24
Tue, Jun
0 New Articles

ሕቶ: የሱስ ክርስቶስ "ኪስዕበኒ ዚፈቱ እንተሎ፡ ህይወቱ ቐቢጹ ፡ መስቀሉ ኣልዒሉ ይስዐበኒ።" ክብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ?

Letters
Typography

መልሲ: እስከ በቲ ጌጋ ትርጉም ናይዚ ሓሳብ ንጀምር:: ብዙሓት ሰባት "መስቀል" ኣብ ሂወቶም ክስከምዎ ናይ ዘለዎም ጾር ጌሮም ይወስድዎ; ከም ዝተሓላለኸ ርክብ: ዘየዕግን ስራሕ: ኣካላዊ ሕማም ዝኣመሰሉ:: ብዘደንግጽ ሓበን ከኣ "እዚ ክስከሞ ዘለኒ መስቀል እዩ" ይብሉ:: ይኹንምበር የሱስ ክርስቶስ "መስቀሉ አልዒሉ ይስዓበኒ" ክብል ከሎ ነዚ ማለቱ አይኮነን::

የሱስ ክርስቶስ መስቀሉ ኣብ ጎልጎልታ ተሰኪሙ ንኽስቀል እናኸደ ከሎ: ነቲ መስቀል ከም ምልክት ናይ ጾር ጌሩ ዝሓሰበ ወልሓደ ሰብ አይነበረን:: ኣብ ቀዳማይ ክፍለ ዘመን ንዝነበረ ሰብ: እቲ መስቀል ሓደ ትርጉም ጥራይ ኔርዎ: ሞት ብኣዝዩ ዘሰቅቕን ውርደት ዝመልኦ ኣገባብን::


ድሕሪ ክልተ ሽሕ ዓመት: ክርስትያናት ንመስቀል ከም ኣዝዩ ተበሃጊ ምልክት ናይ ሕድገት ሓጢኣት: ይቕሬታ: ጸጋ ከምኡ ውን ፍቕሪ ይርእይዎ:: በቲ የሱስ ዝነበረሉ ግዜያት ግና መስቀል ምልክት ናይ ኣሰቃቒ ዓይነት ኣማውታ እዩ ዝነበረ:: ምኽንያቱ በቲ ግዜ እቲ ሮማውያን ብገበን ንዝተኸሱ ሰባት መስቀሎም ናብቲ ቦታ መስቀሊኦም ባዕሎም ተሰኪሞምዎ ከም ዝኸዱ ስለ ዝገብሩ ነበሩ:: መስቀል ምስካም ማለት መላገጽቲ እንዳላገጹልካ: መቕተሊኻ ዝኸውን መሳርሒ ሒዝካ ናብ ሞት ምምራሽ እዩ::

ስለዚ "መስቀልካ አልዕል እሞ ስዓበኒ" ማለት ንክርስቶስ ንምስዓብ ክሳዕ ሞት ድሉው ምዃን ማለት እዩ:: እዚ "ንገዛእ ርእስኻ ሙማት" ይበሃል:: እዚ: ጻውዒት ንገዛእ ርእስኻ ፍጹም ንምምራኽ እዩ:: የሱስ ብዛዕባ መስቀል ምስካም ምስ ተዛረበ: ቀጺሉ "ምድሓን ንፍሱ ዚደሊ ኼጥፍኣ እዩ እሞ፡ እቲ ንነፍሱ ምእንታይ ዜጥፍእ ግና፡ ንሱ ኼድሕና እዩ።" ኢሉ ይጠቅስ (ሉቃ 9:24-25):: እዚ ጻውዒት ከቢድ እዩ እቲ ዓስቢ ግና መወዳድርቲ የብሉን::

የሱስ ክርስቶስ ኣብ ዝኸዶ ቦታ ብዙሕ ህዝቢ ይስዕቦ ኔሩ:: ግናኸ: ወላኳ እቶም ህዝቢ ንየሱስ ከም መሲሕ እንተሰዓብዎ: ናይ ብሓቂ መሲሕ መን ምዃኑን እንታይ ክገብር ድማ ከም ዝመጸን ዝነበሮም አረዳድኣ ግና መስመሩ ዝሰሓተ እዩ ኔሩ:: የሱስ ክርስቶስ ናይ ምድሪ መንግስቲ ዳግም ከቑመሎም ዝመጸ ይመስሎም ኔሩ:: ካብቲ ጨቋኒ መግዛእቲ ሮማውያን ከናግፎም ከም ዝመጸ ይኣምኑ ኔሮም:: ካብቶም ደቀ መዛምርቱ ንየሱስ ከይተረፉ እታ የሱስ ዘቑማ መንግስቲ ቀልጢፋ ከም ትመጽእ ይመስሎም ኔሩ (ሉቃ 19: 11):: የሱስ: ኣብ መስቀል አብ ትሕቲ አይሁድን መራሕቶምን ከም ዝመውት ክዛረብ ምስ ጀመረ: (ሉቃ 9: 22) ህቡብነቱ ብኡንብኡ ክጠፍእ ጀሚሩ:: ብዙሓት ካብቶም ዝተገረሙ ሰዓብቱ ነጺጎሞ:: ብሓቂ: ነቲ ናቶም ሓሳብ: ሃቐና ከምኡ ውን መደብ ቀቲሎም በቲ ናይ የሱስ ክርስቶስ ሓሳብ ክትክእዎ ኣይከኣሉን::

