23
Tue, Apr
0 New Articles

ኣምላኽ ዝጽየፈን ነገራት (2ይን መወዳእታን ክፋል)

Message 1
Typography

3 ምንዝርና

ኣምላኽ ካብ መጀመርያ ሰብኣይን ሰበይትን ጌሩ እዩ ፈጢሩ። እቲ ናይ መጀመርያ ዓላማ ኣምላኽ ንሰባት ድማ ሓደ ምስ ሓደ እዩ። ሰባት ግና ድሕሪ ውድቀት ኣብዚ ኣምላኽ ዝፍንፍኖ ዓይነት ሓጥያት ኣዚዮም ጠንቀላዕላዕ ክብሉ ዝረኣዩ ዘለዉ። ሰባት ዕድሜኦም ናብ ሚእትን ዕስራን ዝወረደ፣ እታ ቐዳመይቲ ዓለም ከኣ ብማይ ኣይሂ ዝጠፈኣት እቲ ቐንዲ ምኽንያት ምንዝርና እዩ።


ኣብ ዘፍጥረት 6 ምዕራፍ ከኣ ከምዚ ይብለና "ኮነ ኸኣ ሰብ ኣብ ገጽ ምድሪ ኪበዝሕ ምስ ጀመረ ኣዋልድ ከኣ ምስ ተውልዳሎም እቶም ደቂ ኣምላኽ ድማ ነተን ኣዋልድ ሰብ መልኼዔኛታት ከም ዝኾና ምስ ረኣዩ ካባታተን ዘዝሓረይወን ኣንስቲ ወሰዱ። እግዚኣብሄር ከኣ ንሱ ስጋ ድማ እዩ እሞ መንፈሰይ ንሓዋርይ ምስ ሰብ ኣያጻረርን ስለዚ ዘበኑ ሚእትን ዕስራን ዓመት ይኹን፣ በለ.." እግዚኣብሄር ከኣ ክፍኣት ሰብ ኣብ ምድሪ ከም ዝበዝሖን ብሓሳባት ልቡ ዚሕልኖ ድማ ወርትግ ክፉኡ ጥራይ ከም ዝኾነ ምስ ረኣየ እግዚኣብሄር ከኣ ንሰብ ኣብ ምድሪ ብምግባሩ ተጣዕሰ ብልቡ ድማ ጎህየ ይብለና። ምንጪ ኩሉ ናይዚ እንታይ እዩ እንተ ተባህለ ምንዝርና እዩ።

ስዶምን ጎመራና እንተ ኾና እወን ብሰንኪ እዚ ኩፍእ ናይ ምንዝርና ርኽሰት እየን ብሓውን ዲንን ጠፊኢን። ሃዋርያ ጳውሎስ ነዚ ኣመልኪቱ ብዛዕባ ብሰንኪ ምንዝርና ኣብ እስራኢላውያን ዝወረደ ጥፍኣት ክዛረብ እንከሎ ከምዚ ይበል " ከምቲ ገሊኣቶም ዝመንዘሩ እሞ ብሓንቲ መዓልቲ ዕስራን ሰለስተን ሽሕ ዝወደቑ ኣይንመንዝር" ይብለና እዚ ጥቅሲ እዚ ካብ ዘሁሉቕ 25 ዝተወስደ ታሪኽ እዩ።  "እስራኤል ድማ ኣብ ሸጢም ተቐመጠ እቲ ህዝቢ ኸኣ ምስ ኣዋልድ ሞኣብ ኪምንዝር ጀመረ።ንሳተን ነቲ ህዝቢ ናብ መስዋእቲ ኣማልኽተን ጸውዓኦ እቲ ህዝቢ ኸኣ በልዔ ንኣማልኽተን ድማ ሰገደ። እስራኤል ከኣ ምስ በዓል ጲዖር ሓበረ። ኩራ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ እስራኤል ነደደ፣" እስራኤል ካብ መርገም ባላቕን በልዓምን እኳ እንተ ኣመለጠት ሰይጣን ግና በዚ መፈንጥራ እዚ ወቖዓ ኣብዚ እዋን እቲ ዝወረደ መቕዘፍቲ ኣዚዩ ዓብን ሓደገኛን እዩ ኔሩ። ትርእዩ ዘለኹም መቕዘፍቲ ምንዝርና ከመይ ኣዚዩ ሓደገኛ ከም ዝኾነ።

