዓለም እዚኣ ክሓልፍ እንከሎ ንሕጎስን ንኣምላኽ ነመስግንን። ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ይግዕዝ ከም ዘሎ ንሬሳኡ ንስዕቦ። (ያንግ 181) ፐርፐችዋ እተባህለት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዚነበረት ብዙሕ ከይደንጎየ ክኣ ብሰማእትነት እትሓልፍ ዚነበረት ሓንቲ ካርተጅያዊት ጎርዞ ኣብ 202 ዓመተ ምህረት ብዛዕባ ሞት ዚረኣየቶ ሕልሚ ትገልጾ።

ሓደ ዓብዪ ቦታ ኣታኽልቲ ኣብ ማእከሉ ኸኣ ሓደ ጻዕዳ ዝጸጉሩ ከም ጓሳ እተኸድነ ነዊሕ ሰብኣይ ኣብ ዙርያኡ ኸኣ ጻዕዳ እተኸድኑ ብዙሕ ኣሽሓት ረአኹ። ... ኢዱ ኣልዒሉ ጠመተኒ እሞ በለ። ጓለይ ምምጻእኪ ኣዝዩ ጽቡቕዩ። ... እንጌራ ኸኣ ሃበኒ። ነዚ ኸኣ ሓደ ኣብ ልዕሊ ሓደ ብእተነባበረ ኣእዳው ተቐበልክዎሞ ኩሉ ሰብ ኸኣ ኣሜን በለ። እቲ ጥዑም መቐረት ገና ኣብ ኣፈይ እናተፈለጠኒ ኸኣ ተበራበርኩ (5)

ትምህርቲ ኣገባብ ጸሎት

ሓደ ካብቲ ዝበለጸ ኣብነታት ከምዚ ዝበለ ትምህርቲ ካብ ኦሪገን ዝርከብ እዩ። እዚ ኣብ ከባቢ 236 ዓመተ ምህረት ኣብ ቄሳርያ (ካርታ 3) እተጻሕፈ እዩ። እዚ ሓጺር ጽማቑ ሓደ ክፋል መጽሓፉ ብዝተኻእለ መጠን ንቃላት ኦሪገን ክጥቀመሉ ይፍትን።

ከመይ ትጽሊ? ንኣእምሮኻ ኣህድኣዮ። ንገዛእ ርእስኻ ኣብ ህላውነት ኣምላኽ ኣንብራ። ኣምላኽ ይጥምተካ ከም ዘሎ ኣምላኽ ኣብኡ ከም ዘሎ ኩን። ድሕሪዚ እነኹ (ኢሳ 589) ዝብል መልሲ ጎይታ ኪትሰምዕ ኢኻ። ህላወ ኣምላኽ ኪትፈልጥ እዚ እቲ ዚዓበየ መልሲ ጸሎት እዩ።

ኪትጽልዩ እንከለኹም በይንኹም ኣይትጽልዩን። ክርስቶስ ምሳኹም ይጽሊ እዩ። እቶም ብምምላስ ሓደ ሓጥእ ናብ ኣምላኽ ዝሕጎሱ መላእኽቲ ኸኣ ምሳኻትኩም ይጽልዩ እዮም።

