18
Thu, Apr
0 New Articles

ናብ ማዕዶ ንሳገር”

Message 1
Typography

ኣብ ማር.4፣35-41 ጎይታ ንደቀ መዛሙርቱ ናብ ማዕዶ ንሳገር በሎም። ሃዋርያት ሓደ ካብቲ ኣብ ህይወቶም ዝነበሮም ጽቡቕ ነገር ኩነታት ምስ በድሆም እንተዘይኮይኑ ተቐዳዲሞም ናይ ዘይምእዛዝ ተርእዮ የርእዩ ኣይነበሩን። ዝበዝሑ ካብኣቶም ጎይታ ንዝበሎም ነገራት ብፍጥነት ብምቕባል ክትግብርዎ ዝጓየዩ ፍጹማት እኳ እንተዘይበልናዮም ቅኑዓት ሰባት ኔሮም። ጎይታውን ክመርጾም ከሎ ስቕ ኢሉ ዝመረጾም ኣይመስልን፣ ማር.3።13-19።


 ክሳገሩ ከኣ መንገዶም ከዱ። ኣብዚ ከም እንርእዮ ናብ ዓዲ እገለ ንኺድ ወይ ብእግርና ኣብቲ ንብጻሕ ኣይኮነን ዝብሎም ዘሎ፣ እንታይ ደኣ "ናብ ማዕዶ ንሳገር"። ማዕዶ ክንብል ከሎና ብከፊል ወይ ብምልኣት ዝረአ ቦታ እዩ፣ ንሳገር ከኣ ዝስገር ነገር ከምዘሎ እዩ ዘስምዕ። ኣብ ማር.5፣1 ‘ውን ናብ ማዕዶ ባሕሪ ምስ መጹ ይብለና እዩ። ስለዚ ጎይታ ካብቲ ዝተለማመድዎ ከባቢ ናብ ሓደ ንሱ ስርሑ ክሰርሓሉ ዝደልዮ ዘሎ ቦታ ንሳገር እዩ ዝብሎም ዘሎ። ንደቀ መዛሙርቱ ብተግባር ይምህሮም ስለዝነበረ ንሱን ንሶምን ክሳብ ክንደይ ካብ ፍጽምና ዝረሓቁ ይንበሩ ብዘየገድስ ከም ጉጅለ ይሰርሑ ስለዝነበሩ ተሳገሩ ወይ ክሳገር እየ ዘይኮነስ ንሳገር (ኣነን ንስኹምን) እዩ ኢልዎም። ጎይታ ሎሚውን ነቶም ብቅንዕና ክእዘዝዎ ዝደልዩ ናብ ማዕዶ ንሳገር ይብል ኣሎ። ናብ ማዕዶ ክትበጽሕ ጊዜ ጉልበት ተወፋይነት . . . ይሓትት ይኸውን ግን ‘ንሳገር' እምበር ‘ተሳገር' ክሳብ ዘይኮነ ብጎይታ ተስፋ ክንገብር ይግብኣና።

ኣምላኽ ናብ ማዕዶ እምበር ናብ ህዋ ንኺድ ኢሉ ኣይፈልጥን እዩ። እቲ ኪድ ዝብለካ ቦታ ክኽየድ ዝከኣል (ማዕዶ)፣ መገዲ ዘለዎ (ብጃልባ ዝኽየድ ባሕሪ) እምበር ከምቲ ፈሪሳውያን ንሳቶም ክትንክይዎ ዘይፈትዉ ዘሸክም ኣይኮነን። ሰብ እዚ ድኹም እኳ ነገራት ብውጥን ዘተግብር ካብ ኮነ እቲ ዓቢ ዝኾነ እግዚኣብሄር ግዳ ክንደይ ኣብሊጹ ዝገብሮ ዘይምድብ! ሃዋርያት ሓደ ካብቲ ካብዞም ሎሚ ዘሎና ኣመንቲ ዝነበሮም ብልጫ ውፉያት ምንባሮም እዩ። 12 ኣባጽሕ ወይ ሰብኡት ገሊኦምውን ዝኣልይወን ስድራቤታት ዝነበርኦም ብተወፋይነት ንጎይታ ይስዕብዎ ምንባሮም እዩ። ኣብዚ ናይ መንግስቲ ኣምላኽን ዓለምን ጽቡቕ ነገራት ኣወሃሂድካ ክኽየድ ዝፍተነሉ ጊዜ ካብኣቶም ብዛዕባ ቀቢጽካ ምስዓብ ብዙሕ ክንመሃር ይግብኣና፣ ማቴ.4፣18-22  ሉቃ.5፣27-32  ዮሃ.1፣35-42።

