( ምስክርነት እቶም ብኣገልግሎት ኤሪ ሆፕ ዝድገፉ ኣሕዋትን ኣገልገልትን ኤሪ ሆፕ ጨንፈር አርትራ)
"... ዘረወ ንድኻታትውን ሃበ ጽድቑ ንዘለኣለም ይነብር ዚብሎ ኣምላኽ ከኣ ምእንቲ ብዅሉ ዅሉሳዕ ዚኣክል ዅሉ ሒዝኩም ንሰናይ ግብሪ ዅሉ ጸብለል ክትብሉ ጸጋ ዘበለ ኣባኻትኩም ጸብለል ኬብል ይከኣሎ እዩ።" 2ቈረ.2።8-9
ዝኸበርኩም ቅዱሳን ደቐይ ከመይ ትዀኑ ኣለኹም? ኣነ ብረድኤት ኣምላኽ ምስ ደቀይ ጽቡቕ ኣለኹ። እግ/ር ኣባይ ምሕረቱ ዓቢ ኰይኑ ከይኣክልሲ ኣብ ልብኻትኩም ስፍራ ሂቡ ናይ ቤተይ ጾር ክትጾሩ ክርኢ ከለኹ ልበይ ብኣምላኸይን ብተግባር የእዳዉን ይድነቕ ኣለኹ። ንኣምላኽሲ ጕስነቱ ኣብ ቃሉ ጥራሕ ዘይኰነስ ኣብ ህይወተይ ከምኡ ስለዝረኣኹ ንኣምላኽ ክብሪ ይኹኖ ይብል።ንኣኻትኩም ድማ ኣብ ኩሉ ደጌታት ኣገልግሎትኩምን መነባብሮ ህይወትኩምን ኩሉ መሪሕነት ኣምላኽ ከሰንየኩም በቲ ጐይታ ዝህበኒ ጸጋ ኣብቲ ናይ ብርኪ ኣገልግሎተይ ኩሉ ግዜ ምሳይ ኢኹም። "ኣምላኽ ሰማይ ከቕንዓልና እዩ እሞ ንሕና ባሮቱ ተንሲእና ክንዓዪ"ነህ.2.20 ኢና ተባሂሉ ከምዝተጻሕፈ እቲ ኩሉ ኣብ ናይ ጐይታ ዕዮ እትሓስብዎ ዘበለ ኣገልግሎትን እትሕንጽጽዎ መደባትን ኩሉ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ክመርሓኩምን ከሳልጠልኩምን እዩ ኣጆኹም! ጸላኢ ብዝተፈላለየ መንገዲ ክመጽእ ይኽእል እዩ ግናኸ ጦብያን ሳንበላጥን ታሪዀም ክድገም እንተዘይኰይኑስ ኣባኻትኩምን ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽን ግደን ክፍልን፣ግቡእን፣መዘከርታን የብሉን።ኣሜን።
እሞ ብኹሉ ብጐይታ ጽኑዓትን ዘይትነቓነቑን ኩሉ ግዜ ብጸጋ ዕዙዛት ኩኑ ኢኹም እዞም ደቐይ ኣነ ድማ ኣብ ጸሎት ምሳኻትኩም ኣለኹ።
ጐይታ ንኹሉ ህይወትኩም ናብራኹም ኣገልግሎትኩም ሓዳርኩምን ስድራቤትኩምን ይባርኽ!!
ካብ ኣዴኹም ብጐይታ ድማ ሓብትኹምን
ኣልማዝ ተስፋይ
ደብዳበ ካብ ኤርትራ ( ካብ።- ኣልማዝ ተስፋይ ፕሮጀክት #3 ቁ.14)
Typography
- Font Size
- Default
- Reading Mode