ዎ ኣምላኽ ኣቦ ምሕረት ኣቦ ሳህሊ ኣቦ ፍቕሪ ምሕረትካ ንዘልኣለም ኣለም እዩ ዝነብር፣ ካብ ኣብ ሰባት ዘሎካ ፍቕርን ሓልዮትን ዝተላዕለ ኸኣ ንምብጃው እቲ ብምስልኻ ዝፈጠርካዮ ህዝብኻ ንምድሓን እቲ እንኮ ተፍቅሮ ሓደ ወድኻ ኣብ መቀል ክመውት ዝገበርካ፣ ካብዚ ዝዓቢ መግለጺ ፍቕርን ምሕረትን ከኣ የብልካን፣ ካብዚ ኣዚዩ ኩቱር ምሕረትካን ሳህልኻን ዝተላዕለ ኸኣ ከም ብዝሒ ኣበሳና ኣይትፈድየናን ከም ብዝሒ ሓጥያኣትና ኸኣ ኣይትፈርደናን፣
እናጉሃናካ ክነስና ዘይትርሕቐና፣ እናበደልና ክነስና ዝባንካ ዘይትህበና ኣቦና ኢኻ፣ እንሆ ኸኣ ነዚ ባህሪኻ ፈሊጥና ነቲ ቦቅባቕ ልብኻ ኸኣ ተገንዚብና ብወድኻ ብየሱሱ ክርስቶስ ኣቢልና ንምሕረትን ምሕዳስን ንፈውስን ንለውጥን ንረዲኤትን ንሓገዝን እንሆ ናብ ዝፋን መስቀልካ ንቐርብ ኣሎና፣
ዎ ኣምላኽ ኣቦ ጎይታና የሱሱ ክርስቶስ ፈጣሪ ኹሉ ፍጥረት እንሆ ንሕና ኤርትራውያን ኣብ ከመይ ዝበለ ዓቢ ውርደትን ስቓይን ጥሜትን ስደትን ቅልውላውን ሕንፍሽፍሽን ፍርሓትን ወድቀትን ወጥርን ውግእን ዕግርግርንs ከመ ዘሎና ኣብ ሰማይ ኮይንካ ትርኢ ኣሎኻ፣ ኣብዚ ሰዓት እዚ ንኣቦታት ንኣዴታት ንኣወዳት ንኣዋልድ ንህጻናት ኮታ ንኹሉ ኤርትራዊ ወሪድዎ ዘሎ ሕሰምን ኣደራዕን ከመይ ዓቢ ምኻኑ ኣይተሰወረካን፣ ኣቦታትና ጠዋሪ የብሎምን ኣዴታት ብሓዘን ተደዊነን ማድየን፣ መንእሰያት ዝርእይዎ መጻኢ ሲኢኖም መዓልታት ነዊሕዎም ሕሰም በርቲዕዎም ኣብ ውሽጢ ዓዲ ብዘይተስፋ ይነብሩ ኣለዉ፣ ካብዚ ዝተላዕለ ካብ ምረቶም ክሃድሙ መጻኢኦም ከጣጥሑ እንሆ ፈቐዶ ይበታተኑ ኣለዉ፣
ዎ ኣምላኽ ለዋህ ሩሕሩሕ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ፍትሒ ሲኢኑ ይሳቐ ኣሎ፣ መራሕቱ ኣብ ስኒ ሓርማዝ ዝግምሰሱ ኣብ መንጸፎም ድማ ዚጋደሙ ካብ መጓሰ ኣባጊዕ ጥቦታውቲ ካብ ደምበ ኣሓውን ኣባትይ ዚበልዑ፣ ብደሃይ መስነቆ ዝደርፉ ብገፊሕ ወይኒ ዝሰትዩ ቡሉጽ ማእዛ ዝለከዩ፣ ከናፍሮም ብሓሶትን ምትላልን ዝመልኣ፣ በትሮም ከም ፈርኦን ዝኸበደት እምበር ብስብራት ህዝቦም ብቑስሊ ዜጋታቶም ዘይግደሱ ምኻኖም ትርኢ ኣሎኻ፣ ከናፍሮም ሓሶት እየን ዘፈልፍላ ልቦም ብትዕቢት ተወጢሩ እዩ፣ ንኽብሪ ርእሶም እንተ ዘይኮይኖም ብዛዕባ ስቓይ ህዝቦም ዘይዓጦም ንገዓር ህዝቦም እዝኖም ዝተዓጽወ ልቦም ብኽፍኣትን ብግፍዕን ዝተመልኣ ዘንጊ በትሮም ንምጭናቕ ነዊሕ ዝተዋህቦም ሰይፊ ኸኣ ንምሕራድ በሊሕ ምኻኑ ትሪኢ ኣሎኻ እሞ፣ ኣንታ ኣምላኽ ፍርዲ ጠምት እባ ስቕ ኣይትበል፣
ዎ ኣምላኽ ኣንታ ንህጻናት እተፍቅር፣ ህጻውንቲ ቆልዕት ኤርትራ እባ ጠመት፣ ከብዶም ኣይጸገበን ዝፈትውዎም ኣቦታቶም ኣይሓቖፉን ካብ ድምጺ ኩናት ኣይዕረፉን፣ ከም ካልኦት ህጻናት ዕረፍቲ ኣይረኸቡን፣ ዝበልዕዎ ቁራስ ባኒ እኳ የብሎምን፣ እንሆ ኣምላኽ ኣብ ከመይ ዝበለ ዓቢ ስቓይን ዕርቃንን ጥሜትን ከም ዘለዉ ትርኢ ኣሎኻ እሞ በጃኻ እባ ስቕ ኣይትበል፣ ዎ ኣምላኽ ርዳእ ጠምት፣
ዎ ኣምላኽ ንመንእሰያት ኤርትራ ጠምቶም፣ ኣብ ውሽጢ ሃገር እምብዛ ኸርቲቶም፣ መጻኢኦም ጸልሚቱ፣ ንዓመታት ኣብ በረኻ ከርቲቶም፣ ሰሪሖም ክኣትዉ ሓሪሶም ክሓፍሱ ዘሚዶም ክወልዱ ጎዮም ከስልጡ ተማሂሮም ከድምዑ ኣይከኣሉን፣ ብርሃን ከሎ ጸልሚትዎም መዓልቲ ከሎ ለይቲ ኮይንዎም፣ ንመጻኢ ከይርእዩ ተኸልኪሎም፣ ከም መግዛእቲ ፈርኦን ኣብ ከብድ ኣርዑት ባርነት ኣለዉ፣ ካብዚ ዝተላዕለ ኸኣ እግሮም ናብ ዝመርሖም ናብ ፈቐዶ ሃገራት ይጎዩን ይስደዱን ኣለዉ፣
ንስደት ተበግሶም ተታሕዞም ኣብ ናኩራ ድህላክ ዓዲ ኣበይቶ ኣብ ፈቐዶ ማዓስከራትን ድጋናታትን እስርቤታትን ዘለዉ ብኣዚዩ ፋሽስታውን ኣርሜናውን ስቓይ ዝሳቐዩ ዘለዉ፣ ኣብ ምድረብዳ ሊብያ ዝተዋሕጡ ኣብ ባሕሪ ማልታን ጥልያንን ዝሰጠሙ፣ ካብ ምረቶም ዝተላዕለ ነፍሶም ዘጥፍኡ ብዙሓት እዮም ኣብ ሱዳን ዘለዉ ዘለዎም ስቓይ ኣብ ሊብያ ዘለዉ ዘለዉ ሕሰም ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዎ ዘለዎም ኣደራዕ ኣብ ኤውርጳን ኣሜርካን