24
Tue, Jun
0 New Articles

ሕቶ: ስለምንታይ እዩ ብዙሕ ዘይሞራላዊ ነገራት ብናይ ቴለቪዥን አገልገልቲ ዝፍጸም?

Letters
Typography

መልሲ: ቴለቫንጀሊስት ወይ ከኣ ናይ ተለቪዥን ኣገልጋሊ ክበሃል እንከሎ ብዙሕ ኣሉታዊ ዝኾነ ነገራት እዩ ኣብ ሓንጎል ብዙሓት ዝሰኣል:: ገለ ካብቲ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ናይ ቴለቪዥን ኣገልገልቲ ምስ ሓተትካዮም ዝህቡኻ መልሲ; ዘይቅኑዓት: ስሱዓት: ንብረት ዝፈትዉ: መብረስቲ ከምኡ ውን ዘይሞራላውያን ዝብል እዩ:: ናይ ቴለቪዥን ኣገልገልቲ ዝኽደኑዎ ካብ መጠን ንላዕሊ ክቡር ክዳውንትን ጌጻጌጽን: ዝነብርሉ ኣዝዩ ክቡር ገዛውትን ከምኡ ውን ዝዝውርወን ኣዝየን ብልጹጋት መካይን ዝተዓዘቡ ብዙሓት ሰባት; ኣብ ክርስቶስ ዝነበሮም እምነት ንክሓድጉ ብዙሕ ምኽንያት ኮይኑዎም እዩ:: ክርስትያናት ዘይኮኑ ውን ከይተረፉ እዞም ናይ ቴለቪዥን ኣገልገልቲ ዝነብሩዎ ናብራን ዝምህሩዎ ትምህርትን ኣንጻር ናይ የሱስ ክርስቶስ ትምህርቲ ምዃኑ ንምፍላይ ኣየጸግሞምን::


ምስ ቴለቫንጀሊዝም (ብቴለቪዥን ዝካየድ አገልግሎት) ዝተሓሓዘ ዝኾነ ይኹን መሰረታዊ ጸገም የለን:: ቴለቪዥን ልክዕ ከምተን ካልኦት መራኸቢ ብዙሃን (ከም እኒ ራድዮ: ኢንተርነት): ወንጌል ክርስቶስ ናብ ብዘሎ ዓለም ዝመሓላለፈሉ መሳርሒ እያ:: ብዙሓት ካብ ኣምላኽ ዝኾኑ አገልገልቲ ንቴለቪዥን ወንጌል ንምስፋሕ ይጥቀሙላ እዮም:: ቴለቪዥን ምኽንያት ነቲ አብ ቴለቫንጀሊዝም ዝርአ ብዙሕ ዘይቅቡል ነገራት ኣይኮነትን:: ምንጪ ናይቲ ኣብ ቴለቫንጀሊዝም ዝግበር ብዙሕ ዘይቅቡል ነገራት; እቲ ኣብቶም ናይ ቴለቪዥን ኣገልገልቲ ዘሎ ዘይመጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣረዳድኣ ወይ እምነት እዩ:: ግናኸ; ወላኳ ቴለቪዥን ንባዕላ ጸገም እንተዘይኮነት: ነቲ ጸገም ግና ተጋድዶ እያ:: እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት; ክዳን አባጊዕ ዝተኸድነ ተኹላ ካብ ኣብ ናይ ቴለቪዥን ስክሪን ርኢኻ ብኣካል ኣጽኒዕካ ምፍላጡ ኣዝዩ ስለ ዝቐልል እዩ:: ቴለቪዥን: ነቲ ብድሕሪ መጋረጃ ዝካየድ ነገራት ንዘይምርምሩ ንጹሃት ተዓዘብቲ መዝማዚ ዝኾነ ምርኢት: ናይ ኣምላኽ ከምኡ ውን ህይወት ዝልውጥ መሲሉ ንኽቐርብ ስለ እትገብር::

 

