18
Thu, Apr
0 New Articles

ቃለ መሕትት ምስ ኣርኣያ ሃብተ (2012 / Part 1)

Interview
Typography

ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻን ድሕሪ ባይታኻን ኣተዓባብያኻን መዕለልካናዶ?

 ስመይ ኣርኣያ ሃብተ እብሃል። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብ1980 ተወሊደ፡ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሻዱሻይ ክፍሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ድማ ተማሂረ። ድሕሪ ናጽነት ንኣስመራ ብ1993 ዓ.ም. ኣትየ። ሻብዓይ ክፍሊ ኣብ ቤ/ት ባና ተማሂረ፡ ቀጺለ ድማ 8ይ-9ይ ቤ/ት ሳንታኣና ተማሂረ። ብድሕሪኡ ንሰለስተ ዓመት ኣብ ተግባረእድ ድሕሪ ምምሃር ብኣውቶሜካኒክስ (Auto Mechanics) ተመሪቐ። ብድሕሪኡ ኣብ 98/99 ኣስመራ  {fshare}


ዩኒቨርስቲ ድሕሪ ምእታው ብሜካኒካል ኢንጂነሪንግ (Mechanical Engineering) ኣብ 2004/4005 ተመሪቐ። ብድሕሪኡ ካብ 2005-2007 ኣብ ኣስመራ ተመዲበ ድሕሪ ምስራሕ ካብ 2007 ንደሓር ኣብ ኢትዮጵያ እነብር ኣለኹ። ኣተዓባብያይ ከኣ ምስ ስድራይ ኮዩኑ ኣብ መንጎ 8 ኣሕዋተይ ናይ መወዳእታ ማለት ሕሳስ ልደ እየ።

  ጊዜ ንእስነትካ ብኸመይ ዓይነት ሕይወት ተሕልፎ ኔርካ? ኣብ ዓለም ከለኻ ፍርሃት እግዚኣብሄር ኣብ ውሽጥኻ ይስዓካዶ ኔሩ?

 ኣነ ንጎይታ ዝተቐበልኩ ኣብ ጊዜ ንእስነተይ ስለዝነበረ ኩሉ ግዝየይ ኣብ መንፈሳዊ ነገራት እየ ዘሕልፎ ኔረ። ከምኡውን ንትምህርቲ ዝበዝሐ ጊዜ ብምሃብ እየ ኣሕሊፈዮ። ስድራይ ሃይማኖተኛታት ስለዝነበሩ በቲ ናቶም ስርዓትን ርዲኢትን እየ ዓቢየ። ስለዚ እቲ ፍርሃት ኣምላክ ኣጸቢቑ ካብ ንእስነተይ ይስምዓኒ ነይሩ።

 

 ናብ ጎይታ መዓስ ብከመይን ክትመጽእ ኪኢልካ?

 ኣብ 1994 ልዑል ዝበሃል ሓው ቀጻሊ ይምስክረለይ ኔሩ፡ እንተኾነ ግን ብዙሕ ሕቶታት ስለዝነበረኒ ኣይቅበሎን ኔረ። ንሱ ከኣ ከየቋረጸ ይጽልየለይ ኔሩ። ሓደ መዓልቲ ከኣ ጎይታ ብሕልሚ ነቲ ሕቶ ዝኮነኒ ዝነበረ ብንጹር መሊሱለይ። ብድሕሪኡ ኣብ እንዳማሪያም ዝብሃል ማሕበር ኮንፈረንስ ኣብ ዝነበረሉ ኣጋጣሚ ምስቲ ሓው ከይደ ጎይታ ተቐቢለ።

 ንጎይታ ከም ናይ ግሊ መድሓኒኻ ጌርካ ምስ ተቐበልካዮ እንታይ ዓይነት ቅጽበታዊ ለውጢ ኣብ ሕይወትካ ሪኢኻ?

