20
Sat, Apr
0 New Articles

ቃለ ምልልስ ምስ ዘማሪ ዶ/ር ደረጀ ከበደ

Interview
Typography

ዘማሪ ዶ/ር ደረጀ ከበደ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ብፍላይ ቅድሚ ዓሰርተታት ዓመታት ዝነበሮ ፍሉይ ናይ መዝሙር ተውህቦ፡ ንብዙሓት ንበረኸት ዝኾነ ሓው ስለ ዝኾነ ካብ ተሞክሮኡ ብዙሕ ክንመሃር ከም እንኽእል ብምእማን ነዚ ቀጺሉ ዘሎ፡ ምስ መጽሔት "ማቴቴስ" ብቋንቋ ኣምሓርኛ ዝተገብረ ቃለ ምልልስ ከም ዘለዎ ተርጒምና ነቕርበልኩም ኣለና። እቲ ዝተገብረ ቃለ ምልልስ ቁሩብ ንውሕ ዝበለ ስለ ዝኾነ ድማ ኣብ ክልተ ክፋል ጌርና ንሕጂ ነቲ ቀዳማይ ክፋል እንዳ ኣቕረብናልኩም፡ ነቲ ካልኣይን መወዳእታን ክፋል ድማ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ከም እነቕርበልኩም ቃል ንኣትው። 

ንጋሻና ከም ሓደ ሓድሽ ጋሻ ጌርካ ንኣንበብቲ ክተላልዮ ኣይከኣልን እዩ፡ ምኽንያቱ ድማ ንዘማሪ ዶ/ር ደረጀ ከበደ በቶም ተፈትውትን ዘይጽገቡን መዝሙራቱ ኣዝዮም ብዙሓት ኣመንቲ ይፈልጡዎን ይፈትዉዎን ስለ ዝኾኑ። ዘማሪ ደረጀ ኣብ ውሽጢ ልቢ ህዝቢ እግዚኣብሄር ፍሉይ ስፍራን ኣኽብሮትን ኣለዎ። ቅድሚ ዓሰርተ ሓደ ዓመት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ "ኢንተርናሽናል ኢቫንጀሊካል ቸርች" ኣዳራሽ ዝተገበረ ናይ ኣድናቖት መዓልቲ፡ ነቲ ነዚ ዘማሪ ዝተለገሰሉ ፍቕሪ ዘርእይ እዩ። ኣብዚ ፕሮግራም ብዙሓት ናፍቖቶም ብዝተሓዋወሰ ስምዒት ገሊጾምሉ እዮም፡ "ደረጀ ንፈትወካ ኢና! ናፊቕናካ" ብማለት።


ኣነሆ እዚ ዘማሪ ኣብ ናይ ኢግዚኣብሄር ግዜ፡ ድሕሪ ነዊሕ ዘመን ምድሪ ኢትዮጵያ ረጊጹ። ንህዝቢ እግዚኣብሄር ፍሉይ ፍቕርን ኣኽብሮትን ከም ዘለዎ ከይሓበአ፡ ንቤተ ክርስትያን ፍሉይ ጾር ከም ዘለዎን ለውጢ ናፋቒ ምዃኑ ካብቲ ምስኡ ዝነበረና ግዜ ተረዲእና ኣለና። እዚ ዘማሪ ድሕሪ 12 ዓመታት ነዚ ቃለ ምልልስ ምስ መጽሔትና ኪገብር ስለቲ ዝሃበና ዕድል ብስም ኣንበብቲ ካብ ልቢ እንዳ ኣመስገንና፡ ብዛዕባ ናይ ወጻኢ ሃገር ጊዚኡ፡ ብዛዕባ ህይወት ኣገልገልቲ፡ ብዛዕባ ናይ መጻኢ መደባቱ፡ ኣብ ገለ ገለ ኣስተምህሮታት ስለ ዘለዎ ኣረኣእያን ከምኡውን ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዛዕባ ዝህልው ኣገልግሎት ሰፊሕ ዝርርብ ጌርና ኢና እሞ ምስ ጋሻና ጽቡቕ ምጽናሕ ይኹነልኩም።

 

ማቴቴስ፡- ኣቐዲምና ስለቲ ዝሃብካና ዕድል ኣዚና ነመስግነካ! ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ክንደይ ዓመትካ ተመሊስካ?

 

      ዶ/ር ደረጀ፡- ድሕሪ 29 ዓመት እየ ተመሊሰ።

 

ማቴቴስ፡- ካብ ኢትዮጵያ ኣወጻጽኣኻ ከመይ ይመስል ኔሩ?

 

ዶ/ር ደረጀ፡- ነዚ ብዝምልከት ሰባት ብዛዕባይ ቅድሚ ሕጂ ዝተዛረቡዎ ኣሎ፡ ዶብ ሰጊረ ከም ዝወጻእኩ ተዛሪቦም ኣለዉ። ይኹን እምበር እቲ ሓቀኛ ኣወጻጽኣይ ከምኡ ኣይነበረን። ኣቶ ሚልዮን በለጠ ዝተበሃሉ ክርስትያን ሓው ኣብ ኬንያ ይሰርሑ ኔሮም። ንሶም ናይ ክልተ ወርሒ ሴሚናር ኣብ ኬንያ ንኽካፈል ናይ ዕድመ ወረቐት ሰዲዶምለይ ብሕጋዊ መገዲ ብነፋሪት ተሳፊረ እየ ዝኸድኩ።

 

ማቴቴስ፡- ንኣወጻጽኣኻ ብዝምልከት ምስቲ ሽዑ ዝነበረካ ናይ ስደት ኩነታት ኣተሓሒዞም ዝርእዩዎ ሰባት ኣለዉ።

 

ዶ/ር ደረጀ፡- እወ፡ እቲ ግዜ ኣዝዩ ዘጨንቕ እዩ ኔሩ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከፍተኛ 18 ተኣሲረ ምስ ወጻእኩ ኣብ ከባቢ ኣዋሳ ንሰለስተ ወርሒ ዝኣክል ተሓቢአ ይነብር ኔረ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናተይ ፎቶ በቲኖም ብጥብቂ ይደልዩኒ ኔሮም። ኣብዚ ኩነታት ኮለኹ እዩ እምበኣር ናይ ኣቶ ሚልዮን በለጠ ናይ ዕድመ ወረቐት ዝመጸኣለይ። ምስቲ ዝነበረ ኩነታት ክረኣይ ከሎ፡ እቲ ናይ ዕድመ ወረቐት ነዓይ ናይ መተንፈሲ ግዜ ሂቡኒ ኔሩ። ይኹን እምበር ነቲ ናይ ጉዕዞ መስርሕ ከካይድ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ኩነታት ስለ ዝነበረ ካብ ኣዋሳ ናብ ኣዲስ ኣበባ እንዳ ተመላለስኩ እየ ዘፈጽሞ ዝነበርኩ።

 

ማቴቴስ፡- ስለዚ ናይ መውጽኢኻ ምኽንያት ምስቲ ዝነበረ ስደት ዝተተሓሓዘ እዩ ኪበሃል ይከኣል'ዶ?