ሂወት ኣብ ጣዕሚ እንትደኣ ሃልያ ንየሱስ ምስዓብ ቀሊል እዩ: ንየሱስ ዘለና ተወፋይነት አብ ግዜ ፈተና እዩ ዝገሃድ:: የሱስ ንሰዓብቱ መከራ ከም ዝገጥሞም መስኪሩ እዩ (ወን.ዮሃ 16: 33):: ወደመዝሙርነት መስዋእቲ ይጠልብ: የሱስ ድማ ነዚ ዝኽፈል ዋጋ ከይጠቐሶ ኣይሓለፈን::

ኣብ ሉቃስ ምዕራፍ 9: 57-62: ሰለስተ ሰባት ንየሱስ ክስዕብዎ ዝወሰኑ ይመስሉ ኔሮም:: የሱስ መሊሱ ምስ ሓተቶም ግና ተወፋይነቶም ፍርቂ ፍርቂ ኔሩ:: ንየሱስ ምሳዓብ ዘኽፍሎ ዋጋ አየስተውዓልዎን:: ሓደኳ መስቀሉ ኣልዒሉ ንኹሉ ዋኒኑ አብ መስቀል ቀቲሉ ንየሱስ ክስዕቦ ዝወሰነ አይነበረን:: ስለዝኾነ ድማ የሱስ ክእምኖም ፈቲኑ:: ክሳዕ ክንደይ ዝተፈልየ እዩ ምስዚ ሎሚ ንሰምዖ ወንጌል!! ክንደይ ሰባት እዮም ነዚ መስዋእቲ ዝሓትት "ንየሱስ ስዓቦ: ንየሱስ ብምስዓብካ ድማ የዕሩኽትኻ: ስድራኻ: ስራሕካ: ዝናኻ ወይውን ሂወትካ ክትከስር ትኽእል ኢኻ" ዝብል ጽውዓ ዝቕበልዎ? ቁጽሪ ናይ ሓሶት ኣመንቲ ኣዝዩ ምጎደለ ይኸውን! ነዚ ንምግላጽ እዩ የሱስ ክርስቶስ "መስቀሉ የልዕል እሞ ይስዓበኒ ዝበለ::

መስቀልካ ንምልዓል ቅሩብ ሙኻንካ ክትፈልጥ እንተደኣ ደሊኻ: ነዘን ዝስዕባ ሕቶታት ኣብ ግምት የእትወን::

ንየሱስ ንምስዓብ ቀረባይ ትብሎም የዕሩኽትኻ ክትከስር ፍቓደኛ ዲኻ?

ንየሱስ ንምስዓብ ስድራኻ ክትከስር ፍቓደና ዲኻ?

ንየሱስ ንምስዓብ ዝነበረካ ዝና ከተጥፍእ ፍቓደና ዲኻ?

ንየሱስ ንምስዓብ ስራሕካ ክትከስር ፍቓደኛ ዲኻ?

ንየሱስ ንምስዓብ ሂወትካ ከተጥፍኣ ፍቓደኛ ዲኻ?

ኣብ ገለ ቦታታት ናይ ዓለም እዚ ዝተቐስናዮ መስዋእትታት ምኽፋል ናይ ግድን እዩ:: ግና ነተን ሕቶትታት አስተውዕለለን: "ድሉው ዲኻ?":: ንየሱስ ብምስዓብካ እዚ ኩሉ ከጋጥመካ እዩ ማለት አይኮነን:: ግናኸ: መስቀልካ ከተልዕል ፍቓደኛ ዲኻ?

ኣብ ዝተወሰነ እዋን ናይ ሂወትካ የሱስ ወይ ጣዕሚ ናይዛ ዓለም ዝብል ምርጫ እንተ ዝገጥመካ: ንየን ምመረጽካ?

ንየሱስ ምውፋይ ማለት መዓልታዊ መስቀልካ ምልዓል: ዘለካ ተስፋ: ባህጊ: ትውንኖ ንብረት ወላ ሂወትካ ውን እንተኾነ ንክርስቶስ ኢልካ ምግዳፍ እዩ:: መስቀሉ ብፍታው ዘልዓል ጥራሕ እዩ ወደመዝሙር ክበሃል ዝበቅዕ (ሉቃ 14:27):: እቲ ዓስቢ ካብቲ ዝኽፈል ዋጋ ይዓዝዝ:: የሱስ ርእስና ክንቀትል ምስ ጽውዐ (መስቀሉ የልዕል እሞ ይስዓበኒ) ነቲ ብክርስቶስ የሱስ ንረኽቦ ዓስቢ እዩ ኣስዒቡ ጠቒሱ:: "ሽዑ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ በሎም ፡ ንህይወቱ ኼድሕና ዚደሊ ኼጥፍኣ እዩ። እቲ ንህይወቱ ምእንታይ ዜጥፍኣ ኸኣ ኪረኽባ እዩ እሞ፡ ኪስዕበኒ ዚፈቱ እንተሎ፡ ህይወቱ ቐቢጹ ፡ መስቀሉ ኣልዒሉ ይስዐበኒ" (ማቴ 16: 24-25)::