19
Fri, Apr
0 New Articles

ምስክርነት ናይ ኣጸያፊ ጾታዊ ስራሕ ትሰርሕ ዝነበረት

Salvation
Typography

"ባሮት ሓጢኣት ከሎኹምሲ፡ ካብ ጽድቂ ውጹኣት ሓራ ኢኹም ዝነበርኩም። መወዳእትኡ ሞት ስለ ዝኾነ በዚ ሎሚ እትሓፍርሉ ዘሎኹም እንተዘይኮይኑስ በቲ ጊዜ እቲእንታይ ፍሪኡ ነይርኩም፡ ዓስቢ ሓጢኣት ሞት እዩ፡ ውህበት ጸጋ ኣምላኽ ግና ብክርስቶስ የሱስ ናይ ዘልኣለም ህይወት እዩ። ሕጂ ግና ካብ ሓጢኣት ሓራ ስለ ዝወጻእኩም ንኣምላኽውን ስለ ዘተገዛእኩምዎ  ፍሬኹም ንቕድስና ኮይኑ ኣሎ መወዳእታኡ ኸኣ ናይ ዘልኣለም ህይወት እዩ። " ሮሜ 6 20-23

ኣነ ብ1968  ኣብ ደቡብ ካሊፎርንያ ተወሊደ፡ ኣዝዩ ፍሉይን ደራኽን መንፈስ ዘሎኒ፡ ቦኽሪ ካብ ሰለስተ ኣሕዋተይን ኮይነ ተወሊደ፡፡  ኣብ ከባቢ 8  ዓመተይ ከሎኹ ስድራይን ቤተክርስትያን ይኸዱ ስለዝነበሩ ብዛዕባ ኣምላኽን የሱስን ክፈልጥን ክምሃርን ኪኢለ፡ ከም ቆልዓ መጠን ድማ ኣብቲ ጊዜ እቲ ዝጀመረ ናይ የሱስ ፍቕሪ ኣብ ልበይ ክሓድር ክኣለ፡፡

ኣብ 9 ዓመተይ ግና ነገራት ናይ ስድራይ ተቐያይሩ፡ ናብ ካልእ ቦታ "ገልደራ" ዝብሃል ግዒዝና ካብ ኹሎም ዝፈትዎም ኣባላት ቤተክርስትያንን የዕሩኽተይን ተፈላለኹ። ስድራይ ድማ ካብ ዘፍትውዎም ተፈልዮም ጥራይ ዘይኮነስ ካብ ኣምላኽእውን ረሓቑ፡ ስለዚ ድማ ንበተክርስትያን ምኻድ ኣቃረጹ። ስድራይኮ ሕማቕ ባህሪተዘይብሎም ኣነ ግና ጥቡቕን ጽቡቕን ርክብ ምስወለደይ ኣይነበረንን። ኣብቲ ምስ ስድራይ ዘሕልፎዝነበርኩ ጊዘ እቲ ዝበዝሐ ጊዜ ቴለቪዥን ብምርኣይ ጥራይ ነሕልፎ ስለዝነበርና ካብቲ ኣብ 70ታትን 80ታትን ዝመሓላለፍ ዝነበረ ፊልሚታት ኩሉየ ዝዝክሮ። ኣደይ "ቲቪ ከም ኣደ ቆልኣ ኣዝያ እያ ተገልግል" ትብል ነበርት። ካብዚ ብምብጋስ ድማ ቀጻሊ ቲቪ ይርእይ ስለዝነበርኩ፡ ሕማቕን ጎዳእ ንኣተሓሳስባታት ከማዕብል ጀመርኩ። ካብ ኩሎም ቆልዑት ድማ ዝተፈልኹን ተጠባባይን ስነጥበብን ንኣሽቱ ጽሑፋትን ክጽሕፍ ጀመርኩ። ዘማዕበልክዎ ክእለት ክዋስኣሉ ዝኽእል ባይታ ስለ ዘይረኸብኩ ግና ሞራለይ ኣዝዩ ይትንከፍ ነበረ። ኣብ ካልእ ተወሳኺ ንጥፈታት ይዋሳእ ስለ ዘይነበርኩ ድማ ዘሕልፎ ዝነበርኩ ጊዘ ኣዝዩ የሰልችወኒ ነበረ። ኣብ 6 ኣመተይ ብፈጠረዊ ክእለተይን ብዘቕረብክዎ ስነጽሑፍን መምህረይ ኣድናቆታ ነኣደይ ክትገልጸላ ከላ ከምዚ ድማ በለታ " ኣብ 30 ዓመታ " ኣብ ናይ ሆሊዉድ ቦታ ተዋሳኢት ደራሲትን ፊልም ኮይና ክርእያኣ ዝየይምነ "