 

ዶ/ር ደረጀ፡- እወ፡ ምክንያቱ ድማ ኣነ ብሓቂ ክወጽእ ኣይሓሰብኩን፡ እግዚኣብሄር ዘዳለወለይ መገዲ እዩ ኔሩ።

 

ማቴቴስ፡- ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝነበረካ ምጽናሕ ከመይ ይመስል ኔሩ? ብትምህርቲ፡ ብኣገልግሎት፡ ወዘተ . . . ?

 

ዶ/ር ደረጀ፡- ኬንያ ምስ ከድኩ፡ ኣብ ትሕቲ ሕቡራት መንግስታት ንዘሎ ጉዳይ ስደተኛታት "ናይ ሃይማኖት ስደተኛ እየ" ኢለ ኣመልኪተ። ንሳቶምውን ተቐቢሎምኒ ነሮም። ብርግጽ ኣብ ኬንያ ብዙሕ ሽግር ኔሩ፡ ብዙሕ ሓገዝ ኣይህቡን ኔሮም። ይኹን እምበር እግዚኣብሄር ረዲኡኒ፡ ኣብቲ ግዜ ናይ ኣርባዕተ ዓመት ስኮላርሺፕ (ናይ ትምህርቲ ዕድል) ረኺበ ኣብኡ ኣብ "ምብራቕ ኣፍሪካ ዩኒቨርሲቲ" ንኽመሃር ዕድል ረኺበ። ካብኡ ሓሊፉ ብኣገልግሎት ሐሓሊፉ ኣብ ማእከል ማሕበረሰብ ኢትዮጵያውያን ኣገልጊለ ኣለኹ፡ ግን ብዙሕ ኣይኮነን። ሓድሓደ ግዜ ድማ ኣብ ናይ ኬንያ ተወለድቲ ቤተ ክርስትያን እሳተፍ ኔረ። ኣብቲ ግዜ ክልተ ናይ ሓበሻ ኣብያተ ክርስትያናት ከም ዝነበሩ ይዝከረኒ፡ ግን ኣብ ክልቲኡውን ኣባል ኣይነበርኩን፡ ብውልቂ ደረጃ እየ ዝሳተፍ ዝነበርኩ። ኣብ ኬንያ ንሽዱሽተ ዓመታት ምስ ጸናሕኩ እየ ናብ ኣመሪካ ከይደ። ኣብ ኣመሪካ ዝበዝሕ ግዜይ ዘሕለፍኩዎ ኣብ ትምህርቲ እዩ። ናይ መጀመርያ ዲግረየይ ኬንያ ምስ ወዳእኩ፡ ኣብ ኣመሪካ ድማ ናይ ማስተርስ ዲግሪታት፡ ድሒሩውን ብስነ ጥዕና ህዝቢ (Public Health) ናይ ዶክትሬት (ፒኤችዲ) ዲግረየይ ረኺበ። ኣብ ናይ ስራሕ ዓለምውን በዚ ናይ ጥዕና ሞያ እንዳ ሰራሕኩ እየ ጸኒሐ።

 

እምበኣር ዝበዝሕ ግዜይ ዘጥፋእኩዎ ኣብ ትምህርትን ስራሕን እዩ ማለት እዩ። ንቤተ ክርስትያን ብዝምልከት ዝበዝሕ ግዜ ኣብ ናይ ጸዓዱ ሉተራን ቤተ ክርስትያን እየ ዘምልኽ ዝነበርኩ፡፡ ብደረጃ ኣገልግሎት'ኳ ብሓቂ ክንድቲ ዝኣክል ተሳታፊ ኮይነ ኣብ ቤተ ክርስትያን ኣየገልገልኩን። ብርግጽ መዛሙር እጽሕፍ እየ፡ ኣብ ገዛይ መለስተኛ ስቱድዮ ስለ ዘሎኒ ኣብኡ ኮይነ መዛሙር ካብ ምድራስ ንድሕሪት ኣይበልኩን። ቁጽሪ 7ን 8ን መዛሙረይ ድማ ኣመሪካ ኮለኹ ዝሰራሕኩወን እየን። ብሓፈሻ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝነበረኒ ግዜ ከምዚ ይመስል።

 

ማቴቴስ፡- ምስ ቤተ ክርስትያን ምስራሕ ኣይፈትውን እዩ፡ ብናይ ቤተ ክርስትያን ኣባልነትውን ኣይኣምንን እዩ ይበሃል። ብዛዕባ እዚ'ኸ እንታይ ትብል?

 

ዶ/ር ደረጀ፡- ብሓቂ ንምዝራብ፡ ካብ ንእስነተይ ጀሚረ ንዝተወደቡ ሃይማኖታት (organized religions) ፍጹም ግዲ የብለይን እየ። ክርስትያናት (ሓደ ዓይነት እምነትን መርገጽን ዘለዎም ኣመንቲ) ብሓደ እንዳ ተኣከቡ እንተ ዘምልኹን ብፍታዎምውን ዘለዎም ልምምድ ብሓባር እንተ ተኻፈሉ ክፋእ የብሉን። ብዝተረፈ ንሕብረት ዝኸውን ተፈጥሮ የብለይን። ብንእስነተይውን እንተ ኾነ ዘማኽሮ ንእግዚኣብሄር ጥራይ እየ። ናይ ማንም በዓል ዕዳ ኣይኮንኩን፡ ንህዝቢ እግዚኣብሄር ከይዓመጽኩ ኣብ ህዝቢ እግዚኣብሄር ሰከም ከይኮንኩ ብውልቀይ ዝተወሃበኒ ሂበ ኣለኹ።

 

ማቴቴስ፡- ኣብዚ ቁሩብ ግዜ (ቅድሚ ዓሰርተ ኣዋርሕ) ናትካ ኣገልግሎት ንምዝካርን ንምድናቕን ዝተዳለወ ፕሮግራም ኣብ ውሽጢ ኣዲስ ኣበባ ተጌሩ ኔሩ። ነቲ ሽዑ ዝነበረ ምድላዋት ድማ ብቭሲዲ ተላኢኹልካ ከም ዝረኣኻዮ ሰሚዕና ኣሎና። ከመይ ረኺብካዮ?

