07
Sat, Jun
0 New Articles

እዋናዊ ዓለምለኻዊ ክርስትያናዊ ዜናታት ኣልጀርያ

Latest
Typography
 

ሹዱሽተ ክርስትያናት ኣብ ኣልጀርያ ብመንግስቲ ተኸሲሶም

ሰበ ስልጣናት ኣልጀርያ ዘይሕጋዊ ጹሑፋት ናይ ሃይማኖት ዘርጊሕኩም ብምባል ንሹዱሽተ ክርስትያናት ኣብ ፍርዲ ኣቕሪቦሞም።


ብመሰረት ካምባስ ዳይረክት ብዕለት 15 ግንቦት ዘውጾ ጸብጻብ፣ መንግስቲ ኣልጀርያ ካብቲ ኣብ ምዕራብ ናይታ ኸተማ ብዕለት 9 ዝነበሮም ጸሎት  እንወጹ ኸለዉ እዩ ኣሲርዎም። ናይ ምስልምና እምነት ኣናዒብኩም ብዝብል ክሲ ኸኣ ተኸሲሶም ኣለዉ። ኣብቲ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝሓደሩላ ለይቲ ኸኣ በቶም ፖሊስ ካብ ምስልምና ናብ ክርስትና ተለዊጥኩም  ብምባል ብዙሕ ምፍርራሕን ግፍዕን በጺሒዎም። ንዕለት 27 ግንቦት ከኣ ጉዳዮም ኣብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ እዩ። ነዞም ኣልጀራውያን ክርስትያናት ኣብ ማእከል ስቓዮምን መከረኦምን ሰላም ክርስቶስ ንኣእምርኦም ክገዝኦን ኣብ እምነት ደው ኢሎም ክጸንዑን ንጸልየሎም (ፊሊ 4፣7)። ነቶም ኣብ ኣልጀርያ ዘለዉ ኣመንቲ ኸኣ ብትብዓት ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ ከስፍሑ ኣምላኽ ትብዓት ክህቦም ንጸልየሎም።  

ምንጪ "The Voice of the Martyrs