ብዝሒ መሰኻኽር እዚኣቶም ኩሎም ብእምነት ዝሓለፉ እዮም! ማርሴሉስ ኣጸቢቑ ብዛዕባ ክርስትያናት ክፈልጥ ጀመረ። ንቑሩብ ግዜ ምስ የዕረፈ ብመሪሕነት ሆኖሪዮስ ኩነታት ናይተን ክርስትያናት ዝነብሩለን ቦታታት እናተዘዋወረ ተዓዘበ። ማርሴሉስ ድማ እቶም ኣብታ መኣከቢት ክፍሊ ዝረኣዮም ክርስትያናት ምስቶም ኣብ ካታኮምብ ዘለው ክርስትያናት ከነጻጽሮም ከሎ ቁጽሮም ውሑድ ምዃኑ ንመጀመርያ ግዜ ተረደአ።
ጉዕዝኦም