 

ዶ/ር ደረጀ፡- መቸም ከምዚ ዓይነት ፕሮግራም ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ማለት ነዓይ ወይ ንዘመርቲ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ንእግዚኣብሄር ዘገልግሉ ሰባት ሓደ ሓደ ግዜ ካብ ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ካብ ዘገልግሉዎም ሰባትን ናይ መበራትዒ ነገር የድልዮም እዩ። ብርግጽ ክብሪ ናይ እግዚኣብሄር እዩ፡ ኩል ግዜ ንእግዚኣብሄር እዩ፡ ውህበትና ኩሉ ናይ እግዚኣብሄር እዩ። ይኹን እምበር ሰባት ብኣገልግሎትና ስለቲ ዝረኸቡዎ ትምህርትን በረኸትን በዚ ዓይነት ግዜ ወሲዶም ምስክርነት ክህቡ ከለዉ ምርኣይ ደስ ይብል። ስልዚ ድማ እዞም ዝጀመሩ ኣሕዋት ግዜን ዓቕምን ብዝፈቀዶ መጠን ንኻልኦትውን እንተ ኣበራትዑ ጽቡቕ እዩ እብል። ናተይ ፕሮግራም ምስ ረኣኹዎ ብጣዕሚ እየ ተሓጒሰ። ግዜኦም ሰዊኦም እዮም፡ ምኽንያቱ ብዙሕ ምድላዋት ዝሓትት እዪ ኔሩ። እቲ ፕሮግራምውን ብሓቂ ብጽቡቕ ኩነታት፡ ብጽፈት ዝተኻየደ እዩ ኔሩ። ኣብቶም ናተይ ዕድመ ደረጃ ኣብ ዘለዉ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ መንእስያትውን ዓቢ በረኸት እየ ረኺበሉ። በዚ ኣጋጣሚ ነቶም ፕሮግራም ዘዳለዉ በዓል ኣቶ ጌታቸው ወርቁን ኮሚቴኡን ጎይታ ይፈልጦም እዩ እሞ ንብሩክታዊት፡ መቅረዝን ዜማ ንክርስቶስ ናይ መዝሙር ኣባላት፡ ንናይ መሰረተ ክርስቶስ ኳየር ብሙሉኦም፡ ብሓፈሻ ኣብቲ ፕሮግራም ንዝተሳተፉ ኩሎም እግዚኣብሄር ይባርኽኩም ክብሎም እፈቱ። ንመጻኢ ድማ ንካልኦት ኣገልገልቲ ክባርኹዎም ከተሓሳስብ እፈቱ።

 

ማቴቴስ፡- ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኢትዮጵያ ኮንሰርት ንኽትገብር ዝዓደመካ ኣይነበረን'ዶ?

 

ዶ/ር ደረጀ፡- ነዚ ሓሳብ ዘቕረቡለይ ኔሮም። እቲ ጸገም ግን እቶም ነቲ ኮንሰርት ንምግባር ዝዓደሙኒ ሰባትን ትካላትን ካልእ ሕቡእ ኣጀንዳ ኔሩዎም። ብኹሉ ነገር ተሰማሚዕና ክነብቅዕ ኣብ ኣጠቓቕማ ገንዘብ ግን ፍጹም ተቓራኒ ሓሳባት ኔሩና። ናይ ሃይማኖት ናጽነት ካብ ዘምጽኦም ኣሉታዊ ነገራት ሓደ፡ ሰብ ናይ ውልቁ ረብሓ እምበር ናይ ካልኦት ዘይምርኣዩ እዩ። ሓደ ሰባይ'ሞ ነቲ ኮንሰርት ብዙሕ ገንዘብ ምስ ከፈልናካ ነቲ ዝተረፈ ንትካለይ ከውዕሎ ኢሉኒ ኔሩ። እምበኣር ዘረባኡ ከም ዝተረደኣኒ ነዓይ ገንዘብ ምስ ከፈለኒ ነቲ ዝተረፈ ከም ዝደለዮ ጌሩ ክብትኖ ማለት እዩ። ናተይ ኣገልግሎትን ውህበትን ንማንም መኽሰቢ ኣይኮነን። ዘይኣመንቲ ሰባት ደረፍቲ ቆጺሮም ከም ዘድርፉ፡ ኣብ ኣብያተ ክርስትያናትን ናይ ውልቂ ሚኒስትሪታትን ድማ ዘመርትን ሰበኽትን ብምቑጻር መኽሰብ ክረኽቡሎም ዝብህጉ ሰብ ገንዘብ ኢና በሃልቲ መሊኦም ኣለዉ። ከምዚኦም ንዝመሰሉ ሓግሒግካ ምጥፋእ ኣድላዪ እዩ። ኮንሰርት እንተ ገበርኩ ብጀካ ናይ እግዚኣብሄር ናይ ማንም ስም ኣይኪህልውን እዩ፡፡ ንናይ ኮንሰርት ምድላዋት ኣበርክቶ ጌርና ኢና'ሞ ናትና ቤተ ክርስትያን ወይ ናትና ሚኒስትሪ ክጽዋዕን ክምስገንን ኣለዎ ዚብል ኣተሓሳስባ ዘለዎም ኩሎም ኣብ ዘለኹዎ ከባቢ እንተ ዘይተረኣዩ ደስ ይብለኒ። እቲ ዘሕዝን ነገር ስሞምን ስራሖምን ከይተፈለጠ ብድሕሪ መጋረጃ ኮይኖም ስራሕ ጎይታ ሰሪሖም ዘስርሑ ዘይምህላዎም እዩ። ኣነ ኣብ ዘገልግለሉ ከባቢ ማንም መወዓውዒ ከይጥቅዕ ጥንቃቐ ክገብር ጸኒሐ ኣለኹ። እዚውን ቀሊል መርገጽ ኣይኮነን።

 

ማቴቴስ፡- ኣብ ኢትዮጵያ ምስቲ ዝነበርካሉ ግዜ ክተነጻጽሮ ከሎኻ ኣገልገልቲ ኣብዚ ዘመን እዚ ዝሓሸ ክንክን ይግበረሎም ኣሎ ትብል'ዶ? ማለት ሰበኽቲ፡ ዘመርቲ፡ ጓሶት ከምኡውን ንኻልኦት ናይ ኣገልግሎት ክፍሊታት ብዝምልከት?