ካብተን ዓሰርተው ትእዛዛት ሓንቲ ኣምላኽ ንህዝቡ ኣብ ዘጻኣት 20፣14 እትርከብ "ኣይትዘሙ" ትብል እያ።ምንዝርና ብሱሩ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ፍንፉን እዩ።ኣብዚ ጊዜና እዚ ከኣ ክንደይ ቅዝፈትን ዕንወትን የስዕብ ከም ዘሎ ምስክር ኢና ብዓብዩኡ እዚ ቐዛፊ ሕማም ኤይድስ ንብሚልዮናት ኣሽሓት ዝቐዘፈን ዝቐዝፍ ዘሎን ውጺት ናይዚ ኣጸያፊ ዝኾነ ምንዝርና ኡዩ። እንሆ ሎሚ ዓለምና በዚ ኣሰቃቒ ሕማም ዓቕላ ጸቢብዎ ትገብሮ ጠፊእዋ ኣሎ። ሰባት ሎሚ ነዚ ነውሪ እዚ ከም ሓደ ፋሽን ይወስድዎ ስለ ዘለዉ እንሆ ዓለምና ኣብ ክትወጸሉ ዘይጥኽእል ኣደራዕ ወዲቓ ኣላ። ኣምላኽ ብልብና መንገድና ክንሓስብ ይደልየና ኣሎ።

ኣመናዝርን ዘመዉትንሲ መንግስተ ኣምላኽ ከም ዘይኣትዉ ኣይትፈልጡን ዲኹም ይብለና እቲ ቁዱስ ቃል። ምንዝርና ከም ውልቅኻ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ሃገር ሙሉእ መቕጻዕቲ ዘምጽእ መርገም እዩ። ኣብ ዘመን ቡሉይ ኪዳን እዚ ዓይነት ሓጥያት እዚ ናይ ሞት መቕጻዕቲ እዩ ዘስዕብ ዝነበረ። ኣብ ሓድሽ ኪዳን ግና ካብኡ ዝከፈኣ ናይ መንፈስ ሞት እዩ ዘስዕብ። መወዳእቱኡ ከኣ ናይ ዘልኣለም ጥፍኣት። ሎሚ እዚ ኣነዋሪን ኣጸያፍን ዝኾነ መንፈስ ንልቢ ብዙሓት ኣዒርዎም ይርከብ። ከም ማስቲካ ድማ ክሕይኽዎ ይውዕሉ ኣለዉ። ሎሚ ብዙሓት ከም ኩዑሶ በዚ ዓይነት ናይ ምንዝርናን ዝሙትን መንፈስ ትጻወቱ ዘለኹም ሰባት ኣብ ልዕሌኹም ሓዊ ጋህንም ትእክቡ ከም ዘለኹም ፍለጡ።

ኣምላኽ ናይ ጸጋ ኣምላኽ ጥራይ ዘይኮነስ ናይ ፍርዲ ኣምላኽ ድማ እዩ። ኣብ ኢድ ኣምላኽ ምውዳቕ ከኣ ዘስኻሕክሕ እዩ። ምናልባት ናብ ኣምላኽ እንተ ተመሊስኩም ግና ኣምላኽ ብምሕረት ምሉእ ስለ ዝኾነ ምሕረቱ ከርእየን ይኽእል እዩ።ስለዚ ነዚ ኣምላኽ ዝጸየፎ ክንጽየፎ መታን ልብና ነቲ ዘፍቀረና ብዱሙ ከኣ ክንጽሃና ዝከኣሎ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ንኽፈተሉ። ብምንዝርና ዝተኣስርኩም ሰባት ንዓኹም ዝኽወን ብስራት ኣሎ ንሱ ከኣ ጎይታ የሱስ ክርስቶስ ካብ ዚ ማእሰርቲ ፈቲሑ ነጻ ከውጻኩም ይኽእል እዩ።

ሓደ ጊዜ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ንሓንቲ ኣብ ምንዝርና ዝተረኸበት ሰበይቲ ሒዞም ናብ መድሓኒና ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ኣምጽእዋ ንየሱስ ደኣ እቲ ዝፈጸመቶ ኹሉ ሕማቕ ናይ ምንዝርና ግብሪ ነገርዎ ብዳርባ እምኒ ንምቕታላ ተሃንደዱ እዚ ፍርዲ እዚ ይግብኣ እዩ ይኹን እምበር ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ካብ ፍቕሩን ምሕረቱን ዝተላዕለ ምሕረት ገበረላ። ኣይኰነናን ኣብ መወዳእቱኡ ከኣ ዓባይ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ኮነት። እዚ ታሪኽ እዚ ናታትኩም ታሪኽ ክኸውን ይኽእል እዩ።ብዛዕባ እዚ ዛንታ ንምፍላት ኣብ ወንጌል ዮውሃንስ 8 ምዕራፍ ኣንብቡ።

