24
Tue, Jun
0 New Articles

ሕቶ: ስለምንታይ እዩ እግዚኣብሄር ኣቦ ንየሱስ ክርስቶስ ቀልጢፉ ወይ ደንጉዩ ናብ ምድሪ ዘይሰደዶ?

Letters
Typography

መልሲ: ምልኣት ዘመን ምስ መጸ ግና...ኣምላኽ ነዚ ኻብ ሰበይቲ እተወልደ ትሕቲ ሕጊውን ዝዀነ ወዱ ለኣኾ። (ገላትያ 4: 4):: እዚ ጥቕሲ እግዚኣብሄር ኣቦ ንየሱስ ክርስቶስ "ምልኣት ዘመን ምስ መጸ" ከም ዝለኣኾ ይነግረና::

ኣብ መበል ቀዳማይ ዘመን: የሱስ ክርስቶስ ንክመጽእ ምቹእ ሃዋህው ዝፈጥሩ ብዙሓት አጋጣሚታት ይፍጸሙ ኔሮም:: እዚ በተሓሳስባ ሰብ ማለት እዩ::

1) ኣይሁድ እቲ መሲሕ ንክመጽእ ሃረር ዝብልሉ ዝነበሩ እዋን እዩ ኔሩ:: መግዛእቲ ሮማውያን አብ ልዕሊ ኣይሁድ ንምግላጽ እቲ መሲሕ ሃረር ክብሉ ጌርዎም::

2) መብዛሕትኡ ክፋል ዓለም ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ሮማ ብምንባሩ: ኣብ ዓለም ተዛማዲ ሓድነት ኔሩ:: ግዝኣት ሮማ ብተዛማዲ ሰላም ስለ ዝነበረ ድማ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ንምንቅስቓስ ናጽነት ኔሩ:: እዚ ድማ ወንጌል ብቐሊሉ ንክዝርጋሕ ይሕግዝ:: ከምዚ ዝኣመሰለ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ናይ ምንቅስቓስ ነጻነት አብ ካልእ ዘመን አጸጋሚ እዩ ኔሩ::


3) ወላኳ መብዛሕትኡ ክፋል ናይ ዓለም ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ መግዛእቲ ሮማ እንተነበረ: ኣብቲ እዋን እቲ ቀንዲ መራኸቢ ቋንቋ ዝነበረ ግና ቋንቋ ግሪኽ እዩ ኔሩ:: እዚ ድማ ወንጌል ንብዙሓት ዝተፈላለዩ ሰባት በዚ ቀንዲ መራኸቢ ቋንቋ ግሪኽ ክስበኽ የኽእል::

4) እቶም ዘምልኽዎም ዝነበሩ ኣማልኽቲ ካብቲ ግዝኣት ሮማውያን ከናግፍዎም ስለ ዘይከኣሉ: ብዙሓት ነቶም ኣማልኽቲ ምስዓብ ዝገደፉሉ እዋን እዩ ኔሩ:: ኣብተን ዕብይ ዝበላ ከተማታት ድማ ናይቲ እዋን እቲ ፍልስፍና ናይ ግሪኽን ሳይንስን: ልክዕ ከምዚ ናይዚ እዋንና ጸረ ኣምላኽ ዝኾኑ ናይ ኮምዪኒስት መንግስታት ዝገብርዎ: ነቶም ኣብቲ እዋን ዝነበሩ ሰባት ብመንፈስ ጥርሖም ጌርዎም ኔሩ::

5) ኣብቲ እዋን ዝነበራ እምነታት ነቶም ህዝቢ ናብቶም "ዘድሕኑ ኣማልኽቲ" ደማዊ መስዋእትታት ከምጽኡ ይግድድኦም ኔረን:: እዚ ድማ ነቲ ሓደ መስዋእቲ ጥራሕ ዝሓትት ወንጌል ክርስቶስ ብቐሊሉ ንኽቕበሉዎ ይገብር:: ግሪኻውያን ብወገኖም ኣብ ዘልኣለማውነት ናይ ነፍሲ ይኣምኑ ኔሮም (ናይ ስጋ ዝይኮነ)::