 

ዶ/ር ደረጀ፡- ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበርኩሉ ዘመን ኣገልጋሊ ዝተጎሳቆለ እዩ ኔሩ። ናይ ቤተ ክርስትያናት ናይ ባንክ ሳንዱቕ እንዳ ሓበጠ ወንገላውያንን ካልኦት ኣገልገልትን ይጠምዩን ይጸምኡን ኔሮም። ሓደሓደ ኣብያተ ክርስትያናት ድማ ነቲ እኩብ ሃብቲ ንኣገልገልቲ ካብ ምሃብ ድሕርሕር ክብሉ ከለዉ ብብዙሕ ሚልዮን ዝቑጸር ገንዘብ ደርግ ከም ዝወሰዶ ይንገር። ኣገልገልቲ ብስነ ስርዓት፡ ብግልጺ ኣይሕገዙን እዮም ኔሮም። በቲ ዘመን'ቲ ሙሉእ ግዜ ሂብካ ምውጻእ ዋጋ ዘኽፍል እዩ ኔሩ። ኣቐዲመ ኣብ ዝገበርኩዎ ቃለ ምልልስ (መጽሔት ህይወት) ከም ዝተዛረብኩዎ ናይ ቀደም ኣሰራርሓ ዘሕፍርን ክድገም ዘይግቦኦን ከም ዝኾነ ገሊጸ ኔረ። ዝኮነ ኣገልጋሊ ክጠምይን ክጸምእን፡ ናይ መጓዓዓዚ ወጻኢ ኪሽግሮ ኣይግባእን። ብተወሳኺ ቤተሰቡ ዘመሓድረሉ፡ ደቁ ናብ ቤት ትምህርቲ ዝልእከሉ ወጻኢ ቤተ ክርስትያን ክትሽፍነሉ ይግባእ። እዚ ማለት ነቶም ብእግዚኣብሄር፡ ብቤተ ክርስትያንን ብምእመናን ንዝጸደቐ ሓቀኛ ጻውዒት ንዘለዎም ኣገልገልቲ ማለተይ እዩ እምበር፡ ካብ ስንፍና ዝተለዓለ ሙሉእ ግዜ ሂበ ኣለኹ እንዳበሉ ብምእመናን ክጥወሩ ንዝደልዩ ማለተይ ኣይኮነን።

 

ኣብዚ ዘመን ነቲ ዘሎ ኩነታት ክርእዮ ከለኹ ድማ ኣገልገልቲ (ብዙሓት ብሕታውያን ሚኒስትሪታት፡ ሰበኽትን ጓሶትን) በልጺጎም ምእመናን ዝጎስቖሉሉ ዘመን እዩ። ናይ ኣምልኾ ናጽነት ዝገበሮ ሓደ ነገር እንተ ሃለወ ኣገልገልቲ ሕፍረትን ስክፍታን ከም ዝረሰሐ ካምቻ ኣውጺኦም ምድርባዮም እዩ። ብዛዕባ ኩነታት ናይ ኢትዮጵያውያን ቤተ ክርስትያን ኩነታት ንምዝራብ ብዙሕ ኣፍልጦ የብለይን፡ ነገር ግን ናይ ምዕራባውያን ኣሰራርሓ፡ ኣብ ፈቀዶ ኣኼባ ብዛዕባ ገንዘብ ምዝራብን ምልማንን ናብ ናይ ኢትዮጵያውያን ቤተ ክርስትያናት ዘተኣታትዉ ኣገልገልቲ ከም ዘለዉ እፈልጥ። ኣብዚ ዘመን ኣገልገልቲ እኹል ደሞዝ ኣለዎም (ኣብ ኣሜሪካ ዘለዉ ብርግጸኘንነት)። ስድሮኦም ከመሓድሩ፡ ደቆም ናብ ናብ ቤት ትምህርቲ ንምልኣኽ፡ ምቹእ መጓዓዓዚ ኣለዎም። እዚ ድማ ይግቦኦም እዩ።

 

እቲ ጸገም ግን ኣገልገልቲ ደሞዞም ኣቐሚጦም ካብ ህዝቢ ተወሳኺ ገንዘብ ኣብ ሰሰንበት ምእካቦምን ክሳብ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ደረጃ ምብጽሑ እዩ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ከም ዝተረዳእኩዎ ሓደሓደ ጓሶት "ናይ ውልቂ ህያብ፡" "ናይ ፍቕሪ ህያብ" ብዝብል ዝሓባብል ቃል ካብ ህዝቢ ብቡዙሕ ኣሽሓት ዝቑጸር ገንዘብ ኣብ ሰሰንበት ንውልቆም ከም ዝእክቡ እዩ። ብፍላይ እቲ ብጣዕሚ ዘሕፍር ነገር ከኣ "እግዚኣብሄር ኣብ ናይ ባንክ ሕሳብ ክንደይ ገንዘብ ከም ዘሎካ/ኪ ይርኢ እዩ፡" ወይ ድማ ሞባእ ኣብ ዝእከበሉ ግዜ ጓሳ ኣብ መድረኽ ደው ኢሉ "እግዚኣብሄር ናይ ሳንቲም ድምጺ ኪሰምዕ ኣይደልይን እዩ፡ ቅርሺ ራይ ዩ ዝደልይ፡ ቅርሺ ሃቡ" እንዳበሉ ሽም ጎይታ ከም መፈራርሒ እንዳገበሩ ንምእመናን ዝዕምጹ ኣብ ማእከልና ተዛንዮም ኮፍ ኢሎም ኣለዉ። ነቶም ገንዘብ ዘይሓዙ ምእመናን ድማ ኣብ ዝቕጽል ወርሒ ካብ እንረኽቦ ገንዘብ ክንህብ ኢና ኢሎም በስገዳድ ዝኣክል ከም ዝፍርሙ ይገብሩ። ኣብ ገለ ገለ ቦታታት ምእመናን ክሳብ ኣብ መድረኽ መጺኦም መባኦም ከም ዝህቡ ይግበርሞ ክንደይ ዚኣክል ገንዘብ ከም ዘውደቑ እቲ ጓሳ ወይ ሰባኺ ዓይኑ ኣፍጢጡ ይርእይ። እዚ ብሓቂ ሽም እግዚኣብሄር ኣብ ዚጽዋዓሉ ቦታታት ምፍጻሙ ከም ሕልሚ እምበር ፈጺሙ ክዉን ኣይመስለንን። ብሎሚ ኣርባዕተ ዓመት ኣቢሉ ነዚ ኣሰራርሓ ንዝለማመድን ብሚነሶታ ንዝርከብ ሓደ ጓሳ ማሕበር ንስሓ ኪኣትውን ንምእመናን ምዕማጽ ደው ኬብልን መጀመርያ ንዉልቁ፡ ደሓር ከኣ ብናይ ህዝቢ ኣፍልጦ ደብዳቤ ጽሒፈሉ ኔረ።