 ጎይታ ምስተቐበልኩ ሰላምን ህድኣትን መሊኡኒ። ሽዑ ንሽዑ ውሉድ ኣምላኽ ምዃነይ ካብ ኩሉ ዝበለጸ ኮይኑ ረኺበዮ። ብኡ ንብኡ ከኣ ኣንፈተይ ቀዪረ። ምሕረትን ጸጋን ናይ ጎይታይ በዚሑለይ ከኣ እነሆ ክሳብ ሕጂ ኣብ ቤቱ እነብር ኣለኹ።

 ድሕሪ ጎይታ ምቕባልካ ካብ ስድራኻን የእሩኽትኻን ጎረባብትኻን ኣሉታዊ ይኹን ኣዎንታዊ ግብሪ መልሲዶ ኣሎክ?

 ካብ ስድራይ ኮነ ጎረባብተይ ብዙሕ ተቓውሞ እዩ መጺኡኒ። ግና ንጎይታ ኪስዕብ ዝፈቱ እንተሎ፡ ናይ ግድን ክጽላእን ክስደድን ስለ ዘለዎ፡ በቲ ዝነበረ ኩነታት ከይተሰናበድኩ ጸኒዐ ንጎይታ ከም ቃሉ ንኽስዕቦ ጸግኡን ምሕረቱን ኣኽኢሉኒ። እቶም ኣብቲ ግዜ'ቲ ብጎይታ ዝነብሩ ጎረባብተይ ግና፡ ጎይታ ብምቅባለይ ስለ ዝተሓጎሱ የተባብዑኒ ኔሮም።

 ዳግም ምስ ተወለድካ ናብ ሕብረት የሕዋት ንምጽንባር ጊዜ ወሲድልካዶ? እቲ ዝኣተኻዮ ሕብረት'ከ ሓድሽ ብምንብርካ እንታይ ዓይነት ኣወንታውን ኣሉታውን ጽልዋታት ኔርዎ?

 ጎይታ ምስተቐበልኩ ጊዜ ከይወስድኩ ኣብ ሙሉእ ወንጌል ቤ/ክ ትምህርቲ ምድሓን ቀልጢፈ ተማሂረ። ምስኡ ከኣ ኣብቲ ጊዜ እቲ ይዝከረኒ ቀጻሊ ጾምን ጸሎትን ከምኡ'ውን ናይ ወጋሕታ ጸሎት ይግበር ስለዝነበረ፡ ብቀጻሊ ከየብኮርኩ ይካፈል ብምንባረይ፡ መንፈሳዊ ሂወተይ ንኽዓብይ ግደ ኔርዎ።

 ሕራይ እምበኣር ኣርኣያ ናብቲ ጠቒስካዮ ዝሓለፍካ ናይ መዝሙር ኣገልግሎትካ ክንሓልፍ፡ ከመይ ኢልካ ናብ ናይ ግሊ ዘመራይ ከምዝሓለፍካ ተእልለናዶ?

ናተይ መዝሙር ኣጃማምራ ኣብ ሙሉእ ወንጌል ኣስመራ ኮይኑ፡ ኣብ ጎጅለ መዘምራን ኣብ ዝነበርኩሉ ከኣ ብፍላይ ምስ መዘምራን "ሐ" ብቐጻሊ ኣብ ዘገልግለሉ ዝነበርኩ ግዜ ኣሕዋት ንኣገልግሎት መዝሙር የተባብዑኒ ኔሮም። ይዝከረኒ ኣብቲ መጀመሪያ መዝሙር ከምጽእ ምስ ጀመርኩ፡ ኣነ ዜማን ኣዝማችን ከምጽእ ከለኹ ኣሕዋት ከኣ ቁጽርታት ብምስራሕ ኩሉ ጊዜ ኣንፈት ዘርኣዩኒ ብምንባሮም ከይጠቐስክዎም ክሓልፍ ኣይደልን እዬ። ከምዚ እናበለ ንብዙሕ እዋናት ምስ ከደ ከኣ ጎይታ ረዲኡኒ ብግለይ ክሰርሕን ኣብዚ ደረጃ ክበጽሕን ጎይታ ኣኽኢሉኒ።

 መዝሙር  ካበይ ኢኻ ትረኽቦ ብኸመይ እዩ'ኸ ዝወሃብካ?

