ካብ እ/ሄር ኣቦናን ካብ ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ጸጋን ሰላምን ንኣኻትኩም ይኹን።
"እቲ ብመንፈሳዊ በረከት ዘበለ ብክርስቶስ ጌሩ ኣብ ሰማያት ዝባረኸና ኣምላኽ ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ኣቦ ምሕረትን ኣምላኽ ኩሉ ምጽንናዕን ብሩኽ ይኹን"፣ኤፌ.1:1
ብጐይታ ዝተፈተኹም ኣሕዋት ኣገልገልቲ ተስፋ ንኤርትራ ሰላም ክርስቶስ ይብዝሓልኩም፣ ብኹሉ መንፈሳዊ ህይወትኩም ኰነ መነባብሮኹም ጸጋ እግ/ሄር ይብዝሓልኩም።
ክቡራት ኣሕዋተይ ኣገልገልቲ ተስፋ ንኤርትራ (ኤሪሆፕዶትኮም Erihope.com) ነዚ ደብዳቤ ክጽሕፍ እንከለኹ ኩሉ እቲ ናይ ኣምላኽ ስራሕ እቲ ኣባና ዘለዎ ፍሉይ ዝዀነ ፍቕሩን ጉስነቱን ምሕረቱን ረድኤቱን ኩሉ ሰናይ ናቱን እንዳኣስተንተንኩ ንኣምላኽ የመስግኖ ኣለኹ።
ከምኡ ድማ ብኣኹም ወገን፡ በቲ ሒዝኩሞ ዘለኹም ሰናይ ዝኾነ ኣገልግሎት፡ ጐይታ ይናብየኒ ስለዘሎ የመስግኖ። እወ ስለኹም ካብ ልበይ ድማ ንጐይታ ይባርኾ። ንኹሉ ትግሃትኩምን ኣገልግሎትኩምን ጐይታ የሱስ ኣዕዚዙ ይባርኽኩም።
ኣምላኽ ካብቲ ንሕና እንልምኖን እንሓስቦን ዘበለ እምብዛ ኣዕዚዙ ክገብር ዝከኣሎ እዩ። ስለዚ ኩሉ ነገረይ ናብ ኣምላኽ ደርብየዮ ኣለኹ፣ ንሱ ጐዶሎና ርእዩ ዝምልእ እዩ። እምበኣር ብፍርሃት ክርስቶስ ክነብሩ ዝደልዩ ኩሎም ክስጐገኡ እዮም። ስለ ስም ጐይታ መከራ እንተበጽሓና ሰናይ እዩ። ዓስቡ ድማ ብዙሕ እዩ። እንቛዕ ናይ ጐይታ ኰንና።
ኣሕዋተይ ጐይታ ንዓይ ዝገበረለይ ኣዝዩ ብዙሕ እዩ። ብዓልቤተይ ብሰንኪ እምነቱ ቡዙሕ ግዜ ተፈቲኑን ስደትን ኣሕሊፉ እዩ። ዋላ ግን ኣብ ከምዚ እዋናት ይፈለየኒ ጐይታ ግና ኢዱ ርእየዮን ኣንቢሩኒን እዩ። ሕጂ ኣድሓኖም ክእሰር እንከሎ ብኸቢድ ሕማም ተታሒዙን ኣብ ከቢድ ቃንዛን ኢዩ ኔሩ። እቲ ሕማሙ ድማ ናብ ሕክምና ዘዉስድ እምበር፡ ናብ እስርቤት ዘምርሕ ኣይኮነን። ኣነ ድማ ናይ ግለይ ጸገማት ኔሩኒ። ካብቲ ዝሓለፈ ናይ ቅድሚ ሕጂ ፈተነታት ሕጂ ክርእዮ ከለኹ ኣዝዩ ከቢዱኒ ኔሩ። ጸላኢ ድማ ብብዙሕ መንገዲ ክርበሽ ክገብረኒ ፈቲኑ። እቲ ቅድሚ ሕጂ ጐዳጉደይ ዝመልኤ ናብራይ ዝመልኣለይ ንህይወተይ ዘጸናንዒ ኣምላኽ ሕጂ እውን ከምዝረድኣኒ ኣሚነ። ንሱ እቲ ኩሉ ዝኽእል ኣምላኽ ኣየሕፈረንን። ደበና የለን ንፋስ እውን የለን ጐዳጉደይ ግና ማይ መሊኡ። ስለዚ ብብዙሕ መንገዲ ይረድኣኒ ኣሎ፣ ጐይታ ኩሉ ግዜ ምሳይ እዩ:: ልዕሊ ኣቦ፡ ኣደ፡ ሰብኣይ፡ ሓዊ፡ ሓብቲ ኰይኑ የንብረንን ይናብየንን ኣሎ። ሕጂ ብሰላም ካብቲ ዝነበርክዎ ጸገም ብምሕረቱን ለዉሃቱን ተገልጊለ ኣለኹ። ኣምላኽ ኣብ ህይወተይ ከምኡ ስለዝዀነ። ስለቲ ኩሉ ለውሃቱ፡ ምሕረቱ፡ ፍቅሩ እግ/ይባረኽ። ምሕረቱ ኣይተወድአን እሞ ጥራሽ ዘይጠፋእናስ ጸጋ ኣምላኽ እዩ።
ክሳብ ክንድዚ ዘፍቕረኒ ኣነ መን እየ ቤተይከ እንታይያ። እግ/ር ነቶም ዝጽበይዎን ነታ እትደልዮ ነፍስን ሰናይ እዩ። ንምድሓን እግ/ር ተስፋ ምግባርን ብህድኣት ምጽባይን ሰናይ እዩ። ዶግ.ኤር.3፡25-26
ኣሕዋተይ ነቲ ቀጻሊ ደገፍ ሓሲብኩምንላ ዘለኹም እናመስገንኩ፡ ብኻልእ ድብዳቤ ክሳብ ንራኸብ ከኣ ጐይታ ይባርኽኩም እንዳበልኩ ይሰናበተኩም።
ስለ ዉሕስነት ኢልና ኣስማት ኣሕዋትና ቀይርናዮ ኣለና!
ብክርስቶስ ሓብትኹም ሰላም ኪዳነ ኣድሓኖም
ብዓልቲ ቤት ኣድሓኖም ገብረኣብ ወልዱ
ካብ:- ሓብቲ ሰላም ኪዳነ ኣድሓኖም በዓልቲ ቤት ኣድሓኖም ገብረኣብ ወልዱ ፕሮጀክት #4 ቁ.15
Typography
- Font Size
- Default
- Reading Mode