 

እዚ ጥራይ ኣይነበረን፡ እንኮላይ ንህዝቢውን ካብ ቃል እግዚኣብሄር ብምጥቃስ ንናይ ብልጽግና ትምህርቲ ከወግዙ ወረቐት በቲነ ኔረ። ብሓቂ እንተ ደኣ ኮይኑ ነቲ ኣገልግሎቶም ንናይ ውልቆም ጥቕሚ ዘውዕሉዎ ከምዚኦም ዓይነት ኣገልገልቲ ብመንፈሳውያን ጥራይ ዘይኮነስ ብሕጊ እንኮላይ ብምትላል ክኽሰሱ ዝግቦኦም ወንጀለኛታት እዮም። ኣብ ኣሜሪካ መብዛሕትኦም ኢትዮጵያውያን ምእመናን ናይ ጉልበት ስራሕ እዮም ዝሰርሑ። ኣረጋውያን እንዳሓጸቡ፡ ገዛውትን ኣብያተ ጽሕፈትን እንዳ ኣጽረዩ፡ ኣብ ፋብሪካታት እንዳ ተሸከሙ፡ ገሊኦም ድማ ኣብ መዓልቲ ክሳብ ዓሰርተ ሽዱሽተ ሰዓታት እንዳ ሰርሑ ብናይ ደም ረሃጽ ዘምጽእዎ ገንዘብ ናይ ቤተ ክርስትያን ተበለጽቲ ሽም እግዚኣብሄር ጉልባብ ብምግባር ናይ ጁቦኦም ጥራይ ዘይኮነስ ናይ ባንኮም ከይተረፈ የሕድግዎም። ርህራሄ ዘይብሎም ብናይ ሰብ ገንዘብ ምንባር ዝለመዱ ኣገልገልቲ ገዛ ይሰርሑ፡ ክቡር ማኪና ይዝውሩ፡ ኣብ ባንክ ተቐማጢ የዋህልሉ፡ ምእመናን ድማ ንናይ ገዛ ኪራይን ንቴለፎንን ዝኸፍሉዎ ስኢኖም ይጭነቑ።

 

እቲ ብጣዕሚ ዘሕዝን ድማ እሙናት ኮይኖም ንጎይታ ዘገልግሉዎ ዝነበሩ፡ ካብ ንእስነተይ ጀሚሮም ዝነበሩ ኣገልገልቲ ናጽነት ዘምጽኦ ፍኑውነት ተቐቢሎም ከምቲ "ቤት ኣቦኻ ኪዝረፍ ከሎ ሓቢርካ ዝረፍ" ዝበሃል ንሳቶም ድማ ንናይ ብልጽግና ወንጌል እንዳ ሰበኹን ንህዝቢ እንዳ ዓመጹ ምህላዎም እዩ። ዘመርቲ ክሳብ ካብ ኢትዮጵያ እንዳ መጽኡ ኣብዞም ናይ ስሕተት መድረኻት ናይ ፕሮግራሞም ኣድመቕቲ ክኾኑ ከለዉ እንዳ ረኣኹ ኣዝየ ሓዚነ ኣለኹ።

 

ኣገልገልቲ ዝተትረፍረፈ ምድራዊ ሃብቲ ክህልዎም እንተ ደኣ ደልዮም ብጉልበቶም ሰሪሖም፡ ብረሃጾም ብዘምጽእዎ ናይ ውልቆም ገንዘብ እምበር ኣብ ሰሰንበት ንህዝቢ እግዚኣብሄር ገንዘብ እንዳ ሓተቱ፡ "ህያብ ሃበና" ብማለት ብልማኖ ዝረኽቡዎ ገንዘብ ኪኸውን የብሉን። እዚ እቲ "ወንል ምሽቃጥ" ንብሎ እዩ።

 

