16
Tue, Apr
0 New Articles

ናብቲ ሰረገላ ቕረብ

Message 1
Typography

ሓደ መዓልቲ ፊልጶስ፣ እግዚኣብሄር ብዝመርሖ መገዲ፣ ናብ ጋዛ ኣቢሉ ይኸይድ ነበረ። ሓደ ናብ የሩሳሌም ኪሰግድ መጺኡ ዝነበረ ኢትዮጵያዊ ስሉብ ሰብኣይ ከኣ፣ በቲ መገዲ ይምለስ ነበረ - ንኢትዮጵያ ገጹ። ኣብ ሰረገላኡ ተቐሚጡ ኸኣ ካብ መጽሓፍ ነብዩ ኢሳያስ የንብብ ነበረ። ግናኸ የንብቦ ደኣ እምበር፣ ነቲ ዜንብቦስ የስተውዕሎ ኣይነበረን።


እዚ ኢትዮጵያዊ ሰብኣይ፣ ፍቕሪ ኣምላኽ ኔርዎ። ካብ ካልኦት ኣማልኽትን ጣኦታትን ፈልዩ ኸኣ ንኣምላኽ እስራኤል ኪሰግድ ናብ የሩሳሌም ርሑቕ ጉዕዞ ተጓዒዙ መጸ። ንሱ ጥራሕ ዘይኮነ ኸኣ ካብቲ እግዚኣብሄር ቃሉ ዝገለጸሉ መጽሓፍ ነብዩ ኢሳያስ ድማ የንብብ ነበረ። እዚ ሰብኣይ'ዚ ንመንግስቲ ኣምላኽ ርሑቕ ኣይነበረን። ልቡ ካብ ካልኦት ኣማልኽቲ ናብ ኣምላኽ እስራኤል ይዝምብል፣ ካብ ካልእ መጻሕፍቲ ኸኣ ናብ መጽሓፍ ቅዱስ ይዝንብል። ብቋንቋ እግዚኣብሄር፣ ተደላዩ ሰብ እዩ። እግዚኣብሄር ዕሽሽ ዘይብሎ ሰብዩ። ስለዝኾነ ኸኣ መልኣኽ እግዚኣብሄር ንፊልጶስ፦ "ናብቲ ሰረገላ ቕረብ" በሎ። ፊልጶስ ከኣ ናብኡ ጐየየ። ሽዑ ወዮ ኢትዮጵያዊ ስሉብ ሰብኣይ፣ ብዛዕባ የሱስ ወንጌል ኪሰምዕ ዕድል ረኸበ። ብስብከት ፊልጶስ ብወንጌል የሱስ ኣሚኑ ኸኣ ተጠምቀ።

 

ፍቁር ሓወይ - ፍቅርቲ ሓውተይ፦ ሎሚ ፍቕሪ ኣምላኽ ዘለዎም መጽሓፍ ቅዱስ ዜንብቡ፣ እቲ ብርሃን ግና ጌና እተሰወሮም ሰባት ክንደይ ትፈልጥ? ክንደይ ትፈልጢ? ንሳቶም ንምድሓን ቀረባ እዮም። ሎሚ እግዚኣብሄር ናብ ሰረገላኦም ክትቀርብ ይደልየካ ኣሎ። ክትቀርቦም ከሎኻ ገለ ኣኳ ከምዘይፈልጡ ኰንካ ኣይትቕረቦም። የንብቡ ምዃኖም ፍለጠሎም። ብዛዕባቲ ዜንብብዎ ዘለው ግና ክትዛረቦምን፣ ነቲ ብርሃን የሱስ ወዲ ኣምላኽ ከተብርሃሎምን የድልየካ። እስኪ ብልብኻ ከምዚ ዝበሉ ሰባት ሕሰብ። እምበኣርከስ እግዚኣብሄር "ናብቲ ሰረገላ ቕረብ" ይብል ኣሎ። (ግሃ. 8፣ 26-39 ረኤ)።

 

ቴዎፍሎስ ገብረኢየሱስ