እዞም ንሳገር ዝበሃሉ ዘለዉ እዞም ቀቢጾም ዝሰዓቡ ሰባት እዮም። ናብ ሓድሽ ምልምማድ፣ ናብ ዝበለጸ ደረጃ መንፈሳውነት፣ ናብ ዝያዳ ንክርስቶስ ምምሳልን ምግልጋልን ንሳገር ተባሂሎም። ሓደ ካብቲ ናይ ጎይታ ዘሐጉሰካ ባህርይ ንሱ ፍጹምን ምሉእን ክነሱ ምሳና ዘይፍጹማትን ዘይምሉኣትን ሰባት ንኹሉ እቲ ንኸዶ መገዲ ሓቢሩና ክኸይድ ምፍታዉ እዩ። ምስ ገሊኦም ቅድሚ ዕስራ ዓመት ዝተሳገሮ ባሕሪ ሎሚ ከኣ ምሳኻ ክሳገሮ ፍቓደኛ ይኸውን። ብምስጋርካ ንኣምላኽ ናይ ምምሳል ባህርይ ስለተማዕብል ጎይታ ምሳኻ ይሳገር እምበር ከይተሳገርካ ኣየዕብየካን እዩ። ኣብ ሓዊ ከይትኣቱ ይባልሃካ ዘይኮነስ ሓዊ ኣባኻ ሓይሊ ከምዘይህልዎ ይገብር ዳን.3፣ ኣብ ጉድጓድ ኣናብስ ከይትኣቱ ይከላኸለልካ ዘይኮነስ ኣብቲ ጉድጓድ ምስ ኣተኻ ኣፍ ኣናብስ ይዓጹ ዳን.6፣ ተመን ከይነኽሰካ ዘይኮነ ዝገብርስ እቲ ተመን ምስ ነኸሰካ ከምዘይጎድኣካ ይገብር፣ ግብ.28፣1-6።

ናብ ማዕዶ ምስጋር ብህይወትካ ምዕባይ ስለዝኾነ እቲ ሓደን ክፉእን ጸላኢና ሰይጣን ንኸይንዓቢ ኩሉ ዝከኣሎ ካብ ምግባር ኣየብኩርን እዩ። ስለዚ ኣብ መንገዲ ብድሆታት ክገጥመካ ባህርያዊ እዩ። ሃዋያት ክሳገሩ ምስ ጀመሩ ህቦብላን ንፋስን ተላዒሉ እታ ጃልባ ክሳብ እትመልእ ከኣ ማዕበል ናብታ ጃልባ ኣተወ። ብትእዛዝ ጎይታ ክትሳገር ምስ ጀመርካ "ክሳገር ድዩ ዘይነበረኒ?" ኢልካ ክሳብ ትሓስብ ከባቢኻ ክናወጽን ክሽበርን እዩ። እቲ ጽቡቕ ነገር ግን ጎይታ ምሳኻን ቀረባኻን ምህላዉ እዩ። "ንሱ ግና ብወገን ድሕሪት እታ ጃልባ ተተርኢሱ ደቂሱ ነበረ።" ኣምላኽ ብዝኣዘዘካ ማዕበላት ክትሓልፍ ከሎኻ እቲ ህቦብላ ንፋስን ማዕበልን ዝሓልፈካ ደንጊጹ ወይ ኣናሕስዩ ዘይኮነስ ጎይታ ኣብታ ጃልባ ስለዘሎ እዩ። ብዙሕ እዋን ንጎይታ ከምዚ ናይ ሃዋርያት "ክንጠፍእዶ ግድና የብልካን እዩ?" ኢልና ንሓቶ ኢና። ግድና እንተዘይህልዎ'ሞ ንሱኮ ብማየማይ ክኸይድ ዝኽእል እዩ፣ ናብ ጃልባና ዝተሰቕለ ንዓና ንኸትብዕ እምበር ንሱ ከም ሰባት ንባሕሪ ብዘይ ሓገዝ ጃልባ ስለዘይሰግሮ ኣይኮነን። ሽዑ "ተንሲኡ ንንፋስ ገንሖ ንባሕሪ ድማ ስቕ በሊ ህድኢ በላ እቲ ንፋስ ዝግ በለ ዓብዩ ህድኣትውን ኮነ" 4፣41።

ኣብ ምስጋር እንርከብ ሰባት ህቦብላ ንፋስን ማዕበልን የናውጸና ዶ ኣሎ? ጎይታ ምሳና ኣሎ። ንሱ ብምጥፋእና ግዲ ኣለዎ፣ ክንጠፍእ ድማ ኣይሓድገናን እዩ። ንሱ ከሳግር እምበር ከጥፍእ ስለዘየበግስ ንምድሓኑ ብምጽባይና ክንሕጎስን ክንፍሳህን ኢና። ሃዋርያት ጎይታ ብዙሕ ነገራት ክእዝዝ ርእዮሞ እዮም፣ እዛ ኩነታት ግን ፍልይቲ ኮይናቶም ባሕርን ንፋስን ክእዝዝ ርእዮሞ ኣይፈልጡን እዮም፣ ፍሉይ ነገር ስለዝረኣዩ ከኣ "ንፋስን ባሕርን ዝእዘዙሉን መን ኮን እዩ?" ኢሎም ተገረሙ። ኩነታትና ካብ ዓቕምና ኣዝዩ ዝሓለፈ፣ ጃልባና ማይ ዝመልአት፣ ክንጠፍእ ዝተሓደግናዶ ይመስለና ኣሎ? ንጎይታ ርድኣኒ ንበሎ። ንሱ እምነትና ክትናወጽ፣ ጃልባና ማይ ክትመልእ፣ ከይተሳገርና ክንጥሕል ኣይሓድገናን እዩ። ንፋስን ባሕርን እዝኒ ከምዘለዎም ሰሚዕና ኣይንፈልጥን ኢና ጎይታ ግን ስቕ በል ህዳእ ምስ በሎ ጸጥ ኢሉ። ካብ ኣምላኽ ዝሓለፈ ዝመሰለና ባህርይ ክሳብ ዘህድኦ ንጽበዮ ንዘሎና ማዕበል እቲ ኩሉ ዚኽእል ጎይታ የሱስ ስቕ በል፣ ህዳእ ምስ በሎ ክሃድእ እዩ። ንእዝኒ ዘይብሉ ግኡዝ ዘስምዕ ኣምላኽ እዩ ዘሎና።