ብተወሳኺ "ኣገልጋሊ ድኻ ኪኸውን የብሉን፡" "ኣገልጋሊ ሃብታም ከይኸውን ዚኽልክል ዝኾነ ይኹን ሕግን ትምህርትን የሎን" እንዳ በሉ ዝሰብኩ፡ ብዛዕባ ገንዘብ ጥራይ ዝሰብኩ፡ ብዛዕባ ገንዘብ ጥራይ ዝዛረቡ ቁጽሮም በዚሑ ኣሎ፡፡ ንኸምዚኦም ዝበሉ ዝዛረቦ እንተ ሃለወ፡ ዝኾነ ናይ ቤተ ክርስትያን ኣገልጋሊ ሃብታም ከይኸውን ዚኽልክል ዝኾነ ይኹን ሕግን ትምህርትን ከም ዘየሎ ኣን'ውን ይኣምነሉ እየ። ነገር ግን ኣገልገልቲ ዝተትረፍረፈ ምድራዊ ሃብቲ ክህልዎም እንተ ደኣ ደልዮም ብጉልበቶም ሰሪሖም፡ ብረሃጾም ብዘምጽእዎ ናይ ውልቆም ገንዘብ እምበር ኣብ ሰሰንበት ንህዝቢ እግዚኣብሄር ገንዘብ እንዳ ሓተቱ፡ "ህያብ ሃበና" ብማለት ብልማኖ ዝረኽቡዎ ገንዘብ ኪኸውን የብሉን። እዚ እቲ "ወንገል ምሽቃጥ" ንብሎ እዩ። ኣገልገልቲ ወይ "ናብራይ ይኣኽለኒ" ብማለት ንእግዚኣብሄር እንዳ መሰሉ ምንባርን ምግልጋልን፡ ወይ ድማ "በዓል ንብረት ክኸውን እየ፡ ሃብታም ክኸውን እየ" ዚብል ሓሳብ እንተ ኣለዎም ድማ ፑልፒት ሓዲጎም ኣብ ሸቐጥን ኢንዱስትሪን ኣብ ካልኦት መዳያትን ክዋፈሩ ኣለዎም። ቤት እግዚኣብሄር ቀረጽ ዝኽፈለሉ፡ ገንዘብ ዝእከበሉ መድረኽ ዚገብሩ ኣገልገልቲ ዝበዝሑሉ ዘመን እዩ። እቲ ናይ ቀደም ዘመን ናይ ጭቆና ዘመን እዩ ኔሩ፡ እዚ ናይ ሕጂ ድማ ኣገልገልቲ ይኣኽለኒ ምባል ዘይፈልጡሉ፡ ንምእመናን ብዘይ ንሕስያ ኣብ ሰሰንበት "ኣምጽእ" "ኣምጽእ" ዝብሉሉ ዘመን እዩ። ኣገልገልቲ ናብራይ ይኣኽለኒ ምባል ክፈልጡ ይግቦኦም። ክደኽዩ ኣይግቦኦምን እዩ፡ ነገር ግን ዝተትረፍረፈ ሃብቲ ኪእክቡ ኣይግቦኦምን እዩ። ጓሳ እንዳ ሃጠረ ኣባጊዕ ዝዓብራሉ ዘመን ውሽጢ ኢና ዘሎና፡፡

 

      ማቴቴስ፡- እሞ ነዚ ዘተዓርቕ ሓሳብ እንታይ እዩ ትብል?

 

      ዶ/ር ደረጀ፡- ቀዳማይ፡ ኣገልግሎትናን ካብ ጎይታ ዝተወሃበና ውህበትን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ንኽንስልጥን ወይ "እዚ ኣምጽእ" "ነቲ ሃበና" ክንብል ሊቸንሳ (ፍቓድ) ከምዘይኮነ ምፍላጥ እዩ። ካልኣይ፡ ኣገልገልቲ እንዳ ሰርሑ ንርእሶም እንዳ ደገፉ እንተ ኣገልገሉ ኣገልግሎቶም ዝበለጽ ህይወት ምሃለዎ። ኣብ ልዕሊ ምእመናን ጾር ካብ ምዃን ንኽንድሕን ዘኽእለና ኩሉ ንግበር። እንተ ተኻኢሉ ኣብ ናይ ቤተ ክርስትያን ገንዘብ ናብራና ኣይንመስርት። ሳልሳይ፡ ክልተ ጎይታ ምግልጋል ስለ ዘይከኣል፡ ኣብ ከባቢና ንርእዮ ነገር ዘህርፈና እንተ ደኣ ኮይኑ ፑልፒት ናትና ስለ ዘይኮነ ስፍራ ነቶም ብሓቂ ዝተጸውዑ ክንለቅቅ። ራብዓይ፡ ናይ ቤተ ክርስትያን ኣባላት እቶም ኣገልገልቶምን ካልኦት ብደሞዝ ዝተቆጸሩ ናይ ቤተ ክርስትያን ሰራሕተኛታት ወርሓዊ ዝኽፈሎም መጠን ገንዘብ ክፈልጡ ኣለዎም። እዚ financial accountability (ኣታዊን ወጻኢን ከም ዝፍለጥ ምግባር) ካብ ኣገልገልቶም ዝህልው ተግባር እዩ። ካልእ እንተ ተረፈ ናይ ውልቂ ሚኒስትሪ ኣለና ዝብሉ ከማን ብናይ ምእመናን ገንዘብ ክሳብ ዝኾነ ነቲ ዘንቀሳቕሱዎ ኣታውን ወጻእን ንህዝቢ ከፍልጡ ኣለዎም። እንተ ዘይኮይኑ ኣብ ዘዝኸዱዎ ስፍራ ነቲ ዝእክቡዎ ገንዘብ እንታይ ይገበሩዎ ከም ዘለዉ ብምንታይ ይፍለጥ? ስርሖም ብዘይ ነቐፌታ እንተ ኾይኑ ነዚ ንህዝቢ ምግላጽ ኣየፍርሖምን እዩ።

 

      ማቴቴስ፡- ናብ ድሕሪት ክንመልሰካ'ሞ ቀደም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝኣተኻሉ ግዜ ከም ዝነበረ ይፍለጥ፡ እስከ ብዛዕቡኡ ቁሩብ መዕለልካና'ዶ?

 