ምንጪ ምኽንያት ናይቲ ብናይ ቴለቪዥን ኣገልገልቲ ዝግበር ዘይሞራላዊ ተግባራት; እቲ ብሓፈሻ ናይ "ጥዕናን ሃብትን" ወንጌል ተባሂሉ ዝፍለጥ እዩ:: እዞም ናይ ቴለቪዥን ኣገልገልቲ ቀንዲ ኣራባሕቲ ናይዚ ኩሎም ክርስትያናት ኩሉ ግዜ ብጥዕና ምሉኣትን ብሃብቲ ድማ ብልጹጋት ክኾኑ ናይ ኩሉ ግዜ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ ዝብል ትምህርቲ እዮም:: ቀንዲ ትምህርቲ ናይዚ ናይ "ጥዕና- ሃብቲ" ወንጌል ዝበሃል; ገንዘብ እንተድኣ ሂብካ ኣምላኽ ብጥዕናን ሃብትን ክባርኸካ ግዴታኡ እዩ ዝብል እዩ:: ገንዘብ ሂብካ ብጥዕናን ሃብትን እንተድኣ ዘይተባሪኽካ: እኹል ገንዘብ ኣይሃብካን ወይ ድማ ነቲ በረኸት ናይ ብሓቂ ክትቅበል እኹል እምነት የብልካን ማለት እዩ:: ከምዚ ብምባል; ናይ ቴለቪዥን ኣግልገልቲ ሰባት ኣዝዩ ብዙሕ ገንዘብ ንኽህቡ የተባብዑ: ቅድሚ ዝኣገረ ድማ ስለምንታይ እቶም ዝሃቡ ሰባት ከምቲ ዝተመባጽዑሎም ከም ዘይተባረኹ ይገልጽሎም::

 

እዚ ካልኣይ ስሙ ናይ "ብልጽግና ወንጌል" ተባሂሉ ዝጽዋዕ ብመሰረቱ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ወጻኢ እዩ:: ሓቂ እዩ: መጽሓፍ ቅዱስ ክንህብ የተባብዓና እዩ (1ቆረ 12: 2; 2ቆረ 9: 6):: ብተወሳኺ ውን መጽሓፍ ቅዱስ እቶም ብልግሲ ዝህቡ ብኣምላኽ ከም ዝባረኹ ይምህረና እዩ (ሉቃ 6:38; 2ቆረ 9: 7):: ይኹንምበር: መጽሓፍ ቅዱስ ንኽንባረኽ ኢልና ክንህብ አይነግረናን እዩ:: መጽሓፍ ቅዱስ ንኣምላኽ ስለ ነፍቅርን ስለቲ ዝሃበና ድማ ከነመስግን ስለ ዝደለናን ክንህብ እዩ ዝምህረና:: ናይ ምሃብና ምኽንያት: ብምሃብና ኣምላኽ ክባርኸና እዩ ዝብል ክኸውን የብሉን:: ብኣንጻሩ: ናይ ምሃብና ምኽንያት ንኽብሪ ኣምላኽን ነቲ ዝሃበና በረኸት ድማ ንምምቓልን: ከምኡ ብምግባርና ድማ ንመንግስቲ ኣምላኽ ንምስፋሕን መልእኽቲ ወንጌል ንምንጋርን እዩ:: መልእኽቲ: ኣድህቦ ከምኡ ውን ሃቐና ናይዞም አብ ቴለቪዥን ናይ ዘገልግሉ ናይ "ጥዕና ሃብቲ" ወንጌል ኣገልገልቲ ብንጹር ዘይመጽሓፍቅዱሳዊ እዩ::

 