መዓስ ትጽሊ? እቲ ጥዑይ ህይወት ህይወት ጸሎት እዩ እሞ ኩሉ ጊዜ ክንጽሊ ተነጊሩና ኣሎ።  ጸሎት በቲ ልሙድ ትርገሙ እንተ ወሓደ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ሰለስተ ጊዜ ክኸውን ይግባእ (ዳን 610) ንግሆ (መዝ 53) ቀትሪን (ግብሪ ሃዋርያት 109) ምሸትን (መዝ 1412)። ብዛዕባ እንታይ ትጽሊ? ብዛዕባ ገዛእ ርእስኹም ጸልዩ። ምእንቲ ካልኦት ጸልዩ። ኣመስግኑን። ብዛዕባ እቲ ኣዝዩ ዓበይቲ ነገራት ኪትጽልዩ ኣይትረስዑ ኢኹም (ማቴ 633)።ደው ምባል ምንብርካኽ ወይስ ኮፍ ምባል? ኣዒንቲ ቀኒዑ ኣእዳው ተዘርጊሑ ነፍሲ ናብ ላዕሊ ከተንቃዕርር ኣእምሮኻ ኸኣ ናብ ኣምላኽ ከተልዕል ደው ምባል እዚ እቲ ዝበለጸ ኣቃውማ እዩ (ስእሊ 2.2 ረአ)። ምሕረት ኣምላኽ ኪትሓትት እንከለኻ ምንብርካኽ ቅኑዕ እዩ። ይኹንምበር እግርኻ ከሕምመካ እንከሎ ኮፍ ኪትብል ትኽእል ኢኻ። ገለ ረስኒ ኪግብረልካ እንከሎ ግምብው ኪትብል እውን ትኽእል ኢኻ። ኣብ ገለ እዋናት ንኣብነት ኣብ ባሕሪ ኣብ ማእከል ህዝቢ ብዛዕባ ኣቃውማ ክትሽገር ፍጹም ግቡእ ኣይኮነን።

ቦታ ጸሎት ዝኾነ ቦታ ቅቡል ቦታ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሓደ ቦታ ምስ ጸለኻሉ ቅቡል ቦታ ይኸውን። ኣብ ቤትካ ሓደ ጽምዋ ጽሩይን ምቹእን ቅዱስ ቦታኻ ኪትገብሮ እትኽእል ቦታ ምረጽ። ልዕሊ ኩሉ ህላወ መላእኽቲ ሓይሊ ጎይታ ባዕሉ መንፈስ ቅዱሳት ሰባት - መንፈስ እቶም ብህይወት ዘለዉን መንፈስ እቶም ዝሓለፉን እንጽበየላ ሓንቲ ቦታ ኣላ። ጉባአ እቶም እሙናት ዚጋባኣላ ቦታ ማለተይ እየ። (ያንግ 173)

በዓላት ክርስትና - ትንሳአ ጴንጠቆስጠ ጥምቀትን ልደትን

ክርስትያናት ከምልኹ ዝእከቡላ መዓልቲ ክጽውዓ እንከሎ ጃስቲን ሳንደይ (ሰንበት) እትብል ቃል ይጥቀም። እዚ ሳንደይ ዝብል ቃል መዓልቲ ጸሓይ ካብ ኣምልኾ ተፈጥሮ ዚመጸ ቃል እዩ። ይኹንምበር ምስ ሓሳባት ክርስትና ከተታኣሳስሮ ቀሊል እዩ። ክርስቶስ ጸሓይ ጽድቂ (ሚልክያስ 42) ብርሃን ዓለም (ዮሃንስ 95) እዩ። ጃስቲን ሰንበት ኣምላኽ ብርሃን ይኹን ዝበለላ እታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ፍጥረት ከምኡ ኸኣ የሱስ ካብ ምዉታት ዚተንስኣላ መዓልቲ ከም ዝኾነት ይሓስባ ነበረ። ኣብ ሓድሽ ኪዳን ንክርስትያናት እዛ መዓልቲ እዚኣ ነታ ናይ ኣይሁድ ሰንበት (ቀዳም) ክትትክኣ ከም ዝጀመረት ክንርኢ ንኽእል ኢና (ግብሪ ሃዋርያት 203፤1 ቆሮንጦስ 162፤ ራእይ 110)። እዛ ናይ መወዳእታ ጥቕሲ ነታ መዓልቲ እቲ ናይ ሓቂ ስማ ይህባ - መዓልቲ ጎይታ።