መዝሙር ጸጋ (ውህበት) ኣምላኽ እዩ። ጎይታ ነዚ ውህበት ኣብ ውሽጥና የቐምጦ፡ ስለዚ መዝሙር ካብ ውሽጢ እዩ ዝፍልፍል። ንጉስ ዳዊት እዚ ዝተረድኦ እዩ ዝመስል፡ ኣብ መዝሙር ዳዊት 45፡1 ክንርእዮ ከሎና "ካብ ልበይ ጽቡቕ ነገር ይግንፍል ድርሳናተይ ንንጉስ እዩ እብል ይብለና"። እቲ ኣነ መዝሙር ዘውጽኣሉ ወይ ዝድረሰሉ ግዜ ከኣ ኣብ ዝተፈላለየ ኩነታት ኮይኑ፡ ኣብ ግዜ ምምሳጥን ምግራምን ዕብየት ኣምላኽ፡ ኣብ ግዜ ጸሎት፡ ኣብ ሓደ ኩነት ኣትየ ከስተንትን እንከለኹ፡ ቃል ከንብብን ስብከት ክሰምዕን እንከለኹ ነቲ ኣብ ውሽጠይ ዝተቐመጠ ጸጋ ይንቕንቖ እሞ መዝሙር ካብ ውሽጠይ ይፍልፍል።

 ኣብ ጎይታ ክንደይ ምስ ጸናሕካ ኢኻ ኣገልግሎት ጀሚርካ? እቲ ናይ መጀመርታ ኣገልግሎትካ እንታይ ነይሩ? ሕጅ'ኸ ብምንታይ ዓይነት ተገልግል ኣለኻ?

ኣገልግሎት ኣብ 1995 ድሕሪ ሓደ ዓመት ንጎይታ ምቕባለይ ኣብ ቤ/ት ሳንታኣና ከገልግል ጀሚረ። ብነፍሳት ምጥርናፍን ምምሃርን ከኣ የገልግል ኔረ። ክሳብ ተግባረእድ ዝወዳእኩሉ እዋን (1998) ከኣ በዚ እናገልገልኩ፡ ብተወሳኺ ድማ ኣብ መወዳእታ እቲ ጊዜያት ምስ መዘምራን ሙሉእ ወንገል ብሙዚቃ የገልግል ኔረ።

ናብዚ በጺሕካዮ ዘለኻ ደረጃ ንክትበጽሕ ዝነበሩኻ ረቝሒታትዶ ምገለጽካልና? 

እቲ ቀዳማይ ኣብ መዝሙር ኣገልግሎት ምስኣተኩ ዝሕግዙኒ ዝነበሩ ብፍላይ መዘምራን "ሐ" ሙሉእ ወንጌል ቤ/ክ ከም ጀማራይ ዜማን ግጥምን ብምእራምን ብምስትኽኻልን ብዙሕ ኣንፈት ዘርኣዩኒ ኣምላክ ይባርኮም ይብል። 2ይ ነተን መዝሙራተይ ጊዜ ምሃብን ምስራሕን ከምኡውን ምስ ሙዚቃ ምውህሃድ ብዙሕ ጊዜ ስለ ዝህቦ ጎይታ ከኣ ብዙሕ ነገራት ይውስኸለይ ኣሎ። 3ይ ብዛዕባይ ቀጻሊ ብጸሎት ዝጋደሉ ኣሕዋት ጎይታ ስለዝሃበኒ ነዚ ሕጂ በጺሐዮ ዘለኹ ደረጃ ናቶም ደገፍ ዓቢ እጃም ኣለዎ ይብል። በዚ ኣጋጣሚ ስሞም ዋላ እንተዘይጠቐስኩ፡ ግና ንኹሎም ጎይታ ይባርኮም እብል።

ኣብዚ ተተሓሒዝካዮ ዘለኻ ናይ መዝሙር ኣገልግሎት ብውልቅኻ እንታይ ራእይ   ኣለካ? ኣብዚ ዘለካ ራእይ'ከ ተክርስትያንን ሕዋትን እንታይ ዓይነት እጃም  ክህልዎም ትጽበ?