ኣነ ገና ኣብ ከባቢ 9 ከሎኹ ብሓንቲ ጋል ኣንስተይትን ሓዋን ግዱድ ጾታዊ ርክብ ፈጺመ። ካብቲ ጊዜን ደሓር ድማ ብተደጋጋሚ ቅድሚ 18 ዓመት ምእካለይ ምስዝተፈላለዩ ሰባት ጽዩፍ ጾታዊ ርክባት ፈጺመ። ንዓይ ጾታዊ ርክብ ማለት ፍቕሪ ይመስለኒ ስለዝነበረ ብብዙሓት እውን ይህደንስለ ዝነበርኩ ረሳሕ ስጋዊ ርክብ ብዘይኣ ፍልጦ ይፍጽም ነበርኩ። ከም መንእሰይ ኣብ ከብቢ 16 ዓመተይ ድማ ፍቕሪ ምስ ሓደ መንእሰይ ወዲ ክህልወኒ ይደሊ ነበርኩ። በቲ ሕማቕ ባህሪያት ናይ ንእስነተይ ፍኑውን ሕሉፍን ጾታዊ ርክብ ኣብዚ ዕድመ ብዕሊ ስለ ዝጀመርኩን ምስ ወለደይ ድማ ብዙሕ ዘቃዱዉና ኩነታት ኣይነበረን፡፡ እቲ ዘገርም ግና ስድራይ ከምኡ ባህርያት ስለይነበሮም፡ ብሰላም እውን ክነብሩ ስለዝደለዩ ምሳይ ብዙሕ ዘረባታት ገደፍዎ፡ ኣነ ድማ ብኣካዳድናይ ሰባት ንኽማርኽ ኢለ ሓጸርትን ቆራጻትን ክዳውንቲ ኣብ ከባቢ 15 ኣመተይ ክኽደን ጀመርኩ። ሓደ ወዲ 18 ዓመት መንእሰይ ኣልኮልዊ መስተ ኣስትዩ ምስኡ ተግዲደ ኣጸያፊ ጾታዊ ርክብ ማለት ናይ ፖርኖ ስራሕ ሰራሕኩ። ኣብ 16 ዓመተይ ድማ ኣብ ናይት ማለት ለይታዊት ክለብ ድራግ ብምውሳድ ክዋሳእ ጀምርኩ። ወለደይ ናይ ኣልኮላዊ መስተ ግዝእቲ ምኻነይ ፈለጡ ብኣይ ክሻቐሉን ምኽሪ ደሊዮም ክሳብ ንሓጺር ጊዜ ኣብ ፋሚሊ ፕላኒንግ ማለት ምኽሪ ንስድራ ናይ ዝልግሱ ትካል ይመላለሱ ነበሩ። ኣነ ካብ ስድራይ ክወጽእን ሓድሽ ቤተሰብን ፍቕርን ከናዲ ጀመርኩ፡ እሞ ስድራይ ድማ ጠቕሊለ ኣብ ክሊ 18 ዕድመይ ካብ ገዛ ክወጽእ ከምዘሎኒ ነገሩኒ። ኣብ ሳንፈርናንዶ ዝብሃል ቦታ ብዘይመግብን ገንዘብን ስለዝነበርኩ ሓደ ሰብኣይ ከም ዚበለኒ ብድንጋጸን ብኣእዳዉ ኣንዳሓዘ እሞ ገንዘብ ክትረኽቢ ምእንቲ ምስ ሓደ ሰብ ከላልየኪ እሞ ንሱ ጾታዊ ርክብ ክፍጽም ዝደሊ ኢዩ ምስበለኒ ኣዝየሓዘንኩ ንምኽንያት ካብ ገዛይ መውጽእየይ እውን እዚ ተግባር ምንባሩ ክቕበሎ ተሸገርኩ፡ ግና ገንዘብ ዝብሃል ስለ ይዘነበረኒ ግና ሕራይ ኢለ ብ35 ዶላር ኣካላተይ ንሕስራን ወፈኹዎ። ኣብዚ ናይ ፖርኖ ስራሕ ንኽኣትው፡ ሓንቲ ኣሰልጣኒት ሰበይቲ ከመይ ገይረ ሰብኡት ከምዝማርኽን ኩሉ ሜላ ናይ ጾታ ንግዲ መሃረትኒ። ብዙሓት ሰብኡት ድማ ህያባት ከም ገንዘብን ወርቅን ክህቡኒ ጀምሩ። ኣነ ግና ንተግባራተይ ክጸልኦ እኮ ተጀመርኩ ግና ገለ ካብ ዓማዊለይ ከምቲ ዝደልይዎ ዓይነት ክኾነሎም ኣብዘይከኣልኩ ጊዜ ገለ ብዓባይ መኪና ገለ ድማ ብሽጉጥ ክቐትሉኒ ይደልዩ ነበሩ። ኣነ ግና ከምዚ ዓይነት ስራሕ ጥራይ ኣይፍጽም ኣይነበርኩን፡ ሓሶት ድማ ከም ቀንዲ መሳርሒየይ ነበረ። ኣብዚ ናይ ኣጸያፊ ስራሕ ጾታዊ ተግባር ድማ ሓሶት መሳሪሒኻ እዩ። እዚ ሞደል ናይ ፖኖግራፊ ክስስራሕ ኣዝዩ ከጽልኣኒ እኮ ኣንተጀምረ ንየሱስ እውን ብተደጋጋሚ ኣብ ልበይ ይኩሕኩሕ እንተነበረ ኣነ ግና ጸማም እዝኒ ይህቦ ነበርኩ። እቲ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ኣምላኽ ንዓይ ኣይግደሰለይን እዩ ስለዚ ክነብር ተኾይነ ከምዚ ክሰርሕ ኣሎኒ ኢለ ይሓስብ ስለ ዝነበርኩ እየ።

ይቅጽል!