ማእከላይ ምብራቕን ኮታ ኣብ ኩሉ ዓለም ፋሕ ኢሎም ዘለዉ መንእሰያት ኤርትራ ዘለዎም ውርደት ከመይ ዓቢ ምኻኑ ትርኢ ኣሎኻ እሞ ኣምላኽ ሰማይ በጃኻ እባ ምሕረት ግበር፣ ንመንእሰያት ኤርትራ ጠምቶም፣ የዒንትኻ ከፊትካ ረኣዮም፣ ካባኻ እንተ ዘይኮይኑ ፍትሒ የሎን በጃኻ ኣምላኽ ሰማይ ርዳእ መንእሰይካ ጠምት ስቕ ኣይትበል፣
ዎ ኣምላኽ ኣብ ኤርትራ ዘሎ እስርቤታት ትርኢ ኣሎኻ፣ ክንድይ ግፍዒ ኮን ዝፍጸም ዘሎ ክንደይ ፍትሒ ምጉዳል ኮን ይርኣ ኣሎ፣ ኣንታ ኣምላኽ ነቶም ኣብ ጎዳጉድን ኮንቴነራትን ኣብ ሃሩርን ኣጻምእን ኣብ ቁርን ሃሩርን ኣብ ጥሜትን ጽምእን ዘለዉ እሱራት ዘክሮም፣ የእውዮም ዝሰምዖም የለን፣ ንፍትሒ ጠሪዖም ኣቤት ዝብሎም የለን፣ ኣብ ጸልማት ንዓመታት ብበትሪ መግረፍቲ ንዓመትታ ይሳቐዩ ኣለዉ እሞ ፈጣሪ ኹላ ዓለም በጃኻ እባ ፍትሒ ግበር ካብ ሰማይ ኣንቆልቂልካ ጠምት፣ ኣምላኽ በጃኻ ንኡስራት ኤርትራ ዘክሮም፣
ዎ ኣምላኽ ሰማይ ኣምላኽ ምሕረት ሕጂ ኸኣ እንሆ ኣዋጅ ውግእ ንሰምዕ ኣሎና ፈኸራ ሞት የጎልብበና ኣሎ፣ ቕድሚ ሕጂ ዝተገብረ ውግእ እንትርፎ ሞት መቕዘፍቲ ምንም ኣይረኸብናሉን፣ ኣብዚ እዋን እዚ ኸኣ መራሕቲ ንስልጣኖም ንምድልዳል ደም ህዝቢ ከይዓጠጦም ኩናት ውግእ ይብሉ ኣለዉ እሞ፣ ኣንታ ኣምላኽ በጃኻ ርዳእ ህዝብኻ ከይጉዳእ፣ ኣንታ ኣምላኽ ቁስልና እካ ዘይሓወየ፣ ኣዴታታና እካ ዘይተደበሳ፣ ኣምላኽ ሰማይ በጃኻ እባ ተበራበር ብዛዕባ ህዝብኻ ዶ ግዲ የብልካን እዩ፣ ኣምላኽ ስቕ ኣይትበል፣
ኣብ ሞንጎ ሃገርና ኤርትራን ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኣንጸላሊዩ ዘሎ ደበና ውግእ ቐንጥጦ፣ ነዞም ህዝብታትን ሃገራትን ዘክሮም፣ በጃኻ ደም ምፍሳስ ደው ኣበለልና፣ ዝሓለፈ ይኣኽለና፣ ኣብ ዶብ ዘን ክልቴኤን ሃገር ኣዋጅ ሰላም ኣዋጅ ፍቕሪ ኣፍስስ ዎ ኣምላኽ ሰላም ንሰላም ተላዓል