ዕላማና ወንጌል ጎይታና የሱስ ምስባኽን ነፍሳት ንጎይታ ክቕበሉን ስለዝኾነ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ ራእይ ኣብዚ ዘተኮረ እዩ። እዚ ስለ ዝኾነ ድማ፡ ንመዛሙራተይ ብዝሓሸን ብዝጸበቐን ክሰርሖን ዝተፈላለየ ዓይነት ሙዚቃ መሳርሒታትን ዝተፈላለየ ህርመታት ቅድሚ ሕጂ ዘይተፈተነ ክሰርሕን ሓደ ዓቢ ስጉምቲ ንትግርኛ መዛሙራትና ክዓቢ እዚ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ ጾር እዩ። ነዚ ንምግባር ትምህርትታትን ከምኡውን ነቲ ቴክኖሎጂን ምምላኽ ስለዘድልይ ኣብዚ ኣተኩረ ኣለኹ። ነዚ ንምግባር ግን ቀሊል ስለዘይኮነ ናይ ኣሕዋት ሓገዝ የድልየኒ እዩ። መዛሙራትና ብሉጽ ኮይኑ ክወጽእን ንምድሪ ክሽፍንን ነቲ በጺሕናዮ ዘሎና ቴክኖሎጂ ኮነ ዝተፈላለየ ህርመታት ከኣ ኣብ ምጽናዕ እርከብ።

ካብ ኣብ ዓድና (ሃገርና) ብጎይታ ዘለው ሙዚቀኛታትን ዘመርትን የሕዋት ንሕይወትካ እንታይ ዓይነት ትምህርቲ ክትቀስም ኪኢልካ?

ኩሎም ቅድመይ ዝነበሩ ዘመርቲ ከምቲ ጎይታ ጸጋ ዘብዝሓሎም መጠን ብሓቂ ነቲ እዋን ዘሳግር መዛሙራት ዘሚሮም ኣለዉ። ኣብቲ ብዙሕ ሙዚቃ ዘይነበረሉ እዋን ብዙሕ ዋጋ ከፊሎም ምስርሖም እሞ ነቲ ኣብ ጊዜኦም ዝነበረ ወለዶ ብምስጋሮም ንኣይ ሎሚ ኩሉ ዋጋታት ክኸፍል ከምዝግብኣንን ከይተሓለልኩ ክሰርሕ ከምዘለንን ዓቢ ትምህርቲ እየ ካብኣቶም ቀሲመ ዘለኹ። ከምኡውን ኣብዚ ጊዜ ዘለው ዘመርቲ ኣሕዋተይን ኣሓተይን ኣብ ከምዚ ዓይነት ስደት ከለው ንህዝቢ ኣምላክ ብመዝሙሮም ክበጽሕዎ ዝከፍልዎ ዋጋታት ብሓቂ ዝነኣድ ኮይኑ ንኣይውን ከምኣቶም ክተግህ ድርኺት እዩ ዝኮነኒ ዘሎ።

ከም ኣገልጋሊ መጠን ንኣገልግሎትካን ንሓዳርካን ብኸመይ ዝበለ ኣገባብ  ትዞም?

ኣገልግሎተይ ቅድሚ ኩሉ ይሰርዖ። ከምቲ ጎይታ ጸጋ ዘብዝሓለይ መጠን ጊዜ ብዙሕ ይወስደሉ እየ። ክሳብ ሕጂ ግና ኣብ ሓዳር ኣይተጸመድኩን።

ንዘማሪ ምስ ዘማሪት ኢንትትመርዓው ዝሐሸ ኡዩ ንዝብል ሓሳብ እንታይ ትብል?

ልብኻ ፈቲሽካ እታ ትፈትዋ ሓፍቲ ዘማሪት ኮይና እንተጸኒሓ ጽቡቕ። እንተዘይኮይኑ ግን ናይ ግድን ኣይኮነን ከምዚ ዓይነት ቅድመ ኩነት ከነቐምጥ ኣይንክእልን ኢና። ከምቲ ኣምላክ ዘጋጠሞ እንተኮነ እዩ ዝሓይሽ በሃላይ እየ።

ብሃዕባ መዝሙር መዛሙራትካ ብካሴት ደረጃ ክትሓትሞም ክደይ ግዜ ይወስደልካ? ስለምንታይ? 