ጽኑዓት ኣይሁድ ኣብ ሰሙን ክልተ ጊዜ ኣብ ሰኑይን ሓሙስን ይጸሙ ነበሩ (ሉቃስ 1812)። ኣብ ከባቢ 100 ዓመተ ምህረት ክርስትያናት እውን ክልተ ጊዜ ይጸሙ ነበሩ። ይኹንምበር ነተን መዓልታት ናብ ሮቡዕን ዓርብን ቀይሮመን ነበሩ። ኣብ ሮቡዕ ንምትሓዝ የስéስ ይዝክሩ ነበሩ (ማርቆስ 1410)፤ ኣብ ዓርቢ ኸኣ ንስቕለቱ (ማርቆስ 15 24-25)።

ይኹንምበር እዚ ፍጻመታት እዚ ኣብ ፍሉይ መዓልታት ሰሙን ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ፍሉይ ወቕቲ ኣብ ከባቢ ዕለት 14 ወርሒ ኒሳን እዚ ማለት ከኣ ኣብ ምልእቲ ወርሒ ኣብ ጽድያ ኣብ ቅነ ፋሲካ ኣይሁድ ይኸውን ነበረ። እዚ በዓል እዚ እስራአላውያን ካብቲ ናይ ግብጺ ባርነት ዝሞለቑሉ መዓልቲ ዝዝከረሉ መዓልቲ እዩ። ስለዚ ኸኣ ኣብ አስያ ማይነር ዚነበሩ ክርስትያናት ንትንሳአ ኣብቲ ፋሲካ ኣይሁድ ዚበዓለሉ መዓልቲ የብዕልዋ ነበሩ። ንኣይሁድ ፋሲካ ቤተሰብ ዚተኣኻኸበሉ ጊዜ እዩ። ንሓድሕዶም ኸኣ ክርስትያናት ርሑስ ልደት ከም ዝብልዎ ርሑስ ፋሲካ ይብሃሃሉ። ይኹንምበር ክርስትያናት ን14 ኒሳን ስቕለት እናዘከሩ ብዕቱብ ይቕበልዋ እሞ ንትንሳአ እናዘከሩ ሓጎስ ብዚመልኦ ቅዱስ ቁርባን ይድምድምዋ።

ኣቡን ስሚርና ፖሊካርፕ ሮማ ኣብ ዝበጽሓሉ ንኣቡን ሮማ እዚ ስርዓት እዚ ካብ ሃዋርያት እናተመሓላለፈ ከም ዚመጸ ከረድኦ ኢሉ ኣብ ዚፈተነሉ ኣብ 154 ዓመተ ምህረት እዚ ስርዓት እዚ ኣብ ምዕራብ ይፍለጥ ኣይነበረን። ድሕሪ ቁሩብ እዋን ትንሳአ ኣብ ኣለክሳንድርያን ኣብ ሮማን ኣብታ ድሕሪ ፋሲካ ኣይሁድ ኣብ ዘላ ሰንበት ክበዓል እንከሎ ንረክብ። እታ መዓልቲ እቲኣ መዓልቲ ትንሳአ ነበረትሞ እሞ ኸኣ ዓመታዊ ኣውደ ኣመት ኣብ ሰንበት እንተ ዘይኮይኑ ኣብ ካልእ መዓልቲ ቅኑዕ መሲሉ ስለ ዘይተረኣየ ኣብ ሰንበት ይበዓል ነበረ። ስለዚ ትንሳአ ናይ ክርስትና እቲ ዚጠንተወን ዚዓበየን ኣውደ ኣመት ኣብ ናይ ጽድያ ዘላ ምልእቲ ወርሒ ቀዳመይቲ ሰንበት ንኽትውዕል ቆመት። እታ ቅድሚኣ ዘላ ዓርቢ (ሕጂ ዓርቢ ስቕለት ትብሃል ዘላ) ኸኣ ስቕለት ዝዝከረላ መዓልቲ ጾም ኮነት። ቅድሚ በዓል ትንሳአ ዘሎ ጾም ቀስ ብቐስ ካብ ክልተ መዓልቲ ዓርብን ቀዳምን ናብ ምሉእ ሰሙን፤ ድሕሪኡ ኸኣ ናብ ኣርብዓ መዓልታት ጾም ኣርብዓ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ተናውሐ። ትንሳአ ዚኣመኑ ክጥመቑ ዚመጹላ ምሩጽ ጊዜ ነበረሞ እቲ ኣርብዓ መዓልታት ከም መዳለዊ ጊዜ ይውዕል ነበረ።

መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሊ ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ጴንጠቆስጠ ኣይሁድ (እዚ በዓል ዓጺድ እዩ። እዚ ጴንጠቆስጠ ዝብል ቃል ብቋንቋ ግሪኽ መበል ሓምሳ ማለት መበል ሓምሳ መዓልቲ ድሕሪ ፋሲካ ማለትዩ) ስለ ዝወረደ ክርስትያናት መንፈስ ቅዱስ ዚወረደሉ በዓል ብመበል ሓምሳ መዓልቲ ማለት ድሕሪ ትንሳአ ኣብ ዘላ ኣብታ ሻብዐይቲ ሰንበት ገበርዋ።  በዓል ዕርገት ኣብ መንጎ ክልቲኡ ኣብ ዘሎ ጊዜ ኣርብዓ መዓልቲ ድሕሪ ትንሳአ (ግብሪ ሃዋርያት 13) እዩ ዝብዓል። ጴንጠቆስጠ ኸኣ ኣብ ክርስትና እቲ ዝዓበየ ካልኣይ በዓል ኮነ። ኣብ ቋንቋ እንግሊዝ እዚ ዊት ሳንደይ (ማለት ዋይት) ሳንደይ (እዚ ኸኣ ጻዕዳ ሰንበት) ክብሃል ጀመረ። እቲ ምኽንያት ልክዕ ከም ኣብ ትንሳአ ኣብዚ በዓል እዚ ብዙሓት ሓደስቲ ዝጥመቑ ነበሩሞ ጻዕዳ ልብሲ ኸኣ ይለብሱ ስለ ዝነበሩ እዩ።

ኣብ መበል ራብዓይ ክፍለ ዘበን ክልተ ዓበይቲ በዓላት ኢፒፋኒ ማለት ምግላጹን (6 ጥሪ) ልደትን (25 ትሕሳስ) ተወሰኻ። ብሓቂ ማንም መዓልቲ ልደት ክርስቶስ ዝፈልጥ ሰብ የለን። ይኹንምበር ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ዓለም ኣብ ኣጋ መወዳእታ ታሕሳስ ወይስ መጀመርታ ጥሪ ብምኽንያት እቲ ዝሓልፍ ሓጺር መዓልታት ጥንታዊ በዓላት ሓጎስ ነበረ። በዓል ውርጪ ሮማውያን በዓል እታ ዘይትምብርከኽ ጸሓይ ይብሃል ነበረ። ኣብዚ እዋን እዚ ሄለና ኣደ እቲ ደጋፊ ክርስትና ዝነበረ ሮማዊ ንጉስ ነገስት ኮንስታንቲን ልደት ኣብ ልዕሊ እታ የሱስ እተወልደላ ናይ ቤተልሄም በዓቲ ቤተ ክርስትያን ኣስሪሓ ነበረት። ናብዛ ቤተ ክርስትያን እዚኣ ኸኣ ኣቡን ይኹን ወይስ ተራ ሰብ ናብቲ ኣብ ዓመት ዓመት ኣብ ፍርቂ ለይቲ ጥሪ 6 ዝካየድ ዚነበረ ዑደት ምግላጹ ንምዝካር (ኢፒፋኒ ብቋንቋ ግሪኽ ምግላጽ ማለት እዩ) ይኸይድ ነበረ። እዚ በዓል እዚ ምስ ጥምቀት የሱስ ከም ፍትዊ ወዲ ኣምላኽ እተገልጸሉ እውን እተኣሳሰረ እዩ።