      ዶ/ር ደረጀ፡- እቲ ግዜ ብዘመን ደርግ እዩ ኔሩ፡ ሽዑ ንሕና ኣብ ዝተኣሰርናሉ ግዜ ናይ 'ኪነት' ምንቅስቓስ ብዝለዓለ ደረጃ ተላዒሉ ኔሩ። ፈኸራ'ውን ብእኡ መጠን ብርቱዕ ኔሩ። ኣነ ኣብቲ ግዜ ዘጋጠመኒ ጸገም ኣብ ከፍተኛና (ብናይ ቀደም ኣጸዋውዓ) ኣነ ብመዝሙር ናይ ሙዚቃ ዝንባለ ከም ዘሎኒ ዝፈልጡ ሓድ ሓደ ሰባት፡ ናይ ከፍተኛ ሊቀመንበርን ሓደ ካልእ ካድረን ነዓይ ኣብቲ ናይ ኪነት ምንቅስቓስ ንኽሳተፍ ኬገድዱኒ ደልዮም ኔሮም። ንሳቶም ዝሓሰቡዎ ኣብ ናይ ከፍተኛ 18 ኪነት ኣትየ ብምስታፍ ተወዳዲርና ንኻልኦት ከፍተኛታት ክንስዕር ኢና ዚብል ኔሩ። ሽዑ ብዉልቂ ዝከታተሉኒ ዝነበሩ በዚ ጉዳይ እዩ ኔሩ። እቲ ግዜ ቀሊል ኣይነበረን፡ ክልተ ግዜ እየ ተኣሲረ ኔረ። መጀመርያ ናዝሬት ኣገልጊለ ተመሊሰ ኣብ ገዛ ምስ ኣተኹ ናይ 'ኣብዮት ጥበቃ' ሰባት ማዕጾ ገንጺሎም ኣትዮም። ኣነ ገና ካብ ናዝሬት ምስ ኣተኹ ስለ ዝነበረ ካናቴራ መሳሊ ተኸዲነ ኔረ። ንዕዑ ካብ ልዕለይ ቀዲዶሞ፡ ካብ ማእከሎም ሓደ ከፈራርሃኒ እዩ ይመስለኒ ቶኪሱ፡፡ እንታይ ከም ዝገበርኩ ኣይነገሩንን። ካብኡ ወሲዶም ን12 መዓልቲታት ዚኣክል ኣሲሮም ፈቲሖምኒ። ካብኡ ንደሓር ድማ ድሕሪ ቁሩብ ኣዋርሕ ኣብቲ ከባቢ ንዝነበርና ክርስትያናት እንዳ ዞሩ ኣሲሮምና። ካብ መሰረተ ክርስቶስን ካብ ካልእ ከባቢ ዝመጽኡ ክርስትያናት ድማ ኔሮም። ነዓይ ክሓቱ ዝመጽኡ 6 ዝበጽሑ ናይ መካኒሳ መካነ ህይወት ዘመርቲ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዚኣክል ኣብኡ ኣሲሮሞም ኔሮም።

 

ኣብኡ ኣብ ዝነበርናሉ ግዜ፡ ኣዝዩ ዘፍርሕ ኩነታት እዩ ኔሩ። 'ቀይ ሽብር' ዚካየደሉ ግዜ ስለ ዝነበረ ዝበዝሕ እዋን ምሸት ሰዓት ዓሰርተ ከባቢ እንዳ መጽኡ ካብ ሰለስተ ክሳብ ኣርባዕተ ሰባት እንዳ ወሰዱ ይርሽኑ ኔሮም። ነዓናን ንኢህኣፓን ብሓደ ኣሲሮምና ስለ ዝነበሩ ነቲ ዝኸውን ምርኣይ ኣዝዩ ከቢድ ኔሩ። ስለዚ ምሸት ምሸት ከባቢ ሰዓት ሰለስተ ኣርባዕተ ኣብ ዝኮነሉ እዋን ኣዚና ንጭነቕ (depressed ንኸውን) ኔርና። ምክንያቱ ድማ መጺኦም 'እከለ እከለ' ኢሎም ይጽውዑ ኔሮም። መን ከም ዚጽዋዕ ናይ መን ታራ ከም ዝኾነ ኣይፍለጥን ኔሩ፡ ወሲዶም ኪቐትሉዎም ከለዉ ድማ ድምጺ ይስማዕ ኔሩ። ነቲ ዝነበረ ስግኣት ክዝክሮ ከለኹ ከቢድ እዩ ኔሩ። ካልእ ድማ ጥቓ ንሕና ተኣሲርናሉ ዝነበርና ክፍሊ ካልእ ክፍሊ ኔሩ፡ እቲ ክፍሊ ንመግረፊ ዘገልግል እዩ ኔሩ። ኣብኡ ውሽጢ ሰባት ይግረፉ ኔሮም። ዓበይቲ ሰባት መሳርሒ ሓቢእኩም ኣለኹም ተባሂሎም ዝግረፉ ኣለዉ፡ ንደርግ ዝቃወሙን ኣብ ዝተፈላለዩ ፓርቲታት ዝተሰለፉ ዝነበሩውን ኔሮም። እዚ ኩሉ ብመንጽር ስነ ልቦና ክረአ ከሎ ኣዝዩ ኣሸጋሪ እዩ ኔሩ።

 

እቲ ካድረን ኣቦ መንበርን ድማ ኣባይ ፍሉይ ኣተኩሮ ጌሮም፡ ህልኽውን ሒዙዎም ኔሩ። ሓደሓደ እዋን ለይቲ መጺኦም ኮበርታ ካብ ልዕለይ ገፊፎም የተንስኡንን ናይ መፈራርሂ ቃላት ይዛረቡኒ ኔሮም። ሓደ ግዜ ይዝከረኒ እቲ ካድረ "ካብ ሓደ ኣጉዶ (ብሳዕሪ ዝተሰርሐ) ሓንቲ ሳዕሪ ተመዚዛ እንተ ወጸአት ይጎድእ'ዶ?" ኢሉ ሓቲቱኒ። ኣነ ድማ "ኣይጎድእን እዩ" ኢለዮ። ኣብቲ እዋን እንታይ ንማለት ከም ዝደለየ ኣይተረዳኣንን ኔሩ። "ንስኻ ድማ ከምኡ ኢኻ። ካብዚ ውሽጢ ኣውጺአ ክቐትለካ ይእል እየ። ምንም ለውጢ ኣይተምጽእን ኢኻ" ኢሉኒ። እዚ እምበኣር ኣባይ ጸቅጢ ንምግባር እዩ። ኣብ ውሽጢ'ቲ ቤት ማእሰርቲ ኣሓት ተኣሲረን ስለ ዝነበራ ዘይኮነ ወረ ይመላለስ ኔሩ። እዚ ድማ "ደረጀ መፈክር ከስምዕ ወሲኑ እዩ፡ ንስካትክን?ከ" ይብሉወን። ናባን መጺኦም ድማ "እተን ደቂ ኣንስትዮ ከምዚ ክገብራ ወሲነን ኣለዋ፡ ንስኻ እምቢ እንተ ኢልካ ሳዕቤኑ ኣባኻ እዩ፡ ሓላፍነት ትወስድ" ዝዓይነቱ ነገር ይዛረቡኒ ኔሮም። 