6) ሰራዊት ሮማ ካብ ዝተፈላለየ ኣውራጃታት ግዝኣት ሮማ ወተሃደራት ብምኽታብ: ኣብተን ርሑቓት አውራጃታት ዘይተዘርግሐ ሮማዊ ባህልን ሓሳባትን (ከም ወንጌል ዝኣመሰሉ) ከም ዝፈልጡ ይገብሩ ኔሮም:: በዞም ወተሃደራት ድማ እዩ ወንጌል ንመጀመርታ ግዜ ናብ ብሪጣንያ ዝኣተወ::

እዞም ኣብ ላዕሊ ክንርእዮም ዝጸናሕና ሓሳባት መሰረቶም: ሰባት ብዛዕባ እቲ ግዜ እቲ ብምሕሳብ: ስለምንታይ የሱስ ክርስቶስ ንክመጽእ ምቹእ ሃዋህው ኔሩ ኢሎም ዝገመትዎ እዩ:: ግናኸ ናትና መግድን ናይ እግዚኣብሄር መገድን ዝተፈላለየ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና (ኢሳይያስ 55: 8):: ስለዚ ድማ እዞም ዝረኣናዮም ሓሳባት: እግዚኣብሄር ንየሱስ ክርስቶስ ናብ ምድሪ ኣብቲ ግዜ እቲ ንኽሰዶ ዝመረጸሉ ምኽንያት ክኾኑ ይኽእሉ: ከይኮኑ ውን ይኽእሉ እዮም:: ኣብ ገላትያ ምዕራፍ 3ን 4ን ዘሎ ሓሳብ ከም ዝብለና: ናይ እግዚኣብሄር መደብ ብኣይሁዳዊ ሕጊ ጌሩ ንናይ የሱስ ክርስቶስ ምምጻእ መሰረት ምንጻፍ እዩ ኔሩ:: ሕጊ ደቂ ሰባት ዕምቆት ናይ ሓጢኣቶም ክሳዕ ክንደይ ምዃኑ ብምርኣይ (ነቲ ሕጊ ንምግባር ስለ ዘይተኻእሎም): ንየሱስ ክርስቶስ ካብ ሓጢኣቶም ሓራ ዘውጽኦም እንኮ መድሓኒ ምዃኑ ፈሊጦም ከም ዝቕበልዎ ንምግባር እዩ መጺኡ (ገላትያ 3: 22-23; ሮሜ 3: 19-20):: ብተወሳኺ ሕጊ ዝቖመሉ ምኽንያት (ገላትያ 3: 24) ንደቂ ሰባት ናብ የሱስ ክርስቶስ: እቲ መሲሕ ንኽመርሖም እዩ:: ነዚ ዝገበረሉ መንገዲ ድማ የሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ እቲ መሲሕ ዝትነበየ ብዙሕ ትንቢታት ብምፍጻሙ እዩ:: ብተወሳኺ ድማ እቲ ንሓጢኣት ተባሂሉ ዝስዋእ ዘየቋርጽ መስዋእቲ ከምኡ ውን ናይቲ መስዋእቲ ዘይምሉእነት (ዕጋበት ዘይህብ መስዋእቲ ምቕራብ) እዩ:: ኣብ ብሉይ ኪዳን ድማ ሰብኣውነትን ስራሕን ናይ የሱስ ክርስቶስን ብመንገዲ ብዙሕ ፍጻሜታትን በዓላትን (ንኣብነት: ኣብርሃም ንወዱ ይስሓቕ ክስውኦ ፍቓደኛ ምንባሩ: ከምኡ ውን ዝርዝር ታሪኽ አወጻጽኣ እስራኤላውያን ካብ ባርነት ግብጺ, ወዘተ...) ተገሊጹ ኣሎ::

