07
Sat, Jun
0 New Articles

እዋናዊ ዓለምለኻዊ ክርስትያናዊ ዜናታት ቻይና

Latest
Typography

ፉሉጥ ናይ ኣባይቲ ዝግበር ናይ ማሕበር መራሒ ኣብ ቻይና ተኣሲሩ

ፓስቶር   ሎኦ ዩንኪ ፍሉጡ ኣብ ገዛ ንዝግበር ናይ ቤተክርስትያን ኣገልግሎት መራሒ ብግንቦት 16 ልክዕ ሰዓት 1 ፣00 ናይ ምሸት ኣብ ከተማ ኪንግሹን ኣብ ግዝኣት ኪንጂኣንግ ከም ዝተኣስረ ናይ ቻይና ናይ ሓገዝ ምትሕብባር ትካል ብዕለት 19 ግንቦት ኣፍሊጡ።  


 

ንኣስታት ሰዓት ዝኸውን ብኸቢድ ምርመራ ምስ ተገብረሉ ኸኣ ናብ ሓደ ከቢድ ቤት ማእሰርቲ ተላኢኹ ኣሎ።  ፓስቶር ዩንኪ ቕድሚ ሕጂ ቡዙሕ ግዜ እዩ ተኣሲሩ። ኣብዚ እዋን እዚ ኸኣ ኣብቲ ናይ ገበነኛታት ተባሂሉ ዝፍለጥ ቤት ማእሰርቲ ይርከብ። እዚ ድማ እቲ ጉዳዩ ብኣዚዩ ከቢድ ተተሒዙ ከም ዘሎ መርኣያ እዩ። ነዚ ፓስተር ሓውና ኣምላኽ ሰላምን ሓጎስን ክህቦ ንጸልየሉ(ግብ 5፣41)። ነቶም ኣብ ኣባይቲ ዝግበር መንፈሳዊ ምንቅስቓስ ንዝመርሑ ኣገልገልቲ ኸኣ ብጸጋ ኣምላኽ ደው ኢሎም ንዝገጥሞም ብድሆን ጸቕጥን ምግጣሙ ክኽእሉ ንጸልየሎም።

ምንጪ "The Voice of the Martyrs