ዎ ኣምላኽ በጀኻ ንኤርትራን ንኤርትራውያንን ዝረድእ የሎን፣ ንስኻ ኢኻ ኣቦ ፍትሒ ፍትሒ ኣዋጻልና፣ ነገርና ወድእ ሕሰምና ቐንጥጥ፣ መከራና ርኣ፣ ጸሊም ደበናና ግፈፍ፣ ኣምላኽ ኣብርሃም ኣምላኽ ኢሳቕ ኣምላኽ ያቆብ እህህታና ርኣ ንብዓትና ድረዝ ቁዘመና ሓብስ ኣጸናንዓና፣ ሽጋርናን ኮብለል ምባልናን ዘክር፣ ምሕረትካ ኣይትወደኣን እዩ፣ ስለዚ ኣምላኽ በቲ ተፍቅሮ ወድኻ የሱሱ ክርስቶስ ዘክረና፣
ንጸልማትና ኣብርሃዮ ንጥሜትና ኣርሕቆ፣ ንስደተኛታትና ሞጎስ ሃበና፣ ኮታ ኣምላኽ ዘክረና፣ ብምሕረትካ ሕሰበና፣ ይኣኽለኩም በለና፣ ምሳና ብሰንኪ ክፍኣትናን ትዕቢትናን ሓጥያትናን ኣብ ፍርዲ ኣይትእቶ፣ ህዝብኻ ኢና እሞ ሓጥያት ኣቦታትናን ኣዴታታና መንእሰያትናን ምድርናን ኩሉ ይቕረ በለልና፣
ከም ዝበደልናካ ንፈልጥ ኢና ከም ዘሕዘናካ ንርዳእ ኢና፣ ሰናይ ጌርካልና ክነስኻ ሞሳ ኣይሃብናካን ናጽነት ሂብካና ኣየኽበርካናን፣ ብጋይላን ሳዕስዒትን ደርፍን ብመስተን ዕብዳንን እዚ ኸይኣክል እንሆ እኳ መራሕትናን ካልኦትን ንቓልካ ካብ ምድሪ ክሓኩ ኣባይትኻ ዓጽዮም ደቅኻ ኣብ ጉድጓድ ደርብዮም ምሳኻ ይተሃላለኹ ኣለዉ፣ ግናኽ ኣምላኽ በጃኻ ኣይትሓዘልና ይቕረ በለልና፣ ንዓና ዘይኮነስ ስሌና ክትብል ዘይኮነስ ስለ ስምካ ክትብል ንስምካ ክብሪ ሂብካ ንኤርትራ ዘክራ፣ ንኤርትራ ሕሰባ፣
ሰላም ካባኻ እዩ ንኤርትራ፣ ዕረፍቲ ካባኻ እዩ ንኤርትራ፣ ምጽንናዕ ካባኻዩ ንኤርትራ፣ ስለዚ በጃኻ ግዜ ከይነወሐ መከራና ካብዚ ዘለዎ ከይዓዘዘ ዘክረና ምሕረት ግበረልና፣ ንስኻ ኢኻ ኣምላኽ ተስፋና፣ ብኣኻ ጥራይ ከኣ እዩ ዝወግሓልና፣ ንስኻ ጥራይ ኢኻ ኸኣ መወዳእታ ትገብረልና ስለዚ እንሆ ንምሕረት ናባኻ ቐሪብና ኣባኻ ተወኪልና ንስምካ ዘኪርና ዎ ኣምላኽ ምሕረት መሓረና ንብል ኣሎና፣ ምሕረት ኣውጀልና፣ ኩብኩብታን ኣንበጣን ዘጥፍእዎ ዘመና ኸሓሰና ጎይታ፣ ዘመን ሰላም ዘመን ምትእኽኻብ ግበረልና፣ ዎ ኣምላኽ ንኤርትራ ምሕረት ግበረላ፣ ኣሜን፣
“ብኹራይ ወቒዔኪ ብለውሃተይ ግና ሚሒረኪ እየ እሞ
ደቂ መጻእተኛታት ንቐጽርኺ ኺነድቅዎ ነገስታቶም ከኣ ኬገልግሉኺ እዮም” ኢሰ 60።10