ንምሃብ መጽሓፍቅዱሳዊ ብዘይኮነ ትምህርትታት ምትብባዕ ኩሉግዜ ጌጋ እኳ እንተኾነ: እቶም ናይ ቴለቪዥን አገልገልቲ ነቲ ገንዘብ ንኣምላኻዊ ዝኾነ ዕላማ ዝጥቀምሉ ኔሮም እንተዝኾኑ ግና ቁሩብ ምኽንያታዊ ምኾነ:: ካብቲ ዘሕዝን ግና ከምኡ ኣይኮነን:: ገለ ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ እኳ ናብ ኣማኢት ቋንቋታት ብፍጹም ተተርጉሙ ዘይቀረበ ክነሱ; እዞም ናይ ቴለቪዥን ኣገልገልቲ ነቲ ኣብ ኣገልግሎቶም ዝእከብ ገንዘብ ኣዝዩ ውቁብን ዓብይን አብ ዝኾነ ገዛ ከጥፍእዎ ባህጊ ኣምላኽ እዩ ኢልካ ምሕሳብ ላግጺ እዩ:: እዞም ናይ ቴለቪዥን ኣገልገልቲ: ዋግአን ተተሚኑ ኣብ አፍሪቃ ብጥሜት ተጠቒዐን ንዘለዋ ዓድታት ንኣዋርሕ ክቕልበን ዝኽእል መካይን ክዝውሩ ክትርኢ ኣዝዩ ዘቖጥዕ እዩ:: እዞም ናይ ቴለቪዥን ኣገልገልቲ ልዕሊ እቲ ሓንቲ ስድራቤት ምሉእ ኣብ ዓመት ኣብ ክዳን እተጥፍኦ ገንዘብ ዝዋጋኡ ኣዝዩ ብልጹግ ክዳውንቲ ክኽደኑ ምርኣይ ነእምሮኻ ዘቖጥዕ እዩ:: ንኹሉኹም በዚ እዞም ናይ ቴለቪዥን ኣገልገልቲ ዝገብርዎ ጽዩፍ ተግባራት ዝተበደልኩም: እዚ ነገር ክትርድኡ የድሊ: እዞም ናይ ቴለቪዥን ኣገልገልቲ ንእምነት ክርስትና አይውክሉን እዮም: ከምኡ ውን ነቲ የሱስ ክርስቶስ ዝመሃሮ ወይ ዝገበሮ ዝኽተሉ አይኮኑን:: እዚ ብናይ ቴለቪዥን ኣገልገልቲ ዝግበር ዘይሞራላዊ ተግባራት "ጸላእቲ ኣምላኽ ብኣምላኽ ንኸላግጹ ምኽንያት ኮይኑ ኣሎ" (2ሳሙ 12:14)::

ወላኳ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ዘጽንዐ ሰብ ነዚ እዞም ናይ ቴለቪዥን አገልገልቲ ዝኽተሉዎ ናይ "ጥዕና ሃብቲ" ወንጌል ክኣምነሉ ዘይሕሰብ እንተኾነ: ገለ ገለ ናይ ቴለቪዥን ኣገልገልቲ ግና እዚ ዝምህርዎ ትምህርቲ ሓቂ: ቅኑዕ: መጽሓፍቅዱሳዊን ከምኡ ውን ጽቡቕ ትምህርቲ ምዃኑ እዮም ዝርድኡ:: ይኹንምበር: ካብ ዘይምፍላጥ ይኹን ወይ ብፍላጥ ኮነ ኢሎም ነቲ ሰብ ንምምዝማዝ ይኹን ዕላማኦም እቲ ውጽኢት ሓደ እዩ; ሰባት ይታለሉ: ይስረቑን ይጉድኡን ኣለው::

ነቶም በዚ ናይ ቴለቪዥን ኣገልገልቲ ዝፍጽምዎ ጽዩፍ ተግባራት ዝተጎዳእኩም ሰባት: በጃኹም እዚ ምስዞም ናይ ቴለቪዥን ኣገልገልቲ ዘጋጠመኩም ተመኩሮ ምስ የሱስ ክርስቶስ ንዘለኩም ርክብ ክሽፍኖ ኣይተፍቅዱ:: ኣምላኽ እንታይ ይብል አብ ቃል ኣምላኽ አጽንዕዎ እሞ (2ጢሞ 3: 16-17): እቲ ሓቂ መልእኽቲ ወንጌል ክትርእይዎ ኢኹም:: ነቶም ክርስትያናት ዘይኮኑ: እዚ ብናይ ቴለቪዥን ኣገልገልቲ ዝፍጸም ጽዩፍ ተግባራት ምንጪ ምኽንያት ናይ ንክርስትና ምንጻግኩም እንተኾይኑ; ብሰንኪ እዚ ሓሶት: ምትላል: ዘይኣምላኻዊ ትምህርቲ ከምኡ ውን ዘይቅዱስ ናብራ ናይዞም ናይ ቴለቪዥን ኣገልገልቲ ንእምነት ብክርስቶስ የሱስ ኣይትንጸጉዎ:: ቃል ኣምላኽ ብገዛእ ርእስኹም መርምርዎ: ነቲ ሓቀኛ ወንጌል ክትነጽግዎ እንተ ኾይንኩም ድማ: እንተወሓደ ስለቲ ሓቀኛ እንታይነቱ ንጸግዎ::

The -End