መዝሙር ጀሚርካ ክሳብ ትውድኦ ካብ 1 ዓመት ንላዕሊ ጊዜ ይወስድ። እዚ ኣብ ስቱድዮ ጥራይ ማለተይ እዩ። ምክንያቱ ከኣ ነፍሲ ወከፍ መዝሙር ሙዚቃ ክስራሕ ከምኡውን ብላዕሊ ዝድረብ ድምጽታት ኮነ ሙዚቃታት ክኣቱ፡ ዝተበላሸወን ዘይጸበቐን ነገራት ከተስተካክል ብዙሕ ጊዜ ስለዝወስድ እዩ። ነቲ መዝሙር ግጥምን ዜማን ሰሪሕካ ምድላው ግን ካብዚ ጊዜ ንላዕሊ ከምዝወስድ ኣይንረስዓዮ፡ ምኽንያቱ ብሉጽ ነገር እንተደሊካ ነቲ ጸጋ ከኣ ብዙሕ ጊዜ ክትህቦ ስለዝግባእ እዩ። እዚ ከማን ንኣይ ኣብ ኢትዮጵያ ስለዘለኹ፡ እቲ ስቱድዮ ብቐረባ ስለዝረክቦ እየ እምበር ነቶም ኣብ ካልእ ሃገራት ዘለው ዘመርትና ኣብቲ ዝደልዩሉ ጊዜ መዝሙር ክሰርሑ ኣይክእሉን እዮም፡ ምኽንያቱ ከኣ ነቲ ቴክኖሎጂ ብግቡእ መሊኮም ኣብ ሞንጎና ዝሰርሕሉ ሙዚቀኛታትና ኣዚዮም ውሑዳት ብምዃኖም እዩ።

 እዚ ሕጂ ሙዚቀኛታትና በጺሖሞ ዘለው ደረጃ ንስኻ ከም ዘማራይ፡ ምስቲ እትደልዮ ደረጃ ከመይ ክኸውን ኣለዎ ትብል?

እቲ ቴክኖሎጂ እናማዕበለ ኣብ ዝኸደሉ እዋን ሎሚ ዝተፈላለየ ዓይነት ኣሳራርሓ ሙዚቃ እኳ እንተሎ ብኪዩቤዝ ሶፍትዌር ዝስራሕ ግን ዝበለጸ እዩ እብል። እዚ ከኣ ኣብ ሙዚቀኛታትና እኳ ሕጂ እናበጽሐ እንተኾነ፡ ብግቡእ ምምላኹ ግና ግዜ ዘድልዮ ነገር እዩ። ምኽንያቱ ከኣ ዝሓሸ ስራሕ ንምስራሕ ዝተፈላለዩ ሃርድዌራት ከም ተወሳኺ ስለዘድልዩ እዩ። ነዚ ንምግዛእ ኣሸጋሪ እኳ እንተኾነ፡ ኩልና ነቲ ኣገልግሎት ተረዲእና ንሙዚቀኛታትናን ዘመርትናን ክንሕግዞም ይግባኣና እዩ። እንተዘይኮይኑ ኣብ ኢትዮጵያ ጥራይ እናኸድካ ምስራሕ ብዙሕ ወጻኢታት ኣብ ልዕሊ ምሕታቱ ነቶም ጀመርቲ ዘመርትና ኮነ ንነባራት ኣብቲ ግቡእ መዝሙር ከውጽኡሉ ዘለዎም ግዜ ዘይኮነ ክሰርሑስ ኣብ ዝጠዓሞም ክኸውን እዩ። እዚ ከኣ ንመዝሙር ብዙሕ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ኣለዎ። ኣብ ርእሲኡውን ኣብ ክንዲ ነቶም ዘለውና ሙዚቀኛታት ነምህሮም እሞ ነተባብዖም ብኣንጻሩ እኳ ድኣ ተስፋ ስለ ዘይንህቦም መዛሙራትና ብቐረባ ክንሰርሕ ዘይምኽኣልና ነቲ ብግዚኡ ክበጽሕ ዝተዋህበና መዝሙር ኣብ ዘይግዚኡ ክወጽእን ከም ሳዒቤኑ ድማ ከምቲ ዝድለ ከድምዕ ኣብ ዘይክእለሉ እዋን ክንመጽእ ኢና ማለት እዩ።


ይቅጽል !!!

 

Source www.mezmur.org