ኣብዚ እዋን ብሰንኪ እዚ ኣነዋሪ ተግባር እዚ ማእለያ ዘይብለን ኣባይትን ስድራቤታትን ፈሪሰን ኣለዎ። ናይዚ ውጺት ከኣ ኣብ ፈቐዶ ቦታታት ዓመጽን ካልእ ኣነዋሪ ትግባርን በዚሑ ኣሎ። ኣብ መጽሃፍ ቁዱስ ብዛዕባ ዳዊት እነንበቦ ዛናታ ኣሎ። ንጉስ ዳዊት ብዘሎ ሰራዊቱ ናብ ውግኣ እኽቲቱ ንሱ ግና ኣብ ናሕሲ ቤቱ እናተዛወረ እንክሎ። ሓንቲ ባትሴባ እትባሃል ሰበይቲ ርኣየ። እዛ ሰበይቲ ሰበይቲ ኡሩያ ዝበሃል ንውግእ ዝከተት ሰብኣይ ነበረት። ዳዊት ግና ዝመጾ ሳዕቤን ከየስተውዓለ ብስሚዒት ተመሪሑ ምስኣ ምንዝር ፈጺሙ። እዚ ካብ ሰብ ተሰዊሩ ዝፈጸሞ ጽያፍ ኣምላኽ ግና ቀሊዕዎ። ብሰንኪ እዚ ሓጥያት ድማ ኣብ ብዘላ ገዝኡ፣ ሃገረ መንግስቱ፣ ዓቢ ሕንፍሽፍሽ ኣተዎ። ብሰንኪ እዚ ነገር ከኣ ኣብ ቤትካ ውግእ ኣያቃርጽን ተባሂልዎ። ዳዊት ግና እቲ ዝገበሮ ዓመጽ በደል ምኻኑ ፈሊጡ ናብ ንስሓ ስለ ዝኣተወ ኣምላኽ ረዲእዎ ምሕረት እውን ጌርሉ።

 ሎሚ እምበር ካብዚ ነገር እዚ እንተ ዘይተመሊስኩም እቲ ፍርዲ ኣምላኽ ዘስካሕክሕ ምካኑ ፈሊጥኩም ብብኽያትን ዋይዋይታን ናብ ኣምላኽ ተመልሱ።ኣብ ያቆብ 4፣8-10 " ንኣምላኽ ቅረብዎ ንሱውን ክቐርበኩም እዩ ኣቱም ሓጥኣን ኣእዳውኩም ኣጽርዩ ኣቱም ሰብ ክልተ ልቢውን ልቡኹም ኣንጽሁ። ተሸገሩን ጉሃዩን ብኸዩን ሓጎስኩም ናብ ሓዘን ይለወጥ።ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ትሕት በሉ። ንሱ እውን ልዕል ከብለኩም እዩ፣" ይብለና ተወሳኺ እውን " እምበኣርሲ ሕጂውን ብጾምን ብብኽያትን ብቑዙማን ብሙሉእ ልቡኹም ናባይ ተመለሱ ይብል እግዚኣብሄር። ንሱ ንኹራ ደንጋዪ ብሳህሊ ኸኣ ምሉኡ ብእከይ ድማ ተጣዓሳይ ሩሑሩሑን መሓርን እዩ እሞ ክዳንኩም ኣይኮነን ልቡኹም ቅደዱ ናብ እጊዚኣብሄር ኣምላኽኩም ተመለሱ" ዩኤል 2፣12-13፣

 ኣምላኽ ዝጽየፎ ነገር ማእለያ ዘይብሉ እካ እንተ ኾነ ካብቲ ቡዙሕ ገለ ጠቒስና ኣሎና። በዚ ዝረኣናዮ ነገር ድማ ኣብ ልዕሌና ፍርዲ ከይንእክብ መወዳእታ ዕጫና ድማ ከይባላሾ ሓደራ ሕጂ ንመለስ።ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ፍጡር ወዲ ኣዳም ኣብ ዙፋን ፍርዲ ዘምጻሉ ሰዓት ይቐርብ ኣሎ እሞ ሃየ ደኣ ካብቲ ኣምላኽ ዝጽየፎን ዝፍንፍኖን ሃዲምና ናብ ኣምላኽ ንመለስ። ማይ ኣይሃኢ ከይመጸ ናብታ ናይ ምድ ሓን መርከብ ንእቶ። ዲን ሶዶምን ጎመራን ከይተኻዕወ ናብ ከረን ምድሓን ኣምላኽ ገጽና ንህደም። መንድቕ ዓለምና ከም ናይ ያሪኮ ከይፈረስ ብንስሓ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንርዓድ። መሬት ተከፊታ ከይዋሓጠትና ናብ ገሃንም እሳት ከኣ ከየሰጋገረትናሲ  ሃየ ድኣ ኣፍና ክፊትና ናብቲ ኹሉ ዝኽእል ኣምላኽ ይቕረ ግበረልና መሓረና ኢልና ንጨድር።

 "ሕራይ እንተበልኩምን እንተ ተኣዘዝኩም ጣዕሚ እታ ምድሪ ክትበልዑ ኢኹም እንተ ኣበኹምን እምቢ እንተ በልኩምን ግና ብሰይፊ እታ ሃገር ክትዋሓጡ ኢኹም " ስለዚ ሰይፊ ኣምላኽ ንፍርዲ፣ ኣእዳው ድማ ንምሕረት ተዘርጌሔን ኣለዋ እሞ ሃየ ደኣ ናብ ኣምላኽ ንመልስ ንሱ ክምለሳና እዩ ኣብ ክብሪ ቤተ መንግስቱ ከኣ ብኽብሪ ንዘልኣለም ከንብረና እዩ።እቲ ምርጫ ኣብ ኢድኩም እዩ ዘሎ፣