 

እቲ ታሪኽ ነዊሕ እዩ። ከምዚ ኢሉ እንከሎውን እግዚኣብሄር ይረድኣና ኔሩ። ንሕና ምስተን ደቂ ኣንስትዮ ደብዳቤ ክንለዋወጥ ኮለና ኢሂኣፓታት ኔሮም ነቲ ወረቓቕቲ ሒዞምልና ዝኸዱ። መጀመርያ ምስ ተኣሰርኩ ከማን ጸጉረይ ዝላጸዩኒ ኢሂኣፓታት ኔሮም፡ ምኽንያቱ ድማ ብጥርሙዝ ከም ዝላጽዩኒ ፈሊጦም ዝገበሩዎ እዩ። ሽዑ ንሽዑ ላማ ገዚኦም ላጽዮምኒ።

 

      ማቴቴስ፡- ኣብዚ ኩነታት ኮለኻ ዝዘመርካዮም መዛሙር ኔሮም'ዶ?

 

      ዶ/ር ደረጀ፡ ኣብ ግዜ ደርግ ዝተቐበልኩዎም ብዙሓት መዛሙር ኣለዉ። ብፍላይ ምስ ዘገምታዊ ለውጢ ዝተተሓሓዙ መዛሙር ኔሮም፡ "ዝንጀሮ ኣይደለሁም" (ህበይ ኣይኮንኩን)፡ "ሞት ላይቀር ዞሮ ዞሮ" (ዘይሩ ዘይሩ ሞት ንዘይተርፍ)፡ "የፍጥረትን ነገር የተገዳደሩ" (ብናይ ፍጥረት ነገር ዝተፈታተኑ)፡ ዝብሉን ካልኦትን ነሮም።

 

      ማቴቴስ፡ ብመዛሙራትካ መልሲ ምሃብ ኣይትፈርህን'ዶ ኔርካ?

 

      ዶ/ር ደረጀ፡- ሓቂ ንምዝራብ እፈርሕ ኔረ። ስጋ ለበስ ከም ምዃነይ መጠን ምፍረሐይ ዘይተርፍ እዩ። ፍጹም ኣይፈርሕን እየ እንተ በልኩ ሓቂ ኣይከውንን እዩ። ኣብ ውሽጢ'ዚ ኩነታት ግን እግዚኣብሄር ብናቱ መንገዲ ብርተዐ ይህበኒ ኔሩ። ምስቶም ሓቢሮምኒ ተኣሲሮም ዝነበሩ ብዝከኣለኒ መገዲ ኩሉ እጸናናዕ ኔረ። ክፍታሕ ኮለኹ ከማን እቲ ካድረ ንኹሎም ክርስትያናት ምስ ፈተሐ ነዓይ ኣይፈታሓንን ኔሩ። ሓደ መዓልቲ ነቶም ኢሂኣፓታትን ነዓይን ጸዊዑና፡ "ለውጢ ኣርእዩ'ዶ" ኢሉ ሓቲቱዎም። ንሳቶም ድማ ብሓደ ድምጺ "እወ ኪፍታሕ ኣለዎ፡ ኣብዚ ተቐሚጡ ዘምጽኦ ነገር የሎን" ኢሎሞ። ብጣዕሚ ዝገርም ፈቲሑኒ። እዞም ቆልዑ ጎይታ ዝፈልጡ ኣይኮኑን፡ ግን እግዚኣብሄር ተጠቒሙሎም።

 

      ማቴቴስ፡- ነዚ ታሪኽካ ብመጽሓፍ ክተሕትሞ ኣይሓሰብካን?

 

      ዶ/ር ደረጀ፡- እወ፡ እንዳ ጸሓፍኩዎ እየ። ነዚ ጥራይ ዘይኮነ ብሓፈሻ ብዛዕባ መንፈሳዊ ኣገልግሎት፡ ብዛዕባ ቤተ ክርስትያንን ብዛዕባ ካልኦት ኣገልግሎታትን እግዚኣብሄር ዝመሃረኒ ዘበለ እንዳ ጸሓፍኩ እየ።

 

ማቴቴስ፡- ኣብ ወርሒ ነሓሰ 1996 ዓ.ም ኣብ ዝወጸአ ቁጽሪ 28 መጽሔት "ህይወት" ንናይ ኢትዮጵያ ቤተ ክርስትያን ናይ መዝሙር ኣገልግሎት ንምሕጋዝ ከም እትደልይ ቃል ኣቲኻ ኔርካ። ሕጂ ነዚ ትፍጽሞ ይመስለካ'ዶ?

 

ዶ/ር ደረጀ፡- ኣነ ብጣዕሚ ዝሕጎሰሉ ነገር እዩ። ነገር ግን ኣብዚ ናይ መዝሙር ኣገልግሎት ዝህቦ ኣበርክቶ ዝጥንቀቐሉ ነገር ከም ሓላፍነት ወይ ስልጣን ዘለዎ ሰብ ኮይነ ክወሰድ ከም ዘይብለይ እዩ። ማለተይ፡ ካብ ናተይ ልምምድ ኪመሃሩ ንዝደልዩ ዘሎኒ ከካፍል፡ ንመጻኢ ድማ ናይ ኣገልገልቲ ፍቓድ እንተ ደኣ ሃልዩ፡ ኣገልግሎትና ብምንታይ እንታይ ዓይነት ኹነታት ኪሰፍሕ ከም ዝኽእል ዝከኣለኒ ክገብር ብጣዕሚ ይደልይ እየ። ኣብዚ ግን ጥንቃቐ የድልይ እዩ፡ ኣነ ዘማሪ "እከለ" ስለ ዝኾንኩ ንካልኦት ዘመርቲ "ከምዚ ግበሩ" ኢለ ብስልጣን ምዝራብ ኣይደልይን እየ። ምኽንያቱ እግዚኣብሄር ንነፍስ ወከፍ ዘማሪ ዝሃቦ ናይ ገዛእ ርእሱ ውህበት ስለዘለዎ፡፡ ብሓፈሻ ግን ዚስማዓኒ ብዛዕባ መልእኽቲታት፡ ብዛዕባ ዜማን ኣዘማምራ ዘለኒ ልምዲ ከካፍል ብጣዕሚ ደስ ይብለኒ።

 

ይቅጽል