ኣብ መወዳእታ: ክርስቶስ ኣብቲ ዝመጸሉ ግዜ ምምጽኡ ንሓደ ዝተወሰነ ትንቢት ንምምላእ እዩ:: ኣብ ትንቢት ዳኒኤል ምዕራፍ 9: 24-27 ብዛዕባ "ሰብዓ ሰሙን" ወይ ከኣ ሰብዓ "ሸውዓተታት" ይዛረብ:: ካብዚ ዓውደ ጽሑፍ ከም እንርድኦ: እዚ "ሰሙናት" ወይ "ሸውዓተታት" ንጉጅለ ሸውዓተ መዓልታት ዘይኮነ ሸውዓተ ዓመታት እዩ ዘመልክት:: ታሪኽ ብምምርማር ነቲ ዝርዝራት ናይተን ቀዳሞት 69 ሰሙናት ክንፈልጦ ንኽእል ኢና (እታ መበል ሰብዓ ሰሙን ኣብ መጻኢ እያ ትግለጽ):: ምቑጻር ናይታ መበል ሳብዓይቲ ሰሙን ዝጅምረሉ ግዜ "እቲ የሩሳሌም ክትሕደስን ክትህነጽን ዚብል ቃል ካብ ዚወጽእ ጀሚሩ" እዩ: (ጥቕሲ 25):: እዚ ትእዛዝ ብንጉስ አርታሕሻስታ ሎንጊማኑስ ኣብ 445 ቅ.ል.ክ. እዩ ተዋሂቡ (ነህምያ 2: 5 ርአ):: ድሕሪ ሸውዓተ "ሸውዓተታት" እተደመሮ ስሳን ክልተን (62) "ሸውዓተታት:" ወይ ድማ ድሕሪ 69*7 ዓመታት; እቲ ትንቢት "[እቲ] መሲህ ኪቕተል እዩ፡ ንርእሱ ግና ኣይኰነን። ህዝቢ እቲ ዚመጽእ መስፍን ድማ ነታ ኸተማን ነታ መቕደስን ኬጥፍእ እዩ" ወሲኹ ድማ "መወዳእታ ጥፋኣታ ኸኣ ከም ውሒዝ ኪመጽእ እዩ፡" ይብል (ማለቱ: ኣዝዩ ዓቢ ዕንወት): (ጥቕሲ 26):: ኣብዚ ከም ንርእዮ ብዛዕባ ምሟት ናይቲ መድሓኒ ኣብ መስቀል: ዘየጋጊ መወከሲ ኣለና:: ቅድሚ ሓደ ሚእቲ ዓመት ኣቢሉ; ኣብታ "The Coming Prince" (እቲ ዝመጽእ ልዑል) እትብል መጽሓፉ: ሰር ሮበርት ኣንደርሰን ነተን "ናይ ትንቢት ዓመታት" ብምጥቃም ዝርዝራዊ ትሕዝቶ ናይተን ስሳን ትሽዓተን ሰሙናት ጽሒፉ ኣሎ:: ሮበርት አንደርሰን; ናይ ሊፕ ዓመታት: አብ ዓውደ ዓመት ዘሎ ጌጋታት: ምቕያር ካብ ቅ.ል.ክ ናብ ድ.ል.ክ (ድሕሪ ልደት ክርስቶስ) ኣብቲ ዝገበሮ ድምር ብምእታው: የሱስ ክርስቶስ ናብ የሩሳሌም ተዓጂቡ ዝኣተወላ መዓልቲ (ሓሙሽተ መዓልቲ ቅድሚ ሞቱ ምዃኑ እዩ:) ብልክዕ እታ መወዳእታ መዓልቲ ናይታ መበል ስሳን ትሽዓተን ሰሙን ምዃኑ ረኺቡ:: ነዚ ኣቆጻጽራ ንጠቐም ኣይንጠቐም; እቲ ዋና መልእኽቲ የሱስ ክርስቶስ ሰብ ኮይኑ ናብዛ ምድሪ ዝመጻሉ ግዜ ምስ ዝርዝር ትሕዝቶ ናይዚ ቅድሚ 500 ዓመት ቅ.ል.ክ ብዳኒኤል ዝተጽሕፈ ትንቢት ዝተሓሓዘ እዩ::

እቲ የሱስ ክርስቶስ ዝመጻሉ ግዜ: ሰባት ንምግላጽ የሱስ ክርስቶስ ዝተዳለውሉ ግዜ እዩ ኔሩ:: ካብቲ ቀዳማይ ዘመን ኣትሒዙ ኣብ ነፍሲ ወክፍ ክፍለ ዘመን ዝተቐመጡ ሰባት የሱስ ክርስቶስ እቲ ናይ ብሓቂ መብጽዓ ዝተገብረሉ መሲሕ ምዃኑ ጭቡጥ መረጋገጺ አለዎም:: እዚ ድማ ነቲ ቅድሚ ምምጽኡ ብዛዕባ እቲ መሲህ ዝተጻሕፈ ዝርዝራዊ ትንቢታት ስለ ዝፈጸሞ እዩ::