ቤተ ክርስትያን ኣርመን ክሳብ ሎሚ ምግላጽ የሱስ ከም ዕለተ ልደቱ ተብዕሎ ኣላ። መዓልቱ 7 ጥሪ ይኹንምበር ኣብ ህንዲ ዘላ ቤተ ክርስትያን ሶርያ እውን ንልደት የሱስ ኣብ መዓልቲ ምግላጽ (ኢፒፋኒ) እያ እተብዕሎ። ልደት (በዓል ክርስቶስ) ኣብ 25 ታሕሳስ ኣብታ በዓል ኣህዛብ ዝኾነት በዓል ዘይትምብርከኽ ጸሓይ እትብዓለላ መዓልቲ ንመጀመርታ እተባዕለሉ ኣብ ሮማ እዩ። እዚ ልምዲ እዚ ዓብዪ ተቐባልነት ረኸበ እሞ ቀልጢፉ ናብ ምብራቕ ገጹ ኣስፋሕፍሐ። 25 ታሕሳስ ልደት የሱስ ንምዝካር ተቐባልነት ኣብ ዝረኸበሉ ቦታ 6 ጥሪ (ኢፒፋኒ) ምስዚ ፍጻመ እዚ ምትእስሳሩ ተበትከሞ ምትሕሓዙ ምስ ጥምቀት የሱስ ጥራይ ተሓጽረ። ይኹንምበር ምዕራባውያን ኣመንቲ ንኢፒፋኒ ከም በዓል ከቑምዋ እንከለዉ ነቲ ምስ ጥምቀት ክርስቶስ ዚነበራ ምትእስሳር ቀየርዎ ኣብ ክንድኡ ኸኣ ነቶም ኣህዛብ ብፍላይ ኸኣ ነቶም ካብ ምብራቕ ዝመጹ ሰብ ጥበብ ምስ ምግላጹ ዘሎ ጥራይ ኣተኣሳሰርዋ (ማቴዎስ 21)።

ካብ 156 ዓመተ ምህረት ኣትሒዙ እውን ኣብቲ ናይ ክርስትያን ዓመት ሓደ ፍልይ ዝበለ ዓይነት በዓል መዓልቲ ቅዱሳን ተወሰኸ። ኣብ 26 ጥሪ 156 ፖሊካርፕ ኣቡን ስሚርና

ንሰማንያን ሽዱሽተን ዓመታት ኣገልጊልዮ እየ  ...

ከመይ ገይረ ነቲ ዘድሓነኒ ንጉሰይ ክጸርፎ? (ያንግ 350) ኢሉ ንክርስቶስ ከይክሕድ ስለ ዝጸንዐ ሮማውያን ሰበ ስልጣን ብሓዊ ነዲዱ ክመውት ፈረድዎ።

ዛንታ ሰማእትነት ፖሊካርፕ ዝጸሓፉ ኣዕሩኽቱ ኣብ ልዕሊ መቓብሩ እዘን ቃላት እዚአን ወሰኹለን።

ልደት ሰማእትነቱ  ከነብዕል

ነቶም ቅድም እተቓለሱ ክንዝክር

ነቶም ብድሕሪ ሕጂ ዝቃለሱ ኸኣ ከነዳልዎም

ኣብኡ ብሓጎስን ብፍስሃን ክንእከብ ኢና። (ያንግ 163)

እዚኣ እታ ቀዳመይቲ እቲ በብእዋኑ ዝውስኽ ቁጽሪ መዓልቲ ቅዱሳን እያ። ቅዱስ ሰብ ኩሉ ጊዜ ኣብ መዓልቲ ሞቱ እዩ ኩሉ ጊዜ ዝዝከር። መዓልቲ ሞቱ ናብታ ኣብ ሰማይ ዘላ ቤተክርስትያን መዓልቲ ልደቱ እያ።

 ናይ ዝሓለፈ ጹሑፍት ንምክትታል ነዞም ዝስዕቡ ሊንክታት ጠውቑ

ታሪኽ ቤተ ክርስትያን ቀዳማይ ክፋል

ታሪኽ ቤተ ክርስትያን ካልኣይ ክፋል

ታሪኽ ቤተ ክርስትያን ሳልሳይ ክፋል

ታሪኽ ቤተ ክርስትያን ራብዓይ ክፋል