24
Wed, Apr
0 New Articles

ናይ ሱር ሕማም

Message 1
Typography

ንስኻ ክትጽሊ ኸሎኻ፣ ናብ ቤትካ እቶ፣ ማዕጾኻ ዕጾ፣ ነቲ ብሕቡእ ዘሎ ኣቦካ ለምኖ፣...(ማቴ. 6፣6)

 

ኣብ ሃገረ ደቡብ ኣፍሪቃ ን ናይ ኣራንሺ ግረብ ዝጎድኡ ሓያሎ ዓይነት ሕማማት ኣለው። ሓደ ካብኣቶም እቲ ብልምዲ፣ ‘ናይ ሱር ሕማም' ተባሂሉ ዚፍለጥ እዩ። እታ ገረብ ፍረ ተፍሪ ክትህሉ ትኽእል እያ፣ ሓደ ተራ ተዓዛባይ ውን ኣብታ ገረብ ወለሓደ ጸገም ክርኢ ኣይክእልን ይኸውን። ይኹን እምበር፣ ብ ዓይኒ ሓደ ክኢላ-ኣታኽልቲ፣ ምጅማር ናይ ቀስ ብቐስ ዝገሃድ ሞት'ዩ ዝርአ።

እዚ ሕማም'ዚ ኣብ ናይ ወይኒ ኣታኽልቲውን ይኽሰት'ዩ፣ እቲ እንኮ ዝኾነ ፈውሱ ከኣ ተረኺቡሉ እዩ። ንሱ ከኣ ነቲ ዝነበረ ሱር ኣውጺእካ፣ ብሓዲሽ ሱር ምትካእ ጥራይ እዩ። እወ፣ እቲ ዝነበረ ናይ ወይኒ ተኽሊ ኣብ ሓዲሽ ሱር ተዋስቦ (Grafting ይበሃል)። ኣብዚ ግዜ'ዚ፣ እቲ ቅድም ዝነበረ ጉንድን ጨናፍርን፣ እቲ ዝነበረ ፍረን እዩ ዘሎ፣ ግናኸ እቲ ሱር ሓድሽን ነቲ ሕማም ዝጻወርን እዩ። እዚ ሕማም'ዚ ኣብቲ ካብ ዓይኒ እተሰወረ ኣካል ናይ ተኽሊ'ዩ ዘጥቅዕ፣ ስለዚ ከኣ እቲ ምፍዋስ ኣብቲ ክፋል እቲ (ኣካል) እዩ ኪካየድ ዘለዎ።

ቤተ ክርስትያን ክርስቶስን፣ መንፈሳዊ ሂወት ኣሽሓት ኣባላታን በዚ ናይ ሱር ሕማም ይሳቐዩ - ሸለልትነት ኣብቲ ብሕቡእ ምስ እምላኽ ምርኻብ። እወ፣ ዋሕዲ ብሕቡእ ምጽላይ፣ ሸለልትነት ኣብ ምሕዳስ እቲ ሕቡእ  "ኣብ ፍቕሪ ሱር ሰዲድኩምን ተሰሪትኩምን፣" ዝብሎ ዘሎ ሂወት (ኤፊ. 3፣17)፣ እዚ ኩነት'ዚ ሂወት ክርስትያናት ንዓለም ኣብ ምጽራር ዘለዎ ድኽመትን፣ ብዙሕ ፍረ ክፈሪ ዘይምኻሉን ንምንታይ ክዃኑ ይገልጸልና። ወልሓደ ነገር ነዚ ክቕይሮ ኣትክእልንዩ፣  ብዘይካ ኣብ ሂወት ኣማኒ ነቲ ናይ ውሻጠ ኩነታት ምሕዳስ። ክርስትያናት፣ መዓልታዊ ሰራውሮም ናብ ክርስቶስ ዝያዳ ንውሽቲ ገጾም ከትሕቱ፣ እቲ ምስ ኣምላኽ ዘለዎም ውልቃዊ ሕቡእ ሕብረት ድማ ቀንዲ ቀዳምነት ክህቡ ምስ ዝመሃሩ፣ ሓቀኛ ቅድስና ኣብኣቶም ይዕንብብ "እቲ ሱር ቅዱስ እንተኾነ ኸኣ፣ ጨነፍሩውን ቅዱስ እዩ።" (ሮሜ. 11፣16)። እንድሕሪ ደኣ እቲ ናይ ንግሆ ግዜና ንጎይታ ቅዱስ ኮይኑ፣ እታ መዓልቲ ምስ ኩሉ ስራሓ ውን ቅድስቲ ክትከውን እያ። እቲ ሱር እንተጥዕዩ፣ እቲ ጨነፍርውን ጥዑይ ኪኸውን እዩ።

ካብ ናይ ኣንድሪው ሙረይ ጽሑፍ ዝተወስደ

ቴዎፍሎስ ገብረኢየሱስ